ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዘጋጠመና ፈተናታት፡ ብዝያዳ ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ገይሩና

ዘጋጠመና ፈተናታት፡ ብዝያዳ ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ገይሩና

ዘጋጠመና ፈተናታት፡ ብዝያዳ ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ገይሩና

ኣዳ ዴሎ ስትሪቶ ዘዘንተወቶ

ዕለታዊ ጥቕሲ ኣብ መዘኻኸሪ ጥራዘይ ቀዳሕክዎ። ወዲ 36 ዓመት እኳ እንተ ዀንኩ፡ ነዘን እተወሰና ምሉእ ሓሳብ ንኽጽሕፍ ግን ክልተ ሰዓት እዩ ወሲዱለይ። ስለምንታይ፧ ኣደይ ክትነግረኩም እያ።—ጆኤል

ኣነን ሰብኣየይን፡ ብ1968 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኴንና ተጠመቕና። ደድሕሪ እቶም ዴቪድን ማርክን ዚበሃሉ ደቀይ ድማ፡ ካልእ ጆኤል ዚበሃል ሳልሳይ ቈልዓ ወለድኩ። ብ1973 ኣብታ ኻብ ብራስልስ፡ በልጅዩም ብደቡባዊ ሸነኽ 60 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ በኒሽ ኣብ ዚርከብ ሆስፒታል ግዜኡ ኸይኣኸለ ተወልደ። ኪውለድ ከሎ 1.7 ኪሎ ግራም ጥራይ ይምዘን ነበረ። ኣነ ኻብቲ ሆስፒታል እኳ እንተ ወጻእኩ፡ ጆኤል ግን ክብደቱ ኺውስኽ ስለ ዘድለየ፡ ኣብኡ ተረፈ።

ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ወድና ዋላ ሓንቲ ለውጢ ስለ ዘይነበሮ፡ ኣነን ብዓል ቤተይ ሊዊጂን ናብ ሓደ ሓኪም ቈልዑ ወሰድናዮ። እቲ ሓኪም መርመራኡ ምስ ወድአ፡ “ጆኤል ካብ ኣሕዋቱ ፍልይ ዝበለ ብዙሕ ጸገማት ኣለዎ” በለና። ነዚ ምስ ሰማዕና ዝን በልና። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ወድና ኸቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ከም ዘለዎ ኣስተውዓልኩ። ድሕሪኡ እቲ ሓኪም ንሰብኣየይ ፈልዩ ወሲዱ፡ “ወድኹም ትሪሶሚ 21 ዚበሃል ዓይነት ሕማም ኣለዎ” ኢሉ ነገሮ፣ እዚ ሕማም እዚ ዳውን ሲንድረም ተባሂሉ እውን ይፍለጥ እዩ። a

በቲ ውጽኢት መርመራ ኣዚና ሓዘንና፣ ናብ ካልእ ክኢላ ሓኪም ክንወስዶ ኸኣ ወሰንና። እቲ ሓኪም ንጆኤል ዳርጋ ንሓደ ሰዓት ዚኸውን ብጥንቃቐ መርመሮ። እዚ ግዜ እዚ ግን ንዓይን ንሊዊጂን ኣዝዩ ነውሓና። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ሓኪም ናባና እናጠመተ፡ “ወድኹም ወትሩ ኣቓልቦኹም ኬድልዮ እዩ” በለና። ድሕሪኡ ኸኣ ብልኡም ዘረባ፡ “ጆኤል ግን ወለዱ ስለ ዜፍቅርዎ፡ ሕጉስ ኪኸውን እዩ” በለ። ኣዚና እኳ እንተ ሰምበድና፡ ንጆኤል ተጠንቂቐ ሓቘፍክዎ፡ ናብ ቤትና ድማ ወሰድናዮ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ካብ ዚውለድ ሸሞንተ ቕነ ጥራይ እዩ ገይሩ ነይሩ።

ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ኣገልግሎትን ኣተባብዓና

ጆኤል ተወሳኺ ሕክምናዊ መርመራ ምስ ተገብረሉ፡ ናይ ልቢ ጸገምን ሪኬትስ ዚበሃል ዓይነት መጻጕዕን ከም ዘለዎ ተፈልጠ። ልቡ ኣዝያ ዓባይ ስለ ዝዀነት፡ ንሳምቡኡ ጸቐጠታ፡ እዚ ኸኣ ንሕማም ኣቃልዖ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ወዲ ኣርባዕተ ወርሒ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነድሪ ሳምቡእ ስለ ዝሓመመ፡ ናብ ሆስፒታል ኣተወ። ኪሳቐ ኸሎ ምርኣይና ኣዝዩ ኣሕዘነና። ብኣእዳውና ሓቚፍና ኽንደራርዞ ንደሊ እኳ ነበርና፡ ንዓሰርተ ቕነ ዚኸውን ክንትንክፎ ፈጺሙ ኣይተፈቕደልናን። ኣነን ሊዊጂን ዓይኑ ዓይኑ ኻብ ምርኣይን ካብ ምጽላይን ሓሊፉ ዋላ ሓንቲ ኽንገብር ኣይከኣልናን።

እዚ ጸገማት እዚ እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ምስቶም ሽዑ ደቂ 6ን 3ን ዝነበሩ ዴቪድን ማርክን ኴንና፡ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንካፈል ነበርና። ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክንከይድ ከለና፡ ኣብ ኢድ እቲ ሓላዪ ዝዀነ የሆዋ ኸም ዘለና ዀይኑ ይስምዓና ነበረ። ኣብ ኣዳራሽ ምስ ክርስትያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንከውን ከለና፡ ጾርና ናብ የሆዋ ኽንድርብዮ ዝኸኣልና ዀይኑ እዩ ዚስምዓና፣ እተወሰነ ውሽጣዊ ሰላም ድማ ንረክብ። (መዝ. 55:22) እተን ንጆኤል ዚከናኸናኦ ዝነበራ ኣለይቲ ሕሙማት እውን እንተ ዀና፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምክፋልና ኽሳዕ ክንደይ ሚዛንና ንኽንሕሉ ኸም ዝሓገዘና ኣስተብሂለን ነበራ።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ኣገልግሎት ንኽካፈል ዘኽእለኒ ብርታዐ ምእንቲ ኽህበኒ ንየሆዋ ለመንክዎ። ኣብ ገዛ ኾፍ ኢለ ኣብ ክንዲ ዝበኪ፡ ኣብቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እታ ሕማም ዘይህልወላ ዓለም ዝኣተዎ መብጽዓ ትውክልቲ ምግባረይ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘበርትዓኒ ንኻልኦት ሰባት ክነግሮም ደለኹ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣገልግሎት እተኻፈልኩሉ እዋን ድማ የሆዋ ንጸሎተይ ዝመለሰለይ ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ።

“ዜደንቕ እዩ!”

ጆኤል ካብ ሆስፒታል ዝወጸላ መዓልትስ ክሳዕ ክንደይ እተሐጕስ ኰን እያ ነይራ! ንጽብሒቱ ግን ዘጕሂ ነገር ኣጋጠመና። ኵነታት ጆኤል ብቕልጡፍ እናኸፍአ ስለ ዝኸደ፡ ተጓይና ናብ ሆስፒታል ወሰድናዮ። ሓካይም መርመራ ምስ ገበሩሉ፡ “ጆኤል ንሽዱሽተ ወርሒ ጥራይ እዩ ብህይወት ዚጸንሕ” በሉና። ድሕሪ ኽልተ ወርሒ፡ ማለት ጆኤል ወዲ ሸሞንተ ወርሒ ምስ ኰነ፡ ኵነታት ጥዕናኡ እናኸፍአ ስለ ዝኸደ፡ ልክዕ ከምቲ እቶም ሓካይም ዝበልዎ ዚመውት መሰለ። ሓደ ሓኪም ምሳና ኮፍ ኢሉ፡ “ክንገብሮ እንኽእል ነገር የልቦን። ኣብዛ እዋን እዚኣ፡ የሆዋ ጥራይ እዩ ኺሕግዞ ዚኽእል” በለና።

ናብቲ ጆኤል ዝደቀሰሉ ኽፍሊ ኸድኩ። ኣዝየ ተጨኒቐን ሓይለይ ተጸንቂቑን እኳ እንተ ነበረ፡ ካብ ጐድኑ ኸይፍለ ወሲነ ነበርኩ። ሊዊጂ ነቶም ክልተ ደቅና ንኺኣልዮም ኪኸይድ ከሎ፡ ካልኦት ክርስትያን ኣሓት ምሳይ ይዀና ነበራ። ሓደ ሰሙን ከምዚ ኢሉ ሓለፈ። ድሕሪኡ፡ ብሃንደበት ንጆኤል ድኻም ልቢ ኣጋጠሞ። ኣለይቲ ሕሙማት ናብቲ ዝደቀሰሉ ኽፍሊ ቐልጢፈን እኳ እንተ ኣተዋ፡ ዋላ ሓንቲ ግን ኪገብራ ኣይከኣላን። ሓንቲ ኻባታተን ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ብልኡም መገዲ፡ “ተስፋ የብሉን” ምስ በለትኒ፡ እናበኸኹ ኻብቲ ኽፍሊ ወጻእኩ። ናብ የሆዋ ኽጽሊ እኳ እንተ ፈተንኩ፡ ነቲ እተሰምዓኒ ሓዘን ግን ብቓላት ክገልጾ ኣይከኣልኩን። ዳርጋ 15 ደቒቕ ምስ ሓለፈ፡ ሓንቲ ኣላዪት ሕሙማት ጸዊዓ፡ ጆኤል ከስተንፍስ ከም ዝጀመረ ነገረትኒ። ብኢደይ ሒዛ ኸኣ፡ “ሕጂ ኽትርእይዮ ትኽእሊ ኢኺ” በለትኒ። ናብ ጆኤል ምስ ተመለስኩ፡ ልቡ ክትሃርም ጀሚራ ነበረት! እዚ ወረ እዚ ድማ ኣብታ ሆስፒታል ቀልጢፉ ተነዝሐ። ብዙሓት ሓካይምን ኣለይቲ ሕሙማትን መጺኦም ምስ ረኣይዎ፡ “ዜደንቕ እዩ” በሉ።

ወዲ ኣርባዕተ ምስ ኰነ፡ ዜደንቕ ዕቤት ገበረ

ኣብተን ናይ መጀመርታ ዓመታት፡ እቲ ሓኪም ህጻናት ብተደጋጋሚ፡ “ጆኤል ብዙሕ ፍቕሪ እዩ ዜድልዮ” ይብለና ነበረ። የሆዋ፡ ጆኤል ደድሕሪ ምውላዱ ብዙሕ ፍቕራዊ ሓልዮት ስለ ዘርኣየና፡ ኣነን ሊዊጂን ንወድና ብፍቕሪ ኽንሕብሕቦ ንጽዕር ነበርና። ወድና ኣብ ዚገብሮ ዅሉ ነገራት ሓገዝ የድልዮ ስለ ዝነበረ ድማ ንዕኡ ፍቕራዊ ሓልዮት ከነርእዮ እንኽእለሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት እዩ ነይሩና።

ጆኤል ወዲ ሸውዓተ ዓመት ክሳዕ ዚኸውን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ተመሳሳሊ ዝዀነ ጸገማት የጋጥሞ ነበረ። ኣብ ዓዓመት፡ ካብ ጥቅምቲ ኽሳዕ መጋቢት ኣብ ዘሎ እዋናት ብተኸታታሊ ይሓምም ስለ ዝነበረ፡ ሒዝናዮ ናብ ሆስፒታል ንመላለስ ነበርና። ብእተኻእለኒ መጠን እውን ምስ ዴቪድን ማርክን ግዜ ኸሕልፍ እጽዕር ነበርኩ። ንሳቶም ከኣ ብግዲኦም ጆኤል ዕቤት ንኺገብር ስለ ዝሓገዝዎ፡ ዜደንቕ ለውጥታት ኪገብር ጀመረ። ንኣብነት፡ ብዙሓት ሓካይም፡ ጆኤል ፈጺሙ ብእግሩ ኪኸይድ ከም ዘይክእል ነጊሮምና ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ጆኤል ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ማርክ ወድና፡ “ጆኤል፡ ክትከይድ ከም እትኽእል ንማማ ኣርእያ!” በሎ። እቲ ዜገርም ድማ ጆኤል ታተ ኺብል ጀመረ። በዚ ኣዚና ስለ እተሓጐስና፡ ብስድራ ቤት ኴንና ኻብ ልቢ ንየሆዋ ኣመስገንናዮ። ኣብ ካልእ እዋን፡ ጆኤል ንእሽቶ ዕቤት ኪገብር ከሎ እውን ከይተረፈ፡ ንንእዶ ነበርና።

ንጆኤል ብመገዲ ኣምላኽ ሳላ ዘዕበናዮ እተረኽበ ውጽኢት

ንጆኤል ናብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባታት ክንወስዶ ንጽዕር ነበርና። ካብቶም ብቐሊሉ ኸም ዚሓምም ኪገብርዎ ዚኽእሉ ደቀቕቲ ህዋሳት ንምክልኻል፡ ናብ ውሽጢ ብርሃን ብዜሕልፍ ፕላስቲክ ኣብ እተሸፈነት ዓረብያ ነእትዎ ነበርና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኰይኑ እውን ከይተረፈ፡ ናብ ጉባኤ ምኻድ ባህ የብሎ ነበረ።

ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን ፍቕሪ የርእዩናን ይሕግዙናን ስለ ዝነበሩ፡ ምንጪ ብርታዐ ዀይኖምና እዮም። ሓደ ሓው ወትሩ ነታ ኣብ ኢሳይያስ 59:1 እትርከብ “እንሆ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ንምድሓን ሓጻር ኣይኰነትን፡ ከይሰምዕ ከኣ እዝኑ ኣይጻንዖን እዩ” እትብል ጥቕሲ የዘኻኽረና ነበረ። እዘን ዜጸናንዓ ቓላት እዚኣተን፡ ኣብ የሆዋ ንኽንውከል ሓጊዘናና እየን።

ጆኤል እናዓበየ ምስ ከደ፡ ህይወቱ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸም ዜተኵር ንምግባር ንጽዕር ነበርና። ምስ ሰማያዊ ኣቦኡ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ ርክብ ምእንቲ ኺህልዎ፡ ኣብ ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ብዛዕባ የሆዋ ንነግሮ ነበርና። ብዘይካዚ፡ እቲ ንጆኤል ብመገዲ ኣምላኽ ኸነዕብዮ እንገብሮ ዝነበርና ጻዕሪ ጽቡቕ ፍረ ምእንቲ ኼፍሪ ንየሆዋ ለሚንናዮ ኢና።

ጆኤል ኣብ መጀመርታ ዀተቴ ዕድሚኡ ኸሎ፡ ንዝረኸቦ ዘበለ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኼካፍል ይደሊ ምንባሩ ምስ ኣስተብሃልና፡ ኣዚና ተሓጐስና። ሓደ እዋን፡ ወዲ 14 ዓመት ከሎ ኸቢድ መጥባሕቲ ድሕሪ ምግባሩ፡ “ማማ፡ ነቲ ሓኪምዶ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ክህቦ፧” ምስ በለኒ ኣዝየ ተሓጐስኩ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ ጆኤል እንደገና መጥባሕቲ ኺገብር ነበሮ። ብህይወት ኪተርፍ ዝነበሮ ዕድል ጸቢብ ምዃኑ ኸኣ ተረዲእና ነበርና። ቅድሚ እቲ መጥባሕቲ፡ ጆኤል ነታ ብሓደ ዄንና ዘዳለናያ ብዛዕባ ደም ዘለዎ መትከል እትገልጽ ደብዳበ ንሓኪሙ ሃቦ። እቲ ሓኪም፡ “ነዚ ትሰማምዓሉ ዲኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ጆኤል ድማ “እወ፡ እሰማምዓሉ እየ” ኢሉ መለሰሉ። በቲ ወድና ኣብ ፈጣሪኡ ዘለዎ ትውክልትን ንዕኡ ኼሐጕሶ ብዝገበሮ ቘራጽነትን ድማ ኣዚና ተሓበንና። ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ብዙሕ ደጊፎምና እዮም።

ጆኤል ዝገበሮ መንፈሳዊ ዕቤት

ጆኤል ወዲ 17 ዓመት ምስ ኰነ፡ ርእሱ ንየሆዋ ወፍዩ ተጠምቀ። እታ እተጠምቀላ መዓልቲ ፈጺምና ኣይንርስዓን ኢና! መንፈሳዊ ዕቤት ብምግባሩ ኣዚና ኢና ተሓጒስና። ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ፡ ንየሆዋ ዘላቶ ፍቕርን ንሓቂ ዘለዎ ቕንኣትን ፈጺሙ ኣይነከየን። አረ ንዝረኽቦ ዅሉ ሰብሲ፡ “ሓቂ ህይወተይ እያ!” እዩ ዚብል።

ጆኤል ኣብ መወዳእታ ዕድመ ዀተቴ ምስ በጽሐ፡ ምንባብን ምጽሓፍን ተማህረ። ከምዚ ምግባር ግን ብርቱዕ ጻዕሪ ዚሓትት ነበረ። ሒደት ቃላት ምጽሓፍ፡ ንዕኡ ኸም ዓብዪ ዓወት እዩ ነይሩ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ ንግሆ ንግሆ ኻብታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር እትበሃል ንእሽቶ ጽሕፍቲ፡ ዕለታዊ ጥቕሲ የንብብ እዩ። ድሕሪኡ፡ ነታ ዕለታዊት ጥቕሲ ኣብ መዘኻኸሪ ጥራዙ ንምጽሓፍ ኣበርቲዑ ይጽዕር እዩ፣ ድሮ እኳ ዕለታዊ ጥቕሲ እተጻሕፎ ዚማርኽ ጥራዝ ኣዳልዩ ኣሎ።

ኣኼባ ኣብ ዚግበረሉ መዓልትታት፡ ኣብ ኣፍ ደገ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ነቶም ዝመጹ ሰላም ምእንቲ ኺብሎም ኣቐዲምና ኽንከይድ እዩ ዚደሊ። ኣብ ኣኼባታት ሓሳብ ኪህብን መርኣያ ኬቕርብን ባህ እዩ ዚብሎ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ክፍሊ ድምጺ ይዓይን ኣብ ካልእ ንጥፈታት ይካፈልን እዩ። ኵነታት ጥዕናኡ ኼፍቅደሉ ኸሎ፡ ሰሙናዊ ምሳና ናብ ዕዮ ስብከት ይኸይድ እዩ። ብ2007 ጆኤል ኣገልጋሊ ጉባኤ ኸም ዝዀነ ንጉባኤ ምስ ተነግረ፡ ብሓጐስ ነባዕና። እዝስ ከመይ ዝበለ በረኸት የሆዋ ዀን እዩ!

ኢድ የሆዋ ርኢና

ብ1999 ካልእ ጸገም ኣጋጠመና። ሓደ ዘይግዱስ መራሒ ማኪና ንማኪናና ምስ ወቕዓ፡ ሊዊጂ ኸቢድ ጕድኣት ወረዶ። ሓንቲ እግሩ ድማ ክትቍረጽ ነበራ፣ ብዘይካዚ፡ ብተደጋጋሚ መጥባሕቲ ዓንዲ ሕቖ ገበረ። ኣብዚ እዋን እዚ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብ የሆዋ ስለ እተወከልና፡ ዜድልየና ብርታዐ ሃበና። (ፊል. 4:13) ሊዊጂ ስንኩል ምዃኑ የሕዝነና እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ኣወንታዊ መዳያት ከነተኵር ኢና እንጽዕር። ዓለማዊ ስራሕ ኪሰርሕ ስለ ዘይከኣለ፡ ንጆኤል ኪከናኸኖ ዜኽእሎ ዝያዳ ግዜ ረኸበ። እዚ ኸኣ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ብዝያዳ ንኽካፈል ኣጋጣሚ ኸፈተለይ። ብዘይካዚ፡ ሊዊጂ ንመንፈሳውነት ስድራ ቤትናን እታ ጉባኤን ዝያዳ ኣቓልቦ ኺህብ ከኣለ፣ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ኰይኑ ኸኣ የገልግል ኣሎ።

ብምኽንያት እቲ ፍልይ ዝበለ ዅነታትና፡ ብስድራ ቤት ኴንና ብዙሕ ግዜ ነሕልፍ ኢና። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ሚዛናውያን ክንከውንን ንዓቕሚ ኻልኦት ኣብ ግምት ከነእቱን ተማሂርና ኢና። ተስፋ ኣብ እንቘርጸሉ መዓልትታት፡ ንየሆዋ ስምዒትና ንነግሮ። እቲ ዜሕዝን፡ ዴቪድን ማርክን በጽሕታት ኰይኖም ካብ ቤት ምስ ወጹ፡ ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ኣቋረጹ። ኰይኑ ግን፡ ናብ የሆዋ ኺምለሱ ተስፋ ንገብር።—ሉቃ. 15:17-24

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኢድ የሆዋ ርኢናን ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣጸጋሚ ዅነታት ኣብኡ ኽንውከል ተማሂርናን ኢና። ብሕልፊ ነተን ኣብ ኢሳይያስ 41:13 ዚርከባ፡ “ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝ፡ ኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ፡ ዝብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ” ዚብላ ቓላት ኣዚና ኢና እንፈትወን። የሆዋ ብምሳልያዊ መገዲ ብኢድና ኸም ዚሕዘና ምፍላጥና፡ ኣተባቢዑና እዩ። እወ፡ እቲ ዘጋጠመና ፈተናታት፡ ብዝያዳ ኣብቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ኸም እንውከል ገይሩና እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ትሪሶሚ 21 ናይ ኣእምሮ ጸገም ዜስዕብ ብዘርኢ ዚመሓላለፍ ሕማም እዩ። ክሮሞዞም ከም ንቡር ሓደ ጽምዲ ዀይኑ ዚፍጠር እኳ እንተ ዀነ፡ ትሪሶሚ ዘለዎም ሕጻናት ግን ምስ ሓደ ኻብቶም ጽምድታት ዚድረብ ሳልሳይ ክሮሞዞም ኣለዎም። ትሪሶሚ 21 ድማ ኣብ ክሮሞዞም 21 እዩ ጽልዋ ዚገብር።

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ጆኤልን ኣዲኡ ኣዳን

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣዳ፡ ጆኤል፡ ከምኡውን ሊዊጂ

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ጆኤል ንኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ሰላም ምባል የሐጕሶ