ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቍጥዓኻ ብምቍጽጻር፡ ‘ነቲ እከይ ስዓሮ’

ቍጥዓኻ ብምቍጽጻር፡ ‘ነቲ እከይ ስዓሮ’

ቍጥዓኻ ብምቍጽጻር፡ ‘ነቲ እከይ ስዓሮ’

“ፍቁራተይ . . . ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ።”—ሮሜ 12:19, 21

1, 2. ገሊኦም ገያሾ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ጽቡቕ ኣብነት እዮም ኰይኖም፧

 ኣስታት 34 ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ወፈያ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናብ ዚግበረሉ ዓዲ ብነፋሪት ኪጐዓዙ ኸለዉ፡ ብሰንኪ መካኒካዊ ጸገም ጕዕዞኦም ተደናጐየ። እታ ነፋሪት ነዳዲ ኽትመልእ ተባሂላ ንሓደ ሰዓት ኬዕርፉ ተሓሲቡ ዝነበረ ነገር፡ እኹል ምግብን ማይን ሽቓቕን ኣብ ዘይብሉ መዓርፎ ነፈርቲ ን44 ሰዓት ገተርዎም። ብዙሓት ገያሾ ተቘጥዑ፡ ንሰራሕተኛታት እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ድማ ኣፈራርህዎም። እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ግን ሃዲኦም ነበሩ።

2 ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ናይ መወዳእታ ኽፋል እቲ ስነ-ስርዓት ወፈያ ናብቲ ዝደለይዎ ቦታ በጽሑ። ደኺሞም እኳ እንተ ነበሩ፡ እቲ ስነ-ስርዓት ምስ ኣብቅዐ፡ ምስቶም ኣብቲ ዓዲ ዝነበሩ ኣሕዋት ግዜ ኣሕለፉ። ጸኒሖም ግን፡ ነቲ ዓቕሎምን ርእሰ-ግትኣቶምን ዘቕለበሉ ሰብ ከም ዝነበረ ፈለጡ። ሓደ ኻብቶም ገያሾ ነቲ መገዲ ኣየር፡ “እቶም 34 ክርስትያናት ኣብቲ በረራ እንተ ዘይህልዉ ነይሮም፡ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ናዕቢ ምተፈጥረ ነይሩ” ኢሉ ሓበረ።

ቍጥዓ ኣብ ዝመልኣ ዓለም ምንባር

3, 4. (ሀ) ቍጥዓ ንሰባት ጽልዋ ዚገብረሎም ብኸመይ እዩ፧ ካብ መዓስ ኣትሒዙኸ እዩ ጽልዋ ገይሩሎም፧ (ለ) ቃየል ቍጥዓኡ ኺቈጻጸር ይኽእል ነይሩዶ፧ ግለጽ።

3 ኣብዚ እኩይ ስርዓት እዚ ናብራ ዜምጽኦ ጸቕጥታት፡ ንሰባት ቍጡዓት ኪገብሮም ይኽእል እዩ። (መክ. 7:7) መብዛሕትኡ ግዜ፡ እዚ ቝጥዓ እዚ ናብ ጽልእን ዓመጻን እዩ ዚመርሕ። ብሰንኪ እዚ፡ ኣብ መንጎ ሃገራትን ኣብ ውሽጢ ሃገራትን ውግእ ኪለዓል ይኽእል እዩ፣ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ዚፍጠር ውጥረት ከኣ ናብ ግጭት ኬምርሕ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቝጥዓን ዓመጻን ነዊሕ ታሪኽ ኣለዎ። እቲ በዅሪ ወዲ ኣዳምን ሄዋንን ዝነበረ ቃየል፡ ካብ ቅንእን ቍጥዓን ተላዒሉ ንሓዉ ኣቤል ቀተሎ። የሆዋ ንቃየል፡ ስምዒቱ ኺቈጻጸር እኳ እንተ ተማሕጸኖ፡ ከምኡ እንተ ገይሩ እውን ከም ዚባርኾ እኳ እንተ ተመባጽዓሉ፡ ቃየል ግን ነዚ እከይ እዚ ፈጸመ።—ዘፍጥረት 4:6-8 ኣንብብ።

4 ቃየል ዘይፍጽምና ዝወረሰ እኳ እንተ ነበረ፡ እንታይ ከም ዚገብር ኪመርጽ ግን ይኽእል ነይሩ እዩ። ቍጥዓኡ ኺቈጻጸር ይኽእል ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ በቲ ዝገበሮ ዓመጻ ምሉእ ብምሉእ ተሓታቲ ዝዀነ። ንሕና እውን ዘይፍጹማት ብምዃንና፡ ቍጥዓናን ካብኡ ተላዒልና እንወስዶ ስጕምትታትን ምቍጽጻር ይኸብደና እዩ። ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ካልእ ዓብዪ ጽልዋ ዚገብረልና ነገራት እውን ኣሎ። (2 ጢሞ. 3:1) ንኣብነት፡ ቍጠባዊ ጸገም ኣብ ስምዒትና ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል እዩ። ፖሊስን ንስድራ ቤት ሓገዝ ዚህቡ ውድባትን ነቲ ኣብ ገንዘባዊ ስርዓት ዜጋጥም ጸገማት፡ ምስ ቍጥዓን ኣብ ቤት ምስ ዜጋጥም ዓመጻን የተኣሳስርዎ እዮም።

5, 6. ዓለም ብዛዕባ ቝጥዓ ዘለዋ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ኺጸልወና ዚኽእል፧

5 ብዘይካዚ፡ መብዛሕትኦም እንረኽቦም ሰባት፡ “ፈተውቲ ገንዘብ፡” “ዕቡያት፡” “ጨካናት” እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ባህርያት ብቐሊሉ ኺጸልወናን ኬቘጥዓናን ይኽእል እዩ። (2 ጢሞ. 3:2-5) ፊልምታትን መደባት ተለቪዥንን ንምፍዳይ ሕነ ኸም ኣኽቢርካ ዚርአ ነገር፡ ንዓመጻ ኸኣ ከም ባህርያውን ቅቡልን መፍትሒ ጸገማት ገይሩ የቕርቦ እዩ። ነዚ ዚርእዩ ሰባት፡ እቲ ሕሱም ኰይኑ ዚቐርብ ገጸ-ባህርይ “ኢዱ ዚረኽበሉ” እዋን ብሃንቀውታ እዮም ዚጽበዩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ በቲ ጅግና እዩ ዚቕተል።

6 ከምዚ ዝኣመሰለ ፕሮፓጋንዳ፡ መገድታት ኣምላኽ ኣይኰነን ዜተባብዕ፣ የግዳስ፡ “መንፈስ ዓለም”ን መንፈስ እቲ ቝጡዕ ገዛኢኣ ዝዀነ ሰይጣንን እዩ ዜስፋሕፍሕ። (1 ቈረ. 2:12፣ ኤፌ. 2:2፣ ራእ. 12:12) እዚ መንፈስ እዚ ንዘይፍጹም ስጋ ዜርዊ እዩ፣ ምስ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስን ምስ ፍሪኡን ድማ ምሉእ ብምሉእ ይጻረር እዩ። እወ፡ ዜቘጥዕ ነገር ኬጋጥመካ ኸሎ ሕነ ምፍዳይ፡ ምስ መሰረታዊ ትምህርቲ ክርስትና ዚጋጮ እዩ። (ማቴዎስ 5:39, 44, 45 ኣንብብ።) ከመይ ጌርና ደኣ ኢና ንትምህርትታት የሱስ ብዝያዳ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ እንኽእል፧

ጽቡቕን ሕማቕን ኣብነታት

7. ስምኦንን ሌዊን ንቝጥዓኦም ብዘይምቍጽጻሮም እንታይ ኣጋጠመ፧

7 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቍጥዓ ብዛዕባ ምቍጽጻር ኣኺሉ ዚተርፍ ምኽሪ ይህበና እዩ፣ ቍጥዓና ኣብ እንቈጻጸረሉን ኣብ ዘይንቈጻጸረሉን እዋን እንታይ ኬጋጥመና ኸም ዚኽእል እውን ግብራዊ ኣብነታት ሒዙልና ኣሎ። ንኣብነት፡ እቶም ስምኦንን ሌዊን ዚበሃሉ ደቂ ያእቆብ፡ ነቲ ንሓብቶም ዲና ዝዓመጻ ሴኬም ሕነ ኣብ ዝፈደዩሉ እዋን ዘጋጠመ ነገር እሞ ንውሰድ። ፈለማ፡ “ጕህዮም ኣዝዮም ተናደዱ።” (ዘፍ. 34:7) ድሕሪኡ፡ ደቂ ያእቆብ ኣብ ልዕሊ ኸተማ ሴኬም መጥቃዕቲ ፈነዉ፡ ነታ ኸተማ ዘመትዋ፡ ኣንስትን ሕጻናትን ድማ ማረኹ። ከምኡ ዝገበሩ፡ ምእንቲ ሓብቶም ዲና ጥራይ ኢሎም ዘይኰኑስ፡ ክብሮም እተተንከፈ ኰይኑ ስለ እተሰምዖም ኪኸውን ኣለዎ። ሴኬም ንዓታቶምን ንኣቦኦም ያእቆብን ዘዋረደ ዀይኑ ተሰምዖም። ያእቆብ ግን ብዛዕባ እቲ ተግባሮም ከመይ ተሰምዖ፧

8. ብዛዕባ ስምኦንን ሌዊን ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ሕነ ብዛዕባ ምፍዳይ እንታይ እዩ ዚሕብረና፧

8 ያእቆብ በቲ ንዲና ዘጋጠማ ዜሕዝን ነገር ብዙሕ ጕህዩ ኪኸውን ኣለዎ፣ ኰይኑ ግን፡ ነቲ ደቁ ሕነ ንምፍዳይ ዝወሰድዎ ስጕምቲ ዀኒንዎ እዩ። ስምኦንን ሌዊን፡ “ኣብ ሓብትናዶ ደኣ ኸም ኣብ ኣመንዝራ ኺግበር እዩ፧” ብምባል፡ ነቲ ተግባሮም መመኽነይታ ኬቕርቡ ፈተኑ። (ዘፍ. 34:31) ኰይኑ ግን፡ የሆዋ በቲ ነገር እቲ ስለ ዘይተሓጐሰ፡ እቲ ጕዳይ በዚ ኣየብቅዐን። ስምኦንን ሌዊን ብቝጥዓ ተላዒሎም ዓመጻ ዝመልኦ ተግባር ብምግባሮም፡ ዘርኦም ኣብ ነገዳት እስራኤል ፋሕ ከም ዚብሉ፡ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ያእቆብ ተነበየ። (ዘፍጥረት 49:5-7 ኣንብብ።) እወ፡ እቲ ኻብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ቝጥዓኦም፡ ሞገስ ኣምላኽን ሞገስ ኣቦኦምን ከም ዚስእኑ ገይርዎም እዩ።

9. ዳዊት ተቘጢዑ ስጕምቲ ኺወስድ ቍሩብ ተሪፍዎ ዝነበረ መዓስ እዩ፧

9 ንጉስ ዳዊት ዝወሰዶ ስጕምቲ ግን ካብዚ እተፈልየ እዩ ነይሩ። ሕነ ንኺፈዲ ብዙሕ ኣጋጣሚታት እኳ እንተ ረኸበ፡ ሕነ ግን ኣይፈደየን። (1 ሳሙ. 24:4-8) ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ግን፡ ተቘጢዑ ስጕምቲ ንኺወስድ ቍሩብ ተሪፍዎ ነበረ። ዳዊትን ሰቡን ንመጓሰን ንጓሶትን ናባል ይከላኸሉሎም እኳ እንተ ነበሩ፡ ናባል ግን ነቶም ዳዊት ዝለኣኾም ሰባት ሕማቕ ተዛረቦም። ዳዊት በቲ ኣብ ልዕሊ ሰቡ ዝወረደ ግፍዒ ስለ እተቘጥዐ እዩ ዚኸውን፡ ሕነ ኺፈዲ ተላዕለ። ንሱን ሰቡን ኣብ ልዕሊ ናባልን ቤቱን መጥቃዕቲ ኺፍንዉ እናተጓዕዙ ኸለዉ፡ ሓደ ጐበዝ ነታ መስተውዓሊት ሰበይቲ ናባል ዝነበረት ኣቢጋይል ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ነገራት ነጊሩ፡ ስጕምቲ ኽትወስድ ተማሕጸና። ኣቢጋይል ብኡንብኡ ብዙሕ ህያባት ሒዛ ንዳዊት ክትረኽቦ ወጸት። ስለቲ ድርቅና ናባል ብትሕትና ይቕረታ ሓተተት፡ ንዳዊት ድማ ምእንቲ እቲ ንኣምላኽ ዘለዎ ፍርሃት ኢሉ ኻብቲ ዚሓሰቦ ኺምለስ ለመነቶ። ዳዊት ናብ ልቡ ተመልሰ፣ ንኣቢጋይል ከኣ፡ “ኣብ ደም ካብ ምእታው፡ ሎሚ መዓልቲ ዝኸልከልክኒ ብርኽቲ ኹኒ” በላ።—1 ሳሙ. 25:2-35

ክርስትያናዊ ኣረኣእያ

10. ክርስትያናት ብዛዕባ ምፍዳይ ሕነ እንታይ ኣረኣእያ ኺህልዎም ኣለዎ፧

10 ስምኦንን ሌዊን ዝወሰድዎ ስጕምቲ ዀነ ዳዊትን ኣቢጋይልን ዝገበርዎ ተግባር፡ የሆዋ፡ ልጓም ንዘይተገብረሉ ቝጥዓን ዓመጻን ከም ዚጻረርን ሰላም ንምስፋን ንዚግበር ጻዕሪ ኸም ዚባርኽን ብዘየማትእ መገዲ ይሕብረና እዩ። ብዛዕባ እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ በለ፦ “ዚከአል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይ፤ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮ። እዚ ብምግባርካ ጕሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዐር።”—ሮሜ 12:18-21 a

11. ሓንቲ ሓብቲ ቝጥዓኣ ኽትቈጻጸር ከም ዘለዋ ብኸመይ ተማህረት፧

11 ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ሓንቲ ሓብቲ ብዛዕባ ሓዳስ ኣካያዲት ስራሓ ዘለዋ መረረት፡ ንሓደ ሽማግለ ነገረቶ። ሕስምትን ርግምትን ከም ዝዀነት ገይራ ገለጸታ። ብኣኣ ተቘጢዓ ስለ ዝነበረት፡ ነቲ ስራሕ ክትሓድጎ ደለየት። እቲ ሽማግለ ግን፡ ተሃዊኻ ዋላ ሓንቲ ስጕምቲ ኸይትወስድ ተማሕጸና። እታ ሓብቲ ነቲ እታ ኣካያዲት ስራሕ ዝገበረቶ ሕማቕ ተግባር ብቝጥዓ ምላሽ ብምሃባ፡ ነቲ ዅነታት ከም ዘጋደዶ ኣስተውዓለ። (ቲቶ. 3:1-3) ውዒላ ሓዲራ ኻልእ ስራሕ እንተ ረኸበት እውን፡ ኣብቲ ንሕሰም እትህቦ ምላሽ ለውጢ ኽትገብር ከም ዜድልያ ሓበራ። ከምቲ የሱስ ዝመሃሮን ዝገበሮን፡ ነታ ኣካያዲት ስራሕ ከምቲ ንሳ ኺግበረላ እትደልዮ ገይራ ኽትሕዛ መዓዳ። (ሉቃስ 6:31 ኣንብብ።) እታ ሓብቲ ነዚ ኽትፍትኖ ተሰማምዐት። እዚኸ እንታይ ኣፍረየላ፧ ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ ኣረኣእያ እታ ኣካያዲት ስራሕ ለስለሰ፡ ነታ ሓብቲ እውን በቲ ስራሓ ኣመስገነታ።

12. ኣብ መንጎ ክርስትያናት ዜጋጥም ዘይምርድዳኣት ብዝያዳ ጐዳኢ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

12 ምስ ሓደ ኣባል ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘይኰነ ሰብ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ ኣየሰምብደናን ይኸውን። ስርዓት ሰይጣን መብዛሕትኡ ግዜ ዘይፍትሓዊ ምዃኑን ገበርቲ እከይ ከየቘጥዑና ቓልሲ ኽንገብር ከም ዘሎናን ንፈልጥ ኢና። (መዝ. 37:1-11፣ መክ. 8:12, 13፣ 12:13, 14) ምስ መንፈሳዊ ሓውና ወይ ሓብትና ኸምዚ ዓይነት ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ ግን፡ ዝያዳ ኺጐድኣና ይኽእል እዩ። ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ፡ “ናብ ሓቂ ኣብ ዝመጻእኩሉ እዋን ካብ ኵሉ ዝዓበየ ዕንቅፋት ኰይኑኒ ዝነበረ ነገር፡ ዘይፍጽምና ህዝቢ የሆዋ ምቕባል እዩ” በለት። ካብታ ፍቕሪ ዘይብላን ሕስምትን ዓለም ምስ ወጻእና፡ ኵሎም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት ንሓድሕዶም ብሕያውነት ኪተሓሓዙ ኢና ተስፋ እንገብር። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ሓደ ክርስትያን ብጻይና፡ ብፍላይ ከኣ ሓደ ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ዘለዎ ክርስትያን፡ ዘይሓሊ እንተ ዀይኑ ወይ ዘይክርስትያናዊ ተግባር እንተ ገይሩ፡ ክንጕዳእ ወይ ክንቍጣዕ ንኽእል ኢና። ‘ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ኸመይ ጌርካ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገር ይግበር፧’ ኢልና ንሓስብ ንኸውን። ከም ሓቂ ግን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት፡ ኣብ መንጎ እቶም ብግዜ ሃዋርያት ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት እውን የጋጥም ነይሩ እዩ። (ገላ. 2:11-14፣ 5:15፣ ያእ. 3:14, 15) ከምኡ ኼጋጥመና ኸሎ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

13. ንዜጋጥመና ዘይምርድዳኣት ንምፍታሕ ክንዓዪ ዘሎና ስለምንታይን ብኸመይን ኢና፧

13 እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሓብቲ፡ “ምእንቲ ዝዀነ ይኹን ዚጐድኣኒ ሰብ ምጽላይ ተማሂረ እየ። ከምኡ ምግባር ወትሩ ሓጋዚ እዩ” በለት። ኣቐዲምና ኸም ዘንበብናዮ፡ የሱስ፡ ስለቶም ዚሰጉና ኽንጽሊ ምሂሩና እዩ። (ማቴ. 5:44, 45) ንመንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ግዳ ኽንደይ ኣብዚሕና ኽንጽልየሎም ዘይግባኣና፧ ከምቲ ኣቦ ንውሉዳቱ፡ ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ ዚደልዮም፡ የሆዋ ኸኣ ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ኣገልገልቱ ኺሳነዩ እዩ ዚደልዮም። ነቲ ብሰላምን ብሓጐስን ንዘለኣለም እንነብረሉ እዋን ብሃንቀውታ ኢና እንጽበዮ፡ የሆዋ ድማ ሕጂ ኸምኡ ኽንገብር ይምህረና ኣሎ። ነቲ ዓብዪ ዕዮኡ ተሓባቢርና ኽንዓዪ ይደልየና እዩ። ስለዚ፡ ጸገማት እናፈታሕና ወይ በደል ‘እናሓለፍና’ ብሓባር ንገስግስ። (ምሳሌ 19:11 ኣንብብ።) ጸገማት ኪለዓል ከሎ፡ ካብ ኣሕዋትና ኣብ ክንዲ እንርሕቕ፡ ካብ ህዝቢ ኣምላኽ ከይተፈለና ንሓድሕድና ኽንደጋገፍ ኣሎና፣ በዚ ኸምዚ፡ ካብተን “ዘለኣለማውያን ቀላጽም” የሆዋ ኣይንወጽእን።—ዘዳ. 33:27

ንዅሉ ለዋህ ምዃን፡ ጽቡቕ ፍረ የምጽእ

14. ነቲ ፈላላዪ ጽልዋ ሰይጣን ብኸመይ ክንቃለሶ ንኽእል፧

14 ሰይጣንን ኣጋንንቱን፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይዝርጋሕ፡ ንሕጉሳት ስድራ ቤታትን ጉባኤታትን ኬፍርሱ ኣበርቲዖም ይጽዕሩ እዮም። ውሽጣዊ ምፍልላይ ኣዝዩ ዘራጊ ኸም ዝዀነ ስለ ዚፈልጡ፡ ዘይምስምማዕ ንምዝራእ ሒዅ ይብሉ እዮም። (ማቴ. 12:25) ምስቲ እኩይ ጽልዋኦም ክንቃለስ ከለና፡ ነቲ ጳውሎስ፡ “ባርያ እግዚኣብሄር ንዅሉ ለዋህ . . . ኪኸውን እምበር፡ ኪብአስ ኣይግብኦን እዩ” ኢሉ ዝሃቦ ምኽሪ ንስዕቦ ኢና። (2 ጢሞ. 2:24) ቅልስና ‘ምስ መናፍስቲ እከይ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ከም ዘይኰነ’ ኣይንረስዕ። ኣብዚ ቓልሲ እዚ ዕዉታት ምእንቲ ኽንከውን፡ “ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላው” ዜጠቓልል መንፈሳዊ ኣጽዋር ክንጥቀም ኣሎና።—ኤፌ. 6:12-18

15. ካብ ጉባኤ ወጻኢ መጥቃዕቲ ኺመጸና ኸሎ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

15 ካብ ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ጸላእቲ የሆዋ፡ ኣብቶም ሰላማውያን ህዝቢ የሆዋ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ይፍንዉ እዮም። ገሊኣቶም ጸላእቲ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣካላዊ መጥቃዕቲ የውርዱ እዮም። ገሊኣቶም ከኣ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ወይ ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ የጸልሙና እዮም። የሱስ ንሰዓብቱ፡ ከምኡ ኺጽበዩ ነጊርዎም እዩ። (ማቴ. 5:11, 12) እሞኸ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ብቓል ኰነ ብግብሪ፡ “ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ” ክንፈዲ የብልናን።—ሮሜ 12:17፣ 1 ጴጥሮስ 3:16 ኣንብብ።

16, 17. ሓንቲ ጉባኤ እንታይ ፈታኒ ዅነታት እዩ ኣጋጢምዋ፧

16 ድያብሎስ ዘምጽአ እኳ እንተ ኣምጽአ፡ ‘ነቲ እከይ ብሰናይ ጌርና ብምስዓር፡’ ጽቡቕ ምስክርነት ክንህብ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ሓንቲ ኣብ ደሴት ፓሲፊክ እትርከብ ጉባኤ ንበዓል ዝኽሪ ዚኸውን ኣዳራሽ ተኻረየት። ኣብታ ደሴት ዚርከቡ መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን ነዚ ምስ ፈለጡ፡ ንምእመናኖም ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ዚበዓለሉ ሰዓት፡ ኣብቲ ኣዳራሽ እቲ ኺእከቡ ነገርዎም። እቲ ኣዛዚ ፖሊስ ግን ነቶም መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን፡ ኣብቲ ሰዓት እቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪለቁሎም ኣዘዞም። ይኹን እምበር፡ እቲ ሰዓት ምስ ኣኸለ፡ እቲ ኣዳራሽ በቶም ኣባላት እታ ቤተ ክርስትያን መልአ፡ ኣኼባኦም እውን ጀመሩ።

17 ፖሊስ ነቶም ምእመናን ብሓይሊ ኼውጽኦም ኪዳሎ ኸሎ፡ እቲ ፕረዚደንት ቤተ-ክርስትያን ናብ ሓደ ኻብ ሽማግለታትና ቐሪቡ፡ “ነዛ ምሸት እዚኣ ዝመደብኩምዎ ፍሉይ ነገር ኣሎኩም ድዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ሓው ብዛዕባ በዓል ዝኽሪ ምስ ነገሮ፡ “እዋእ፡ ኣነ ደኣ ዘይፈለጥኩ!” ኢሉ መለሰሉ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓደ ወተሃደር ፖሊስ፡ “ሎሚ ንግሆ ደይኰንናን ዝነገርናካ፧” ኢሉ ተዛረቦ። እቲ መራሕ ቤተ-ክርስትያን ናብቲ ሽማግለ ግልጽ ኢሉ፡ ብተንኰል ፍሽኽ እናበለ፡ “ሕጂ እንታይ ኢኹም ክትገብሩ፧ ኣዳራሽ ምሉእ ሰባት ኣለዉና። ብፖሊስ ጌርኩም ዲኹም ከተስጕጉና፧” በሎ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰጐጕቲ ኸም ዚመስሉ ንኺገብር ኢሉ እዩ ውዲት ኣሊሙ ነይሩ። እሞኸ ኣሕዋትና እንታይ ገበሩ፧

18. እቶም ኣሕዋት ነቲ ዘጋጠሞም ጸገም ብኸመይ ፈትሕዎ፧ እንታይ ፍረኸ ተረኽበ፧

18 እቶም ኣሕዋት፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ንፍርቂ ሰዓት ዚኸውን ኣኼባ ምስ ገበረት፡ ንሳቶም በዓል ዝኽሪ ኼብዕሉ ሓሳብ ኣቕረቡ። ኣኼባ እታ ቤተ-ክርስትያን ካብቲ እተመደበሉ ሰዓት እኳ እንተ ኣሕለፈ፡ እቶም ምእመናን ብምሉኦም ድሕሪ ምውጻኦም ግን በዓል ዝኽሪ ተገብረ። ንጽብሒቱ፡ መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ መርመራ እትገብር ኮሚተ ኣቘመ። እቲ ኮሚተ ነቲ ጕዳይ ምስ መርመረ፡ ምንጪ እቲ ጸገም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑስ፡ ፕረዚደንት እታ ቤተ-ክርስትያን ምዃኑ ስለ እተረጋገጸ፡ ነታ ቤተ-ክርስትያን ነዚ ኽትገልጽ ኣገደዳ። ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ፡ ነቲ ኣጸጋሚ ዅነታት ብዓቕሊ ስለ ዝፈትሕዎ ኣመስገኖም። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ‘ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ኪነብሩ’ ዝገበርዎ ጻዕሪ፡ ጽቡቕ ፍረ ኣፍረየ።

19. ሰላማዊ ርክባት ከም ዚህልወና ዚገብር እንታይ ካልእ ነገር ኣሎ፧

19 ምስ ካልኦት ብሰላም ንኽንመላለስ ዜኽእለና ኻልእ ኣገዳሲ ነገር፡ ጸጋ ዝመልኦ ዘረባ እዩ። እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ጸጋ ዝመልኦ ዘረባ እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ከነማዕብሎን ክንጥቀመሉን ከም እንኽእልን ትገልጽና እያ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a “ጕሁር ሓዊ” ነቲ ንዘይተጻረየ ብረት ብልዕሊኡን ብትሕቲኡን ጓህሪ ብምግባር ንምጽራይ ዚግበር ዝነበረ ጥንታዊ ሜላ እዩ ዜመልክት። እቲ ንሕሱማት ሰባት እንገብረሎም ሕያውነት፡ ንኣረኣእያኦም ኬለስልሶን ነቲ ጽቡቕ ባህርያቶም ኬውጽኦን ይኽእል እዩ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ሎሚ ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ኣመና ቝጡዓት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

• ቍጥዓ ምቍጽጻር ወይ ዘይምቍጽጻር ብዛዕባ ዜስዕቦ ሳዕቤን ዚገልጽ እንታይ ኣብነታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ፧

• ክርስትያን ብጻይና እንተ ጐዲኡና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

• ካብ ጉባኤ ወጻኢ መጥቃዕቲ ኺመጸና ኸሎ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ስምኦንን ሌዊን ቍጥዓኦም ኣይተቘጻጸሩን

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ለውሃት ንኣረኣእያ ሰባት ኬለስልስ ይኽእል