ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ሕጊ ሳህሊ” ንልሳንካ ይሓልዎ

“ሕጊ ሳህሊ” ንልሳንካ ይሓልዎ

“ሕጊ ሳህሊ” ንልሳንካ ይሓልዎ

“ኣፋ ብጥበብ ትኸፍት፡ ትምህርቲ ለውሃት [“ሕጊ ሳህሊ፡” NW] ድማ ኣብ ልሳና እዩ።” —ምሳ. 31:26

1, 2. (ሀ) ኣምለኽቲ የሆዋ ነየነይቲ ባህርይ ኬማዕብሉ እዮም ተተባቢዖም ዘለዉ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

 ብግዜ ጥንቲ ዝነበረ ንጉስ ልሙኤል ካብ ኣዲኡ እተዋህቦ ረዚን መልእኽቲ፡ ሓንቲ ንፍዕቲ ሰበይቲ ኸተማልኦ ዘለዋ ኣገዳሲ ብቕዓት ዜጠቓልል ነበረ። ብዛዕባ እታ ንፍዕቲ ሰበይቲ እቲኣ፡ “ኣፋ ብጥበብ ትኸፍት፡ ትምህርቲ ለውሃት [“ሕጊ ሳህሊ፡” NW] ድማ ኣብ ልሳና እዩ” ዚብል ነንብብ። (ምሳ. 31:1, 10, 26) ርሕራሐ ወይ ሳህሊ ኣብ ልሳን ለባም ሰበይቲ ዀነ ኣብ ልሳን ንየሆዋ ኣምላኽ ኬሐጕሱ ዚደልዩ ዅሎም ሰባት እንተ ኣልዩ፡ ከም ጌጽ ይዀኖም እዩ። (ምሳሌ 19:22 ኣንብብ።) ኣዘራርባ ዅሎም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ፡ ሳህሊ ዚንጸባረቖ ኪኸውን ይግባእ።

2 ሳህሊ እንታይ እያ፧ ንመንከ ኢና ሳህሊ እንገብር፧ “ሕጊ ሳህሊ” ኣብ ልሳንና ንኸነንብር እንታይ ይሕግዘና፧ ነቲ ምስ ኣባላት ስድራ ቤትን ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ክርስትያናትን እንገብሮ ዝርርብ እትጸልዎኸ ብኸመይ እያ፧

ብተኣማንነትን ብፍቕርን ተደሪኽካ እትገብሮ ሕያውነት

3, 4. (ሀ) ሳህሊ እንታይ እያ፧ (ለ) ሳህሊ ኻብ ሓፈሻዊ ሕያውነት ወይ ሰብኣዊ ርሕራሐ ብኸመይ ትፍለ፧

3 ሳህሊ ንፍቕርን ንሕያውነትን ዝሓቘፈት ባህርይ እያ። ሕያውነት ኪበሃል ከሎ፡ ንኻልኦት ዚርአ ብሕታዊ ተገዳስነት የመልክት፣ እዚ ኸኣ ብሓጋዚ ተግባራትን ብዜተባብዕ ቃላትን ጌርካ እዩ ዚርአ። እታ ሳህሊ ተባሂላ ዘላ ቓል ግን፡ ንፍቕሪ እውን ስለ እተጠቓልል፡ ካብ ፍቕሪ ተደሪኽካ ብዛዕባ ድሕንነት ካልኦት ተገዳስነት ከተርኢ ኸም ዚግባእ እያ እተመልክት። ይኹን እምበር፡ እታ ንሳህሊ እተመልክት ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ እትርከብ ቃል፡ ካብቲ ብፍቕሪ ተደሪኽካ ዚግበር ሕያውነት ንላዕሊ እተጠቓልል እያ። ንሓደ ኣካል ብዚምልከት እተገብረ ዕላማ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ ብፍታውን ብተኣማንነትን ተለዓዒልካ እትገብሮ ሕያውነት ተመልክት እያ።

4 ሳህሊ ብኻልእ መዳይ እውን ምስ ሕያውነት ትፈላለ እያ። ንዘይንፈልጦም ሰባት እውን እንተ ዀነ፡ ሕያውነት ወይ ሰብኣዊ ርሕራሐ ነርእዮም ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስን ምስኡ ዝነበሩ 275 ሰባትን መርከብ ምስ ተሰብረቶም፡ ነበርቲ ደሴት መሊጠ ነቶም ቅድሚኡ ዘይፈልጥዎም ሰባት ከምዚኣ ዓይነት ሕያውነት ኣርኣይዎም። (ግብ. 27:37–28:2) ሳህሊ ኺበሃል ከሎ ግን፡ ነቲ ኣብ መንጎ ርክብ ዝነበሮም ውልቀ-ሰባት ዘሎ ተኣማንነት እውን ተጠቓልል እያ። a ቄናውያን “ንዅሎም ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኺድይቡ ኸለዉ፡” ከምዚኣ ዓይነት ባህርይ እዮም ኣርእዮምዎም።—1 ሳሙ. 15:6

ኣስተንትኖን ጸሎትን ዘለዎ ኣገዳስነት

5. ንልሳንና ንኽንለጕም እንታይ ይሕግዘና፧

5 ኣብ ዘረባና ሳህሊ ምንጽብራቕ ቀሊል ኣይኰነን። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ብዛዕባ ልሳን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ንልሳንሲ ሓደ ሰብ እኳ ኺገዝኣ ኣይተኻእሎን፡ ንሳ ዘይትዐርፍ እክይቲ፡ ዚቐትል ሕንዚ ዝመልኤት እያ።” (ያእ. 3:8) ነዛ ንምቍጽጻራ እተጸግም ኣካል ንምልጓም፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ የሱስ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ” ኢሉ እተዛረቦም ቃላት ብዛዕባ እዚ ይሕብረና እዩ። (ማቴ. 12:34) ንልሳንና ብሳህሊ ምእንቲ ኽንሕልዋ፡ ነታ ባህርይ እቲኣ ኣብ ልብና ወይ ኣብ ውሽጥና ኽንተኽላ ኣሎና። ኣስተንትኖን ጸሎትን ኣብዚ መዳይ እዚ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና እስከ ንርአ።

6. ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበሮ ሳህሊ ብሞሳ ኸነስተንትን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

6 የሆዋ ኣምላኽ “በዓል ብዙሕ ለውሃት” ወይ ሳህሊ ምዃኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ዘጸ. 34:6) እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ጐይታየ፡ ምድሪ ብጸጋኻ [ወይ ብሳህልኻ] መሊኣ አላ” ኢሉ ዘሚሩ እዩ። (መዝ. 119:64) ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ ብኸመይ ሳህሊ ኸም ዘርኣዮም ዚገልጽ ሓያሎ ጸብጻባት ኣሎ። ብዛዕባ ‘ዕዮ የሆዋ’ ግዜ ወሲድና ብሞሳ እነስተንትን እንተ ዄንና፡ ነዛ ኣምላኻዊት ባህርይ እዚኣ ንኸነማዕብል ባህጊ ኺሓድረና እዩ።—መዝሙር 77:12 ኣንብብ።

7, 8. (ሀ) የሆዋ ንሎጥን ንስድራ ቤቱን ሳህሊ ዝገበረሎም ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ዳዊት ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝገበረሉ ሳህሊ እንታይ ተሰምዖ፧

7 ንኣብነት፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሶዶም ጥፍኣት ኬውርድ ከሎ፡ ነቲ ወዲ ሓዉ ንኣብርሃም ዝነበረ ሎጥን ንስድራ ቤቱን ብኸመይ ከም ዘድሓኖም እሞ ሕስብ ነብል። እቲ ጥፍኣት ዚመጸሉ ግዜ እናቐረበ ምስ ከደ፡ እቶም ናብ ሎጥ እተላእኩ መላኽእቲ፡ ቤተሰቡ ሒዙ ቐልጢፉ ኻብታ ኸተማ ኺወጽእ ተማሕጸንዎ። “ንሱ ግና ደንጐየ። እግዚኣብሄር ኪንሕፎ ስለ ዝደለየ፡ እቶም [መላእኽቲ] ኢዱን ኢድ ሰበይቱን ኢድ ክልቲኤን ኣዋልዱን ሒዞም ኣውጽእዎ፡ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ድማ ሐደግዎ።” ብዛዕባ እዚ ኣምላኽ ዝገበሮ ምድሓን ክንሓስብ ከለናስ፡ ልብና ኣይትንከፍንዶ፧ መግለጺ ሳህሉ ምዃኑ ንኽንእመንከ ኣይንድረኽንዶ፧—ዘፍ. 19:16, 19

8 ነቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ብዛዕባ ዘጋጠሞ ነገራት እውን ንርአ። ዳዊት ብዛዕባ የሆዋ፡ “ንዅሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ፡ ንዅሉ ሕማምኪ ዚፍውስ” ኢሉ ዘሚሩ እዩ። እቲ ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ይቕረ ምስ ተባህለሉስ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ንየሆዋ ኣመስጊንዎ ኪኸውን ኣለዎ! ንየሆዋ፡ “ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዚብል፡ ከምኡ ምሕረቱ [ወይ ሳህሉ] ናብቶም ዚፈርህዎ ይስልጥን” ኢሉ ወዲስዎ እዩ። (መዝ. 103:3, 11) ብዛዕባ እዝን ብዛዕባ ኻልእ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ጸብጻባትን ምስትንታንና፡ ንልብና በቲ ንሳህሊ የሆዋ ዘሎና ምስጋና ይመልኦ፡ ንኽንውድሶን ንኸነመስግኖን ድማ ንለዓዓል። ልብና ምስጋና ብዝመልአ መጠን፡ ብዝያዳ ኢና ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እንመስሎ።—ኤፌ. 5:1

9. ኣምለኽቲ የሆዋ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ብሳህሊ ንኺመላለሱ ዓብዪ ምኽንያት ዚዀኖም እንታይ እዩ፧

9 ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት ከም ዚሕብሮ፡ የሆዋ ነቶም ድሮ ምስኡ ርክብ ዝመስረቱ ሰባት እዩ ሳህሊ ዚገብረሎም፡ ወይ ብተኣማንነት ፍቕሩ ዜርእዮም። ብዛዕባ እቶም ምስቲ ህያው ኣምላኽ ርክብ ዘይብሎምከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ የሆዋ ይጭክነሎም ድዩ፧ ኣይፋሉን። ሉቃስ 6:35፡ “እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ እዩ” ትብል። ብዘይካዚ፡ “ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ።” (ማቴ. 5:45) ሓቂ ቕድሚ ምፍላጥና እውን፡ ኣምላኽ ሕያውነት ወይ ርሕራሐ ኣርእዩና እዩ። ኣምለኽቱ ምስ ኰንና ግን፡ “ምሕረት፡” ወይ “ሳህሊ” (NW) ኺገብረልና፡ ወይ ብተኣማንነት ፍቕሩ ኼርእየና ጀመረ። (ኢሳይያስ 54:10 ኣንብብ።) ነዝስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ! ኣብ ኣዘራርባናን ኣብ መዓልታዊ ህይወትናን ሳህሊ ኸነርኢ ዓብዪ ምኽንያት ይዀነና እዩ።

10. ሳህሊ ኽፍሊ ባህርያትና ንምግባር፡ ጸሎት ኣዝዩ ሓጋዚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

10 ሳህሊ ንኸነማዕብል እዚ ዘይበሃል ሓገዝ ካብ ዚገብረልና ነገራት ሓደ፡ ጸሎት እዩ። እተን ኣብ ሳህሊ ዚጠቓለላ ፍቕርን ሕያውነትን፡ እተፈላለየ መዳያት ፍረ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ እየን። (ገላ. 5:22) ሳህሊ ኣብ ልብና ምእንቲ ኺሰርጽ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ክንምራሕ ኣሎና። ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ብቐጥታ ኽንረክብ እንኽእለሉ መገዲ ድማ፡ ብጸሎት ኣቢልና ብምሕታት እዩ። (ሉቃ. 11:13) መንፈስ ኣምላኽ ኪወሃበና ብተደጋጋሚ ኽንጽልን ንመሪሕነቱ ኽንቅበልን ኣሎና። ስለዚ እምበኣር፡ ሕጊ ሳህሊ ኣብ ልሳንና ምእንቲ ኪኸውን፡ ኣስተንትኖን ጸሎትን ኣገዳሲ እዩ።

ሰብ ሓዳር ብኣዘራርባኦም ሳህሊ የርእዩ

11. (ሀ) የሆዋ፡ ሰብኡት ንኣንስቶም ሳህሊ ኼርእይወን ከም ዚጽበ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) ሕጊ ሳህሊ ንሓደ ሰብኣይ ልሳኑ ኺሕሉ ኺሕግዞ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

11 ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብኡት፡ “ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ” ኢሉ መዓዶም። (ኤፌ. 5:25) “ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ ምስ ሰበይቱ ይለግብ፡ ክልቲኦምውን ሓደ ስጋ እዮም ዚዀኑ” ኢሉ ብምጽሓፍ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን ዝበሎም ኣዘኻኺርዎም ኣሎ። (ኤፌ. 5:31) የሆዋ፡ ሰብኡት ንኣንስቶም እሙናት ኪዀኑን ወትሩ ሳህሊ ኼርእይወንን ይጽበዮም እዩ። ሰብኣይ ኣብ ዘረባኡ ተኣማንነት ዝመልኦ ፍቕሪ ዜንጸባርቕ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ብዛዕባ ጕድለት ሰበይቱ ኣይዛረብን ወይ ኣየዋርዳን እዩ። የግዳስ፡ ተሓጒሱ እዩ ዚንእዳ። (ምሳ. 31:28) ብገለ ምኽንያት ዘይምስምማዕ እንተ ተላዒሉ፡ እቲ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኣብ ክንዲ ዜዋርዳ፡ ልሳኑ ምእንቲ ኺለጕም፡ ሳህሊ ኺሕግዞ ይኽእል እዩ።

12. ሓንቲ ሰበይቲ፡ ሕጊ ሳህሊ ኣብ ልሳና ኸም ዝዀነ ኸተርኢ እትኽእል ብኸመይ እያ፧

12 ልሳን ሰበይቲ እውን፡ ብሕጊ ሳህሊ ኺምራሕ ኣለዎ። ኣዘራርባኣ ብመንፈስ ዓለም ኪጽሎ የብሉን። “ንሰብኣያ ተኽብሮ” ስለ ዝዀነት፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት ብጽቡቕ ተልዕሎን ካልኦት ንዕኡ ዘለዎም ኣኽብሮት ከም ዚውስኽ ትገብርን እያ። (ኤፌ. 5:33 ትርጕም 1990) ውሉዳታ ንኣቦኦም ዘለዎም ኣኽብሮት ኪንኪ ስለ ዘይትደሊ፡ ኣብ ቅድሚኦም ኣይትከራኸሮን ወይ ንርእይቶኡ ኣብ ሕቶ ኣይተእትዎን እያ። የግዳስ፡ ፍልልያት ኪህሉ ኸሎ፡ ንበይኑ እያ እተዘራርቦ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ለባም ሰበይቲ ቤታ ትሀንጽ” ይብል። (ምሳ. 14:1) እወ፡ ቤታ ንብምሉኦም ስድራኣ ባህ ዜብልን ምሹእን ከም ዚኸውን እያ እትገብሮ።

13. ሕጊ ሳህሊ ብፍላይ ኣበይ እዩ ኺዓዪ ዘለዎ፧ ብኸመይከ፧

13 ሰብ ሓዳር በይኖም ኣብ ዝዀኑሉ ግዜ እውን እንተ ዀነ፡ ንልሳኖም ንሓድሕዶም ከም ዚከባበሩ ብዜርኢ መገዲ ኺጥቀሙሉ ይግባእ። ጳውሎስ፡ “ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ድማ፤ ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ” ኢሉ ጸሓፈ። ወሲኹ ድማ፡ “ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ ልበሱ። . . . ፍቕሪ፡ ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ፡ ልበስዋ” በለ። (ቈሎ. 3:8, 12-14) ቈልዑ ፍቕርን ሕያውነት ዚንጸባረቖ ዘረባ ዚሰምዑ እንተ ዀይኖም፡ ብጽቡቕ ይዓብዩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣዘራርባኦም እውን ንወለዶም ይመስልዎም እዮም።

14. ርእስታት ስድራ ቤት ብልሳኖም ኣቢሎም ንስድራ ቤቶም ኬጸናንዑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

14 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ የሆዋ፡ “ጸጋኻ [ወይ ሳህልኻ] መጸናንዒ ይኹነኒ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝ. 119:76) ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንህዝቡ ዜጸናንዓሉ ሓለፍ ዝበለ መገዲ፡ ምዕዶን መምርሕን ብምሃብ እዩ። (መዝ. 119:105) ርእስታት ስድራ ቤት ካብ ኣብነት ሰማያዊ ኣቦና ኺጥቀሙን ብልሳኖም ኣቢሎም ንስድራ ቤቶም ኬጸናንዑን ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ዜድሊ መምርሕን ምትብባዕን ብምሃብ ከምኡ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። ኣምልኾ ስድራ ቤት፡ መንፈሳዊ ሃብቲ ንምርካብ ዜኽእል ፍሉይ ኣጋጣሚ ይኸፍት እዩ።—ምሳ. 24:4

ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትካ ብተኣማንነት ፍቕሪ ኣርእዮም

15. ሽማግለታትን ካልኦት ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ብመንፈስ ዝበሰሉ ክርስትያናትን፡ ልሳኖም ንኻልኦት ንምሕላው ዚጥቀሙሉ ብኸመይ እዮም፧

15 ንጉስ ዳዊት፡ “ሳህልኻን ሓቅኻን ኣዘውቲረን ይሐልዋኒ” ኢሉ ጸለየ። (መዝ. 40:11) ክርስትያን ሽማግለታትን ካልኦት ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ብመንፈስ ዝበሰሉ ክርስትያናትን ኣብዚ መዳይ እዚ ንየሆዋ ኺመስልዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ንልሳንና ምስ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ብዚሰማማዕ መገዲ ምጥቃምና፡ ሳህሊ ኸም ዘሎና ዜርኢ እዩ።—ምሳ. 17:17

16, 17. ልሳንና ብሕጊ ሳህሊ ኸም እትምራሕ ከነርኢ እንኽእለሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

16 ሓደ ክርስትያን ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ ተግባር ኪገብር ምስ እንርእዮ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ብሳህሊ ተደሪኽና ንልሳንና፡ ንዕኡ ንምቕናዕ ደይኰንናን እንጥቀመሉ፧ (መዝ. 141:5) ሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና ኸቢድ ሓጢኣት ከም ዝፈጸመ እንተ ፈሊጥና፡ ‘ብስም የሆዋ፡ ዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ምእንቲ ኺጽልዩ፡ ንሽማግሌታት ማሕበር ኪጽውዕ’ ብምትብባዕ፡ ብተኣማንነት ፍቕሪ ነርእዮ ኢና። (ያእ. 5:14) እቲ ኣባሲ ናብ ሽማግለታት እንተ ዘይከይዱ፡ ንሕና ኸኣ ነዚ እናፈለጥና ስቕ እንተ ኢልና፡ ፍቕሪ ዀነ ሕያውነት ካብ ምርኣይ ኢና እንሰንፍ። ገሊኦም ኣሕዋትና ተስፋ ኪቘርጹ፡ ብጽምዋ ኺብልዑ፡ ዘይረብሑ ዀይኑ ኺስምዖም፡ ወይ ከኣ ብጓሂ ኺወሓጡ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ኻብቲ ሕጊ ሳህሊ ኣብ ልሳንና ኸም ዘሎ ኸነርኢ እንኽእለሉ መገዲ፡ ነቲ፡ “ነቶም ሕሊናኦም ዝዓረቦም ከተተባብዕዎም” ዚብል ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓል እዩ።—1 ተሰ. 5:14 ትርጕም 1990።

17 ጸላእቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ናይ ሓሶት ወረ ኺነዝሑ ኸለዉ እንታይ ምላሽ ኢና ኽንህብ ዚግባእ፧ ንንጽህና ኣሕዋትና ኣብ ሕቶ ኣብ ክንዲ እነእትዎ፡ ንኸምዚ ዓይነት ወረ ኽንነጽጎ ኣሎና፣ ወይ ከኣ ነቲ ኸምኡ ኢሉ ዚዛረብ ሰብ፡ መርትዖ እንተ ኣልይዎ ኽንሓቶ ንኽእል ኢና። ጸላእቲ ህዝቢ ኣምላኽ ንክርስትያን ኣሕዋትና ምእንቲ ኺጐድእዎም ኢሎም ይደልይዎም እንተ ኣልዮም፡ ንኣሕዋትና ብዘሎና ተኣማንነትን ፍቕርን ተደሪኽና፡ ኣበይ ከም ዘለዉ ኣይንነግሮምን ኢና።—ምሳ. 18:24

‘ሳህሊ ዚስዕብ ህይወት ይረክብ’

18, 19. ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኣብ ዘሎና ርክብ፡ ሕጊ ሳህሊ ኻብ ልሳንና ኺፍለ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

18 ምስቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ብጾትና ኣብ ዘሎና ርክብ፡ ብተኣማንነት ፍቕሪ ኸነርኢ ኣሎና። ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን እንተ ዀነ፡ ሕጊ ሳህሊ ኻብ ልሳንና ኺፍለ የብሉን። እቲ እስራኤላውያን ኬርእይዎ ዚግባእ ዝነበረ ሳህሊ “ኸምቲ ኣንጊሁ ዚጠፍእ ኣውሊ” ምስ ኰነ፡ የሆዋ ጐሃየ። (ሆሴ. 6:4, 6) ብኣንጻሩ ግን፡ የሆዋ በቲ ኣዘውቲርካ ዚግበር ሳህሊ ይሕጐስ እዩ። ነቶም ከምኡ ዚገብሩ ብኸመይ ከም ዚባርኾም እስከ ንርአ።

19 ምሳሌ 21:21፡ “እቲ ንጽድቅን በጕነትን [ወይ ሳህልን] ዚስዕበን፡ ህይወትን ጽድቅን ክብረትን ይረክብ” ትብል። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ካብ ዚረኽቦ በረኸት ሓደ፡ ዘለኣለማዊ ህይወት እዩ። የሆዋ ድማ፡ ‘ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረክብ’ ይሕግዞ እዩ። (1 ጢሞ. 6:12, 19) ሃየ እምበኣር፡ ነቲ፡ “ንሓድሕድኩም ድማ ሰናይ [ወይ ሳህሊ] . . . ግበሩ” ዚብል ምዕዶ ንስዓቦ።—ዘካ. 7:9

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ መንጎ ፍቕራዊ ሕያውነትን (ወይ ሳህሊ) ኣብ መንጎ ተኣማንነትን ፍቕርን ሕያውነትን ብዛዕባ ዘሎ ፍልልይ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ናይ 15 ግንቦት 2002 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 12-13, 18-19 ርአ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ንሳህሊ ብኸመይ ምገለጽካያ፧

• ሕጊ ሳህሊ ኣብ ልሳንና ምእንቲ ኪኸውን እንታይ ይሕግዘና፧

• ሰብ ሓዳር ኣብ ኣዘራርባኦም ተኣማንነት ዝመልኦ ፍቕሪ ኼርእዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

• ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኣብ ዘሎና ርክብ፡ ሕጊ ሳህሊ ኣብ ልሳንና ኸም ዝዀነ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ዳዊት ንየሆዋ ስለቲ ሳህሉ ወደሶ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣዘውቲርኩም ኣምልኾ ስድራ ቤት ትገብሩዶ፧