ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በጃ ብኸመይ የድሕነና፧

በጃ ብኸመይ የድሕነና፧

በጃ ብኸመይ የድሕነና፧

“ብወዲ ዚአምን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ፡ እቲ ብወዲ ዘይአምን ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ።”—ዮሃ. 3:36

1, 2. ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ፈለማ እትሕተመሉ ዝነበረት ሓደ ዕላማ እንታይ እዩ ነይሩ፧

 እታ ኣብ ጥቅምቲ 1879 ዝወጸት ራብዐይቲ ሕታም እዛ መጽሔት፡ “ዝዀነ ይኹን ጥንቁቕ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ሞት ክርስቶስ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣይስሕቶን እዩ” በለት። እታ ዓንቀጽ ኣብ መወዳእታ፡ “ነቲ ንመተዓረቒ ሓጢኣት ዝቐረበ ሞት ክርስቶስ ካብ ዜቈናጽብ ወይ ዕሽሽ ካብ ዚብል ዝዀነ ይኹን ነገር ንተሓሎ” ዚብል ብርቱዕ መዘኻኸሪ ብምሃብ ዛዘመት።—1 ዮሃንስ 2:1, 2 ኣንብብ።

2 ሓደ ዕላማ እታ ኻብ ሓምለ 1879 ኣትሒዛ ኽትሕተም ዝጀመረት ዛዮንስ ዎች ታወር (ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ)፡ ነቲ ብዛዕባ በጃ ዚገልጽ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጥባቕ እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ 1800ታት ብዙሓት ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ነቲ ብሞት የሱስ ዚርከብ በጃ ሓጢኣት ኣብ ሕቶ ኣእትዮምዎ ስለ ዝነበሩ፡ እታ መጽሔት እዋናዊ ዝዀነ ‘ምግቢ’ ሒዛ ትወጽእ ነበረት። (ማቴ. 24:45) ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብዙሓት ሰባት ንኽልሰ-ሓሳብ ፍልቀት ኪኣምኑ ጀሚሮም ነበሩ፣ እዚ ሓሳብ እዚ፡ ምስቲ ሰብ ፍጽምናኡ ኸም ዘጥፍአ ዚገልጽ ሓቂ ዚጋጮ እዩ። ኣብ ክልሰ-ሓሳብ ፍልቀት ዚኣምኑ ሰባት፡ ሰብ ባዕሉ እናተመሓየሸ ኸም ዚኸይድን በጃ ኸም ዘየድልዮን እዮም ዚምህሩ። እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ካብቲ፡ ገሊኦም ተአሚኖምዎ ኻብ እምነት ዘምቢሎም ዘሎዉ፡ ብሓሶትሲ ፍልጠት ተብሂሉ ዘሎ ርኹስ ሃተውተውን ክትዕን ርሐቕ። ነቲ ሕድሪ እተዋህበካ ሐልዎ” ኢሉ ዝሃቦ ምኽሪ እዋናዊ እዩ ነይሩ።—1 ጢሞ. 6:20, 21

3. እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

3 ‘ካብ እምነት ንኸይትዝምብል’ ከም ዝቘረጽካ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ስለዚ ኸኣ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ምምርማር ኣገዳሲ እዩ፦ በጃ ዜድልየኒ ስለምንታይ እዩ፧ በጃ ንኺርከብ እንታይ ተኸፍለ፧ ካብዚ ኻብ ቍጥዓ ኣምላኽ ኬድሕነኒ ዚኽእል ክቡር መሰናድዎ ብኸመይ ክጥቀም እኽእል፧

ካብ ቍጥዓ ኣምላኽ ምድሓን

4, 5. ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብዚ ሎሚ ዘሎ እኩይ ስርዓት “ይነብር” ከም ዘሎ ብኸመይ ንፈልጥ፧

4 መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ እቲ መከራ ዝመልኦ ታሪኽ ደቂ ሰብ ከም ዚሕብሮ፡ ኣዳም ካብ ዚሓጥእ ኣትሒዙ ቝጥዓ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ደቂ ሰብ “ይነብር” ኣሎ። (ዮሃ. 3:36) ዋላ ሓደ ኻብ ደቂ ሰብ ካብ ሞት ኬምልጥ ዘይምኽኣሉ ድማ ነዚ መርትዖ ይዀነና እዩ። ግዝኣት ሰይጣን ንደቂ ሰብ ካብ መዓት ኬናግፎም ኣይከኣለን፡ መሰረታዊ ድሌት ዜጋታቱ ኼማልእ ዚኽእል ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ኸኣ የልቦን። (1 ዮሃ. 5:19) ስለዚ ኸኣ፡ ደቂ ሰብ ኣደዳ ውግእን ገበንን ድኽነትን ኰይኖም ኣለዉ።

5 እምበኣር፡ እዚ ሎሚ ዘሎ እኩይ ስርዓት፡ በረኸት የሆዋ ኸም ዘይብሉ ንጹር እዩ። ጳውሎስ፡ “ቍጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዅሉን” ከም ዚግለጽ ሓበረ። (ሮሜ 1:18-20) ስለዚ፡ እቶም ከይተነስሑ ናብራ ረሲእነት ዚነብሩ ሰባት፡ ካብ ሳዕቤኑ ኣይኬምልጡን እዮም። ሎሚ፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ብመልእኽቲ ፍርዲ ኣቢሉ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ይወርድ ኣሎ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ መልእኽቲ ኸኣ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትና እዩ ዚርከብ።—ራእ. 16:1

6, 7. ብመሪሕነት ቅቡኣት ክርስትያናት ዚፍጸም ዘሎ ዕዮ እንታይ እዩ፧ ነቶም ገና ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘለዉ ሰባትከ እንታይ ኣጋጣሚ ተኸፊትሎም ኣሎ፧

6 ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ ውልቀ-ሰባት ካብ ቍጽጽር ሰይጣን ሓራ ወጺኦም ስምረት የሆዋ ኺረኽብሉ ዚኽእሉ ኣጋጣሚ ሓሊፉ እዩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን፣ ከመይሲ፡ ምስ የሆዋ ኽንተዓረቕ እንኽእለሉ ኣጋጣሚ ገና ኽፉት እዩ ዘሎ። እቶም “ናይ ክርስቶስ ኣምባሳደራት” ዝዀኑ ቕቡኣት ክርስትያናት፡ ኣብቲ ህዝባዊ ምስክርነት መሪሕ ግደ ብምሓዝ፡ ንዅሎም ሰባት ‘ምስ ኣምላኽ ኪተዓረቑ’ ይዕድምዎም ኣለዉ።—2 ቈረ. 5:20, 21 ትርጕም 1990።

7 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ የሱስ “ካብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ዜድሕነና” ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። (1 ተሰ. 1:10) የሆዋ ነቶም ዘይንስሑ ሓጢኣተኛታት ንዘለኣለም ብምጥፋእ፡ ንመወዳእታ ግዜ ቝጥዓኡ ኺገልጽ እዩ። (2 ተሰ. 1:6-9) ካብዚ ኼምልጥ ዚኽእል መን እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብወዲ ዚአምን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ፡ እቲ ብወዲ ዘይአምን ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ” ኢሉ ይገልጽ። (ዮሃ. 3:36) እወ፡ እዚ ስርዓት እዚ ኺጠፍእ ከሎ፡ ኵሎም እቶም ብህይወት ጸኒሖም ኣብ የሱስን ኣብቲ በጃን ዚኣምኑ ሰባት፡ ካብቲ ናይ መወዳእታ ቝጥዓ ኣምላኽ ኬምልጡ እዮም።

እቲ በጃ ብኸመይ ከም ዚዓዪ

8. (ሀ) ንኣዳምን ሄዋንን እንታይ ባህ ዜብል መጻኢ እዩ ተነቢሩሎም ነይሩ፧ (ለ) የሆዋ፡ ኣምላኽ ፍጹም ፍትሒ ምዃኑ ብኸመይ ኣርኣየ፧

8 ኣዳምን ሄዋንን ፍጹማት ኰይኖም እዮም ተፈጢሮም። ንኣምላኽ እንተ ዚእዘዙ ነይሮም፡ ምድሪ ምስኦም ሓቢሮም ዚነብሩ ሕጉሳት ዘርኦም ዚመልእዋ ገነት ምዀነት ነይራ። እቲ ዜሕዝን ግን፡ እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ደይ መደይ ኢሎም ትእዛዝ ኣምላኽ ኣፍረሱ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ሞት ተፈሪድዎም ካብታ ናይ መጀመርታ ገነት ተሰጐጉ። ውሉዳት ምስ ወለዱ፡ ሓጢኣት ናብ ዘርኦም ሓለፈ፣ ድሕሪ ግዜ ኸኣ ኣሪጎም ሞቱ። እዚ ዅሉ፡ የሆዋ ቓሉ ዚሕሉ ምዃኑ የረጋግጽ፣ ኣምላኽ ፍጹም ፍትሒ ኸም ዝዀነ ድማ የርኢ። የሆዋ ንኣዳም፡ ካብታ ኽልክልቲ ፍረ ምብላዕ ሞት ከም ዜስዕብ ነጊርዎ ነበረ፣ ቃሉ ድማ ተፈጸመ።

9, 10. (ሀ) ዘርኢ ኣዳም ዚሞቱ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ካብ ዘለኣለማዊ ሞት ከነምልጥ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

9 ኵላትና ዘርኢ ኣዳም ብምዃንና፡ ሓጢኣትን ሞትን ወሪስና ኢና። ከመይሲ፡ ኣዳም ምስ ሓጥአ ኢና ተወሊድና። ስለዚ፡ እቲ ፍርዲ ሞት ንዓና እውን ዚሓቍፍ እዩ። የሆዋ ንሞት ብዘይ በጃ እንተ ዜወግዶ ነይሩ፡ ቃሉ ሓቂ ኣይምዀነን። ስለዚ ኸኣ እዩ ጳውሎስ ኣብ ክንዲ ዅላትና ዀይኑ ኺዛረብ ከሎ፡ “ሕጊ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡ ኣነ ግና ትሕቲ ሓጢኣት እተሸጥኩ ስጋዊ እየ። ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ፡ ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ እዩ፧” ዝበለ።—ሮሜ 7:14, 24

10 ንሓጢኣትና ብፍትሓዊ መገዲ ይቕረ ኢሉ ኻብ መቕጻዕቲ ዘለኣለማዊ ሞት ሓራ ምእንቲ ኼውጽኣና ሕጋዊ መሰረት ኬቕርብ ዚኽእል፡ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። ነዚ ዝፈጸሞ ኸኣ፡ ነቲ ህይወቱ ኣብ ክንዳና በጃ ኺህብ ዚኽእል ዚፈትዎ ወዱ፡ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ምእንቲ ኺውለድ ካብ ሰማይ ብምልኣኽ እዩ። የሱስ ከም ኣዳም ዘይኰነስ፡ ክሳዕ መወዳእታ ፍጹም ኰይኑ እዩ። እወ፡ ‘ሓጢኣት ኣይገበረን።’ (1 ጴጥ. 2:22) ስለዚ ኸኣ፡ ወላዲ ፍጹማት ዘርኢ ኪኸውን ተኽእሎ ነበሮ። ይኹን እምበር፡ ንሓጥኣን ደቂ ኣዳም ከም ውሉዱ ገይሩ ምእንቲ ኪቕበሎምን እቶም ብእኡ ዚኣምኑ ዘለኣለማዊ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡን፡ ብጸላእቲ ኣምላኽ ኪቕተል ፍቓደኛ ዀነ። ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ። . . . ንሱ ኣብ ክንዲ ዅሉ ኪኸውን ኢሉ ነፍሱ በጃ ሀበ” ይብል።—1 ጢሞ. 2:5, 6

11. (ሀ) ብበጃ ንዚርከብ ጥቕሚ ብኸመይ ከተብርሆ ትኽእል፧ (ለ) ካብቲ በጃ ዚጥቀሙ መነመን እዮም፧

11 እቲ በጃ ብኸመይ ከም ዚዓዪ ንምብራህ፡ ገንዘቦም ኣብ ባንክ ዘቐመጡ እሞ እቲ ባንክ ምስ ከሰረ ጥራይ ኢዶም ብምትራፍ ኣብ ዕዳ ዝኣተዉ ሰባት ከም ኣብነት ንውሰድ። እቶም ነቲ ገንዘብ ዘጠፋፍኡ ሓለፍቲ ባንክ፡ ንዓመታት ኪእሰሩ ተፈርዱ። እቶም ገንዘቦም ኣብቲ ባንክ ኣቐሚጦም ዝነበሩ ንጹሃት ሰብከ እንታይ እዮም ዚዀኑ፧ ሓደ ሕያዋይን ሃብታምን ሰብ ነታ ባንክ ዓዲጉ እቶም ሰባት ገንዘቦም ከም ዚረኽቡ ብምግባር ካብ ዕዳ እንተ ዘየውጺእዎም፡ ደኽዮም እዮም ዚተርፉ። ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ኣምላኽን እቲ ዚፈትዎ ወዱን፡ ንደቂ ኣዳም ዓዲጎምዎም እዮም፣ ከምኡ ዝገበሩ ኸኣ፡ በቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ነቲ ኸም ዕዳ ዝዀነ ሓጢኣቶም ብምድምሳስ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ዮሃንስ መጥምቕ ብዛዕባ የሱስ፡ “እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” ዝበለ። (ዮሃ. 1:29) ሓጢኣቶም ዝረሓቐሎም፡ ህያዋን ደቂ ሰብ ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ምውታት እውን እዮም።

በጃ ንኺርከብ እተኸፍለ ነገር

12, 13. ኣብርሃም ንይስሃቅ ኪስውእ ፍቓደኛ ምንባሩ እንታይ ይምህረና፧

12 በጃ፡ ንሰማያዊ ኣቦናን ነቲ ዚፈትዎ ወዱን እንታይ ኪኸፍሉ ኸም ዝሓተቶም ብልክዕ ንኽርድኦ የጸግመና እዩ። እንተዀነ ግን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ንኸነስተንትን ዚሕግዘና ተመክሮታት የዘንቱ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብርሃም፡ “ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሃቅ ውሰድ እሞ፡ ናብ ምድሪ ሞርያ ኺድ፡ ኣብኣ ድማ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣነ ዝነግረካ ኣኽራን ንዚሐርር መስዋእቲ ሰውኣዮ” ንዚብል ትእዛዝ ኣምላኽ ኪፍጽም፡ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ሞርያ ኺጐዓዝ ከሎ ኸመይ ከም እተሰምዖ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ።—ዘፍ. 22:2-4

13 ኣብ መወዳእታ፡ ኣብርሃም ኣብቲ እተነግሮ ቦታ በጽሐ። ኣብርሃም ንወዱ ይስሃቅ ኢዱን እግሩን ኣሲሩ ኣብቲ ባዕሉ ዝሰርሖ መሰውኢ ኼደቅሶ ኸሎ ልቡ ኽሳዕ ክንደይ ከም እተሰብረ እሞ ሕሰብ። ነታ ንወዱ ዚስውኣላ ኻራ ኼልዕላ ኸሎ፡ ኣዝዩ ተጨኒቑ ኪኸውን ኣለዎ። ይስሃቅ እውን እንተ ዀነ፡ ኣብቲ መሰውኢ ደቂሱ፡ በታ ኻራ ኽሳዕ ዚቕተል ኪጽበ ኸሎ እተሰምዖ ስምዒት ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ኣብርሃም ንወዱ ቐቅድሚ ምስዋኡ መልኣኽ የሆዋ ኸልከሎ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ኣብርሃምን ይስሃቅን ዝገበርዎ ነገር፡ የሆዋ፡ ወኪላት ሰይጣን ንወዱ ኪቐትልዎ ምስ ፈቐደ፡ እንታይ ከም እተሰምዖ ንኽንርዳእ ይሕግዘና። ይስሃቅ ምስ ኣብርሃም ምትሕብባሩ ድማ፡ የሱስ ምእንታና ኺብል ኪሳቐን ኪመውትን ክሳዕ ክንደይ ፍቓደኛ ኸም ዝዀነ ንኽንርዳእ ይሕግዘና።—እብ. 11:17-19

14. እንታይ ንያእቆብ ዘጋጠሞ ዅነታት እዩ ብዛዕባ እቲ በጃ ንኺርከብ እተኸፍለ ነገር ንኽንርዳእ ዚሕግዘና፧

14 ንያእቆብ ዘጋጠሞ ዅነታት እውን፡ እቲ በጃ ንኺርከብ እንታይ ከም እተኸፍለ ንኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ። ያእቆብ ንዮሴፍ ካብ ኵሎም ደቁ ኣብሊጹ ይፈትዎ ነበረ። እቲ ዜሕዝን ግን፡ ኣሕዋት ዮሴፍ ስለ ዝቐንኡሉ፡ ይጸልእዎ ነበሩ። ዮሴፍ ግን ሃለዋት ኣሕዋቱ ንኺፈልጥ ኣቦኡ ምስ ለኣኾ፡ ፍቓደኛ ዀይኑ ኸደ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ካብ ዓዶም ኬብሮን ብሸነኽ ሰሜን 100 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዚርከብ ከባቢ፡ መጓሰ ያእቆብ ይጓስዩ ነበሩ። ያእቆብ፡ እቶም ደቁ ብደም እተኣልከ ቐምሽ ዮሴፍ ሒዞም ምስ መጽዎ፡ እንታይ ከም እተሰምዖ እሞ ኣብ እእምሮኻ ስኣሎ! “እዚ ቐምሽ ወደይ እዩ፡ ሕሱም ኣራዊት በሊዕዎ፡ ዮሴፍ ብርግጽ ተበሊዑ” ኢሉ ብጓሂ ተዛረበ። ያእቆብ ብዙሕ ስለ እተሰምዖ፡ ንሓያሎ መዓልቲ ሓዘነ። (ዘፍ. 37:33, 34) ርግጽ እዩ፡ የሆዋ ኸምዚ ዓይነት ኵነታት ኬጋጥሞ ኸሎ፡ ልክዕ ከም ዘይፍጹማት ሰባት ኣይኰነን ዚስምዖ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እቲ ንያእቆብ ዘጋጠሞ ዅነታት ምስትንታንና፡ እቲ ዚፈትዎ ወዱ የሱስ ብሰባት ኪግፋዕን ብጭካነ ኪቕተልን ከሎ እተሰምዖ ስምዒት ብመጠኑ ንኽንርዳእ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

ካብቲ በጃ ዚርከብ ጥቕሚ

15, 16. (ሀ) የሆዋ ነቲ በጃ ኸም እተቐበሎ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ካብቲ በጃ ብኸመይ ተጠቒምካ፧

15 የሆዋ ኣምላኽ ነቲ እሙን ወዱ፡ ክብሪ ዝለበሰ መንፈሳዊ ኣካል ሂቡ ኣተንስኦ። (1 ጴጥ. 3:18) የሱስ ካብ ሞት ምስ ተንስአ፡ ን40 መዓልቲ ዚኸውን ንደቀ መዛሙርቱ እናተራእዮም ንእምነቶም ኣደልደለ፡ ነቲ ዚጽበዮም ዝነበረ ሰፊሕ ዕዮ ወንጌላውነት ከኣ ኣዳለዎም። ድሕሪኡ፡ ናብ ሰማይ ዓረገ። ንጥቕሚ እቶም ኣብቲ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ዝኣምኑ ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ኢሉ ኸኣ፡ ዋጋ እቲ ዝፈሰሰ ደሙ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቕረበ። የሆዋ ኣምላኽ ንየሱስ ኣብ ልዕሊ እቶም ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም ተኣኪቦም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ መንፈስ ቅዱስ ንኼፍስስ ብምምዛዝ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ ኸም እተቐበሎ ኣርኣየ።—ግብ. 2:33

16 እዞም ቅቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ሰባት ሕድገት ሓጢኣት ረኺቦም ካብ ቍጥዓ የሆዋ ንኼምልጡ፡ ብስም የሱስ ክርስቶስ ኪጥመቑ ብኡንብኡ ኼተባብዑ ጀመሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:38-40 ኣንብብ።) ካብታ ታሪኻዊት እዋን እቲኣ ኣትሒዙ ኽሳዕ ሎሚ፡ ካብ እተፈላለየ ህዝብታት ዚወጹ ሚልዮናት ሰባት ኣብቲ መስዋእታዊ በጃ የሱስ እምነት ብምሕዳር ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ኪምስርቱ ኽኢሎም እዮም። (ዮሃ. 6:44) ገና ግን፡ ‘ገለ ኻባና ሳላ እቲ ጽቡቕ ግብሩ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝረኸበ ኣሎዶ፧ ነዚ ዜደንቕ ተስፋ እዚ ምስ ተቐበልና፡ ከነጥፍኦ ንኽእል ዲና፧’ ንዚብላ ኣገደስቲ ሕቶታት ክንምርምር ኣሎና።

17. ዓርኪ ኣምላኽ ብምዃን ንዚርከብ በረኸት ብኸመይ ክንርእዮ ኣሎና፧

17 ብመሰረቱ፡ እቲ በጃ ዚግብኣና ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ ሎሚ ኣብቲ በጃ ዚኣምኑ ሚልዮናት ሰባት ኣዕሩኽ ኣምላኽ ብምዃን፡ ኣብ ምድራዊ ገነት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ረኺቦም እዮም። ሓንሳእ ዓርኪ ኣምላኽ ምዃንካ ጥራይ ግን፡ ኩሉ ሳዕ ምስኡ ዕርክነት ከም ዚህልወካ ውሕስነት ኣይኰነካን እዩ። ካብ መዓልቲ ቝጥዓ የሆዋ ንምምላቝ፡ ነቲ “ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ በጃ” ሞሳና ኻብ ምርኣይ ዓዲ ኽንውዕል የብልናን።—ሮሜ 3:24፣ ፊልጲ 2:12 ኣንብብ።

ኣብቲ በጃ ዝያዳ እምነት ኣማዕብል

18. ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምእማን እንታይ የጠቓልል፧

18 እታ ናይዛ ዓንቀጽ እዚኣ ቐንዲ ጥቕሲ ዝዀነት ዮሃንስ 3:36፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምእማን፡ ንዕኡ ምእዛዝ እውን ከም ዜጠቓልል ትገልጽ እያ። እቲ ንበጃ ዘሎና ሞሳ፡ ምስ ትምህርትታት የሱስ—ነቲ ብዛዕባ ስነ-ምግባር ዝሃቦ መምርሒታት እውን ዜጠቓልል—ተሰማሚዕና ኽንነብር ኪድርኸና ኣለዎ። (ማር. 7:21-23) ነቶም ከም ምንዝርና፡ ዘይግባእ ዋዛ፡ ኣዘውቲርካ ስእለ-ጽዩፍ ምርኣይ ዜጠቓልል “ኵሉ ርኽሰት” ኰነ ኻልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት እናፈጸሙ ዘይንስሑ ሰባት፡ ‘ቊጥዓ ኣምላኽ ኪወርዶም’ እዩ።—ኤፌ. 5:3-6

19. ኣብቲ በጃ እምነት ከም ዘሎና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

19 ነቲ በጃ ዘሎና ሞሳ፡ “ፍርሃት እግዚኣብሄር” ዜንጸባርቕ ግብርታት ንኽንገብር ኪድርኸና ኣለዎ። (2 ጴጥ. 3:11, 12) እምበኣር፡ ስሩዕን ልባውን ጸሎት ንኽንጽሊ፡ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንገብር፡ ኣብ ኣኼባታት ንኽንካፈል፡ ኣምልኾ ስድራ ቤት ንኺህልወና፡ ከምኡውን ኣብቲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ንኽንሳተፍ ዚሕግዘና እኹል ግዜ ንመድብ። ብዘይካዚ፡ “ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ፡ ሰናይ ምግባርን ምምቓልን [ኣይንረስዕ]።”—እብ. 13:15, 16

20. ኵሎም እቶም ኣብቲ በጃ ዝያዳ እምነት ዘማዕብሉ ሰባት፡ ኣብ መጻኢ እንታይ በረኸት ኪረኽቡ እዮም ዚጽበዩ፧

20 ቍጥዓ የሆዋ ኣብዚ እኩይ ስርዓት ኣብ ዚወርደሉ እዋን፡ ኣብቲ በጃ እምነትን ሞሳን ኣልዩና ኽንጸንሕሲ ኽንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ! ኣብታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ምስ ኣተና ድማ፡ ነዚ ኻብ ቍጥዓ ኣምላኽ ዜድሕነና ዜደንቕ መሰናድዎ ንዘለኣለም ከነማስወሉ ኢና።—ዮሃንስ 3:16፣ ራእይ 7:9, 10, 13, 14 ኣንብብ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• በጃ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

• በጃ ንኺርከብ እንታይ ተኸፍለ፧

• ሳላ እቲ በጃ ዚርከብ በረኸት እንታይ እዩ፧

• ኣብ መስዋእታዊ በጃ የሱስ፡ እምነት ከነማዕብል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ምስ የሆዋ ኽንተዓረቕ እንኽእለሉ ኣጋጣሚ፡ ገና ኽፉት እዩ ዘሎ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ እቲ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዘጋጠሞም ኵነታት ምስትንታንና፡ በጃ ምእንቲ ኺርከብ ንእተኸፍለ ነገር ከነማስወሉ ይሕግዘና