ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ መንፈሳዊ ነገራት ዕረፍቲ ርኸብ

ካብ መንፈሳዊ ነገራት ዕረፍቲ ርኸብ

ካብ መንፈሳዊ ነገራት ዕረፍቲ ርኸብ

“ኣርዑተይ ጹሩ . . . ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” —ማቴ. 11:29

1. ኣምላኽ ኣብ ከረን ሲና እንታይ መሰናድዎ እዩ ዝገበረ፧ ስለምንታይከ፧

 ኪዳን ሕጊ ሙሴ ኣብ ከረን ሲና ኣብ ዝቘመሉ እዋን፡ ነቲ ሰሙናዊ ዚኽበር ሕጊ ሰንበት እውን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። የሆዋ በቲ ኣፈኛኡ ዝዀነ ሙሴ ኣቢሉ ንህዝቢ እስራኤል፡ “ሹድሽተ መዓልቲ ዕዮኻ ዕየ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና፡ ብዕራይካን ኣድግኻን ምእንቲ ኺዐርፉ፡ ወዲ እታ ባርያኻን እቲ ስደተኛን ድማ ኬተንፍሱ ዕረፍ” ኢሉ ኣዘዞ። (ዘጸ. 23:12) እወ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ዝነበሩ ሰባት ካብ ዝነበሮ ሓልዮት ተላዒሉ፡ “ምእንቲ ኺዐርፉ” ፍቕራዊ መሰናድዎ ገበረሎም።

2. እስራኤላውያን ሕጊ ሰንበት ብምሕላዎም እንታይ ጥቕሚ ረኸቡ፧

2 ሰንበት ንምዝንጋዕ እትኸውን ግዜ ጥራይ ድያ ነይራ፧ ኣይፋልን፣ ኣገዳሲ ኽፋል እቲ እስራኤላውያን ንየሆዋ ዜቕርብዎ ኣምልኾ እያ ነይራ። ሕጊ ሰንበት ዚሕልዉ ርእስታት ስድራ ቤት ንኣባላት ስድራ ቤቶም ንምምሃር ዜኽእሎም ግዜ ይረኽቡ ነበሩ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ፡ ‘መገዲ የሆዋ ኺሕልዉን ጽድቂ ኺገብሩን’ ይምህርዎም ነበሩ። (ዘፍ. 18:19) ብዘይካዚ፡ ኣባላት ስድራ ቤትን ፈተውትን ብዛዕባ ግብርታት የሆዋ ዜስተንትኑሉን ሓቢሮም ዜሐጕስ ግዜ ዜሕልፉሉን ኣጋጣሚ ይረኽቡ ነበሩ። (ኢሳ. 58:13, 14) ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ሰንበት ነቲ ብናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ኣቢልካ ዚርከብ ናይ ሓቂ ዕረፍቲ ብትንቢት እተመልክት እያ ነይራ። (ሮሜ 8:21) ኣብዚ ግዜናኸ እቶም ብመገድታት የሆዋ ዚግደሱ ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕረፍቲ ኺረኽቡ ዚኽእሉ ኣበይን ብኸመይን እዮም፧

ካብ ክርስትያናዊ ሕብረት ዕረፍቲ ርኸብ

3. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ንሓድሕዶም ዚደጋገፉ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧ እንታይ ፍረኸ ኣፍረየሎም፧

3 ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናዊት ጉባኤ፡ “ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን” ኢሉ ገሊጽዋ ኣሎ። (1 ጢሞ. 3:15) ቀዳሞት ክርስትያናት ንሓድሕዶም ይተባብዑን ብፍቕሪ ይተሃናነጹን ነበሩ። (ኤፌ. 4:11, 12, 16) ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣባላት እታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ ዜተባብዕ ምብጻሕ ገይሮምሉ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ጳውሎስ፡ “ብምምጻእ እስጢፋኖስን ፈርጡናጦስን ኣካይቆስን . . . ባህ ይብለኒ አሎ። ንመንፈሰይ . . . ኣቕሲኖም እዮም” በለ። (1 ቈረ. 16:17, 18) ቲቶስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣሕዋት ንምግልጋል ናብታ ኸተማ ምስ ከደ እውን፡ ጳውሎስ ነታ ጉባኤ፡ “መንፈሱ ብዅላትኩም ስለ ዝቐሰነ” ኢሉ ጸሓፈላ። (2 ቈረ. 7:13) ሎሚ እውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ክርስትያናት ኣሕዋቶም ናይ ሓቂ ዕረፍቲ ይረኽቡ እዮም።

4. ኣኼባታት ጉባኤ ምንጪ ዕረፍቲ ዚዀነና ብኸመይ እዩ፧

4 ኣኼባታት ጉባኤ ምንጪ ዓብዪ ሓጐስ ከም ዝዀነ ብተመክሮ ትፈልጦ ኢኻ። ኣብኡ፡ ‘በታ ኣብ ሓድሕድና ዘላ እምነት ንጸናናዕ ኢና።’ (ሮሜ 1:12) ምስ ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዕምቈት ዘይብሉ ሌላ ኣይኰነን ዘሎና። የግዳስ፡ እነፍቅሮምን እነኽብሮምን ናይ ሓቂ ፈተውትና እዮም። ኣብ ኣኼባታትና ምስኦም ኣዘውቲርና ምእካብና ኸኣ፡ ብዙሕ ሓጐስን ምጽንናዕን የምጽኣልና እዩ።—ፊሞ. 7

5. ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ንሓድሕድና ምንጪ ዕረፍቲ ኽንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

5 ዓመታዊ ዚግበር ዓበይቲ ኣኼባታት እውን፡ ካልእ ምንጪ ዕረፍቲ እዩ። እዚ ዓበይቲ ኣኼባታት እዚ፡ ካብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ህይወት ዚህብ ማይ ንኽንረክብ የኽእለና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ ኣሕዋትና ዘሎና ፍቕሪ ‘ንኸነግፍሕ’ እውን ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። (2 ቈረ. 6:12, 13) ሓፋራት ወይ ከኣ ምስ ሰባት ምቅርራብ ዚኸብደና እንተ ዄንናኸ፧ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንፋለጠሉ እንኽእል ሓደ መገዲ፡ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ንኣሕዋትና ንምግልጋል ገዛእ ርእስና ብምቕራብ እዩ። ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ኣህጉራዊ ኣኼባ ድሕሪ ምሕጋዛ እተሰምዓ ስምዒት ክትገልጽ ከላ፡ “ካብ ስድራ ቤተይን ብኣጻብዕ ካብ ዚቝጸሩ ፈተውተይን ሓሊፈ፡ ብዙሓት ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ኣብ ጽሬት ምስ ሓገዝኩ ግን፡ ምስ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ተራኸብኩ። ኣዝዩ ባህ ዜብል እዩ ነይሩ” በለት።

6. ዕረፍቲ ኽንረክብ እንኽእለሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

6 እስራኤላውያን በዓል ምእንቲ ኼብዕሉ፡ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ናብ የሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ። (ዘጸ. 34:23) እዚ ኸኣ ግራውቶምን ንግዶምን ሓዲጎም፡ ብዶራን መገድታት ብእግሮም ኪኸዱ ዚሓትት እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ እቶም ናብ ቤተ መቕደስ ዚኸዱ እስራኤላውያን፡ ‘ንየሆዋ ምስጋና’ የቕርቡ ስለ ዝነበሩ፡ “ዓብዪ ሓጐስ” ይረኽቡ ነበሩ። (2 ዜና 30:21) ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ኣገልገልቲ የሆዋ እውን፡ ምስ ስድራ ቤቶም ሓቢሮም ናብ ቤትኤል ማለት፡ ኣብ ከባቢኦም ናብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምብጻሕ፡ ብዙሕ ሓጐስ ይረኽቡ እዮም። ንስኻኸ ኣብ ዚቕጽል እዋን ብስድራ ቤት ኣብ እትገብርዎ ዙረት፡ ናብ ቤትኤል ንምኻድ ንምንታይ መደብ ዘይተውጽእ፧

7. (ሀ) ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ጠቓሚ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ዘይርሳዕን ሃናጽን ንኪኸውን ኣበርክቶ ዚገብር እንታይ እዩ፧

7 ምስ ስድራ ቤትን ፈተውትን ዚግበር ማሕበራዊ ምትእኽኻባት እውን፡ ምንጪ መተባብዒ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን፡ “ንሰብሲ ኻብ ምብላዕን ምስታይን ካብቲ ኺጽዕር ከሎ ንነፍሱ ባህ ምባልን ዚሐይሽ የብሉን” በለ። (መክ. 2:24) ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ንነፍስና ዕረፍቲ የምጽኣላ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ ክርስትያናት ኣሕዋትና ዝያዳ ንኽንፋለጥ እውን ስለ ዚሕግዘና፡ ንፍቕርና የደልድሎ እዩ። እቲ ኣጋጣሚ ዘይርሳዕን ሃናጽን ምእንቲ ኪኸውን፡ ገፊሕ ኪኸውን የብሉን፣ ብፍላይ ኣልኮላዊ መስተ ዚቐርብ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ግቡእ ቍጽጽር ኪግበረሉ ኣለዎ።

ኣገልግሎት ዕረፍቲ የምጽእ

8, 9. (ሀ) መልእኽቲ የሱስ ምስ ናይ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣነጻጽሮ። (ለ) ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት እንተ ኣካፊልና፡ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

8 የሱስ ንኣገልግሎቱ ቐናእ እዩ ነይሩ፡ ንደቀ መዛሙርቱ እውን ከምኡ ኪዀኑ ኣተባቢዕዎም እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ፡ “እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ” ዝበለ። (ማቴ. 9:37, 38) እቲ የሱስ ዚምህሮ ዝነበረ ትምህርቲ፡ “ወንጌል” ወይ ብስራት ስለ ዝነበረ፡ ብሓቂ ዕረፍቲ ዚህብ እዩ ነይሩ። (ማቴ. 4:23፣ 24:14) እዚ ኸኣ፡ ካብቲ ፈሪሳውያን ነቶም ህዝቢ ኣሰኪሞምዎም ዝነበሩ ኸቢድ ሕግታት ምሉእ ብምሉእ እተፈልየ እዩ።—ማቴዎስ 23:4, 23, 24 ኣንብብ።

9 መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንሰባት ክንነግሮም ከለና፡ መንፈሳዊ ዕረፍቲ ኺረኽቡ ኢና ኣጋጣሚ እንኸፍተሎም፣ እግረ-መገድና እውን ነቲ ኽቡር ዝዀነ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ነስርጾ። ስለዚ ኸኣ እዩ እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ሃሌሉያ። ንኣምላኽና ብመዝሙር ምውዳስ ሰናይ እዩ፡ ጥዑም እዩ” ዝበለ። (መዝ. 147:1) ነቲ ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ ብምንጋር ዚርከብ ሓጐስ ከተዛይዶ ትኽእልዶ፧

10. ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦ ኣሳልጦ፡ በቲ ሰባት ንመልእኽትና ዘለዎም ኣወንታዊ ምላሽ ድዩ ዚልካዕ፧ ግለጽ።

10 ኣብ ገሊኡ ኽሊ ዘለዉ ሰባት ካብ ካልኦት ብዝያዳ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚቕበሉ ኣይከሓድን እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 18:1, 5-8 ኣንብብ።) ኣብ ከባቢኻ ዚነብሩ ሰባት ንመልእኽቲ እታ መንግስቲ ብዙሕ ዘይቅበሉ እንተ ዀይኖም፡ ኣብቲ ኣብ ኣገልግሎትካ እትዓሞ ጽቡቕ ነገራት ኣተኵር። ስም የሆዋ ንምእዋጅ እትገብሮ ቐጻሊ ጻዕሪ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ኣይትረስዕ። (1 ቈረ. 15:58) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦ ኣሳልጦ፡ በቲ ሰባት ነቲ ብስራት ዚህብዎ ምላሽ ኣይኰነን ዚልካዕ። እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኪቕበሉ የሆዋ ኣጋጣሚ ኸም ዚኸፍተሎም፡ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ዮሃ. 6:44

ኣምልኾ ስድራ ቤት ዕረፍቲ የምጽእ

11. የሆዋ ንወለዲ እንታይ ሓላፍነት እዩ ሂብዎም፧ ነዚኸ ብኸመይ እዮም ኪፍጽምዎ ዚኽእሉ፧

11 ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዲ ንውሉዳቶም ብዛዕባ የሆዋን መገድታቱን ኪምህርዎም ሓላፍነት ኣለዎም። (ዘዳ. 11:18, 19) ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ንደቅኻ ብዛዕባ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ኽትምህሮም ግዜ መዲብካዶ፧ የሆዋ ነዚ ኣገዳሲ ሓላፍነት እዚ ንኽትፍጽምን ንስድራ ቤትካ ዜድልዮም ካልእ ሓገዝ ንኽትህብን ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ብመጻሕፍትን መጽሔታትን ቪድዮታትን ቅድሓት ኣውድዮን ኣቢሉ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ ኣዳልዩ ኣሎ።

12, 13. (ሀ) ስድራ ቤታት ካብታ ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚግበረላ ምሸት ኪጥቀማ ዚኽእላ ብኸመይ እየን፧ (ለ) ወለዲ፡ ኣምልኾ ስድራ ቤቶም ምንጪ ዕረፍቲ ኸም ዚኸውን ኪገብሩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

12 ብዘይካዚ፡ እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ፡ ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚግበረላ ምሸት ንኸነዳሉ መሰናድዎ ገይሩልና ኣሎ። እዛ ምሸት እዚኣ፡ ኣብ ሰሰሙን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስድራ ቤት ንምግባር እተመደበት ምሸት እያ። እዚ መሰናድዎ እዚ ንብዙሓት ሰባት፡ ንሓድሕዶም ዘላቶም ፍቕርን ምስ የሆዋ ዘለዎም ርክብን ኬደልድሉ ሓጊዝዎም እዩ። ወለዲ፡ ኣምልኾ ስድራ ቤቶም ምንጪ ዕረፍቲ ኸም ዚኸውን ኪገብሩ ዚኽእሉ ግን ብኸመይ እዮም፧

13 ኣምልኾ ስድራ ቤት ዜሰልክን ዘይተዓጻጸፍን ኪኸውን የብሉን። ነቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ኢና እነምልኽ፡ ንሱ እውን ብሓጐስ ከነምልኾ እዩ ዚደልየና። (1 ጢሞ. 1:11 NW፣ ፊል. 4:4) ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ክቡር መንፈሳዊ ነገራት እንመያየጠሉ ተወሳኺ ምሸት ምርካብ፡ ብሓቂ በረኸት እዩ። ወለዲ ብእተፈላለየ ብልሓትን ምህዞን ገይሮም፡ ሜላ ኣመሃህራኦም ተዓጻጻፊ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ሓንቲ ስድራ ቤት፡ ብራንዶን ዝስሙ ወዲ ዓሰርተ ዓመት ውሉድ፡ “የሆዋ ንሰይጣን ብተመን ዝመሰሎ ስለምንታይ እዩ፧” ንእትብል ሕቶ መልሲ ኣናድዩ ኼምጽእ ዕዮ ተዋህቦ። ብራንዶን ኣትማን ይፈቱ ስለ ዝነበረ፡ ኣትማን ምስ ሰይጣን ተኣሳሲሮም ምጥቃሶም ባህ ኣይበሎን። ሓድሓደ እዋን፡ ገሊአን ስድራ ቤታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ድራማ ይሰርሓ እየን፣ ነዚ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባለን ንሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ገጸ-ባህርይ መሲሉ ኸም ዜንብብ ወይ ከም ዚዋሳእ ብምግባር እየን ዚሰርሓኦ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሜላ ኣመሃህራ ባህ ዜብል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንውሉዳትካ ኣብቲ መጽናዕቲ ኸም ዚሳተፉ ስለ ዚገብሮም፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ልቦም ኬስርጸሎም ይኽእል እዩ። a

ዚኸብደካ ነገራት ኣርሕቕ

14, 15. (ሀ) ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ውጥረት ኰነ ሻቕሎት እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ተወሳኺ ውጥረት ዚፈጥር ነገራት እዩ ኼጋጥመና ዚኽእል፧

14 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚ እኩይ ስርዓት እዚ፡ ውጥረት ኰነ ሻቕሎት እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ሚልዮናት ሰባት ብስእነት ስራሕን ብቝጠባዊ ጸገማትን ተጸልዮም ኣለዉ። እቶም ስራሕ ዘለዎም እውን ከይተረፉ፡ እቲ ዚረኽብዎ ኣታዊ ናብ ቀዳድ ጁባ ኸም ዚኣቱ ገንዘብ ስለ ዚዀኖም፡ ንስድራ ቤቶም ብዙሕ ጥቕሚ ኼምጽኣሎም ኣይከኣለን። (ምስ ሃጌ 1:4-6 ኣረኣኢ።) ፖለቲከኛታት ኰኑ ኻልኦት መራሕቲ ንግብረ-ሽበራን ካልእ ምንጭታት እከይን ንምጥፋእ ዚገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ፡ ልዕሊ ዓቕሞም ዝዀኖም እዩ ዚመስል። ብዙሓት ሰባት ድማ ብድኽመታቶም ይድቈሱ እዮም።—መዝ. 38:4

15 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብቲ ስርዓት ሰይጣን ዜምጽኦ ጸገማትን ጸቕጥታትን ሓራ ኣይኰኑን። (1 ዮሃ. 5:19) ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ንየሆዋ እሙናት ኪዀኑ ስለ ዚጽዕሩ፡ ሓድሓደ ግዜ ተወሳኺ ውጥረት ኬጋጥሞም ይኽእል እዩ። የሱስ፡ “ንኣይ ሰጒጎምኒ እንተ ዀይኖም፡ ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም” ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 15:20) “ንስጐጕ” እኳ እንተ ዀንና፡ “ድርቡያት ግና ኣይኰንናን።” (2 ቈረ. 4:9) ስለምንታይ፧

16. ሓጐስና ንኽንዕቅብ ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

16 የሱስ፡ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ” በለ። (ማቴ. 11:28) ኣብቲ ብበጃ ክርስቶስ ኣቢሉ እተገብረልና መሰናድዎ ምሉእ እምነት ነሕድር እንተ ዄንና፡ ንርእስና ኣብ ኢድ የሆዋ ንገድፋ ኺበሃል ይከኣል እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ንረክብ። (2 ቈረ. 4:7) እቲ “መጸናንዒ” ወይ ደጋፊ ዝዀነ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንእምነትና ኣመና ስለ ዜደልድላ፡ ነቲ ዜጋጥመና ፈተናታትን ጸገማትን ንኽንዋጽኣሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓጐስና ንኽንዕቅብ እውን የኽእለና እዩ።—ዮሃ. 14:26፣ ያእ. 1:2-4

17, 18. (ሀ) ካብ ምንታይ መንፈስ ኢና ኽንጥቀቕ ዘሎና፧ (ለ) ደድሕሪ ዓለማዊ ተድላ ምጕያይ እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ፧

17 ሎሚ ዘለና ናይ ሓቂ ክርስትያናት በቲ ደድሕሪ ተድላ ኽንጐዪ ዜተባብዕ መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ኸይንጽሎ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። (ኤፌሶን 2:2-5 ኣንብብ።) እንተ ዘይኰይኑ፡ “ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን” መፈንጠራ ኪዀነና ይኽእል እዩ። (1 ዮሃ. 2:16) ወይ ከኣ ንፍትወት ስጋ ተገዛእቲ ምዃን፡ ዕረፍቲ ኸም ዜምጽኣልና ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። (ሮሜ 8:6) ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት ባህታ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ሓሽሽ ይወስዱ፡ ኣልኮላዊ መስተ የብዝሑ፡ ስእለ-ጽዩፍ ይርእዩ፡ ኣብ ሓደገኛ ስፖርት ይሳተፉ፡ ወይ ከኣ እተፈላለየ ዘይግቡእ ንጥፈታት ይገብሩ እዮም። ሓደ ኻብቲ ሰይጣን ዚጥቀመሉ “ፍሕሶ፡” ብዛዕባ ዕረፍቲ ቔናን ኣረኣእያ ኸም ዚሰፍን ምግባር እዩ።—ኤፌ. 6:11

18 ብልዕን መስተን ጥዑይ መዘናግዕን መጠኑ ዝሓለወ እንተ ዀይኑ፡ ዋላ ሓንቲ ጌጋ የብሉን። ኰይኑ ግን፡ ነዚ ነገራት እዚ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ኽንህቦ የብልናን። ብፍላይ ነዚ እንነብረሉ ዘለና እዋን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሚዛናውያን ክንከውንን ርእስና ኽንገትእን ኣሎና። ዋኒንና ኪኸብደና፡ ከምኡውን “ንምፍላጥ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን” ኪገብረና ይኽእል እዩ።—2 ጴጥ. 1:8

19, 20. ናይ ሓቂ ዕረፍቲ ብኸመይ ይርከብ፧

19 ኣተሓሳስባና ምስ ስርዓታት የሆዋ እንተ ደኣ ኣሰማሚዕናዮ፡ ዝዀነ ይኹን እዛ ዓለም እተቕርቦ ተድላ ግዜያዊ ምዃኑ ነስተውዕል ኢና። ሙሴ ነዚ ኣስተውዒሉ እዩ፣ ንሕና እውን ከምኡ ኽንከውን ኣሎና። (እብ. 11:25) ዕምቈት ዘለዎ ነባሪ ሓጐስን ዕግበትን ዜምጽእ ናይ ሓቂ ዕረፍቲ፡ ፍቓድ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ብምግባር እዩ ዚርከብ።—ማቴ. 5:6

20 ሃየ እምበኣር፡ ካብ መንፈሳዊ ነገራት ዕረፍቲ ንርከብ። ከምኡ ምስ እንገብር፡ “እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና” ንነብር። (ቲቶ. 2:12, 13) ስለዚ፡ ንስልጣንን መምርሕን የሱስ ተገዛእቲ ብምዃን፡ ኣርዑቱ ጼርና ንምምልላስ ቈራጽነት ንግበር። ከምዚ እንተ ጌርና፡ ናይ ሓቂ ሓጐስን ዕረፍትን ንረክብ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a መጽናዕቲ ስድራ ቤት ብኸመይ መሳጥን መሃርን ክትገብሮ ኸም እትኽእል ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 2009 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 29-31 ርአ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ ዕረፍቲ ዚረኽቡ ብኸመይ እዮም፧

• ኣገልግሎት ንዓናን ነቶም እንምስክረሎም ሰባትን ዕረፍቲ ኼምጽእ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

• ኣምልኾ ስድራ ቤት ዕረፍቲ ዜምጽእ ንኪኸውን፡ ርእስታት ስድራ ቤት እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

• ብመንፈሳዊ መዳይ ዚኸብደና ነገራት እንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣርዑት የሱስ ብምጻር፡ ብዙሕ ዕረፍቲ ንረክብ