ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም ኣሕዋት፡ ንመንፈስ ኢልኩም ብምዝራእ ተመጣጠሩ

ኣቱም ኣሕዋት፡ ንመንፈስ ኢልኩም ብምዝራእ ተመጣጠሩ

ኣቱም ኣሕዋት፡ ንመንፈስ ኢልኩም ብምዝራእ ተመጣጠሩ

“እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ . . . ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዐጽድ እዩ።” —ገላ. 6:8

1, 2. ማቴዎስ 9:37, 38 እትፍጸም ዘላ ብኸመይ እያ፧ እዚኸ ኣብ ጉባኤታት እንታይ ከም ዜድሊ እዩ ዚሕብር፧

 የሱስ፡ “እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ” በለ። እዚ ዕዮ እዚ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ኣብ ዝበጽሓሉ ታሪኻዊ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። (ማቴ. 9:37, 38) የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ዝያዳ ዓየይቲ ኺለኣኹ ዚቐርብ ልመና፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ይምልሰሉ ኣሎ። ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2009፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከባ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብ2,031 ስለ ዝወሰኻ፡ ሕጂ 105,298 በጺሐን ኣለዋ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ድማ ብገምጋም 757 ተጠሚቖም እዮም።

2 ከምዚ ዝኣመሰለ ዕቤት፡ ነታ ጉባኤ ዚምህሩን ዚጓስዩን ብቕዓት ዘለዎም ኣሕዋት ከም ዜድልዩ ዜርኢ እዩ። (ኤፌ. 4:11) ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት፡ የሆዋ ንኣባጊዑ ዚኣልዩ ብቑዓት ሰብኡት ኣተንሲኡ እዩ፣ ሕጂ እውን ከምኡ ኸም ዚገብር ርግጸኛታት ኢና። እቲ ኣብ ሚክያስ 5:5 ዚርከብ ትንቢት፡ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት፡ ህዝቢ የሆዋ “ሾብዓተ ጓሶትን ሾሞንተ መሳፍንቲ ሰብን” ከም ዚህልውዎም የረጋግጸልና፣ እዚ ኸኣ ብዙሓት ዚመርሕዎም ክኢላታት ሰብኡት ከም ዚህልዉ ዚሕብር እዩ።

3. ‘ንመንፈስ ኢልካ ምዝራእ’ እንታይ ማለት ምዃኑ ግለጽ።

3 እተጠመቕካ ናይ የሆዋ ምስክር እንተ ዄንካ፡ ናብ ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ንኽትመጣጠር እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ሓደ ኣገዳሲ ረቛሒ፡ ‘ንመንፈስ ኢልካ ምዝራእ’ እዩ። (ገላ. 6:8) እዚ ኸኣ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወትካ ኺዓዪ ምፍቃድ የጠቓልል። ‘ንስጋ ኢልካ ኸይትዘርእ’ ቈራጽነት ግበር። ከም ምሾትን ዕረፍትን መዘናግዕን ዝኣመሰለ ነገራት፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝከኣለካ ኻብ ምግባር ኪዓግተካ ኣይተፍቅደሉ። ኵሎም ክርስትያናት ‘ንመንፈስ ኢሎም ኪዘርኡ’ ኣለዎም፣ ድሕሪ ግዜ ድማ፡ ከምኡ ዚገብሩ ሰብኡት ኣብታ ጉባኤ ፍሉይ መሰላት ንምርካብ ብቕዓት የጥርዩ እዮም። ሎሚ ዝያዳ ኣገልገልቲ ጉባኤን ሽማግለታትን ስለ ዜድልዩ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብፍላይ ኣብ ክርስትያን ሰብኡት ዘተኰረት እያ። ስለዚ፡ ኣቱም ኣሕዋት፡ ነዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብጸሎት ክትሓስቡላ ነተባብዓኩም።

ንሰናይ ግብሪ ተመጣጠር

4, 5. (ሀ) እተጠምቁ ኣሕዋት ነየናይ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ፍሉይ መሰላት ኪመጣጠሩ እዮም ተተባቢዖም፧ (ለ) ሓደ ሓው ኪመጣጠር ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

4 ሓደ ክርስትያን፡ ዋላ ሓንቲ ጻዕሪ ኸይገበረ ሓላዊ ኣይከውንን እዩ። ነዚ “ሰናይ ግብሪ” እዚ ኺመጣጠር ኣለዎ። (1 ጢሞ. 3:1) እዚ ኸኣ ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትካ ዜድልዮም ዘበለ እናኣማላእካ ኻብ ልቢ ምግልጋል ዜጠቓልል እዩ። (ኢሳይያስ 32:1, 2 ኣንብብ።) ሓደ ኻብ ቅኑዕ ድራኸ ተበጊሱ ዚመጣጠር ሰብ፡ ህርፋን ስልጣን የብሉን። የግዳስ፡ ንጥቕሚ ኻልኦት እዩ ዚሓስብ።

5 ኣገልጋሊ ጉባኤ ወይ ሓላዊ ኪኸውን ዚመጣጠር ክርስትያን፡ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ብቕዓታት ኬማልእ ኪጽዕር ኣለዎ። (1 ጢሞ. 3:1-10, 12, 13፣ ቲቶ. 1:5-9) ርእስኻ ዝወፈኻ ሓው እንተ ዄንካ፡ ከምዚ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት፦ ‘ኣብ ዕዮ ስብከት ምሉእ ብምሉእ እካፈል ድየ፧ ካልኦት ከምኡ ኺገብሩኸ እሕግዞምዶ፧ ብዛዕባ ድሕንነት ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾተይ ብምግዳስ እሃንጾም ድየ፧ ንፉዕ ተመሃራይ ቃል ኣምላኽ ብምዃነይ ድየ ዝፍለጥ፧ ነቲ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ዝህቦ ሓሳብ አመሓይሾዶ ኣለኹ፧ ነቲ ብሽማግለታት ዚወሃበኒ ዕዮ ብትግሃት እፍጽም ድየ፧’ (2 ጢሞ. 4:5) ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት፡ ኣርዚንካ ኺሕሰበሉ ኣለዎ።

6. ነቲ ናይ ጉባኤ ሓላፍነታት ንኽትስከም ብቑዕ ክትከውን እትኽእለሉ ኣገዳሲ ረቛሒ እንታይ እዩ፧

6 ነቲ ናይ ጉባኤ ሓላፍነታት ንኽትስከም ብቑዕ ክትከውን እትኽእለሉ ኻልእ መገዲ፡ ‘ብመንፈስ ኣምላኽ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ ብሓይሊ ምብርታዕ’ እዩ። (ኤፌ. 3:16) ኣገልጋሊ ጉባኤ ወይ ሽማግለ ምዃን፡ ሓላፍነት ናይ ምርካብ ጕዳይ ጥራይ ኣይኰነን። እዚ ፍሉይ መሰል እዚ፡ መንፈሳዊ ዕቤት እንተ ጌርካ ጥራይ እዩ ዚርከብ። መንፈሳዊ ዕቤት ክትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ሓደ መገዲ፡ ‘ብመንፈስ ምምልላስን’ ፍረ መንፈስ ምፍራይን እዩ። (ገላ. 5:16, 22, 23) ዝያዳ ሓላፍነት ንኽትስከም ዜኽእለካ መንፈሳዊ ባህርያት እንተ ኣንጸባሪቕካ፡ ንኸተመሓይሽ ዚወሃበካ ምኽሪ ድማ ኣብ ግብሪ ተውዕሎ እንተ ዄንካ፡ ‘እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፡ ኣብ ኵሉ ኺግለጽ እዩ።’—1 ጢሞ. 4:15

ርእሰ-መስዋእታዊ መንፈስ የድሊ

7. ንኻልኦት ምግልጋል እንታይ የጠቓልል፧

7 ንኻልኦት ምግልጋል፡ ጻዕርን ርእሰ-መስዋእታዊ መንፈስን ይሓትት። ክርስትያን ሓለውቲ፡ መንፈሳውያን ጓሶት ስለ ዝዀኑ፡ ጸገማት እቲ መጓሰ ኣዝዩ የተሓሳስቦም እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ በቲ ኸም ጓሳ መጠን ዝነበሮ ሓላፍነት ክሳዕ ክንደይ ከም እተጸልወ እሞ ኣስተብህለሉ። ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ “እቲ ዘፍቅረኩም ፍቕረይ ኣዝዩ ብሉጽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትፈልጡ እምበር፡ ብብዙሕ ጸበባን ጭንቀት ልብን ብዙሕ እናነባዕኩ ዝጸሐፍኩልኩም፡ ምእንቲ ኸጕህየኩም ኢለ ኣይኰንኩን” በሎም። (2 ቈረ. 2:4) ጳውሎስ ንዕዮኡ ብምሉእ ልቡ ይፍጽም ከም ዝነበረ ንጹር እዩ።

8, 9. ንኻልኦት ይሓልዩ ብዛዕባ ዝነበሩ ሰብኡት ዚገልጽ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነታት ሃብ።

8 ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ፡ ቀንዲ መለለዪ እቶም ምእንቲ ኣገልገልቲ የሆዋ ኢሎም ዚጽዕሩ ሰብኡት እዩ። ንኣብነት፡ ኖህ ንስድራ ቤቱ፡ ‘እታ መርከብ ምስ ተዛዘመት ጸውዑኒ’ ኣይበሎምን። ሙሴ ነቶም ኣብ ግብጺ ዝነበሩ እስራኤላውያን፡ ‘ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንራኸብ። ዝገበርኩም ጌርኩም ኣብኡ ብጽሑ’ ኢሉ ኣይነገሮምን። እያሱ እውን እንተ ዀነ፡ ‘መናድቕ ያሪኮ ምስ ፈረሰ ጸውዑኒ’ ኣይበለን። ኢሳይያስ ከኣ ንኻልእ እናኣመልከተ፡ ‘ንሱ እንሀልካ፡ ንዕኡ ልኣኮ’ ኢሉ ኣይመለሰን።—ኢሳ. 6:8

9 የሱስ ክርስቶስ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኪድርኾ ብምፍቃድ፡ ካብ ኵሉ ዚዓቢ ኣብነት እዩ። ነቲ ኸም መድሓኒ ደቂ ሰብ ኰይኑ ኼገልግል እተዋህቦ መዝነት ብፍታው ተቐበሎ። (ዮሃ. 3:16) እታ የሱስ ዘርኣያ መስዋእቲ ምግባር እትሓትት ፍቕሪ፡ ንዓና እውን ክትድርኸናዶ ኣይግባእን፧ ሓደ ሽማግለ ዀይኑ ንነዊሕ ግዜ ዘገልገለ ሓው፡ ብዛዕባ እቲ ዚጓስዮ መጓሰ ዘለዎ ኣረኣእያ ኺገልጽ ከሎ፡ “እተን የሱስ ንጴጥሮስ እተዛረቦ ‘ኣባጊዔይ ሓሉ’ ዚብላ ቓላት፡ ኣዝየን እየን ዝትንክፋኒ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ፍቕሪ ዝመልአን ሒደት ቃላት ወይ ከኣ ሕያውነት ዜንጸባርቕ ሓደ ተግባር፡ ንሓደ ሰብ ኬተባብዖ ኸም ዚኽእል ርእየ እየ። ጕስነት ኣዝየ ዝፈትዎ ዕዮ እዩ” በለ።—ዮሃ. 21:16

10. ክርስትያን ሰብኡት ንኻልኦት ብምግልጋል ዝመጸ፡ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ንኪቐድሕዎ እንታይ ኪድርኾም ይኽእል፧

10 ንመጓሰ ኣምላኽ ብዚምልከት፡ ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ርእሶም ዝወፈዩ ሰብኡት፡ ከም ናይ የሱስ ዓይነት ኣረኣእያ ኼንጸባርቑ ኣገዳሲ እዩ፣ ንሱ፡ “ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ” በለ። (ማቴ. 11:28) ኣብ ኣምላኽ እምነት ምሕዳርን ነታ ጉባኤ ምፍቃርን፡ ክርስትያን ሰብኡት ነቲ ሰናይ ግብሪ ኻብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኸም ዝዀነ ወይ ከኣ ኪጾርዎ ኸም ዘይክእሉ ገይሮም ንኸይሓስቡ፡ የግዳስ ንኺመጣጠሩሉ ይድርኾም እዩ። ሓደ ሓው ንኺመጣጠር ድራኸ እንተ ዘይብሉኸ፧ ነታ ጉባኤ ንኼገልግል ባህጊ ኼሕድር ይኽእልዶ፧

ንኸተገልግል ባህጊ ኣሕድር

11. ንኻልኦት ናይ ምግልጋል ባህጊ ኸተሕድር እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

11 ብቑዕ ኣይኰንኩን ዚብል ሓሳብ ንኸይትመጣጠር ይዓግተካ እንተ ኣልዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪወሃበካ ኽትጽሊ ኣሎካ። (ሉቃ. 11:13) ኣብዚ መዳይ እዚ ንዚስምዓካ ዝዀነ ይኹን ስክፍታ ንኽትዋጽኣሉ፡ መንፈስ የሆዋ ኺሕግዘካ እዩ። ሓደ ሓው ንኺመጣጠርን ቅዱስ ኣገልግሎት ንኬቕርብን ዚድርኾ መንፈስ የሆዋ ስለ ዝዀነ፡ ንኼገልግል ዚሓድሮ ባህጊ ኻብ ኣምላኽ እዩ ዚመጽእ። (ፊል. 2:13፣ 4:13) ስለዚ፡ ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ንኽትቅበል ዚድርኸካ ባህጊ ንኸተሕድር ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ናብ የሆዋ ምጽላይ ግቡእ እዩ።—መዝሙር 25:4, 5 ኣንብብ።

12. ሓደ ክርስትያን ነቲ እተዋህቦ ሓላፍነት ንኺፍጽም እኹል ጥበብ ኪረክብ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

12 ሓደ ክርስትያን፡ ነቲ መጓሰ ዜድልዮ ነገራት ኣዝዩ ኣድካምን እተሓላለኸን ኰይኑ ስለ ዚስምዖ፡ ካብ ምምጥጣር የድሓርሕር ይኸውን። ወይ ከኣ ሓላፍነታቱ ንኺፍጽም እኹል ጥበብ ዘይብሉ ዀይኑ ይስምዖ ይኸውን። ከምኡ እንተ ተሰሚዕዎ፡ ቃል ኣምላኽን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ዝያዳ ተጊሁ ብምጽናዕ፡ ጥበብ ኬጥሪ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ‘ቃል ኣምላኽ ዘጽንዓሉ እተወሰነ ግዜ እምድብ ድየ፧ ጥበብ ኪወሃበኒኸ እጽሊ ድየ፧’ ኢሉ ንርእሱ ኺሓትት ኣለዎ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ኪውሀቦውን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእ. 1:5) ነዚ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ሓሳብ ትኣምነሉ ዲኻ፧ ሰሎሞን ናብ ኣምላኽ ምስ ጸለየ፡ “ብልህን ኣስተውዓልን ልቢ” ተዋህቦ፣ እዚ ኸኣ ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ፈልዩ ንኺፈርድ ሓገዞ። (1 ነገ. 3:7-14) ሓቂ እዩ፡ ጕዳይ ሰሎሞን ፍሉይ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ የሆዋ፡ እቶም ኣብታ ጉባኤ ሓላፍነት እተዋህቦም ሰብኡት ንኣባጊዑ ብግቡእ ምእንቲ ኺከናኸንወን፡ ጥበብ ከም ዚህቦም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ምሳ. 2:6

13, 14. (ሀ) “ፍቕሪ ክርስቶስ” ንጳውሎስ ብኸመይ ከም ዝጸለዎ ግለጽ። (ለ) “ፍቕሪ ክርስቶስ” ኪጸልወና ዘለዎ ብኸመይ እዩ፧

13 ንኻልኦት ናይ ምግልጋል ባህጊ ንኸተሕድር ዚሕግዘካ ኻልእ መገዲ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋን ወዱን ዝገበሩልና ነገራት ኣዕሚቝካ ምሕሳብ እዩ። ንኣብነት፡ 2 ቈረንቶስ 5:14, 15 እስከ ንርአ። (ኣንብብ።) ‘ፍቕሪ ክርስቶስ ዚድርኸና’ ብኸመይ እዩ፧ ክርስቶስ ብመሰረት ፍቓድ ኣምላኽ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ምሕላፉ ኣዝዩ ዜደንቕ ስለ ዝዀነ፡ ሞሳና ይውስኽን ልብና ይትንከፍን እዩ። ጳውሎስ ብፍቕሪ ክርስቶስ እዩ ዚምራሕ ነይሩ። ብስስዐ ተደሪኹ ስጕምቲ ኸይወስድ፡ ከምኡውን ንኣምላኽ ኰነ ነቶም ኣብ ውሽጥን ወጻእን እታ ጉባኤ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ምግልጋል ንኸተኵር ሓገዞ።

14 ብዛዕባ እቲ የሱስ ንሰባት ዝነበሮ ፍቕሪ ምስትንታንና፡ መማሰውቲ ንኽንከውን ይድርኸና። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ‘ንስጋ ኢልካ ብምዝራእ’ ስስዐ ዝመልኦ ሸቶታት ምውጻእን ባህግታትካ ጥራይ ንምምላእ ምጽዓርን ግቡእ ከም ዘይኰነ ንርዳእ። ንህይወትና ኣተዓራሪና ድማ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ዕዮ ቐዳምነት ንህቦ። ብዘይካዚ፡ ንኣሕዋትና ኻብ ፍቕሪ ተበጊስና ‘ንግዝኦም’ ኢና። (ገላትያ 5:13 ኣንብብ።) ነቶም ርእሶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ የሆዋ ብትሕትና እነገልግል ባሮት ከም ዝዀነና ጌርና ንርእስና ንቘጽራ እንተ ዄንና፡ ክብረቶም ክንሕልወሎም ኢና። ካብቲ ሰይጣን ዜተባብዖ ናይ ምንቃፍን ምፍራድን መንፈስ ከኣ ንርሕቕ።—ራእ. 12:10

ብስድራ ቤት ዚግበር ጻዕሪ

15, 16. ሓደ ሓው ኣገልጋሊ ጉባኤ ወይ ሽማግለ ናይ ምዃን ብቕዓት ንኼጥሪ፡ ኣባላት ስድራ ቤቱ እንታይ ግደ እዩ ዘለዎም፧

15 ሓደ ሓው፡ ኣቦ ስድራ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ኣብ ስድራ ቤቱ ዘሎ ዅነታት፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ ወይ ሽማግለ ኪኸውን ብቑዕ እንተ ዀይኑ ይውስኖ እዩ። መንፈሳውነትን ስምን እታ ስድራ ቤት ንሽመቱ ብቐጥታ ይጸልዎ እዩ። እዚ ሓሳብ እዚ፡ እታ ስድራ ቤት ነቲ ሰብኣይን ኣቦን ዝዀነ ሓው፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ ወይ ሽማግለ ዀይኑ ኼገልግል ኣብ ምድጋፉ ንዘለዋ ኣገዳሲ ግደ ዜጕልሕ እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 3:4, 5, 12 ኣንብብ።

16 ኣባላት ክርስትያናዊት ስድራ ቤት ንሓድሕዶም ኪተሓባበሩ ኸለዉ፡ የሆዋ ይሕጐስ እዩ። (ኤፌ. 3:14, 15) ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት፡ ናይ ጉባኤ ሓላፍነታት ኣብ ምፍጻምን ቤቱ ኣብ ‘ምስትንባርን’ ሚዛናዊ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ ሓደ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ፡ ሰበይቱን ደቁን ካብቲ ሰሙናዊ ኣምልኾ ስድራ ቤት ምእንቲ ኺጥቀሙ፡ ምስኦም መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ኣገዳሲ እዩ። ብዘይካዚ፡ ወትሩ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ምስኦም ኪካፈል ኣለዎ። ኣባላት ስድራ ቤት እውን፡ ምስቲ ኣቦ ስድራ ዚገብሮ ጻዕርታት ኪተሓባበሩ ኣለዎም።

እንደገና ኸተገልግል ትኽእልዶ፧

17, 18. (ሀ) ኣገልጋሊ ጉባኤ ወይ ሽማግለ ዝነበረ ሓው ካብ ምግልጋል እንተ ኣቋሪጹ፡ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧ (ለ) ቅድሚ ሕጂ ሽማግለ ወይ ከኣ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዝነበረ ሓው፡ እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልዎ ይግባእ፧

17 ምናልባት ቅድሚ ሕጂ ሽማግለ ወይ ከኣ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኔርካ ትኸውን። ሕጂ እውን ንየሆዋ ተፍቅሮ ኢኻ፣ ንሱ ኸም ዚሓልየልካ ድማ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። (1 ጴጥ. 5:6, 7) እተወሰነ ምትዕርራይ ክትገብር ድዩ ተነጊሩካ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ንጌጋኻ ተኣሚንካ፡ ብሓገዝ ኣምላኽ ኣርሞ። ኣይትመረር። ጥበበኛ ኹን፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ድማ ይሃሉኻ። ሓደ ሽማግለ ዀይኑ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለ፡ ደሓር ግን ዘቋረጸ ሓው ከምዚ በለ፦ “ልክዕ ከምቲ ሽማግለ ኸለኹ ዝገበሮ ዝነበርኩ፡ ኣብ ኣኼባታትን ኣገልግሎት ወፍርን ክካፈል ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ቈሪጸ ነበርኩ፣ ከምቲ ዝሓሰብክዎ ኸኣ ኰነለይ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ ዓመት እንደገና ነቲ ፍሉይ መሰል ዝረኽቦ እኳ እንተ መሰለኒ፡ ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት እየ ሽማግለ ዀይነ፣ እዚ ኸኣ ትዕግስቲ መሃረኒ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብዝያዳ ንኽመጣጠር ደኣ እምበር፡ ንኸይሕለል ዝረኸብክዎ ምትብባዕ ኣዝዩ ሓጊዙኒ እዩ።”

18 ከምዚ እተጠቕሰ ዓይነት ኵነታት ዘጋጠመካ ሓው እንተ ዄንካ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። የሆዋ ንኣገልግሎትካን ንስድራ ቤትካን ብኸመይ ይባርኾ ኸም ዘሎ ኣስተንትን። ንስድራ ቤትካ ብመንፈሳዊ ህነጾም፡ ንዝሓመሙ ብጽሓዮም፡ ከምኡውን ነቶም ዝደኸሙ ኣተባብዓዮም። ልዕሊ ዅሉ፡ ነቲ ኸም ናይ የሆዋ ምስክር መጠን ንየሆዋ ንምውዳስን ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽን ዝረኸብካዮ ፍሉይ መሰል ኣኽቢርካ ርኣዮ። aመዝ. 145:1, 2፣ ኢሳ. 43:10-12

ንዅነታትካ መርምሮ

19, 20. (ሀ) ኵሎም እተጠምቁ ኣሕዋት እንታይ ኪገብሩ እዮም ተተባቢዖም፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

19 ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ሓለውትን ኣገልገልቲ ጉባኤን የድልዩ ኣለዉ። ስለዚ፡ ኵሎም እተጠምቁ ኣሕዋት ንዅነታቶም ኪምርምሩን ‘ኣገልጋሊ ጉባኤ ወይ ሽማግለ ዀይነ ዘየገልግል ዘለኹ ስለምንታይ እየ፧’ ኢሎም ንርእሶም ኪሓቱን ነተባብዖም። መንፈስ ኣምላኽ ኣብዚ ኣገዳሲ ጕዳይ እዚ ቕኑዕ ኣረኣእያ ኺህልወካ ንኺሕግዘካ ፍቐደሉ።

20 ኵሎም ኣባላት እታ ጉባኤ፡ ካብቲ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ዚገብርዎ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዜንጸባርቕ ጻዕርታት ጥቕሚ ይረኽቡ እዮም። ሕያውነት ከነርእን ስስዐ ዘይብሉ ተግባራት ክንገብርን ከለና፡ ንኻልኦት ካብ ምግልጋልን ንመንፈስ ኢልካ ካብ ምዝራእን ዚርከብ ሓጐስ ክንዓጽድ ኢና። ይኹን እምበር፡ ከምቲ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንርእዮ፡ ንናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ከይነጕህዮ ኽንጽዕር ኣሎና። ብኸመይ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ኣብ ሚክያስ 5:5 ዚርከብ ትንቢት እንታይ መረጋገጺ እዩ ዚህበና፧

• ርእሰ-መስዋእታዊ መንፈስ እንታይ ከም ዜጠቓልል ግለጽ።

• ሓደ ክርስትያን ንኻልኦት ናይ ምግልጋል ባህጊ ኼሕድር ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

• ሓደ ሓው ኣገልጋሊ ጉባኤ ወይ ሽማግለ ናይ ምዃን ብቕዓት ንኼጥሪ፡ ምትሕብባር ስድራ ቤት ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ናብ ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ንኽትመጣጠር እንታይ ክትገብር ትኽእል፧