ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንደቅኻ ፍቕሪ ንባብን መጽናዕትን ኣስርጸሎም

ንደቅኻ ፍቕሪ ንባብን መጽናዕትን ኣስርጸሎም

ንደቅኻ ፍቕሪ ንባብን መጽናዕትን ኣስርጸሎም

ከምቲ ንደቅኻ ንባብን መጽናዕትን ንምምሃር እትገብሮ ጻዕሪ ገይሩ፡ ንመጻኢኦም ኪቐርጾም ዚኽእል ካልእ ብዙሕ የልቦን። እዚ ድማ ብዙሕ ሓጐስ የምጽእ እዩ። ገሊኦም ውልቀ-ሰባት ብዛዕባ እቲ ወለዶም ዜንብቡሎም ዝነበሩ እዋን ጽቡቕ ተዘክሮ እዩ ዘለዎም። ንባብ ጠቓሚ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ባህ ዜብል እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። መንፈሳዊ ዕቤት ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቑ ስለ ዚምርኰስ፡ ንባብ ብሕልፊ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣድላዪ እዩ። ሓደ ክርስትያን ወላዲ፡ “ልዕሊ ዅሉ ኣኽቢርና እንርእዮ ነገራት፡ ምስ ንባብን መጽናዕትን ይተሓሓዝ እዩ” በለ።

ደቅኻ ጽቡቕ ልማድ መጽናዕቲ እንተ ኣልይዎም፡ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ኬማዕብሉ ይኽእሉ እዮም። (መዝ. 1:1-3, 6) ሓደ ሰብ ንኺድሕን ግድን ንባብ ኪኽእል እኳ እንተ ዘይብሉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ንንባብ ምስ ብዙሕ መንፈሳዊ ጥቕምታት የተሓሕዞ እዩ። ንኣብነት፡ ራእይ 1:3፡ “እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ ዜንብብን እቶም ዚሰምዕዎን . . . ብጹኣን እዮም” ትብል። ብዘይካዚ፡ ኣድላይነት እቲ ኣገዳሲ ኽፋል መጽናዕቲ ዝዀነ ኣትኵሮ፡ ኣብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ንጢሞቴዎስ፡ “እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፡ . . . ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ” ኢሉ ዝሃቦ ምኽሪ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ኢልዎ፧ ባዕሉ ምኽንያቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፡ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኺግለጽ” በሎ።—1 ጢሞ. 4:15

ርግጽ እዩ፡ ሓደ ሰብ ኬንብብን ኬጽንዕን ብምኽኣሉ ጥራይ፡ ጥቕሚ ይረኽበሉ ማለት ኣይኰነን። ኬንብቡ ዚኽእሉ ብዙሓት ሰባት ነዚ ኽእለቶም ኣይጥቀሙሉን እዮም፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ደድሕሪ ዘይጠቅም ነገራት እዮም ዚስዕቡ። እሞኸ ወለዲ ንደቆም፡ ንጠቓሚ ፍልጠት ጽምኢ ኸም ዚሓድሮም ኪገብሩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

ፍቕርኻን ኣብነትካን

ቈልዑ ብፍቕሪ ተሰንዩ ዚግበር መጽናዕቲ ይፈትዉ እዮም። ኦወንን ክላውድያን ዚበሃሉ ክርስትያን ሰብኣይን ሰበይትን፡ ብዛዕባ ኽልተ ደቆም ተዘክሮኦም ኪገልጹ ኸለዉ፡ “እዋን መጽናዕቲ ፍሉይ ግዜ ብምንባሩ፡ ብሃንቀውታ እዮም ዚጽበይዎ ነይሮም፣ ዕቝባን ምሾትን ይስምዖም ነበረ። ነዚ ንጥፈት እዚ ምስ ፍቕሪ ዝሰፈኖ ሃዋህው ኣተሓሓዝዎ” በሉ። ቈልዑ ጐቢዞም ኣብ ዜሸግሩሉ ግዜ እውን ከይተረፈ፡ ኣብ መጽናዕቲ ስድራ ቤት ዚህሉ ፍቕሪ ዝሰፈኖ ሃዋህው ንኣረኣእያኦም ይቐርጾ እዩ። ሕጂ፡ ደቂ ኦወንን ክላውድያን ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ፣ ካብቲ ወለዶም ዘስረጹሎም ፍቕሪ ንባብን መጽናዕትን እውን ይጥቀሙ ኣለዉ።

ኣብነት ወለዲ፡ ካልእ ሓጋዚ ረቛሒ እዩ። ንወለዶም ብዙሕ ሳዕ ኬንብቡን ኬጽንዑን ዚርእይዎም ውሉዳት፡ ነዚ ንጥፈታት ከም ባህርያዊ ኽፋል ህይወቶም ገይሮም ንኺርእይዎ ዝሰፍሐ ዕድል ኣለዎም። ንስኻ ንባብ ዘይትፈቱ እንተ ዄንካ ግን፡ ከመይ ጌርካ ንውሉድካ ኣብነት ክትኰኖም ትኽእል፧ ቀዳምነት እትህቦ ነገራት ወይ ብዛዕባ ንባብ ዘሎካ ኣረኣእያ ኸተዐሪ የድልየካ ይኸውን። (ሮሜ 2:21) ንባብ ኣገዳሲ ኽፋል መዓልታዊ ህይወትካ እንተ ዀይኑ፡ እዚ ንደቅኻ ኣጸቢቑ ኺጸልዎም ይኽእል እዩ። ብሕልፊ ኣብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ንኣኼባታት ኣብ ምድላውን ኣብ መጽናዕቲ ስድራ ቤትን እተርእዮ ትግሃት፡ ነዚ ንጥፈታት እዚ ብዛዕባ ዘሎካ ኣኽብሮት ንጹር መልእኽቲ የመሓላልፍ እዩ።

ስለዚ፡ ፍቕርኻን ኣብነትካን፡ ንደቅኻ ባህጊ ንኸተስርጸሎም ዜኽእል መሰረታዊ ነገር እዩ። እንተዀነ ግን፡ ንምትብባዖም እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ክትወስድ ትኽእል፧

ፍቕሪ ንባብ ምስራጽ

ደቅኻ ንባብ ከም ዚፈትዉ ንምግባር እንታይ ኣገዳሲ ስጕምትታት ክትወስድ ትኽእል፧ ካብ ግዜ ንእስነቶም ኣትሒዝካ መጻሕፍቲ ሃቦም። ወለዱ ፍቕሪ ንባብ ዘሕደሩሉ ሓደ ክርስትያን ሽማግለ፡ “ደቅኹም መጻሕፍቲ ኺሕዙ ፍቐዱሎም። በዚ ኸምዚ፡ መጻሕፍቲ ኣዕሩኾምን ክፍሊ ህይወቶምን ይዀኑ” በለ። ስለዚ ድማ፡ ብዙሓት ቈልዑ ንባብ ቅድሚ ምኽኣሎም፡ ኣዕሩኽ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መጻሕፍቲ ይዀኑ እዮም። ገለ ኻብቲ መጻሕፍቲ፡ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር፡ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ኪጥቀስ ይከኣል። ከምዚ ዝኣመሰለ ጽሑፋት ምስ ደቅኻ ብሓባር ኴንካ ኸተንብብ ከለኻ፡ ቋንቋ ጥራይ ዘይኰነስ፡ “መንፈሳዊ ነገር” እውን ኢኻ እትምህሮም።—1 ቈረ. 2:13

ወትሩ ዓው ኢልካ ኣንብብ። መዓልታዊ ምስ ደቅኻ ብሓባር ኴንካ እተንብበሉ ልማድ ኣማዕብል። ከምኡ ምግባርካ፡ ቅኑዕ ኣደማምጻ ይምህሮም፡ ናይ ንባብ ልማዶም ንኼማዕብሉ ኸኣ የኽእሎም። ኣናብባኻ እውን ኣገዳሲ እዩ። ብውዕዉዕ መንፈስ ኣንብብ፣ ንሳቶም ከኣ ከምኡ ኺገብሩ እዮም። ካብኡ ሓሊፎም እውን፡ ደቅኻ ንሓደ ዛንታ ደጋጊምካ ኸተንብበሎም ኪሓቱኻ እዮም። ከምቲ ዝበሉኻ ግበረሎም! እናሓደሩ ብዛዕባ ሓድሽ ጕዳያት ኪፈልጡ ኺደልዩ እዮም። ከይተገድዶም ግን ተጠንቀቕ። የሱስ ንሰማዕቱ፡ “ምስማዑ ብዚከአሎም መጠን” ጥራይ ብምምሃር፡ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። (ማር. 4:33) ንደቅኻ ዘይተገድዶም እንተ ዄንካ፡ ንግዜ ንባብ ብሃንቀውታ ኺጽበይዎ እዮም፣ ንስኻ እውን ናብቲ ፍቕሪ ንባብ ንኸተስርጸሎም ዘሎካ ሸቶ ገጽካ ኽትስጕም ኢኻ።

ኪሳተፉ ኣተባብዓዮም፡ ነቲ ዘንበብኩምዎ ድማ ተመያየጡሉ። ደቅኻ ነዊሕ ከይጸንሑ፡ ሓያሎ ቓላት ኪፈልጡን ኬድምጹን ትርጕሙ ኺርድኡን እዮም። ብዛዕባ እቲ ዘንበብኩምዎ ምምይያጥኩም፡ ንዕቤቶም ኣጸቢቑ ኼቀላጥፎ እዩ። ቈልዑ ንፉዓት ኣንበብቲ ንኪዀኑ ብኸመይ ከም ዚሕገዙ እትገልጽ መጽሓፍ፡ ምስ ቈልዑ ዚግበር ዝርርብ፡ “ነቲ ኣብ ካልእ እዋን ኬንብቡ ኸለዉ ኼለልይዎን ኪርድእዎን ዜድልዮም ቃላት የፍልጦም” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “ኪጽሕፉን ኬንብቡን ንዚጽዕሩ ንኣሽቱ ቘልዑ፡ ዘረባ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎ፣ ዝያዳ ትርጕም ዘለዎ . . . ብዝዀነ መጠን፡ ዝያዳ ጥቕሚ እዮም ዚረኽቡ” በለት።

ደቅኻ ኸም ዜንብቡልካ ግበር፡ ኪሓቱኻ እውን ኣተባብዓዮም። ባዕልኻ ሕቶ ኣበጊስካ፡ መልስታት ክትሕብሮም ትኽእል ኢኻ። በዚ ኸምዚ፡ መጻሕፍቲ ምንጪ ሓበሬታ ምዃኑን እቲ ዜንብብዎ ቓላት ትርጕም ከም ዘለዎን ይፈልጡ። ብሕልፊ እቲ እተንብቦ ጽሑፍ ኣብቲ ሰፊሕ ትርጕም ዝሓዘለ ቓል ኣምላኽ እተመስረተ እንተ ዀይኑ፡ እዚ ኣቀራርባ እዚ ዝያዳ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—እብ. 4:12

ንባብ ቀሊል ዘይምዃኑ ግን ኣይትረስዕ። ኣጸቢቕካ ንኽትመልኮ፡ ግዜን ልምምድን ዚሓትት እዩ። a ስለዚ፡ ንንባብ ዘለዎም ፍቕሪ ኺዓቢ ኸሎ፡ ጽቡቕ ጌርካ ንኣዶም። ከምኡ ምግባርካ፡ ፍቕሪ ንባብ ንኼሕድሩ የተባብዖም እዩ።

ጠቓምን ባህ ዜብልን

ንደቅኻ ብኸመይ ከም ዜጽንዑ ምምሃር፡ ብዕላማ ንኼንብቡ ይሕግዞም እዩ። መጽናዕቲ ኺበሃል ከሎ፡ ሓቅታት ፈሊጥካ፡ ኣብ ንሓድሕዱ ዘለዎ ርክብ ምግንዛብ የጠቓልል። ብዘይካዚ፡ መጽናዕቲ ንኽትገብር፡ ሓበሬታ ብግቡእ ናይ ምስራዕን ናይ ምዝካርን ናይ ምጥቃምን ክእለት ከተማዕብል ኣሎካ። ሓደ ቘልዓ ብኸመይ መጽናዕቲ ኸም ዚገብርን ኣገዳስነት መጽናዕቲ እንታይ ምዃኑን ሓንሳእ ምስ ፈለጠ፡ ጠቓምን ባህ ዜብልን ኰይኑ ኺረኽቦ እዩ።—መክ. 10:10

መጽናዕቲ እንታይ ከም ዜጠቓልል ኣላልዮም። መጽናዕቲ እንታይ ከም ዜጠቓልል ንደቅኻ ንምምሃር፡ ኣምልኾ ስድራ ቤትን ምይይጣት ዕለታዊ ጥቕስን ካልእ ተመሳሳሊ ኣጋጣሚታትን ጽቡቕ ዕድል ኪኸፍተልካ ይኽእል እዩ። ንሕጽር ዝበለ ግዜ ኾፍ ኢሎም፡ ትዅረቶም ኣብ ሓደ ጕዳይ ምግባሮም፡ ብኸመይ ኣትኵሮ ኸም ዚገብሩ ይምህሮም፣ እዚ ድማ ኣገዳሲ እዩ። ብዘይካዚ፡ ንወድኻ እቲ እተማህሮ ነገር ምስቲ ኣቐዲሙ ዚፈልጦ ነገር ብኸመይ ከም ዚዛመድ ንኺነግረካ ኸተተባብዖ ትኽእል ኢኻ። እዚ ኸኣ፡ ንጽጽር ንኺገብር ይምህሮ። ንጓልካ እውን ጽማቝ እቲ ዘንበበቶ ብናታ ቓላት ንኽትነግረካ ኽትሓታ ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ፡ ትርጕሙ ንኽትርድኦን ንኽትዝክሮን ኪሕግዛ እዩ። ካልእ ንዝኽረት ዚሕግዝ ሜላ ኸኣ፡ ክለሳ፡ ማለት ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ዳግም ምጥቃስ እዩ። ንኣሽቱ ቘልዑ እውን ከይተረፉ ኣብ እዋን መጽናዕቲ ወይ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ሓጺር መዘኻኸሪ ንኺጽሕፉ ኺስልጥኑ ይኽእሉ እዮም። እዚ ንኸተኵሩ ብዙሕ ይሕግዞም እዩ። እዚ ቐሊል ተክኒካት እዚ፡ ነቲ ናይ ምምሃርን ምስትምሃርን መስርሕ ህያውን ትርጕም ዘለዎን ይገብሮ።

ንመጽናዕቲ ዚምሽው ኵነታት ፍጠር። ጽቡቕ ኣየርን እኹል ብርሃንን ጸጥታን ምሹእ ኵነታትን ኣትኵሮ ንኽትገብር ይሕግዝ እዩ። ልክዕ እዩ፡ ወለዲ ብዛዕባ መጽናዕቲ ዘለዎም ኣረኣእያ ኣገዳሲ እዩ። ሓንቲ ኣደ፡ “ንንባብን ንመጽናዕትን ስሩዕን ዘይቀያየርን ግዜ ኽትምድብ ኣሎካ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ፡ “እዚ ንደቅኻ ስርዓታውያን ንኪዀኑ ይሕግዞም እዩ። እዚ ወይ እቲ ኣብ እተወሰነ ግዜ ኺፍጸም ከም ዘለዎ ይመሃሩ እዮም” በለት። ብዙሓት ወለዲ ኣብ እዋን መጽናዕቲ ኻልእ ንጥፈታት ኣይፈቕዱን እዮም። ሓደ ፈላጥ ከም ዝበሎ፡ እዚ ኣተሓሕዛ እዚ ንቘልዑ ጽቡቕ ልማድ መጽናዕቲ ንኼማዕብሉ ዓብዪ ጽልዋ ይገብረሎም እዩ።

ጥቕሚ መጽናዕቲ ኣጕልሕ። ንደቅኻ ግብራዊ ጥቕሚ መጽናዕቲ ኣረድኣዮም። ነቲ ዜጽንዕዎ ኣብ ግብሪ ምውዓሎም፡ ናይ ሓቂ ዕላማ መጽናዕቲ የጕልሓሎም እዩ። ሓደ መንእሰይ ሓው፡ “ግብራዊ ጥቕሚ እቲ ዘጽንዖ ትምህርቲ እንተ ዘይተረዲኡኒ፡ ከጽንዖ ኣይደልን እየ። ብብሕተይ ኣብ ግብሪ ኸውዕሎ ዝኽእል ዓይነት እንተ ዀይኑ ግን፡ ክርድኦ ድሌት ይሓድረኒ እዩ” በለ። መንእሰያት ንመጽናዕቲ ናብ ሓደ ሸቶ ንኺበጽሑ ዜኽእሎም መገዲ ምዃኑ እንተ ተረዲኦም፡ ይምሰጡ እዮም። ከምቲ ፍቕሪ ንባብ ዚሓድሮም፡ ፍቕሪ መጽናዕቲ እውን ይሓድሮም እዩ።

ብሉጽ ዓስቢ

ንደቅኻ ፍቕሪ ንባብ ምስራጽ ዜፍርዮ ጥቕሚ፡ ዘርዚርካ ዚውዳእ ኣይኰነን። ፍቕሪ ንባብ ዘለዎም ውሉዳት፡ ኣብ ቤት ትምህርትን ኣብ ስራሕን ምስ ሰባት ኣብ ዘለዎም ርክባትን ኣሳልጦ ይረኽቡ፣ ነዛ እንነብረላ ዓለም ብዕምቈት ይርድእዋ፣ ምስ ወለዶም ከኣ ዝጠበቐ ፍቕሪ ይህልዎም። ንባብን መጽናዕትን ዜምጽኦ ዕግበት እውን ከይጠቐስናዮ ኽንሓልፍ ኣይንደልን ኢና።

ልዕሊ ዅሉ፡ ፍቕሪ መጽናዕቲ ንደቅኻ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ኪገብሮም ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ “ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቍመቱን” ክንደይ ምዃኑ ንኼስተውዕሉ፡ ኣእምሮኦምን ኣልባቦምን ይኸፍተሎም እዩ። (ኤፌ. 3:18) ልክዕ እዩ፡ ክርስትያን ወለዲ ንደቆም ዚምህርዎም ብዙሕ ነገር ኣለዎም። ወለዲ ንደቆም ግዜን ቈላሕታን ኪህብዎምን እግሪ ንኼትክልዎም ዚከኣሎም ኪገብሩን ከለዉ፡ ደቆም ውዒሎም ሓዲሮም ኣምለኽቲ የሆዋ ኪዀኑ እዮም ተስፋ ዚገብሩ። ንደቅኻ ጽቡቕ ልማድ መጽናዕቲ ምምሃርካ፡ መንፈሳዊ ጥዕናኦም ንኺሕልዉን ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ንኼማዕብሉን የኽእሎም። እምበኣር፡ ንደቅኻ ፍቕሪ ንባብን መጽናዕትን ከተስርጸሎም ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ፡ ካብ የሆዋ በረኸት ንምርካብ ብጸሎት ለምን።—ምሳ. 22:6

[እግረ-ጽሑፍ]

a ጸገም ምህሮ ዘለዎም ቈልዑ፡ ንባብን መጽናዕትን ዝያዳ የሸግሮም እዩ። ወለዲ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ንምሕጋዝ ኪገብርዎ ብዛዕባ ዚኽእሉ ነገራት፡ ኣብ ናይ 22 ለካቲት 1997 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 3-10 ርአ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ንባብ

መጻሕፍቲ ሃቦም

ዓው ኢልካ ኣንብብ

ኪሳተፉ ኣተባብዓዮም

ነቲ ዘንበብኩምዎ ተመያየጡሉ

ደቅኻ ኸም ዜንብቡልካ ግበር

ኪሓቱኻ ኣተባብዓዮም

መጽናዕቲ

ከም ወላዲ መጠን ኣብነት ኩኖም

ንደቅኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኪገብሩ ኣሰልጥኖም፦

ኣትኵሮ

ንጽጽር

ጽማቝ ምቕራብ

ክለሳ

መዘኻኸሪ ምጽሓፍ

ንመጽናዕቲ ዚምሽው ኵነታት ፍጠር

ጥቕሚ መጽናዕቲ ኣጕልሕ