ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቀዳሞት ክርስትያናትን ኣማልኽቲ ሮሜን

ቀዳሞት ክርስትያናትን ኣማልኽቲ ሮሜን

ቀዳሞት ክርስትያናትን ኣማልኽቲ ሮሜን

እቲ ኣመሓዳሪ ቢቲንያ ዝነበረ ፕሊኒ ንእሽቶ ናብ ሃጸይ ትራጃን ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ “ነቶም ክርስትያናት ከም ዝዀኑ ተኸሲሶም ኣብ ቅድመይ ዚቐርቡ፡ ከምዚ ዚስዕብ እየ ዝገብር። ክርስትያናት እንተ ዀይኖም እሓቶም፣ እንተ ተኣሚኖም፡ ከም ዚቕጽዑ እናኣፈራራህኩ ንኻልኣይን ንሳልሳይን ግዜ እሓቶም። ቃሎም እንተ ዘይቀይሮም፡ ኪቕተሉ እእዝዝ” በለ። ብዛዕባ እቶም ንክርስቶስ ብምርጋም ኰነ ሓወልቲ ሃጸይን ምስሊ ኣማልኽትን ብምምላኽ ንክርስትና ዝኸሓዱ ግን፡ “ይኺዱ ኽሓድጎም ቅኑዕ ኰይኑ እዩ ዚረኣይኒ” በለ።

ቀዳሞት ክርስትያናት ንሃጸይን ንምስልታት እተፈላለዩ ኣማልኽትን ኬምልኹ ፍቓደኛታት ብዘይምንባሮም፡ ኣደዳ መስጐጕቲ ይዀኑ ነይሮም እዮም። ኣብ ምልእቲ እታ ሃጸያዊት ግዝኣት ዝነበራ ኻልኦት ሃይማኖታት፡ እንታይ ኣማልኽቲ እየን ዜምልኻ ዝነበራ፧ ሮማውያንከ ብኸመይ ይርእይወን ነበሩ፧ ክርስትያናት ንኣማልኽቲ ሮሜ ኺስውኡ ፍቓደኛታት ብዘይምንባሮም መስጐጕቲ ዚወርዶም ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ምፍላጥና፡ ሎሚ ነቲ ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ዚምልከት ተመሳሳሊ ጕዳያት ኪለዓል ከሎ እንታይ ከም እንገብር ንኽንፈልጥ ይሕግዘና እዩ።

ሃይማኖታት እታ ሃጸያዊት ግዝኣት

ከምቲ ኣብ ትሕቲ ሃጸያዊት ግዝኣት ሮሜ ብዙሕ ቋንቋታትን ባህልታትን ዝነበረ፡ ክንድኡ ዚኣኽሉ ኣማልኽቲ እውን ይምለኹ ነበሩ። ሮማውያን ንኣይሁድነት ዘይልሙድ ዓይነት ሃይማኖት ኰይኑ ይስምዖም እኳ እንተ ነበረ፡ ረሊግዮ ሊኪታ ወይ ቅቡል ሃይማኖት ከም ዝዀነ ገይሮም ይርእይዎን ዕቝባ ይገብሩሉን ነበሩ። ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ-መቕደስ፡ ክልተ ሳዕ ኣብ መዓልቲ፡ ንቄሳርን ንሮማውያንን ተባሂሉ ኽልተ ገንሸልን ሓደ ብዕራይን ይስዋእ ነበረ። ሮማውያን፡ እዚ መስዋእትታት እዚ ንሓደ ወይ ንብዙሓት ኣማልኽቲ ዜሐጕስ ምዃኑ ኣይግድሶምን እዩ ነይሩ። ንዓታቶም ዜገድሶም ነገር፡ እቲ ተግባር፡ ኣይሁድ ንሮሜ እሙናት ምዃኖም ዜርኢ እኹል መርትዖ ምንባሩ እዩ።

ኣብተን ኣብ ፈቐዶኡ ዚርከባ ጕጅለታት ሃይማኖት፡ እተፈላለየ ዓይነት ኣረማውነት ነበረ። ያታ ግሪኽ ሰፊሕ ተቐባልነት ረኺቡ ነበረ፣ ጥንቈላ እውን ልሙድ ነበረ። እቶም ነቲ ምስጢራዊ ዚበሃል ሃይማኖታት ምብራቕ ዚስዕቡ ውፉያት ምእመናን፡ ኣብ ናይ ዘይሙማት ደረጃ ኸም ዚበጽሑ፡ ራእያት ብቐጥታ ኸም ዚግለጸሎም፡ ብምስጢራዊ ጽምብላት ከኣ ናብ ኣማልኽቲ ኸም ዚቐርቡ ይንገረሎም ነበረ። እዚ ዅሉ ሃይማኖታት ኣብ ምልእቲ እታ ሃጸያዊት ግዝኣት ኣስፋሕፍሐ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ኣምልኾ እቶም ግብጻውያን ዜምልኽዎም ዝነበሩ ሰራፊስ ዚበሃል ኣምላኽን ኣይሲስ እትበሃል ኣንስተይቲ ኣምላኽን፡ ኣምልኾ እታ ሶርያውያን ዜምልኽዋ ዝነበሩ ኣምላኽ ዓሳ እትበሃል ኣታርጋቲስ፡ ከምኡውን ኣምልኾ እቲ ፋርሳውያን ዜምልኽዎ ኣምላኽ ጸሓይ ዚበሃል ሚትራ፡ ህቡብ ኰይኑ ነበረ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት፡ ቀዳሞት ክርስትያናት ብኣረማውያን ተኸቢቦም ምንባሮም ብንጹር ይገልጽ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኣይሁዳዊ ጠንቋሊ ምስቲ ብሮሜ እተሸመ ምስለኔ ቆጵሮስ ይቀራረብ ነበረ። (ግብ. 13:6, 7) ሰብ ልስጥራ ንጳውሎስን ንበርናባስን፡ ሄርሜስን ድያን ዚበሃሉ ግሪኻውያን ኣማልኽቲ ኸም ዝዀኑ ገይሮም ርእዮምዎም ነበሩ። (ግብ. 14:11-13) ጳውሎስ ኣብ ፊልጲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሓንቲ ጥንቈላ እትገብር ግዝእቲ ኣጓኒፋቶ ነበረት። (ግብ. 16:16-18) ናብ ኣቴና ምስ ከደ እውን፡ እቶም ተቐማጦኣ፡ ‘ብዅሉ ነገር ምምላኽ ኣማልኽቲ ኸም ዜብዝሑ’ ተዛሪቡ ነበረ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ፡ “ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ” ዚብል እተጻሕፎ መሰውኢ እውን ርኣየ። (ግብ. 17:22, 23) ተቐማጦ ኤፌሶን ነታ ኣርጤምስ እትበሃል ኣምላኾም የምልኹ ነበሩ። (ግብ. 19:1, 23, 24, 34) ኣብ ደሴት መሊጠ፡ ጳውሎስ ብተመን ተነኺሱ ገለ ኸይኰነ ምስ ተረፈ፡ እቶም ህዝቢ፡ ንሱ ኣምላኽ ምዃኑ ተዛሪቦም እዮም። (ግብ. 28:3-6) ስለዚ፡ ክርስትያናት ነቲ ንጹህ ኣምልኾኦም ኬበላሹ ኻብ ዚኽእል ጽልዋታት ኪጥንቀቑ ነበሮም።

ሃይማኖት ሮማውያን

ሮማውያን፡ ግዝኣቶም እናኣስፋሕፍሐ ብዝኸደ መጠን፡ እተፈላለየ ኣማልኽቲ ተቐቢሎም እዮም፣ ነቶም ኣማልኽቲ ኸኣ ካብቶም ድሮ ዚፈልጥዎም እተፈልዩ ኸም ዘይኰኑ፡ የግዳስ ብእተፈልየ መልክዕ ከም ዝቐረቡ ገይሮም ይርእይዎም ነበሩ። ንኣምልኾ ጓኖት ኣብ ክንዲ ዜወግድዎ፡ ይቕበልዎን ከም ዚሰማምዖም ገይሮም የርዕምዎን ነበሩ። በዚ ኸምዚ፡ ሮሜ ኸምቲ እተፈላለየ ባህሊ ዝነበራ፡ እተሓናፈጸ ሃይማኖት እውን ነበራ። ብመሰረት ሃይማኖት ሮማውያን፡ ንሓደ ኣምልኾ ጥራይ ውፉይ ምዃን ኣገዳስነት ኣይነበሮን። ሰባት ኣብ ሓደ እዋን፡ እተፈላለዩ ኣማልኽቲ ኼምልኹ ይኽእሉ ነበሩ።

ሓደ ኻብቶም ሮማውያን ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ዜምልኽዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ፡ ጁፒተር ዚበሃል ኰይኑ፡ ኦፕቲሙስ ማክሲሙስ፡ ማለት እቲ ብሉጽን ዓብዪን ኢሎም ይጽውዕዎ ነበሩ። ብንፋስን ዝናምን በርቅን ነጐዳን ኣቢሉ ገዛእ ርእሱ ኸም ዜግህድ ይእመን ነበረ። እታ ምስ ወርሒ እትተሓሓዝ ሓብትን ሰበይትን ጁፒተር ዝነበረት ጁኖ፡ ንዅሉ መዳይ ህይወት ኣንስቲ እትሕሉ ኸም ዝነበረት እዩ ዚእመነላ ነይሩ። ሚነርቫ እትበሃል ጓሉ ድማ፡ ናይ ብልሓትን ሞያን ስነ-ጥበብን ውግእን ኣምላኽ ከም ዝዀነት ጌርካ ትርአ ነበረት።

ሮማውያን መወዳእታ ዘይብሎም ኣማልኽቲ እዮም ነይሮምዎም። ላርታትን ፕናተታትን ዚበሃሉ ኣማልኽቲ ስድራ ቤት ነይሮም እዮም። ቨስታ ኣምላኽ መጋርያ እያ ነይራ። እቲ ኽልተ ዝገጹ ጃኑስ ከኣ፡ ኣምላኽ ኵሉ መጀመርታ እዩ ነይሩ። ነፍሲ ወከፍ ሞያ፡ ናይ ርእሱ ሓላዊ ኣምላኽ ነበሮ። ሮማውያን ንባህርያት እውን ከይተረፈ ኣማልኽቲ ገይሮምሉ ነበሩ። ፓክስ ንሰላም፡ ሳሉስ ንጥዕና፡ ፑዲኪቲያ ንትሕትናን ንንጽህናን፡ ፊደስ ንተኣማንነት፡ ቪርቱስ ንትብዓት፡ ቮሉፕታስ ከኣ ንደስታ ይሕልዉ ነበሩ። ኵሉ ህዝባውን ውልቃውን ህይወት ሮማውያን፡ ንፍቓድ ኣማልኽቲ ዚግዛእ ከም ዝዀነ ጌርካ ይውሰድ ነበረ። ስለዚ፡ ሮማውያን፡ ሓደ ነገር ኪገብሩ ኺህቅኑ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ንምርካብ፡ ብጸሎትን ብመስዋእትን ብበዓላትን ኣቢሎም ነቲ ዚግብኦ ኣምላኽ ኬሐጕሱ ይጽዕሩ ነበሩ።

ሓደ ኻብቲ ፍቓድ ኣማልኽቲ ዚረጋገጸሉ መገዲ፡ ከም ፋል ዚኸውን ነገራት ምዕዛብ እዩ። ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ዚግበረሉ ነገር፡ ኣምዑት እቶም ዚስውኡ እንስሳታት ብምምርማር እዩ። ኵነታትን ትርኢትን እቲ ኣካላት ብምዕዛብ፡ እቶም ኣማልኽቲ ነቲ ኺውሰድ እተሓስበ ስጕምቲ ዚሰማምዑሉ ወይ ዘይሰማምዑሉ እንተ ዀይኖም ኪፍለጥ ከም ዚከኣል ጌርካ ይሕሰብ ነበረ።

ኣብ መወዳእታ ኻልኣይ ዘመን ቅ.ክ.፡ ሮማውያን ነቶም ቀንዲ ኣማልኽቶም ምስ ኣማልኽቲ ግሪኻውያን ሕደ ኸም ዝዀኑ ገይሮም ኪሓስቡ ጀሚሮም እዮም። ንኣብነት፡ ንጁፒተር ምስ ድያ ወይ ዙስ፡ ንጁኖ ኸኣ ምስ ሂራ ሕደ ገይሮም ኪርእይዎም ጀሚሮም እዮም። ምስ ኣማልኽቲ ግሪኻውያን ዚሰማማዕ ያታታት እውን ኪቕበሉ ጀመሩ። እዚ ኣፈ-ታሪኻት እዚ፡ ነቶም ኣማልኽቶም ከም ሰባት ጕድለታትን ድሩት ዓቕምን ከም ዝነበሮም ገይሩ እዩ ዜቕርቦም ነይሩ። ንኣብነት፡ ዙስ ምስ መወትቲ ዀኑ ምስ ዘይመወትቲ ጾታዊ ርክብ ዚገብር፡ ብጾታ ዚጋሰስን ዚዕምጽን ጌርካ እዩ ተገሊጹ። እቲ ኣብ ጥንታዊ ትያትራት ህቡብ ዝነበረ ንምድጋሙ ዜሕፍር ታሪኽ ኣማልኽቲ፡ ነቶም ሰዓብቲ እቲ እምነት፡ ጽዩፍ ትምኒታቶም ንኺገብሩ ፍቓድ ኰኖም።

መብዛሕትኦም ምሁራት ሰባት ነቲ ኣፈ-ታሪኻት ቃል ብቓሉ ኣይኰኑን ዚቕበልዎ ነይሮም። ገሊኦም ከም ምሳልያዊ ዛንታ ገይሮም እዮም ዚትርጕምዎ ነይሮም። ጶንጥዮስ ጲላጦስ፡ “ሓቂ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ዝሓተተ እውን፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዮሃ. 18:38) እታ ዘቕረባ ሕቶ፡ “ኣብ መንጎ ምሁራት ሰባት ዝነበረ ልሙድ ኣተሓሳስባ፡ ኣብዚ ነገራት እዚ ርግጸኛ ንኽትከውን ዚግበር ፈተነ ኸንቱ ምዃኑ” እትገልጽ እያ ነይራ።

ኣምልኾ ሃጸይ

ኣምልኾ ሃጸይ፡ ኣብቲ ኣውጉስጦስ ዚገዝኣሉ ዝነበረ እዋን (27 ቅ.ክ. ክሳዕ 14 ድ.ክ.) እዩ ተጀሚሩ። ብፍላይ ኣብቲ ተዛረብቲ ቛንቋ ግሪኽኛ ዝነበሩሉ ኣብ ምብራቕ ዚርከብ ግዝኣታት፡ ብዙሓት ነቲ ድሕሪ ነዊሕ ውግእ፡ ብልጽግናን ሰላምን ዘምጸኣሎም ኣውጉስጦስ ኬመስግንዎ ይደልዩ ነበሩ። ሰባት ኣብ ትሕቲ ሓደ ዚርአ ብዓል-ስልጣን ቀጻሊ ዕቝባ ይደልዩ ነበሩ። ንሃይማኖታዊ ፍልልያት ሰጊሩ፡ ሃገራውነት ዜተባብዕን ንዓለም ኣብ ትሕቲ “መድሓኒኣ” ዜሕብርን ስልጣን ኬቝሙ ደለዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ነቲ ሃጸይ ከም ኣምላኽ ገይሮም ኪርእይዎ ጀመሩ።

ኣውጉስጦስ ብህይወቱ ኸሎ፡ ኣምላኽ ተባሂሉ ኺጽዋዕ እኳ እንተ ዘይፈቐደ፡ ነታ ሮማ ድያ ተባሂላ እተጸውዐት ሮሜ ኸም ኣምላኽ ጌርካ ኽትምለኽ ግን ጽኑዕ መትከል ነበሮ። ኣውጉስጦስ ምስ ሞተ፡ ኪምለኽ ጀመረ። በዚ ኸምዚ፡ ኣብቲ ግዝኣታት ዝነበረ ሃይማኖታዊ ስምዒታትን ሃገራውነትን፡ ናብታ ማእከል እታ ሃጸያዊት ግዝኣትን ናብቲ ገዛእን ኣተኰረ። እቲ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ናብ ኵሉ ግዝኣታት ዘስፋሕፍሐ ሓድሽ ኣምልኾ ሃጸይ፡ ንመንግስቲ ኣኽብሮትን ተኣማንነትን ዚግለጸሉ መገዲ ዀነ።

ካብ 81 ክሳዕ 96 ድ.ክ. ሃጸይ ኰይኑ ዝገዝአ ዶሚሽያን፡ ከም ኣምላኽ ኣምልኾ ኺወሃቦ ዝጠለበ ናይ መጀመርታ ሮማዊ ገዛኢ እዩ ነይሩ። ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ፡ ሮማውያን ኣብ መንጎ ክርስትያናትን ኣይሁድን ዘሎ ፍልልይ ፈሊጦም ነበሩ፣ ንክርስትና ድማ ከም ሓድሽ እምነት ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ምእንቲ ምስክር የሱስ” ኣብ ደሴት ጳጥሞስ እተሓየረ እውን፡ ብዘመነ ዶሚሽያን ከይኰነ ኣይተርፍን እዩ።—ራእ. 1:9

መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ፡ ኣብቲ ዮሃንስ ተሓዪሩሉ ዝነበረ እዋን እያ ተጻሒፋ። ኣብኡ ዀይኑ፡ ነቲ ኣብታ ኣገዳሲት ማእከል ኣምልኾ ሃጸይ ዝነበረት ጴርጋሞስ እተቐትለ ክርስትያን ጠቐሶ። (ራእ. 2:12, 13) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቲ ሃጸያዊ መንግስቲ ንክርስትያናት፡ ኣብቲ ኣብ ኣምልኾ መንግስቲ ዚግበር ጽምብላት ኪካፈሉ ጸቕጢ ኺገብር ጀሚሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ እታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ናብ ትራጃን እተላእከት ደብዳበ ኸም እትሕብሮ፡ ብ112 ድ.ክ.፡ ፕሊኒ ነቶም ኣብ ቢቲንያ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብዚ ጽምብላት ኪካፈሉ ኼገድዶም ይፍትን ነይሩ እዩ።

ትራጃን ነቲ ፕሊኒ ንዝቐረበሉ ጕዳያት ዝሓዘሉ ኣገባብ ድሕሪ ምውዳሱ፡ ንኣማልኽቲ ሮማውያን ዘየምልኹ ክርስትያናት ኪቕተሉ መምርሒ ሃበ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “እንተዀነ ግን፡ ክርስትያን ምዃኑ እንተ ኽሒዱ፡ ንኣማልኽትና ብምልማን ከኣ ነዚ ዚኸውን መርትዖ እንተ ኣቕሪቡ፡ (ንዝነበረ ጥርጣረ ሓዲግካ) ስለቲ ንስሓኡ ምሓሮ” ኢሉ ጸሓፈ።

ሓደ ሃይማኖት ንሰዓብቱ፡ ምሉእ ብምሉእ ነቲ ሃይማኖት ጥራይ ውፉያት ኪዀኑ ኺጠልብ ዚኽእል ምዃኑ፡ ንሮማውያን ኪርድኦም ዚኽእል ኣይነበረን። ኣማልኽቲ ሮማውያን ከምኡ ዘይጠልቡ ብምንባሮም፡ ኣምላኽ ክርስትያናት ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዚገብር ኣይተረድኦምን። ምስ መንግስቲ እተተሓሓዘ ኣምልኾ፡ ነቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣፍልጦ ኸም ዝሃብካ ዚሕብር ከም ዝዀነ ጌርካ ጥራይ እዩ ዚርአ ነይሩ። ስለዚ፡ ነዞም ኣማልኽቲ እዚኣቶም ዘይምምላኽ፡ ከም ክሕደት ሃገር ጌርካ ይርአ ነበረ። እንተዀነ ግን፡ መብዛሕትኦም ክርስትያናት ብሓይሊ ዚምብርከኹ ኸም ዘይነበሩ፡ ፕሊኒ እውን ርእይዎ እዩ። ክርስትያናት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ምስታፍ፡ ንየሆዋ እሙን ዘይምዃን ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ፣ ሓያሎ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከኣ፡ ኣብቲ ኣምልኾ ጣኦት ዝዀነ ኣምልኾ ሃጸይ ካብ ምስታፍ፡ ሞት ይመርጹ ነበሩ።

እዚ ንዓና ኼገድሰና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ገሊአን ሃገራት፡ ዜጋታት ንሃገራዊ ኣርማታት ተወፋይነቶም ኪገልጹ ትጽቢት ይግበረሎም እዩ። ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ንሰበ-ስልጣን መንግስቲ ብርግጽ ነኽብሮም ኢና። (ሮሜ 13:1) ንሃገራዊ ሰንደቕ ዕላማታት ጽምብላት ኪግበር ከሎ ግን፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ተወፋይነት ከም ዚግባእ ኣይንርስዕን ኢና፣ “ካብ ምምላኽ ጣኦት ህደሙ፡” ከምኡውን “ካብ ጣኦታት ተሐለዉ” ዚብል ኣብ ቃሉ ዚርከብ ምኽሪ እውን ንዝክሮ ኢና። (1 ቈረ. 10:14፣ 1 ዮሃ. 5:21፣ ናሆ. 1:2) የሱስ፡ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ኸኣ ኣምልኽ” ኢሉ እዩ። (ሉቃ. 4:8) ሃየ እምበኣር፡ ወትሩ ነቲ እነምልኾ ኣምላኽና እሙናት ንኹን።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንየሆዋ ጥራይ እዮም ምሉእ ተወፋይነት ዚህቡ

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ቀዳሞት ክርስትያናት ንሃጸይ ወይ ንምስሊ ኻልኦት ኣማልኽቲ ምምላኽ ኣበዩ

ሃጸይ ዶሚሽያን

ድያ (ዙስ)

[ምንጪ ስእሊ]

Emperor Domitian: Todd Bolen/Bible Places.com; Zeus: Photograph by Todd Bolen/Bible Places.com, taken at Archaeological Museum of Istanbul

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ነታ ህብብቲ ዝነበረት ኣርጤምስ እትበሃል ኣምላኽ ኣየምለኹን።—ግብ. 19:23-41