ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰዓት ከተኽብር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ሰዓት ከተኽብር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ሰዓት ከተኽብር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ሰዓት ምኽባር ወይ ቈጸራ ምሕላው ቀሊል ዚኸውን ኵሉ ሳዕ ኣይኰነን። ገለ ኻብቲ ዜጋጥመና ዕንቅፋታት፡ ርሕቐት መገዲ፡ ብዝሒ መካይን፡ ጻዕቂ ስራሕ ኪጥቀስ ይከኣል። ይኹን እምበር፡ ሰዓት ምኽባር ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰዓት ዜኽብር ሰራሕተኛ እሙንን ትጉህን ከም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚርአ። ብኣንጻሩ ግን፡ ሓደ ሰዓት ዘየኽብር ሰራሕተኛ ንስራሑን ንስራሕ ካልኦትን ብኣሉታዊ መገዲ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። ናብ ቤት ትምህርቲ ደንጒዩ ዝኣቱ ተመሃራይ፡ ገሊኡ ዓይነት ትምህርቲ ኼምልጦ ስለ ዝኽእል፡ ዕቤት ንኸይገብር ዕንቅፋት ኪዀኖ ይኽእል እዩ። ናይ ስኒ ይኹን ካልእ ዓይነት ሕክምና ኣድልዩካ ቘጸራ ምስ ዚግበረልካ፡ ሰዓትካ ዘይምኽባር ነቲ እትረኽቦ ዓይነት ሕክምና ጽልዋ ኺገብረሉ ይኽእል እዩ።

ይኹን እምበር፡ ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት ሰዓት ምኽባር ኣገዳሲ ጌርካ ኣይርአን እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኸባቢ ንነብር እንተ ደኣ ዄንና፡ ሰዓት ምሕላፍ ልምዲ ኪዀነና ይኽእል እዩ። እዚ ጸገም እዚ እንተ ኣልዩና፡ ኣብ ሰዓትና ንኽንርከብ ባህጊ ኸነሕድር የድሊ። ሰዓት ምኽባር ኣገዳሲ ምዃኑ ምርዳእና፡ ሰዓት ንኸነኽብር ከም ዚሕግዘና ፍሉጥ እዩ። ገለ ኻብቲ ሰዓት ከነኽብር ኣድላዪ ዝዀነሉ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧ ሰዓትና ንኸይነኽብር ዕንቅፋት ንዝዀነና ነገራት ብኸመይ ክንሰግሮ ንኽእል፧ ሰዓት ብምኽባርና እንታይ ረብሓታት ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

የሆዋ—ሰዓት ዜኽብር ኣምላኽ

ሰዓትና ኸነኽብር እንደልየሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ነቲ እነምልኾ ኣምላኽ ክንመስሎ ስለ እንደሊ እዩ። (ኤፌ. 5:1) የሆዋ ሰዓት ብምኽባር ብሉጽ ኣብነት እዩ። ደንጒዩ ኣይፈልጥን እዩ። ካብቲ ዕላማኡ ንምፍጻም ኢሉ ዜውጽኦ መደብ ፍንትት ኣይብልን እዩ። ንኣብነት፡ ነታ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበራ ዓለም ብማይ ኣይሂ ኼጥፍኣ ምስ ወሰነ፡ ንኖህ፡ “ንኣኻ ኻብ ኦም ጎፌር መርከብ ስራሕ” በሎ። እቲ ግዜ መወዳእታ ምስ ቀረበ ኸኣ ናብታ መርከብ ንኺኣቱ ነገሮ፡ “ድሕሪ ሾብዓተ መዓልቲ ኣነ ኣብ ምድሪ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከዝንም እየ፡ ነቲ ዝገበርክዎ ዅሉ ህያው ድማ ካብ ዝባን ምድሪ ኽድምስሶ እየ” ድማ በሎ። ድሕርዚ፡ ልክዕ ኣብ ግዜኡ፡ “ድሕሪ እተን ሾብዓተ መዓልቲ ማይ ኣይሂ ኣብ ምድሪ ዀነ።” (ዘፍ. 6:14፣ 7:4, 10) ኖህን ስድራቤቱን ሰዓቶም ኣኽቢሮም ኣብታ መርከብ እንተ ዘይኣይትዉ ነይሮም፡ እንታይ ኬጋጥሞም ይኽእል ከም ዝነበረ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ንሳቶም እውን ልክዕ ከምቲ ዜምልኽዎ ኣምላኽ፡ ሰዓቶም ኬኽብሩ ነበሮም።

ድሕሪ ማይ ኣይሂ፡ ኣስታት 450 ዓመት ጸኒሑ፡ የሆዋ ነቲ ኣበው ዝነበረ ኣብርሃም፡ ወዲ ኸም ዚወልድ፡ እቲ ተስፋ እተገብረሉ ዘርኢ ኸኣ ብእኡ ኣቢሉ ኸም ዚመጽእ ነገሮ። (ዘፍ. 17:15-17) “ንዓመታ ኸምዛ ግዜ እዚኣ፡” ይስሃቅ ኪውለድ ምዃኑ ሓበሮ። እዚኸ ተፈጺሙዶ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ሳራ ድማ ጠነሰት፡ በቲ ኣምላኽ እተዛረቦ ምዱብ ወርሓት ከኣ ንኣብርሃም ኣብ እርግናኡ ወዲ ወለደትሉ” ይብለና።—ዘፍ. 17:21፣ 21:2

መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ሰዓት ዜኽብር ኣምላኽ ምዃኑ ዚሕብር ሓያሎ ኣብነታት ሒዙ ኣሎ። (ኤር. 25:11-13፣ ዳን. 4:20-25፣ 9:25) ነታ እትመጽእ ዘላ መዓልቲ ፍርዲ የሆዋ ኽንጽበያ ይነግረና እዩ። እታ መዓልቲ እቲኣ ብኣረኣእያ ሰባት ‘እትድንጒ’ እኳ እንተ መሰለት፡ ከም ‘ዘይትድንጒ’ ውሕስነት ተዋሂቡና ኣሎ።—ኣን. 2:3

ሰዓት ምኽባር ኣብ ኣምልኾ ዘለዎ ኣገዳስነት

ኵሎም እስራኤላውያን ሰብኡት፡ ኣብቲ “በዓላት” የሆዋ ንኺበዓል እተመደበሉ ቦታ፡ ሰዓቶም ኣኽቢሮም ኪርከቡ ነበሮም። (ዘሌ. 23:2, 4) ኣምላኽ፡ ገሊኡ መስዋእትታት ዚቐርበሉ ግዜያት እውን ወሲኑ ነበረ። (ዘጸ. 29:38, 39፣ ዘሌ. 23:37, 38) እዝስ፡ ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ኣብ ኣምልኾኦም ሰዓት ኬኽብሩ ኸም ዚደልዮም ኣይሕብረናንዶ፧

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ፡ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብኸመይ ኪምራሕ ከም ዘለዎ ዚገልጽ መምርሒ ኺህቦም ከሎ፡ “ኵሉ ደኣ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን” በሎም። (1 ቈረ. 14:40) በዚ መሰረት እዚ፡ ንኣምልኾ ዚግበር ዝነበረ ክርስትያናዊ ኣኼባታት፡ ኣብቲ እተመደበሉ ግዜ ኺጅምር ነበሮ። የሆዋ ብዛዕባ ሰዓት ምኽባር ዘለዎ ኣረኣእያ፡ ሕጂ እውን ኣይተለወጠን። (ሚል. 3:6) ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሰዓትና ኣኽቢርና ንኽንርከብ፡ እንታይ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና፧

ንዜጋጥመካ ዕንቅፋት ሰጊርካ ሰዓትካ ምኽባር

ገሊኦም ሰባት ኣቐዲምካ መደብ ምውጻእ ኣዝዩ ሓጋዚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። (ምሳ. 21:5 ትርጕም 1990) ንኣብነት፡ ኣብ እተመደበ ሰዓት ንምብጻሕ ገለ ርሕቐት ክንጐዓዝ ኣሎና ንበል። ኣብታ ርእሳ ንኽንበጽሕ ዜኽእለና ግዜ ጥራይ ጸብጺብና ኽንብገስ ጥበባዊ ድዩ፧ ኣብ መገዲ ዘይሓሰብናዮ ነገራት ኬጋጥመና ኸሎ እውን ከይተረፈ፡ ደንጒና ምእንቲ ኸይንበጽሕ ገለ ደቓይቕ ኣቐዲምና ኽንብገስ ዝሓሸዶ ኣይምዀነን፧ (መክ. 9:11) ሰዓቱ ዜኽብር ሆሴ ዝስሙ መንእሰይ፡ “ዝዀነ ይኹን ሰብ እቲ ዚጐዓዘሉ መገዲ ኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኸም ዚወስደሉ ጽቡቕ ገይሩ ምስ ዚግምግም፡ ኣብ ሰዓቱ ንኺርከብ ኪሕግዞ ይኽእል እዩ” በለ። a

ገሊኣቶም ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብእዋኑ ምእንቲ ኺበጽሑ ካብ ስራሖም ኣቐዲሞም ኪወጹ መደባት ኪገብሩ ኼድልዮም ይኽእል እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ናይ እብረ ስራሕ ዚሰርሕ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ 45 ደቒቕ ደንጒዩ ከም ዝበጽሕ ስለ ዘስተውዓለ፡ ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ወሰደ። ንመሳርሕቱ፡ ኣብቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ምሸት ኣቐዲሙ መጺኡ ኺትክኦ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ ብግዴኡ ናይ ሸውዓተ ሰዓታት እብረ ኺሽፍነሉ ተሰማምዐ።

ቈልዑ እንተ ኣልዮምና፡ ኣብ ኣኼባታት ብእዋኑ ምብጻሕ ኬጸግመና ይኽእል እዩ። ንቘልዑ ምቅርራብ መብዛሕትኡ ግዜ ንኣደ ዚግደፍ እኳ እንተ ዀነ፡ ካልኦት ኣባላት እታ ስድራቤት እውን ኪሕግዙ ኣለዎም። ኤስፒራንዛ ዝስማ መክሲካዊት ኣደ፡ ካብ 5 ኽሳዕ 23 ዓመት ንዝዕድሚኦም ሸሞንተ ደቃ በይና እያ እተዕቢ። ምስ ስድራቤታ ሰዓት ንኸተኽብር ዚሕግዛ ነገር እንታይ ምዃኑ ኽትገልጽ ከላ፡ “እተን ዓበይቲ ደቀይ ነቶም ንኣሽቱ ብምቅርራብ ይሕግዛኒ። እዚ ኸኣ ዕዮ ገዛይ ወዲአ፡ ተቐራሪበ ኣብ ምድብቲ ሰዓት ንኣኼባ ንኽብገስ የኽእለኒ” በለት። እዛ ስድራቤት እዚኣ፡ ካብ ገዛ እትብገሰሉ ምድብቲ ሰዓት ኣላታ፣ ኵሎም ኣባላታ ኸኣ ይተሓባበሩ እዮም።

ኣብ ኣምልኾ፡ ሰዓት ብምኽባር ተጠቐም

ብዛዕባ እቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብእዋኑ ብምብጻሕ እንረኽቦ በረኸት ምስትንታንና፡ ብዝከኣለና መጠን ሰዓትና ንኸነኽብር ዘሎና ባህግን ቈራጽነትን ኬደልድለልና ይኽእል እዩ። ብእዋኑ ናብ ኣኼባታት ምብጻሕ ልምዲ ዝገበረቶ ሳንድራ እትበሃል ጐርዞ፡ “ኣቐዲምካ ምብጻሕ ዝፈትዎ፡ ንኣሕዋትን ኣሓትን ሰላም ንኽብሎምን ንኸዕልሎምን ዝያዳ ንኽፈልጦምን ኣጋጣሚ ስለ ዚኸፍተለይ እዩ” በለት። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣቐዲምና ኽንርከብ ከሎና፡ ገለ ኻብቶም ተኣከብቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘርኣይዎ ጽንዓትን ተኣማንነትን ኪገልጹልና ኸለዉ ብምስማዕ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ንሕና እውን ብግዴና፡ ኣብ ኣኼባታት ብምእካብን ዚሃንጽ ምይይጥ ብምግባርን ንኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ከነነቓቕሖም’ ንኽእል ኢና።—እብ. 10:24, 25

ኣብ መኽፈቲ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያናዊ ኣኼባ ዚቐርብ መዝሙርን ጸሎትን፡ ኣገዳሲ ኽፍሊ ኣምልኾና እዩ። (መዝ. 149:1) መዝሙራትና ንየሆዋ ይውድስ፡ ከነማዕብሎ ዚግብኣና ባህርያት የዘኻኽረና፡ ኣብ ኣገልግሎት ብሓጐስ ንኽንካፈል ከኣ የተባብዓና እዩ። ብዛዕባ እቲ ናይ መኽፈቲ ጸሎትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ የሆዋ ነታ ጥንቲ ዝነበረት ቤተ መቕደስ፡ “ቤት ጸሎት” ኢሉ ሰምይዋ ነበረ። (ኢሳ. 56:7) ሎሚ እውን፡ ኣብ ኣኼባታትና ንኣምላኽ ጸሎት ንምዕራግ ንእከብ ኢና። በቲ ናይ መኽፈቲ ጸሎት፡ ካብ የሆዋ መምርሕን መንፈስ ቅዱስን ንምርካብ ንልምን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣእምሮናን ልብናን ነቲ ዝቐርብ ትምህርቲ ንኪቕበል እውን ነዳሉ ኢና። ኣብቲ ናይ መኽፈቲ መዝሙርን ጸሎትን ምእንቲ ኽንርከብ እምበኣር፡ ኣብ ኣኼባታትና ብእዋኑ ንኽንበጽሕ ቈራጽነት ክንገብር ኣሎና።

ጓል 23 ዓመት ዝዀነት ሄለን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣኼባታት ብእዋኑ እትርከበሉ ምኽንያት ክትገልጽ ከላ፡ “ንዅሉ እቲ ዚቐርብ ትምህርቲ፡ እንተላይ ንመዝሙርን ጸሎትን ዜዳልዎ የሆዋ ስለ ዝዀነ፡ ንየሆዋ ፍቕረይ ዝገልጸሉ መገዲ ዀይኑ እዩ ዝስምዓኒ” በለት። ንሕናኸ ነቲ ጕዳይ ከምኡ ጌርናዶ ኣይኰንናን ክንርእዮ ዚግባእ፧ እወ፡ ብርግጽ ከምኡ ጌርና ኽንርእዮ ኣሎና። ስለዚ እምበኣር፡ ኣብ ኵሉ ንጥፈታትና፡ ብሕልፊ ድማ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ እነቕርቦ ኣምልኾና ኣብ እተተሓሓዘ ጕዳያት፡ ሰዓት ናይ ምኽባር ልምዲ ኸነማዕብል ንጽዓር።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣቐዲምካ ብግቡእ ተዳሎ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኬጋጥም ንዚኽእል ዘይተሓሰበ ነገር፡ ግዜ መደብ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣኼባታት ኣቐዲምካ ብምብጻሕ ተጠቐም