ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህዮ

ንናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህዮ

ንናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህዮ

“ነቲ . . . እተሐተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህይዎ።” —ኤፌ. 4:30

1. የሆዋ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት እንታይ እዩ ገይሩሎም፧ ንሳቶምከ እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧

 የሆዋ ነቶም ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም ዚነብሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ሓደ ፍሉይ ነገር ገበረሎም። በቲ ሓደ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሎም ናብኡ ኪቐርቡ ዚኽእልሉ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም። (ዮሃ. 6:44) ርእስኻ ንኣምላኽ እንተ ወፊኻን ምስ ወፈያኻ ተሰማሚዕካ ትነብር እንተ ኣሊኻን፡ ንስኻ እውን ሓደ ኻብኦም ኢኻ። ብስም መንፈስ ቅዱስ እተጠመቕካ ኸም ምዃንካ መጠን፡ ምስዚ መንፈስ እዚ ተሰማሚዕካ ናይ ምምልላስ ሓላፍነት ኣሎካ።—ማቴ. 28:19

2. እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

2 እቶም ‘ንመንፈስ ኢልና ዝዘራእና፡’ ሓድሽ ሰብ ለቢስና ኢና። (ገላ. 6:8፣ ኤፌ. 4:17-24) ኰይኑ ግን፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ከይነጕህዮ መኺሩናን ኣጠንቂቑናን ኣሎ። (ኤፌሶን 4:25-32 ኣንብብ።) ቀጺልና እስከ ንምኽሩ ንመርምሮ። ጳውሎስ ብዛዕባ ንመንፈስ ኣምላኽ ምጕሃይ ኪዛረብ ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ርእሱ ንየሆዋ ዝወፈየ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ንመንፈስ ኣምላኽ ኬጕህዮ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ንመንፈስ የሆዋ ኻብ ምጕሃይ ክንርሕቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ጳውሎስ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

3. ነቲ ኣብ ኤፌሶን 4:30 ዚርከብ ቃላት ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

3 ብቐዳምነት፡ ነቲ ኣብ ኤፌሶን 4:30 ዚርከብ ቃላት ጳውሎስ እስከ ንርአ። ጳውሎስ፡ መንፈሳውነት ኣመንቲ ብጾቱ ኣብ ሓደጋ ኺኣቱ ስለ ዘይደለየ፡ “ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን እተሐተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህይዎ” ኢሉ ጸሓፈ። እቶም ብጾቱ፡ ብመንፈስ የሆዋ ኣቢሎም ‘ንመዓልቲ ምድሓን ተሓቲሞም’ ነይሮም እዮም። ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ፡ ማሕተም ወይ ከኣ “ዕርቡን” እቶም ንጽህናኦም ዚሕልዉ ቕቡኣት እዩ ነይሩ፣ ሕጂ እውን ከምኡ እዩ። (2 ቈረ. 1:22) እዚ ማሕተም እዚ፡ ንብረት ኣምላኽ ምዃኖምን ሰማያዊ ህይወት ከም ዚወርሱን ዜርኢ እዩ። ቍጽሮም ከኣ 144,000 እዩ።—ራእ. 7:2-4

4. ንመንፈስ ኣምላኽ ካብ ምጕሃይ ክንርሕቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

4 ሓደ ክርስትያን ንመንፈስ ቅዱስ ዜጕሂ እንተ ዀይኑ፡ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ዜሕድሮ ጽልዋ እናጠፍአ ኪኸይድ ይኽእል እዩ። ከምዚ ኼጋጥም ከም ዚኽእል፡ ካብቲ ዳዊት ምስ ባትሴባ ሓጢኣት ምስ ፈጸመ እተዛረቦ ቓላት ክንርኢ ንኽእል ኢና። ካብ ሓጢኣቱ ተነሲሑ፡ ንየሆዋ፡ “ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ፡ ቅዱስ መንፈስካውን ኣይተግድፈኒ” ኢሉ ለመኖ። (መዝ. 51:11) ቅቡኣት ‘ክሳዕ ሞት እሙናት እንተ ዀይኖም’ ጥራይ እዮም ኣብ ሰማይ “ኣኽሊል” ዘይትመውት ህይወት ዚረኽቡ። (ራእ. 2:10፣ 1 ቈረ. 15:53) እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት እውን፡ ንኣምላኽ ዘለዎም ንጽህና ምእንቲ ኺዕቅቡ ኸምኡውን ነቲ ኣብ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ እምነት ብምሕዳሮም ዚቕበልዎ ውህበት ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡ፡ መንፈስ ቅዱስ የድልዮም እዩ። (ዮሃ. 3:36፣ ሮሜ 5:8፣ 6:23) ስለዚ፡ ኵልና ነቲ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ከይነጕህዮ ኽንጥንቀቕ ኣሎና።

ሓደ ክርስትያን ንመንፈስ ቅዱስ ዜጕህዮ ብኸመይ እዩ፧

5, 6. ሓደ ክርስትያን ንመንፈስ የሆዋ ኼጕህዮ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

5 ርእስና ዝወፈና ክርስትያናት ስለ ዝዀንና፡ ንመንፈስ ቅዱስ ካብ ምጕሃይ ክንርሕቕ ንኽእል ኢና። ከምኡ ምእንቲ ኽንገብር፡ ‘ብመንፈስ ክንመላለስን ብእኡ ኽንነብርን’ ኣሎና፣ እዚ ኸኣ ንስጋዊ ባህጊ ንኸነሰንፎን ኣምላኽ ዘይፈትዎ ባህርያት ንኸይነርእን ኪሕግዘና እዩ። (ገላ. 5:16, 25, 26) ኰይኑ ግን፡ ኣንጻር እዚ እውን ኬጋጥም ይኽእል እዩ። ምናልባት ከይተፈለጠና፡ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ናብ ዚዅንኖ ተግባራት ንድፋእ እንተ ዄንና፡ ብእተወሰነ መዳይ ንመንፈስ ኣምላኽ ከነጕህዮ ንኽእል ኢና።

6 ኣንጻር መምርሒ መንፈስ ቅዱስ ንመላለስ እንተ ዄንና፡ ነቲ መንፈስ ኰነ ነቲ ምንጪ እቲ መንፈስ ዝዀነ የሆዋ ነጕህዮ። ንኤፌሶን 4:25-32 ምምርማርና፡ ብኸመይ ክንመላለስ ከም ዘሎና ኺሕብረናን ንመንፈስ ኣምላኽ ከይነጕህዮ ኺሕግዘናን እዩ።

ንመንፈስ ቅዱስ ካብ ምጕሃይ እንርሕቀሉ መገድታት

7, 8. ሓቀኛታት እንዀነሉ ምኽንያት ግለጽ።

7 ሓቀኛታት ክንከውን ኣሎና። ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን 4:25፡ “ንሓሶት ንየው በልዎ፡ ኣካል ሓድሕድ ኢና እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ” ኢሉ ጸሓፈ። ከም “ኣካል ሓድሕድ” መጠን ስለ ዝሓበርና፡ ቄናናት ክንከውን ወይ ከኣ ደይመደይ ኢልና ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኸነታልሎም የብልናን፣ ከምኡ እንተ ጌርና ንሕስዎም ኣለና ማለት እዩ። ብተደጋጋሚ ኸምዚ ዚገብር ክርስትያን፡ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ኪበላሾ ይኽእል እዩ።—ምሳሌ 3:32 ኣንብብ።

8 ዜታልል ቃላትን ተግባራትን ንሓድነት እታ ጉባኤ ኺዘርጎ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ልክዕ ከምቲ ዝዀነ ይኹን መንቀፊ ዘይተረኽቦ፡ የግዳስ እሙን ዝነበረ ነብዪ ዳንኤል ንኹን። (ዳን. 6:4) ጳውሎስ ነቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት ዝሃቦም ምኽሪ እውን ክንርስዖ የብልናን፣ ንሱ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል “ስጋ ክርስቶስ፡” ምስ ካልኦት ሓቀኛታት ዝዀኑ ቕቡኣት ሰዓብቲ የሱስ ብሓድነት ኪነብሩ ኸም ዘለዎም ገለጸ። (ኤፌ. 4:11, 12) ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ክንነብር ተስፋ ንገብር እንተ ዄንና፡ ሓቂ ኽንዛረብ ኣሎና፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ሕውነትና እጃምና ነበርክት።

9. ምስ ኤፌሶን 4:26, 27 ተሰማሚዕካ ምምልላስ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

9 ንድያብሎስ ብምጽራር፡ ብመንፈሳዊ ኺጐድኣና ኣጋጣሚ ኣይንሃቦ። (ያእ. 4:7) መንፈስ ቅዱስ ንሰይጣን ክንጻረሮ ይሕግዘና እዩ። ንኣብነት፡ ቍጥዓና ቐይዲ በተኽ ከይከውን ብምቍጽጻር ንሰይጣን ክንጻረሮ ንኽእል ኢና። ጳውሎስ፡ “ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም። ንድያብሎስ ከኣ ስፍራ ኣይትሀብዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌ. 4:26, 27) ዜቘጥዕ ነገር ኬጋጥመና ኸሎ ብኡንብኡ ብልብና ምጽላይ፡ “ህዱእ መንፈስ” ንኺህልወና ኺሕግዘና ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ ንመንፈስ ኣምላኽ ዜጕሂ ተግባር ኣብ ክንዲ እንገብር፡ ርእስና ንኽንገትእ ይሕግዘና። (ምሳ. 17:27) ስለዚ፡ ንነዊሕ እዋን ብምዅራይ፡ ሰይጣን ሕማቕ ነገር ክንገብር ንኼለዓዕለና ኣጋጣሚ ኽንከፍተሉ የብልናን። (መዝ. 37:8, 9) ነቲ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ስዒብና ንዜጋጥመና ዘይምርድዳእ ቀልጢፍና ነደቅሶ እንተ ዄንና፡ ንሰይጣን ክንቃወሞ ንኽእል ኢና።—ማቴ. 5:23, 24፣ 18:15-17

10, 11. ክንሰርቕ ወይ ከነታልል ዘይግብኣና ስለምንታይ እዩ፧

10 ክንሰርቕ ወይ ከነታልል ንዜጋጥመና ፈተና ኢድና ኽንህብ የብልናን። ጳውሎስ፡ “እቲ ዝሰረቐ፡ ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ፡ ጽቡቕ እናገበረ ደኣ በእዳዉ ይጽዐር እምበር፡ ደጊምሲ ኣይስረቕ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌ. 4:28) ሓደ ርእሱ ዝወፈየ ክርስትያን እንተ ሰሪቑ፡ ንስም ኣምላኽ የጽርፎን ‘የቃልሎን’ እዩ። (ምሳ. 30:7-9) ድኽነት እውን እንተ ዀነ፡ ንስርቂ መመኽነይታ ኣይከውንን እዩ። እቶም ንየሆዋን ንብጻዮምን ዜፍቅሩ፡ ስርቂ ቕቡል ዚዀነሉ መመኽነይታ ኸም ዘየለ ይርድኡ እዮም።—ማር. 12:28-31

11 ጳውሎስ እንታይ ክንገብር ከም ዘይብልና ጥራይ ዘይኰነስ፡ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና እውን ጠቒሱ እዩ። ብመንፈስ ቅዱስ ንመላለስ እንተ ዄንና፡ ንስድራና ምእንቲ ኽንሓልን ‘ነቲ ስኡን እነማቕሎ ምእንቲ ኺህልወናን’ ኣበርቲዕና ንዓዪ ኢና። (1 ጢሞ. 5:8) የሱስን ሃዋርያቱን ንድኻታት ዚወሃብ ገንዘብ የቐምጡ ነበሩ፣ እቲ ኸሓዲ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ግን፡ ካብቲ ገንዘብ ይወስድ ነበረ። (ዮሃ. 12:4-6) ብመንፈስ ቅዱስ ይምራሕ ከም ዘይነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንሕና ብመንፈስ ቅዱስ እንምራሕ ዘበልና ግን፡ ከምቲ ጳውሎስ ዝገበሮ፡ ‘ብዅሉ [“ሓቀኛነት፡” NW] ክንነብር ኢና እንደሊ።’ (እብ. 13:18) በዚ ኸምዚ ኸኣ ንናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ካብ ዜሕዝን ነገራት ንርሕቕ።

ንመንፈስ ቅዱስ ካብ ምጕሃይ እንርሕቀሉ ኻልእ መገድታት

12, 13. (ሀ) ብመሰረት ኤፌሶን 4:29፡ እንታይ ዓይነት ዘረባ ኢና ኸነርሕቕ ዘሎና፧ (ለ) ዘረባና ኸመይ ኪኸውን ኣለዎ፧

12 ከናፍርና ኽንሕሉ ኣሎና። ጳውሎስ፡ “እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ” በለ። (ኤፌ. 4:29) ኣብዚ እውን እንተ ዀነ፡ ጳውሎስ እንታይ ክንገብር ከም ዘይብልና ጥራይ ዘይኰነስ፡ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ጠቒሱ ኣሎ። ብመንፈስ ኣምላኽ ንጽሎ እንተ ዄንና፡ ‘እቲ ንሰማዕትና ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽ እውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ’ ንኽንዛረብ ክንድረኽ ኢና። ብዘይካዚ፡ “ዘይጠቅም ዘረባ” ኻብ ኣፍና ኺወጽእ የብሉን። እታ “ዘይጠቅም” ወይ “ምሽሙሽ (NW)” እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ንዝመሽመሸ ፍረ፡ ዓሳ፡ ወይ ስጋ ንምምልካት እውን ተዓዪላ ኣሎ። ልክዕ ከምቲ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ምግቢ እንፍንፍኖ፡ ነቲ የሆዋ ዚጸልኦ ዘረባ እውን ክንፍንፍኖ ኣሎና።

13 ዘረባና እሩም፡ ሕያውነት ዜንጸባርቕ፡ ከምኡውን “ብጨው እተቓመመ” ኪኸውን ኣለዎ። (ቈሎ. 3:8-10፣ 4:6) ሰባት ብዘረባና ኻብ ካልኦት እተፈለና ምዃንና ኺፈልጡ ኣለዎም። ስለዚ፡ ‘ንምህናጽ ዜድሊ’ ዘረባ ብምዝራብ ንኻልኦት ንሓግዝ። ከምቲ፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ከውሔይን መድሓንየይን፡ ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ብሁግ ይኹን” ኢሉ ዝዘመረ ጸሓፍ መዝሙር እተሰምዖ ዓይነት ስምዒት ድማ ነሕድር።—መዝ. 19:14

14. ከምቲ ኤፌሶን 4:30, 31 ዚብሎ፡ እንታይ ኢና ኻባና ኸነርሕቕ ዘሎና፧

14 ብዘሎ መሪር ዘረባን ኵራን ጸርፍን ኵሉ ኽፍኣትን ካባና ኸነርሕቕ ኣሎና። ጳውሎስ ንመንፈስ ኣምላኽ ከይነጕህዮ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃቡ፡ “ብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ኻባኻትኩም ይርሐቕ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌ. 4:30, 31) ኵላትና ዘይፍጹማት ሰባት ከም ምዃንና መጠን፡ ሓሳባትናን ተግባራትናን ንምቍጽጻር ኣበርቲዕና ኽንዓዪ ኣሎና። “መሪርን ነድርን ኵራን” ዘበለ ኺቈጻጸረና እንተ ኣፍቂድናሉ፡ ንመንፈስ ኣምላኽ ከነጕህዮ ኢና። ኣብ ልዕሌና ንእተፈጸመ በደል ብምጽብጻብ፡ ንቕየምን ምስቲ ዝበደለና ምትዕራቕ ንኣብን እንተ ዄንና እውን ንመንፈስ ኣምላኽ ከነጕህዮ ኢና። ብዘይካዚ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ምኽሪ ዕሽሽ ክንብሎ እንተ ጀሚርና፡ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ከም እንሓጥእ ዝገብረና ባህርያት ከነማዕብል ኢና፣ እዚ ኸኣ ሕማቕ ሳዕቤን እዩ ዘለዎ።

15. ሓደ ሰብ ምስ ዚብድለና፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

15 ለዋሃትን ደንገጽትን ይቕረ በሃልትን ክንከውን ኣሎና። ጳውሎስ፡ “ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌ. 4:32) ሰባት ብዙሕ እንተ በደሉና እውን ከይተረፈ፡ ከም ኣምላኽ ይቕረ በሃልቲ ኽንከውን ኣሎና። (ሉቃ. 11:4) ሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና፡ ብዛዕባና ኣሉታዊ ነገራት ተዛሪቡ ንበል። ነቲ ነገር ንምድቃስ፡ ንብጻይና ነዘራርቦ ንኸውን። ንሱ ድማ በቲ ዝገበሮ ብሓቂ ተጣዒሱ፡ ይቕረታ ይሓትት። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ይቕረ ኽንብለሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብኡ ንላዕሊ እውን ክንገብር ኣሎና። ዘሌዋውያን 19:18፡ “ንደቂ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደን ኣይትቀየምን፡ ንብጻይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ፍተዎ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ትብለና።

ንቑሓት ክንከውን ኣሎና

16. ንመንፈስ የሆዋ ምእንቲ ኸይነጕህዮ ምትዕርራይ ክንገብር ከም ዘሎና ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

16 በይንና ኽንከውን ከሎና እውን ከይተረፈ፡ ንኣምላኽ ዜጕህዮ ነገራት ክንገብር ንፍተን ንኸውን። ንኣብነት፡ ሓደ ሓው ዜተሓታትት ሙዚቃ ይሰምዕ ነይሩ ይኸውን። ጸኒሑ ግን፡ ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፋት ዚርከብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምኽሪ ዕሽሽ ስለ ዝበሎ፡ ሕልናኡ ይርብሾ። (ማቴ. 24:45) ብዛዕባ እዚ ጸገም እዚ ይጽልን ነቲ ኣብ ኤፌሶን 4:30 ዚርከብ ቃላት ጳውሎስ ይዝክሮን ይኸውን። ንመንፈስ ኣምላኽ ዜጕሂ ዝዀነ ይኹን ነገር ከይገብር ብምውሳን፡ ካብኡ ንደሓር ዜተሓታትት ሙዚቃ ኸይሰምዕ ይቘርጽ። የሆዋ ኸኣ ንኣረኣእያ እዚ ሓው እዚ ይባርኾ። ንሕና እውን ንመንፈስ ኣምላኽ ከይነጕህዮ ወትሩ ንጠንቀቕ።

17. ንቑሓትን ጸሎት እነዘውትርን እንተ ዘይኴንና፡ እንታይ ኬጋጥመና ይኽእል፧

17 ንቑሓትን ጸሎት እነዘውትርን እንተ ዘይኴንና፡ ንመንፈስ ኣምላኽ ኬጕሂ ናብ ዚኽእል ርኹስ ወይ ጌጋ ተግባራት ክንወድቕ ንኽእል ኢና። መንፈስ ቅዱስ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ዚግለጸሉ ባህርያት ስለ ዜፍሪ፡ ኪጕሂ ወይ ኪሓዝን ይኽእል ኢዩ፣ ንሕና ኸኣ በዚ ተሓተትቲ ኽንከውን ኣይንደልን ኢና። (ኤፌ. 4:30) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ጸሓፍቲ፡ እቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ምንጩ ሰይጣን ከም ዝዀነ ብምግላጽ ሓጥኡ። (ማርቆስ 3:22-30 ኣንብብ።) እዞም ጸላእቲ ክርስቶስ እዚኣቶም፡ ‘ንመንፈስ ቅዱስ ስለ ዝጸረፉ፡’ ይቕረ ዘይበሃሎ ሓጢኣት ፈጸሙ። ከምዚ ኸይንገብር ንጠንቀቕ።

18. ይቕረ ዘይበሃሎ ሓጢኣት ከም ዘይፈጸምና ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

18 ይቕረ ናብ ዘይበሃሎ ሓጢኣት ገጽና ኽንቀርብ ስለ ዘይንደሊ፡ ነቲ ጳውሎስ ንመንፈስ ቅዱስ ከይነጕህዮ ዝሃቦ ምኽሪ ኽንዝክሮ ኣሎና። ሓጢእና እንተ ዄንናኸ፧ እንተ ተነሲሕናን ካብ ሽማግለታት ሓገዝ እንተ ሓቲትናን፡ ኣምላኽ ይቕረታ ኸም ዝገበረልናን ኣብ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘይሓጣእናን ክንድምድም ንኽእል ኢና። ብሓገዝ ኣምላኽ፡ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ንመንፈስ ኣምላኽ ካብ ምጕሃይ ክንቍጠብ ንኽእል ኢና።

19, 20. (ሀ) ካብ ምንታይ ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧ (ለ) እንታይ ንምግባር ኢና ኽንቈርጽ ዘሎና፧

19 ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ፡ ኣብ መንጎ ህዝቡ ፍቕርን ሓጐስን ሓድነትን ከም ዚህሉ ይገብር እዩ። (መዝ. 133:1-3) ስለዚ፡ ካብ ሕሜት ወይ ከኣ ነቶም ብመንፈስ እተሸሙ ጓሶት ካብ ዜነኣእስ ዘረባ ብምርሓቕ፡ ንመንፈስ ኣምላኽ ከይነጕህዮ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። (ግብ. 20:28፣ ይሁ. 8) ኣብ ጉባኤ ንሓድነት ኣበርክቶ እንገብርን ንሓድሕድና እንከባበርን ንኹን። ብዘይካዚ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ምጕጅጃል ኣይንፍጠር። ጳውሎስ፡ “ኣሕዋተየ፡ ኵላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር፡ ምፍልላይ ከይህልወኩም፡ እምዕደኩም አሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ቈረ. 1:10

20 የሆዋ ንመንፈሱ ኸይነጕህዮ ኺሕግዘና ድሉው እዩ። እምበኣር፡ መንፈስ ቅዱስ ኪወሃበና ንጸሊ፣ ከይነጕህዮ ድማ ቈራጽነት ንግበር። ወትሩ ‘ንመንፈስ ኢልና ብምዝራእ፡’ ሕጂ ዀነ ንዘለኣለም መሪሕነቱ ንድለ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ንመንፈስ ኣምላኽ ምጕሃይ እንታይ ማለት እዩ፧

• ሓደ ርእሱ ንየሆዋ ዝወፈየ ሰብ፡ ንመንፈስ ኣምላኽ ኬጕህዮ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

• ንመንፈስ ቅዱስ ካብ ምጕሃይ ክንርሕቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ንዜጋጥመካ ዘይምርድዳእ ቀልጢፍካ ኣደቅሶ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ኣዘራርባኻ ነየናይ ፍረ ይመስል፧