ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

የሱስ ብሓጢኣታ ፍልጥቲ ንዝነበረት ሰበይቲ፡ ሓጢኣታ ኸም እተሓድገላ ኺነግራ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧—ሉቃ. 7:37, 48

የሱስ ኣብ ቤት እቲ ስምኦን ዚበሃል ፈሪሳዊ፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ መጺኣ ‘ኣብ ጥቓ እግሩ’ ዀነት። ብንብዓታ እግሩ እናኣጠልቀየት፡ ብጸጕሪ ርእሳ ደረዘቶ። ድሕርዚ፡ እግሩ ሰዓመቶ፡ ብቕዱይ ቅብኢ እውን ለኸየቶ። እታ ሰበይቲ “ኣብታ ዓዲ . . . ሓጢኣተኛ” ምንባራ፡ ወንጌል ይገልጽ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ዘይፍጹም ሰብ ሓጢኣተኛ ምዃኑ ዘይከሓድ እኳ እንተ ዀነ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ግን ንሓደ ብሓጢኣቱ ዕሉል ወይ ፍሉጥ ዝዀነ ሰብ ንምግላጽ እዩ ነዚ ኣጸዋውዓ እዚ ዚጥቀም። እታ ሰበይቲ ኣመንዝራ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ። የሱስ ነዛ ሰበይቲ እዚኣ እዩ፡ “ሓጢኣትኪ ተሐዲጉልኪ” ዝበላ። (ሉቃ. 7:36-38, 48) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ እቲ መስዋእታዊ በጃ ገና ዘይተኸፍለ ስለ ዝነበረ፡ እዚ ኸመይ ጌርካ ኪኸውን ይኽእል፧

የሱስ ነታ እግሩ ዘጠልቀየቶን ዝለኸየቶን ሰበይቲ፡ ሓጢኣታ ኸም እተሓድገላ ቕድሚ ምንጋሩ፡ ነቲ ዝዓደሞ ስምኦን፡ ብምሳሌ ገይሩ ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣረድኦ። ንሓጢኣት ምስ ዕዳ ብምምስሳል፡ ከምዚ በሎ፦ “ንሓደ መለቅሒ ኽልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ። ኣብቲ ሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ፡ ኣብቲ ሓደ ድማ ሓምሳ ዲናር ነበሮ። ዚፈድይዎ ስለ ዝሰአኑ ግና፡ ንኽልቲኦም ሐደገሎም። ካባታቶምሲ ኣዝዩ ዜፍቅሮ መኖም እዩ፧” ስምኦን ከኣ፡ “ንኣይሲ እቲ ብዙሕ እተሐድገሉ ይመስለኒ” ኢሉ መለሰ። የሱስ እውን፡ “ቅኑዕ ፈረድካ” በሎ። (ሉቃ. 7:41-43) ኵልና ንኣምላኽ ክንእዘዞ ይግባኣና፣ ስለዚ፡ ከይተኣዘዝናዮ ኽንተርፍን ሓጢኣት ክንፍጽምን ከለና፡ ዚግብኦ ኸም ዘይኸፈልና ኪቝጸር ይከኣል እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ ዕዳና ይዅመር። እንተዀነ ግን፡ የሆዋ ኸም ሓደ ዕዳ ዚሓድግ መለቅሒ እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሐደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና” ኢሎም ናብ ኣምላኽ ኪጽልዩ ኼተባብዖም ከሎ፡ ብዛዕባ እዚ ዕዳና እዩ ዚዛረብ ነይሩ።—ማቴ. 6:12

ብግዜ ጥንቲ፡ ኣምላኽ ኣብ ምንታይ መሰረት ተመርኲሱ እዩ ሓጢኣት ዚሓድግ ዝነበረ፧ ብመሰረት እቲ ፍጹም ፍትሑ፡ ዓስቢ ሓጢኣት፡ ሞት እዩ። ስለዚ፡ ኣዳም ብሰንኪ ሓጢኣቱ፡ ሞተ። ኣብ ትሕቲ እቲ ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል ሂብዎም ዝነበረ ሕጊ፡ ሓደ ሓጢኣተኛ፡ መስዋእቲ እንስሳ ንየሆዋ ብምቕራብ፡ ሓጢኣቱ ኺሕደገሉ ይኽእል ነበረ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ከምቲ ሕጊ ኣስታት ኵሉ ብደም እዩ ዚጸሪ፡ ብዘይ ምፍሳስ ደምውን ይቕሬታ ኣይከውንን እዩ” በለ። (እብ. 9:22) ኣይሁድ፡ ሓጢኣት ኪሕደገሉ ዚኽእል ካልእ መገዲ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። እቶም ንየሱስ ዚዕዘብዎ ዝነበሩ ሰባት እምበኣር፡ ነቲ የሱስ ነታ ሰበይቲ እተዛረቦ ነገር ምቅዋሞም ኣየገርምን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ሰባት፡ ብልቦም፡ “እዚ፡ ሓጢኣት ድማ ዚሐድግሲ፡ መን እዩ፧” በሉ። (ሉቃ. 7:49) ነታ ብዙሕ ሓጢኣት ዝነበራ ሰበይቲ፡ ሓጢኣታ ኺሕደገላ እተኻእለ ደኣ ብኸመይ እዩ፧

ኣብቲ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ዓለዉ እተዘርበ ቐዳማይ ትንቢት፡ የሆዋ፡ ብሰይጣንን ‘ብዘርኡን’ ሸዀናኡ ዚንከስ “ዘርኢ” ኼተንስእ ዕላማኡ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። (ዘፍ. 3:15) እቲ ዘርኢ ሸዀናኡ እተነኽሰ፡ የሱስ ብጸላእቲ ኣምላኽ ምስ ሞተ እዩ። (ገላ. 3:13, 16) እቲ ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ ንደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ዜውጽእ በጃ ዀይኑ የገልግል እዩ። ነቲ የሆዋ ዝገበሮ ዕላማ ኺዓግቶ ዚኽእል ዋላ ሓደ ስለ ዘየልቦ፡ እተን ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተመዝጊበን ዘለዋ ቓላት ምስ ተዘርባ፡ ብዓይኒ ኣምላኽ እቲ በጃ ኸም እተኸፍለ እዩ ተቘጺሩ። ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር፡ ነቶም ኣብ መብጽዓታቱ እምነቶም ዘርኣዩ ሰባት ሓጢኣቶም ኪሓድገሎም ከኣለ።

ቅድሚ ክርስትና ኣብ ዝነበረ እዋን፡ የሆዋ ንሓያሎ ሰባት ከም ጻድቃን ገይሩ ቘጺርዎም እዩ። ገለ ኻባታቶም፡ ሄኖክ፡ ኖህ፡ ኣብርሃም፡ ረሃብ፡ እዮብ ኪጥቀሱ ይከኣሉ። ንሳቶም እውን ብእምነት ናብቲ ፍጻመ መብጽዓታት ኣምላኽ ኣተኰሩ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “ኣብርሃም ንኣምላኽ አመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ” ኢሉ ጸሓፈ። ብዛዕባ ረሃብ ድማ፡ “ከምኡ ኸኣ ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ . . . ብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧” በለ።—ያእ. 2:21-25

እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት፡ ልዕሊ ሓደ ሳዕ ከቢድ ሓጢኣት እኳ እንተ ፈጸመ፡ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድልድልቲ እምነት ነበረቶ፣ ሓጢኣት መምስ ፈጸመ ኸኣ ካብ ልቡ ይንሳሕ ነበረ። ቅዱሳት ጽሑፋት እውን፡ “ንእኡ [ንየሱስ] ኸኣ፡ ነቲ ቐደም ብትዕግስቲ ኣምላኽ [ማለት እቲ ኣምላኽ ኣብ ዚዕገሰሉ ዝነበረ እዋን] እተገብረ ሓጢኣት ይሕለፍ ስለ ዝሐደጎ፡ ኣምላኽ ጽድቁ ምእንቲ ኼርኢ፡ ብእምነት ብደሙ [ብደም የሱስ] መተዓረቒ ገይሩ ኣቘሞ። ንሱ ጻድቕ ኪኸውን፡ ካብ እምነት የሱስ ንዘበለውን ኬጽድቕ፡ ሕጂ ኣብዚ ዘመን እዚ ጽድቁ ኺገልጽ እዩ።” (ሮሜ 3:25, 26) የሆዋ ብመሰረት እቲ ኣብ መጻኢ ኪቐርብ ዝነበሮ መስዋእታዊ በጃ የሱስ፡ ፍትሒ ኸየጕደለ፡ ንሓጢኣት ዳዊት ይቕረ ኺብል ከኣለ።

ኵነታት እታ ንእግሪ የሱስ ዝለኸየት ሰበይቲ እውን፡ ካብዚ እተፈልየ ኣይነበረን። ዘይስነ-ምግባራዊ ናብራ እኳ ትነብር እንተ ነበረት፡ ተነሲሓ እያ። ካብ ሓጢኣታ ዜድሕና ኸም ዜድልያ ኣስተውዒላ ነበረት፣ ነቲ የሆዋ ዚጥቀመሉ መገዲ ድሕነት ኸኣ ብሓቂ ኸም እተኽብሮ ብተግባራታ ኣርኣየት። እቲ መስዋእቲ ገና ዘይቀረበ እኳ እንተ ነበረ፡ ምቕራቡ ግን ብርግጽ ዘይተርፍ ብምንባሩ፡ ከምኣ ዝኣመሰሉ ሰባት ካብኡ ኺጥቀሙ ይኽእሉ ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሱስ፡ “ሓጢኣትኪ ተሐዲጉልኪ” በላ።

እዚ ጸብጻብ እዚ ብንጹር ከም ዚሕብሮ፡ የሱስ ንሓጢኣተኛታት ኣይፈንፈኖምን። ጽቡቕ ይገብረሎም ነበረ። የሆዋ እውን ንዚንስሑ ሓጢኣተኛታት፡ ይቕረ ንምባል ፍቓደኛ እዩ። እዝስ ንዓና ንዘይፍጹማት ሰባት ከመይ ዝበለ ዜደንቕን ልቢ ዚትንክፍን መረጋገጺ ዀን እዩ!

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሎም