ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣትን ኣንስቲ፡ ንርእስነት እትግዝኣ ስለምንታይ ኢኽን፧

ኣትን ኣንስቲ፡ ንርእስነት እትግዝኣ ስለምንታይ ኢኽን፧

ኣትን ኣንስቲ፡ ንርእስነት እትግዝኣ ስለምንታይ ኢኽን፧

“ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ።”—1 ቈረ. 11:3

1, 2. (ሀ) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሰርዖ ስርዓት ርእስነትን ተገዛእነትን እንታይ ኢሉ እዩ ጽሒፉ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንርኢ፧

 ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡ . . . ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ” ኢሉ ዝጠቐሶ ስርዓት ዝሰርዖ የሆዋ እዩ። (1 ቈረ. 11:3) ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ የሱስ ነቲ ርእሱ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዝነበሮ ተገዛእነት ከም ክብርን ሓጐስን ገይሩ ይቘጽሮ ነበረ፣ ርእሲ ክርስትያን ሰብኡት ከኣ ክርስቶስ እዩ። ክርስቶስ ሕያዋይን ለዋህን ርሕሩሕን ሓላይን እዩ ነይሩ። ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሰብኡት ንኻልኦት ሰባት፡ ምናዳ ድማ ንኣንስቶም ከምኡ ኪዀኑ ኣለዎም።

2 ርእሲ ሰበይቲኸ መን እዩ፧ ጳውሎስ፡ “ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። ኣንስቲ ነዚ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ሓሳብ ብኸመይ ኪርእያኦ ኣለወን፧ ሰብኣይ ዘይኣማኒ ምስ ዚኸውን፡ እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ይዓዪ ድዩ፧ ሰበይቲ ንርእስነት ሰብኣይ ትግዛእ ኪበሃል ከሎ፡ ውሳነታት ኣብ ዚግበረሉ እዋን ዋላ ሓንቲ ኽትብል ኣይትኽእልን ማለት ድዩ፧ ሰበይቲ ኸመይ ገይራ እያ ናእዳ ኽትረክብ እትኽእል፧

“ደጋፊት ክገብረሉ እየ”

3, 4. ኣብ መውስቦ ዘሎ ስርዓት ርእስነት ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

3 ንስርዓት ርእስነት ዝሰርዖ ኣምላኽ እዩ። ኣዳም ምስ ተፈጥረ፡ የሆዋ ኣምላኽ፡ “ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ” በለ። ሄዋን ምስ ተፈጥረት፡ ኣዳም፡ ብጸይትን ደጋፊትን ብምርካቡ ኣዝዩ ስለ ተሓጐሰ፡ “እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ ስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ” በለ። (ዘፍ. 2:18-24) ኣዳምን ሄዋንን፡ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ንዚነብሩ ዅሎም ፍጹማት ደቂ ሰብ ኣቦን ኣደን ኪዀኑ ዜኽእሎም ዜደንቕ ተስፋ ነበሮም።

4 ቀዳሞት ወለድና ዓለወኛታት ብምዃኖም፡ እቲ ኣብ ገነት ኤድን ዝነበረ ፍጹም ኵነታት ተበላሸወ። (ሮሜ 5:12 ኣንብብ።) ስርዓት ርእስነት ግን ኣይተቐየረን። እዚ ስርዓት እዚ ብዚግባእ ምስ ዚሕሎ፡ ኣብ መውስቦ ጥቕምን ሓጐስን የምጽእ እዩ። እዚ ድማ፡ ምስቲ የሱስ ነቲ ርእሱ ዝዀነ የሆዋ ዚግዛእ ብምዃኑ ዚስምዖ ስምዒት ይመሳሰል እዩ። የሱስ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ፡ ‘ኵሉ ግዜ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይሕጐስ ነበረ።’ (ምሳ. 8:30) ሰብኡት ዘይፍጹማት ብምዃኖም፡ ፍጹማት ርእስታት ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም፣ ኣንስቲ እውን ፍጹማት ተገዛእቲ ኪዀና ኣይክእላን እየን። ይኹን እምበር፡ ሰብኡትን ኣንስትን ነዚ ስርዓት እዚ ንምሕላው ዚከኣሎም ዘበለ ምስ ዚገብሩ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ኺርከብ ዚኽእል ዝበለጸ ዕግበት ይረኽቡ እዮም።

5. ሰብ ሓዳር ነቲ ኣብ ሮሜ 12:10 ዚርከብ ምኽሪ ኣብ ልቦም ኬሕድርዎ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

5 ሓዳር ዕዉት ምእንቲ ኪኸውን፡ ሰብ ሓዳር ነቲ፡ “ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ” ዚብል ንዅሎም ክርስትያናት እተዋህበ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ኣለዎም። (ሮሜ 12:10) ብዘይካዚ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ፡ “ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ” ዚብል ማዕዳ ኣበርቲዖም ኪዓዩሉ ኣለዎም።—ኤፌ. 4:32

ሓደ ኻብቶም ሰብ ሓዳር፡ ዘይኣማኒ ምስ ዚኸውን

6, 7. ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ንዘይኣማኒ ሰብኣይ ትግዝኦ እንተ ዀይና፡ እንታይ ውጽኢት ኪርከብ ይከኣል፧

6 ሓደ ኻብቶም ሰብ ሓዳር፡ ኣገልጋሊ የሆዋ እንተ ዘይኰይኑ፡ እንታይ እዩ ዚግበር፧ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰብኣይ እዩ ዘይኣማኒ ዚኸውን። ከምኡ ኼጋጥም ከሎ፡ ሰበይቱ ብኸመይ ክትሕዞ ኣለዋ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል መልሲ ይህብ፦ “ኣትን ኣንስቲ፡ ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩ፡ በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም።”—1 ጴጥ. 3:1, 2

7 ቃል ኣምላኽ፡ ሰበይቲ ንዘይኣማኒ ሰብኣያ ኽትግዝኦ እዩ ዚእዝዝ። እቲ ሰብኣይ ነቲ ጽቡቕ ኣኻይዳኣ ምርኣዩ፡ ከምኡ ንኽትከውን ዝደረኻ እንታይ ምዃኑ ንኺምርምር ኪጸልዎ ይኽእል እዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ንእምነት እታ ክርስትያን ሰበይቱ ኺምርምርን ውዒሉ ሓዲሩ ሓቂ ኪቕበልን ይኽእል እዩ።

8, 9. ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ነቲ ሰናይ ኣኻይዳኣ ጽቡቕ ምላሽ ዘይህብ ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣልይዋ፡ እንታይ እያ ኽትገብር ዘለዋ፧

8 እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ ጽቡቕ ምላሽ እንተ ዘይሂቡኸ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ነታ ኣማኒት ሰበይቲ ኣብ ጽንኩር ግዜ እውን እንተ ዀነ፡ ወትሩ ክርስትያናዊ ባህርያት ከተርኢ እዩ ዜተባብዓ። ንኣብነት፡ ኣብ 1 ቈረንቶስ 13:4፡ “ፍቕሪ ዓቃል እያ” ዚብል ነንብብ። እምበኣር፡ እታ ክርስትያን ሰበይቲ፡ “ብትሕትና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን” ብፍቕሪ እናተጻወረት ክትመላለስ ኣለዋ። (ኤፌ. 4:2) ብሓገዝ እቲ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን እንተ ዀነ፡ ክርስትያናዊ ባህርያት ከተርኢ ትኽእል እያ።

9 ጳውሎስ፡ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ፊል. 4:13) መንፈስ ኣምላኽ ንክርስትያን ሰብ ሓዳር፡ ኪገብርዎ ዘይክእሉ ዝነበሩ ነገራት ኪገብሩ የኽእሎም እዩ። ንኣብነት፡ ብሰንኪ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዚፍጸም ግፍዒ፡ እቲ ተገፋዒ ሕነ ኺፈዲ ይፍተን ይኸውን። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሎም ክርስትያናት፡ “ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። . . . ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ” ኢሉ ይነግሮም። (ሮሜ 12:17-19) ብተመሳሳሊ፡ 1 ተሰሎንቄ 5:15፡ “እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኽፉእ ከይፈድዮ፡ ተጠንቀቑ። ግናኸ ኵሉ ሳዕ ንሓድሕድኩምን ንዅሉን ሰናይ ንምግባር ተጋደሉ” ዚብል ምኽሪ ትህበና። ብብርታዐና ኽንገብሮ ዘይንኽእል ነገር፡ ብደገፍ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ክንገብሮ ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ሓገዝ ምእንቲ ኽንረክብ፡ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንኺወሃበና ኽንጽሊ ኣሎና።

10. የሱስ ነቲ ኻልኦት እተዛረብዎ ኽፉእ ቃላትን ዝገበርዎ ኽፉእ ተግባራትን ብኸመይ እዩ ምላሽ ሂቡሉ፧

10 የሱስ ምስቶም ክፉእ ዘረባ እተዛረብዎ ወይ ክፉእ ተግባር ዝገበርዎ ሰባት ኣብ ዝነበሮ ርክብ፡ ብሉጽ ኣብነት ሓዲጉ እዩ። ብዛዕባኡ ኣብ 1 ጴጥሮስ 2:23፡ “ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ፡ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሀበ እምበር፡ ዘየፋራርሄ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። ንዓና እውን ነቲ ሰናይ ኣብነቱ ኽንስዕብ ምሕጽንታ ተዋሂቡና እዩ። ሰባት ብዚገብርዎ ሕማቕ ተግባራት ኣይንቈጣዕ። ንዅሎም ክርስትያናት፡ “ለዋሃት፡ ትሑታት ኩኑ፡ . . . እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ” ዚብል ማዕዳ እዩ ተዋሂብዎም።—1 ጴጥ. 3:8, 9

ዋላ ሓንቲ ኺብላ የብለንን ማለት ድዩ፧

11. ገሊአን ክርስትያን ኣንስቲ እንታይ ዓብዪ መሰል እዩ ዘለወን፧

11 ኣንስቲ ንርእስነት ሰብኡተን ይግዝኣ ኺበሃል ከሎ፡ ኣብቲ ንስድራ ቤት ዚምልከት ኰነ ኣብ ካልእ ጕዳያት ዋላ ሓንቲ ኺብላ የብለንን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ኣንስቲ እውን ከም ሰብኡት፡ ካብ የሆዋ ሓያሎ ፍሉይ መሰላት ረኺበን እየን። ክርስቶስ ንምድሪ ኣብ ዚገዝኣሉ እዋን፡ 144,000 ውልቀ-ሰባት ምስኡ ኣብ ሰማይ ነገስታትን ካህናትን ብምዃን ብዛዕባ ዚረኽብዎ ዓብዪ ኽብሪ እሞ ሕስብ ኣብል። ኣንስቲ ኣብኡ ተጠቓሊለን ኣለዋ። (ገላ. 3:26-29) እምበኣር፡ የሆዋ ንኣንስቲ ኣብ ስርዓቱ ንጡፍ ግደ ኸም ዚህልወን ገይሩ እዩ።

12, 13. ኣንስቲ ኸም እተነበያ ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

12 ንኣብነት፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣንስቲ ትንቢት ተነብየን እየን። ዮኤል 2:28, 29፡ “መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ክኽዑ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ . . . እዮም። በተን መዓልትታት እቲኤንሲ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮት እኳ መንፈሰይ ክዅዑ እየ” ዚብል ትንቢት ሒዛ ኣላ።

13 ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ.፡ ኣንስቲ እውን ዚርከባኦም ኣስታት 120 ዚኣኽሉ ደቀ መዛሙርቲ፡ ኣብ የሩሳሌም ኣብ እትርከብ ደርቢ ተኣኪቦም ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ፈሰሰ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ጴጥሮስ ነቲ ነብዪ ዮኤል እተነበዮ ትንቢት ጠቐሶ፡ ንሰብኡትን ንኣንስትን ብማዕረ ኸም ዚምልከት ከኣ ገለጸ። ከምዚ ድማ በለ፦ “እዚ ግና እቲ ብነብዪ ዮኤል እተባህለ እዩ፣ በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ይብል ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዅሉ ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ . . . እዮም። በተን መዓልትታት እቲኣተን ድማ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም።”—ግብ. 2:16-18

14. ኣንስቲ ኣብ ምዝርጋሕ እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ክርስትና እንታይ እጃም ነበረን፧

14 ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኣንስቲ ኣብ ምዝርጋሕ ክርስትና ኣገዳሲ እጃም ነይርወን እዩ። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ይሰብካን ምስ ዕዮ ስብከት እተተሓሓዘ ኣገልግሎት ይፍጽማን ነበራ። (ሉቃ. 8:1-3) ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንፌቤን፡ “ኣገልጋሊት ማሕበር ክንክርኤስ” ኢሉ እዩ ጸዊዕዋ። ንመዓይይቱ ሰላምታ ኺልእኽ ከሎ ድማ፡ “ነተን ብጐይታ ዚጽዕራ ዘለዋ ጥሬፌናን ጥሬፎሳን” ሓዊሱ፡ ብዙሓት እሙናት ኣንስቲ ጠቒሱ እዩ። “ነታ ብጐይታ ብዙሕ ዝጸዐረት ጰርሲስ ፍቅርቲ” እውን ጠቒስዋ እዩ።—ሮሜ 16:1, 12

15. ኣብዚ ግዜና፡ ኣንስቲ ኣብ ምዝርጋሕ ክርስትና እንታይ እጃም የበርክታ፧

15 ኣብዚ ግዜና፡ ካብቶም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚሰብኩ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ኣገልገልቲ፡ ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ዚርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዓብዪ እጃም ኣለወን። (ማቴ. 24:14) ብዙሓት ካባታተን፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልትን ሚስዮናውያንን ኣባላት ስድራ ቤትኤልን እየን። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “እግዚኣብሄር ቃሉ ይህብ፡ እተን ሓጐስ ዜበስራ ዓብዪ ጭፍራ እየን” ኢሉ ዘሚሩ እዩ። (መዝ. 68:11) እዘን ቃላት እዚኣተን ሓቂ ምዃነን ተረጋጊጸን እየን። የሆዋ ነቲ ኣንስቲ ኣብ ምእዋጅ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽን ኣብ ምፍጻም ዕላማኡን ዘለወን ግደ ኣኽቢሩ ይርእዮ እዩ። ካብ ክርስትያን ኣንስቲ ዚጽበዮ ተገዛእነት፡ ዋላ ሓንቲ ኸይበላ ትም ኢለን ኪግዝኣ ማለት ዘይምዃኑ እተረጋገጸ እዩ።

ትም ዘይበላ ኽልተ ኣንስቲ

16, 17. እቲ ሳራ ዝሓደገቶ ኣብነት፡ ኣንስቲ ኣብ ሓዳረን ኣገዳሲ ጕዳይ ኪለዓል ከሎ ትም ኪብላ ኸም ዘይግደዳ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

16 የሆዋ ንኣንስቲ ሓያሎ ፍሉይ መሰላት ካብ ሃበን፡ ሰብኡት ከቢድ ውሳነታት ቅድሚ ምግባሮም ንኣንስቶም ኬማኽሩዶ ኣይግባእን፧ ከምኡ ምግባሮም፡ ጥበባዊ እዩ። ሰብኡተን ከይሓተትወን ሓሳባተን ብዛዕባ ዝገለጻ ወይ ስጕምቲ ብዛዕባ ዝወሰዳ ኣንስቲ ዚገልጽ ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመዝጊቡ ንረክብ ኢና። ክልተ ኣብነታት እስከ ንርአ።

17 ሳራ ነቲ ሓደ ኻብ ኣበው ዝነበረ ሰብኣያ ኣብርሃም፡ ነታ ኻልአይቲ ሰበይቱን ንወዳን፡ ስለቲ ንዕቀቶም ካብ ቤት ኬውጽኦም ተዛረበቶ። “እዚ ነገርዚ ኸኣ ንኣብርሃም . . . ኣዝዩ ኽፉእ ኰይኑ ተራእዮ፣” ንኣምላኽ ግን ከምኡ ዀይኑ ኣይተራእዮን። የሆዋ ንኣብርሃም፡ “ብናይ እዚ ወድን ብናይ እዛ ባርያኻን ክፉእ ኰይኑ ኣይርኤኻ። . . . ብዅሉ ሳራ እትብለካ ዘላ ቓላ ስማዕ” በሎ። (ዘፍ. 21:8-12) ኣብርሃም ንየሆዋ ተኣዘዞ፡ ንሳራ ሰምዓ፡ ከምቲ ዝበለቶ ድማ ገበረ።

18. ኣቢጋይል ብተበግሶኣ እንታይ እያ ዝገበረት፧

18 ብዛዕባ ኣቢጋይል ሰበይቲ ናባል እውን ክንሓስብ ንኽእል ኢና። ዳዊት ካብቲ ቐናእ ንጉስ ሳኦል ኪሃድም ከሎ፡ ኣብ ጥቓ መጓሰ ናባል ሰፊሩ ነበረ። ዳዊትን ሰቡን ካብ ጥሪት እዚ ሃብታም ሰብኣይ ኣብ ክንዲ ዚወስዱ፡ ንንብረቱ ይሕልዉሉ ነበሩ። ናባል ግን፡ “ጨካን ግብሩ ድማ ክፉእ ነበረ፣” ነቶም ዳዊት ዝለኣኾም ልኡኻት ድማ “ሰጐጎም።” “ወዲ ብልያል እዩ” ነይሩ፡ ‘ጽላለ እውን ነይርዎ።’ እቶም ዳዊት ዝለኣኾም ልኡኻት ንናባል፡ እተወሰነ እኽለ-ማይ ኪህቦም ብኣኽብሮት ምስ ሓተትዎ፡ ንሱ ኣበዮም። ኣቢጋይል ነዚ ምስ ሰምዐት እንታይ ገበረት፧ ንናባል ከይነገረቶ፡ “ቀልጢፋ ኽልተ ሚእቲ እንጌራን ክልተ ሓርቢ ወይንን ሓሙሽተ ብሱላት አባጊዕን ሓሙሽተ መስፈር ጥቡስ ሰዊትን ሚእቲ ጐጎ ዘቢብን ክልተ ሚእቲ ጐጎ በለስን ወሲዳ፡” ንዳዊትን ንሰቡን ሃበቶም። እሞኸ ኣቢጋይል ቅኑዕ ድያ ገይራ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እግዚኣብሄር ንናባል ወቕዖ፡ ሞተ ኸኣ” ኢሉ ይነግረና። ጸኒሑ፡ ዳዊት ንኣቢጋይል ተመርዓዋ።—1 ሳሙ. 25:3, 14-19, 23-25, 38-42

‘እትነኣድ ሰበይቲ’

19, 20. ንሓንቲ ሰበይቲ ብሓቂ ኸም እትነኣድ ዚገብራ እንታይ እዩ፧

19 ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ነታ ብመገዲ የሆዋ እትመላለስ ሰበይቲ ይንእዳ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ምሳሌ፡ ን“ደገኛ ሰበይቲ” ኸምዚ ዚስዕብ ኢላ ትንእዳ፦ “ዋጋኣ ኻብ ክቡር ዕንቚ ኣዝዩ ይኸብር። ልቢ ሰብኣያ ይእመና፡ እቶቱ ከቶ ኣየቋርጽን። ንሳ ምሉእ ዕድሚኣ ሰናይ እምበር፡ ክፉእ ኣይትገብሮን። ኣፋ ብጥበብ ትኸፍት፡ ትምህርቲ ለውሃት ድማ ኣብ ልሳና እዩ። ንብረት ቤታ ትሕሉ፡ እንጌራ ትህኪት ኣይትበልዕን። ደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ፡ ሰብኣያ ድማ . . . ይንእዳ።”—ምሳ. 31:10-12, 26-28

20 ንሓንቲ ሰበይቲ ብሓቂ ኸም እትነኣድ ዚገብራ እንታይ እዩ፧ ምሳሌ 31:30፡ “ጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንአድ” ትብል። ሓደ ኻብቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዚረኣየሉ መገዲ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ስርዓት ርእስነት ብፍታው ተገዛኢ ምዃን እዩ። ከምቲ “ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡ . . . ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ” ዝዀነ፡ “ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ” እዩ።—1 ቈረ. 11:3

ንኣምላኽ ስለቲ ውህበቱ ኣመስግንዎ

21, 22. (ሀ) ምርዑዋት ክርስትያናት ንኣምላኽ ስለቲ ውህበት መውስቦ ንኼመስግንዎ እንታይ ምኽንያታት ኣለዎም፧ (ለ) ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ስልጣንን ርእስነትን ዝሰርዖ ስርዓት ከነኽብሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ኣብ ገጽ 17 እትርከብ ሳጹን ርአ።)

21 ክርስትያናት ሰብ ሓዳር ንኣምላኽ ምስጋናኦም ኪገልጹ ዚድርኾም ብዙሕ ምኽንያታት ኣለዎም። ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም፡ ሓጐስ ዝመልኦ ሓዳር ኪገብሩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ሓዳሮም ሰሚሮም ምስ የሆዋ ኺመላለሱ ስለ ዚኽእሉ፡ ንኣምላኽ ስለቲ እተባረኸ ውህበት መውስቦ ኼመስግንዎ ይኽእሉ እዮም። (ሩት 1:9፣ ሚክ. 6:8) ንሱ መስራቲ ሓዳር ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሓዳር ሓጐስ ንምርካብ እንታይ ከም ዜድሊ ብልክዕ ይፈልጦ እዩ። ስለዚ፡ ወትሩ ብመገዱ ተመላለሱ፣ ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም እውን እንተ ዀነ፡ ‘ሓጐስ የሆዋ ሓይልኹም ኪኸውን እዩ።’—ነህ. 8:10

22 ንሰበይቱ ኸም ርእሱ ገይሩ ዜፍቅር ክርስትያን ሰብኣይ፡ ንርእስነቱ ብለውሃትን ብሓልዮትን እዩ ዚጥቀመሉ። እታ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዋ ሰበይቱ እውን ስለ እትድግፎን ዓሚቝ ኣኽብሮት ስለ እተርእዮን፡ ብሓቂ ፍቕርቲ እያ እትኸውን። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ እቲ ኣብነታዊ ሓዳሮም ነቲ ናእዳ ዚግብኦ ኣምላኽና የሆዋ፡ ክብሪ የምጽኣሉ።

ትዝክሮዶ፧

• የሆዋ ብዛዕባ ርእስነትን ተገዛእነትን ዝሰርዖ ስርዓት እንታይ እዩ፧

• ሰብ ሓዳር ኪከባበሩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

• ኣማኒት ሰበይቲ ንዘይኣማኒ ሰብኣያ ብኸመይ ክትሕዞ ኣለዋ፧

• ሰብኡት ከቢድ ውሳነታት ቅድሚ ምግባሮም፡ ንኣንስቶም ኬማኽሩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ሳጹን]

ንስልጣን ከነኽብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

የሆዋ ንመስተውዓልቲ ፍጡራቱ፡ ስርዓት ስልጣንን ርእስነትን ሰሪዑሎም እዩ። እዚ ስርዓት እዚ፡ ንመንፈሳውያን ፍጡራትን ንሰባትን ኪጠቅም ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ንኺጥቀሙሉ፡ ብሓድነትን ብስኒትን ከኣ ንኣምላኽ ክብሪ ንኺህብዎ የኽእሎም።—መዝ. 133:1

ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ነቲ የሱስ ክርስቶስ ዘለዎ ስልጣንን ርእስነትን ትቕበሎ እያ። (ኤፌ. 1:22, 23) ክርስቶስ እውን ንስልጣን የሆዋ ይቕበሎ እዩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ፡ “ኣምላኽውን ኵሉ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኪኸውን፡” ኣብ መወዳእታ፡ “እቲ ወዲ ባዕሉ ነቲ ዅሉ ዘግዝኦ ኺግዛእ እዩ።” (1 ቈረ. 15:27, 28) እምበኣር፡ ርእስና ንኣምላኽ ዝወፈና ሰባት፡ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ጉባኤን ስድራ ቤትን ዘሎ ስርዓት ርእስነት ተሓባቢርና ኽንዓዪ ይግባእ። (1 ቈረ. 11:3፣ እብ. 13:17) ከምኡ እንተ ጌርና፡ ስምረትን በረኸትን የሆዋ ስለ እንረክብ፡ ንርእስና ኢና እንጠቅም።—ኢሳ. 48:17

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ጸሎት ንሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ፡ ኣምላኽ ዚፈትዎ ባህርያት ንኸተርኢ ይሕግዛ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ነቲ ኣንስቲ ኣብ ምድንፋዕ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ዜበርክታኦ እጃም ኣኽቢሩ ይርእዮ