ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብፍቕሪ ዝሓበሩ ጸብጻብ ዓመታዊ ኣኼባ

ብፍቕሪ ዝሓበሩ ጸብጻብ ዓመታዊ ኣኼባ

ብፍቕሪ ዝሓበሩ ጸብጻብ ዓመታዊ ኣኼባ

እቶም ኣብ ጀርሲ ሲቲ፡ ኒው ጀርሲ፡ ሕ.መ.ኣ. ኣብ ዚርከብ መአከቢ ኣዳራሽ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣዝዮም ተሓጒሶም ነበሩ። ኣብቲ ንግሆ 3 ጥቅምቲ 2009 እተኻየደ መበል 125 ዓመታዊ ኣኼባ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ፡ ልዕሊ 5,000 ተኣከብቲ ነበሩ። ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ሰለስተ ህንጻታት ቤትኤል ዚነብሩ ዀኑ እቶም ኣብ ካናዳ ዚርከቡ ስድራ ቤትኤል፡ ነቲ መደብ ብኣውድዮ ይኹን ብቪድዮ ተኸታቲሎምዎ እዮም። ብድምር 13,235 ዝዀኑ ንየሆዋ ብዘለዎም ፍቕሪ ዝሓበሩ ክርስትያናት፡ ኣብቲ ሰለስተ ሰዓት ዝወሰደ ኣኼባ ተሓጒሶም ተኻፈሉ።

ኣቦ መንበር እቲ መደብ፡ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዜገልግል ጀፍሪ ጃክሰን እዩ ነይሩ። ነቶም ካብ ሓድሽ መጽሓፍ መዝሙር ኪዝምሩ እተዳለዉ ቤትኤላውያን ኣፋሊጡ ድማ ነቲ መደብ ከፈቶ። ነቶም መዘምራን ዚመርሖም ዝነበረ፡ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዜገልግል ደቪድ ስፕለይን እዩ ነይሩ፣ ሙዚቃ ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ብዛዕባ ዘለዎ ኣገዳስነት ከኣ ኣሕጽር ኣቢሉ ገለጸ። እቶም ተኣከብቲ፡ ሰለስተ ሓደስቲ መዝሙራት ኪዝምሩ ዕድመ ቐረበሎም፣ ፈለማ እቶም መዘምራን ዘመርወን፡ ድሕሪኡ ድማ እቶም መዘምራንን እቶም ተኣከብትን ብሓባር ኰይኖም ዘመሩ። እቲ መዝሙራት ብመዘምራን እተዘመረ፡ ነዚ ፍሉይ ኣኼባ ተባሂሉ ጥራይ እዩ፣ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ይኹን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ከምዚ ኺግበር የብሉን።

ጸብጻብ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር

ሓሙሽተ ኣባላት ኮሚተ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ናይቲ ዝመጹሉ ጨንፈር ጸብጻብ ኣቕረቡ። ከነት ሊትል፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ንሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ንካናዳን ዚኸውን መብዛሕትኡ መጽሔታት ኣብ ካናዳ ኺሕተም ከም ዚጅምር፡ እዚ ኸኣ ንፍርያት እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናብ ዓሰርተ ዕጽፊ ኽብ ከም ዜብሎ ሓበረ። ነዚ ዕዮ እዚ ንምፍጻም፡ ነታ ኣብ ቀረባ እዋን ዝመጸት ሓታሚት ማኪና ተጠቒምካ ኽልተ እብረ፡ ማለት ኣብ መዓልቲ 16 ሰዓታት ከም ዚስራሕ ገለጸ።

ረነር ቶምሰን ብዛዕባ እቲ ኣብ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ ዚግበር ዘሎ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ጸብጻብ ኣቕረበ፣ ኣልበርት ኦሊ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ናይጀርያ ዘሎ ንጥፈታት ገለጸ። ካብ ሞዛምቢክ ዝመጸ አሚል ክሪትሲንገር፡ ድሕሪ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝወረደ መስጐጕቲ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብ1992 ብወግዒ ኸም እተመዝገቡ ሓበረ። ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ሰለስቲአን እዘን ሃገራት እዚኣተን፡ ብቝጽሪ ኣስፋሕቲ ዝመጸ ብዙሕ ወሰኽ ኣርእየን እየን። ካብ ኣውስትራልያ ዝመጸ ቪቭ ሞርቲስ፡ ኣብታ ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣውስትራልያ እትመሓደር ምብራቕ ቲሞር ምዕባለታት ይርአ ኸም ዘሎ ገለጸ።

ኮሚተታት ኣመሓዳሪ ኣካል

ብ1976 ኵሉ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሽዱሽተ ኮሚተታት ኣመሓዳሪ ኣካል ኣተወ። ጸኒሑ ድማ ኣባላት ካልኦት ኣባጊዕ ኣብዚ ዕዮ እዚ ንኺሕግዙ ተሸሙ። ሕጂ ቝጽሪ እቶም ሓገዝቲ 23 በጺሑ ኣሎ። ሽዱሽተ ኻብዚኦም ድማ ቃለ-መጠይቕ ተገብረሎም። ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብድምር 341 ዓመት እዮም ኣሕሊፎም፣ ነፍሲ ወከፎም ብገምጋም 57 ዓመት ኣብ ኣገልግሎት ኣሕሊፎም ማለት እዩ።

ብ1943 ናብ ቤትኤል ዝኣተወ ዶን ኣዳምስ፡ ብዛዕባ እቲ ብኣተሓባባሪ ነፍሲ ወከፍ እቲ ዝተረፈ ሓሙሽተ ኮሚተታት ዝቘመ ኮሚተ ኣተሓባበርቲ ገለጸ፣ እዚ ኮሚተ እዚ፡ ሓሙሽቲኡ ኮሚተታት ብዘይ ጸገም ከም ዚዓዪ የረጋግጽ። ኣገዳሲ ህጹጽ ኵነታት፡ መስጐጕትታት፡ ጕዳያት ቤት ፍርዲ፡ ሓደጋታት፡ ከምኡውን ካልእ ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጸሉ ቕልጡፍ ፍታሕ ዜድልዮ ነገራት እውን ብሓላፍነት ይከታተል።

ዳን ሞለቻን ንዕዮ ኮሚተ ፐርሶነል ገለጸ። ነቶም ኣብ መላእ ምድሪ ዚርከቡ 19,851 ዝዀኑ ቤትኤላውያን ብስጋዊ ዀነ ብመንፈሳዊ ዜድልዮም ነገራት ናይ ምክትታል ሓላፍነት ከም ዘለዎ ድማ ሓበረ። ደቪድ ሲንክለር ድማ፡ ኮሚተ ሕትመት ነቲ ንኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ዚኸውን ናውቲ ናይ ምዕዳግ ዕዮ ብኸመይ ብሓላፍነት ከም ዚከታተሎ ገለጸ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ቤትኤል ዳርጋ ን60 ዓመት ዘገልገለ ሮበርት ዋለን፡ ኮሚተ ኣገልግሎት ነቲ ህዝቢ የሆዋ ኣብ ኣገልግሎት ወፍርን ኣብ ጉባኤታትን ዚገብርዎ ንጥፈታት ብኸመይ ከም ዚከታተሎ ሓበረ። ዊልያም ማለንፎንት እውን፡ ብዛዕባ እቲ ኮሚተ ትምህርቲ ንዓበይቲ ኣኼባታት ዚኸውን መደብ ንምውጻእ ዚገብሮ ጻዕሪ ኣሕጽር ኣቢሉ ገለጸ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ጆን ዊስቻክ፡ ኮሚተ ጽሕፈት፡ ጽሑፋትና ብጥንቃቐ ናይ ምድላውን ናይ ምምስራሕን ሓላፍነት ከም ዘለዎ ሓበረ። a

ኣብ ፍቕሪ ዘተኰረት ጥቕሲ ዓመት 2010

ስዒበን ዝቐረባ ሰለስተ መደረታት፡ ብኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል እየን ተዋሂበን። ገራት ሎሽ፡ “ካልኦት ከፍቅሩኹም ትደልዩዶ፧” ብዚብል ሕቶ ጀመረ። ሓደ ኻብቲ ንሰባት ዜድልዮም መሰረታዊ ነገራት፡ ፍቕሪ ኸም ዝዀነ፡ ኵልና ኸኣ ፍቕሪ ኽንረክብ ከለና ኸም እንሕጐስ ገለጸ። የሆዋ በታ ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ተደሪኹ ስለ ዝፈጠረና፡ ሳላ ፍቕሪ ኢና ናብ ህላወ መጺእና። ክንሰብኽን ክንምህርን ዚድርኸና ቐንዲ ምኽንያት ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ እዩ።

ኣብ መሰረታዊ ስርዓት እተመስረተት ፍቕሪ ንብጾትና ጥራይ ዘይኰነስ ንጸላእትና እውን ከነንጸባርቓ ኣሎና። (ማቴዎስ 5:43-45) እቶም ዕዱማት ነቲ የሱስ ምእንታና ኺብል ዘሕለፎ ነገራት ማለት ከም እተገርፈን ከም እተጸርፈን ጡፍ ከም እተባህለሉን ከም ዝቘሰለን ኪዝክሩ መተባብዒ ተዋህቦም። የሱስ እዚ ዅሉ እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ምእንቲ እቶም ዝሰቐልዎ ወተሃደራት ጸለየ። እዝስ ዝያዳ ንኸነፍቅሮ ዚድርኽዶ ኣይኰነን፧ ሓው ሎሽ ቀጺሉ፡ ጥቕሲ ዓመት 2010 ኣብ 1 ቈረንቶስ 13:7, 8 እተመስረተት ኰይና፡ ‘ፍቕሪ ኵሉ ትዕገስ። ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ’ ኸም እትብል ሓበረ። ተስፋና ንዘለኣለም ምንባር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዘለኣለም እናኣፍቀርናን እናተፈቐርናን ክንነብር እዩ።

ነዳዲ ትውድኡ ዲኹም ዘሎኹም፧

ሳሙኤል ሀርድ መደረኡ ብምሳሌ እዩ ጀሚሩ። ሓደ ፈታዊኻ ን50 ኪሎ ሜተር ብማኪና ምስኡ ኽትጐዓዝ ወሲዱካ ንበል። ምስኡ ኾፍ ኢልካ እናተጐዓዝካ ኸለኻ ግን፡ እታ ማኪና ነዳዲ ትውድእ ከም ዘላ ተስተብህል። ንፈታዊኻ ድማ እታ ማኪና ነዳዲ ትውድእ ከም ዘላ ትነግሮ። ንሱ ግን፡ ‘ኣይትሰከፍ፡ ኣብቲ መዕቘሪ 4 ሊትሮ ዚኸውን ነዳዲ ኣሎ’ ይብለካ። ነዊሕ ከይተጓዓዝኩም እቲ ነዳዲ ይውዳእ። ‘ነዳዲ ይውዳእ ከም ዘሎ’ እናፈለጥካ፡ ነዊሕ ጉዕዞ ኽትጐዓዝ ምሕሳብሲ ቕኑዕ ድዩ፧ መዕቘር ነዳዲኻ ምሉእ ኪኸውንሲ ክንደይ ዝሓሸ ዀን እዩ! ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ምሉእ ነዳዲ ሒዝና ኽንጐዓዝ፡ ማለት ብዛዕባ የሆዋ ዘሎና ፍልጠት ምሉእ ኰይኑ ይቕጽል ምህላዉ ኸነረጋግጽ ኣሎና።

ስለዚ፡ ምሉእ ነዳዲ ኽንሕዝ፡ ነዚ ድማ ኣዘውቲርና ኽንገብሮ ኣሎና። ነዚ ኽንገብረሉ እንኽእል ኣርባዕተ መገድታት ኣሎ። ቀዳማይ፡ ብሕታዊ መጽናዕቲ ምግባር፡ ማለት ንመጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ብምንባብ ኣጸቢቕና ምፍላጡ። ላዕለ ላዕሉ ምንባብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ዘንበብናዮ ኽንርድኦ ኣሎና። ካልኣይ፡ ናይ ስድራ ቤት ኣምልኾ ብግቡእ ምግባር። ኣብ ሰሰሙን ነቲ መዕቘሪና ንመልኦ ዲና ወይስ ሒደት ጥራይ ኢና እንሕዝ፧ ሳልሳይ፡ ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ምእካብ። ራብዓይ፡ ብዛዕባ መገድታት የሆዋ ህድእ ኢልካ ምስትንታን። መዝሙር 143:5፡ “ናይ ቀደም መዓልትታት እዝክር፡ ኵሉ ተግባርካ ኤስተንትን” ትብል።

‘ጻድቃን ኪበርሁ እዮም’

ጆን ባር ነታ የሱስ ብዛዕባ ስርናይን ክርዳድን ዝሃቦ ምስላ እትገልጽ ሳልሰይትን ናይ መወዳእታን መደረ ኣቕረበ። (ማቴ. 13:24-30, 38, 43) እታ ምስላ ን“ቀውዒ” ማለት፡ እቶም “ደቂ መንግስቲ” ዚእከብሉ፡ እቲ ኽርዳድ ድማ ተፈልዩ ብሓዊ ዚነደሉ እዋን ተመልክት።

ሓው ባር፡ እቲ ምእካብ ንሓዋሩ ዚቕጽል ከም ዘይኰነ ብንጹር ገለጸ። ንሱ ነታ ኣብ ማቴዎስ 24:34 እትርከብ፡ “እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ” እትብል ጥቕሲ ጠቐሰ። ነዚ ዚስዕብ ሓሳብ ከኣ ክልተ ግዜ ኣንበቦ፦ “የሱስ፡ ህይወት እቶም እቲ ትእምርቲ ብ1914 ኪገሃድ ምስ ጀመረ ዝነበሩ ቕቡኣት ቅድሚ ምዝዛሙ፡ ህይወት እቶም መጀመርታ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚርእዩ ኻልኦት ቅቡኣት ከም ዚጅምር እዩ ዚሕብር ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ።” ንውሓት እቲ “እዚ ወለዶ እዚ” ተባሂሉ ዘሎ ብልክዕ ዘይንፈልጦ እኳ እንተ ዀንና፡ ነዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣብ ሓደ እዋን ብሓባር ዚነብሩ ዝነበሩ ኽልተ ጕጅለ ቕቡኣት ዚሓቍፍ እዩ። እቶም ቅቡኣት ኣብ እተፈላለየ ዕድመ ዚርከቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ እቶም ነቲ ወለዶ ዜቝሙ ኽልተ ጕጅለ ኣብ ክፋል እተን ዳሕሮት መዓልትታት ብሓደ ዝነበሩሉ እዋን ነይሩ እዩ። እቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ጕጅለ ቕቡኣት—እዚኣቶም ምስቶም ነቲ ብ1914 ኪገሃድ ዝጀመረ ትእምርቲ ዘስተውዓሉ ብዕድመ ዝዓበዩ ጕጅለ ቕቡኣት ብሓደ ዝነበሩ እዮም—እቲ ብርቱዕ ጸበባ ቕድሚ ምጅማሩ ምድራዊ ህይወቶም ዘይውድኡ ምዃኖም ምፍላጥናስ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ!

እቶም “ደቂ መንግስቲ” ነቲ ሰማያዊ ዓስቦም ተሃንጥዮም ይጽበዩ፡ እንተ ዀነ ግን ኵላትና ብድምቀት እናበራህና ኽሳዕ መወዳእታ እሙናት ክንከውን ኣሎና። እቲ “ስርናይ” ኣብ ዚእከበሉ እዋን ምህላውናስ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ።

ድሕሪ እቲ ናይ መደምደምታ መዝሙር፡ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ቴዶር ጃራዝ ናይ መደምደምታ ጸሎት ኣቕረበ። እቲ ዓመታዊ ኣኼባሲ ኸመይ ዝበለ ሃናጺ መደብ ኰን እዩ ነይሩ!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ ዕዮ ሽዱሽተ ኮሚተታት ኣመሓዳሪ ኣካል ዝርዝር መግለጺ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ናይ 15 ግንቦት 2008 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 29 ርአ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን]

ቤት ትምህርቲ ሽማግለታት

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኣንቶኒ ሞሪስ፡ ንሽማግለታት ጉባኤ ቐጻሊ ስልጠና ኸም ዚህሉ፡ ኣብቲ ዓመታዊ ኣኼባ ሓበረ። ቤት ትምህርቲ ሽማግለታት፡ ነቶም ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዚመጹ ሽማግለታት ኣብ መጀመርታ 2008 ኣብቲ ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ ዚርከብ ትምህርታዊ ማእከል እዩ ስልጠና ኺህብ ጀሚሩ። መበል 72 ክፍሊ ኣብዚ ቐረባ እዋን እዩ ተዛዚሙ፣ ክሳዕ ሕጂ ድማ 6,720 ዝዀኑ ሽማግለታት ሰልጢኖም ኣለዉ። ገና ግን ብዙሕ እዩ ዚተርፍ። ከመይሲ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ጥራይ ልዕሊ 86,000 ሽማግለታት እዮም ዘለዉ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ካብ 7 ታሕሳስ 2009 ጀሚሩ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ተወሳኺ ቤት ትምህርቲ ኺህሉ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣጽደቐ።

ኣርባዕተ ገየሽቲ ሓለውቲ መምህራን ንኪዀኑ ንኽልተ ወርሒ ኣብ ፓተርሰን ንኺስልጥኑ ተመደበ። እዚኣቶም ንኺምህሩ ናብ ብሩክሊን ምስ ገዓዙ፡ ካልኦት ኣርባዕተ ኸኣ ይስልጥኑ። ንሳቶም እውን ንኺምህሩ ናብ ብሩክሊን ምስ ገዓዙ፡ እቶም ናይ መጀመርታ ኣርባዕተ ገየሽቲ ሓለውቲ፡ ኣብ መአከቢ ኣዳራሻትን ኣብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ኪምህሩ ይጅምሩ። እዚ መስርሕ እዚ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ሽዱሽተ ኣብያተ ትምህርቲ ብእንግሊዝኛ ዚምህሩ 12 መምህራን ክሳዕ ዚስልጥኑ ንኺቕጽል እዩ ተመዲቡ። ድሕሪኡ፡ ብስጳንኛ ዚምህሩ ኣርባዕተ መምህራን ኪስልጥኑ ተመደበ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ነቲ ሕጂ ዘሎ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ዚትክእ ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ንመንፈሳውነት ሽማግለታት ክብ ንምባል ዝዓለመ እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ፡ ካብ ዓመት ኣገልግሎት 2011 ኣትሒዙ፡ ኣብ መላእ ምድሪ ኣብ ዘለዋ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ኣብ ዚርከብ መአከቢ ኣዳራሻትን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ኪወሃብ እዩ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ዓመታዊ ኣኼባ፡ ካብታ “ንየሆዋ ዘምሩሉ” ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ መዝሙር ብምዝማር ተጀመረ