ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዝሓመመ ቤተሰብካ እናኣለኻ፡ ብመንፈሳዊ ድልዱል ኩን

ንዝሓመመ ቤተሰብካ እናኣለኻ፡ ብመንፈሳዊ ድልዱል ኩን

ንዝሓመመ ቤተሰብካ እናኣለኻ፡ ብመንፈሳዊ ድልዱል ኩን

ሓንቲ ኪም እትበሃል ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ከባቢ ዓንዲ ሕቘኣ ጥረ ምስ ወጻ፡ ሕማም መንሽሮ ኸም ዘለዋ ተፈልጠ። a ስቲቭ ዚስሙ ሰብኣያ፡ “እቲ ጥረ ብመጥባሕቲ ምስ ወጸ፡ ራድዮተራፕን ኬሞተራፕን ዚበሃል ዓይነት ሕክምና ገበረት” በለ። ብሰንኪ እቲ ሕክምና ኣዝያ ስለ እተዳኸመት፡ ከም ድላያ ኽትንቀሳቐስ ኣይከኣለትን።

ስቲቭ፡ እታ ዚፈትዋ ብዓልቲ ቤቱ ምስቲ ዜማስን ሕማም ክትቃለስ ኪርእያ ኸሎ ንእተሰምዖ ስቓይ ክትግምቶዶ ትኽእል፧ ምናልባት ሓደ ኻብ ኣባላት ቤተሰብካ እናገደደ ብዚኸይድ ሕማም ወይ ከኣ ብሰንኪ እርጋን ይሳቐ ይህሉ ይኸውን። (መክ. 12:1-7) ከምኡ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ነቲ እተፍቅሮ ሰብ ጽቡቕ ጌርካ ምእንቲ ኽትኣልዮ፡ ብቐዳምነት ንርእስኻ ኽትከናኸን ኣሎካ። ብመንፈሳዊ እንተ ደኺምካ፡ ስምዒታውን ኣካላውን ጥዕና ኽትስእን ትኽእል ኢኻ፣ እዚ ኸኣ፡ ነቲ ሓገዝ ዜድልዮ ኣባል ስድራ ቤትካ ንኸይትሕግዞ ዕንቅፋት ይዀነካ። ንዝሓመመ ወይ ብዕድመ ንዝደፍአ ቤተሰብካ እናኣለኻ፡ ብመንፈሳዊ ሚዛንካ ኽትሕሉ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ካልኦት ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ነቶም ዝሓመሙ ንምሕጋዝ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

ሚዛንካ ሓሉ—ብኸመይ፧

ንዝሓመመ ቤተሰብካ እናኣለኻ መንፈሳዊ ሚዛንካን ኣካላዊ ጥዕናኻን ምእንቲ ኽትሕሉ፡ ተዓጻጻፊ ኽትከውን፡ ንግዜኻን ንጕልበትካን ከኣ ብግቡእ ክትጥቀመሉ ኣሎካ። ምሳሌ 11:2፡ “ጥበብ . . . ምስቶም ትሑታት እያ” ትብል። ኣብዚ ሓሳብ እዚ፡ እታ “ትሕትና” ተባሂላ ተተርጕማ ዘላ ቓል፡ ዓቕምኻ ምፍላጥ ማለት እያ። ልዕሊ ዓቕምኻ ትዓዪ እንተ ኣሊኻ ንምፍላጥ፡ ንመደባትካን ንሓላፍነታትካን ክትምርምሮ ኣሎካ።

ስቲቭ፡ ነቲ ዚዓዮ ዝነበረ ዕዮ ዳግመ-ግምት ብምግባር፡ ጥበብን ትሕትናን ኣርኣየ። ኣብ ርእሲ እቲ ዓለማዊ ስራሑ፡ ኣብታ ኣብ ኣየርላንድ እትርከብ ጉባኤኡ ኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታትን ሓላው ኣገልግሎትን ኰይኑ ይዓዪ ነይሩ። ኣባል እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ ዀይኑ እውን ይዓዪ ነበረ። ስቲቭ ብዛዕባ ዅነታቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “ነዚ ሓላፍነታት እዚ ዝያዳ ትዅረት ብምሃበይ፡ ኪም ዕሽሽ ከም ዝበልክዋ ዀይኑ ተሰሚዕዋ ኣይፈልጥን። ሸኽሚ ኣብዚሐ ኸም ዝነበርኩ ግን ተረዲኡኒ ነበረ” በለ። ነቲ ዅነታት ብኸመይ ፈትሖ፧ “ብጸሎት ምስ ሓሰብኩሉ፡ ኣተሓባባሪ ዀይነ ኻብ ምዕያይ ኬቋርጽ ወሰንኩ። ሽማግለ ዀይነ ይዓዪ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ገሊኡ ናይ ጉባኤ ሓላፍነታት ንኻልኦት ብምሃብ፡ ንኪም ክከናኸና ዜኽእለኒ ግዜ ረኺበ እየ” በለ።

ድሕሪ ግዜ፡ ኵነታት ጥዕና ኪም ተመሓየሸ። ስቲቭን ኪምን ንዅነታቶም እንደገና መርመሩ፣ ስቲቭ ከኣ ሳላ ሓገዝ ብዓልቲ ቤቱ፡ ነቲ ቕድሚ ሕጂ ኣብ ጉባኤ ዝነበሮ ሓላፍነታት እንደገና ኺስከም ከኣለ። “እቲ ሕማም ንዝፈጠሮ ጸገማት ተጻዊርና ብኸመይ ክንዓዪ ኸም እንኽእል ተማሂርና ኢና። ንየሆዋ ኣዝየ የመስግኖ እየ፡ ብዓልቲ ቤተይ እውን ናይ ጥዕና ጸገም እናሃለዋ ኽነሱ ኸየማረረት ስለ ዝደገፈትኒ፡ ብዙሕ እየ ዘመስግና” በለ።

ጀሪ ዚበሃል ገያሺ ሓላውን ብዓልቲ ቤቱ ማሪያን ንዘጋጠሞም ኵነታት እውን እስከ ንርአ። ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዶም ምእንቲ ኺኣልዩ ሸቶታቶም ኬተዓራርዩ ነበሮም። ማሪያ ኸምዚ በለት፦ “ኣነን ብዓል ቤተይን ኣብ ወጻኢ ሃገር ሚስዮናውያን ኴንና ኽንዓዪ ሸቶ ነበረና። ወለዲ ጀሪ ግን ዝኣልዮም ሰብ የድልዮም ነበረ፡ ሓደ ውላዶም ከኣ ንሱ ጥራይ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ንዕኦም ምእንቲ ኽንኣልዮም፡ ኣብ ኣየርላንድ ክንጸንሕ ወሰንና። ከምኡ ብምግባርና ድማ፡ ኣቦ ጀሪ ቐቅድሚ ሙማቱ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስኡ ኽንከውን ከኣልና። ሕጂ ምስ ኣደ ጀሪ መዓልታዊ ንራኸብ ኢና፣ ካብኣ ብዙሕ ስለ ዘይረሓቕና፡ ሓገዝ ኬድልያ ኸሎ ብቐሊሉ ኽንበጽሓ ንኽእል ኢና። እቶም ኣደ ጀሪ ኣብ እትካፈለሉ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋት ዓብዪ ደገፍ ስለ ዚገብሩላ፡ ኣብ ዕዮ መገሻ ኽንቅጽል ክኢልና ኢና።”

ካልኦት ኪሕግዙ ዚኽእሉሉ መገዲ

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ኣብ ጉባኤ ዚርከባ ብዕድመ ዝደፍኣ መበለታት ብዛዕባ ኺግበረለን ዘለዎ ስጋዊ ደገፍ ኪገልጽ ከሎ፡ “ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይአምንውን ዝገደደ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ብዘይካዚ፡ ኣምልኾ ክርስትያናት ብጾቱ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል” ምእንቲ ኪኸውን፡ ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለዶም ቍጠባዊ ሓገዝ ኪገብሩሎም ከም ዚግባእ ኣዘኻኸሮም። (1 ጢሞ. 5:4, 8) ይኹን እምበር፡ ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋት እውን ግብራዊ ሓገዝ ኪገብሩ ኣለዎም።

ብዛዕባ ሆካንን ኢንገርን ዚበሃሉ ኣብ ሽወደን ዚነብሩ ብዕድመ ዝደፍኡ መጻምድቲ እስከ ንርአ። ሆካን ከምዚ በለ፦ “ብዓልቲ ቤተይ መንሽሮ ኸም ዘለዋ ምስ ፈለጥና፡ ኣዚና ሰምበድና። ኢንገር ጥዕና ዘለዋን ድልድልትን እያ እትመስል ነይራ። ድሕሪኡ ግን፡ መዓልታዊ ናብ ሆስፒታል ክንከይድ ነበረና፡ እቲ እተወስዶ ዝነበረት መድሃኒት ድማ ኣዝዩ ኣዳኸማ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኢንገር ካብ ቤት ዘይትወጽእ ስለ ዝነበረት፡ ምስኣ ዀይነ እኣልያ ነበርኩ።” ሆካንን ኢንገርን ካብ ጉባኤኦም እንታይ ሓገዝ ረኺቦም፧

ሽማግለታት ጉባኤ፡ እዞም መጻምድቲ ብተሌፎን ኣቢሎም ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንኺሰምዑ መሰናድዎ ገበሩሎም። ብዘይካዚ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ይበጽሕዎምን ተሌፎን ይድውሉሎምን ነበሩ። ደብዳበታትን ካርድታትን እውን ይልእኩሎም ነይሮም እዮም። ሆካን፡ “ካብ የሆዋን ኣሕዋትናን ብዙሕ ሓገዝ ረኺብና ኢና። እዚ ኸኣ ብመንፈሳዊ ድልዱላት ንኽንከውን ሓጊዙና እዩ። ኵነታት ጥዕና ኢንገር ስለ እተመሓየሸ፡ እንደገና ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንካፈል ክኢልና ኢና” በለ። ኣባላት ጉባኤ ነቶም ዝሓመሙን ብዕድመ ዝደፍኡን ኣሕዋት ብዚከኣሎም መጠን ኪሕግዙ እንተ ጽዒሮም፡ ‘ንዅሉ ግዜ ዜፍቅር ፈታውን ንግዜ ጸገም ዚውለድ ሓውን’ ምዃኖም የርእዩ።—ምሳ. 17:17

የሆዋ ንጻዕርኻ ኽብ ኣቢሉ እዩ ዚርእዮ

ንዝሓመመ ቤተሰብ ምእላይ፡ ኣዝዩ ኣድካሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ንጉስ ዳዊት፡ “ንድኻ ዚሐልየሉ ብጹእ እዩ፡ እግዚኣብሄር ብመዓልቲ መከራ የናግፎ” ኢሉ ጸሓፈ።—መዝ. 41:1

እቶም ብሕማም ንዚሳቐ ሰብ ዚሕግዙ፡ ብጹኣን ወይ ሕጕሳት ዚዀኑ ስለምንታይ እዮም፧ ምሳሌ 19:17፡ “እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ፡ ንሱውን ንሰናይ ግብሩ ኺፈድዮ እዩ” ትብል። እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ነቶም ብሕማም ዚሳቐዩ እሙናት ኣገልገልቱ ይግደሰሎም፡ ነቶም ሕያውነት ዜርእይዎም ሰባት ከኣ ይባርኾም እዩ። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሰብ “ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ፡ እግዚኣብሄር ይድግፎ። ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 41:3) ፍቕራዊ ደገፍ ዚገብር ሰብ፡ ጸገም ወይ መከራ ኼጋጥሞ ኸሎ የሆዋ ኸም ዚሕግዞ ርግጸኛታት ክንከውን ኢና።

የሆዋ ኣምላኽ ንዝሓመመ ቤተሰብና ንኽንኣሊ እንገብሮ ጻዕሪ ኸም ዜስተብህለሉን ከም ዚድግፈናን ምፍላጥና ኽሳዕ ክንደይ ሰናይ ኰን እዩ! ከምዚ ዓይነት ሓገዝ ምግባር ጻዕሪ ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዚነግረና ግን፡ “ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ።”—እብ. 13:16

[እግረ-ጽሑፍ]

a ስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ካልኦት ዚህቡኻ ሓገዝ ብምቕባል፡ መንፈሳዊ ሚዛንካ ሓሉ