ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምፍጻም ዕላማ የሆዋ ዘለዎ ግደ

መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምፍጻም ዕላማ የሆዋ ዘለዎ ግደ

መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምፍጻም ዕላማ የሆዋ ዘለዎ ግደ

“እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ . . . ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ።” —ኢሳ. 55:11

1. ኣብ መንጎ መደብን ዕላማን ዘሎ ፍልልይ ብምሳሌ ኣረድእ።

 ክልተ ሰብኡት ብማኪና ኺጐዓዙ ይዳለዉ ኸም ዘለዉ ጌርካ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። እቲ ሓደ ሰብኣይ፡ ናብቲ ዚደልዮ ቦታ ኼብጽሖ ዚኽእል ዝርዝር መደብ የውጽእ። እቲ ኻልኣይ ከኣ፡ ብዛዕባ እቲ ኺበጽሖ ዚደሊ ቦታ ብንጹር ኣብ ርእሲ ምፍላጡ፡ ካልእ ኣማራጺ መገድታት እውን ይፈልጥ እዩ። ነቲ ኣብ ጕዕዞኡ ዜጋጥሞ ነገራት እናረኣየ መገዱ ኪቕይር ድሉው እዩ። እዞም ክልተ ሰብኡት ዚጥቀሙሉ ሜላታት፡ ብእተወሰነ መዳይ ነቲ ኣብ መንጎ መደብን ዕላማን ዘሎ ፍልልይ የብርህ። ሓደ መደብ፡ ናብ ሓደ ቦታ ንምብጻሕ ምስ እተውጽኦ ዝርዝር መገዲ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ፣ ሓደ ዕላማ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ፍሉይ ዝርዝራት ከይተገደስካ፡ ነቲ ኽትበጽሖ ዝሓሰብካዮ ቦታ ኣብ ኣእምሮኻ ምሓዝ የጠቓልል።

2, 3. (ሀ) ዕላማ የሆዋ እንታይ የጠቓልል፧ ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሓጥኡኸ፡ የሆዋ እንታይ እዩ ገይሩ፧ (ለ) ምስቲ ግዜኡ ሓልዩ ዚፍጸም ዕላማ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

2 የሆዋ ፍቓዱ ንምፍጻም፡ ዘይልወጥ መደብ ኣይኰነን ኣውጺኡ፣ የግዳስ፡ ግዜኡ ሓልዩ ዚፍጸም “ዕላማ” እዩ ገይሩ። (ኤፌ. 3:11 NW) እዚ ዕላማ እዚ፡ ነቲ ንደቂ ሰብን ንምድርን ኣብ መጀመርታ ዝሓለኖ ነገር፡ ማለት እዛ ምድሪ እዚኣ ፍጹማት ሰባት ብሰላምን ብሓጐስን ንዘለኣለም ዚነብሩላ ገነት ክትከውን ዝሓሰቦ ሓሳብ የጠቓልል። (ዘፍ. 1:28) ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሓጥኡ፡ የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም ዜኽእል ስጕምቲ ወሰደ፡ መሰናድዎታት እውን ገበረ። (ዘፍጥረት 3:15 ኣንብብ።) የሆዋ፡ እታ ምሳልያዊት ሰበይቱ፡ ኣብ መወዳእታ ንሰይጣን ዜጥፍእን ነቲ ንሱ ዝገበሮ ጕድኣት ዜዐርን “ዘርኢ” ወይ ወዲ ኽትወልድ ወሰነ።—እብ. 2:14፣ 1 ዮሃ. 3:8

3 ኣብ ሰማይ ይኹን ኣብ ምድሪ ዚርከብ ዝዀነ ይኹን ሓይሊ፡ ንዕላማ ኣምላኽ ከይፍጸም ኪዓግቶ ኣይክእልን እዩ። (ኢሳ. 46:9-11) ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ግደ ስለ ዘለዎ እዩ። እዚ ዚዓግቶ ዘይብሉ ሓይሊ እዚ፡ ዕላማ ኣምላኽ ‘ከም ዚቐንዕ’ ወይ ከም ዚፍጸም ኪገብር እዩ። (ኢሳ. 55:10, 11) ምስቲ ግዜኡ ሓልዩ ዚፍጸም ዕላማ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ኣሎና። ተስፋ መጻኢ ህይወትና ኣብ ምፍጻም እዚ ዕላማ እዚ እተመርኰሰ እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ የሆዋ ንመንፈስ ቅዱሱ ዚጥቀመሉ መገዲ ምርኣይና፡ እምነትና የደልድለልና እዩ። እምበኣር፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምፍጻም ዕላማ የሆዋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝነበሮ ግደ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዎ ግደ፡ ከምኡውን ኣብ መጻኢ ዚህልዎ ግደ ንርአ።

መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝነበሮ ግደ

4. የሆዋ ንዕላማኡ በብቝሩብ ዝገለጾ ብኸመይ እዩ፧

4 ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ንዕላማኡ በብቝሩብ እዩ ገሊጽዎ። ኣብ ፈለማ፡ መንነት እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ፡ ቅዱስ “ምስጢር” እዩ ነይሩ። (1 ቈረ. 2:7) ድሕርዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ዘርኢ 2,000 ዓመት ዚኣክል ጸኒሑ እዩ ተዛሪቡ። (ዘፍጥረት 12:7፣ 22:15-18 ኣንብብ።) ንኣብርሃም ድማ ሰፊሕ ፍጻመ ዘለዎ መብጽዓ ኣተወሉ። እታ “ብዘርእኻ” እትብል ቃል፡ እቲ ዘርኢ ኻብ መስመር ወለዶ ኣብርሃም፡ ሰብ ኰይኑ ኸም ዚመጽእ ብንጹር እትሕብር እያ። እዚ ዝርዝር ነጥብታት እዚ ኺግለጽ ከሎ፡ ሰይጣን ብዓብዪ ተገዳስነት ይከታተሎ ኸም ዝነበረ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እዚ ጸላኢ እዚ፡ ንመስመር ወለዶ ኣብርሃም ብምጥፋእ ወይ ብምብልሻው፡ ንዕላማ ኣምላኽ ኬፍሽሎ ኸም ዝሃቀነ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኰይኑ ግን፡ ኣይተዓወተን፣ ከመይሲ፡ እቲ ብዓይኒ ዘይርአ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ዕላማ የሆዋ ግደ ነይርዎ እዩ። ብኸመይ፧

5, 6. የሆዋ ነቶም ኣብ መስመር ወለዶ እቲ ዘርኢ ዝነበሩ ውልቀ-ሰባት ዘዕቈቦም ብኸመይ እዩ፧

5 የሆዋ ብመንፈሱ ገይሩ ነቶም ኣብ መስመር ወለዶ እቲ ዘርኢ ዝነበሩ ውልቀ-ሰባት ኣዕቈቦም። ንኣብራም (ኣብርሃም)፡ “ዋልታኻ ኣነ እየ” በሎ። (ዘፍ. 15:1) እዚ ባዶ መብጽዓ ጥራይ ኣይኰነን ነይሩ። ንኣብነት፡ ነቲ ኣብርሃምን ሳራን ኣብ ከባቢ 1919 ቅ.ክ. ኣብ ጌራር ኪነብሩ ምስ ጀመሩ ዘጋጠሞም ነገር እስከ ንውሰድ። ኣቢሜሌክ ንጉስ ጌራር፡ ሳራ ሰበይቲ ኣብርሃም ምዃና ስለ ዘይፈለጠ፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ። ሰይጣን፡ ሳራ ንኣብርሃም ዘርኢ ምእንቲ ኸይትወልደሉ ኢሉ፡ ነቲ ዅነታት ይጥቀመሉዶ ነይሩ ይኸውን፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣይገልጽን እዩ። የሆዋ ኢዱ ኸም ዘእተወ ግን ይነግረና እዩ። የሆዋ ንኣቢሜሌክ ብሕልሚ ኣቢሉ፡ ንሳራ ኸይትንክፋ ኣጠንቀቖ።—ዘፍ. 20:1-18

6 ኰይኑ ግን፡ የሆዋ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ጥራይ ኣይኰነን ኣዕቊብዎም። ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንኣብርሃምን ንስድራ ቤቱን ኣድሒንዎም እዩ። (ዘፍ. 12:14-20፣ 14:13-20፣ 26:26-29) በዚ ምኽንያት እዚ እዩ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ኣብርሃምን ዘርኡን ኪገልጽ ከሎ፡ “ንሱ [የሆዋ] ሰብ ኪጠቕዖም ኣይሐደገን፡ ንቕቡኣተይ ኣይትተንክይዎም፡ ንነብያተይ ከኣ ክፉእ ኣይትግበርዎም፡ ኢሉ ምእንትኦም ንነገስታት ገሰጾም” በለ።—መዝ. 105:14, 15

7. የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ዘዕቈቦም ብኸመይ እዩ፧

7 የሆዋ ብመንፈሱ ኣቢሉ፡ ነቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ኺውለደሉ ዝነበሮ ህዝቢ እስራኤል ኣዕቊብዎ እዩ። ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚዕቅብን ንኣይሁዳውያን ካብ መንፈሳውን ስነ-ምግባራውን ኣካላውን ብከላ ዚከላኸልን ሕጊ ብመንፈሱ ገይሩ ሃቦም። (ዘጸ. 31:18፣ 2 ቈረ. 3:3) ኣብ ዘመነ መሳፍንቲ ድማ፡ የሆዋ ንገሊኦም ሰብኡት ሓይሊ ብምሃብ፡ ንእስራኤላውያን ካብ ጸላእቶም ኣድሓኖም። (መሳ. 3:9, 10) እቲ ቐንዲ ኽፍሊ ዘርኢ ኣብርሃም ዝነበረ የሱስ ክሳዕ ዚውለድ ኣብ ዝነበረ ዘመናት እውን፡ መንፈስ ቅዱስ ንየሩሳሌምን ንቤት-ልሄምን ነታ ቤተ መቕደስን ኣብ ምዕቋብ ግደ ነይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ፡ እዚ ቦታታት እዚ፡ ኣብ ፍጻመ እቲ ንየሱስ ዚምልከት ትንቢታት ዓብዪ እጃም ነይርዎ እዩ።

8. መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ብቐጥታ ይዓዪ ኸም ዝነበረ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

8 መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ብቐጥታ ይዓዪ ነይሩ እዩ። ኣብ ማሕጸን ድንግል ማርያም ይዓዪ ስለ ዝነበረ፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ነገር ፈጸመ፣ ንሓንቲ ዘይፍጽምቲ ሰበይቲ ኣብ ትሕቲ ዅነኔ ሞት ዘይኰነ ፍጹም ወዲ ኸም እትወልድ ከኣ ገበረ። (ሉቃ. 1:26-31, 34, 35) ጸኒሑ እውን፡ እቲ መንፈስ ነቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስ ቅድሚ ግዜኡ ኸይመውት ኣዕቊብዎ እዩ። (ማቴ. 2:7, 8, 12, 13) የሱስ ወዲ 30 ዓመት ምስ ኰነ፡ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስ ቀብኦ፣ ንኺሰብኽን ሕጋዊ ወራስ ዝፋን ዳዊት ንኪኸውንን ድማ መዘዞ። (ሉቃ. 1:32, 33፣ 4:16-21) ብዘይካዚ፡ መንፈስ ቅዱስ ንየሱስ ተኣምራት ንኺገብር ሓይሊ ሂብዎ እዩ፣ ንኣብነት፡ ንሕሙማት ኬሕዊ፡ ንብዙሓት ሰባት ኪምግብ፡ ከምኡውን ንምዉታት ኬተንስእ ክኢሉ እዩ። እዚ የሱስ ዝፈጸሞ ተኣምራት፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ዚህሉ በረኸት ዚኸውን መርኣዪ እዩ ነይሩ።

9, 10. (ሀ) እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ኸም ዝረኸቡ ዚሕብር መርትዖ እተራእየ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ኣብ ምፍጻም ዕላማ የሆዋ እንታይ ምዕባለ እዩ ተራእዩ፧

9 ካብ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኣትሒዙ፡ የሆዋ ነቲ ኻልኣይ ክፋል ዘርኢ ኣብርሃም ንምቕባእ፡ መንፈስ ቅዱሱ ተጠቕመ፣ መብዛሕትኦም ካብቲ ነዚ ኻልኣይ ክፋል ዘርኢ ኣብርሃም ዜቝሙ ሰባት፡ ካብ ወለዶ ኣብርሃም ኣይኰኑን ነይሮም። (ሮሜ 8:15-17፣ ገላ. 3:29) እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብቕንኣት ኪሰብኩን ተኣምራት ኪገብሩን ምኽኣሎም፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ኸም ዝረኸቡ ዜርኢ መርትዖ እዩ ነይሩ። (ግብ. 1:8፣ 2:1-4፣ 1 ቈረ. 12:7-11) መንፈስ ቅዱስ በዚ ተኣምራዊ ውህበት ኣቢሉ፡ ኣብ ምፍጻም ዕላማ የሆዋ ጕሉሕ ምዕባለ ኸም እተገብረ ሓበረ። ካብ ሽዑ ንነጀው፡ የሆዋ ነቲ ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ዘተኰረ ዘመናት ዘቝጸረ መሰናድዎ ኣምልኾ ሓደጎ። ሞገሱ ናብታ ሓዳስ ዝቘመት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣሰጋገረ። ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር፡ ዕላማኡ ንምፍጻም፡ ነታ እተቐብአት ጉባኤ ኺጥቀመላ ጸኒሑ እዩ።

10 ገለ ኻብቲ የሆዋ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዕላማኡ ንቕድሚት ንኼገስግስ ኢሉ ንመንፈስ ቅዱሱ እተጠቕመሉ መገዲ፡ ምዕቋብ፡ ሓይሊ ምሃብ፡ ምቕባእ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ግዜናኸ የሆዋ ዕላማኡ ንምድጋፍ ንመንፈሱ ብኸመይ እዩ ዚጥቀመሉ፧ ምስቲ መንፈሱ ተሰማሚዕና ኽንዓዪ ስለ እንደሊ፡ ነዚ ኽንፈልጦ ኣሎና። እምበኣር፡ ካብቲ የሆዋ ኣብዚ ግዜ እዚ ንመንፈሱ ዚጥቀመሉ ዘሎ መገድታት፡ ኣርባዕተ ንርአ።

መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዎ ግደ

11. መንፈስ ቅዱስ ንህዝቢ ኣምላኽ ንምንጻህ ከም ዚሕግዝ ዜርኢ እንታይ እዩ፧ ንስኻ ምስ መንፈስ ኣምላኽ ትተሓባበር ከም ዘለኻኸ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

11 ቀዳማይ፡ መንፈስ ቅዱስ ንህዝቢ ኣምላኽ ንምንጻህ ይሕግዝ እዩ። እቶም ኣብ ዕላማ የሆዋ እጃም ዘለዎም ሰባት፡ ብስነ-ምግባር ንጹሃት ኪዀኑ ኣለዎም። (1 ቈረንቶስ 6:9-11 ኣንብብ።) ገሊኦም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዝዀኑ ሰባት፡ ኣቐዲሞም ከም ምንዝርን ዝሙትን ግብረ-ሶዶምን ዝኣመሰለ ርኹስ ተግባራት ይገብሩ ነይሮም እዮም። እቲ ንሓጢኣት ዚወልድ ትምኒት፡ ኣዕሚቑ ሱር ዝሰደደ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ያእ. 1:14, 15) ኰይኑ ግን፡ እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ‘ተሓጺቦም’ እዮም፣ እዚ ድማ ንኣምላኽ ንምሕጓስ ዜድሊ ለውጥታት ከም ዝገበሩ እዩ ዜመልክት። ሓደ ንኣምላኽ ዜፍቅር ሰብ፡ ነቲ ግጉይ ትምኒታቱ ዜሕድረሉ ድፍኢት ንኺጻረሮ ዜኽእሎ እንታይ እዩ፧ ኣብ 1 ቈረንቶስ 6:11፡ “መንፈስ ኣምላኽና” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። ንስኻ እውን ብስነ-ምግባር ንጹህ ብምዃን፡ መንፈስ የሆዋ ኣብ ህይወትካ ዓብላሊ ሓይሊ ኪኸውን ከም ዘፍቀድካሉ ኸተርኢ ትኽእል ኢኻ።

12. (ሀ) ብመሰረት እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ፡ የሆዋ ንውድቡ ዚመርሖ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ምስቲ መንፈስ ተሰማሚዕካ ትዓዪ ኸም ዘለኻ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧

12 ካልኣይ፡ የሆዋ ንውድቡ ናብቲ ዚደልዮ ኣንፈት ንምምራሕ፡ ብመንፈሱ ይጥቀም እዩ። ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ፡ እቲ ሰማያዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ፡ ከም ሓደ ዕላማ የሆዋ ንምፍጻም ብዘይ ዓጋቲ ዚግስግስ ሰማያዊ ሰረገላ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። ነቲ ሰረገላ ናብ ሓደ ኣንፈት ንኪኸይድ ዚድርኾ እንታይ እዩ፧ መንፈስ ቅዱስ እዩ። (ህዝ. 1:20, 21) ውድብ የሆዋ፡ ሰማያውን ምድራውን ዚበሃል ክልተ ኽፋል ከም ዘለዎ ኣይንረስዕ። እቲ ሰማያዊ ኽፋል ብመንፈስ ቅዱስ ዚምራሕ ካብ ኰነ፡ እቲ ምድራዊ ኽፋል እውን ከምኡ ኪኸውን ኣለዎ። እምበኣር፡ ነቲ ኻብ ምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ዚወሃብ መምርሒ እዙዝን እሙንን ብምዃን፡ ምስቲ ሰማያዊ ሰረገላ የሆዋ ትስጕም ከም ዘለኻን ምስ መንፈስ ቅዱስ ተሰማሚዕካ ትዓዪ ኸም ዘለኻን ከተርኢ ትኽእል ኢኻ።—እብ. 13:17

13, 14. (ሀ) እቶም ነቲ የሱስ “እዚ ወለዶ እዚ” ዝበሎ ዜቝሙ መን እዮም፧ (ለ) መንፈስ ቅዱስ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜብርህ ዜርኢ ኣብነት ሃብ። (“ምስቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ብርሃን ትስጕምዶ ኣለኻ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

13 ሳልሳይ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ የብርሃልና እዩ። (ምሳ. 4:18) እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ነቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ብርሃን ንምግላጽ፡ ብቐዳምነት በዛ መጽሔት እዚኣ ተጠቒሙ እዩ። (ማቴ. 24:45) ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቶም ነቲ የሱስ “እዚ ወለዶ እዚ” ዝበሎ ዜቝሙ ሰባት ዘሎና ምርዳእ እስከ ንውሰድ። (ማቴዎስ 24:32-34 ኣንብብ።) የሱስ ብዛዕባ ኣየናይ ወለዶ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ “ህላወ ክርስቶስ—ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ፡ የሱስ ብዛዕባ እቶም እኩያት ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቶም ድሕሪ ሓጺር ግዜ ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ ደቀ መዛሙርቱ ይዛረብ ከም ዝነበረ ገለጸት። a ነቲ ትእምርቲ ኻብ ምርኣይ ሓሊፎም፡ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ዜስተውዕሉ፡ ማለት የሱስ “ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ” ዚፈልጡ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ዀኑ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ቕቡኣት ሰዓብቲ የሱስ ጥራይ እዮም።

14 እዚ መግለጺ እዚ ንዓና እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ ንውሓት እቲ “እዚ ወለዶ እዚ” ተባሂሉ ዘሎ ብልክዕ ክንልክዖ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ብዛዕባ እታ “ወለዶ” እትብል ቃል ግን እተወሰነ ነጥብታት ኣብ ኣእምሮና ኽንሕዝ ኣሎና። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ እተፈላለየ ዕድመ ዚርከቡ ኣብ ሓደ እዋን ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት ተመልክት፣ ንውሓት እቲ ወለዶ፡ ብዘይመጠን ነዊሕ ኣይኰነን፣ መወዳእታ ኸኣ ኣለዎ። (ዘጸ. 1:6) ነቲ የሱስ “እዚ ወለዶ እዚ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ደኣ እሞ ብኸመይ ኢና ኽንርድኦ ዘሎና፧ ህይወት እቶም እቲ ትእምርቲ ብ1914 ኪገሃድ ምስ ጀመረ ዝነበሩ ቕቡኣት ቅድሚ ምዝዛሙ፡ ህይወት እቶም መጀመርታ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚርእዩ ኻልኦት ቅቡኣት ከም ዚጅምር እዩ ዚሕብር ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። እቲ ወለዶ እቲ፡ መጀመርታ ነይርዎ፣ ብርግጽ ድማ መወዳእታ ኺህልዎ እዩ። እተፈላለየ መዳያት እቲ ትእምርቲ ምፍጻሙ፡ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኸም ዝቐረበ እዩ ብንጹር ዚሕብር። ንስኻ እውን ናይ ህጹጽነት መንፈስካ ብምዕቃብን ነቒሕካ ብምምልላስን፡ ምስቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ብርሃን ትጐዓዝን ንመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ትስዕብን ከም ዘለኻ ኸተርኢ ትኽእል ኢኻ።—ማር. 13:37

15. መንፈስ ቅዱስ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ሓይሊ ኸም ዚህበና ዜርኢ እንታይ እዩ፧

15 ራብዓይ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰብኽ ሓይሊ ይህበና እዩ። (ግብ. 1:8) እቲ ብስራት ኣብ መላእ ምድሪ ኺስበኽ ዝኸኣለ፡ ሳላ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ እንተ ዘይኰይኑ፡ ካልእ እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ ሕስብ እሞ ኣብሎ። ምናልባት ሓደ ኻብቶም ኣመና ዚሓፍሩ ወይ ዚፈርሁ ዝነበሩ እሞ፡ ‘ካብ ቤት ናብ ቤት ከይደ ኽሰብኽ ኣይክእልን እየ’ ኢሎም ዚሓስቡ ዝነበሩ ሰባት ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ሕጂ ግን ኣብዚ ዕዮ እዚ ብቕንኣት ትካፈል ትህሉ ትኸውን። b ብዙሓት እሙናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ምጽራርን መስጐጕትን እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ስብከቶም ቀጺሎም እዮም። እቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ብዚህበና ሓይሊ ኣቢልና ጥራይ ኢና፡ ነቲ ዘይስገር ዚመስል ዕንቅፋታት ክንሰግሮን ነቲ ብሓይልና ኽንገብሮ ዘይንኽእል ነገራት ክንፍጽምን እንኽእል። (ሚክ. 3:8፣ ማቴ. 17:20) ኣብ ዕዮ ስብከት ምሉእ ብምሉእ ብምክፋል፡ ምስቲ መንፈስ ትተሓባበር ከም ዘለኻ ኸተርኢ ትኽእል ኢኻ።

መንፈስ ቅዱስ ኣብ መጻኢ ዚህልዎ ግደ

16. የሆዋ ንህዝቡ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ኸም ዜዕቍቦም ክንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

16 ኣብ መጻኢ፡ የሆዋ ዕላማኡ ንምፍጻም ንመንፈስ ቅዱሱ ብዜደንቕ መገዲ ኺጥቀመሉ እዩ። ፈለማ፡ ብኸመይ ንምዕቋብ ከም ዚጥቀመሉ ንርአ። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ንውልቀ-ሰባትን ንህዝቢ እስራኤልን ንምዕቋብ ብመንፈሱ ተጠቒሙ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ኣብቲ እናቐረበ ዚመጽእ ዘሎ ብርቱዕ ጸበባ፡ ንህዝቡ ንምዕቋብ ነቲ ሓያል መንፈስ ከም ዚጥቀመሉ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። የሆዋ ኣብቲ እዋን እቲ ብኸመይ ከም ዚከናኸነና ኽንግምት ኣየድልየናን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቶም ንዕኡ ዜፍቅርዎ ሰባት ካብ ኣዒንቱ ኸም ዘይስወሩ ወይ ኣብ ዝሃለዉ ሃልዮም ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ኺሕግዞም ከም ዚኽእል ስለ እንፈልጥ፡ ንመጻኢ ብምትእምማን ክንጽበዮ ንኽእል ኢና።—2 ዜና 16:9፣ መዝ. 139:7-12

17. የሆዋ ንመንፈስ ቅዱሱ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚጥቀመሉ ብኸመይ እዩ፧

17 የሆዋ ንመንፈስ ቅዱሱ ኣብታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም ዚጥቀመሉ ብኸመይ እዩ፧ ኣብቲ እዋን እቲ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ነቲ ሽዑ ዚግንጸል ሓደስቲ መጻሕፍቲ ኣብ ምድላው እጃም ኪህልዎ እዩ። (ራእ. 20:12) ትሕዝቶ እዚ መጻሕፍቲ እዚ እንታይ እዩ፧ የሆዋ ኣብቲ ሽሕ ዓመት ከነማልኦ ዚደልየና ብቕዓታት ዘጠቓለለ ኪኸውን ኣለዎ። ንትሕዝቶ እዚ መጻሕፍቲ ኽትፈልጥ ትህንጠዶ፧ ንሓዳስ ዓለም ብሃንቀውታ ኢና እንጽበያ። ኣብቲ የሆዋ ብመንፈሱ ኣቢሉ ንምድርን ንደቂ ሰብን ዘለዎ ዕላማ ዚፍጽመሉ እተባረኸ ግዜ ምንባር፡ ከመይ ከም ዚመስል ሕጂ ኽንግምቶ እንኽእል ኣይኰነን።

18. እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

18 የሆዋ ነቲ ኻብ ኵሉ ዝሓየለ መንፈስ ቅዱሱ ስለ ዚጥቀም፡ ዕላማኡ ብርግጽ ከም ዚፍጸም ክንርስዕ የብልናን። እዚ ዕላማ እዚ ንዓኻ እውን ዚምልከት እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ መንፈሱ ንኺህበካን ምስ መሪሕነት እቲ መንፈስ ተሰማሚዕካ ንኽትዓዪን፡ ንየሆዋ ለምኖ። (ሉቃ. 11:13) ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ልክዕ ከምቲ የሆዋ ንደቂ ሰብ ዝዓለመሎም፡ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኺህልወካ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 15 ለካቲት 2008 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 21-25 ርአ።

b ሓንቲ ኣመና እትሓንኽ ዝነበረት ሓብቲ፡ ነዚ ኣሰኒፋ ብኸመይ ብቕንኣት ከተገልግል ከም ዝኸኣለት፡ ኣብ ናይ 15 መስከረም 1993 ገጽ 18 (ወይ ገጽ 19 እንግሊዝኛ) ርአ።

ትዝክሮዶ፧

• የሆዋ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዕላማኡ ንቕድሚት ንኼገስግስ ኢሉ ንመንፈስ ቅዱሱ እተጠቕመሉ ብኸመይ እዩ፧

• የሆዋ ኣብዚ ግዜ እዚ ንመንፈስ ቅዱሱ ዚጥቀመሉ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

• የሆዋ ኣብ መጻኢ ዕላማኡ ንምፍጻም ንመንፈሱ ዚጥቀመሉ ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሳጹን]

ምስቲ እናወሰኸ ዚኸይድ ብርሃን ትስጕምዶ ኣለኻ፧

የሆዋ ንህዝቡ ብቐጻሊ ብርሃኑ የብርሃሎም እዩ። ገለ ኻብቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ እተሓትመ ምትዕርራያት እንታይ እዩ፧

እቲ የሱስ እተዛረቦ ብዛዕባ ማይ ብሑቝ ዚገልጽ ምሳሌ፡ ንመንፈሳዊ ዕቤት ዚምልከት እንታይ ኣወንታዊ ትምህርቲ እዩ ዜጕልሕ፧ (ማቴ. 13:33)—15 ሓምለ 2008፡ ገጽ 19-20

እቲ ንሰማያዊ ተስፋ ዚግበር ጽውዓ ክርስትያናት፡ መዓስ እዩ ዜቋርጽ፧—1 ግንቦት 2007፡ ገጽ 30-31

ንየሆዋ “ብመንፈስ” ከተምልኾ ኺበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ዮሃ. 4:24)—15 ሓምለ 2002፡ ገጽ 15

እቶም ብዙሓት ሰብ ኣበየናይ ኣጸድ እዮም ዜገልግሉ፧ (ራእ. 7:15)—1 ግንቦት 2002፡ ገጽ 30-31

ምፍልላይ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን መዓስ እዩ ዚግበር፧ (ማቴ. 25:31-33)—15 ጥቅምቲ 1995፡ ገጽ 18-28