ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥልመት መጻምድቲ ምጻሩ

ጥልመት መጻምድቲ ምጻሩ

ጥልመት መጻምድቲ ምጻሩ

ማርጋሪታን ብዓል ቤታ ራውልን ንሓያሎ ዓመታት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀይኖም ንየሆዋ ኣገልጊሎም እዮም። a በዅሪ ወዶም ምስ ተወልደ ነዊሕ ከይጸንሐ ግን፡ ራውል ካብ የሆዋ ኺርሕቕ ጀመረ። ኣብ መወዳእታ፡ ርኹስ ናብራ ኺነብር ስለ ዝጀመረ፡ ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተወገደ። ማርጋሪታ፡ “እዚ ዅሉ ምስ ኰነ፡ ዚመውት ኰይነ ተሰምዓኒ። ልበይ ስለ እተሰብረ፡ ዝገብሮ ጠፍኣኒ” በለት።

ጄን ካብ እትምርዖ ነዊሕ ከይጸንሐት፡ ሰብኣያ ብኻልእ መገዲ ጠለማ። ኪወቕዓ ጀመረ። ጄን ከምዚ በለት፦ “ንፈለማ ግዜ ምስ ብጕስጢ ምስ ወቕዓኒ፡ ተዓነድኩ፡ እተዋረድኩ ዀይኑ እውን ተሰምዓኒ። ሽዑ፡ ይቕረ ኽብሎ ለመነኒ፣ ከምኡ ምግባር ግን ልማዱ ዀነ። በደሉ ይቕረ ኽብለሉን ክርስዖን ክርስትያናዊ ግዴታይ ከም ዝዀነ ገይረ እሓስብ ነበርኩ። ብዘይካዚ፡ ጸገምና ንዝዀነ ይኹን ሰብ፡ እንተላይ ንሽማግለታት ጉባኤ ምንጋር፡ ጥልመት ከም ዝዀነ ገይረ እሓስብ ነበርኩ። ንዓመታት ብተደጋጋሚ ወቕዓኒ፡ ኣነ እውን ይቕረ ይብለሉ ነበርኩ። እዚ ዅሉ ኪኸውን ከሎ፡ ሰብኣየይ ከም ዜፍቅረኒ ንምግባር፡ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ዘሎ ይመስለኒ ነበረ። ኣብ መወዳእታ፡ ንዓይን ንጓለይን ራሕሪሑና ምስ ከደ፡ ሓዳረይ ንኸይበታተን ዝያዳ ኽገብር ወይ ክዛረብ ከም ዝነበረኒ ዀይኑ ተሰምዓኒ።”

ከም ማርጋሪታን ጄንን፡ ሰብኣይኪ ስለ ዝጠለመኪ፡ ስምዒታውን ገንዘባውን መንፈሳውን ውጥረት ዘጋጠመኪ ሰበይቲ ኽትኰኒ ትኽእሊ ኢኺ። ወይ ከኣ ሰበይትኻ ስለ ዝጠለመትካ ዝጐሃኻን ጸገም ተሕልፍ ዘለኻን ሰብኣይ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ፡ ኣብ “ክፉእ ዘመን” ንነብር ከም ዘለና ዚከሓድ ኣይኰነን። እዚ ትንቢት እዚ፡ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት፡” ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤት ስለ ዚጠፍእ፡ ስድራ ቤታት ጸገማት ከም ዜጋጥመን ይገልጽ። ገሊኦም ንኣምላኽ ከም ዜገልግሉ ዚዛረቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብግብሮም ግን ከም ዚኽሕድዎ ተገሊጹ ኣሎ። (2 ጢሞ. 3:1-5) ናይ ሓቂ ክርስትያናት በዚ ጸገማት እዚ ፈጺሞም ዘይትንከፉ ኣይኰኑን። እሞ ደኣ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጥልመት እንተ ኣጋጢሙካ፡ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

ንርእስኻ ኸምቲ የሆዋ ዚርእያ ጌርካ ርኣያ

ኣብ ፈለማ፡ ሓደ እተፍቅሮ ሰብ ክሳዕ ክንድዚ ኺጐድኣካ ኣይትጽበን ትኸውን። በቲ ተግባሩ ንርእስኻ ኽትወቅስ እውን ትጅምር ትኸውን።

ኰይኑ ግን፡ እቲ ፍጹም ሰብ ዝነበረ የሱስ እኳ ኸይተረፈ፡ ብሓደ ዚኣምኖን ዜፍቅሮን ሰብ ከም እተጠልመ ኣይትረስዕ። የሱስ ነቶም ናይ ቀረባ ብጾቱ ዚነበሩ ሃዋርያት ዝመረጾም፡ ንነዊሕ እዋን ድሕሪ ምጽላዩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብምሉኦም እቶም 12 ሃዋርያት፡ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ይሁዳ ኸዳዕ ምስ ኰነ፡ የሱስ ብዙሕ ሓዚኑ ኪኸውን ኣለዎ። (ሉቃ. 6:12-16) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንየሱስ፡ ብተግባራት ይሁዳ ተሓታቲ ኣይገበሮን።

ልክዕ እዩ፡ ኣብ ሓዳር ዋላ ሓደ ፍጹም ሰብ የልቦን። ክልቲኦም ሰብ ሓዳር ይጋገዩ እዮም። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ፡ ጐይታየ፡ መን ደው ኪብል እዩ፧” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (መዝ. 130:3) ሰብኣይን ሰበይትን ኣብነት የሆዋ ብምስዓብ፡ ዘይፍጽምና ሓድሕዶም ዕሽሽ ንምባል ድሉዋት ኪዀኑ ኣለዎም።—1 ጴጥ. 4:8

ኰይኑ ግን፡ “ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ።” (ሮሜ 14:12) ሓደ ኻብ መጻምድቲ ብዘረባኡ ዀነ ብተግባራቱ ሃሳዪ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተሓታቲ ይኸውን እዩ። የሆዋ፡ ዓመጻ ዀነ ጸርፊ ስለ ዚዅንን፡ ኣብ ልዕሊ መጻምድቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍቕርን ኣኽብሮትን ዘይብሉ ተግባር ንምፍጻም ዜኽእል ዋላ ሓደ ብቑዕ ምኽንያት የልቦን። (መዝ. 11:5፣ ኤፌ. 5:33፣ ቈሎ. 3:6-8) ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ሓደ ክርስትያን ብተደጋጋሚ ቝጥዓኡ ዚግንፍልን ዘይንሳሕን ዘይቅየርን እንተ ዀይኑ፡ ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺውገድ ኣለዎ። (ገላ. 5:19-21፣ 2 ዮሃ. 9, 10) ሓደ እተበደለ ክርስትያን መጻምድቲ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይክርስትያናዊ ተግባር ንሽማግለታት ብምሕባሩ፡ ሕማቕ ኪስምዖ የብሉን። የሆዋ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ግፉዓት ይርሕርሓሎም እዩ።

ሓደ ኻብ ምርዑዋት መጻምድቲ እንተ ዘምዩ፡ ነቲ ንጹህ መጻምድቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ እውን እዩ ዚብድሎ። (ማቴ. 19:4-9፣ እብ. 13:4) እቲ ንጹህ መጻምድቲ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪመላለስ ይጽዕር እንተ ኣልዩ፡ ብኽሕደት እቲ ዝዘመወ ሰብ ተሓታቲ ኸም ዝዀነ ኺስምዖ የብሉን።

የሆዋ፡ ከመይ ከም ዚስምዓካ ዚፈልጥ ምዃኑ ኣይትረስዕ። የሆዋ ንርእሱ ኸም ሰብኣይ ህዝቢ እስራኤል ከም ዝዀነት ገይሩ ገሊጽዋ ኣሎ፣ እቲ ህዝቢ ብመንፈሳዊ መዳይ ብምዝማዉ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝጐሃየ ዚገልጽ ልቢ ዚትንክፍ ሓሳባት እውን ኣብ ቃሉ ተመዝጊቡ ኣሎ። (ኢሳ. 54:5, 6፣ ኤር. 3:1, 6-10) ብመጻምድትኻ እተጠለምካ እንተ ዄንካ፡ የሆዋ ነቲ እተፍስሶ ንብዓት ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጦ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ። (ሚል. 2:13, 14) መጸናንዕን መተባብዕን ከም ዜድልየካ ይፈልጥ እዩ።

የሆዋ ብኸመይ ከም ዜጸናንዕ

የሆዋ ብክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢሉ የጸናንዓና እዩ። ጄን ነዚ ደገፍ እዚ ረኺባ እያ። ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “ብስምዒት ተደቚሰ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ሓላው ወረዳ በጽሓና። ሰብኣየይ ክፈትሓኒ ወሲኑ ስለ ዝነበረ፡ ማዕረ ኽንደይ ከም እተጨነቕኩ፡ እቲ ሓላው ወረዳ ይፈልጥ ነበረ። ግዜ ወሲዱ ንኸም 1 ቈረንቶስ 7:15 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ንኽሓስበሉ ሓገዘኒ። እዚ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን ሕያውነት ዝመልኦ ቓላቱን፡ ርእሰይ ንኸይወቅስ ሓገዘኒ፣ ናይ ኣእምሮ ሰላም ከኣ ረኸብኩ” በለት። b

እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ማርጋሪታ እውን፡ የሆዋ ብክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢሉ ኸም ዜጸናንዕ ርእያ እያ። ነዚ ኸኣ በዚ ዚስዕብ ቃላት ገለጸቶ፦ “ሰብኣየይ ከም ዘይንሳሕ ምስ ፈለጥኩ፡ ደቀይ ሒዘ ናብ ካልእ ከተማ ገዓዝኩ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ፡ ክልተ ኽፍሊ ተኻረኹ። ንጽብሒቱ፡ ብጓሂ ተዋሒጠ፡ ንብረተይ በቦታኡ ኸትሕዞ ኸለኹ፡ ማዕጾ ተዃሕኵሐ። እታ ኣብ ጥቓና እትነብር ብዓልቲ ገዛ ዝመጸት መሰለኒ። እቲ ዜገርም ግን፡ እታ ንኣደይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሓትላን ንስድራና ሓቂ ኽንፈልጥ ዝሓገዘትናን ሓብቲ እያ መጺኣ። ምስታ ብዓልቲ ገዛ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ደኣ እያ መጺኣ እምበር፡ ንዓይ ክትረኽበኒ ኣይሓሰበትን ነይራ። ብዙሕ እፎይታ ተሰምዓኒ፡ ስምዒተይ ከኣ ክቈጻጸር ኣይከኣልኩን። ኵነታተይ ገለጽኩላ፡ ሓቢርና እውን በኸና። ብኡንብኡ ድማ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኣኼባ ንኽንእከብ መሰናድዎ ገበረትልና። ኣባላት እታ ጉባኤ ጽቡቕ ኣቀባብላ ገበሩልና፡ ሽማግለታት እውን ንስድራ ቤተይ ብመንፈስ ዜድሊ ንምምላእ ግብራዊ መሰናድዎታት ገበሩ።”

ካልኦት ብኸመይ ኪሕግዙ ኸም ዚኽእሉ

ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ብእተፈላለየ መገዲ ግብራዊ ሓገዝ ኪህቡ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ማርጋሪታ ስራሕ ክትረክብ ነበራ። ሓንቲ ኣብታ ጉባኤ እትርከብ ስድራ ቤት ከኣ፡ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ደድሕሪ ትምህርቲ ንደቃ ኽትኣልዮም ፍቓደኛ ዀነት።

ማርጋሪታ፡ “ኣሕዋትን ኣሓትን ንዓይን ንደቀይን ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ንምውሳድ ኪሓቱኒ ኸለዉ ብሓቂ እየ ዘማስወሉ” በለት። ኣባላት ጉባኤ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ግብራዊ ሓገዝ ገይሮም፡ ‘ጾር ሓድሕዶም ይጾሩ፡’ “ሕጊ ክርስቶስ” ከኣ ይፍጽሙ።—ገላ. 6:2

እቶም ብሰንኪ እቲ ኻልኦት ዝገበርዎ ሓጢኣት ዚሳቐዩ ሰባት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ደገፍ ኪግበረሎም ከሎ ብሓቂ የማስዉ እዮም። ሰብኣያ 15,000 ዶላር ኣመሪካ ዚኣክል ዕዳ ኣሰኪምዋ፡ ምስ ኣርባዕተ ደቃ ኸኣ ራሕሪሑዋ ዝኸደ ሞኒክ ኸምዚ በለት፦ “መንፈሳውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ብዙሕ ፍቕሪ እዮም ኣርእዮምኒ። ብዘይ ደገፎም፡ ነዚ ኽሰግሮ ዝኽእል ኣይመስለንን። የሆዋ፡ ንደቀይ ጽቡቕ ዚገብሩሎም ብሉጻት ኣሕዋት እዩ ሂቡና። ሳላ እዚ ሓገዝ እዚ፡ ደቀይ ዓብዮም ብመንፈስ ብሱላት ኪዀኑ ኸለዉ ብምርኣየይ ተሓጒሰ እየ። ሓገዝ እንተ ኣድልዩኒ፡ ሽማግለታት ይሕግዙኒ ነበሩ። ዘዘራርቦ ሰብ እንተ ደልየ እውን፡ ይሰምዑኒ ነበሩ።”—ማር. 10:29, 30

ሓደ ፈቃር ፈታዊ፡ ብዛዕባ ዜሕዝን ነገር መዓስ ኬልዕል ከም ዘይብሉ የስተውዕል እዩ። (መክ. 3:7) ማርጋሪታ፡ “መብዛሕትኡ ግዜ፡ ምስተን ኣብታ ሓዳስ ጉባኤና ዘለዋ ኣሓት ብዛዕባ ዕዮ ስብከት፡ ብዛዕባ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ደቅና፡ ኰታስ ምስ ጸገመይ ብዛዕባ ዘይተሓሓዝ ነገራት ምዝርራብ ባህ ይብለኒ እዩ። ንሕሉፍ ነገር ሓዲገ፡ ከም ብሓድሽ ንኽጅምር ዚሕግዛኒ ምዃነን አማስወሉ እየ” በለት።

ሕነ ንኽትፈዲ ዚሓድረካ ድፍኢት ተቓወሞ

ሓድሓደ ግዜ፡ ብሓጢኣት መጻምድትኻ ተሓታቲ ኸም ዝዀንካ ዀይኑ ኣብ ክንዲ ዚስምዓካ፡ ብሰንኪ ኣበሳ መጻምድትኻ ብዙሕ ብምስቓይካ ተቐይምካ ትኸውን። እዚ ቒም እዚ እንተ ዓብዩ፡ ነቲ ንየሆዋ እሙን ኴንካ ንኽትነብር ዘሎካ ቘራጽነት ኬዳኽሞ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ጠላም መጻምድትኻ ሕነ እትፈድየሉ መገዲ ኸተናዲ ትፍተን ትኸውን።

ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ኣብ ውሽጥኻ ተደጒሉ ኸም ዘሎ እንተ ኣስተውዒልካ፡ ብዛዕባ እቲ እያሱን ካሌብን ዝሓደግዎ ኣብነት ከተስተንትን ትኽእል ኢኻ። እዞም እሙናት ሰብኡት እዚኣቶም ነታ ምድሪ ተስፋ ንምስላይ፡ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም እዮም። እቶም ምሳታቶም ዝኸዱ ሰለይቲ፡ እምነት ስለ ዝጐደሎም፡ ነቲ ህዝቢ ንየሆዋ ኸም ዘይእዘዝ ገበርዎ። እያሱን ካሌብን ነቲ ህዝቢ እሙን ኪኸውን ኬተባብዕዎ ምስ ፈተኑ፡ ገሊኦም እስራኤላውያን ሕሉፍ ሓሊፎም ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎም ሓሰቡ። (ዘሁ. 13:25–14:10) ብሰንኪ እዚ እስራኤላውያን ዝገበርዎ ተግባራት፡ እያሱን ካሌብን ን40 ዓመት ኣብ በረኻ ዀለል ኪብሉ ተገደዱ። ብሓጢኣቶም ዘይኰነስ፡ ብሓጢኣት ካልኦት እዮም ነዚ ዅሉ ጸይሮም።

እያሱን ካሌብን ጕህዮም ኪዀኑ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ብሰንኪ ሓጢኣት ኣሕዋቶም ግን ኣይተመረሩን። የግዳስ፡ መንፈሳዊ ሚዛኖም ኣብ ምሕላው እዮም ኣተኲሮም። ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ በረኻ ዝጸንሑሉ 40 ዓመት፡ ንሳቶምን ሌዋውያንን ካብቲ ሞይቱ እተወድአ ወለዶ ብህይወት ተሪፎም፡ ናብታ ምድሪ ተስፋ ኺኣትዉ ተፈቕደሎም።—ዘሁ. 14:28-30፣ እያ. 14:6-12

ጠላም መጻምድትኻ ዝገበሮ ተግባር፡ ንንውሕ ዝበለ እዋን የሳቕየካ ይኸውን። ሓዳርካ ይብተን ይኸውን፣ ድሕሪኡ እውን ስምዒታውን ገንዘባውን ጸገማት የጋጥመካ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ሕማቕ ሓሳባት ንኣተሓሳስባኻ ኺዕብልሎ ኣብ ክንዲ እተፍቅድ፡ የሆዋ ከምቲ ንዘይእሙናት እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ዝገበሮም፡ ነቶም ኰነ ኢሎም ንስርዓታቱ ዚጥሕሱ ብኸመይ ከም ዚቐጽዖም ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጥ ኣይትረስዕ።—እብ. 10:30, 31፣ 13:4

ክትጾሮ ትኽእል ኢኻ

ኣሉታዊ ሓሳባት ኪኸብደካ ኣብ ክንዲ እተፍቅድ፡ ንኣእምሮኻ ብሓሳብ የሆዋ ምልኣዮ። ጄን ከምዚ በለት፦ “ቅድሓት ኣውድዮ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ምስማዐይ፡ ጸገማተይ ንኽጾሮ ሓጊዙኒ እዩ። ኣኼባታት እውን ኣበራቲዑኒ እዩ። ኣብ ኣኼባታት ብንጥፈት ምስታፈይ፡ ጸገማተይ ንኽርስዕ ሓጊዙኒ እዩ። ካብ ዕዮ ስብከት እውን ተመሳሳሊ ጥቕሚ ረኺበ እየ። ካልኦት ብየሆዋ ኺኣምኑ ምሕጋዘይ፡ ንእምነተይ ኣደልዲልዋ እዩ። ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዘርእዮም ሓልዮት ከኣ፡ ኣእምሮይ ኣብ ዚሓይሽ ነገራት ንኼተኵር ሓጊዙኒ እዩ።”

እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሞኒክ ከምዚ በለት፦ “ኣብ ኣኼባታት ኣዘውቲረ ምእካበይን ብእተኻእለኒ መጠን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ምስታፈይን፡ ንኽጸንዕ ሓጊዙኒ እዩ። ኣብ መንጎ ስድራ ቤትና ዝያዳ ምቅርራብ ተፈጢሩ እዩ፡ ምስ ጉባኤና እውን ዝያዳ ተቐራሪብና ኢና። እቲ ዘሕለፍክዎ ጸበባ፡ ድኽመተይ ንኽፈልጥ ሓጊዙኒ እዩ። ፈተና እኳ እንተ ኣሕለፍኩ፡ ብሓገዝ የሆዋ ኽጾሮ ኽኢለ እየ።”

ንስኻ እውን ንዜጋጥመካ ተመሳሳሊ ፈተና ኽትጾሮ ትኽእል ኢኻ። ዋላ እኳ ብሰንኪ ጥልመት እንተ ተሳቐኻ፡ ነቲ ጳውሎስ፡ “እንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዜኡ ኽንዐጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ” ኢሉ እተዛረቦ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ንኽትስዕብ ጽዓር።—ገላ. 6:9

[እግረ-ጽሑፋት]

a ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

b መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምፍልላይን ፍትሕን ዘለዎ ኣረኣእያ ዚገልጽ ዝርዝር መግለጺ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 125-130, 219-221 ርአ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ብመጻምድቶም እተራሕርሑ ሰባት ነቶም ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ሒዞምዎም ዝኸዱ ክርስትያናት የማስውዎም እዮም