ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ”

“ኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ”

“ኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ”

የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ምእንቲ ኽትፍተኑስ፡ ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብ[የኩም] እዩ” ኢሉ ኣጠንቀቖም። ምስኡ ኣተሓሒዙ ግን፡ “ነቲ ዝመጸካ መከራ ኣይትፍርሀዮ” በሎም። ክሳዕ ሕጂ ሰይጣን ንማእሰርቲ፡ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ደው ንምባል ከም መፈራርሂ ገይሩ ይጥቀመሉ ስለ ዘሎ፡ ገሊአን መንግስትታት ኣብ ልዕሊ ናይ ሓቂ ክርስትያናት መስጐጕቲ የውርዳ እየን። (ራእ. 2:10፣ 12:17) እሞ ደኣ ንውዲት ሰይጣን ንኽንዳለወሉን ከምቲ የሱስ ዝበለና ‘ንኸይንፈርህን’ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

ልክዕ እዩ፡ መብዛሕትና ፍርሂ ተሰሚዑና ይፈልጥ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ብሓገዝ የሆዋ ንፍርሂ ኸነሰንፎ ኸም እንኽእል፡ ቃል ኣምላኽ የረጋግጸልና እዩ። ብኸመይ፧ ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንዜጋጥመና ምጽራር ንኽንዋጽኣሉ ዜዳልወሉ መገድታት፡ ሰይጣንን ወኪላቱን ዚጥቀሙሉ ስልትታት ንኸነለሊ ብምሕጋዝ እዩ። (2 ቈረ. 2:11) ነዚ ብኣብነት ንምርዳእ፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እተፈጸመ ታሪኽ ንርአ። ‘ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ዝኸኣሉ’ እተወሰኑ ዘመናውያን እሙናት ክርስትያናት ዝሓደግዎ ኣብነታት እውን ክንርኢ ኢና።—ኤፌ. 6:11-13

ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ንጉስ ምስ እኩይ ገዛኢ ተፋጠጠ

ኣብ ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ.፡ እቲ እኩይ ዝነበረ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ኣብ ልዕሊ እተፈላለዩ ህዝብታት ዓወት ረኸበ። በዚ ተኣማሚኑ፡ ናብ ህዝቢ የሆዋን ናብታ እቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ህዝቅያስ ዚገዝኣላ ዝነበረ ርእሲ ኸተማኦም የሩሳሌምን ኣተኰረ። (2 ነገ. 18:1-3, 13) ሰይጣን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኻብ ምድሪ ንኼጽንት ኢሉ፡ ንሰናክሪብ ብምልዕዓል፡ ነቲ ዅነታት ይምዝምዞ ኸም ዝነበረ ኣየጠራጥርን እዩ።—ዘፍ. 3:15

ሰናክሪብ ነታ ኸተማ ንኼምበርክኽ ኢሉ፡ ልኡኻት ሰደደ። ሓደ ኻብቶም ልኡኻት፡ ራብሳቀ ተባሂሉ እተጸውዐ ቐንዲ ኣፈኛ እቲ ንጉስ ነበረ። a (2 ነገ. 18:17) ዕላማ ራብሳቀ ንኣይሁድ ድሂሉ፡ ብዘይ ውግእ ኢዶም ከም ዚህቡ ንምግባር እዩ ነይሩ። እሞኸ ንኣይሁድ ፍርሂ ንኼሕድረሎም እንታይ ሜላታት እዩ ተጠቒሙ፧

በይኖም እኳ እንተ ተረፉ፡ እሙናት

ራብሳቀ ንወኪላት ህዝቅያስ፡ “እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል አሎ፤ እዚ ተአሚንካዮ ዘሎኻ እሙንቶ እዚ እንታይ እዩ፧ እንሆ፡ ሕጂ ብግብጺ በቲ ጭፍሉቕ በትሪ ሻምብቆ ንዝተመርኰሶ ሰብ ናብ ኢዱ ኣንኲሉ ዚአቱ፡ ብእኡ ተአሚንካ ኢኻ” በሎም። (2 ነገ. 18:19, 21) ህዝቅያስ ምስ ግብጺ ኺዳን ስለ ዘይተኣታተወ፡ ራብሳቀ ኣልዕል ኣቢሉ እዩ ዚጥቅኖ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ንኣይሁድ፡ ‘ረዳኢ የብልኩምን። በይንኹም ኢኹም ተሪፍኩም’ እዩ ዚብሎም ነይሩ።

ኣብዚ ግዜና እውን ብተመሳሳሊ፡ ተጻረርቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ንኼፈራርሁ ኢሎም፡ በይኖም ብዘይ ረዳኢ ኸም ዝተረፉ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ኪገብሩ ጽዒሮም እዮም። ሓንቲ ብእምነታ ኻብ ብጾታ ተፈልያ እተኣስረት ክርስትያን፡ ብፍርሂ ኸይትስነፍ ዝሓገዛ እንታይ ምዃኑ ገለጸት። “ጸሎት፡ ናብ የሆዋ ንክቐርብ ሓጊዙኒ . . . ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 66:2 ዚርከብ፡ ኣምላኽ ‘ኣብቲ ሽጉርን ድቑስን መንፈስ ዘለዎ’ ኸም ዚጥምት ዚሕብር መተባብዒ ዘከርኩ። እዚ ወትሩ ምንጪ ብርታዐን ዓብዪ ምጽንናዕን ኰነኒ” በለት። ሓደ ንሓያሎ ዓመታት ንበይኑ ተኣሲሩ ዝነበረ ሓው እውን፡ “ሓደ ሰብ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ እንተ ኣልይዎ፡ እታ ንእሽቶ ኽፍሊ ኽንዲ ዩኒቨርስ ክትከውን ከም እትኽእል በብቝሩብ ኣስተውዓልኩ” በለ። እወ፡ እዞም ክልተ ክርስትያናት እዚኣቶም ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ስለ ዝነበሮም፡ ነቲ በይኖም ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ግዜ ንኺዋጽኡሉ ብርታዐ ረኺቦም እዮም። (መዝ. 9:9, 10) እዞም ተኣሲሮም ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እቶም ሰጐጕቶም ካብ ስድራኦምን ፈተውቶምን ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶምን ኪፈልይዎም እኳ እንተ ኸኣሉ፡ ካብ የሆዋ ኸቶ ኺፈልይዎም ከም ዘይክእሉ ይፈልጡ ነይሮም እዮም።—ሮሜ 8:35-39

እምበኣር፡ ንዅሉ እቲ እንረኽቦ ኣጋጣሚ፡ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ንምድልዳል ክንጥቀመሉ ኣሎና። (ያእ. 4:8) ‘የሆዋ ንዓይ ክሳዕ ክንደይ እዩ ጋህዲ ዀይኑ ዚረኣየኒ፧ ኣብ መዓልታዊ ህይወተይ ንእሽቶ ዀነ ዓብዪ ውሳነ ኽገብር ከለኹ፡ ቃሉ ይጸልወኒ ድዩ፧’ ኢልና ንርእስና ኣዘውቲርና ኽንሓትት ኣሎና። (ሉቃ. 16:10) ምስ ኣምላኽ ዘሎና ጥብቂ ርክብ ንምዕቃብ ጻዕሪ እንተ ጌርና፡ እንፈርሃሉ ምኽንያት የብልናን። ነብዪ ኤርምያስ ነቶም መዓት ዝወረዶም ኣይሁድ ወኪሉ ኺዛረብ ከሎ፡ “ካብ መዓሙቝ ጕድጓድ፡ ዎ [“የሆዋ፡” NW] ስምካ ጸዋዕኩ። . . . በታ ዝጸዋዕኩኻ መዓልቲ ቐረብካ፤ ኣይትፍራህ፡ በልካ” በለ።—ድጕ. 3:55-57

ጥርጣረ ንምዝራእ እተገብረ ጻዕሪ ኣይተዓወተን

ራብሳቀ ኣብ ልቢ ኣይሁድ ጥርጣረ ንኺዘርእ ኢሉ፡ ኬታልሎም ጸዓረ። “እቲ በረኸቱን መሰውኢታቱን ህዝቅያስ ዘግለሰሉ . . . ንሱዶ ኣይኰነን፧ . . . እግዚኣብሄር ደኣ፤ ነዛ ሃገር እዚኣ ደዪብካ ኣጥፍኣያ ኢሉኒ እዩ” በለ። (2 ነገ. 18:22, 25) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ‘የሆዋ ብህዝቡ ስለ ዝጐሃየ፡ ኣይኪዋግኣሎምን እዩ’ ኢሉ እዩ ዚማጐት ነይሩ። እዚ ግን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ነይሩ። የሆዋ ብህዝቅያስን በቶም ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ እተመልሱ ኣይሁድን ባህ ይብሎ ነይሩ እዩ።—2 ነገ. 18:3-7

ሎሚ እውን፡ ተንኰለኛታት ሰጐጕቲ ጥርጣረ ምእንቲ ኺዘርኡ ኢሎም፡ ሓቅነት ዘለዎ ነገር ምስ ሓሶት ሓዊሶም የቕርቡ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እተዳጐኑ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ሓደ ኣብ ሃገሮም መሪሕ ግደ ዘለዎ ሓው ኣብ እምነቱ ኸም እተለማለመን ንሳቶም እውን ከምኡ ኺገብሩ ኸም ዘለዎምን ተነጊርዎም እዩ። ይኹን እምበር፡ መስተውዓልቲ ክርስትያናት በዚ ኸምዚ ጥርጣረ ኣይሓድሮምን እዩ።

ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንሓንቲ ክርስትያን ዘጋጠማ ንርአ። ተኣሲራ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ እቲ መርማሪ፡ ሓደ ሓላፍነት ዝነበሮ ሓው እምነቱ ኸም ዝኸሓደ ዚሕብር ቃለ-መግለጺ ኣርኣያ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ናይ የሆዋ ምስክር ትኣምኖ እንተ ዀይና ሓተታ። እታ ሓብቲ፡ “ዘይፍጹም ሰብ እዩ” ኢላ መለሰትሉ። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ዝሰዓበ፡ ኣምላኽ ይጥቀመሉ ምንባሩ ገለጸት። “ቃለ-መግለጺኡ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝረሓቐ ግን፡ ድሕሪ ደጊም ሓወይ ኣይኰነን” በለት። እዛ እምንቲ ሓብቲ እዚኣ ለባም ብምዃና፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ “ብመሳፍንቲ፡ በቲ ኺረድእ ዘይከአሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ” ዚብል ማዕዳ እያ ስዒባ።—መዝ. 146:3

ቅኑዕ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ እንተ ኣልዩናን ምኽሩ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ እንተ ዄንናን፡ በቲ ንቘራጽነትና ኼዳኽም ዚኽእል ሓሳባት ኣይንታለልን ኢና። (ኤፌ. 4:13, 14፣ እብ. 6:19) ስለዚ፡ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ኽንከውን ከለና፡ ብንጹር ክንሓስብ ምእንቲ ኽንክእል፡ ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ንብሕታዊ መጽናዕትን ቀዳምነት ክንህቦ ኣሎና። (እብ. 4:12) እወ፡ ፍልጠትና እነዕምቘሉን እምነትና እነደልድለሉን እዋን ሕጂ እዩ። ሓደ ንሓያሎ ዓመታት በይኑ ተኣሲሩ ዝነበረ ሓው፡ “መንፈሳዊ ምግቢ መዓስ ከም ዚጠቕመና ስለ ዘይንፈልጥ፡ ኵላትና ንዚወሃበና ዘበለ መንፈሳዊ ምግቢ ግቡእ ኣድንቖት ንኸነርኢ ኸተባብዕ እፈቱ” በለ። ንቓል ኣምላኽን ነቲ ብእሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዚዳሎ ጽሑፋትን ተጠንቂቕና ነጽንዖ እንተ ዄንና፡ ኣብ ጽንኩር እዋን፡ መንፈስ ቅዱስ ነቲ እተመሃርናዮ ‘ኼዘክረና’ እዩ።—ዮሃ. 14:26

በቲ ምፍርራህ ኣይተዳህሉን

ራብሳቀ ንኣይሁድ ኬፈራርሆም ፈተነ። ንህዝቅያስ እውን፡ “ንጐይታይ ንጉስ ኣሶር ኰታ ተዋራረዶ እሞ፡ ንስኻ ዚውጥሕዎም ከተምጽእ እንተ ኽኢልካስ፡ ክልተ ሽሕ ፈረስ ክህበካ እየ። ከመይ ጌርካኸ ገጽ ሓደ ሓለቓ ኻብቶም ናእሽቱ ገላዉ ጐይታይ ክትመልስ ትኽእል፧” በሎ። (2 ነገ. 18:23, 24) ብሰብኣዊ ኣረኣእያ፡ ህዝቅያስን ህዝቡን ኣብ ቅድሚ እቲ ሓያል ሰራዊት ኣሶር ደው ኪብሉ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም።

ሎሚ ዘለዉ ሰጐጕቲ እውን፡ ምናዳ ደገፍ መንግስቲ ኺረኽቡ ኸለዉ፡ ኣዝዮም ሓያላት መሲሎም ኪረኣዩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝነበሩ ናዚ፡ ከምኡ እዮም መሲሎም ዚረኣዩ ነይሮም። ንሓያሎ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኬፈራርሁ ጽዒሮም እዮም። ሓደ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ እተኣስረ ሓውና፡ ብኸመይ የፈራርህዎ ኸም ዝነበሩ ገሊጹ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ብዓል ስልጣን፡ “ሓውካ ብኸመይ ከም እተረሸነ ርኢኻዶ፧ ካብዚ እንታይ ትመሃር፧” በሎ። እቲ ሓው ከኣ፡ “ኣነ ናይ የሆዋ ምስክር እየ፡ እምነተይ ከኣ ኣይቅይርን እየ” ኢሉ መለሰሉ። እቲ ብዓል ስልጣን፡ “ቀጺልና ንዓኻ ኢና እንርሽነካ” ኢሉ ኣጕባዕብዓሉ። ይኹን እምበር፡ ሓውና ኻብ እምነቱ ፈልከት ኣይበለን፡ እቲ ጸላኢ ድማ ሓደጎ። ነቲ ምፍርራህ ኪዋጽኣሉ ዘኽኣሎ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ባዕሉ ኺምልስ ከሎ፡ “ኣብ ስም የሆዋ ተወኪለ እየ” በለ።—ምሳ. 18:10

ኣብ የሆዋ ምሉእ እምነት እንተ ኣሕዲርና፡ ካብቲ ሰይጣን ብመንፈስ ኪጐድኣና ኢሉ ዚፍንዎ መጥቃዕቲ ዜዕቍበና ዋልታ ንጸውር ኢና። (ኤፌ. 6:16) ስለዚ፡ የሆዋ እምነትና ንኼደልድለልና ኽንጽሊ ይግባኣና። (ሉቃ. 17:5) ነቲ በቲ እሙን ባርያ እተዳለወ ንእምነትና ዜደልድል መሰናድዎታት እውን ክንጥቀመሉ ኣሎና። ዜፍርህ ኵነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ነቲ ንተረርቲ ህዝቢ መልእኽቲ ንዘብጸሓሎም ነብዪ ህዝቅኤል ካብ የሆዋ እተዋህቦ መተባብዒ ንዘክር። የሆዋ ኸምዚ በሎ፦ “ንገጽካ ኣንጻር ገጾም ኣትሪረዮ፡ ንግምባርካውን ኣንጻር ግምባሮም ኣትሪረዮ እየ። ግምባርካ ኸም ኣልማዝ፡ ካብ ብላድ ዚብርትዕ ገይረዮ እየ።” (ህዝ. 3:8, 9) ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ የሆዋ ኸምቲ ንህዝቅኤል ከም ኣልማዝ ዘትረሮ፡ ንዓና እውን ከምኡ ኺገብረና ይኽእል እዩ።

ንዝቐረበሎም መህረሪ ተቓወምዎ

ተጻረርቲ ብዙሕ ፈቲኖም ምስ ተሓለሎም፡ ብመህረሪ ገይሮም ንጽህና ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኬበላሽዉ ኸም ዚኽእሉ ይፈልጡ እዮም። ራብሳቀ እውን ነዚ ሜላ እዚ ተጠቒሙሉ እዩ። ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ፡ “እቲ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል አሎ . . . ምእንቲ ኽትነብሩ እምበር፡ ከይትሞቱስ፡ መጺኤ ሃገርኩም ናብ እትመስል ሃገር፡ ናብ ሃገር እኽልን ኰልዒ ወይንን ናብ ሃገር እንጌራን ኣታኽልቲ ወይንን፡ ናብ ሃገር ዘይትን መዓርን ክሳዕ ዝወስደኩም፡ ንህዝቅያስ . . . ኣይትስምዕዎ” በሎም። (2 ነገ. 18:31, 32) ነቶም ኣብታ እተኸበበት ከተማ ተዓጽዮም ዝነበሩ ሰባት፡ ውዑይ እንጌራ ምብላዕን ሓድሽ ወይኒ ምስታይን ኣህሪርዎም ኪኸውን ኣለዎ።

ኣብ ሓደ እዋን፡ ንሓደ ተኣሲሩ ዝነበረ ሚስዮናዊ በዚ ሜላ እዚ ቘራጽነቱ ንምድኻም ተፈቲኑ ነይሩ እዩ። ብግቡእ ምእንቲ ኺሓስብ፡ ንሽዱሽተ ወርሒ “ውቁብ ስፍራ ኣታኽልቲ” ናብ ዘለዋ “ባህ እተብል ቤት” ከም ዚውሰድ ተስፋ ተዋህቦ። እቲ ሓው ግን ብመንፈስ ንቑሕ ነበረ፡ ካብ ክርስትያናዊ መትከሉ እውን ፈልከት ኣይበለን። እንታይ እዩ ሓጊዝዎ፧ ባዕሉ ኸምዚ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “መንግስቲ ኣምላኽ ንዓይ ጋህዲ ነበረት። . . . ብፍልጠት መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዝጸናዕኩ፡ ብዛዕባኣ ርግጸኛ ስለ ዝነበርኩ፡ ንሓጺር ግዜ እውን እንተ ዀነ ጥርጣረ ስለ ዘይነበረኒ፡ ነቕ ኣይበልኩን።”

መንግስቲ ኣምላኽ ንዓና ኽሳዕ ክንደይ እያ ጋህዲ ዀይና እትረኣየና፧ እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ ኣብርሃምን ሃዋርያ ጳውሎስን የሱስን ከቢድ ፈተናታት ብጽንዓት ኪሰግሩ ዝኸኣሉ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ጋህዲ ገይሮም ይርእይዋ ስለ ዝነበሩ እዮም። (ፊል. 3:13, 14፣ እብ. 11:8-10፣ 12:2) ንሕና እውን ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ንህባ እንተ ዀይናን ነቲ ነባሪ በረኸታ ወትሩ ንዝክር እንተ ዄንናን፡ ካብ ፈተናታት ግዜያዊ እፎይታ ኽንረክብ ኢልና ኣይንለማለምን ኢና።—2 ቈረ. 4:16-18

የሆዋ ኣይሓድገናን እዩ

ራብሳቀ ንኣይሁድ ንምፍርራህ ብዙሕ እኳ እንተ ጸዓረ፡ ህዝቅያስን ተገዛእቱን ኣብ የሆዋ ጽኑዕ እምነት ገበሩ። (2 ነገ. 19:15, 19፣ ኢሳ. 37:5-7) የሆዋ ድማ መልኣኹ ልኢኹ ብሓንቲ ለይቲ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን 185,000 ተዋጋእቲ ብምቕታል፡ ንጸሎቶም መልሲ ሃቦም። ንጽብሒቱ፡ ሰናክሪብ ነቶም ዝተረፉ ሰራዊቱ ሒዙ፡ ውርደት ተጐልቢቡ ናብ ርእሲ ኸተማኡ፡ ናብ ነነዌ ተቐላጢፉ ተመልሰ።—2 ነገ. 19:35, 36

እምበኣር፡ የሆዋ ነቶም ኣብኡ እተወከሉ ኸም ዘይሓደጎም ንጹር እዩ። ኣብ ፈተና ዝጸንዑ ዘመናውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን፡ የሆዋ ኸም ዘይተቐየረ ርእዮም እዮም። እቲ ሰማያዊ ኣቦና፡ “ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝ፡ ኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ፡ ዝብል [“የሆዋ፡” NW] ኣምላኽካ እየ” ኺብል ሓቁ እዩ።—ኢሳ. 41:13

[እግረ-ጽሑፍ]

a “ራብሳቀ” ልዑል መዓርግ በዓል ስልጣን ኣሶር እዩ ነይሩ። ብሕታዊ ስሙ ኣብቲ ዛንታ ኣይተገልጸን።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

የሆዋ ኣብ ቃሉ ልዕሊ 30 ግዜ ንኣገልገልቱ፡ ከይፈርሁ ኣተባቢዕዎም እዩ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ራብሳቀ እተጠቕመሉ ስልትታት ምስቲ ሎሚ ዘለዉ ጸላእቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዚጥቀሙሉ ስልትታት ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ምስ የሆዋ ዘሎና ጥብቂ ርክብ፡ ኣብ ትሕቲ ፈተና ንጽህናና ኽንሕሉ የኽእለና