ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ኺሓተካ ተፍቅደሉ ዲኻ፧

የሆዋ ኺሓተካ ተፍቅደሉ ዲኻ፧

የሆዋ ኺሓተካ ተፍቅደሉ ዲኻ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ውሽጢ ልብና ሰንጢቑ ዚኣቱ ብኣማእታት ዚቝጸር ሕቶታት ሒዙ ኣሎ። የሆዋ ኣምላኽ፡ ኣገዳሲ ሓቅታት ንምምሃር ሕቶታት ይጥቀም እዩ። ንኣብነት፡ ንቃየል ካብቲ ኣዕናዊ መገዱ ኺምለስ ኬጠንቅቖ ኸሎ፡ እተወሰነ ሕቶታት ተጠቒሙ እዩ። (ዘፍ. 4:6, 7) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ፡ የሆዋ ዘቕረባ ሕቶ፡ ንሓደ ሰብ ኣወንታዊ ስጕምቲ ንኺወስድ ደረኸቶ። የሆዋ፡ “ንመን ክልእኽ፧ መንከ ኪኸደልና እዩ፧” እትብል ሕቶ ምስ ኣቕረበ፡ ነብዪ ኢሳይያስ፡ “እኔኹ ልአኸኒ” ኢሉ መለሰ።—ኢሳ. 6:8

እቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነ የሱስ እውን፡ ንሕቶታት ብውጽኢታዊ መገዲ ይጥቀመሉ ነበረ። ኣብ ወንጌላት ልዕሊ 280 የሱስ ዝሓተቶ ሕቶታት ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚ፡ ንነቐፍቱ ኣፎም ንኼትሕዞም ኢሉ ሕቶታት እኳ እንተ ተጠቕመ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግን፡ ዕላማኡ ልቢ ሰማዕቱ ንምትንካፍን ብዛዕባ መንፈሳዊ ዅነታቶም ኪሓስቡ ንምድራኽን እዩ ነይሩ። (ማቴ. 22:41-46፣ ዮሃ. 14:9, 10) እቲ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ 14 መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ ሃዋርያ ጳውሎስ እውን፡ ብዜእምን መገዲ ሕቶታት ተጠቒሙ እዩ። (ሮሜ 10:13-15) ንኣብነት፡ እታ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፋ መልእኽቱ፡ ብዙሕ ሕቶታት ሒዛ ኣላ። እቲ ጳውሎስ ዘቕረቦ ሕቶታት፡ ንኣንበብቱ፡ “መዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን” ንኺግንዘቡ ይድርኾም እዩ።—ሮሜ 11:33

ገሊኡ ሕቶታት ኣፋዊ መልሲ ዜድልዮ እኳ እንተ ዀነ፡ ገሊኡ ግን ከም እትሓስብ ኪገብረካ ተባሂሉ እዩ ዚሕተት። የሱስ ከምቲ ዳሕረዋይ ዓይነት ሕቶታት ብብዝሒ ኸም እተጠቕመ፡ ኣብ ወንጌላት ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ካብ ማይ ብሑቝ ሄሮድስን ተጠንቀቑን ተአርነቡን” ኢሉ ኣጠንቀቖም፣ ከምዚ ኺብል ከሎ፡ ካብ ግብዝናኦምን ናይ ሓሶት ትምህርትታቶምን ኪጥንቀቑ እዩ ዚሕብሮም ነይሩ። (ማር. 8:15፣ ማቴ. 16:12) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ብዛዕባ እንታይ ከም እተዛረቦም ኣይተረድኦምን፣ እንጌራ ስለ ዝረስዑ ኸምኡ ዝበሎም እውን መሰሎም። ኣስዕብ ኣቢሉ ኣብ እተዛረቦ ሓጺር ዘረባ እተጠቕመሉ ሕቶታት እሞ ኣስተብህለሉ። “የሱስ ድማ ፈሊጡ በሎም፤ ንምንታይ እንጌራ ስለ ዘይምህላውኩም ትሐስቡ፧ ገናዶ ኣይትፈልጡን ወይስ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም፧ ልብኹምዶ ድፉን እዩ፧ ኣዒንቲ ኸለዋኹምሲ ኣይትርእዩንዶ፧ ኣእዛን ከለዋኹምከ ኣይትሰምዑንዶ፧ . . . ገናዶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም፧” ነዚ ሕቶታቱ፡ ብልቦም እዮም መልሲ ኺህቡሉ ነይርዎም፣ እዚ ድማ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ትርጕም ቃላቱ ንኺሓስቡ ደረኾም።—ማር. 8:16-21

“ኣነ ኽጥይቐካ እየ”

የሆዋ ኣምላኽ ንኣተሓሳስባ ባርያኡ እዮብ ንምዕራይ፡ ሕቶታት ተጠቒሙ እዩ። ንእዮብ ሓያሎ ሕቶታት ብምሕታት፡ እዮብ ምስ ገባሪኡ ኺነጻጸር ከሎ ኽሳዕ ክንደይ ደቂቕ ምዃኑ መሃሮ። (እዮብ፡ ምዕ. 38-41) የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ እዚ ሕቶታት እዚ፡ ኣፋዊ መልሲ ኺወሃቦ ይጽበ ነይሩ ድዩ፧ ከምኡ ዘይመስል እዩ። “ኣነ ንምድሪ ኽስርታ ኸሎኹስ፡ ኣበይ ነበርካ፧” ዚብልን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ሕቶታትን፡ ንሓሳባትን ስምዒታትን እዮብ ንምንቕቓሕ ተባሂሉ እዩ ተሓቲቱ ኪኸውን ዘለዎ። እዮብ ገለ ኻብቲ ሕቶታት ጥራይ ብተኸታታሊ ምስ ቀረበሉ፡ ዚብሎ እዩ ጠፊእዎ። “እንታይ ኢለኸ ኽመልሰልካ፧ ንኣፈይ ብኢደይ ሒዘያ እየ” በለ። (እዮ. 38:4፣ 40:4) እዮብ ነቲ መልእኽቲ ስለ እተረድኦ፡ ርእሱ ትሕት ኣበለ። ኰይኑ ግን፡ የሆዋ ንእዮብ፡ ትሑት ኪኸውን ጥራይ ኣይኰነን ዚምህሮ ነይሩ። ኣተሓሳስባ እዮብ እውን ተኣሪሙ እዩ። ብኸመይ፧

እዮብ “ፍጹምን ቅኑዕን” እኳ እንተ ነበረ፡ ሓድሓደ ግዜ ግን ግጉይ ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮ ኣብ ቃላቱ ተንጸባሪቑ እዩ፣ ኤሊሁ ንእዮብ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንነፍሱ ስለ ዘጽደቓ” ኺእርሞ ኸሎ ኸኣ፡ ነዚ ጌጋኡ እዩ ኣተኲሩሉ። (እዮ. 1:8፣ 32:2፣ 33:8-12) በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሆዋ ብሕቶታቱ ኣቢሉ ንእዮብ ኣረሞ። ካብ ህቦብላ ንፋስ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ “ብዘይ ፍልጠት ብምዝራቡ ንምኽረይ ዜጸልምቶ መን እዩ፧ ከም ሰብኣይ ኴንካ ሕቜኻ ተዐጠቕ፡ ኣነ ኽጥይቐካ እየ፡ ንስኻውን ምለሰለይ።” (እዮ. 38:1-3) ድሕርዚ፡ ብሕቶታት ገይሩ፡ ናብቲ ኣብ ዜደንቕ ግብርታቱ ዚርአ ደረት ዘይብሉ ጥበቡን ሓይሉን ከም ዜተኵር ገበሮ። እዚ ሓድሽ ፍልጠት እዚ ድማ፡ ንእዮብ ካብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ኣብ ፍርድን ተግባራትን የሆዋ ኸም ዚተኣማመን ገበሮ። እዮብ በቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ሕቶታት ኪቐርበሉ ኸሎስ፡ ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ተመክሮ ዀን ኣሕሊፉ ኪኸውን ኣለዎ!

የሆዋ ኺሓተና ብኸመይ ከነፍቅደሉ ኸም እንኽእል

ንሕናኸ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ሕቶታት ክንጥቀም ንኽእልዶ፧ እወ፡ ንኽእል ኢና። ሓንሳእ ደው ኢልና ነቲ ሕቶታት እንተ ሓሲብናሉ፡ ብዙሕ መንፈሳዊ ዓስብታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ንቓል ኣምላኽ ሓይሊ ኸም ዚህልዎ ኻብ ዚገብሮ ነገራት ሓደ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎ ናብ ልቢ ሰንጢቑ ዚኣቱ ሕቶታት እዩ። እወ፡ “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ . . . ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።” (እብ. 4:12) ካብቲ ሕቶታት ኣጸቢቕና ምእንቲ ኽንጥቀም ግን፡ የሆዋ ንዓና ብውልቂ ይሓተና ኸም ዘሎ ጌርና ኽንሓስብ ኣሎና። (ሮሜ 15:4) ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

“እቲ ፈራድ ኵላ ምድርስ ፍትሒዶ ኣየውጽእን እዩ፧” (ዘፍ. 18:25) ኣብርሃም ኣብቲ ሶዶምን ጎሞራን እተፈርዳሉ እዋን ምስ የሆዋ ኺዘራረብ ከሎ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኣበገሰ። የሆዋ ነቲ ጻድቕ ምስቲ ረሲእ ብምቕታል ዘይፍትሓዊ ተግባር ኪገብር፡ ፈጺምካ ዘይከውን ነገር ምዃኑ እዩ ኣብርሃም ሓሲቡ። እዛ ሕቶኡ፡ ኣብ ጽድቂ የሆዋ ዓሚቝ እምነት ከም ዘለዎ እተርኢ እያ ነይራ።

ሎሚ፡ ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዚግበር ፍርድታት የሆዋ ግምታዊ ሓሳባት ይህቡ እዮም፣ ንኣብነት፡ መን ካብ ኣርማጌዶን ከም ዚድሕን፡ ወይ መን ትንሳኤ ኸም ዚረክብ ግምቶም ይዛረቡ እዮም። በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓሳባት ኣብ ክንዲ እንርበሽ፡ ነታ ኣብርሃም ዘበገሳ ሕቶ ኽንዝክራ ንኽእል ኢና። ንሕና እውን ከም ኣብርሃም፡ የሆዋ ሕያዋይ ሰማያዊ ኣቦና ምዃኑ እንተ ፈሊጥናን ኣብ ፍትሑን ምሕረቱን ምሉእ ምትእምማን እንተ ኣሕዲርናን፡ ኣብ ዘየድሊ ጭንቀትን ዜዳኽም ጥርጣረን ዘይረብሕ ክትዕን ግዜና ዀነ ጕልበትና ኣይከነጥፍእን ኢና።

“ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ [“ዕምሩ፡” NW] ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን አሎ፧” (ማቴ. 6:27) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱን ንኻልኦት ብዙሓት ሰባትን ኪዛረቦም ከሎ፡ ርእሶም ኣብ ኢድ እቲ ፈቃር ዝዀነ የሆዋ ኼንብሩ ኸም ዘለዎም ንምጕላሕ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ ተጠቕመ። ዳሕሮት መዓልትታት እዚ እኩይ ስርዓት እዚ፡ ብዙሕ ዜጨንቕ ነገራት ዜምጽእ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብኡ ምትኳር ግን ንዕምርና ዜናውሕ ወይ ንህይወትና ዜመሓይሽ ኣይኰነን።

ብዛዕባ ርእስና ወይ ብዛዕባ እንፈትዎ ሰብ ክንጭነቕ ከለና፡ ነዛ የሱስ ዝሓተታ ሕቶ ምዝካርና፡ ብዛዕባ እቲ ዜጨንቐና ነገር ግቡእ ኣረኣእያ ንኽንሕዝ የኽእለና። ብዘይካዚ፡ ነቲ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ኣካላውን ሓይልና ዚጽንቅቕ ጭንቀትን ኣሉታዊ ሓሳባትን ንኸነወግዶ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ እቲ ንኣዕዋፍ ሰማይ ዚምግብን ንዕምባባታት መሮር ዚኸድንን ሰማያዊ ኣቦና፡ እንታይ ከም ዜድልየና ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ።—ማቴ. 6:26-34

“ሰብዶ ሓዊ ሐቚፉስ ክዳኑ ኣይነድድን እዩ፧” (ምሳ. 6:27) እተን ቀዳሞት ትሽዓተ ምዕራፋት መጽሓፍ ምሳሌ፡ ሓደ ኣቦ ንወዱ ዜመሓላልፎ ግብራዊ ጥበብ ዝሓዘ ሓጺር መደረታት ሒዘን ኣለዋ። እታ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሳ ዘላ ሕቶ፡ ነቲ ዝሙት ዜስዕቦ መሪር ሳዕቤን ተጕልሕ። (ምሳ. 6:29) ክንኳሸም ወይ ግጉይ ጾታዊ ትምኒት ከነሕድር እንተ ጀሚርና፡ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ ኣእምሮና ኽትድውል ኣለዋ። ብመሰረቱ፡ ሓደ ሰብ ዘይጥበባዊ ስጕምቲ ንኺወስድ ኪፍተን ከሎ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኺሓትት ይኽእል እዩ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ ‘ዝዘራእካዮ ኢኻ እትዓጽድ’ ዚብል መሰረታዊ ስርዓት ብንጹር ተጕልሕ እያ።—ገላ. 6:7

“ንስኻ ኣብ ጊልያ ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧” (ሮሜ 14:4) ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ፡ ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ብዛዕባ እተላዕለ ጸገማት ገለጸ። ገሊኦም ክርስትያናት ካብ እተፈላለየ ባህሊ ዝመጹ ብምንባሮም፡ ንውሳነታትን ተግባራትን ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ናይ ምፍራድ ዝንባለ ነበሮም። እታ ጳውሎስ ዝሓተታ ሕቶ፡ ንሓድሕዶም ኪቀባበሉን ፍርዲ ኣብ ኢድ የሆዋ ኺሓድግዎን ኣዘኻኸረቶም።

ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ህዝቢ የሆዋ ኻብ እተፈላለየ ባህልን መነባብሮን ዝመጹ እዮም። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብዜደንቕ ሓድነት ገይሩ ኣሕቢሩና እዩ። ነቲ ሓድነት እቲ ኣበርክቶ ንገብር ዲና፧ ሓውና ብሕልናኡ ተደሪኹ ንዝገበሮ ተግባር ተሃዊኽና ንነቅፍ እንተ ዄንና፡ ነታ ኣብ ላዕሊ ዘላ ጳውሎስ ዘበገሳ ሕቶ ኽንሓትት ኣሎና።

ሕቶታት ንየሆዋ ብዝያዳ ንኽንቀርቦ የኽእለና

እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሒደት ኣብነታት፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሕቶታት ክሳዕ ክንደይ ሓይሊ ኸም ዘለዎ እዩ ዜርኢ። ኣብ ከባቢ ነፍሲ ወከፍ ሕቶ ዘሎ ሓሳባት ኣብ ግምት እንተ ኣእቲና፡ ንዓና እውን ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና ኸኣ፡ ተወሳኺ ጠቓሚ ሕቶታት ከነስተውዕል ንኽእል ኢና።—ኣብ ገጽ 14 ዘላ ሳጹን ርአ።

ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓያል ጽልዋ ዘለዎ ሕቶታት ውሽጥና ኺትንክፈና እንተ ፈቒድናሉ፡ ኣእምሮናን ልብናን ምስቲ ጻድቕ መገድታት የሆዋ ኺሰማማዕ እዩ። የሆዋ ንእዮብ ምስ ሓተቶ፡ እዮብ፡ “ብሰማዒት እዝኒ ብዛዕባኻ ሰሚዔ ነይረ፡ ሕጂ ግና ዓይነይ ርእያትካ” በለ። (እዮ. 42:5) እወ፡ የሆዋ ንእዮብ፡ ከም ብዓይኒ ዚርአ ዀይኑ እዩ ጋህዲ ዀይኑሉ። ጸኒሑ እውን፡ ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” በለ። (ያእ. 4:8) ሃየ እምበኣር፡ ኵሉ ኽፋል ቃል ኣምላኽ፡ እንተላይ ኣብኡ ዚርከብ ሕቶታት፡ ብመንፈስ ንኽንዓብን ንየሆዋ ብንጹር ‘ንኽንርእዮን’ ኪሕግዘና ነፍቅደሉ።

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ሳጹን]

ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ንርእስኻ ምሕታትካ፡ ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወካ ዚሕግዘካ ብኸመይ እዩ፧

“ ንእግዚኣብሄርሲ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ከም ምስማዕ ደሃይ እግዚኣብሄር ገይሩዶ የሐጕሶ እዩ፧”—1 ሳሙ. 15:22

“ ዓይኒ ዝፈጠረስ ኣይርእንዶ እዩ፧”—መዝ. 94:9

“ ኣነ ጥበበኛ እየ፡ ዚብል ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ፧”—ምሳ. 26:12

“ ብምዅራይካስ ጽቡቕዶ ትገብር አሎኻ፧”—ዮና. 4:4

“ ንሰብከ ዅላ ዓለም ረቢሑስ፡ ነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧”—ማቴ. 16:26

“ ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧”—ሮሜ 8:35

“ ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ አሎካ፧”—1 ቈረ. 4:7

“ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት አልይዎ፧”—2 ቈረ. 6:14

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

እዮብ ካብቲ የሆዋ ዝሓተቶ ሕቶታት እንታይ ተማሂሩ፧