ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጸጋ ዝመልኦ ዘረባ ንርክባትካ ጽቡቕ ይገብሮ

ጸጋ ዝመልኦ ዘረባ ንርክባትካ ጽቡቕ ይገብሮ

ጸጋ ዝመልኦ ዘረባ ንርክባትካ ጽቡቕ ይገብሮ

“ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን።”—ቈሎ. 4:6

1, 2. ሓደ ሓው ብጸጋ ብምዝራቡ እንታይ ፍረ ረኺቡ፧

 ሓደ ሓው ከምዚ በለ፦ “ካብ ቤት ናብ ቤት እናሰበኽኩ ኸለኹ፡ ሓደ ኣዝዩ እተቘጥዐ ሰብኣይ ኣጋጠመኒ። ኣዝዩ ኻብ ምቝጣዑ እተላዕለ ኸናፍሩ ፈጥፈጥ ይብል፡ ምሉእ ሰብነቱ እውን የንቀጥቅጥ ነበረ። ህድእ ኢለ ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይረ ኸዘራርቦ እኳ እንተ ፈተንኩ፡ ቍጥዓኡ እናገደደ ኸደ። ሰበይቱን ደቁን ምስኡ ሓቢሮም ኣቈናጸቡኒ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ፡ ሓዲገዮም ክኸይድ ከም ዘሎኒ ፈለጥኩ። ብሰላም ከም ዝመጻእኩ፡ ብሰላም እውን ክኸይድ ከም ዝደሊ ነገርክዎም። ነታ ፍቕርን ለውሃትን ርእስኻ ምግታእን ሰላምን እተጠቕሰላ ገላትያ 5:22, 23 ኣርኣኽዎም። ድሕሪኡ ሓዲገዮም ከድኩ።

2 “ጸኒሐ፡ ኣብቲ ኣብ ማዕዶ ዘሎ ኣባይቲ ክዅሕኵሕ ከለኹ፡ እቶም ኣባላት ስድራ ቤት ኣብ ኣፍ ደገ ቤቶም ኣብ ዘሎ መደያይቦ ኾፍ ኢሎም ረኣኽዎም። ተደሃዩኒ። ‘ሕጂኸ እንታይ ኪገብሩ እዮም፧’ ኢለ ሓሰብኩ። እቲ ሰብኣይ ማይ ሒዙ ነበረ፡ ክሰቲ ድማ ዓደመኒ። ስለቲ ስርዓት ዘይብሉ ኣዘራርባኡ ይቕረታ ሓተተኒ፡ ድልድልቲ እምነት ስለ ዘላትኒ ድማ ነኣደኒ። በዚ ኸምዚ ብጽቡቕ ተፈላለና።”

3. ካልኦት ኬቘጥዑና ኺፍትኑ ኸለዉ፡ ክንቍጣዕ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

3 ኣብዛ ጸቕጢ ዝመልኣ ዓለም፡ ኣብ ኣገልግሎት ኰነ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ቍጡዓት ሰባት የጋጥሙና እዮም። ከምኡ ዓይነት ሰባት ኬጋጥሙና ኸለዉ፡ “ብለውሃትን ብኽብርን” ክንሕዞም ኣሎና። (1 ጴጥ. 3:15 ትርጕም 1990) እቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሓው በቲ ናይቲ ብዓል ቤት ቍጥዓን ሕሰምን ተደፋፊኡ እንተ ዚቝጣዕ ነይሩ፡ ምናልባት ኣረኣእያ እቲ ሰብኣይ ኣይምለስለሰን፣ የግዳስ፡ መሊሱ ምተቘጥዐ። እንተዀነ ግን፡ እቲ ሓው ርእሱ ስለ እተቘጻጸረን ብጸጋ ስለ እተዛረበን፡ ጸቡቕ ፍረ ረኸበ።

ንዘረባ ጸጋ ዝመልኦ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

4. ዘረባና ጸጋ ዝመልኦ ኪኸውን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

4 ኣብ ወጻኢ ዀነ ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ምስ ዘለዉ ሰባት ኣብ ዘሎና ርክብ፡ ዋላ እውን ምስ ኣባላት ስድራ ቤትና ኣብ ዘሎና ርክብ፡ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን” ኢሉ እተዛረቦ ምኽሪ ኽንስዕቦ ኣሎና። (ቈሎ. 4:6) ከምዚ ዝኣመሰለ ጥዑምን ግቡእን ዘረባ፡ ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን ሰላምን ንኺህሉ ኣገዳሲ እዩ።

5. ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኣይኰነን፧ ግለጽ።

5 ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኪበሃል ከሎ፡ ኵሉ እቲ እትሓስቦን ዚስምዓካን ነገር ተውጽኦ ማለት ኣይኰነን፣ ብፍላይ ክትሓርቕ ከለኻ ኸኣ፡ ዝያዳ ጥንቃቐ የድሊ። ብቝጥዓ ዚዝረብ ዘረባ፡ ምልክት ብርታዐ ዘይኰነስ፡ ምልክት ድኽመት ምዃኑ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ይገልጽ እዩ። (ምሳሌ 25:28፣ 29:11 ኣንብብ።) እቲ ኻብ ኵሎም እቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ዝያዳ “ዓቃል” ዝነበረ ሙሴ፡ ኣብ ሓደ እዋን በቶም ዓለወኛታት ህዝቢ እስራኤል ተቘጢዑ፡ ንየሆዋ ኽብሪ ዘይህብ ዘረባ ተዛረበ። ስምዒቱ ብንጹር እኳ እንተ ኣመሓላለፈ፡ የሆዋ ግን በዚ ኣይተሓጐሰን። ንእስራኤላውያን ን40 ዓመት ድሕሪ ምምራሑ፡ ናብታ ምድሪ ተስፋ መሪሕዎም ኪኣቱ ኣይተፈቕደሉን።—ዘሁ. 12:3፣ 20:10, 12፣ መዝ. 106:32

6. ብምስትውዓል ንዛረብ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

6 ክንዛረብ ከለና፡ ርእስና ኽንገትእን ብምስትውዓል ወይ ብምምዝዛን ክንዛረብን ከም ዚግባእ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ይሕብር እዩ። “ብዙሕ ዘረባ ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ኣበሳ ኣይስአኖን፡ ከናፍሩ ዚገትእ ግና ለባም እዩ።” (ምሳ. 10:19፣ 17:27) ኰይኑ ግን፡ ምስትውዓል ኪበሃል ከሎ፡ ሓሳብካ ፈጺምካ ኣይትገልጽን ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንመልሓስካ ብጐዳኢ መገዲ ዘይኰነስ፡ ብዜጥዒ መገዲ ብምጥቃም፡ “ብጸጋ” ትዛረብ ማለት እዩ።—ምሳሌ 12:18፣ 18:21 ኣንብብ።

“ስቕ ንምባል ጊዜ አለዎ፡ ንምዝራብ ድማ ጊዜ አለዎ”

7. እንታይ እዩ ኺዝረብ ዘይግባእ፧ ስለምንታይከ፧

7 ከምቲ ንመሳርሕትና ወይ ንሓደ ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦ ሰብ ከነዘራርብ ከለና ብጸጋ ኽንዛረብ ወይ ርእስና ኽንገትእ ዜድልየና፡ ኣብ ጉባኤናን ኣብ ቤትናን እውን ከምኡ ኽንገብር የድልየና እዩ። ብዛዕባ ሳዕቤናት ከይሓሰብና ተሃንና ምውጻእ፡ ኣብ መንፈሳውን ስምዒታውን ኣካላውን ጥዕናና ዀነ ኣብ ጥዕና ኻልኦት ከቢድ ጕድኣት የውርድ እዩ። (ምሳ. 18:6, 7) ነቲ ኻብ ዘይፍጹም ስጋና ዚምንጭው ሕማቕ ስምዒታት ክንቈጻጸሮ ኣሎና። ኵሉ ጸርፍን ላግጽን ንዕቀትን ቍጥዓን ጌጋ እዩ። (ቈሎ. 3:8፣ ያእ. 1:20) እዚ ነቲ ምስ ሰባትን ምስ የሆዋን ዝነበረና ኽቡር ርክብ ኬበላሽዎ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ የሱስ ከምዚ ኢሉ መሃረ፦ “ንሓዉ ዚቝጥዖ ዘበለ ዅሉ ኺፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፤ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ፡ ዚብሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኺፍረዶ፡ ኣታ ዓሻ፡ ዚብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኺፍረዶ እዩ።”—ማቴ. 5:22

8. መዓስ ኢና ስምዒታትና ኽንገልጽ ዘሎና፧ ብኸመይከ፧

8 ገሊኡ ሓሳብና ግን ክንገልጾ ኣሎና። ሓደ ሓውካ ዝገበሮ ወይ እተዛረቦ ነገር እንተ ረቢሹካ እሞ፡ ክትሓልፎ እንተ ዘይክኢልካ፡ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ጽልኢ ኺጭብጭብ ኣይተፍቅድ። (ምሳ. 19:11) ሓደ ሰብ እንተ ኣቘጢዑካ፡ ፈለማ፡ ንስምዒታትካ ተቘጻጸር፣ ድሕሪኡ፡ ነቲ ጕዳይ ንምፍታሕ ስጕምትታት ውሰድ። ጳውሎስ፡ “ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም” ኢሉ ጸሓፈ። እቲ ጸገም ይርብሸካ ስለ ዘሎ፡ ኣብ እዋኑ ብለውሃት ክትፈትሖ ጽዓር። (ኤፌሶን 4:26, 27, 31, 32 ኣንብብ።) ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ምስ ሓውካ ብግልጺ፡ ግን ከኣ ብጸጋን ብናይ ዕርቂ መንፈስን ተዘራረብ።—ዘሌ. 19:17፣ ማቴ. 18:15

9. ምስ ሰባት ቅድሚ ምዝርራብና፡ ስምዒታትና ኽንቈጻጸር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

9 ልክዕ እዩ፡ ሓሳብካ እትገልጸሉ ጽቡቕ ግዜ ኽትመርጽ ኣሎካ። “ስቕ ንምባል ጊዜ አለዎ፡ ንምዝራብ ድማ ጊዜ አለዎ።” (መክ. 3:1, 7) ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ “ልቢ ጻድቕ ዚመልሶ ይሐስብ” እዩ። (ምሳ. 15:28) እዚ ኸኣ ብዛዕባ ጸገማት ንምዝርራብ፡ ትዕግስቲ ኽትገብር ኣሎካ ማለት እዩ። ኣመና ተቘጢዕካ ኸለኻ ምዝራብ፡ ነቲ ነገር ኬጋድዶ ይኽእል እዩ፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ነቲ ጕዳይ ሒዝካዮ ንነዊሕ ግዜ ስቕ ምባል እውን ጽቡቕ ኣይኰነን።

ጸጋ ዝመልኦ ተግባራት ንርክባት የመሓይሽ

10. ጸጋ ዝመልኦ ተግባራት ንርክባት ዜመሓይሽ ብኸመይ እዩ፧

10 ጸጋ ዝመልኦ ዘረባን ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን፡ ሰላማዊ ርክባት ንኽትምስርትን ንኽትዕቅብን ይሕግዝ እዩ። ምስ ካልኦት ዘሎና ርክባት ንምምሕያሽ ዚከኣለና ምስ እንገብር ከኣ፡ ነቲ ምሳታቶም ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥ እንገብሮ ጻዕሪ ኼመሓይሾ ይኽእል እዩ። ንሰባት ብቕንዕናን ብሕያውነትን ምስ እንቐርቦም፡ ማለት ንኽንሕግዞምን ካብ ልብና ህያባት ንኽንህቦምን ንኸነአንግዶምን ኣጋጣሚታት ምስ እነናዲ፡ ምሳታቶም ክፉት ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ንኺህልወና ኣበርክቶ ንገብር ኢና። እዚ ተግባር እዚ ኸኣ፡ ኣብ ርእሲ ሰብ “ጕሁር ሓዊ” ስለ ዚእክብ፡ ነቲ ጽቡቕ ባህርያት እቲ ሰብ ኬውጽኦ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ነቲ እተፈጥረ ጸገም ንኽትዘራረቡሉ ዝቐለለ ይገብሮ።—ሮሜ 12:20, 21

11. ያእቆብ ምስ ኤሳው ዝነበሮ ርክብ ንምዕራይ እንታይ እዩ ዝገበረ፧ እዚኸ እንታይ ኣፍረየሉ፧

11 እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ ያእቆብ፡ ነዚ ተረዲእዎ ነበረ። እቲ ፍላይ ማንታኡ ዝነበረ ሓዉ ኤሳው ኣመና ተቘጢዕዎ ስለ ዝነበረ፡ ምእንቲ ኸይቀትሎ ኻብኡ ሃደመ። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት፡ ያእቆብ ተመልሰ። ኤሳው ከኣ 400 ሰብኣይ ሒዙ ኺቀባበሎ ወጸ። ያእቆብ ካብ የሆዋ ሓገዝ ደልዩ ጸለየ። ድሕሪኡ፡ ንኤሳው ገጽ በረኸት ዚኸውን፡ ብዙሕ ማል ለኣኸሉ። እቲ ገጽ በረኸት ዕላማኡ ወቕዐ። ኣብ መወዳእታ ኣብ እተራኸቡሉ እዋን፡ ልቢ ኤሳው ለስሊሱ ነበረ፡ ጐዪዩ ኸይዱ እውን ንያእቆብ ሓቘፎ።—ዘፍ. 27:41-44፣ 32:6, 11, 13-15፣ 33:4, 10

ጸጋ ብዝመልኦ ዘረባ ጌርካ ኣተባብዕ

12. ንኣሕዋትና ጸጋ ዝመልኦ ዘረባ ኽንዛረቦም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

12 ክርስትያናት ንሰባት ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ እዮም ዜገልግሉ። ይኹን እምበር፡ ስምረት ሰባት ክንረክብ ምድላይና ባህርያዊ እዩ። ጸጋ ዝመልኦ ቓላትና ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ጾሮም ኬፍኵሰሎም ይኽእል እዩ። ተሪር ነቐፌታ ግን፡ ነቶም ጾር ዝኸበዶም መሊሱ ኬኽብደሎም፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ንገሊኦም ሰባት ስምረት የሆዋ ኸም ዝሰኣኑ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ኪገብሮም ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ካብ ልብና፡ ዜተባብዕ ቃላት ንዛረብ፣ እወ፡ “እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ” ንዛረብ።—ኤፌ. 4:29

13. ሽማግለታት (ሀ) ምኽሪ ኺህቡ ኸለዉ፡ (ለ) ደብዳበ ኺጽሕፉ ኸለዉ፡ እንታይ እዮም ኣብ ኣእምሮኦም ኪሕዙ ዘለዎም፧

13 ብሕልፊ ሽማግለታት “ርሕሩሓት” ኪዀኑን ነተን መጓሰ ብለውሃት ኪሕዝወንን ኣለዎም። (1 ተሰ. 2:7, 8) ምኽሪ ኺህቡ ኣብ ዜድልየሉ እዋን፡ ምስቶም “ተጻረርቲ” እውን ከይተረፈ፡ “ብህድኣት” ኪዘራረቡ ኣለዎም። (2 ጢሞ. 2:24, 25) ንኻልኦት ኣባላት ኣካል ሽማግለታት ወይ ንቤት ጽሕፈት ጨንፈር ደብዳበ ኺጽሕፉ ኸለዉ እውን እንተ ዀነ፡ ሓሳባቶም ብጸጋ ኺገልጹ ኣለዎም። ምስቲ ኣብ ማቴዎስ 7:12 ዚርከብ ሓሳባት ብምስምማዕ፡ ለዋሃትን ሜለኛታትን ኪዀኑ ኣለዎም።

ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ብጸጋ ምዝርራብ

14. ጳውሎስ ንሰብኡት እንታይ ምኽሪ እዩ ሂብዎም፧ ስለምንታይከ፧

14 ቃላትናን ኣብ ገጽና ዚንበብ መግለጺታትን ኣካላዊ ምንቅስቓሳትናን ኣብ ካልኦት ዜሕድሮ ጽልዋ ኣቕሊልና ንርእዮ ንኸውን። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰብኡት፡ ቃላቶም ንኣንስቶም ክሳዕ ክንደይ ከም ዚጸልወን ምሉእ ብምሉእ ኣይርድኡን ይዀኑ። ሓንቲ ሓብቲ፡ “ሰብኣየይ ብቝጥዓ ዓው ኢሉ ኺዛረበኒ ኸሎ፡ የፍርሃኒ እዩ” በለት። ተሪር ቃላት ካብ ኣብ ሰብኣይ ንላዕሊ፡ ኣብ ሰበይቲ ዝያዳ ጽልዋ ኺህልዎን ንነዊሕ እዋን ኣብ ልባ ኺጸንሕን ይኽእል እዩ። (ሉቃ. 2:19) ብፍላይ ካብ እትፈትዎን እተኽብሮን ሰብ እተዘርበ ቓላት ብቐሊሉ ኣይትርስዖን እያ። ጳውሎስ ንሰብኡት፡ “ኣቱም ሰብኡት፡ ነንስትኹም ኣፍቅርወን እሞ ኣይትምረርወን” በሎም።—ቈሎ. 3:19

15. ሰብኣይ ንሰበይቱ ብለውሃት ኪሕዛ ዘለዎ ስለምንታይ ምዃኑ ብምሳሌ ኣረድእ።

15 ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ሓደ ምኩር ብዓል ሓዳር፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኸም “ድኽምቲ ፍጥረት” ገይሩ ብለውሃት ኪሕዘሉ ዘለዎ ምኽንያት ብምሳሌ ገይሩ ኼረድእ ከሎ፡ “ንሓንቲ ኽብርትን ተነቃፊትን ሳርማ ኽትሕዛ ኸለኻ፡ ብሓይሊ ኣይትዓትራን ኢኻ፣ እንተ ዘይኰይኑ ኽትነቅዕ ትኽእል እያ። ዋላ እውን እንተ ተጸገነት፡ እቲ ነቓዕ ኪርአ ይከኣል እዩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ሰብኣይ ንሰበይቱ ኣመና ኺሕይላ ብዚኽእል ቃላት እንተ ተዛሪብዋ፡ ኪጐድኣ ይኽእል እዩ። እዚ ኣብ ርክቦም ነባሪ ነቓዕ ኪፈጥር ይኽእል እዩ” በለ።—1 ጴጥሮስ 3:7 ኣንብብ።

16. ሰበይቲ ንስድራ ቤታ ኽትሃንጽ እትኽእል ብኸመይ እያ፧

16 ሰብኡት እውን በቲ ኻልኦት ዚዛረብዎ ቓላት፡ እንተላይ በቲ ኣንስቶም ዚዛረባኦም ቃላት፡ ኪተባብዑ ወይ ኪድቈሱ ይኽእሉ እዮም። ልቢ ሰብኣያ ‘ዚእመና’ “ለባም ሰበይቲ፡” ከምቲ ንሱ ንስምዒታታ ኺሓሊ እትደልዮ፡ ንሳ እውን ንስምዒታቱ ትሓሊ እያ። (ምሳ. 19:14፣ 31:11) እወ፡ ሰበይቲ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤታ፡ እንተ ንጽቡቕ፡ እንተ ንሕማቕ፡ ዓብዪ ጽልዋ ኺህልዋ ይኽእል እዩ። “ለባም ሰበይቲ ቤታ ትሀንጽ፡ ዓሻ ግና ብገዛእ ኢዳ ተፍርሶ።”—ምሳ. 14:1

17. (ሀ) ንኣሽቱ ንወለዶም ብኸመይ ኪዛረብዎም ኣለዎም፧ (ለ) ዓበይቲ ንንኣሽቱ ብኸመይ ኪዛረብዎም ኣለዎም፧ ስለምንታይከ፧

17 ወለድን ውሉዳትን እውን ብጸጋ ኺዘራረቡ ኣለዎም። (ማቴ. 15:4) ንንኣሽቱ ብሓልዮት ንዛረቦም እንተ ዄንና፡ ‘ኣይነዀርዮምን’ ኢና። (ቈሎ. 3:21፣ ኤፌ. 6:4) ወለድን ሽማግለታትን ንውሉዳት ኪግስጽዎም ከለዉ እውን ከይተረፈ፡ ብኣኽብሮት ኪዛረብዎም ኣለዎም። በዚ ኸምዚ፡ ንኣሽቱ መገዶም ንኺእርሙን ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ ሓልዮም ንኺመላለሱን ዝቐለለ ይዀነሎም። ብኣታቶም ተስፋ ኸም ዝቘረጽና ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ክንገብር የብልናን፣ ከምኡ እንተ ጌርና፡ ንሳቶም እውን ተስፋ ኪቘርጹ ይኽእሉ እዮም። ንኣሽቱ ንዅሉ እቲ እተዋህቦም ምኽሪ ኣይዝክርዎን ይዀኑ፣ ካልኦት ብኸመይ ከም እተዛረብዎም ግን ይዝክሩ እዮም።

ካብ ልቢ ጽቡቕ ምዝራብ

18. ጐዳኢ ሓሳባትን ስምዒታትን ብኸመይ ከተወግዶ ትኽእል፧

18 ቍጥዓና ምቍጽጻር ኪበሃል ከሎ፡ ህዱኣት መሲልና ንርአ ማለት ጥራይ ኣይኰነን። ሸቶና ነቲ ሓያል ስምዒታትና ኻብ ምዕባጥ ንላዕሊ ኪኸውን ኣለዎ። ብደጌና ኽንሃድእ እናፈተንና፡ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ቝጥዓ ኺግንፍል ይደሊ እንተ ኣልዩ፡ ብዙሕ እዩ ዜጨንቐና። ንማኪና ነዳዲ እናሃብካ፡ ፍሬኖኣ ረጊጽካ ኸም ምሓዝ እዩ ዚኸውን። እዚ ነታ ማኪና ብዙሕ እዩ ዜጨንቓ፡ ጕድኣት እውን ኬምጽኣላ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ቍጥዓኻ ዓቢጥካ ድሕሪ ምሓዝ፡ ጸኒሕካ ኣይትፈንዎ። የግዳስ፡ ንልብኻ ኻብ ጐዳኢ ስምዒታት ንኸተጽሪ ዜድልየካ ሓገዝ ንምርካብ፡ ናብ የሆዋ ጸሊ። መንፈስ የሆዋ ንሓሳብካን ንልብኻን ምስ ፍቓዱ ኸም ዚሰማማዕ ገይሩ ኺልውጦ ፍቐደሉ።—ሮሜ 12:2፣ ኤፌሶን 4:23, 24 ኣንብብ።

19. ካብ ቈየቛ ንምርሓቕ እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ክትወስድ ትኽእል፧

19 ግብራዊ ስጕምትታት ውሰድ። ውጥረት ኣብ ዝሰፈኖ ዅነታት እንተ ኣሊኻን ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ቝጥዓ ኺግንፍል እንተ ደልዩን፡ ካብቲ ቦታ ምርሓቕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ፣ በዚ ኸምዚ ስምዒታትካ ንኸተህድእ ግዜ ትረክብ። (ምሳ. 17:14) እቲ እተዘራርቦ ዘለኻ ሰብ ኪቝጣዕ እንተ ጀሚሩ፡ ብጸጋ ንኽትዛረቦ ዝያዳ ጻዕሪ ግበር። ሓደ ነገር ኣይትረስዕ፣ “ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ፡ ተሪር ቃል ግና ኵራ የልዕል።” (ምሳ. 15:1) ሃሳዪ ወይ ጐዳኢ ዘረባ ዋላ እውን ብልኡም ደሃይ ይዘረብ፡ ነዳዲ ኣብ ሓዊ ኻብ ምውሳኽ ሓሊፉ ዚዓብሶ ነገር የብሉን። (ምሳ. 26:21) ስለዚ፡ ርእስኻ ንኸይትቈጻጸር ዚፈታተን ነገር ኬጋጥመካ ኸሎ፡ “ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንዅራ ደንጓዪ” ኹን። ሕማቕ ዘረባ ሓዲግካ፡ ጽቡቕ ምእንቲ ኽትዛረብ፡ መንፈስ የሆዋ ኺወሃበካ ጸሊ።—ያእ. 1:19

ካብ ልቢ ይቕረ ምባል

20, 21. ንኻልኦት ይቕረ ንምባል ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ከምኡ ኽንገብር ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

20 ንልሳኑ ምሉእ ብምሉእ ኪቈጻጸር ዚኽእል ዋላ ሓደ የልቦን። (ያእ. 3:2) ኣባላት ስድራ ቤትን መንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን ዝጸዓሩ እኳ እንተ ጸዓሩ፡ ሓድሓደ ግዜ ንስምዒታትና ኺጐድእ ዚኽእል ነገር ኪመልቆም ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን፡ ቀልጢፍና ኣብ ክንዲ እንቕየም፡ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝበሉ፡ ብትዕግስቲ ንሕሰብ። (መክብብ 7:8, 9 ኣንብብ።) ጸቕጢ ስለ ዝበርትዖም፡ ስለ ዝፈርሁ፡ ጽቡቕ ስለ ዘይተሰምዖም፡ ወይ ከኣ ምስ ደጋዊ ወይ ውሽጣዊ ጸገም ይቃለሱ ስለ ዘለዉ ደዀን ይኸውን፧

21 እዚ ረቛሒታት እዚ፡ ብቝጥዓ ንእተዛረብዎ ዘረባ ምኽንያት ዚኸውን ኣይኰነን። ኰይኑ ግን፡ ነዚ ምፍላጥና፡ ኪብልዎ ዘይግባእ ነገር ስለምንታይ ከም ዝበሉ ንኽንፈልጥን ይቕረ ንኽንብለሎምን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ኵላትና ንሰባት ዚጐድእ ነገር ስለ እንዛረብን ስለ እንገብርን፡ ብጸጋ ይቕረ ኺብሉልና ንደሊ ኢና። (መክ. 7:21, 22) ኣምላኽ፡ በደልና ምእንቲ ኺሓድገልና፡ ንሕና እውን ንኻልኦት በደሎም ክንሓድገሎም ከም ዘሎና፡ የሱስ ተዛሪቡ እዩ። (ማቴ. 6:14, 15፣ 18:21, 22, 35) ስለዚ፡ ይቕረታ ንምሕታትን ይቕረታ ንምግባርን ቅልጡፋት ክንከውን ኣሎና፣ በዚ ኸምዚ፡ እታ “ማእሰር ፍጻሜ” ዝዀነት ፍቕሪ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤትናን ጉባኤናን ትህሉ።—ቈሎ. 3:14

22. ጸጋ ዝመልኦ ዘረባ ንምዝራብ እንገብሮ ጻዕሪ እንታይ ፍረ ኣለዎ፧

22 እዚ ብቝጥዓ ዝመልአ ስርዓት እዚ ናብ መወዳእታኡ ገጹ እናቐረበ ምስ ከደ፡ ንሓጐስናን ንሓድነትናን ዚፍትን ነገራት እናወሰኸ ኪኸይድ ይኽእል እዩ። ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ምውዓልና፡ ንልሳንና ኣብ ክንዲ ብሕማቕ፡ ብጽቡቕ ንኽንጥቀመላ ይሕግዘና እዩ። ኣብ ውሽጢ ጉባኤን ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤትን ዝያዳ ሰላም ንረክብ፣ እቲ እነርእዮ ኣብነት እውን ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ እቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ ጽቡቕ ምስክርነት ይህቦም።—1 ጢሞ. 1:11 NW።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ብዛዕባ ጸገማት ንምዝርራብ ግቡእ ግዜ ምሕራይ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• ኣባላት ስድራ ቤት ወትሩ “ብጸጋ” ኺዘራረቡ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

• ጐዳኢ ነገራት ካብ ምዝራብ ክንቍጠብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ይቕረ በሃልቲ ንኽንከውን ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ፈለማ፡ ስምዒታትካ ኽሳዕ ዚሃድእ ተዓገስ፣ ድሕሪኡ፡ ንኽትዛረብ ግቡእ ግዜ ሕረ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ሰብኣይ ንሰበይቱ ወትሩ ብለውሃት ኪዛረባ ኣለዎ