ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣዒንትኻ ኻብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን!

ንኣዒንትኻ ኻብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን!

ንኣዒንትኻ ኻብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን!

“ነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን፡ ብመገድኻ ህያው ግበረኒ።” —መዝ. 119:37

1. ኣዒንትና ኽሳዕ ክንደይ ኣገደስቲ እየን፧

 ኣዒንትና ኣዝየን ክቡራት እየን። ብእአን ኣቢልና፡ ኣብ ከባቢና ዘሎ ኸነለሊ ንኽእል። ነቶም እንፈትዎም ፈተውትና ወይ ነቲ ኽንሃድመሉ ዘሎና ሓደጋታት ክንርኢ ንኽእል። ጽባቐ ኽንርኢ፡ መስተንክር ፍጥረታት ክንዕዘብ፡ ንህልውናን ክብርን ኣምላኽ መርትዖ ዚዀነና ነገራት ክንጥምት ንኽእል። (መዝ. 8:3, 4፣ 19:1, 2፣ 104:24፣ ሮሜ 1:20) ኣዒንትና ኣብቲ ናብ ኣእምሮና ዚመሓላለፍ መልእኽቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ተራ ስለ ዘለወን፡ ብዛዕባ የሆዋ ፍልጠት ንኸነጥርን ኣብኡ ዘሎና እምነት ንኽንሃንጽን ዓብዪ እጃም የበርክታ እየን።—እያ. 1:8፣ መዝ. 1:2, 3

2. እንርእዮ ነገራት ኬተሓሳስበና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ ካብቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዘቕረቦ ልመናኸ እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧

2 እንተዀነ ግን፡ እንርእዮ ነገራት ጐዳኢ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ መንጎ ኣዒንትናን ኣእምሮናን ዘሎ ምትእስሳር ኣዝዩ ሓያል ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ብኣዒንትና ኣቢሉ ዚኣቱ ነገር ኣብ ልብና ድሌትን ባህግን ኬላዕል ወይ ኬጐሃህር ይኽእል እዩ። ኣብዛ ሰይጣን ድያብሎስ ዝገዛኢኣ፡ ጽዩቓትን ብዕሉጋትን ሰባት ከኣ ዝመልእዋ ዓለም ስለ እንነብር፡ ሓንሳእ እውን እንተ ጠሚትናዮ ኣንፈትና ኼጥፍኣልና ዚኽእል ምስልታትን ፕሮፓጋንዳን ፈቐዶኡ እዩ ዚርከብ። (1 ዮሃ. 5:19) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንኣምላኽ፡ “ነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን፡ ብመገድኻ ህያው ግበረኒ” ኢሉ ኺልምን እምበኣር ሓቁ እዩ።—መዝ. 119:37

ኣዒንትና ብኸመይ ኬስሕታና ኸም ዚኽእላ

3-5. እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻባት እዩ ኣዒንትና ኺሓብላና ኸም ዚኽእላ ዜርኢ፧

3 ነታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ዝነበረት ሄዋን ዘጋጠማ እሞ ሕስብ ነብለሉ። ካብታ “ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም” እንተ በሊዓ፡ ኣዒንታ ኸም “ዚኽፈታ፡” ሰይጣን ሓሳብ ሃባ። ሄዋን፡ እቲ ኣዒንታ ኸም “ዚኽፈታ” እተነግራ ነገር ደንጽይዋ ኪኸውን ኣለዎ። “እታ ኦም ምብልዓ ጥዕምቲ፡ ነዒንቲ ኸኣ ጽብቕቲ፡ ጥበብ ብምሃባውን እተብህግ ኦም ምዃና” ምስ ረኣየት፡ ነታ እተኸልከለት ፍረ ንምብላዕ ዘለዋ ባህጊ ተጐሃሃረ። ነታ ኦም ባህጊ ኣሕዲራ ምጥማታ፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ከም እተፍርስ ገበራ። ሰብኣያ ኣዳም እውን ትእዛዝ ኣፍረሰ፣ እዚ ኸኣ ንዅሎም ደቂ ሰብ ሕማቕ ኣስዓበሎም።—ዘፍ. 2:17፣ 3:2-6፣ ሮሜ 5:12፣ ያእ. 1:14, 15

4 ብግዜ ኖህ፡ ገሊኦም መላእኽቲ በቲ ዝረኣይዎ ተጸልዮም እዮም። ዘፍጥረት 6:2 ብዛዕባኦም ከምዚ ኢላ ተዘንቱ፦ “እቶም ደቂ ኣምላኽ ድማ ነተን ኣዋልድ ሰብ፡ መልክዔኛታት ከም ዝዀና ምስ ረአዩ፡ ካባታተን ዘዝሐረይወን ኣንስቲ ወሰዱ።” እቶም ዓለወኛታት መላእኽቲ ነተን ኣዋልድ ሰብ ብህርፋን ምጥማቶም፡ ዘይባህርያዊ ጾታዊ ትምኒት ከም ዜሕድሩ ገበሮም፣ ዓመጸኛታት ውሉዳት እውን ወለዱ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ክፍኣት ሰብ ስለ ዝበዝሐ፡ ብዘይካ ኖህን ስድራ ቤቱን፡ ኵሎም ደቂ ሰብ ጠፍኡ።—ዘፍ. 6:4-7, 11, 12

5 ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት፡ ኣካን ብኣዒንቱ ተታሊሉ፡ ካብታ እተሳዕረት ከተማ ያሪኮ እተወሰነ ንብረት ሰረቐ። ብዘይካ እቲ ኣብ ቤት መዝገብ የሆዋ ዚኣቱ እተወሰነ ነገራት፡ ኵሉ እቲ ኣብታ ኸተማ እተረኽበ ዘበለ ኺጠፍእ፡ ኣምላኽ ኣዚዙ ነይሩ እዩ። ንእስራኤላውያን፡ “ካብቲ እተሐርመ ኸይትወስዱ . . . ካብቲ እተሐርመ ነገር ተጠንቀቑ” ዚብል መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። ኣካን ነዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ጠሓሰ፡ እስራኤላውያን ብደቂ ኸተማ ዓይ ተሳዕሩ፡ እተወሰኑ ሰባት እውን ሞቱ። ኣካን ስርቁ ኽሳዕ ዚቃላዕ፡ ጌጋኡ ኣይተኣመነን። ኣብ መወዳእታ ግን፡ “[ነቲ እተዘምተ] ምስ ርኤኹ፡ ሽዑ ተመኔኽዎ እሞ ወሰድክዎ” በለ። እቲ ብኣዒንቱ ርእዩ እተመነዮ ነገራት፡ ጥፍኣት ኣምጸኣሉ፣ “ዘለዎ ዅሉ” እውን ምስኡ ጠፍአ። (እያ. 6:18, 19፣ 7:1-26) ኣካን ነቲ ኽልኩል ነገር ብልቡ ተመነዮ።

ኣድላይነት ርእሰ-ተግሳጽ

6, 7. ሰይጣን ንኺፍንጥረና ኢሉ ኣየናይ “ውዲት” እዩ መብዛሕትኡ ግዜ ዚጥቀም፧ መዋዓዋዕቲ ንግዲ ነዚ ዚጥቀሙሉኸ ብኸመይ እዮም፧

6 ሎሚ፡ ንደቂ ሰብ ምስቲ ንሄዋንን ነቶም ዘይእዙዛት መላእኽትን ንኣካንን ዘጓነፎም ዚመሳሰል ፈተና የጋጥሞም እዩ። ካብ ኵሉ እቲ ሰይጣን ንደቂ ሰብ ንምትላል ዚጥቀመሉ “ውዲት፡” “ፍትወት ኣዒንቲ” እቲ ዝሓየለ እዩ። (2 ቈረ. 2:11፣ 1 ዮሃ. 2:16) ዘመናውያን መዋዓዋዕቲ ንግዲ፡ ሰባት በቲ ዚርእይዎ ኸም ዚሰሓቡ ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም። ሓደ ኣብ መሸጣ ፍርያት ክኢላ ዝዀነ ኣውሮጳዊ፡ “ርእየት ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኺሓብል ዚኽእል ህዋስ እዩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “መብዛሕትኡ እዋን ንኻልኦት ህዋሳት ይቈጻጸሮም፡ ኣንጻር ስነ-መጐታዊ ነገር ንኽትገብር ድማ ኬእምነካ ይኽእል” በለ።

7 መዋዓዋዕቲ ንዚሸጥዎ ፍርያቶም ወይ ኣገልግሎቶም ከም እንምነዮ ዚገብር ብብልሓት እተዳለወ ሓያል ጦብላሕታ ዚሓድግ ምስልታት ፈቐዶኡ ዚዝርግሑ እምበኣር በዚ ምኽንያት እዚ እዮም። መዋዓውዒ ኣብ ሰባት ብዛዕባ ዘለዎ ጽልዋ ዜጽንዕ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ሓደ ተመራማሪ፡ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ፡ “ሓበሬታ ንምምሕልላፍ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዓብዪኡ እተወሰነ ስምዒትን ተግባርን ንኼለዓዕል ተባሂሉ እዩ ዚዳሎ” በለ። ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል ምስሊ፡ ኣብ መዋዓውዒ ብብዝሒ ይዝውተር እዩ። ስለዚ፡ ነቲ እንርእዮን ናብ ኣእምሮናን ልብናን ኪኣቱ እንፈቕደሉን ነገር፡ ክንቈጻጸሮ ኣሎና።

8. መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣዒንትና ኽንሕልወን ከም ዘሎና ዜጕልሕ ብኸመይ እዩ፧

8 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብፍትወት ኣዒንትን ብፍትወት ስጋን ፈጺሞም ዘይጽለዉ ኣይኰኑን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ቃል ኣምላኽ ምስቲ እንርእዮን እንብህጎን ነገራት ብእተተሓሓዘ፡ ርእስና ኽንግስጽ የተባብዓና እዩ። (1 ቈረ. 9:25, 27፣ 1 ዮሃንስ 2:15-17 ኣንብብ።) እቲ ቕኑዕ ዝነበረ እዮብ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ምርኣይን ምምናይን ዘሎ ሓያል ምትእስሳር ኣስተውዒሉሉ ነበረ። ስለዚ ድማ፡ “ምስ ኣዒንተይ ኪዳን ተአታቶኹ፡ ከመይ ኢለ ደኣ ናብ ቈንጆ ግልጽ ክብል፧” በለ። (እዮ. 31:1) ንሰበይቲ ብርኹስ ኣገባብ ከይትንክፍ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣእምሮኡ ኸምዚ ዓይነት ሓሳብ ከየእቱ እውን እዩ ቘሪጹ። የሱስ እውን፡ ኣእምሮ ኻብ ርኹስ ሓሳባት ንጹህ ኪኸውን ከም ዘለዎ ኼጕልሕ ከሎ፡ “ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ” በለ።—ማቴ. 5:28

ከነርሕቖ ዘሎና ኸንቱነት

9. (ሀ) ብሕልፊ ኢንተርነት ክንጥቀም ከለና፡ ጥንቁቓት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ንሓጺር ግዜ እውን እንተ ዀነ ስእለ-ጽዩፍ ምርኣይ እንታይ ሳዕቤን ኪህልዎ ይኽእል፧

9 ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም፡ ብሕልፊ ኣብ ኢንተርነት ስእለ-ጽዩፍ ‘ምጥማት’ ዝውቱር እናዀነ ይኸይድ ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ወብ-ሳይት ባዕሉ ኣናድዩ እዩ ዚመጸና! ብኸመይ፧ ዜህርር ስእሊ ዝሓዘ መዋዓውዒ ብሃንደበት ኣብ ኮምፕዩተርካ ኪቕልቀል ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ንሓደ ዘይጓዳእ ዚመስል ዝነበረ ኢ-መይል ምስ ከፈትካዮ፡ ንምዕጻዉ ዜሸግር ዓይነት ስእለ-ጽዩፍ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ነቲ ስእለ-ጽዩፍ ንሓጺር ግዜ ጥራይ እውን እንተ ርእይዎ፡ እቲ ምስሊ ኣብ ኣእምሮኡ እዩ ዚቕረጽ። ኣብታ ህሞት እቲኣ ዚርእዮ ነገር፡ ዜሕዝን ሳዕቤናት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ነቲ ሰብ፡ ሕልናኡ ኼሳቕዮን ነቲ ርኹስ ምስሊ ኻብ ኣእምሮኡ ንምድምሳስ ቃልሲ ኪዀኖን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ሓደ ደይ መደይ ኢሉ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ‘ዚጥምት’ ሰብ፡ ክፉእ ትምኒታቱ ኸም ዘይቀተለ እዩ ዚሕብር።—ኤፌሶን 5:3, 4, 12 ኣንብብ፣ ቈሎ. 3:5, 6

10. ቈልዑ ብስእለ-ጽዩፍ ብዝያዳ ኺጕድኡ ዚኽእሉ ስለምንታይ እዮም፧ ስእለ-ጽዩፍ ምርኣይከ እንታይ ኬስዕበሎም ይኽእል፧

10 ቈልዑ ብተፈጥሮኦም ንምፍላጥ ሃንቀውታ ስለ ዘለዎም፡ ብስእለ-ጽዩፍ ኪሰሓቡ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ እንተ ኣጋጢምዎም፡ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዘለዎም ኣረኣእያ ንሓዋሩ ይጽሎ እዩ። ሓደ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ስእለ-ጽዩፍ ኣብ ቈልዑ ዜሕድሮ ጽልዋ፡ ካብቲ ብዛዕባ ንቡር ጾታዊ ርክብ ዜሕድረሎም ቄናን ኣረኣእያ ኣትሒዙ፡ “ጥዑይን ፍቕራውን ርክብ ንምምስራት ኣጸጋሚ ኸም ዚዀኖም ክሳዕ ምግባር፡ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ዘይክውንነታዊ ኣረኣእያ ኽሳዕ ምሓዝ፡ ከምኡውን ንዕዮ ትምህርቶም ኰነ ምስ ኣዕሩኾምን ምስ ስድራ ቤቶምን ዘለዎም ርክብ ኬጓናድብ ዚኽእል ልኽፈተ ስእለ-ጽዩፍ ክሳዕ ምጥራይ ኬብጽሖም ይኽእል እዩ።” ጸኒሑ ኣብ ሓዳሮም ዚህልዎ ጽልዋ እሞ ኸኣ፡ ዝገደደ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

11. ስእለ-ጽዩፍ ምጥማት ዜስዕቦ ሓደጋ ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

11 ሓደ ክርስትያን ሓው፡ “ካብ ኵሉ እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ቅድሚ ምዃነይ ዝነበረኒ ወልፍታት፡ ስእለ-ጽዩፍ እዩ ንምስናፉ ኸቢዱኒ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ክሳዕ ሕጂ እውን ኣብ ዘይምሹእ ግዜ፡ እዚ ምስልታት ይረኣየኒ እዩ፣ ነዚ ድማ ገሊኡ ሽታ፡ ሙዚቃ፡ ዝርእዮ ነገር፡ ወይ በሪሩ ዚሓልፍ ሓሳብ እውን የበግሶ እዩ። መዓልታውን ዘየቋርጽን ቃልሲ እየ ዝገብር” በለ። ካልእ ሓው ከኣ፡ ቈልዓ ኸሎ፡ ወለዱ ኣብ ቤት ኣብ ዘይህልዉሉ እዋን፡ ናይ ዓለማዊ ኣቦኡ ስእለ-ጽዩፋዊ መጽሔታት ይርኢ ነበረ። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ፦ “እቲ ስእልታት ኣብቲ ናይ ቍልዕነት ኣእምሮይ ሕማቕ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩ። ሕጂ ድሕሪ 25 ዓመት እኳ፡ ገሊኡ ምስልታት ኣብ ኣእምሮይ ተቐሪጹ ኣሎ። ዝተቓለስኩ እኳ እንተ ተቓለስኩ፡ ከወግዶ ኣይከኣልኩን። ዋላ እኳ ብዛዕባኡ እንተ ዘየስተንተንኩ፡ ብሰንኪ እዚ ጸጸት ይስምዓኒ እዩ።” ንኸንቱነት እንተ ዘይጠሚትና፡ ካብቲ ጾር ዚዀነና ስምዒታት ነምልጥ ኢና። ሓደ ሰብ ከመይ ገይሩ እዩ ኸምኡ ኺገብር ዚኽእል፧ ‘ኵሉ ሓሳቡ ማሪኹ ንክርስቶስ ከም ዚግዛእ ንምግባር’ ኪጽዕር ኣለዎ።—2 ቈረ. 10:5 ትርጕም 1990።

12, 13. ክርስትያናት እንታይ ከንቱነት እዮም ኪርእዩ ዘይብሎም፧ ስለምንታይከ፧

12 ካልእ ከነርሕቖ ዘሎና “ግብሪ ብልያል” ወይ ከንቱነት ከኣ፡ ፍቕረ-ንዋይ፡ ዘይባህርያዊ ስዉር ተግባራት፡ ወይ ዓመጻን ምፍሳስ ደምን ሞትን ዜርኢ መዘናግዒ እዩ። (መዝሙር 101:3 ኣንብብ።) የሆዋ ንክርስትያን ወለዲ፡ ነቲ ኣብ ቤቶም ዚርአ ዘበለ ኺመርጹ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ገይሩ እዩ ዚርእዮም። ልክዕ እዩ፡ ዋላ ሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን ኰነ ኢሉ ኣብ ሓተታ መናፍስቲ ኣይኣቱን እዩ። ኰይኑ ግን፡ ወለዲ ኻብቲ ዘይባህርያዊ ተግባራት ዜጕልሕ ፊልምታትን መደባት ተለቪዥንን ጸወታታት ቪድዮን ካርቱናትን ናይ ቈልዑ መጻሕፍትን ኪጥንቀቑ የድልዮም እዩ።—ምሳ. 22:5

13 ዓበይቲ ንኹን ንኣሽቱ ብዘየገድስ፡ ኣዒንትና፡ ዓመጻን ዜሰቅቕ ኣቀታትላን ብዘለዎ ጸወታታት ቪድዮ ባህ ኪብለን የብሉን። (መዝሙር 11:5 ኣንብብ።) ኣእምሮና ኣብቲ የሆዋ ዚዅንኖ ዝዀነ ይኹን ንጥፈት ኬተኵር የብሉን። ሰይጣን ንሓሳብና ንምጥቃዕ ዕላማ ገይሩ ኸም ዚንቀሳቐስ ክንርስዕ የብልናን። (2 ቈረ. 11:3) ቅቡል ጌርካ ዚርአ መዘናግዒ ኣብ ምርኣይ እነሕልፎ ግዜ እምብዛ እንተ በዚሑ፡ ካብቲ ንኣምልኾ ስድራ ቤትን ንመዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ንኣኼባ ንምድላውን ዚግባእ ግዜ ኺሰርቀና ይኽእል እዩ።—ፊል. 1:9, 10

ኣብነት የሱስ ስዓብ

14, 15. ሰይጣን ንክርስቶስ ኣብ ዘቕረበሉ ሳልሳይ ፈተና እንታይ እዩ ገይሩ፧ የሱስ ነዚ ኺጻረሮ ዝኸኣለኸ ብኸመይ እዩ፧

14 እቲ ዜሕዝን ግን፡ ኣብዛ እክይቲ ዓለም፡ ዋላ ሓንቲ ኸንቱነት ከይረኣና ኽንነብር ኣይንኽእልን ኢና። የሱስ እውን ከይተረፈ፡ ከንቱነት ኪርኢ ተገዲዱ እዩ። ኣብቲ ሰይጣን ድያብሎስ ንየሱስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ምግባር ኬርሕቖ ኢሉ ዘቕረበሉ ሳልሳይ ፈተና፡ “ናብ ኣዝዩ ነዊሕ ከረን ወሲዱ፡ መንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን ኣርአዮ።” (ማቴ. 4:8) ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ገይሩ፧ ነቲ ኣዒንቲ ዜሕድራኦ ሓያል ጽልዋ ኺምዝምዝ ከም ዝደለየ ኣየጠራጥርን እዩ። የሱስ ነቲ መንግስትታት ኵላ ዓለም ዝነበረን ግርማ ምርኣዩ፡ ዓለማዊ ዝና ንኺብህግ ፈተና ኪዀኖ ምኸኣለ ነይሩ። እሞኸ እንታይ እዩ ገይሩ፧

15 የሱስ ኣብቲ ዝቐረበሉ ፈተና ኣየተኰረን። ንልቡ ብዛዕባ እቲ ግጉይ ትምኒት ኪሓስብ ኣይፈቐደሉን። ነቲ ድያብሎስ ዘቕረበሉ ሕቶ ንምንጻግ ድማ፡ ኬስተንትን ኣየድለዮን። የግዳስ፡ ብኡንብኡ፡ “ኪድ ርሐቕ፡ ሰይጣን” ኢሉ መለሰሉ። (ማቴ. 4:10) የሱስ ኣብቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ኣተኰረ፣ ምስ ዕላማ ህይወቱ፡ ማለት ፍቓድ ኣምላኽ ምስ ምግባር ተሰማሚዑ ድማ ምላሽ ሃበ። (እብ. 10:7) ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ነቲ ሰይጣን ዝፈሓሶ ውዲት ኣፍሸሎ።

16. ካብቲ የሱስ ነቲ ሰይጣን ዘቕረበሉ ፈተናታት እተጻረረሉ መገዲ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

16 ካብቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና። ቀዳማይ፡ በቲ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ስልትታት ኪጽሎ ዘይክእል ዋላ ሓደ የልቦን። (ማቴ. 24:24) ካልኣይ፡ ኣዒንትና ዜተኵራሉ ነገር፡ ንትምኒት ልብና ንጽቡቕ ወይ ንሕማቕ ኪጸልዎ ይኽእል እዩ። ሳልሳይ፡ ሰይጣን ካብ መገድና ምእንቲ ኼጥፍኣና ኢሉ፡ ብእተኻእሎ መጠን ን“ፍትወት ኣዒንቲ” ኺምዝምዝ ይጽዕር እዩ። (1 ጴጥ. 5:8) ራብዓይ ከኣ፡ ምናዳ ቕጽበታዊ ስጕምቲ እንተ ወሲድና፡ ንሰይጣን ክንጻረሮ ንኽእል ኢና።—ያእ. 4:7፣ 1 ጴጥ. 2:21

“ጥዕይቲ” ዓይኒ ትሃሉኻ

17. እንታይ ከም እንገብር ንምውሳን፡ ከንቱነት ክሳዕ ዜጓንፈና ንጽበ እንተ ዄንና፡ እዚ ኣካይዳና ጥበባዊ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

17 ርእስና ንየሆዋ ኽንውፊ ኸለና፡ ካብ ከንቱነት ክንርሕቕ እውን ቃል ኣቲና ኢና። ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር መብጽዓ ኽንኣቱ ኸለና፡ ምስቲ ጸሓፍ መዝሙር ሓቢርና፡ “ቃልካ ምእንቲ ኽሕሉስ፡ ኣእጋረይ ካብ ክፉእ ዘበለ መገዲ ኸልከልኩ” ኢልና ኢና። (መዝ. 119:101) እንታይ ከም እንገብር ንምውሳን፡ ከንቱነት ክሳዕ ዜጓንፈና ንጽበ እንተ ዄንና፡ እዚ ኣካይዳና ጥበባዊ ኣይኰነን። ቅዱሳት ጽሑፋት ዚዅንኖ ነገራት ብንጹር ተገሊጹልና እዩ። ውዲት ሰይጣን ኣይንስሕቶን ኢና። ንየሱስ፡ ንእምኒ ናብ እንጌራ ኪቕይር ፈተና ዝቐረበሉ መዓስ እዩ ነይሩ፧ ን40 መዓልትን ለይትን ድሕሪ ምጻሙ፡ ምስ “ጠመየ” እዩ እቲ ፈተና ቐሪቡሉ። (ማቴ. 4:1-4) ሰይጣን መዓስ ከም እንደክምን መዓስ ብፈተና ኸም እንወድቕን ኬስተውዕል ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ፡ ነዚ ጕዳይ እዚ ሕጂ ኢና ተጠንቂቕና ኽንሓስበሉ ዘሎና። ንጽባሕ ኢልና ኣይንወንዝፎ! ርእስና ንየሆዋ ኽንውፊ ኸለና ዝኣተናዮ መብጽዓ መዓልታዊ ንዝክሮ እንተ ዄንና፡ ካብ ከንቱነት ንምርሓቕ ጽኑዕ ቈራጽነት ኪህልወና ይኽእል እዩ።—ምሳ. 1:5፣ 19:20

18, 19. (ሀ) ኣብ መንጎ “ጥዕይቲ” ዓይንን “ሕምምቲ” ዓይንን ዘሎ ፍልልይ ግለጽ። (ለ) ብዛዕባ ጠቓሚ ዘበለ ኽንሓስብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ኣብዚ መዳይ እዚኸ ፊልጲ 4:8 እንታይ ምኽሪ ትህብ፧

18 መዓልታዊ ንዓይኒ ዚስሕብ ብዙሕ መስገሊታት የጓንፈና እዩ፣ እዚ ድማ በብግዜኡ እናበዝሐ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። እምበኣር፡ ነቲ የሱስ “ጥዕይቲ” ዓይኒ ኽትህልወና ዝሃበና ማዕዳ፡ ብዝያዳ ኽንርድኦ ኣሎና። (ማቴ. 6:22, 23) “ጥዕይቲ” ዓይኒ ኣብ ሓደ ዕላማ፡ ማለት ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ጥራይ እተተኵር እያ። “ሕምምቲ” ዓይኒ ግን፡ ጐራሕን ህርፍትን ብኸንቱነት እትሰሓብን እያ።

19 ኣዒንትና ዚርእያኦ ነገራት ናብ ኣእምሮና፡ ኣእምሮና ኸኣ ናብ ልብና ኸም ዜመሓላልፎ ኣይንረስዕ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ጠቓሚ ዘበለ ኽንሓስብ ኣሎና። (ፊልጲ 4:8 ኣንብብ።) እወ፡ ነቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን” ኢሉ ዝጸለዮ ጸሎት ነቃልሕ። ሽዑ፡ ምስ ጸሎትና ተሰማሚዕና ንኽንመላለስ ክንጽዕር ከለና፡ የሆዋ ‘ብመገዱ ህያው ከም ዚገብረና’ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።—መዝ. 119:37፣ እብ. 10:36

ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ክንዝክር ኣሎና፧

• ኣብ መንጎ ኣዒንትን ኣእምሮን ልብን ዘሎ ምትእስሳር

• ስእለ-ጽዩፍ ምርኣይ ዘለዎ ሓደጋ

• ዓይንና “ጥዕይቲ” ምግባር ዘለዎ ኣገዳስነት

[እግረ-ጽሑፍ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት እንታይ ከንቱነት እዮም ኪርእዩ ዘይብሎም፧