ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስትብሃል ሰናይ ፍረ የፍሪ

ምስትብሃል ሰናይ ፍረ የፍሪ

ምስትብሃል ሰናይ ፍረ የፍሪ

ነቲ ኣብ ክሊ ጉባኤኻ ንኽትሰብኽ ዜኽእለካ ዘይተጸበኻዮ ኣጋጣሚ ተስተብህለሉ ዲኻ፧ ኣብታ ታሪኻዊት ወደባዊት ከተማ ዝዀነት ቱርኩ፡ ፊንላንድ ዚርከቡ ክርስትያናት ኣሕዋትና ዘርኣይዎ ንቕሓት ወይ ምስትብሃል ጽቡቕ ፍረ ንኺረኽቡ ኣኽኢልዎም እዩ።

ቅድሚ ገለ ግዜያት፡ እቶም ኣብ ቱርኩ ዚነብሩ ኣሕዋት ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ ጋራዥ መርከብ ንእትስራሕ ዝነበረት መዛወሪት መርከብ ኪዛዝሙ ዚመጹ እስያውያን ከም ዘለዉ ኣስተብሃሉ። ጸኒሑ፡ ካብ ወጻኢ ዚመጹ ሰራሕተኛታት ኣበየናይ ሆቴል ከም ዜዕርፉ ሓደ ሓው ፈለጠ። ንግሆ ንግሆ ኻብቲ ኣብ ማእከል ከተማ ዚርከብ ሆቴል ናብቲ ወደብ ብኣውቶቡሳት ከም ዚውሰዱ እውን ኣስተውዓለ። ብኡንብኡ ኸኣ ነታ ኣብ ቱርኩ እትርከብ ተዛረብቲ ቛንቋ እንግሊዝኛ ዘለዉዋ ጉባኤ ሓበራ።

እቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ዜኽእሎም ዘይተጸበይዎ ኣጋጣሚ ኸም እተኸፍተሎም ተገንዘቡ እሞ፡ ውዓል ሕደር ከይበሉ ፍሉይ ወፈራ ኺግበር መሰናድዎ ገበሩ። ሰንበት ሰዓት ሸውዓተ ናይ ንግሆ፡ ዓሰርተ ኣስፋሕቲ ኣብ ጥቓ መጸበዪ ኣውቶቡስ ተኣከቡ። መጀመርታ ዋላ ሓደ ሰራሕተኛ ኣይመጸን። እቶም ኣሕዋት፡ ‘ደንጒና ደዀን ንኸውን፧ ወይስ ካብ ቱርኩ ወጺኦም ይዀኑ፧’ ኢሎም ሓሰቡ። ጸኒሑ ግን፡ ሓደ ሰራሕተኛ ኽዳን ስራሕ ተኸዲኑ ተቐልቀለ። ደድሕሪኡ ኻልእ ሰራሕተኛ ሰዓበ፡ ከምኡ እናበሉ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ኪመጹ ጀመሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ እቲ መጸበዪ ኣውቶቡስ በቶም ሰራሕተኛታት መልአ። እቶም ኣስፋሕቲ ብእንግሊዝኛ እተዳለወ ጽሑፋት ሒዞም ነቶም ሰራሕተኛታት ኪሰብኩሎም ጀመሩ። ኵሎም እቶም ሰራሕተኛታት ኣብተን ኣውቶቡሳት ኣትዮም ኰፍ ክሳዕ ዚብሉ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ስለ ዝወሰደ፡ እቶም ኣሕዋት ምስ መብዛሕትኦም ኪዘራረቡ ኸኣሉ። እቶም ሰራሕተኛታት፡ ብጠቕላላ 126 ንኣሽቱ ጽሑፋትን 329 መጽሔታትን ሒዞም ነቐሉ።

ኣሕዋት በዚ ሰናይ ፍረ እዚ ተተባቢዖም፡ ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ሓላው ወረዳ ዚበጽሓላ ሰሙን ነቲ ወፈራ ኺደግምዎ መደብ ገበሩ። ሰዓት ሽዱሽተን ፈረቓን ናይ ንግሆ ማይ እናወቕዐ፡ እቲ ሓላው ወረዳ፡ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ መርሐ፣ ድሕሪዚ 24 ኣስፋሕቲ ናብቲ መጸበዪ ኣውቶቡስ ከዱ። እቶም ኣሕዋት፡ መብዛሕትኦም እቶም ወጻእተኛታት ካብ ፊሊፒንስ ከም ዝመጹ ስለ ዝፈለጡ፡ ብቛንቋ ታጋሎግ እተዳለወ ጽሑፋት ተማልኡ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ እተን ኣውቶቡስ ናብ ወደብ ኪብገሳ ኸለዋ፡ እቶም ሰራሕተኛታት 7 መጻሕፍትን 69 ንኣሽቱ ጽሑፋትን 479 መጽሔታትን ሒዞም ነበሩ። እቶም ኣብቲ ወፈራ እተኻፈሉ ኣሕዋትን ኣሓትን እተሰምዖም ሓጐስ እሞ ገምቶ!

እቶም ሰራሕተኛታት ናብ ዓዓዶም ቅድሚ ምኻዶም፡ እቶም ኣሕዋት ናብቲ ዘዕረፉሉ ሆቴላት እናኸዱ ንሓያሎ ኻባታቶም ብዛዕባ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብዝርዝር ኪገልጹሎም ክኢሎም እዮም። ገሊኦም ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ካልእ ሃገራት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኺቦም ከም ዝነበሩ ገለጹ። ኣብ ፊንላድ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን እቶም ኣሕዋት ተበግሶ ወሲዶም ስለ ዝረኸብዎም ከኣ ኣመስገኑ።

ነቲ ኣብ ክሊ ጉባኤኻ ኺፍጠር ዚኽእል ትጽቢት ዘይተገብረሉ ኣጋጣሚታት ተስተብህለሉ ዲኻ፧ እተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ንዘለዎም ሰባት ተበግሶ ወሲድካ ንኸተዛራርቦም ትጽዕር ዲኻ፧ ከምዚ እንተ ጌርካ፡ ከምቲ እቶም ኣብ ቱርኩ ዚነብሩ ኣሕዋት ዝረኸብዎ ዓይነት ተመክሮ ኽትረክብ ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]

(For fully formatted text, see publication)

ፊንላንድ

ሄልሲንኪ

ቱርኩ

[ምንጪ ስእሊ]

STX Europe