ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካራን ጥንታዊት ሕምብርቲ ጽዑቕ ንጥፈታት

ካራን ጥንታዊት ሕምብርቲ ጽዑቕ ንጥፈታት

ካራን ጥንታዊት ሕምብርቲ ጽዑቕ ንጥፈታት

ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ሌላ ዘለዎም ሰባት፡ ነታ ካራን እትብል ቃል ኪሰምዑ ኸለዉ፡ ነቲ ሓደ ኻብቶም እሙናት ኣበው ዝነበረ ኣብርሃም እዮም ዚዝክሩ። ኣብርሃም ምስ ሰበይቱ ሳራን ኣቦኡ ታራን ወዲ ሓዉ ሎጥን ኰይኑ ካብ ኡር ናብ ምድሪ ከነኣን ኣብ እተጓዕዘሉ እዋን፡ ኣብ ካራን ተቐሚጡ ነበረ። ኣብዚ ቦታ እዚ፡ ኣብርሃም ብዙሕ ሃብቲ ኣጥረየ። ኣቦኡ ምስ ሞተ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ናብ እተመባጽዓሉ ምድሪ ጕዕዞኡ ቐጸለ። (ዘፍ. 11:31, 32፣ 12:4, 5፣ ግብ. 7:2-4) ድሕሪ ግዜ፡ ኣብርሃም ንወዱ ይስሃቅ ሰበይቲ ምእንቲ ኼምጽኣሉ፡ ነቲ ብዕድመ ዝዓበየ ግዙኡ ናብ ካራን ወይ ኣብቲ ኸባቢ ናብ ዚርከብ ቦታ ለኣኾ። ያእቆብ ወዲ ወዱ ንኣብርሃም እውን፡ ንብዙሕ ዓመታት ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ተቐሚጡ ነይሩ እዩ።—ዘፍ. 24:1-4, 10፣ 27:42-45፣ 28:1, 2, 10

ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ዝሃቦ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ፡ ንካራን ሓንቲ ኻብተን ዝሰዓረን “ሃገራት” ከም ዝዀነት ገይሩ ጠቒስዋ ኣሎ። እታ “ሓራን” ወይ ካራን እትብል ስያመ፡ ነታ ኸተማ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዙርያኣ ንዝነበረ ኸባቢታት እውን ዜመልክት እዩ። (2 ነገ. 19:11, 12) ኣብቲ ህዝቅኤል እተነበዮ ትንቢት፡ ካራን ሓንቲ ኻብተን ቀንዲ መሻርኽቲ ጢሮስ ከም ዝነበረት ጌርካ ተጠቒሳ ኣላ፣ እዚ ኸኣ ሕምብርቲ ማእከል ንግዲ ኸም ዝነበረት ዜረጋግጽ እዩ።—ህዝ. 27:1, 2, 23

ኣብዚ እዋን እዚ፡ ካራን ንእሽቶ ኸተማ ዀይና፡ ኣብ ጥቓ ሻንሊኡርፋ፡ ምብራቕ ቱርኪ እያ እትርከብ። እታ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረት ከተማ ካራን ግን፡ ብዙሕ ንጥፈታት ዚካየደላ ኸተማ እያ ነይራ። ካራን ሓንቲ ኻብተን ክሳዕ ሕጂ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ስመን ዚጽውዓ ጥንታዎት ቦታታት እያ። ኻራኑ ዚብል ቃል ብቛንቋ ኣሶር፡ “መገዲ” ወይ “መገዲ ቓፍላይ” ዚብል ትርጕም ኪህልዎ ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ ካራን ናብ ዓበይቲ ኸተማታት ኣብ ዚወስድ ዓበይቲ መስመራት ንግዲ ተደኲና ኸም ዝነበረት ዜርኢ እዩ። ኣብ ካራን እተረኽበ ጥንታዊ ጽሑፋት ከም ዚሕብሮ፡ ኣደ ናቦኒደስ ንጉስ ባቢሎን፡ ኣብቲ ኣብ ካራን ዝነበረ ቤተ መቕደስ እቲ ሲን ዚበሃል ኣምላኽ ወርሒ፡ ዝለዓለት ሊቀ ኻህን እያ ነይራ። ገሊኦም ሰባት፡ ናቦኒደስ ነቲ ቤተ መቕደስ ከም ዘሐደሶ ይገልጹ እዮም። ድሕሪኡ እውን፡ ካራን ብዙሓት ሃጸያዊ ግዝኣታት ኪትንስኣን ኪወድቃን ከለዋ ርእያ እያ።

ዘመናዊት ካራን ካብታ ናይ ቀደም ኣዝያ እተፈልየት እያ። ጥንታዊት ካራን ብፍላይ ኣብ ገለ እዋናት ኣዝያ ዝማዕበለትን ኣገዳሲትን ከተማ እያ ነይራ። ዘመናዊት ካራን ግን፡ ጉባ ብዘለዎ ኣባይቲ ዝመልአት ከተማ እያ። ኣብ ከባቢኣ ድማ ጥንታዊ ስልጣነ ኸም ዝነበረ ዜርኢ ፍርስራስ ኣሎ። ኣብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም፡ እቶም ሓደ እዋን ኣብ ካራን ዚነብሩ ዝነበሩ ኸም ኣብራሃምን ሳራን ሎጥን ዝኣመሰሉ ሰባት ኪትንስኡ እዮም። ብዛዕባ እታ ጥንታዊት ሕምብርቲ ጽዑቕ ንጥፈታት ዝዀነት ካራን ብዙሕ ከም ዚነግሩና ድማ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ፍርስራስ ካራን

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ጉባ ዘለዎ ኣባይቲ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ዘመናዊት ካራን