ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዕቝባ ርኸብ

ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዕቝባ ርኸብ

ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዕቝባ ርኸብ

“ኣብ ዓብዪ ማሕበር ኤመስግነካ።”—መዝ. 35:18

1-3. (ሀ) ገሊኦም ክርስትያናት ኣብ መንፈሳዊ ሓደጋ ዚወድቁ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ህዝቢ የሆዋ ኣበይ እዮም ዕቝባ ኺረኽቡ ዚኽእሉ፧

 ጆ ምስ ሰበይቱ ንዕረፍቲ ኢሉ ኣብ ሓደ እተፈላለየ ሕብርን ግዝፍን ዘለዎም ዓሳታት ዝመልአ ትሮፒካዊ መርጀን ባሕሪ ይሕምብስ ነበረ። ክልቲኦም ነቲ መርጀን ብዝያዳ ንምርኣይ ኣርሒቖም ከዱ። ዕምቈት እቲ ማይ እናወሰኸ ምስ ከደ፡ ሰበይቲ ጆ፡ “ኣርሒቕና ንኸይድ ዘለና ይመስለኒ” በለቶ። ንሱ ግን፡ “ደሓን ኣይትሰከፊ፡ ዝገብሮ እፈልጥ እየ” ኢሉ መለሰላ። ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ‘እቶም ዓሳ ደኣ ናበይ ከይዶም፧’ ኢሉ ኺሓስብ ከም ዝጀመረ ይዝክር። እቶም ዓሳ ዝጠፍኡሉ ምኽንያት ምስ ፈለጠ፡ ኣዝዩ ፈርሀ። ከመይሲ፡ ሓደ ኸልቢ ዓሳ ትኽ ኢሉ ናብኡ ገጹ ይመጽእ ነበረ። እቲ ኸልቢ ዓሳ ንጆ ኪቐትሎ ምኸኣለ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ እተወሰነ ርሕቐት ምስ ተረፎ፡ ተኣልዩ ኸደ።

2 ሓደ ክርስትያን በቲ እዚ ናይ ሰይጣን ስርዓት ዜቕርቦ ኸም መዘናግዕን ስራሕን ሃብትን ዝኣመሰለ መህረሪ ዚሰሓብ እንተ ዀይኑ፡ ናብቲ ሓደጋ ዝመልኦ ዓሚቝ ማይ ይኣቱ ኸም ዘሎ ኸይርድኦ ይኽእል እዩ። እቲ ክርስትያን ሽማግለ ዝዀነ ጆ፡ “እቲ ዘሕለፍክዎ ተመክሮ፡ ምስ መን ክንሓብር ከም ዘሎና ኸም ዝሓስብ ገይሩኒ እዩ። ኣብቲ ሓደጋ ዘይብሉን ዜሐጕስን ቦታ፡ ማለት ኣብታ ጉባኤ ኢና ኽንሕምብስ ዘሎና” በለ። ብመንፈሳዊ መዳይ ርእስኻ ንኸይትፈልን ኣብ ሓደጋ ንኸይትኣቱን፡ ኣብቲ ዓሚቝ ማያት ኣይትሓምብስ። ኣብኡ እንተ ኣሊኻ፡ ተቐላጢፍካ ናብቲ ‘ሓደጋ ዘይብሉ ቦታ’ ሓምቢስካ ተመለስ። ከምኡ እንተ ዘይጌርካ ግን፡ ንመንፈሳውነትካ ኢኻ ኣብ ሓደጋ እተእትዎ።

3 ዓለም ንክርስትያናት ሓደገኛ ቦታ እያ። (2 ጢሞ. 3:1-5) ሰይጣን ቍሩብ ግዜ ኸም ዝተረፎ ስለ ዚፈልጥ፡ ንገርህታት ኪውሕጥ ይህንደድ እዩ። (1 ጴጥ. 5:8፣ ራእ. 12:12, 17) ይኹን እምበር፡ ዕቝባ ኣሎና። የሆዋ ንህዝቡ ብመንፈሳዊ መዳይ ዚዕቈቡሉ ቦታ፡ ማለት እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሂብዎም ኣሎ።

4, 5. ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ መጻኢ እንታይ እዩ ዚስምዖም፧ ስለምንታይከ፧

4 ኣብዚ ዓለማዊ ሕብረተሰብ ዚርከብ ኣካላዊ ይኹን ስምዒታዊ ድሕንነት ድሩት እዩ። ብዙሓት ሰባት፡ ብሰንኪ ገበንን ዓመጻን ምኽባር ናብራን፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ብሰንኪ ኣከባብያዊ ጕዳያት ኣካላዊ ድሕንነቶም ኣብ ሓደጋ ዝኣተወ ዀይኑ ይስምዖም። ብዘይካዚ፡ ምስ ምድፋእ ዕድመን ምስ ምስኣን ጥዕናን ዚመጽእ ጸገማት የጋጥሞም እዩ። እቶም ስራሕን ኣባይትን እኹል ገንዘብን ጽቡቕ ጥዕናን ዘለዎም ድማ፡ እዚ ነገራት እዚ ኽሳዕ መዓስ ከም ዚቕጽል የተሓሳስቦም እዩ።

5 ስምዒታዊ ድሕንነት እውን እንተ ዀነ፡ ብዙሓት ሰባት ዚረኽብዎ ነገር ኣይኰነን። እቲ ዜሕዝን ድማ፡ ሓዳር ገይሮም ሰላምን ዕግበትን ኪረኽቡ እኳ ተስፋ እንተ ገበሩ፡ ከምቲ እተጸበይዎ ኣይኰነሎምን እዩ። ናብ ኣብያተ-ክርስትያን ዚኸዱ ሓያሎ ምእመናን እውን፡ ብሰንኪ እቲ መራሕቲ ሃይማኖት ዜርእይዎ ዜተሓታትት ኣኻይዳን ዚምህርዎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ትምህርትታትን፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ተደናጊሮምን ነቲ ዚወሃቦም መምርሒ ኣብ ሕቶ የእትውዎን እዮም ዘለዉ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ብስነ-ፍልጠት ወይ ከኣ በቲ ሰባት ዚገብርዎ ሰናይ ተግባራት ተስፋ ኺገብሩ ዘለዎም ኰይኑ ይስምዖም። ሰባት ድሕንነት ዘይብሎም ኰይኑ እንተ ተሰምዖም ወይ ከኣ ብዛዕባ መጻኢ ኺሓስቡ እንተ ዘይደለዩ እምበኣር ኣየገርምን እዩ።

6, 7. (ሀ) ኣብ መንጎ እቶም ንኣምላኽ ዜገልግሉን ዘየገልግሉን ሰባት እተፈላለየ ኣረኣእያ ኺህሉ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

6 ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉን ካብኣ ወጻኢ ዘለዉን ሰባት ዘሎ ኣረኣእያ ኽሳዕ ክንደይ እተፈላለየ ዀን እዩ! ልክዕ ከም ካልኦት ሰባት ብዙሕ ጸገማት የጋጥመና እኳ እንተ ዀነ፡ ህዝቢ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን፡ እንህቦ ምላሽ እተፈልየ እዩ። (ኢሳይያስ 65:13, 14፣ ሚልክያስ 3:18 ኣንብብ።) ስለምንታይ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዅነታት ደቂ ሰብ ዚምልከት ዜዕግብ መግለጺ ስለ እንረክብ፡ ነቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥመና ጸገማት ክንዋጽኣሉ ንኽእል ኢና። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ብዛዕባ መጻኢ ኣዚና ኣይንጭነቕን። ኣምለኽቲ የሆዋ ስለ ዝዀንና፡ ካብ ዘይጥዑይን ዘይቅዱስ ጽሑፋውን ኣተሓሳስባ ዀነ ኻብ ርኹስ ተግባራትን ካብ ሳዕቤኑን ዕቝባ ንረክብ ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢና ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ካልኦት ሰባት ዘይብሎም ቅሳነት እንረክብ።—ኢሳ. 48:17, 18፣ ፊል. 4:6, 7

7 እቲ ኣገልገልቲ የሆዋ ዚረኽብዎ ዕቝባ ምስቲ ኻልኦት ሰባት ዚረኽብዎ ኺነጻጸር ከሎ ኽሳዕ ክንደይ እተፈላለየ ኸም ዝዀነ ዜርኢ ኣብነታት ክንርኢ ኢና። እዚ ኣብነታት እዚ፡ ኣተሓሳስባናን ተግባራትናን ንኽንምርምር፡ ነቲ ንኼዕቍበና ተባሂሉ እተዋህበና ምኽሪ ኣምላኽ ድማ ብኸመይ ዝያዳ ኣብ ተግባር ከነውዕሎ ኸም እንኽእል ንኽንሓስብ ኪሕግዘና እዩ።—ኢሳ. 30:21

‘ኣእጋረይ ሰንከልከል ንምባል ቀሪበ ነበርኩ’

8. ኣገልገልቲ የሆዋ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

8 ካብ መጀመርታ ታሪኽ ደቂ ሰብ ኣትሒዙ፡ እቶም ንየሆዋ ዜገልግልዎን ዚእዘዝዎን ሰባት ምስቶም ንየሆዋ ዘየምልኽዎ ኻብ ምሕባር ይርሕቁ እዮም። የሆዋ እውን ኣብ መንጎ ኣምለኽቱን ሰዓብቲ ሰይጣንን ጽልኢ ኸም ዚህሉ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 3:15) ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ጐድኒ እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መለኮታዊ ስርዓታት ጸኒዖም ደው ስለ ዚብሉ፡ ካብቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ እተፈልዩ እዮም። (ዮሃ. 17:15, 16፣ 1 ዮሃ. 2:15-17) ከምዚ ዝኣመሰለ መትከል ምሓዝ ግን፡ ኵሉ ግዜ ቐሊል ኣይኰነን። ሓድሓደ ግዜ፡ ገሊኦም ኣገልገልቲ የሆዋ፡ እቲ ዝመረጽዎ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዚንጸባረቖ ህይወት ጥበባዊ እንተ ዀይኑ ይጠራጠሩ እዮም።

9. እቲ ንመዝሙር 73 ዝጸሓፈ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ቓልሲ ግለጽ።

9 ሓደ ኻብቶም ጥበባዊ ውሳነ ገይሩ እንተ ዀይኑ እተጠራጠረ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ እቲ ንመዝሙር 73 ዝጸሓፈ እዩ፣ እዚ ሰብ እዚ፡ ሓደ ኻብ ዘርኢ ኣሳፍ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ ገሊኦም ንኣምላኽ ዜገልግልዎ ሰባት መከራን ጸገምን እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ እኩያት ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ዕዉታትን ሕጉሳትን ሃብታማትን መሲሎም ዚረኣዩሉ ምኽንያት ሓቲቱ ነበረ።—መዝሙር 73:1-13 ኣንብብ።

10. እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዘበገሶ ጕዳያት ዜገድሰካ ስለምንታይ እዩ፧

10 ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝሓተቶ ዓይነት ሕቶታት ሓቲትካዶ ትፈልጥ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ከም ዝበደልካ ወይ ከኣ እምነትካ ኸም ዝጐደለ ጌርካ ኽትሓስብ የብልካን። ሓያሎ ኣገልገልቲ የሆዋ፡ እንተላይ እቶም የሆዋ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽሓፍ እተጠቕመሎም ሰባት፡ ተመሳሳሊ ስምዒት ነይርዎም እዩ። (እዮ. 21:7-13፣ መዝ. 37:1፣ ኤር. 12:1፣ ኣን. 1:1-4, 13) እምበኣር፡ ኵሎም እቶም ንየሆዋ ኼገልግልዎ ዚደልዩ ሰባት፡ ‘ንኣምላኽ ከተገልግሎን ክትእዘዞን ምምራጽ ጥበባዊ ውሳነ ድዩ፧’ ንእትብል ሕቶ ኣርዚኖም ኪሓስቡላን መልሲ ኺረኽቡላን ኣለዎም። እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ነቲ ሰይጣን ኣብ ገነት ኤድን ዘልዓሎ ጕዳይ እተጠቓልልን ንልዑላውነት ኣምላኽ ዘማእከለትን እያ። (ዘፍ. 3:4, 5) ስለዚ፡ ኵልና ነቲ ጸሓፍ መዝሙር ዘበገሶ ጕዳይ ኣርዚንና ኽንሓስበሉ ኣሎና። ነቶም ብዘይ ጸገም ዚነብሩ ረሲኣን ክንቀንኣሎም ይግባእዶ፧ ብምሳልያዊ መገዲ ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ‘ሰንከልከል ክንብልን’ ንመገዲ ረሲኣን ክንስዕብን ግቡእ ድዩ፧ ሰይጣን ከምኡ ኽንገብር እዩ ዚደልየና።

11, 12. (ሀ) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንጥርጣረታቱ እተዋጽኣሉ ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ይምህረና፧ (ለ) ኣብቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝበጽሖ መደምደምታ ኽትበጽሕ ዝሓገዘካ እንታይ እዩ፧

11 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ንጥርጣረታቱ ኺዋጽኣሉ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ካብ ጽድቂ ኺርሕቕ ቀሪቡ ምንባሩ እኳ እንተ ተኣመነ፡ ናብ “መቕደስ ኣምላኽ” ምስ ኣተወ፡ ማለት ኣብ ማሕደር ወይ ቤተ መቕደስ ምስ መንፈሳውያን ሰባት ምስ ሓበረን ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ ምስ ኣስተንተነን ግን ኣረኣእያኡ ተቐየረ። ድሕሪኡ፡ ከምቲ ንረሲኣን ዜጋጥሞም ዓይነት ሳዕቤን ኬጋጥሞ ኸም ዘይደሊ ንጹር ኰነሉ። እቲ ረሲኣን ኣብ ህይወቶም ዚስዕብዎ መገድን ዚገብርዎ ምርጫን “ኣብ መንደልሃጺ ስፍራ” ደው ከም ዜብሎም ተገንዘበ። ብዘይካዚ፡ ኵሎም እቶም ብሰንኪ ርኽሰት ንየሆዋ ዚሓድግዎ ሰባት፡ ኣብ መወዳእታኡ “ብድንገት” ከም ዚጠፍኡ፡ እቶም ንየሆዋ ዜገልግልዎ ግን ደገፉ ኸም ዚረኽቡ ተረድአ። (መዝሙር 73:16-19, 27, 28 ኣንብብ።) ንሓቅነት እዚ ሓሳብ እዚ ኸም ዝረኣኻዮ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንጥቕሚ ርእስኻ ኢልካ ምንባርን ንሕግታት ኣምላኽ ዕሽሽ ምባልን ንብዙሓት ሰባት ይስሕቦም እኳ እንተ ዀነ፡ ካብ ሳዕቤኑ ግን ኬምልጡ ኣይክእሉን እዮም።—ገላ. 6:7-9

12 ካብ ተመክሮ እቲ ጸሓፍ መዝሙር እንመሃሮ ኻልእ ትምህርቲ ኣሎዶ፧ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዕቝባን ጥበብን ረኺቡ እዩ። ናብቲ የሆዋ ዚምለኸሉ ቦታ ምስ ከደ፡ ብንጹርን ርትዓዊ ብዝዀነ መገድን ኪሓስብ ጀመረ። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ፡ ጥበበኛታት መኸርትን ጥዑይ መንፈሳዊ ምግብን ክንረክብ ንኽእል ኢና። የሆዋ ንኣገልገልቱ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንኺእከቡ ኺነግሮም እምበኣር ሓቁ እዩ። ኣብዚ ቦታ እዚ፡ ምትብባዕ ኪረኽቡን ጥበባዊ ስጕምቲ ንኺወስዱ ኺለዓዓሉን ይኽእሉ እዮም።—ኢሳ. 32:1, 2፣ እብ. 10:24, 25

ፈተውትኻ ብጥበብ ምረጽ

13-15. (ሀ) ዲና ኸመይ ዝበለ ተመክሮ እያ ኣሕሊፋ፧ እዚኸ እንታይ እዩ ዜርኢ፧ (ለ) ምስ ክርስትያናት ብጾት ምሕባር ዕቝባ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

13 ዲና ጓል ያእቆብ ዘሕለፈቶ ተመክሮ፡ ሓደ ኻብቲ ምስ ዓለማውያን ፈተውቲ ምሕባር ኣብ ጸገም ከም ዜእቱ ዜርኢ ኣብነታት እዩ። ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ፡ ምስተን ቤተሰባ ኣብ ዚቕመጠሉ ኸባቢ ዝነበራ ከነኣናውያን መንእሰያት ናይ ምሕባር ልምዲ ነበራ። ከነኣናውያን ከምቲ ኣምለኽቲ የሆዋ ዚስዕብዎ ዓይነት ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣይነበሮምን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ዝረኸብዎ ነገራት ከም ዚሕብሮ፡ ብሰሪ እቲ ዚስዕብዎ ዝነበሩ መገዲ፡ እታ ዓዲ ብኣምልኾ ጣኦትን ብርኽሰትን ብጽዩፍ ጾታዊ ኣምልኾን ብዓመጻን መሊኣ ነበረት። (ዘጸ. 23:23፣ ዘሌ. 18:2-25፣ ዘዳ. 18:9-12) ዲና ምስዞም ሰባት እዚኣቶም ብምሕባራ ንዘጋጠማ ነገር ትዝክሮ ኢኻ።

14 እቲ ‘ኣብ ቤት ኣቦኡ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ዚኽበር’ ዝነበረ ሴኬም ዚበሃል ሰብኣይ፡ ንዲና ረኣያ፣ “ወሲድዋ ኸኣ ምስኣ ደቀሰ፡ ኣነወራውን።” (ዘፍ. 34:1, 2, 19) ከመይ ዝበለ ዜሕዝን ፍጻመ ዀን እዩ! ዲና ኸምዚ ኼጋጥማ ሓሲባቶ ዝነበረትዶ ይመስለካ፧ ምናልባት ምስቶም ዋላ ሓንቲ ጕድኣት ዘየውርዱላ ገይራ ዝረኣየቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ መንእሰያት ክትተዓራረኽ ጥራይ ደልያ ኽትከውን ትኽእል እያ። ኰይኑ ግን፡ ተታለለት።

15 እዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ እዩ ዚምህረና፧ ምስ ዘይኣምኑ እናሓበርና ኽነስና፡ ዋላ ሓንቲ ሳዕቤን ኣየጋጥመናን እዩ ኢልና ኽንሓስብ የብልናን። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ” ይብል። (1 ቈረ. 15:33) ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ምስቶም ከም ናትካ ዓይነት እምነትን ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ዚስዕቡ ዀነ ንየሆዋ ዜፍቅሩ ሰባት ምሕባርካ ኼዕቍበካ እዩ። ከምዚ ዓይነት ጽቡቕ ምሕዝነት፡ ጥበባዊ ስጕምቲ ንኽትወስድ ኬተባብዓካ እዩ።—ምሳ. 13:20

“ተሐጺብኩም”

16. ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ኣብ ጉባኤ ቈረንቶስ ዝነበሩ ገሊኦም ክርስትያናት እንታይ በለ፧

16 እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንብዙሓት ሰባት ካብ ዜርክስ ተግባራት ንኺርሕቑ ሓጊዛቶም እያ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ ናይ መጀመርታ መልእኽቲ ኺጽሕፈላ ኸሎ፡ ነቲ ክርስትያናት ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ንኺሰማምዑ ኢሎም ዝገበርዎ ለውጥታት ጠቐሰ። ገሊኦም ኣመንዝራታት፡ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ሰካራት ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣመላት ዝነበሮም እዮም ነይሮም። ጳውሎስ ግን፡ “ተሐጺብኩም” በሎም።—1 ቈረንቶስ 6:9-11 ኣንብብ።

17. ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምንባር ንህይወት ብዙሓት ሰባት ዚቕይር ብኸመይ እዩ፧

17 እምነት ዘይብሎም ሰባት፡ ዚምርሑሉ ጥዑይ ስርዓታት የብሎምን። ልክዕ ከምቶም ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣመንቲ ቕድሚ ምዃኖም ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ብርእሶም እዮም ዚምርሑ፡ ወይ ከኣ ከምቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ሰባት ብርኹስ መገድታት ይጐዓዙ ይዀኑ። (ኤፌ. 4:14) ቅኑዕ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስን ዕላማ ኣምላኽን ግን፡ ንህይወት እቶም ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣብ ግብሪ ዜውዕልዎ ሰባት ብዝሓሸ መገዲ ናይ ምቕያር ሓይሊ ኣለዎ። (ቈሎ. 3:5-10፣ እብ. 4:12) ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ንጽድቃዊ ስርዓታት የሆዋ ፈሊጦም ብእኡ ኺምርሑ ቕድሚ ምጅማሮም፡ ብዘይ ስነ-ምግባራዊ ቐይዲ ይነብሩ ኸም ዝነበሩ ኺነግሩኻ ይኽእሉ እዮም። ኰይኑ ግን፡ ዕግበትን ሓጐስን ኣይነበሮምን። ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ኪሓብሩን ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዖም ኪነብሩን ምስ ጀመሩ ጥራይ እዮም ሰላም ረኺቦም።

18. ሓንቲ ጐርዞ እንታይ ተመክሮ እያ ኣሕሊፋ፧ እዚኸ እንታይ እዩ ዜረጋግጽ፧

18 ይኹን እምበር፡ ካብቲ ‘ሓደጋ ዘይብሉ ቦታ፡’ ማለት ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝወጹ ገሊኦም ሰባት፡ ተግባሮም ኣዝዩ የጣዕሶም እዩ። ሓንቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ታንያ ዚብል ስም ዝሃብናያ ሓብቲ፡ “ምስ ሓቂ ሌላ ነይሩኒ እዩ” በለት፣ ጓል 16 ምስ ኰነት ግን፡ “ደድሕሪ እቲ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ዜህርር ነገራት” ክትስዕብ ኢላ ንሓቂ ኸም ዝሓደገቶ ገለጸት። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ዘይተደልየ ጥንሲ ስለ ዘጋጠማ፡ ነቲ ጥንሲ ኣነጸለቶ። ከምዚ ድማ በለት፦ “እተን ካብ ጉባኤ ርሒቐ ዘሕለፍክወን ሰለስተ ዓመታት፡ ኣብ ስምዒተይ ዘይጠፍእ በሰላ እየን ሓዲገናለይ። ንውሉደይ ባዕለይ ምቕታለይ ኵሉ ሳዕ እዩ ዜሳቕየኒ። . . . ነቶም ንዓለም ንእተወሰነ እዋን እውን እንተ ዀነ ‘ኺጥዕምዋ’ ዚደልዩ መንእሰያት፡ ‘ይትረፍኩም’ እየ ኽብሎም ዝደሊ። ኣብ ፈለማ ጥዑም እኳ እንተ መሰለ፡ መወዳእታኡ ግን ኣዝዩ መሪር እዩ። ዓለም መከራ እንተ ዘይኰይኑ፡ ካልእ እትህቦ ነገር የብላን። እፈልጦ እየ፡ ጥዒመዮ ኸኣ እየ። ካብ ውድብ የሆዋ ኣይትፈለዩ! ሓጐስ ኬምጽእ ዚኽእል መገዲ ህይወት ንሱ ጥራይ እዩ።”

19, 20. ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸመይ ዝበለ ዕቝባ እዩ ዚርከብ፧ ብኸመይከ፧

19 ካብታ ዕቝባ ዚርከበላ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንተ ወጺእካ እንታይ ኬጋጥመካ ኸም ዚኽእል እሞ ሕስብ ኣብሎ። ብዙሓት ክርስትያናት፡ ነቲ ንሓቂ ቕድሚ ምቕባሎም ዜሕልፍዎ ዝነበሩ ኸንቱ ናብራ ስለ ዚፈልጥዎ፡ ካብ ሓቂ ምውጻእ ፈጺሙ ኣይረኣዮምን እዩ። (ዮሃ. 6:68, 69) ምስ ክርስትያን ኣሕዋትካን ኣሓትካን ትሓብር እንተ ዄንካ፡ ካብቲ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ልሙድ ኰይኑ ዘሎ መከራ፡ ዕቝባ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ምስ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ምሕባርካ ዀነ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኣዘውቲርካ ምክፋልካ፡ ጽድቃዊ ስርዓታት የሆዋ ጥበባዊ ምዃኑ ወትሩ ኼዘኻኽረካን ምስኡ ተሰማሚዕካ ኽትነብር ኬተባብዓካን እዩ። ልክዕ ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ ‘ኣብ ዓብዪ ማሕበር ንየሆዋ ኸተመስግኖ’ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎካ።—መዝ. 35:18

20 ሓቂ እዩ፡ ኵሎም ክርስትያናት ብእተፈላለየ ምኽንያት ንጽህናኦም ምሕላው ኬጸግሞም ይኽእል እዩ። ቅኑዕ ኣንፈት ዜርእዮም ሰብ ኬድልዮም ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋናት፡ ንስኻ ዀነ ኻልኦት ኣባላት እታ ጉባኤ፡ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትኩም ንምሕጋዝ እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ንኣሕዋትካ ብኸመይ ‘ክትምዕዶምን ክትሃንጾምን’ ከም እትኽእል ትገልጽ።—1 ተሰ. 5:11

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ካብ ተመክሮ እቲ ንመዝሙር 73 ዝጸሓፈ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

• ተመክሮ ዲና እንታይ እዩ ዚምህረና፧

• ዕቝባ ኽትረክብ እትኽእል ካብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣብቲ ሓደጋ ዘይብሉ ቦታ፡ ማለት ኣብታ ጉባኤ ሓምብስ