ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣረጋውያን ከነኽብሮም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ንኣረጋውያን ከነኽብሮም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ንኣረጋውያን ከነኽብሮም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ኣብ ገማግም ካሊፎርንያ፡ ሕ.መ.ኣ.፡ ሓደ ኻብቶም ልዕሊ ዅሉ ፎቶግራፍ እተሳእለ ኣእዋም ኣሎ። ሎን ሳይፕረስ ተባሂሉ ኸኣ ይፍለጥ። ዕድሚኡ ድማ ልዕሊ 250 ዓመት ምዃኑ እዩ ዚንገር። እዚ ማራኺ ኦም እዚ ብጽንዓቱ ኣዝዩ ስለ ዚፍለጥ፡ ብእተፈላለየ መገድታት ቈላሕታ ኺግበረሉ ጸኒሑ እዩ። ንኣብነት፡ ኪድግፎ ብዚኽእል ኣግማድ ተኣሲሩ፡ ዙርያ እግሩ ኸኣ ብኣእማን ተነዲቑ እዩ።

ሎን ሳይፕረስ ብዛዕባ እቶም እዚ ዘይበሃል ጽንዓት ዘርኣዩ፡ ኣብ ማእከልና ዘለዉ ክርስትያን ኣረጋውያን እዩ ዜዘኻኽረና። ኣረጋውያን ሓደ ኻብቲ ነዚ ዚገብሩሉ ብሉጽ መገዲ ብስራት ብምስባኽ እዩ። ነብዪ ዮኤል፡ “ኣረገውቲ” መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪእውጁ ምዃኖም ተነብዩ እዩ። (ዮኤ. 2:28-32፣ ግብ. 2:16-21) ነቲ እዞም ኣረጋውያን እዚኣቶም፡ ሰባት “ወንጌል መንግስቲ” ምእንቲ ኺመሃሩ ልባዊ ሓገዝ ንምሃብ ዜሕልፍዎ ማእለያ ዘይብሉ ሰዓታት እሞ ሕስብ ኣብሎ። (ማቴ. 24:14) ገለ ኻብዞም ኣረጋውያን ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንዓመታት ዚኣክል ግፍዒ ወይ ካልእ ጸገማት ብጽንዓት ተጸሚሞም እዮም። ሓደ ተራ ኦም ብጽንዓቱ ተፈላጥነት ረኺቡ፡ ዙርያኡ ብኣእማን ተነዲቑ፡ ብኣግማድ ካብ ተደገፈ፡ እዞም ኣብ ማእከልና ዘለዉ ኣረጋውያን ደኣኸ ኣፍልጦን ኣኽብሮትን ግምትን ኪወሃቦም ክሳዕ ክንደይ ዘየድልዮም!

የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ህዝቡ፡ “ኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእ፡ ንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብር” ዚብል ትእዛዝ ሃቦም። (ዘሌ. 19:32) ኣብ ማእከል እዞም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ እውን፡ ንዓመታት ዚኣክል ‘ምስ ኣምላኽ እተመላለሱ፡’ ሰናይ ኣብነት ዝዀኑ እሙናት ኣለዉ። (ሚክ. 6:8) ንስርዓታት ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ግብሪ ብዘውዓሉ መጠን፡ ሽበቶም፡ ብሓቂ “ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ።”—ምሳ. 16:31

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ፡ “ንኣረጊት ሰብኣይ ከም ነቦ መዐዶ እምበር ኣይትዝብሐዮ . . . ንኣረገውቲ ኣንስቲ ኸም ነዴታት፡ . . . ምዐደን” ዚብል መምርሒ ሃቦ። (1 ጢሞ. 5:1, 2) በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ጢሞቴዎስ ኣብ ቅድሚ ሸያብ ‘ክትንስእ’ ነበሮ። የሆዋ ብኣዘራርባና ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣኽብሮት ከነንጸባርቕ ከም ዝጽበየና እምበኣር ንጹር እዩ።

ሮሜ 12:10፡ ‘ንሓድሕድና ንምክብባር ክንቀዳደም’ ትመኽረና። ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሓለውቲ ንክርስትያን ኣረጋውያን ከም ዜኽብርዎም ፍሉጥ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ሓለውቲ ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ኵላትና ንሓድሕድና ንምክብባር ክንቀዳደም ኣሎና።

ኣባላት ስድራ ቤት ንወለዶምን ንኣባሓጎታቶምን ንእኖሓጎታቶምን ንምእላይ ፍሉይ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ፍሉጥ እዩ። እቲ ኣቐዲምና ዝረአናዮ ሎን ሳይፕረስ እተባህለ ኦም ምእንቲ ኺነብር፡ ሰባት ወትሩ ይጽዕሩሉ እዮም። ንሕና እውን ነቶም ብዕድመ ዚደፍኡ ዘለዉ ወለድናን ኣባሓጎታትናን እኖሓጎታትናን ክብረቶም ንኽንሕልወሎም ክንጽዕር ይግብኣና። ንኣብነት፡ ኪዛረቡ ኸለዉ ጽን ኢልና ንሰምዖም እንተ ዄንና፡ ንስምዒታቶም ዕሽሽ ኢልና ዝደለናዮ ጥራይ ካብ ምግባር ክንቍጠብ ኢና።—ምሳ. 23:22፣ 1 ጢሞ. 5:4

ኣብ ማእከልና ዘለዉ ኣረጋውያን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣዝዮም ክቡራት እዮም። ንሱ ኣይሓድጎምን እዩ። (መዝ. 71:18) እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ወትሩ ብተኣማንነት ምእንቲ ኼገልግልዎ ጽንዓት ይህቦም እዩ። ንሕና እውን ንኣረጋውያን ደገፍን ኣኽብሮትን ካብ ምሃብ ኣይነቋርጽ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ከምቲ እቲ ሎን ሳይፕረስ እተባህለ ኦም ደገፍ ዜድልዮ፡ ኣረጋውያን እውን ኣኽብሮት ኪወሃቦም የድሊ

[ምንጪ ስእሊ]

American Spirit Images/age fotostock