ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነታ ጉባኤ ህነጻ

ነታ ጉባኤ ህነጻ

ነታ ጉባኤ ህነጻ

“ንሓድሕድኩም ተማዓዐዱ እሞ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይህነጾ።” —1 ተሰ. 5:11

1. ኣባል ክርስትያናዊት ጉባኤ ምዃን እንታይ በረኸት የምጽእ፧ እንታይ እዩ ግን ኬጋጥመና ዚኽእል፧

 ኣባል ክርስትያናዊት ጉባኤ ምዃን፡ ብሓቂ ዓብዪ በረኸት እዩ። ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ኣሎካ። መምርሒ ንምርካብ ኣብ ቃሉ ስለ እትውከል፡ ዘይክርስትያናዊ ናብራ ኻብ ዜምጽኦ ሕማቕ ሳዕቤናት የዕቍበካ እዩ። ንጥቕምኻ ብዚሓስቡ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ኢኻ ተኸቢብካ ዘለኻ። እወ፡ እቲ በረኸት ዘርዚርካ ዚውዳእ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ሓያሎክርስትያናት ምስ እተፈላለየ ጸገማት ይቃለሱ እዮም። ገለ ኻባታቶም ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ዓሚቝ ነገራት ንኺርድእዎ ሓገዝ የድልዮም ይኸውን። ገሊኦም ከኣ ይሓሙ ወይ ይጭነቑ ወይ ከኣ ሳዕቤን እቲ ዘይጥበባዊ ውሳነታቶም ይዓጽዱ ይህልዉ ይዀኑ። ኵልና ድማ ኣብዛ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና።

2. ኣሕዋትና ኺጽገሙ ኸለዉ እንታይ ምላሽ ኢና ኽንህብ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

2 ክርስትያናት ብጾትና ኺሳቐዩ ወይ ኪቃለሱ ኸለዉ ምርኣይ ኣየሐጕሰናን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነታ ጉባኤ ምስ ኣካል ብምምስሳል፡ “ሓደ ኣካል እንተ ተሰቀየ፡ ኵሉ ኣካላት ይስቀ” በለ። (1 ቈረ. 12:12, 26) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንድግፎም ኣሎና። ኣባላት ጉባኤ ንብጾቶም ክርስትያናት ጸገማቶም ንኺዋጽኡሉ ኸም ዝሓገዝዎም ዚገልጽ ሓያሎ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ። ቀጺልና ነዚ ጸብጻባት እዚ ኽንምርምሮ ኸለና፡ ንስኻ እውን ብኸመይ ንኻልኦት ክትሕግዞም ከም እትኽእል ሕሰብ። ንኣሕዋትካ ብመንፈሳዊ መዳይ ብምሕጋዝ ንጉባኤ የሆዋ ኽትሃንጻ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

‘ወሰድዎ’

3, 4. ጵርስኪላን ኣኪላስን ንኣጵሎስ ዝሓገዝዎ ብኸመይ እዮም፧

3 ኣጵሎስ ኣብ ኤፌሶን ኪነብር ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ቀናእ ወንጌላዊ እዩ ነይሩ። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዚርከብ ጸብጻብ ብዛዕባኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ጥምቀት ዮሃንስ ጥራይ ክነሱ ዚፈልጥሲ፡ ብመንፈስ ሞይቁ ብዛዕባ ናይ የሱስ ይነግር ኣጸቢቑውን ይምህር ነበረ” ይብል። ኣጵሎስ ነቲ “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን” ዚግበር ጥምቀት ዘይፈልጦ ምንባሩ፡ ቅድሚ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ መጥምቕ ወይ ከኣ ሰዓብቲ ክርስቶስ ከም ዝመስከሩሉ ዚሕብር እዩ። ቅንኣት ዝመልኦ ሰብ እኳ እንተ ነበረ፡ ፍልጠቱ ግን ገና ምሉእ ኣይኰነን ነይሩ። እሞኸ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ምሕባሩ ብኸመይ ሓጊዝዎ፧—ግብ. 1:4, 5፣ 18:25፣ ማቴ. 28:19

4 ጵርስኪላን ኣኪላስን ዝስሞም ክርስትያን ሰብ ሓዳር፡ ኣጵሎስ ኣብ ቤት ጸሎት ብትብዓት ኪዛረብ ከሎ ምስ ሰምዕዎ፡ ወሲዶም ዝያዳ መሃርዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 18:24-26 ኣንብብ።) ከመይ ዝበለ ፍቕሪ ዝመልኦ ተግባር ኰን እዩ! ጵርስኪላን ኣኪላስን ንኣጵሎስ ይነቕፍዎ ኸም ዘለዉ ዀይኑ ምእንቲ ኸይስምዖ፡ ብሜላ ቐሪቦም ከም ዝሓገዝዎ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ብዛዕባ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚገልጽ ታሪኽ ጥራይ እዩ ዘይፈልጥ ነይሩ። ኣጵሎስ እውን እንተ ዀነ፡ እዞም ሓደስቲ ፈተውቱ ነዚ ኣገዳሲ ዝርዝር ነጥብታት ስለ ዘካፈልዎ ኸም ዘመስገነ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ነዚ ሓበሬታ እዚ ሒዙ ድማ፡ ነቶም ኣብ ኣካይያ ዝነበሩ ኣሕዋት “ብዙሕ ጠቐሞም፣” ሓያል ምስክርነት ከኣ ሃበ።—ግብ. 18:27, 28

5. ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ፍቕራዊ ሓገዝ እዮም ዚህቡ፧ እዚኸ እንታይ ውጽኢት ኣለዎ፧

5 ኣብዛ ሎሚ ዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ነቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪርድእዎ ዝሓገዝዎም ኣዝዮም የመስግንዎም እዮም። ተመሃሮን መምህራንን መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ንሓድሕዶም ድልዱል ዕርክነት መስሪቶም እዮም። መብዛሕትኡ እዋን፡ ሰባት ንሓቂ ምእንቲ ኺርድእዋ ምሕጋዞም፡ መደብ ኣውጺእካ ንሓያሎ ኣዋርሕ ብተደጋጋሚ ምዝርራብ ዚሓትት እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ እዚ ዝርርብ እዚ ናይ ህይወትን ሞትን ጕዳይ ከም ዝዀነ ስለ ዚፈልጡ፡ መስዋእቲ ኺገብሩ ፍቓደኛታት እዮም። (ዮሃ. 17:3) ሰባት ነታ ሓቂ ተረዲኦም ምስኣ ተሰማሚዖም ኪነብሩን ንህይወቶም ፍቓድ የሆዋ ኣብ ምፍጻም ኪጥቀሙላን ከለዉ ምርኣይሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ!

‘ጽቡቕ መስኪሮምሉ ነበሩ’

6, 7. (ሀ) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ መገላግልቱ ኪኸውን ዝመረጾ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ጢሞቴዎስ ዕቤት ንኺገብር እንታይ ሓገዝ እዩ ረኺቡ፧

6 ሃዋርያ ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ናብ ልስጥራ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን፡ ምስቲ ኣብ መወዳእታ ዕድመ ዀተቴ ወይ ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድሜኡ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል ጢሞቴዎስ ዝስሙ መንእሰይ ተራኸቡ። “እቶም ኣብ ልስጥራን ኣብ ኢቆንዩምን ዘለዉ ኣሕዋት ጽቡቕ መስኪሮምሉ ነ[በ]ሩ።” ኤውንቄ ኣዲኡን ሎኢስ ዓባዩን ርእሰን ዝወፈያ ክርስትያናት እኳ እንተ ነበራ፡ ኣቦኡ ግን ዘይኣማኒ እዩ ነይሩ። (2 ጢሞ. 1:5) ጳውሎስ ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት ናብቲ ኸባቢ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ምስዛ ስድራ ቤት እዚኣ ተፋሊጡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሕጂ ግን ጢሞቴዎስ ንፉዕ መንእሰይ ኰይኑ ስለ ዝጸንሖ፡ ፍሉይ ቈላሕታ ገበረሉ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ኣካል ሽማግለታት ምስ ተሰማምዐ፡ ጢሞቴዎስ ንጳውሎስ ኣብ ሚስዮናዊ ንጥፈታቱ ኺሕግዞ ጀመረ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:1-3 ኣንብብ።

7 ጢሞቴዎስ ካብዚ ብዕድመ ዚዓብዮ ብጻዩ ዚመሃሮ ብዙሕ ነገራት ነበሮ። ተማሂሩ ድማ እዩ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ኣብ ክንዳኡ ዀይኑ ንጉባኤታት ኪበጽሕ ብምትእምማን ዚልእኮ ዝነበረ ዕቤት ስለ ዝገበረ እዩ። ኣብቲ ጢሞቴዎስን ጳውሎስን ዘሕለፍዎ ዳርጋ 15 ዚኸውን ዓመታት፡ እቲ ተመክሮ ዘይነበሮ፡ ምናልባት እውን ሓፋር ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል መንእሰይ፡ ንፉዕ ሓላዊ ዀነ።—ፊል. 2:19-22፣ 1 ጢሞ. 1:3

8, 9. ኣባላት ጉባኤ ንመንእሰያት ኬተባብዕዎም እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ ኣብነት ሃብ።

8 ኣብታ ሎሚ ዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ መንእሰያት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ዓብዪ ተኽእሎ ኣለዎም። መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት እንተ ኣተባቢዖምዎም፡ እዞም መንእሰያት እዚኣቶም፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ዀይኖም ናብ ዝዓበየ ሓላፍነታት ንኺመጣጠሩ ጻዕሪ ኺገብሩ እዮም። ኣብ ጉባኤኻ እስከ ኣስተብህል። ልክዕ ከም ጢሞቴዎስ ርእሱ ኬቕርብ ዚኽእል መንእሰይ ትፈልጥዶ፧ እንተ ሓጊዝካዮምን ኣተባቢዕካዮምን፡ ፈለምቲ፡ ቤትኤላውያን፡ ሚስዮናውያን፡ ወይ ገየሽቲ ሓለውቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ናብዚ ሸቶታት እዚ ንኺበጽሑ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧

9 ማርቲን ዝስሙ ኣብ ቤትኤል ኬገልግል ካብ ዚጅምር 20 ዓመት ዝገበረ ሓው፡ ነቲ ቕድሚ 30 ዓመት ሓደ ሓላው ወረዳ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኸለዉ ዘርኣዮ ተገዳስነት ኣይርስዖን እዩ። እቲ ሓላው ወረዳ ብዛዕባ እቲ መንእሰይ ከሎ ኣብ ቤትኤል ዚዓዮ ዝነበረ ዕዮ ብውዕዉዕ ስምዒት ይዛረብ ነበረ። ንማርቲን ድማ ኣብ ውድብ የሆዋ ሓላፍነት ንምስካም ድሉው ኪኸውን ኣተባብዖ። እዛ ዘይትርሳዕ ዝርርብ እዚኣ፡ ነቲ ማርቲን ጸኒሑ ዝገበሮ ምርጫ ጸለወቶ። መን ይፈልጥ፡ ንስኻ እውን ንመንእሰያት ብዛዕባ ቲኦክራስያዊ ሸቶታት ተዘራርቦም እንተ ዄንካ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ይርከብ ይኸውን።

‘ነቶም ሕልናኦም ዝዓረቦም ኣተባብዓዮም’

10. ኤጳፍሮዲጦስ እንታይ ተሰምዖ፧ ስለምንታይከ፧

10 ኤጳፍሮዲጦስ ነቲ ብምኽንያት እምነቱ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ ኪበጽሖ ኢሉ፡ ካብ ፊልጲ ናብ ሮሜ ነዊሕን ኣድካምን ጕዕዞ ተጓዕዘ። ልኡኽ ሰብ ፊልጲ እዩ ነይሩ። ነቲ ናብ ጳውሎስ እተላእከ ህያብ ኣብ ርእሲ ምሓዙ፡ ኣብቲ ኣጸጋሚ እዋናት ንጳውሎስ ብእተኻእለ መጠን ምእንቲ ኺሕግዞ ኣብኡ ኪቕኒ መደበ። ኰይኑ ግን፡ ኣብ ሮሜ ኸሎ “ሐሚሙስ ብሓቂ ንሞት ቀሪቡ” ነበረ። ተልእኾኡ ዘይፈጸመ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ ኸኣ፡ ኣዝዩ ተጨነቐ።—ፊል. 2:25-27

11. (ሀ) ገለ ኣባላት እታ ጉባኤ እንተ ተጨነቑ ኽንግረም ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ጳውሎስ ንኤጳፍሮዲጦስ እንታይ ኪግበረሉ እዩ ኣተባቢዑ፧

11 ሎሚ ሰባት ብእተፈላለየ ዓይነት ጸቕጢ ይጭነቑ እዮም። ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም እተረኽበ ስታቲስቲክስ ከም ዚሕብሮ፡ ካብ 5 ሰባት እቲ 1 ኣብ ህይወቱ ብጭንቀት ይሳቐ እዩ። ህዝቢ የሆዋ እውን እንተ ዀኑ፡ ካብዚ ኣየምልጡን እዮም። ንስድራ ቤትካ ኽትኣሊ ኸለኻ ዜጋጥም ጸገማት፡ ምስኣን ጥዕና፡ ብሰንኪ ድኽመት ዚስምዓካ ተስፋ ምቝራጽ፡ ወይ ከኣ ካልእ ረቛሒታት ኪደቝሰካ ይኽእል እዩ። ሰብ ፊልጲ ንኤጳፍሮዲጦስ ምእንቲ ኺሕግዝዎ እንታይ ኪገብሩ ምኸኣሉ፧ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ንሱ እቲ ኻባኻትኩም ዝጐደለኒ ኣገልግሎት ምእንቲ ኺምልእ፡ ነፍሱ ቐቢጹ ምእንቲ ዕዮ ክርስቶስ ክሳዕ ሞት ቀሪቡ ነይሩ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ሓጐስ ብጐይታ ተቐበልዎ፡ ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ኣኽብርዎም።”—ፊል. 2:29, 30

12. ነቶም እተጨነቑ ኼተባብዖም ዚኽእል እንታይ እዩ፧

12 ንሕና እውን ነቶም ተስፋ ዝቘረጹ ወይ ነቶም እተጨነቑ ኣሕዋትና ኸነተባብዖም ኣሎና። ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት ክንዛረቦ እንኽእል ኣወንታዊ ነጥብታት ከም ዘሎ ኣየጠራጥርን እዩ። ምናልባት ክርስትያናት ንኪዀኑ ወይ ከኣ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኺካፈሉ ኢሎም ዓብዪ ለውጢ ገይሮም ይዀኑ። ነዚ ጻዕሪ እዚ ነማስወሉ ኢና፡ የሆዋ ኸም ዘማስወሉ እውን ከነረጋግጸሎም ንኽእል ኢና። ገሊኦም እሙናት ኣሕዋትና ብሰንኪ ምድፋእ ዕድመ ወይ ምስኣን ጥዕና ኸምቲ ቕድሚኡ ዚገብርዎ ዝነበሩ ኺገብሩ ዘይኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብምኽንያት እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝገበርዎ ኣገልግሎት ኪኽበሩ ይግብኦም እዩ። እቲ ጕዳይ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ የሆዋ ንዅሎም እሙናት ኣገልገልቱ፡ ‘ነቶም ሕሊናኦም ዝዓረቦም ኬተባብዕዎም፥ ነቶም ድኹማት ኪድግፍዎም፥ ምስ ኵሎም ከኣ ዕጉሳት ኪዀኑ’ መኺርዎም ኣሎ።—1 ተሰ. 5:14 ትርጕም 1990።

“ይቕረ ደኣ በሉሉን ኣጸናንዕዎን”

13, 14. (ሀ) ጉባኤ ቈረንቶስ ከመይ ዝበለ ኸቢድ ስጕምቲ እያ ወሲዳ፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) እቲ ውገዳ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧

13 ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ቈረንቶስ፡ ሓደ ብምንዝር ዚመላለስ ዘይንሳሕ ሰብኣይ ነበረ። ኣኻይዳኡ ንንጽህና እታ ጉባኤ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ዘይኣመንቲ እውን እንተ ዀነ ዜሰንብድ እዩ ነይሩ። እቲ ሰብኣይ ካብታ ጉባኤ ንኺውገድ ጳውሎስ መምርሒ ኺህብ እምበኣር ሓቁ እዩ።—1 ቈረ. 5:1, 7, 11-13

14 እዚ ተግሳጽ እዚ ጽቡቕ ውጽኢት ነበሮ። እታ ጉባኤ ኻብ ሕማቕ ጽልዋ ዕቝባ ኣብ ርእሲ ምርካባ፡ እቲ ሓጢኣተኛ ናብ ልቡ ተመሊሱ ብሓቂ ተነስሐ። ጳውሎስ ድማ ናብታ ጉባኤ ኣብ ዝጸሓፋ ኻልአይቲ መልእኽቱ፡ እቲ ሰብኣይ ንንስሓ ዚግባእ ግብሪ ስለ ዘርኣየ፡ ናብታ ጉባኤ ኺምለስ ከም ዘለዎ ሓበረ። ኰይኑ ግን፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን ዜድሊ ነይሩ። ጳውሎስ፡ እቲ እተነስሐ ሓጢኣተኛ “ምናልባሽ ብብዝሒ ጓሂ ኸይውሐጥ፡ ይቕረ ደኣ በሉሉን ኣጸናንዕዎን” ኢሉ መምርሒ ሃበ።—2 ቈረንቶስ 2:5-8 ኣንብብ።

15. ነቶም ተነሲሖም ናብታ ጉባኤ እተመልሱ ኣበስቲ ብኸመይ ክንርእዮም ኣሎና፧

15 ካብዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኪውገዱ ኸለዉ የጕህየና እዩ። ንስም የሆዋ ኣሕሲሮምዎን ነታ ጉባኤ ኣዋሪዶምዋን ይዀኑ። ንዓና እውን እንተ ዀነ፡ ብብሕቲ በዲሎምና ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኰይኑ ግን፡ እቶም ነቲ ጕዳይ ኪምርምሩ እተሸሙ ሽማግለታት፡ እቲ እተነስሐ ሓጢኣተኛ ንኺምለስ ምስ መምርሒ የሆዋ ብዚሰማማዕ መገዲ እንተ ወሲኖም፡ የሆዋ እውን ይቕረ ኸም ዝበሎ ዜርኢ እዩ። (ማቴ. 18:17-20) ንሕናኸ ንየሆዋ ኽንመስሎዶ ኣይግብኣናን፧ ጨካናትን ይቕረ ዘይንብልን እንተ ዄንና፡ ንየሆዋ ንጻረሮ ኣሎና ማለት እዩ። ኣብ ሰላምን ሓድነትን እታ ኣምላኻዊት ጉባኤ እጃምና ንኸነበርክት፡ ስምረት ኣምላኽ ድማ ንኽንረክብ፡ ነቶም ብሓቂ ተነሲሖም እተመልሱ ሓጢኣተኛታት ‘ፍቕርና ኸነጽንዓሎም’ ኣይግባእንዶ፧—ማቴ. 6:14, 15፣ ሉቃ. 15:7

“ይጠቕመኒ እዩ”

16. ጳውሎስ ብማርቆስ ዝጐሃየ ስለምንታይ እዩ፧

16 ካልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ፡ ብዛዕባ እቶም ዘጕሃዩና ሰባት ኣሉታዊ ስምዒት ከነሕድር ከም ዘይብልና ዜርኢ እዩ። ንኣብነት፡ ማርቆስ ዚበሃል ዮሃንስ ንሃዋርያ ጳውሎስ ኣዝዩ ኣጕህይዎ ነበረ። ብኸመይ፧ ጳውሎስን በርናባስን ናይ መጀመርታ ሚስዮናዊ ጕዕዞኦም ምስ ጀመሩ፡ ማርቆስ ኪሕግዞም ኢሉ ምስኦም ከደ። ጸኒሑ ግን፡ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ሓዲግዎም ናብ ዓዱ ተመልሰ። ጳውሎስ በዚ ኣዝዩ ስለ ዝጐሃየ፡ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ኺገብሩ ምስ በርናባስ መደብ ኬውጽኡ ኸለዉ፡ ማርቆስ እንደገና ምስኦም ኪኸይድ እንተ ዀይኑ ኣብ ምውሳን ከይተሰማምዑ ተረፉ። ጳውሎስ ነቲ ማርቆስ ኣብ ናይ መጀመርታ ጕዕዞኦም ዝገበሮ ብምዝካር፡ ምስኦም ኪማልእዎ ኣይደለየን።—ግብሪ ሃዋርያት 13:1-5, 13፣ 15:37, 38 ኣንብብ።

17, 18. እቲ ኣብ መንጎ ጳውሎስን ማርቆስን እተላዕለ ዘይምስምማዕ ከም እተፈትሐ ብኸመይ ንፈልጥ፧ ካብኡኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

17 ማርቆስ ብምኽንያት እቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ተግባር ተስፋ ኸም ዘይቈረጸ ዜጠራጥር ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ ምስ በርናባስ ኰይኑ ኣብ ካልእ ክሊ ኣገልግሎቱ ቐጺሉ እዩ። (ግብ. 15:39) እሙንን ትውክልቲ ዚግበሮን ሰብ ምንባሩ እውን፡ ኣብቲ ጳውሎስ እተወሰነ ዓመታት ጸኒሑ ብዛዕባኡ ዝጸሓፎ ተራእዩ እዩ። ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንጢሞቴዎስ ናብኡ ኺመጽእ መልእኽቲ ኣብ ዝኣኸሉ እዋን፡ “ማርቆስ ንዕዮ ይጠቕመኒ እዩ እሞ፡ ተማልኣዮ፡ ምሳኻ ይምጻእ” ኢሉ ጸሓፈሉ። (2 ጢሞ. 4:11) ስለዚ እምበኣር፡ ጳውሎስ፡ ማርቆስ ጽቡቕ ዕቤት ከም ዝገበረ ተረዲኡ ነበረ።

18 ካብዚ ጸብጻብ እዚ እንመሃሮ ትምህርቲ ኣሎ። ማርቆስ፡ ሓደ ንፉዕ ሚስዮናዊ ኺህልዎ ዚግባእ ባህርያት ኣጥርዩ ነበረ። ኣብ ፈለማ እኳ ጳውሎስ እንተ ነጸጎ፡ ማርቆስ ግን ኣይተዓንቀፈን። ንሱን ጳውሎስን መንፈሳውያን ሰባት ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ መንጎኦም ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጽልኢ ኣይነበረን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ጳውሎስ ንማርቆስ ዓብዪ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ሓጋዚ ገይሩ ኺርእዮ ጀመረ። ስለዚ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣሕዋት እተፈጥረ ጸገም ምስ ሓለፈ፡ ንዕኡ ረሲዕካ፡ ካልኦት መንፈሳዊ ዕቤት ንኺገብሩ ኣብ ምሕጋዞም ምትኳር ይሓይሽ። ኣወንታዊ ኣረኣእያ፡ ነታ ጉባኤ ይሃንጻ እዩ።

እታ ጉባኤን ንስኻን

19. ኵሎም ኣባላት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንሓድሕዶም ኪተሓጋገዙ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

19 ኣብዚ “ኽፉእ ዘመን” እዚ፡ ሓገዝ እቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋትካን ኣሓትካን የድልየካ እዩ፡ ንሳቶም እውን ሓገዝካ የድልዮም እዩ። (2 ጢሞ. 3:1) ክርስትያናት ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ንሓደ ጕዳይ ብኸመይ ኪፈትሕዎ ኸም ዘለዎም ዘይፈልጡሉ እዋናት ኪህሉ ይኽእል እዩ፣ የሆዋ ግን ይፈልጥ እዩ። ነቲ ቕኑዕ መገዲ ንኺስዕቡ ምእንቲ ኺሕግዞም ኢሉ ድማ፡ ንእተፈላለዩ ኣባላት እታ ጉባኤ፡ እንተላይ ንዓኻ ኺጥቀም ይኽእል እዩ። (ኢሳ. 30:20, 21፣ 32:1, 2) ስለዚ እምበኣር፡ “ከምቲ እትገብርዎውን ዘሎኹም፡ ንሓድሕድኩም ተማዓዐዱ እሞ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይህነጾ” ንዚብል ጳውሎስ ዝሃቦ ምዕዶ ኣብ ልብኻ ኣሕድሮ።—1 ተሰ. 5:11

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንኻልኦት ክንሃንጾም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ክርስትያን ብጾትና ነየናይ ጸገማት ንኺዋጽኡሉ ኢና ኽንሕግዞም እንኽእል፧

• ሓገዝ ካልኦት ኣባላት እታ ጉባኤ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ክርስትያን ብጻይና ምስ ኣጸጋሚ ዅነታት ኪቃለስ ከሎ፡ ክንሕግዞ ንኽእል ኢና

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ኣብታ ሎሚ ዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ መንእሰያት፡ ዓብዪ ተኽእሎ ኣለዎም