ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብምንባብ ተሓጒስካዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

መሲሕ ኪመውት ዝነበሮ ስለምንታይ እዩ፧

ብቐዳምነት፡ ሞት የሱስ፡ ሓደ ፍጹም ሰብ ኣዝዩ ብርቱዕ ፈተና እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ክሳዕ መወዳእታ ንኣምላኽ ኬምልኽ ከም ዚኽእል ኣረጋገጸ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ዘርኢ ኣዳም ዝወረስዎ ሓጢኣት ዘስዓቦ መቕጻዕቲ ኸፈለ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ኣጋጣሚ ተኸፍተሎም።—15/12 ገጽ 22-23

ሓደ ሰብ፡ ኣልኮላዊ መስተ ንኸየብዝሕ እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧

ጸሎትን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ኪሕግዞ ይኽእል እዩ። ርእስኻ ናይ ምቍጽጻር ባህርይ ኬማዕብል፡ ነቲ ዝገበሮ ውሳነ ኣጥቢቑ ኺሕዝ፡ ከምኡውን ጥዑያት ኣዕሩኽ ኪሓሪ ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ ንመጠን እቲ ዚሰትዮ ደረት ኪገብረሉን ኣይፋል ምባል ኪፈልጥን ይግባእ።—1/1 ገጽ 7-9

ትርጕም ዘለዎ ዕላል እንታይ የጠቓልል፧

ንደቅኻ ኻብ ምዝራብ ንላዕሊ፡ ማለት ሕቶታት ምሕታትን ብትዕግስቲ ምስማዕን የጠቓልል። ብዙሓት ስድራ ቤታት፡ ኣብ መኣዲ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ጠቓሚ ዀይኑ ረኺበናኦ እየን።—15/1 ገጽ 18-19

የሆዋ ፍጹም ክነሱ ኺጠዓስ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ሓድሓደ ግዜ፡ ኣምላኽ ንሰባት ዘለዎ ኣመለኻኽታ ይቕይር እዩ። ንኣብነት፡ ጥንታውያን እስራኤላውያን ብተደጋጋሚ ንየሆዋ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ይስዕቡ ነበሩ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ፡ የሆዋ ነቲ ዚገብረሎም ዝነበረ ዕቝባ የቋርጾ ነበረ። ይኹን እምበር፡ እቶም ህዝቢ ኻብቲ ግጉይ መገዶም ተጣዒሶም ኣምላኽ ንኺሕግዞም ኪልምኑ ኸለዉ፡ ሓሳቡ ይቕይር ወይ ከኣ ‘ይጠዓስ’ ነበረ። (መሳ. 2:18)—1/2 ገጽ 21

ኣብ ትሕቲ እንታይ ኵነታት እዩ ዳግመ ጥምቀት ኪግበር ዚከኣል፧

ሓደ ሰብ ኣብ ግዜ ጥምቀቱ፡ ጥሙቕ እንተ ዚኸውን ነይሩ ኼወግዶ ዚኽእል ዓይነት ህይወት ብምስጢር ይመርሕ ወይ ከምኡ ዝኣመሰለ ተግባራት ብተደጋጋሚ ይፍጽም እንተ ነይሩ፡ ዳግማይ ኪጥመቕ ይኽእል እዩ።—15/2 ገጽ 22

ሰባት ንስርቂ ዜቕርብዎ ሰለስተ ልሙድ መመኽነይታ እንታይ እዩ፧

ገሊኦም ሰባት፡ ድኻ ሰብ ኪሰርቕ ብቑዕ ምኽንያት ዘለዎ ይመስሎም ይኸውን። “ኵሉ እዩ ዚገብሮ” ዚብል መመኽነይታ እውን የቕርቡ። ዝጠፍአ ንብረት ዝረኸቡ ገሊኦም ሰባት ከኣ፡ “ረኸብቲ ወሰድቲ” ብዚብል ኣመለኻኽታ ነቲ ንብረት ኣይመልስዎን። መጽሓፍ ቅዱስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ መመኽነይታታት ኣይድግፎን እዩ።—1/3 ገጽ 12-14

ኣብቲ የሱስ ዝገለጾ ምሳሌ እቲ ስርናይን ክርዳድን፡ ምዝራእ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ እንታይ የመልክት፧

እቲ ወዲ ሰብ ዚበሃል የሱስ፡ ኣብቲ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ነታ ግራት ንዘርኢ ኣዳለዋ። ካብ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ንደሓር፡ ክርስትያናት ከም ደቂ ኣምላኽ ማለት ደቂ መንግስቲ ዀይኖም ኪቕብኡ ምስ ጀመሩ እዩ እቲ ዘርኢ ኺዝራእ ተጀሚሩ።—15/3 ገጽ 19-20

እቲ ኣብቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳሌ እተጠቕሰ ምሳልያዊ ስርናይ፡ ከመይ ኢሉ እዩ ናብ ቆፎ የሆዋ ዚኣቱ ዘሎ፧ (ማቴ. 13:30)

ፍጻመ እቲ ብዛዕባ ምሳልያዊ ስርናይ ዚገልጽ ምሳሌ፡ ኣብ መደምደምታ እዚ ስርዓት እዚ ንንውሕ ዝበለ እዋን ዚቕጽል እዩ። እቶም ነቲ ምሳልያዊ ስርናይ ዜመልክቱ ቕቡኣት ደቂ መንግስቲ፡ ሓደው ናብታ ሞገስን ዕቝባን ኣምላኽ ዚረኽቡላ ኸም ብሓድሽ ዝቘመት ክርስትያናዊት ጉባኤ ብምእካብ፡ ወይ ሰማያዊ ዓስቦም ብምርካብ እዮም ናብቲ ቖፎ የሆዋ ዚኣትዉ ዘለዉ።—15/3 ገጽ 22

ኣየናይ ጽሑፋት ኣብ ቀኖና ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ኸም ዚጠቓለል ዝወሰነ መን እዩ፧

ብዝዀነ ይኹን ዋዕላ ቤተ-ክርስትያን ወይ መራሒ ሃይማኖት ኣይተወሰነን። የግዳስ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ፡ ነቲ ብሓቂ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጽሑፋት ኣለልዮምዎ እዮም። እዚ ኸኣ ምስቲ ሓደ ኻብቲ ኣብ ቀዳሞት ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበረ ተኣምራዊ ውህበት መንፈስ፡ “ምልላይ መናፍስቲ” ኸም ዝነበረ ዚገልጽ ሓቂ ዚሰማማዕ እዩ። (1 ቈረ. 12:4, 10)—1/4 ገጽ 28