ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወትሩ ንልቦናኻ ኣላምዶ

ወትሩ ንልቦናኻ ኣላምዶ

ወትሩ ንልቦናኻ ኣላምዶ

ሓደ ኽኢላ ጂምናስት ንጡፍ ምንቅስቓሳት ኪገብር ከሎ ምርኣይ፡ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ! መጽሓፍ ቅዱስ፡ ክርስትያናት ልክዕ ከምቲ ሓደ ጂምናስት ንርእሱ ዜሰልጥና፡ ነቲ ናይ ምሕሳብ ክእለቶም ኬሰልጥኑ የተባብዕ እዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ እብራውያን ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቱ፡ “ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም [ከም ጂምናስት] ዜላምዱ ብጹሓት እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብ. 5:14) ንእብራውያን ክርስትያናት ልክዕ ከምቲ ኽኢላ ጂምናስት ንኣካላቱ ብዚግባእ ዜላምዶ ገይሮም ንኣተሓሳስባኦም ኬላምዱ ዘተባብዖም ስለምንታይ እዩ፧ ንልቦናና ኸነላምዶ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

“መምህራን ክትኰኑ እኳ ምተገብኣኩም”

ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ‘ብመዓርግ መልከጼዴቅ ከም ሊቀ ኻህናት’ መጠን ዘለዎ ግደ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብዛዕባኡ [ብዛዕባ የሱስ] ብዙሕ ነገር እንብሎ ነይሩናስ፡ ንምስማዕ ድንዙዛት ስለ ዝዀንኩም፡ ትርጉሙ ጭንቂ እዩ። ከም ምንዋሕ ዘመኑስ መምህራን ክትኰኑ እኳ ምተገብኣኩም ነይሩ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪምህሩኹም የድልየኩም አሎ እሞ ጸባ ደኣ እምበር፡ ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—እብ. 5:10-12

ገሊኦም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝዀኑ ኣይሁድ፡ ኣተሓሳስባኦም ስለ ዘየስፍሑ፡ መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ ኣይከኣሉን። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ሕጊ ሙሴን ግዝረትን ንእተረኽበ ሓድሽ ምርዳእ ምቕባል ከቢድዎም ነበረ። (ግብ. 15:1, 2, 27-29፣ ገላ. 2:11-14፣ 6:12, 13) ገሊኦም ኣብ ሰሰሙን ምስ ዚኽበር በዓል ሰንበት ኰነ ምስ መዓልቲ ዕርቂ እተተሓሓዘ ልማዳዊ ተግባራት ምሕዳጉ ጸጊምዎም ነበረ። (ቈሎ. 2:16, 17፣ እብ. 9:1-14) ስለዚ ኸኣ ጳውሎስ፡ ጽቡቕን ክፉእን ምፍላይ ምእንቲ ኪኽእሉ፡ ንልቦናኦም ኬላምዱን ‘ናብ ብስለት ኣቢሎም ኪስጕሙን’ ኣተባብዖም። (እብ. 6:1, 2 ትርጕም 1990) እዚ ማዕዳ እዚ፡ ነቶም ዝጸሓፈሎም ሰባት ናይ ኣተሓሳስባ ኽእለቶም ብኸመይ ከም ዚጥቀሙሉ ኺሓስቡን መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩን ከም ዝሓገዞም ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንዓናኸ ብኸመይ ይትንክፈና፧

ንልቦናኻ ኣላምዶ

መንፈሳዊ ዕቤት ምእንቲ ኽንገብር፡ ኣተሓሳስባና ኸነሰልጥን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ጳውሎስ፡ “ብምልማድ” ምዃኑ ገለጸ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ጂምናስት ባህ ዜብልን እተሓላለኸን ምንቅስቓስ ምእንቲ ኺገብር ንጭዋዳታቱን ንኣካላቱን ዜለማምዶ፡ ንሕና እውን ጽቡቕን ክፉእን ምፍላይ ምእንቲ ኽንክእል ንኣተሓሳስባና ኸነሰልጥኖ ኣሎና።

ኣብ ሃርቫርድ መዲካል ስኩል ሓጋዚ ፕሮፌሰር ሕክምና ሳይክያትሪ ዝዀነ ጆን ራተ፡ “ንጥፈት ንሓንጐል ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ” በለ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ጆርጅ ዋሽንግተን ዳይረክተር ማእከል ዕድመ ምድፋእን ጥዕናን ሰብኣውነትን ዝዀነ ጀን ኮሀን ድማ፡ “ንኣእምሮና ጽቡቕ ጌርና ምስ እነስርሖ፡ ኣብ ዋህዮታት ኣእምሮና ሓደስቲ ደንድራይት [ምስ ዋህዮታት ኣእምሮ እተተሓሓዘ መትንታት] ንኺጥጥዕ ይሕግዝ፡ እዚ ኸኣ ሲናፕስ [ኒውሮንስ ንዚበሃሉ መትንታት ዜራኽብ ጫፋት] ከም ዚውስኽ ይገብር” በለ።

ንኣተሓሳስባና ኸነሰልጥኖን ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ዘለና ፍልጠት ክንውስኽን ጥበባዊ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ‘ምሉእ ፍቓድ ኣምላኽ’ ንኽንገብር ዝያዳ ኼዕጥቐና እዩ።—ሮሜ 12:1, 2

ባህጊ “ዕጹም ብልዒ” ይሃሉኻ

‘ናብ ብስለት ኣቢልና ኽንስጕም’ ባህጊ እንተ ኣልዩና፡ ‘ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎኒ ምርዳእ ይዓቢዶ ኣሎ፧ ካልኦት ብመንፈሳዊ ብሱል ከም ዝዀንኩ ገይሮም ድዮም ዚርእዩኒ፧’ ኢልና ንርእስና ንሕተት። ሓንቲ ኣደ ንዕሸል ውሉዳ፡ ጸባን ምግቢ ሕጻናትን ባህ ኢልዋ ትምግቦ እያ። ኰይኑ ግን፡ እቲ ውሉድ፡ ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ እውን ገና ምግቢ ሕጻናት ጥራይ ዚምገብ እንተ ዀይኑ፡ እንታይ ከም ዚስምዓ እሞ ሕሰብ ኣብሎ። ብተመሳሳሊ፡ ሓደ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሉ ሰብ፡ ዕቤት ገይሩ ርእሱ ኺውፍን ኪጥመቕን ከሎ ምስ እንርኢ ባህ ይብለና እዩ። ኰይኑ ግን፡ እቲ ሰብ ድሕሪኡ መንፈሳዊ ዕቤት ዘይገብር እንተ ዀይኑ፡ ዜጕሂ ደይኰነን፧ (1 ቈረ. 3:1-4) እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመሃርናዮ ሓድሽ ወደ መዝሙር፡ ድሕሪ ግዜ መምህር ኪኸውን ተስፋ ንገብር ኢና።

ጽቡቕን ክፉእን ምእንቲ ኽንፈሊ ንልቦናና ተጠቒምና ኸነስተንትን ኣሎና፣ ከምዚ ምግባር ከኣ ጻዕሪ ይሓትት። (መዝ. 1:1-3) ከም ተለቪዥን ወይ ከኣ መሕለፍ ግዜ ዝኣመሰለ ብዙሕ ጻዕሪ ዘየድልዮ ነገራት፡ ትርጕም ዘለዎ ምስትንታን ንኸይንገብር ኪዓግተና ኣይነፍቅድ። ናይ ምሕሳብ ክእለትና ምእንቲ ኸነማዕብል፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዜዳልዎ ጽሑፋት ንምንባብ ባህጊ ኺህልወናን ንባህግና ኸነዕግብን ኣሎና። (ማቴ. 24:45-47) ኣብ ርእሲ እቲ ብብሕትና እንገብሮ ስሩዕ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምልኾ ስድራ ቤትን ዓሚቝ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ንምግባር ግዜ ኽንምድብ ኣሎና።

ኣብ መክሲኮ ገያሺ ሓላዊ ዀይኑ ዚዓዪ ኸሮኒሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ምስ መጸት፡ ቀልጢፉ ኸም ዜንብባ ገለጸ። ምስ ብዓልቲ ቤቱ ዀይኖም መጽናዕቲ ዚገብረሉ ግዜ እውን መዲቡ እዩ። “ሓቢርና መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ነንብብን ከምታ ‘ጉድ ላንድ’ እትበሃል ብሮሹር ዝኣመሰለ ጽሑፋት ንጥቀምን ኢና” ድማ በለ። ሮናልድ ዝስሙ ክርስትያን፡ ማዕረ ማዕረ እቲ ኣብ ጉባኤ ዚቐርብ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜንብብ ገለጸ። ነዊሕ ግዜ ዚጸንሕ ሓደ ወይ ክልተ ፕሮጀክትታት ብሕታዊ መጽናዕቲ እውን ኣለዎ። “እዚ ፕሮጀክትታት እዚ፡ ነቲ ቐጺለ ዝገብሮ መጽናዕቲ ተሃንጥየ ንኽጽበዮ ሓጊዙኒ እዩ” ኸኣ በለ።

ንሕናኸ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባርን ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ንምስትንታንን እኹል ግዜ ንምድብ ዲና፧ ነቲ ናይ ምሕሳብ ክእለትና ንጥቀመሉዶ ኣለና፧ ውሳነታትና ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ ብምግባር ዝመጸኸ ዝያዳ ምኩራት ንኸውንዶ ኣለና፧ (ምሳ. 2:1-7) ከምቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ልቦናኦም ዘላመዱ ሰባት ዘለዎም ፍልጠትን ጥበብን ብምርካብ፡ ብመንፈሳዊ ብሱላት ንኽንከውን ሸቶ ይሃልወና!

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ንኣተሓሳስባና ‘ነላምዶ’