ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም መንእሰያት፡ ንየሆዋ ንምግልጋል ዘሎኩም ባህጊ ኣሐይሉ

ኣቱም መንእሰያት፡ ንየሆዋ ንምግልጋል ዘሎኩም ባህጊ ኣሐይሉ

ኣቱም መንእሰያት፡ ንየሆዋ ንምግልጋል ዘሎኩም ባህጊ ኣሐይሉ

“ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።”—መክ. 12:1

1. ነቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ቘልዑ እንታይ ዕድመ እዩ ቐሪቡሎም ነይሩ፧

 ኣስታት 3,500 ዓመት ይገብር፡ ሙሴ ንኻህናትን ዓበይትን እስራኤል፡ “ምእንቲ ኺሰምዑን ኪመሀሩን እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፈርህዎ፡ ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ ድማ ንምግባሩ ኺጥንቀቑ፡ . . . ነቲ ህዝቢ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን . . . አክቦም” ኢሉ ኣዘዞም። (ዘዳ. 31:12) ንኣምልኾ ኺእከቡ እተኣዘዙ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ምዃኖም ኣስተብህል። እወ፡ ቈልዑ እውን እንተ ዀኑ፡ መምርሒ የሆዋ ኺሰምዑን ኪመሃሩን ኪስዕቡን ነበሮም።

2. የሆዋ ነቶም ኣብታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበሩ መንእሰያት ከም ዚግደሰሎም ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

2 ኣብ ቀዳማይ ዘመን እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ነቶም ኣብ መንጎ ህዝቡ ዝነበሩ መንእሰያት ከም ዚግደሰሎም ኣርእዩ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብተን ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ጉባኤታት ዝለኣኸን መልእኽትታት፡ የሆዋ ብመንፈሱ ገይሩ ንመንእሰያት ዚምልከት ንጹር መምርሒ ኸም ዚጸሓፍ ገይሩ እዩ። (ኤፌሶን 6:1፣ ቈሎሴ 3:20 ኣንብብ።) ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ዘውዓልዎ ክርስትያን መንእሰያት፡ ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦኦም ዘለዎም ሞሳ እናዓበየ ኸደ፣ በረኸቱ ኸኣ ረኸቡ።

3. ኣብዚ ግዜና ዚርከቡ መንእሰያት ንኣምላኽ ንምግልጋል ባህጊ ኸም ዘለዎም ዜርእዩ ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧

3 ሎሚኸ መንእሰያት ንየሆዋ ኼምልኽዎ ተዓዲሞምዶ ኣለዉ፧ እሂናይ ደኣ! ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብዙሓት መንእሰያት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ፡ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ፡ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ፡ ንሓድሕድና ንመዓዐድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ” ዚብል ምሕጽንታ ኣብ ልቦም ኬሕድርዎ ኸለዉ፡ ንዅሎም ህዝቢ ኣምላኽ የሐጕሶም እዩ። (እብ. 10:24, 25) ብዘይካዚ፡ ብዙሓት ቈልዑ ምስ ወለዶም ኰይኖም፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ እዮም። (ማቴ. 24:14) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብኣሽሓት ዚቝጸሩ መንእሰያት ንየሆዋ ዘለዎም ልባዊ ፍቕሪ ምእንቲ ኺገልጹ ገዛእ ርእሶም ንጥምቀት ብምቕራብ፡ ነቲ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ካብ ምዃን ዚርከብ በረኸት የስተማቕሩ ኣለዉ።—ማቴ. 16:24፣ ማር. 10:29, 30

ንዝቐረበልኩም ዕድመ ሕጂ ተቐበልዎ

4. መንእሰያት ነቲ ንኣምላኽ ኬገልግልዎ ዝቐረበሎም ዕድመ ኪቕበልዎ ዚኽእሉ መዓስ እዮም፧

4 መክብብ 12:1፡ “ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ” ትብል። ኣቱም መንእሰያት፡ ኣበየናይ ዕድመ ምስ በጻሕኩም ኢኹም ነዚ ንየሆዋ ኸተምልኽዎን ከተገልግልዎን ዝቐረበልኩም ዕድመ ኽትቅበልዎ እትኽእሉ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ውሱን ዕድመ ኣይጠቅስን እዩ። ስለዚ፡ ‘ዕድመይ ኣይኣኸለን’ ኢልኩም ብምሕሳብ ንየሆዋ ኻብ ምስማዕን ካብ ምግልጋልን ኣይተድሓርሕሩ። ዕድመኹም ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ ንዝቐረበልኩም ጻውዒት ውዓል ሕደር ከይበልኩም ክትቅበልዎ ተተባቢዕኩም ኣለኹም።

5. ወለዲ ንደቆም መንፈሳዊ ዕቤት ንኺገብሩ ኺሕግዝዎም ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

5 መብዛሕትኹም መንፈሳዊ ዕቤት ምእንቲ ኽትገብሩ፡ ካብ ወለድኹም ሓዲኦም ወይ ክልቲኦም ሓጊዞምኹም እዮም። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ምስቲ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ትመሳሰሉ ኢኹም። ገና ሕጻን ከሎ፡ ኣዲኡ ኤውኒቄን ዓባዩ ሎኢስን ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ምሂረናኦ እየን። (2 ጢሞ. 3:14, 15 ትርጕም 1990) ወለድኹም እውን እንተ ዀኑ፡ ምሳኻትኩም መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ፡ ብምጽላይ፡ ናብ ኣኼባታት ጉባኤን ናብ ዓበይቲ ኣኼባታትን ብምውሳድ፡ ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ብምክፋል የሰልጥኑኹም እዮም። ከመይሲ፡ ንዓኻትኩም ብዛዕባ መገድታት ኣምላኽ ምምሃር፡ ወለድኹም ካብ የሆዋ እተቐበልዎ ረዚን ሓላፍነት እዩ። እሞኸ ነቲ ዜርእዩኹም ፍቕርን ሓልዮትን ተማስውሉዶ፧—ምሳ. 23:22

6. (ሀ) ብመሰረት መዝሙር 110:3፡ ከመይ ዝበለ ኣምልኾ እዩ ንየሆዋ ዜሐጕሶ፧ (ለ) ሕጂ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

6 እናዓበኹም ክትከዱ ኸለኹም፡ የሆዋ፡ ልክዕ ከም ጢሞቴዎስ፡ ‘እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ኽትምርምሩ’ ይደሊ እዩ። (ሮሜ 12:2) ከምኡ እንተ ጌርኩም፡ ኣብ ንጥፈታት እታ ጉባኤ ኽትካፈሉ ኢኹም፣ ነዚ ኸኣ ብወለድኹም ተደፊእኩም ዘይኰነስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ክትፍጽሙ ስለ እትደልዩ ኢኹም እትገብርዎ። ንየሆዋ ብፍታው እንተ ኣገልጊልኩምዎ ኸኣ ኬሐጕሶ እዩ። (መዝ. 110:3) ነቲ ንየሆዋ ኽትሰምዕዎን ንመምርሒኡ ኽትስዕቡን ዘሎኩም ባህጊ ኸተሐይሉ ኸም እትደልዩ ኸተርእዩ እትኽእሉ ብኸመይ ኢኹም፧ ከምኡ ኽትገብሩ እትኽእሉሉ ሰለስተ ኣገደስቲ መገድታት ክንምርምር ኢና። እዚ ኸኣ መጽናዕትን ጸሎትን ኣኻይዳን እዩ። ነዚ መገድታት እዚ እስከ በብሓደ ንመርምሮ።

ንየሆዋ ፍለጥዎ

7. የሱስ ከም ተመሃራይ ቅዱሳት ጽሑፋት መጠን ጽቡቕ ኣብነት ዝሰርዐ ብኸመይ እዩ፧ ከምኡ ንኺገብር ዝሓገዞኸ እንታይ እዩ፧

7 ንየሆዋ ንምግልጋል ዘሎኩም ባህጊ ኸተሐይሉ ኸም እትደልዩ ኸተርእዩ እትኽእሉሉ ቐዳማይ መገዲ፡ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ንቓል ኣምላኽ ወትሩ ብምንባብ፡ ብመንፈስ ዜድልየኩም ከተማልኡን ክቡር ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ከተጥርዩን ኢኹም። (ማቴ. 5:3) ኣብዚ መዳይ እዚ፡ የሱስ ጽቡቕ ኣብነት ይዀነና እዩ። ወዲ 12 ዓመት ከሎ፡ ወለዱ ኣብ ቤት መቕደስ፡ “ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ እናሰምዖምን እናሐተቶምን ረኸብዎ።” (ሉቃ. 2:44-46) የሱስ ገና ቘልዓ ኸሎ፡ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ህንጥዮትን ጽቡቕ ምርዳእን ነበሮ። ከምኡ ንኺገብር ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ኣዲኡ ማርያምን እቲ ዘዕበዮ ኣቦኡ ዮሴፍን ኣብዚ ኣገዳሲ ግደ ኸም ዝነበሮም ኣይጠራጥርን እዩ። እቶም ንየሱስ ካብ ሕጻንነቱ ኣትሒዞም መለኮታዊ መምርሒታት ዝመሃርዎ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንሳቶም እዮም ነይሮም።—ማቴ. 1:18-20፣ ሉቃ. 2:41, 51

8. (ሀ) ወለዲ ኣብ ልቢ ደቆም ፍቕሪ ቓል ኣምላኽ ምስራጽ ኪጅምሩ ዘለዎም መዓስ እዮም፧ (ለ) ንውሉዳት ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዝካ ምስልጣን ኣገዳሲ ምዃኑ ዜጕልሕ ተመክሮ ኣዘንቱ።

8 ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ንኣምላኽ ዚፈርሁ ወለዲ እውን እንተ ዀኑ፡ ካብ ፈለማ ኣትሒዞም ባህጊ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ልቢ ደቆም ኬስርጹ ኸም ዘለዎም ይግንዘቡ እዮም። (ዘዳ. 6:6-9) ሓንቲ ሩቢ ዝስማ ክርስትያን ሓብቲ ነቲ ጆሴፍ ዝስሙ በዅሪ ወዳ ምስ ወለደት፡ ከምኡ እያ ገይራ። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኻብታ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዘርእስታ መጽሓፍ ተንብበሉ ነበረት። እናዓበየ ምስ ከደ ድማ፡ ሓያሎ ጥቕስታት ብቓሉ ኼጽንዕ ሓገዘቶ። ጆሴፍ ካብዚ ስልጠና እዚ ጥቕሚ ረኺቡዶ፧ ኣፍ ምስ ኣውጽአ፡ ንሓያሎ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ብቓሉ ኺወጾ ኸኣለ። ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ምስ ኰነ ድማ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ናይ መጀመርታኡ ኽፍሊ ኣቕረበ።

9. መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮ ምስትንታንን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

9 ኣቱም መንእሰያት፡ ብዝያዳ መንፈሳዊ ዕቤት ምእንቲ ኽትገብሩ፡ ኣብ ምሉእ ህይወትኩም ዚቕጽል መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ልማድ ኪህልወኩም ኣለዎ። (መዝ. 71:17) ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዕቤት ንኽትገብሩ ዚሕግዘኩም ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ኣብቲ ናብ ኣቦኡ ዘቕረቦ ጸሎት እንታይ ከም ዝበለ እሞ ኣስተብህሉ፦ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካ . . . ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።” (ዮሃ. 17:3) እወ፡ ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ እናፈለጥኩም ብዝኸድኩም መጠን፡ ንሱ ጋህዲ ኪዀነልኩምን ንዕኡ ዘላትኩም ፍቕሪ እናዓመቘት ክትከይድን እያ። (እብ. 11:27) ስለዚ፡ እተወሰነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብቡ ኸለኹም፡ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒምኩም ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ፍለጡ። ከምዚ ዚስዕብ ኢልኩም ድማ ንርእስኹም ሕተቱ፦ ‘እዚ ጸብጻብ እዚ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ እዩ ዚምህረኒ፧ እዚ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንዓይ ዘለዎ ፍቕርን ሓልዮትን ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧’ ግዜ ወሲድኩም ነዚ ሕቶታት እዚ ተስተንትኑሉ እንተ ዄንኩም፡ ብዛዕባ ኣተሓሳስባን ስምዒትን የሆዋ ዀነ ብዛዕባ እቲ ኸተማልእዎ ዚደልየኩም ብቕዓት ንኽትፈልጡ ኺሕግዘኩም እዩ። (ምሳሌ 2:1-5 ኣንብብ።) ከምኡ እንተ ጌርኩም፡ ልክዕ ከም ጢሞቴዎስ፡ ነቲ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመሃርኩምዎ ‘ኽትርድእዎ’ ኢኹም፣ እዚ ኸኣ ንየሆዋ ብፍታው ንኸተምልኽዎ ኺድርኸኩም እዩ።—2 ጢሞ. 3:14

ጸሎት ነታ ንየሆዋ ዘላትኩም ፍቕሪ ብኸመይ ከም እተዕምቛ

10, 11. ንየሆዋ ንምግልጋል ዘሎኩም ባህጊ ንኸተሐይሉ ጸሎት ዚሕግዘኩም ብኸመይ እዩ፧

10 ንየሆዋ ብምሉእ ልብኹም ንምግልጋል ዘሎኩም ባህጊ ኸተሐይሉ እትኽእሉሉ ኻልኣይ መገዲ፡ ጸሎት እዩ። ኣብ መዝሙር 65:2፡ “ኣታ ጸሎት እትሰምዕ፡ ኵሉ ስጋ ናባኻ ኺመጽእ እዩ” ዚብል ነንብብ። ኣብቲ እስራኤላውያን ምስ ኣምላኽ ኪዳን ተኣታትዮም ዝነበሩሉ እዋን እኳ ኸይተረፈ፡ እቶም ናብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ዚመጹ ዝነበሩ ጓኖት፡ ብጸሎት ናብኡ ኪቐርቡ ይኽእሉ ነበሩ። (1 ነገ. 8:41, 42) እወ፡ ኣምላኽ ኣየዳሉን እዩ። እቶም ትእዛዛቱ ዚሕልዉ ሰባት፡ ኣምላኽ ንጸሎቶም ከም ዚሰምዖ ርግጸኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ምሳ. 15:8) እቶም ኣብዚ፡ “ኵሉ ስጋ” ተባሂሎም ዘለዉ፡ ንዓኹም ንመንእሰያት እውን ከም ዜጠቓልል ዚከሓድ ኣይኰነን።

11 ጽቡቕ ጌርካ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ፡ መሰረት ናይ ሓቂ ዕርክነት ከም ዝዀነ ትፈልጥዎ ኢኹም። ምናልባት፡ ንሓደ ኣዚኹም እትቐርብዎ ሰብ ሓሳባትኩምን ሻቕሎትኩምን ስምዒትኩምን ከተካፍልዎ ኸለኹም ባህ ይብለኩም ይኸውን። ብተመሳሳሊ፡ ልባዊ ጸሎት ከተቕርቡ ኸለኹም፡ ምስ ፈጣሪኹም ኢኹም እትዘራረቡ። (ፊል. 4:6, 7) ናብ የሆዋ ኽትጽልዩ ኸለኹም፡ ልክዕ ኣብ ቅድሚ ሓደ ፈቃር ወላዲ ወይ ናይ ቀረባ ፈታዊ፡ ልብኹም ተፍስሱ ኸም ዘለኹም ጌርኩም ተዛረቡ። ከመይሲ፡ ኣብ መንጎ እቲ እትጽልዩሉ መገድን ብዛዕባ የሆዋ ዘሎኩም ስምዒትን ድልዱል ምትእስሳር እዩ ዘሎ። ምስ የሆዋ ዘሎኩም ዕርክነት እናደልደለ ብዝኸደ መጠን፡ ጸሎትኩም እውን ዝያዳ ትርጕም ዘለዎ ኸም ዚኸውን ከተስተብህሉ ኢኹም።

12. (ሀ) ትርጕም ዘለዎ ጸሎት ካብ ቃላት ንላዕሊ ዜጠቓልል ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ቐረባኹም ከም ዝዀነ ንኽትርድኡ እንታይ ኪሕግዘኩም ይኽእል፧

12 ይኹን እምበር፡ ትርጕም ዘለዎ ጸሎት ኪበሃል ከሎ፡ ንቓላት ጥራይ ዜጠቓልል ከም ዘይኰነ ኣይትረስዑ። ንውሽጣዊ ስምዒትኩም እውን ዜጠቓልል እዩ። ኣብ ጸሎትኩም፡ ሓያል ፍቕርኹምን ዓሚቝ ኣኽብሮትኩምን ኣብ የሆዋ ዘሎኩም ምሉእ ትውክልትን ኪንጸባረቕ ኣለዎ። የሆዋ ንጸሎትኩም ብኸመይ ከም ዝመለሶ ምስ ኣስተውዓልኩም ድማ፡ ካብ ቅድሚኡ ብዝያዳ፡ “እግዚኣብሄር ንዚጽውዕዎ ዅሎም . . . ቀረባኦም” ምዃኑ ኽትርእዩ ኢኹም። (መዝ. 145:18) እወ፡ የሆዋ ናባኻትኩም ኪቐርብ እዩ፣ እዚ ኸኣ ንድያብሎስ ንኽትጻረርዎን ኣብ ህይወትኩም ቅኑዕ ምርጫ ንኽትገብሩን ዜኽእለኩም ብርታዐ ኺህበኩም እዩ።—ያእቆብ 4:7, 8 ኣንብብ።

13. (ሀ) ሓንቲ ሓብቲ ምስ ኣምላኽ ዝመስረተቶ ርክብ ዝሓገዛ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ምስ ኣምላኽ ዘሎኩም ዕርክነት ንጸቕጢ መዛኑ ንኽትዋጽኡሉ ዚሕግዘኩም ብኸመይ እዩ፧

13 ሸሪ ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ብምምስራታ ብዛዕባ ዝረኸበቶ ብርታዐ እስከ ንርአ። ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኸላ ብትምህርታ ዀነ ብስፖርት ንፍዕቲ ብምንባራ ትሽለም ነበረት። ትምህርታ ምስ ወድአት፡ ብናጻ ዝለዓለ ትምህርቲ ንኽትመሃር ዜኽእላ ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኸበት። ሸሪ፡ “እዚ ኣጋጣሚ እዚ ፈታኒ እዩ ነይሩ፣ ኣሰልጠንተይን መማህርተይን እውን ንክቕበሎ ብዙሕ ጸቕጢ ገይሮምለይ እዮም” በለት። ኰይኑ ግን፡ ኣብ ዝለዓለ ትምህርቲ እንተ ኣትያ፡ መብዛሕትኡ ግዜኣ ብመጽናዕትን ብስፖርታዊ ልምምድን ስለ ዚተሓዝ፡ ንየሆዋ ኸተገልግል እትኽእለሉ ግዜ ኸም ዘይትረክብ ተገንዘበት። እሞኸ እንታይ ገበረት፧ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ናብ የሆዋ ድሕሪ ምጽላየይ፡ ነቲ ብናጻ ዚወሃብ ትምህርቲ ሓዲገ፡ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ” በለት። ፈላሚት ካብ እትኸውን ሕጂ ሓሙሽተ ዓመት ኰይኑዋ ኣሎ። “ዋላ ሓንቲ ዜጣዕስ የብለይን” ድማ በለት። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ውሳነ ኸም ዝገበርኩ ምፍላጠይ የሐጕሰኒ እዩ። ብርግጽ እምበኣር፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ኣቐዲምካ፡ ኵሉ ይውሰኸልካ እዩ” በለት።—ማቴ. 6:33

ጽቡቕ ኣኻይዳኹም፡ ‘ንጹህ ልቢ’ ኸም ዘሎኩም የርኢ

14. ጽቡቕ ኣኻይዳኹም ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

14 ንየሆዋ ብፍታው ከም እተገልግልዎ ኸተርእዩ እትኽእሉሉ ሳልሳይ መገዲ፡ ጽቡቕ ኣኻይዳኹም እዩ። የሆዋ ነቶም ስነ-ምግባራዊ ንጽህናኦም ሓልዮም ዚነብሩ መንእሰያት ይባርኾም እዩ። (መዝሙር 24:3-5 ኣንብብ።) እቲ ንእሽቶ ዝነበረ ሳሙኤል፡ ንርኹስ ኣኻይዳ ደቂ ኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት ኣይሰዓበን። እቲ ጽቡቕ ኣኻይዳኡ ኸኣ ሸለል ተባሂሉ ኣይተሓልፈን። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሳሙኤል እቲ ቘልዓ ኸኣ እናዐበየ ኸደ፡ ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ ሰብን ድማ ፍትዊ ነበረ” እዩ ዚብል።—1 ሳሙ. 2:26

15. ገለ ኻብቲ ብጽቡቕ ኣኻይዳ ንኽትመላለሱ ዚድርኸኩም ምኽንያታት እንታይ እዩ፧

15 ከምቲ ጳውሎስ ዝገለጾ፡ ፈተውቲ ርእሶም፡ ዕቡያት፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየማስዉ፡ ርኹሳት፡ ጨካናት፡ ተፈኽነንቲ፡ ከምኡውን ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ ሰባት ኣብ ዚመልእዋ ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና። (2 ጢሞ. 3:1-5) ስለዚ፡ በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ እከይ ዝመልኦ ሃዋህው ተኸቢብኩም ክነስኹም፡ ብኣብነታዊ ኣኻይዳ ምምልላስ ኪኸብደኩም ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ቅኑዕ ዘበለ ኽትገብሩን ካብ ግጉይ ኣኻይዳ ኽትርሕቁን ከለኹም፡ ኣብ ጕዳይ ልዑላውነት ኣብ ጐድኒ የሆዋ ደው ከም እትብሉ ተርእዩ። (እዮ. 2:3, 4) ነቲ የሆዋ ዘቕረበልኩም፡ “ወደየ፡ ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ፡ ጥበበኛ ኹን፡ ንልበይውን ኣሐጕሶ” ዚብል ምሕጽንታ ኸም እተቐበልኩምዎ ምፍላጥኩም እውን፡ ዕግበት ኬምጽኣልኩም እዩ። (ምሳ. 27:11) ብዘይካዚ፡ ስምረት የሆዋ ኸም ዘሎኩም ምፍላጥኩም፡ ነቲ ንዕኡ ኸተገልግልዎ ዘሎኩም ባህጊ ኼሐይሎ እዩ።

16. ሓንቲ ሓብቲ ንልቢ የሆዋ ዘሐጐሰቶ ብኸመይ እያ፧

16 ሓንቲ ካሮል ዝስማ ክርስትያን ሓብቲ ኣብ እዋን ጕርዝውና ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ትስዕብ ነበረት፣ እቲ ጽቡቕ ኣኻይዳኣ ኸኣ ኣቓልቦ ሰባት ሰሓበ። ብምኽንያት እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኣ ኣብ በዓላትን ሃገራዊ ጽምብላትን ምክፋል ስለ ዝኣበየት፡ መማህርታ ኣላገጹላ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብዛዕባ እምነታ ንኻልኦት ትገልጸሎም ነበረት። ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት፡ ካሮል ካብ ሓንቲ ናይ ቀደም መማህርታ፡ ካርድ በጽሓታ፣ ከምዚ ድማ ትብል ነበረት፦ “ኵሉ ግዜ፡ ክረኽበክን ከመስግነክን ተስፋ እገብር ነይረ። ነቲ ኸም ክርስትያን መጠን እተርእይዮ ዝነበርኪ ጽቡቕ ኣኻይዳን ኣብነትን፡ ከምኡውን ነቲ ንበዓላት ብዚምልከት ብትብዓት ዝወሰድክዮ መትከል አስተብህለሉ ነይረ እየ። ብኣኺ ኣቢለ እየ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንፈለማ እዋን እተላለኹ።” እቲ ካሮል ዝሓደገቶ ኣብነት ነታ መማህርታ ዓብዪ ጽልዋ ስለ ዘሕደረላ፡ እታ መማህርታ ጸኒሓ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት። ኣብቲ ንካሮል ዝጸሓፈትላ ካርድ ከም ዝገለጸቶ፡ ካብ እትጥመቕ ልዕሊ 40 ዓመት ገይራ ነበረት። ኣቱም ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ጠቢቕኩም እትስዕቡ ዘለኹም መንእሰያት፡ ንስኻትኩም እውን ከም ካሮል፡ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ንየሆዋ ንኺፈልጥዎ ኽትድርኽዎም ትኽእሉ ኢኹም።

ንየሆዋ ዚውድስዎ መንእሰያት

17, 18. (ሀ) ብዛዕባ እቶም ኣብ ጉባኤኻ ዚርከቡ መንእሰያት ከመይ ይስምዓካ፧ (ለ) እቶም ንኣምላኽ ዚፈርሁ መንእሰያት እንታይ እዩ ዚጽበዮም ዘሎ፧

17 ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ቕንኣት ዘለዎም መንእሰያት ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺካፈሉ ኸለዉ ኽንርኢ ኸለና፡ ኣብዚ ዓለምለኻዊ ውድብ የሆዋ ዘለና ዅልና ኣዚና ኢና እንሕጐስ። እዞም መንእሰያት እዚኣቶም፡ መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ፡ ብምጽላይ፡ ከምኡውን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ብዚሰማማዕ ኣኻይዳ ብምምልላስ፡ ንየሆዋ ንምምላኽ ዘለዎም ባህጊ የሐይሉ ኣለዉ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣብነታውያን መንእሰያት፡ ንወለዶም ኰነ ንዅሎም ህዝቢ ኣምላኽ ምንጪ ሓጐስ እዮም።—ምሳ. 23:24, 25

18 ኣብ መጻኢ፡ ኣብ መንጎ እቶም ካብ ብርቱዕ ጸበባ ሰጊሮም ናብታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ዚኣትዉ ሰባት፡ እሙናት መንእሰያት እውን ኪህልዉ እዮም። (ራእ. 7:9, 14) ኣብኡ ድማ ንየሆዋ ዘለዎም ሞሳ እናዓበየ ኪኸይድን ማእለያ ዘይብሉ ዜደንቕ በረኸት ኪረኽቡን እዮም፣ ንዘለኣለም ድማ ንየሆዋ ኺውድስዎ እዮም።—መዝ. 148:12, 13

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ሎሚ መንእሰያት ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺካፈሉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

• ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሚ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ምስትንታን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• ጸሎት ናብ የሆዋ ንኽትቀርቡ ዚሕግዘኩም ብኸመይ እዩ፧

• ክርስትያናት ብጽቡቕ ኣኻይዳ ምምልላሶም እንታይ ፍረ የፍሪ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ልማድ ኣሎካዶ፧