ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብቲ ዓብዪ መንፈሳዊ ቐውዒ ምሉእ ብምሉእ ተኻፈል

ኣብቲ ዓብዪ መንፈሳዊ ቐውዒ ምሉእ ብምሉእ ተኻፈል

ኣብቲ ዓብዪ መንፈሳዊ ቐውዒ ምሉእ ብምሉእ ተኻፈል

“ብዕዮ ጐይታ . . . ኵሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ።”—1 ቈረ. 15:58

1. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ዕድመ እዩ ዘቕረበሎም፧

 የሱስ ኣብ መወዳእታ 30 ድ.ክ. ብኸባቢ ሰማርያ ኣቢሉ ኺጐዓዝ ከሎ፡ ኣብ ጥቓ ኸተማ ሲካር ኣብ ዚርከብ ዒላ ኣዕረፈ። ኣብቲ ቦታ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወት ርአዩ” በሎም። (ዮሃ. 4:35) የሱስ፡ ብዛዕባ ቓል ብቓሉ ዓጺድ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ምእካብ እቶም ሰዓብቱ ኪዀኑ ዝነበሮም ቅኑዕ ዝልቦም ውልቀ-ሰባት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ደቀ መዛሙርቱ ኣብቲ መንፈሳዊ ዓጺድ ብትግሃት ንኺዓዩ እዩ ዚዕድም ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ብዙሕ ዕዮ ኺዕየ ነበሮ።

2, 3. (ሀ) ኣብ ግዜ ቐውዒ ንነብር ከም ዘለና ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

2 እተን የሱስ ብዛዕባ ዓጺድ እተዛረበን ቃላት፡ ንግዜና ፍሉይ ትርጕም ኣለወን። እታ ንደቂ ሰብ እተመልክት ግራት ዓለም፡ ‘ንዓጺድ ጻዕድያ’ ኣብ ዘላትሉ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። ኣብ ዓዓመት፡ ሚልዮናት ሰባት ህይወት ዚህብ ሓቂ ንኺመሃሩ ዕድመ ይቐርበሎም እዩ፣ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ይጥመቑ እዮም። ንሕና እውን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ጐይታ እቲ እኽሊ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ብምዃን፡ ኣብቲ ኻብ ኵሉ እዋን ንላዕሊ ዝዓበየ መንፈሳዊ ቐውዒ ናይ ምክፋል መሰል ረኺብና ኣለና። እሞኸ ኣብዚ ዕዮ እዚ ‘ዕዙዝ’ ዲኻ፧—1 ቈረ. 15:58

3 የሱስ፡ ኣብቲ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ዝወሰደ ምድራዊ ኣገልግሎቱ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ዓየይቲ እቲ ቐውዒ መጠን ንዘለዎም ግደ ኺፈልጡ ሓጊዝዎም እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸኣ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኻብ ዝመሃሮም ብዙሕ ኣገዳሲ ትምህርትታት፡ ሰለስተ ኽንርኢ ኢና። ነፍሲ ወከፍ ትምህርቲ፡ ኣብዚ ግዜና ብዅሉ ዓቕምና ደቀ መዛሙርቲ ንምእካብ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ኣጸቢቓ ኽትጠቕመና እትኽእል ባህርይ የጕልሕ። እምበኣር፡ ነዘን ባህርያት እዚኣተን በብሓደ ንመርምረን።

ኣገዳስነት ትሕትና

4. የሱስ ንኣገዳስነት ትሕትና ብኸመይ ዝበለ ኣብነት እዩ ዝገለጾ፧

4 እቶም ደቀ መዛሙርቲ መኖም ከም ዚዓቢ ኺከራኸሩ ኸለዉ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ገጾም ጽልኢ ይንበብ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ የሱስ ቈልዓ ጸዊዑ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ። ናብቲ ቘልዓ እናኣመልከተ ኸኣ፡ “እንተ ዘይተመለስኩም፡ ከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩም፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትአትዉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ኸምዚ ቘልዓዚ ርእሱ ዜትሕት፡ ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽ” በሎም። (ማቴዎስ 18:1-4 ኣንብብ።) እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ከምታ ንሓደ ሰብ ብስልጣኑን ብሃብቱን ብተፈላጥነቱን እትመዝኖ ዓለም ኣብ ክንዲ ዚሓስቡ፡ ዕቤት ኪረኽቡ እንተ ደልዮም ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ‘ርእሶም ኬትሕቱ’ ኸም ዘለዎም ኪግንዘቡ ነበሮም። የሆዋ ኺባርኾምን ኪጥቀመሎምን ዚኽእል ዝነበረ፡ ናይ ሓቂ ትሕትና እንተ ኣርእዮም ጥራይ እዩ ነይሩ።

5, 6. ኣብቲ ዕዮ ቐውዒ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽትካፈል ትሑት ክትከውን ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ኣብነት ሃብ።

5 ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ስልጣንን ሃብትን ተፈላጥነትን ንምርካብ ርእሶም ይውፍዩ እዮም። ስለዚ ኸኣ፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ብዙሕ ግዜ የብሎምን። (ማቴ. 13:22) ብኣንጻሩ ግን፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ኻብ ጐይታ እቲ እኽሊ ስምረትን በረኸትን ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ‘ርእሶም የትሕቱ’ እዮም።—ማቴ. 6:24፣ 2 ቈረ. 11:7፣ ፊል. 3:8

6 ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ሽማግለ ዀይኑ ዜገልግል ፍራንሲስኮ እሞ ኸም ኣብነት ንውሰድ። መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዩኒቨርስቲ ኣቋርጹ ፈላሚ ዀነ። ተዘክሮኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ድሕሪ ግዜ ምስ ተሓጸኹ፡ ንዓይን ንሰበይተይን ብሉጽ ቍጠባዊ ውሕስነት ዜምጽኣልና ስራሕ ክረክብ እኽእል ነበርኩ። ይኹን እምበር፡ ቀሊል ናብራ ብምንባር ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክንቅጽል ወሰንና። ውሉዳት ምስ ወለድና፡ ተወሳኺ ጸገማት ኣጋጠመና። የሆዋ ግን ኣብ ውሳነና ኽንጸንዕ ሓጊዙና እዩ” በለ። ወሲኹ እውን፡ “ንልዕሊ 30 ዓመት ሽማግለ ዀይነ ኣብ ርእሲ ምግልጋለይ፡ ካልእ ተወሳኺ ፍሉይ ሓላፍነታት እውን ረኺበ እየ። ቀሊል ናብራ ምንባርና ኣጣዒሱና ኣይፈልጥን እዩ” በለ።

7. ነቲ ኣብ ሮሜ 12:16 ዚርከብ ምኽሪ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ፈቲንካ፧

7 ንስኻ እውን ነቲ ናይዛ ዓለም እዚኣ “ልዕል ዝበለ ነገር” ነጺግካ፡ “ምስቶም ታሕቶት ትሕት” እንተ ኢልካ፡ ኣብቲ ዕዮ ቐውዒ ተወሳኺ በረኸትን ፍሉይ መሰላትን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።—ሮሜ 12:16፣ ማቴ. 4:19, 20፣ ሉቃ. 18:28-30

ዓስቢ ትግሃት

8, 9. (ሀ) ነቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ መክሊት ዝሃቦ ምሳሌ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጾ። (ለ) እዚ ምሳሌ እዚ ብፍላይ ንመን እዩ ኼተባብዕ ዚኽእል፧

8 ካልእ ኣብቲ ዕዮ ቐውዒ ምሉእ ብምሉእ ንኽንካፈል ክትሕግዘና እትኽእል ባህርይ፡ ትግሃት እያ። የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ መክሊት ዚገልጽ ምሳሌ ነዚ ኣብሪህዎ ኣሎ። a እቲ ምሳሌ ብዛዕባ ሓደ ንሰለስተ ባሮቱ ገንዘቡ ሂቡ ናብ መገሻ ዝኸደ ሰብ እዩ ዚዛረብ። እቲ ቐዳማይ ሓሙሽተ መክሊት፡ እቲ ኻልኣይ ክልተ መክሊት፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ሓንቲ መክሊት ወሰደ። እቶም ክልተ ባሮት፡ ጐይታኦም ምስ ከደ ብኡንብኡ በተን መክሊት ተጊሆም ‘ነገዱ።’ እቲ ሳልሳይ ባርያ ግን፡ “ሃካይ” ስለ ዝነበረ፡ ንመክሊቱ ኣብ ምድሪ ሓብኦ። እቲ ሰብኣይ ምስ ተመልሰ፡ ነቶም ክልተ ባሮት “ኣብ ብዙሕ” ሸሞም። ነቲ ሳልሳይ ባርያ ግን፡ መክሊቱ ኣግዲፉ ኻብ ቤቱ ሰጐጎ።—ማቴ. 25:14-30

9 ነቶም የሱስ ኣብ እተዛረቦ ምሳሌ እተገልጹ ትጉሃት ባሮት ክትመስሎምን ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ብእተኻእለካ መጠን ክትካፈልን ልባዊ ባህጊ ኸም ዘሎካ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኰይኑ ግን፡ ብሰንኪ ዅነታትካ እቲ ኽትገብሮ እትኽእል ነገር ኣዝዩ ድሩት ምስ ዚኸውንከ፧ ምናልባት ንስድራ ቤትካ ዜድሊ ንምምእራር ነዊሕ ሰዓታት ክትሰርሕ ትግደድ ትኸውን። ወይ ከኣ ብሰንኪ እርጋን ጥዕና ትስእን ትኸውን። ከምዚ ዜጋጥመካ እንተ ዀይኑ፡ ካብቲ ብዛዕባ እቲ መክሊት ዚገልጽ ምሳሌ ምትብባዕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

10. ኣብ ምሳሌ እቲ መክሊት እተገልጸ ጐይታ፡ ርትዓዊ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ ንዓኻ ብኸመይ ኣተባቢዑካ፧

10 እቲ ኣብቲ ምሳሌ እተገልጸ ጐይታ፡ ዓቕሚ ነፍሲ ወከፍ ባሮቱ ዚፈልጥ ከም ዝነበረ ኣስተብህል። ከመይሲ፡ ነቲ መክሊት ኪዕድሎም ከሎ፡ “ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም” እዩ ሂብዎም። (ማቴ. 25:15) እቲ ቐዳማይ ባርያ፡ ከምቲ ትጽቢት እተገብረሉ ኻብቲ ኻልኣይ ባርያ ንላዕሊ ኸሰበ። ይኹን እምበር፡ እቲ ጐይታ ንኽልቲኦም ባሮት “ሕያዋይ፡ እሙን” ኢሉ ብምንኣድን ተመሳሳሊ ዓስቢ ብምሃብን ነቲ ዝገበርዎ ትግሃት ዝመልኦ ጻዕሪ ኸም ዘማሰወሉ ኣርኣየ። (ማቴ. 25:21, 23) ጐይታ እቲ እኽሊ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እውን፡ እቲ ኣብ ዕዮኡ ኽትገብሮ እትኽእል ነገር ብዅነታትካ ኸም ዚጽሎ ይፈልጥ እዩ። ነቲ ንዕኡ ብምሉእ ነፍስኻ ንኸተገልግሎ እትገብሮ ጻዕሪ ይርእዮ እዩ፣ ዓስብኻ ድማ ኪህበካ እዩ።—ማር. 14:3-9፣ ሉቃስ 21:1-4 ኣንብብ። 

11. ፈታኒ ዅነታት እናሃለወካ ኽነሱ፡ ብትግሃት ምዕያይ ዜምጽኦ በረኸት ግለጽ።

11 ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ክትተግህ እትኽእል ምሹእ ኵነታት ኪህሉ ኸሎ ጥራይ ከም ዘይኰነ፡ ካብ ኣብነት ሳልሚራ እትበሃል ኣብ ብራዚል እትነብር ክርስትያን ሓብቲ ኺርአ ይከኣል እዩ። ዕስራ ዓመት ይገብር ሰብኣያ ብሰረቕቲ ስለ እተቐትለ፡ ንሰለስተ ደቆም በይና ኸተዕቢ ተገደደት። ሰራሕተኛ ገዛ ስለ ዝነበረት፡ ንነዊሕ ሰዓታት ትዓዪ፡ ብእተጨቓጨቐ መጓዓዝያ ኸተማ ኸኣ ትመላለስ ነበረት። ምስዚ ዅሉ ጸገማታ ግን፡ ፈላሚት ንኽትከውን መደባታ ኣተዓራረየት። ድሕሪ ግዜ ኸኣ፡ ክልተ ደቃ ፈለምቲ ዀና። ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ፡ “ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመታት ንልዕሊ 20 ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገይረ እየ፣ ንሳቶም ከኣ ኣባላት ‘ስድራ ቤተይ’ ኰኑ። ክሳዕ ሕጂ ፍቕሮምን ምሕዝነቶምን ኣይተፈለየንን። እዚ ብገንዘብ ኪዕደግ ዘይከኣል ሃብቲ እዩ” በለት። ጐይታ እቲ እኽሊ ንትግሃት ሳልሚራ ብሓቂ ባሪኽዎ እዩ።

12. ኣብ ዕዮ ስብከት ትግሃት ከነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

12 ኵነታትካ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት እተሕልፎ ግዜ ዚድርቶ እንተ ዀይኑ፡ ኣገልግሎትካ ዝያዳ ውጽኢታዊ ብምግባር ኣብቲ ዕዮ ቐውዒ ንእተበርክቶ እጃም ከተዛይዶ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባ ኣገልግሎት ዚወሃብ ግብራዊ ርእይቶታት ኣብ ግብሪ ተውዕሎ እንተ ዄንካ፡ ናይ ምስባኽ ክእለትካ ኸተመሓይሽ፡ ምስክርነት ክትህበሉ እትኽእል ኣጋጣሚታት ድማ ከተናዲ ኢኻ። (2 ጢሞ. 2:15) ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ናይ ጉባኤኻ መደብ ኣገልግሎት ወፍሪ ብስሩዕ ምእንቲ ኽትካፈል፡ እንተ ተኻኢሉ መደባትካ ኸተተዓራሪ ወይ ከኣ ብዙሕ ኣገዳሲ ዘይኰነ ንጥፈታት ክትሓድግ ትኽእል ኢኻ።—ቈሎ. 4:5

13. ትግሃት ንምምዕባል ዚሕግዝ ኣገዳሲ ረቛሒ እንታይ እዩ፧

13 ትጉሃት ክንከውን እንኽእል መማሰዊ ልቢ ምስ ዚህልወና ምዃኑ ኣይትረስዕ። (መዝ. 40:8) እቲ የሱስ ኣብ ዝገለጾ ምሳሌ እተጠቕሰ ሳልሳይ ባርያ፡ ንጐይታኡ ዘይርትዓዊ ሰብ ገይሩ ስለ ዝረኣዮ ይፈርሆ እዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ፡ ንመክሊቱ ገንዘብ ጐይታኡ ንምኽዕባት ኣብ ክንዲ ዚጥቀመሉ ቐበሮ። ንሕና እውን ከምዚ ዓይነት ሸለልትነት ምእንቲ ኸይነርኢ፡ ምስቲ ጐይታ እቲ እኽሊ ዝዀነ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ከነማዕብል ኣሎና። ብዛዕባ እቲ ኸም ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ምሕረት ዝኣመሰለ ማራኺ ባህርያቱ ንኸተጽንዕን ንኸተስተንትንን ግዜ መድብ። በዚ መገዲ እዚ፡ ኣብ ኣገልግሎቱ ዝከኣለካ ዘበለ ንኽትገብር ካብ ልብኻ ኽትድረኽ ኢኻ።—ሉቃ. 6:45፣ ፊል. 1:9-11

“ቅዱሳት ኩኑ”

14. እቶም ዓየይቲ እኽሊ ኪዀኑ ዚደልዩ፡ እንታይ ኣገዳሲ ብቕዓት እዮም ኼማልኡ ዘለዎም፧

14 ኣምላኽ ብዛዕባ ምድራውያን ኣገልገልቱ ዘለዎ ፍቓድ እንታይ ምዃኑ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ጠቒሱ ኺዛረብ ከሎ፡ “ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ” በለ። (1 ጴጥ. 1:15, 16፣ ዘሌ. 19:2፣ ዘዳ. 18:13) እዚ ቓላት እዚ፡ ዓየይቲ እኽሊ ብስነ-ምግባራውን ብመንፈሳውን መዳይ ንጹሃት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም የጕልሕ። ብምሳልያዊ መገዲ ንኽንሕጸብ ስጕምቲ ብምውሳድ፡ ነዚ ኣገዳሲ ብቕዓት እዚ ኸነማልኦ ንኽእል ኢና። እዚ ኸመይ ጌርካ እዩ ኺግበር ዚከኣል፧ ብሓገዝ እቲ ናይ ኣምላኽ ቃል ሓቂ እዩ።

15. እቲ ናይ ኣምላኽ ቃል ሓቂ፡ እንታይ ንኺገብረልና እዩ ኽእለት ዘለዎ፧

15 ናይ ኣምላኽ ቃል ሓቂ ምስ ዜጽሪ ማይ ተተሓሒዙ ኣሎ። ንኣብነት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ እታ ብቕቡኣት ክርስትያናት ዝቘመት ጉባኤ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጽህቲ ምዃና፡ ማለት የሱስ “ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ፡ . . . ብዘይ መንቅብ ቅድስቲ” ገይሩ ዘቘማ፡ ንጽህቲ መርዓት ክርስቶስ ከም ዝዀነት ጽሒፉ ኣሎ። (ኤፌ. 5:25-27) የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ፡ እቲ ዝእውጆ ዝነበረ ቃል ኣምላኽ ናይ ምንጻህ ክእለት ከም ዘለዎ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንስኻትኩም ከኣ፡ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፡ ድሮ ንጹሃት ኢኹም” በሎም። (ዮሃ. 15:3) ስለዚ እምበኣር፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ቃል ሓቂ፡ ብስነ-ምግባራውን ብመንፈሳውን መዳይ ናይ ምንጻህ ክእለት ኣለዎ። ኣምልኾና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ኪህልዎ ዚኽእል፡ ቃል ኣምላኽ በዚ መገዲ እዚ ንኼንጽሃና ምስ እነፍቅደሉ ጥራይ እዩ።

16. መንፈሳውን ስነ-ምግባራውን ንጽህናና ኽንሕሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

16 ስለዚ፡ ዓየይቲ እኽሊ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ፈለማ ንዅሉ ብመንፈሳውን ስነ-ምግባራውን መዳይ ዜርክሰና ነገራት ከነወግድ ኣሎና። እወ፡ ነዚ ዓየይቲ እኽሊ ብምዃን ረኺብናዮ ዘሎና ፍሉይ መሰል ብቑዓት ኴንና ንኽንቅጽል፡ ነቲ ልዑል ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ስርዓታት የሆዋ ኣብ ምዕቃብ ኣብነታውያን ክንከውን ኣሎና። (1 ጴጥሮስ 1:14-16 ኣንብብ።) ከምቲ ዅሉ ሳዕ ኣካላዊ ንጽህናና ኽንሕሉ እንጽዕር፡ በቲ ናይ ኣምላኽ ቃል ሓቂ ንኽንነጽህ ወትሩ ኽንጽዕር ይግባእ። እዚ ኸኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ኣብ ኣኼባታት ምክፋልን የጠቓልል። ብዘይካዚ፡ መዘኻኸሪታት ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ምእንቲ ኸነውዕሎ ልባዊ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ከምኡ ምግባር፡ ምስ ሓጥእ ዝንባለታትና ኽንቃለስን ነቲ ናይዛ ዓለም እዚኣ ዚብክል ጽልዋታት ክንቃወሞን ይሕግዝና። (መዝ. 119:9፣ ያእ. 1:21-25) እወ፡ ብሓገዝ እቲ ናይ ኣምላኽ ቃል ሓቂ፡ ካብ ከቢድ ሓጢኣት እውን ከይተረፈ ‘ኽንሕጸብ’ እንኽእል ምዃንና ምፍላጥሲ፡ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ!—1 ቈረ. 6:9-11

17. ንጹሃት ኴንና ንኽንነብር፡ እንታይ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና ኽንስዕብ ዘሎና፧

17 እቲ ናይ ኣምላኽ ቃል ሓቂ ንኼንጽሃካ ትፈቕደሉ ዲኻ፧ ንኣብነት፡ ብዛዕባ እቲ ብልሹው መዘናግዒታት ዓለም ዜስዕቦ ሓደጋታት ምስ እትፈልጥ፡ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ (መዝ. 101:3) ኣመንቲ ምስ ዘይኰኑ መማህርትኻን መሳርሕትኻን ዘየድሊ ምቅርራብ ተወግድ ዲኻ፧ (1 ቈረ. 15:33) ነቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹህ ከም ዘይትኸውን ኪገብረካ ዚኽእል ድኽመታት ንኸተወግድ ልባዊ ጻዕሪ ትገብር ዲኻ፧ (ቈሎ. 3:5) ካብቲ ኣብ መብዛሕትኡ ስፖርታዊ ውድድራት ዚርአ ናይዛ ዓለም ፖለቲካዊ ግጭትን ሃገራዊ ስምዒትን ትርሕቕ ዲኻ፧—ያእ. 4:4

18. ብስነ-ምግባራውን ብመንፈሳውን ንጹሃት ምዃንና፡ ኣብቲ ቐውዒ ውጽኢታውያን ዓየይቲ ንኽንከውን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

18 በዚ መዳይ እዚ እተርእዮ ተኣዛዝነት ጽቡቕ ውጽኢት ኣለዎ። የሱስ ነቶም ቅቡኣት ደቀ መዛሙርቱ ምስ ጨናፍር ወይኒ ብምምስሳል፡ “ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር የርሕቖ። ነቲ ፍረ ዚፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈሪ፡ የጽርዮ” በለ። (ዮሃ. 15:2) ንስኻ እውን እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ማይ ሓቂ ኼንጽሃካ እንተ ፈቒድካሉ፡ ብዙሕ ፍረ ኸተፍሪ ኢኻ።

ሕጅን ኣብ መጻእን ዚርከብ በረኸት

19. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣብቲ ቐውዒ ብትግሃት ብምዕያዮም እንታይ በረኸት ረኸቡ፧

19 እቶም ነቲ የሱስ ዝሃቦም ስልጠና ግብራዊ ዝገበሩ እሙናት ደቀ መዛሙርቲ፡ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ምእንቲ ኺምስክሩ ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. መንፈስ ቅዱስ ተዋህቦም። (ግብ. 1:8) ስለዚ ኸኣ፡ ከም ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ሚስዮናውያን፡ ገየሽቲ ሽማግለታት ኰይኖም ኪዓዩን ነቲ ብስራት “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር” ኣብ ምስባኽ ዓብዪ እጃም ኬበርክቱን ክኢሎም እዮም። (ቈሎ. 1:23) ከምኡ ብምግባሮምሲ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዮም ተባሪኾም! ንኻልኦት እውን ሓጐስ ኣምጺኦምሎም እዮም።

20. (ሀ) ኣብቲ መንፈሳዊ ቐውዒ ምሉእ ብምሉእ ብምክፋልካ እንታይ በረኸት ረኺብካ፧ (ለ) እንታይ ክትገብር ቈሪጽካ ኣሎኻ፧

20 እወ፡ ትሕትና ብምርኣይ፡ ትጉሃት ብምዃን፡ ከምኡውን ነቲ ብሉጽ ስርዓታት ቃል ኣምላኽ ብምሕላው፡ ኣብቲ ሕጂ ዚካየድ ዘሎ ዓብዪ መንፈሳዊ ቐውዒ ምሉእ ብምሉእ ክንካፈል ንኽእል ኢና። ነዛ ፍቕረ-ንዋይን ተድላን እትፈቱ ዓለም ዚስዕቡ ሓያሎ ሰባት ስቓይን ተስፋ ምቝራጽን ኬጋጥሞም ከሎ፡ ንሕና ግን ናይ ሓቂ ሓጐስን ዕግበትን ንረክብ ኢና። (መዝ. 126:6) ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ‘ጻዕርና ብጐይታ ኸንቱ ኣይኰነን።’ (1 ቈረ. 15:58) ጐይታ እቲ እኽሊ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ፡ ስለቲ ‘ግብርናን ንስሙ ዘርኣናዮ ፍቕርናን’ ንዘለኣለም ኪባርኸና እዩ።—እብ. 6:10-12

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ ብዛዕባ መክሊት ዚገልጽ ምሳሌ፡ ብቐንዱ ነቲ የሱስ ምስ ቅቡኣት ደቀ መዛሙርቱ ዘለዎ ርክብ ዜመልክት እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ኵሎም ክርስትያናት ዚውዕል መሰረታዊ ስርዓት እውን ሒዙ ኣሎ።

ትዝክሮዶ፧

ኣብቲ ቐውዒ ምሉእ ብምሉእ ንምክፋል ክትጽዕር ከለኻ . . .

• ትሕትና ኸተርኢ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• ትግሃት ከተማዕብል እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

• ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ንጽህናኻ ኽትሕሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ትሕትና ኣብ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ዘተኰረ ቐሊል ናብራ ኽንነብር ተኽእለና