ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዅሉ ዝቐረበ ዕድመ!

ንዅሉ ዝቐረበ ዕድመ!

ንዅሉ ዝቐረበ ዕድመ!

ናይ ምንታይ ዕድመ፧ ንሓደ ኻብቲ ቤትኤል ተባሂሉ ዚጽዋዕ ኣብያተ-ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምብጻሕ ዝቐረበ ዕድመ እዩ። ኣብ እተፈላለየ ሃገራት፡ 118 ከምዚ ዝኣመሰለ ማእከላት ኣሎ። ብዙሕ ግዜ፡ በጻሕቲ ነቲ ኣብ ቤትኤል ኪዕየ እተዓዘብዎ ነገራት ዘለዎም ልባዊ ኣድንቖት ይገልጹ እዮም።

ሓደ መንእሰይ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መክሲኮ ኣብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚነብሩ ብዙሓት ትጉሃት ዓየይቲ ተሓጒሶም ንየሆዋ ኼገልግሉ ምስ ረኣየ፡ “ኣብዚ ንኽነብር እንታይ ክገብር ይግብኣኒ፧” ኢሉ ሓተተ። “ቅድም፡ ክትጥመቕ ኣሎካ። ድሕሪኡ፡ ፈላሚ፡ ማለት ናይ ምሉእ ግዜ ኣዋጂ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኴንካ እንተ ኣገልገልካ ጽቡቕ እዩ” ተባሂሉ ተነግሮ። እቲ መንእሰይ ነቲ እተዋህቦ ሓሳብ ኣብ ግብሪ ኣውዓሎ፣ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ድማ ኣብቲ ኣብ መክሲኮ ዚርከብ ቤትኤል ኬገልግል ተጸውዐ፣ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት ከኣ ኣብኡ የገልግል ኣሎ።

ቤትኤል እንታይ እዩ፧

ብቛንቋ እብራይስጢ፡ እታ “ቤት-ኤል” እትብል ቃል፡ “ቤት ኣምላኽ” ማለት እያ። (ዘፍ. 28:17, 19) ኣብ እተፈላለየ ኣብያተ-ጽሕፈት ጨንፈር ዚርከብ መሳለጥያታት፡ መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ንምሕታምን ንምዝርጋሕን፡ ነተን ልዕሊ 100,000 ዚኣኽላ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከባ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ብመንፈስ ንምሕጋዝ የገልግል። ዳርጋ 20,000 ዚዀኑ ኻብ እተፈላለየ ማሕበራውን ባህላውን ድሕረ-ባይታ ዝመጹ ሰብኡትን ኣንስትን ሰራሕተኛታት ቤትኤል፡ ደኺመ ኸይበሉ ንየሆዋን ንመንፈሳውያን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ብምሉእ ግዜኦም የገልግሉ ኣለዉ። እቶም ንብዙሕ ዓመታት ኣብዚ ክርስትያናዊ ዕዮ እተኻፈሉ ኣገልገልቲ፡ ምስ ህርኩታት መንእሰያት ብሓባር ኰይኖም የገልግሉ እዮም። ኣባላት ስድራ ቤትኤል፡ ምሸት ምሸትን ኣብ ቀዳመ-ሰናብትን፡ ምስተን ኣብ ከባቢኦም ዚርከባ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይእከቡን ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ይካፈሉን እዮም። ግዜ ዕረፍቶም፡ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ንምዝንጋዕን ንኻልእ ብሕታዊ ጕዳያትን ይጥቀሙሉ እዮም።

ኣባላት ስድራ ቤትኤል፡ ወጻኢታቶም ንምሽፋን ዜድሊ ሒደት ገንዘብ ወርሓዊ ይወሃቦም እዩ። ምዑዝን ተመጣጣንን ምግቢ ይበልዑ፡ ኣብ ንጹህን ምሹእን መንበሪ ኸኣ ይነብሩ እዮም። ኣባይቲ ቤትኤል ነቲ ዚድለ ኣገልግሎት ብቑዕ ከም ዚኸውን ጌርካ ደኣ እምበር፡ ምሾት ከም ዝበዝሖ ጌርካ ኣይኰነን ተሰሪሑ። በጻሕቲ በቲ ኣብ ቤትኤል ዚርእይዎ ጽቡቕ ኣተሓሕዛ እቲ ህንጻታትን ስፍራ ኣታኽልትን በቲ ብሉጽ ኣሰራርሓን ጥራይ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብኡ ሰፊኑ ዚርአ መንፈስ ሕያውነትን ምትሕብባርን እውን ይምሰጡ እዮም። ኵሎም ኣብኡ ዚርከቡ ዓየይቲ ብትግሃት ዚዓዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ምቕሉላት እዮም። ኣብ ቤትኤል ማሕበራዊ ፍልልያት የልቦን፣ ብእተዋህቦ ስራሕ ጸብለል ዝበለ ዀይኑ ዚስምዖ እውን የልቦን። ኵሉ ስራሕ ኣገዳሲ እዩ፣ ምጽራይ ኰነ፡ ኣታኽልቲ ምክንኻን ኰነ፡ ምኽሻን ኰነ፡ ወይ ካልእ ኣብ ሕትመት ወይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምስራሕ፡ ብማዕረ እዩ ዚርአ። ኣብ ቤትኤል ዜገልግሉ ቤትኤላውያን፡ ንኣገልግሎት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምድጋፍ ብሓባር ይዓዩ እዮም።—ቈሎ. 3:23

ተመክሮ ገለ ቤትኤላውያን

ብዛዕባ እዞም ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ስድራ ቤትኤል፡ እተወሰነ ተመክሮታት እስከ ንርአ። ኣብ ቤትኤል ንኼገልግሉ ዝደረኾም እንታይ እዩ፧ ንማርዮ እስከ ከም ኣብነት ንውሰድ። ኣብቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነሉ እዋን፡ ኣብ ሓደ ፍሉጥ ኩባንያ ማካይን ጀርመን ብዙሕ ኣታዊ ዚርከበሉ ስራሕ ነበሮ፡ ንዕቤት እውን ኣጋጣሚ ነበሮ። ድሕሪ ጥምቀቱ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብ ሃገሩ ኣብ ዚርከብ ቤትኤል ንሓደ ሰሙን ወለንተኛ ዀይኑ ሰርሐ። ኣብኡ ኸኣ ኣብ ዕዮ ሕትመት ኪሰርሕ ተመደበ። ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ቤትኤልን ኣብ ዓለማዊ ስራሑን ዝነበሩ መሳርሕቱ፡ ዓብዪ ፍልልይ ኪርኢ ኸኣለ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣብ ቤትኤል ብምሉእ ግዜኡ ንምግልጋል ኣመልከተ። ብዙሓት ኣዝማዱን ናይ ቀደም መሳርሕቱን ንውሳነኡ ኺርድእዎ እኳ እንተ ዘይከኣሉ፡ ሕጂ ኣብ ጀርመን ኣብ ዚርከብ ቤትኤል ተሓጒሱ የገልግል ኣሎ።

ብዙሓት ፍሉይ ትምህርቲ ዀነ ኽእለት ሒዞም ኣይኰኑን ናብ ቤትኤል ዚኣትዉ። ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ መክሲኮ ኣብ ዚርከብ ቤትኤል ን15 ዓመት ዘገልገለ ኣቤል ክንወስድ ንኽእል ኢና። ባዕሉ ተመክሮኡ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ንዓይ፡ ቤትኤል ናይ ሓቂ ቤት ትምህርቲ ዀይኑኒ እዩ። ኣዝየን እተራቐቓ ሓተምቲ ማካይን ብኸመይ ከም ዘንቀሳቕስ ተማሂረ እየ። በዚ ፍልጠት እዚ፡ ካብ ቤትኤል ወጻኢ ብዙሕ ገንዘብ ክረክብ ከም ዝኽእል እፈልጥ እየ፣ ነቲ ኣብዚ ዘሎ ኻብ ጭንቀትን ውድድርን ንግዳዊ ስራሓት ናጻ ዝዀነ ህዱእን ዜዕግብን ህይወት ግን ኣይምረኽብኩን ነይረ። ብመንፈሳውን ብኣእምሮኣውን መዳይ ክምዕብል ዝሓገዘኒ ብሉጽ ትምህርቲ ዝረኸብኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ኣብ ብሉጽ ዩኒቨርሲቲ እውን ከይተረፈ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ጥቕምታት ክረክብ ኣይምኸኣልኩን።”

ምብጻሕ ሃናጺ ኪኸውን ይኽእል

ናብ ቤትኤል ዚግበር ምብጻሕ፡ ኣብ መንፈሳውነት ኣወንታዊ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ኣብ መክሲኮ ዚነብር ኦማር፡ ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎ። ኣዲኡ ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ምሂራቶ ነይራ እያ። ወዲ 17 ዓመት ምስ ኰነ ግን፡ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምኻድን ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ምክፋልን ኣቋረጸ። ሕማቕ ኣመላት ኣጥረየ፡ ኣብ ፍቕረ-ንዋይ ዘተኰረ ህይወት ድማ ኪመርሕ ጀመረ። ጸኒሑ፡ ንሓደ ኩባንያ መራኸቢ ኺዓዪ ኸሎ፡ ብዛዕባ ሓደ ናውቲ መርኣያ ንኬቕርብ ተባሂሉ ምስ እተወሰኑ መሳርሕቱ ናብቲ ኣብ መክሲኮ ዚርከብ ቤትኤል ከደ። ድሕሪኡ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ድማ፡ ከምዚ ኢሉ ገለጸ፦ “ድሕሪ እቲ መርኣያ፡ እቶም ኣአንገድትና ነቲ መሳለጥያታት እናዞሩ ኣርኣዩና። እቲ ዝረኣኽዎ ነገራትን እተገብረለይ ኣተሓሕዛን፡ ካብ የሆዋ ርሒቐ ብዛዕባ ዘሎኒ ህይወት ንኽሓስብ ደረኸኒ። ብኡንብኡ፡ ከም ብሓድሽ ኣብ ኣኼባታት ክእከብን መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕን ጀመርኩ። ድሕሪ እቲ ናብ ቤትኤል ዝገበርክዎ ምብጻሕ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ተጠመቕኩ። ካብቲ ናብ ቤትኤል ዝገበርክዎ ምብጻሕ መተባብዒ ብምርካበይ፡ ንየሆዋ አመስግኖ እየ።”

ኣብ ጃፓን ዚነብር ማሳሂኮ እውን፡ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራ ቤት እዩ ዓብዩ። ኰይኑ ግን፡ ክርስትያናዊ ህይወት ኣመና ቐያዲ ኸም ዝዀነ ገይሩ ኺሓስብ ጀመረ። ኣብ ንጥፈታት ቤት ትምህርቲ ስለ ዝጠሓለ፡ ናብ ኣኼባታት ምኻድን ኣብ ዕዮ ስብከት ምስታፍን ሓደጎ። ከምዚ ብምባል ድማ ተዘክሮኡ ይገልጽ፦ “ሓደ መዓልቲ፡ ስድራ ቤተይን እተወሰኑ ክርስትያን ፈተውትን ብሓባር ኰይኖም፡ ቤትኤል ኪበጽሑ ወሰኑ። ስድራይ ግዲ ስለ ዝበሉኒ፡ ምሳታቶም ከድኩ። ቤትኤል ክንዘውር ከለና፡ ካብ ቅድሚኡ ብእተፈልየ መገዲ መንፈሰይ ተሓደሰ። እቲ ኣብቲ ጕዕዞ ምስ ክርስትያናት ካብ ዘሕለፍክዎ ግዜ ዝረኸብክዎ ሓጐስ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ዘይኰኑ ፈተውተይ ረኺበዮ ዘይፈልጥ እዩ ነይሩ። ክርስትያናዊ ናብራ ንምንባር ዘሎኒ ባህጊ ዓበየ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓለይ ድማ ሓተትኩ።” ሎሚ፡ ማሳሂኮ ኣብ ጉባኤኡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀይኑ የገልግል ኣሎ።

ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር፡ ብምኽንያት ስራሕ ካብ ፈረንሳ ናብ ሞስኮ ገዓዘት። ኣብኡ ምስ ከደት ድማ፡ ምስ ህዝቢ የሆዋ ዝነበራ ርክብ ስለ ዘቋረጸ፡ ብመንፈስ ደኸመት። ኣበሳ ፈጸመት፡ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ሰብኣይ እውን ተመርዓወት። ድሕርዚ፡ ሓንቲ መንፈሳዊት ሓብቲ ኻብ ፈረንሳ ኽትበጽሓ መጸት እሞ፡ ብሓባር ኰይነን ናብቲ ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ፡ ሩስያ ዚርከብ ቤትኤል ኪበጽሓ ኸዳ። እታ ደኺማ ዝነበረት ሓብቲ፡ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “ኣብ ቤትኤል ጽቡቕ ኣቀባብላ ተገብረልና፡ በዚ ድማ ልበይ ተተንከየ። ዜደንቕ ሰላም ሰፊኑ ነበረ። መንፈስ የሆዋ ተሰምዓኒ። ካብ ውድብ የሆዋ ብምጥፋአይ፡ ዓብዪ ጌጋ እየ ገይረ። ድሕሪ እቲ ናብ ቤትኤል ዝገበርክዎ ምብጻሕ፡ ሓገዝ የሆዋ ምእንቲ ኽረክብ ጸለኹ፡ ንደቀይ ከኣ ብሓድሽ ቈራጽነት መጽሓፍ ቅዱስ ክምህሮም ጀመርኩ።” እዛ ብመንፈስ ደኺማ ዝነበረት ናይ የሆዋ ምስክር፡ በቲ ናብ ቤትኤል ዝገበረቶ ምብጻሕን ብኻልእ መንፈሳዊ ሓገዝን ኣዝያ ስለ እተበራትዐት፡ ድሕሪኡ ጽቡቕ ዕቤት ገበረት።

ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይፋለጡ ሰባት ናብ ቤትኤል ዚገብርዎ ምብጻሕከ፡ እንታይ ጦብላሕታ እዩ ዚሓድገሎም፧ ብ1988፡ ኣብ ፖለቲካ ጥሒሉ ዝነበረ ኣልበርቶ ዝስሙ ውልቀ-ሰብ፡ ናብቲ ኣብ ብራዚል ዚርከብ ቤትኤል ኪበጽሕ ከደ። በቲ ኣብኡ ዝረኣዮ ጽሬትን ስርዓትን ተመሰጠ፣ ብፍላይ ከኣ ብግልጽነት እቲ ኣሰራርሓ ተማረኸ። ናብ ቤትኤል ኪበጽሕ ቅድሚ ምኻዱ፡ ዘማኡ ቐሺ ዀይኑ ናብ ዜገልግለሉ ቤት ትምህርቲ ስነ-ሃይማኖት ኪበጽሕ ከይዱ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ፍልልይ ኬስተብህል ከኣለ። “ኵሉ እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ስነ-ሃይማኖት ዚግበር ዝነበረ ነገራት ብሕቡእ እዩ ነይሩ” በለ። ድሕሪ እቲ ናብ ቤትኤል ዝገበሮ ምብጻሕ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ፈቓደኛ ዀነ፡ ካብ ፖለቲካ ረሓቐ፡ ሕጂ ድማ ሽማግለ ጉባኤ ዀይኑ የገልግል ኣሎ።

ናብ ቤትኤል መጺእካ ኽትበጽሕ ንዕድመካ

ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ ሃገሮም ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ንምብጻሕ፡ ሓይል ጻዕሪ ገይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ብራዚል ዚነብሩ ፓውሎን ዩዤንያን፡ ነቲ ኣብ ሃገሮም ዚርከብ መሳለጥያታት ቤትኤል ምእንቲ ኺርእዩ ኢሎም፡ ነቲ ብኣውቶቡስ ክልተ መዓልቲ ዚወስድ 3,000 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ርሕቀት ዘለዎ ጕዕዞ ንምግባር፡ ንኣርባዕተ ዓመት ገንዘብ ኣዋህለሉ። ብዛዕባ እቲ ጕዕዞ፡ ከምዚ በሉ፦ “ክንድዚ ዝኣክል ጻዕሪ ይግብኦ እዩ። ሕጂ ብዛዕባ ውድብ የሆዋ ዝሰፍሐ ግንዛበ ኣሎና። ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤትኤል ዚግበር ዕዮ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ሰባት ክንገልጸሎም ከለና፡ ሓድሓደ ግዜ፡ ‘ኬድኩምዶ ትፈልጡ፧’ ኢሎም ይሓቱና እዮም። ሕጂ፡ ‘እወ’ ኢልና ኽንምልሰሎም ንኽእል ኢና።”

ኣብ ሃገርካ ወይ ኣብ ቀረባ ኣብ እትርከብ ሃገር፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ኣባይቲ ቤትኤልን ኣሎዶ፧ ነቲ መሳለጥያታት ኬድካ ኽትርእዮ ብኽብሪ ንዕድመካ። ናብ ቤትኤል እንተ ኼድካ፡ ጽቡቕ ኣቀባብላ ኸም ዚግበረልካ፡ ካብቲ እትገብሮ ምብጻሕ እውን፡ ብዙሕ መንፈሳዊ ጥቕሚ ኸም እትረክብ ኣየጠራጥርን እዩ።

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ማርዮ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣቤል

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ጀርመን

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ጃፓን

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ብራዚል