ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ንጽድቂ ኣምላኽ ብኸመይ ኣጕልሐ፧

የሱስ ንጽድቂ ኣምላኽ ብኸመይ ኣጕልሐ፧

የሱስ ንጽድቂ ኣምላኽ ብኸመይ ኣጕልሐ፧

“ኣምላኽ ጽድቁ ምእንቲ ኼርኢ፡ [ንክርስቶስ] ብእምነት ብደሙ መተዓረቒ ገይሩ ኣቘሞ።” —ሮሜ 3:25

1, 2. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዅነታት ደቂ ሰብ እንታይ ይምህረና፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

 ብዛዕባ እቲ ኣብ ኤድን እተፈጸመ ዕልወት ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣዝዩ ፍሉጥ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ፡ ብሓጢኣትውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ” ስለ ዚብል፡ ኵላትና በቲ ሓጢኣት ኣዳም ዘስዓቦ ጽልዋ ኸም እተተንከፍና ንፈልጥ ኢና። (ሮሜ 5:12) ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ኣበርቲዕና እኳ እንተ ጸዓርና፡ ምሕረት ኣምላኽ ዜድልዮ ሓጢኣት ንገብር ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን፡ “ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ አሎኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ። . . . ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ” ኢሉ ብጓሂ ተዛረበ።—ሮሜ 7:19, 24

2 ኵላትና ሓጥኣን ከም ምዃንና መጠን፡ ነዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ሕቶታት ክንሓትት ንኽእል ኢና፦ የሱስ ብዓል ናዝሬት ሓጢኣት ከይወረሰ እተወልደ ብኸመይ እዩ፧ ስለምንታይ እዩ ተጠሚቑ፧ የሱስ ብኣነባብራኡ ንጽድቂ የሆዋ ዘጕልሐ ብኸመይ እዩ፧ ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ሞት ክርስቶስ እንታይ እዩ ፈጺሙ፧

ንጽድቂ ኣምላኽ ብድሆ ኣጓነፎ

3. ሰይጣን ንሄዋን ዝሓበላ ብኸመይ እዩ፧

3 እቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ኣዳምን ሄዋንን፡ ብዕሽነት ንልዑላውነት ኣምላኽ ነጺጎም፡ በቲ “ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀል ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን” ኪግዝኡ መረጹ። (ራእ. 12:9) ብኸመይ ከምኡ ኸም ዝዀነ ርአ። ሰይጣን ንጽድቃዊ ኣገዛዝኣ የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ሕቶ ኣእተዎ። ከምኡ ዝገበረ ንሄዋን፡ “ኣምላኽሲ፤ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ፡ ኢሉዶ አዚዙ እዩ፧” ኢሉ ብምሕታት እዩ። ሄዋን ከኣ ንሓንቲ ኦም እንተ ተንክዮም ጥራይ ከም ዚሞቱ ኣምላኽ ዝሃቦም ንጹር መምርሒ ነገረቶ። ድሕሪኡ፡ ሰይጣን ጥቅን ኣቢሉ ኣምላኽ ከም ዝሓሰወ ነገራ። “ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” ድማ በላ። ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ንሄዋን ገለ ጽቡቕ ነገር ከም ዝሓብኣላ፡ ካብታ ፍረ እንተ በሊዓ ድማ ከም ኣምላኽ ከም እትኸውን፡ ማለት ብርእሳ ኽትምራሕ ከም እትኽእል ብምንጋር ሓበላ።—ዘፍ. 3:1-5

4. ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሰይጣን ዝወደቑ ብኸመይ እዮም፧

4 ብመሰረቱ፡ ሰባት ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ብርእሶም እንተ ተመሪሖም፡ ዝያዳ ሕጉሳት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ እዩ ሰይጣን ዚእምት ነይሩ። ኣዳም ንጽድቃዊ ልዑላውነት ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዚድግፍ፡ ንሰበይቱ ሰምዓ፡ ምስኣ ዀይኑ ኸኣ ካብታ ኽልክልቲ ፍረ በልዐ። በዚ ኸምዚ፡ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ፍጹም ርክብ ኣጥፈአ፡ ንዅላትና ድማ ኣብ ኣርዑት ሓጢኣትን ሞትን ሸመመና። ብዘይካዚ፡ ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እቲ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ሰይጣን ወደቑ።—2 ቈረ. 4:4፣ ሮሜ 7:14

5. (ሀ) የሆዋ፡ ቃሉ ሓቂ ምዃኑ ዘረጋገጸ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣምላኽ ንዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን እንታይ ተስፋ ሂብዎም፧

5 የሆዋ ኸም ቃሉ ንኣዳምን ሄዋንን ሞት ፈረዶም። (ዘፍ. 3:16-19) ኰይኑ ግን፡ ዕላማ ኣምላኽ ኣይፈሸለን። የግዳስ፡ የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን ኪፈርዶም ከሎ፡ ንዘርኦም ዜደንቕ ተስፋ ሃቦም። ከምዚ ዝገበረ፡ ሓደ “ዘርኢ” ኼምጽእ ዕላማ ኸም ዘለዎ፡ ሰይጣን ከኣ ሸዀና እቲ ዘርኢ ኸም ዚነክስ ብምንጋር እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ተስፋ እተገብረሉ ዘርኢ ኻብ ቍስሊ መንከስቱ ሓውዩ፡ ‘ንርእሲ ሰይጣን ኪጭፍልቕ’ ምዃኑ እውን ነገረ። (ዘፍ. 3:15) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ፡ “ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኢሉ እዩ ነዚ እተገልጸ” ብምባል ነቲ ፍረ-ነገር ብዝያዳ ኣብርሆ። (1 ዮሃ. 3:8) የሱስ ብግብርታቱን ብሞቱን ንጽድቂ ኣምላኽ ዘጕልሐኸ ብኸመይ እዩ፧

ጥምቀት የሱስ ዘለዎ ትርጕም

6. የሱስ፡ ሓጢኣት ኣዳም ከም ዘይወረሰ ብኸመይ ንፈልጥ፧

6 የሱስ እኹል ሰብኣይ ምስ ኰነ፡ ማዕረ እቲ ፍጹም ዝነበረ ኣዳም እዩ ዀይኑ። (ሮሜ 5:14፣ 1 ቈረ. 15:45) ከምዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ፍጹም ኰይኑ ስለ እተወልደ እዩ። ብኸመይ፧ ገብርኤል መልኣኽ ንኣደ የሱስ፡ “መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ዚውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሀል እዩ” ኢሉ ብንጹር ነገራ። (ሉቃ. 1:35) የሱስ ገና ቘልዓ ኸሎ፡ ኣዲኡ ማርያም ብዛዕባ ውልደቱ ገለ ነገር ከም ዝነገረቶ ኣየጠራጥርን እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ፡ ማርያምን እቲ ዘዕበዮ ዮሴፍን ኣብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምስ ረኸብዎ፡ “ኣብቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” ኢሉ ዝሓተቶም። (ሉቃ. 2:49) የሱስ ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ፡ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ይፈልጥ ከም ዝነበረ እምበኣር ዜጠራጥር ኣይኰነን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንጽድቂ ኣምላኽ ምጕላሕ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ገይሩ ይርእዮ ነበረ።

7. የሱስ እንታይ ክቡር ውህበታት እዩ ነይርዎ፧

7 የሱስ ንኣምልኾ ኣብ ዚግበር ኣኼባታት ኣዘውቲሩ ብምእካብ፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ልባዊ ተገዳስነት ከም ዘለዎ ኣርኣየ። ፍጹም ኣእምሮ ስለ ዝነበሮ፡ ነቲ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዚሰምዖን ዜንብቦን ዝነበረ ነገራት ምሉእ ብምሉእ ተረዲእዎ ኪኸውን ኣለዎ። (ሉቃ. 4:16) የሱስ ካልእ ክቡር ውህበት እውን ነበሮ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ክንዲ ደቂ ሰብ መስዋእቲ ኺገብሮ ዚኽእል ፍጹም ሰብነት እዩ። ኪጥመቕ ከሎ፡ ይጽሊ ነበረ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ መዝሙር 40:6-8 ዘሎ ትንቢታዊ ቓላት እውን የስተንትን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ሉቃ. 3:21፣ እብራውያን 10:5-10 ኣንብብ። a

8. ዮሃንስ መጥምቕ ንየሱስ ኬጠምቖ ዘይደለየ ስለምንታይ እዩ፧

8 ዮሃንስ መጥምቕ፡ ኣብ ፈለማ ንየሱስ ኬጠምቖ ኣይደለየን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ንኣይሁድ ዜጠምቖም ዝነበረ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴ ብምሕጣኦም ከም እተነስሑ ንምምልካት እዩ ነይሩ። ዘመድ የሱስ ከም ምዃኑ መጠን ከኣ፡ የሱስ ንስሓ ዘየድልዮ ጻድቕ ከም ዝዀነ ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። የሱስ ግን፡ ኬጠምቖ ኸም ዚግባእ ንዮሃንስ ነገሮ። “ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግብኣና እዩ” ኢሉ ኸኣ ገለጸሉ።—ማቴ. 3:15

9. ጥምቀት የሱስ እንታይ የመልክት፧

9 የሱስ ፍጹም ስለ ዝነበረ፡ ንሱ እውን ከም ኣዳም ወላዲ ፍጹማት ዘርኢ ኪኸውን ተኽእሎ ኸም ዘለዎ ኺሓስብ ይኽእል ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ፍቓድ የሆዋ ስለ ዘይነበረ፡ ከምዚ ዓይነት መጻኢ ኺህልዎ ኣይተመነየን። ኣምላኽ ንየሱስ ናብ ምድሪ ዝለኣኾ፡ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ወይ መሲሕ ንኪኸውን እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወቱ ምስዋእ ዜጠቓልል ነበረ። (ኢሳይያስ 53:5, 6, 12 ኣንብብ።) ጥምቀት የሱስ ምስቲ ንሕና እንጥመቖ ጥምቀት ሓደ ዓይነት ትርጕም የብሉን። የሱስ ክፋል እቲ ርእሱ ንኣምላኽ ዝወፈየ ህዝቢ እስራኤል ስለ ዝነበረ፡ ንየሆዋ ርእሱ ኺውፊ ኣየድልዮን እዩ ነይሩ። ጥምቀት የሱስ፡ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ መሲሕ ተገሊጹ ዘሎ ፍቓድ ኣምላኽ ንኺፍጽም ርእሱ ኸም ዘቕረበ ዜመልክት እዩ ነይሩ።

10. ከም መሲሕ መጠን ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር እንታይ የጠቓልል፧ የሱስከ ብዛዕባ እዚ እንታይ ተሰምዖ፧

10 ብዘይካዚ፡ የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኽ፡ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብር፡ ከምኡውን ንሰዓብቱ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ንኺሳተፉ ኼዳልዎም ፍቓድ የሆዋ ነበረ። የሱስ ርእሱ ምቕራቡ፡ ንጽድቃዊ ልዑላውነት የሆዋ ኣምላኽ ከም ዚድግፍ ምእንቲ ኼርኢ፡ መስጐጕቲ ኺጻወርን ብጭካነ ኪቕተልን ፍቓደኛ ምዃኑ እውን ዜመልክት እዩ ነይሩ። ነቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ብሓቂ የፍቅሮ ስለ ዝነበረ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብርን ርእሱ መስዋእቲ ገይሩ ኬቕርብን ሕጉስ እዩ ነይሩ። (ዮሃ. 14:31) ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ምእንቲ ኼውጽኣና፡ ዋጋ እቲ ፍጹም ህይወቱ ንኣምላኽ ኬቕርቦ ኸም ዚኽእል ምፍላጡ እውን ኣሐጒስዎ እዩ። እሞኸ የሱስ ነዚ ኸቢድ ሓላፍነታት እዚ ንኺስከም ኢሉ ርእሱ ምቕራቡ፡ ኣምላኽ ሰሚርዎ ድዩ፧ እሂናይ ደኣ!

11. የሆዋ ንየሱስ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ገይሩ ኸም እተቐበሎ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

11 ኣርባዕቲኦም ጸሓፍቲ ወንጌል፡ የሱስ ካብ ርባ ዮርዳኖስ ምስ ወጸ፡ የሆዋ ኣምላኽ ንየሱስ ከም ዚሰምሮ ምግላጹ ጽሒፎም እዮም። ዮሃንስ መጥምቕ፡ “መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ [ኣብ የሱስ] ኪቕመጥ ከሎ ርኤኹ፡ . . . ኣነ ኸኣ ርኤኹ እሞ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩ” ኢሉ ገለጸ። (ዮሃ. 1:32-34) ብተወሳኺ፡ የሆዋ ሓደ እዋን፡ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” በለ።—ማቴ. 3:17፣ ማር. 1:11፣ ሉቃ. 3:22

ክሳዕ ሞት እሙን

12. የሱስ፡ ኣብቲ ድሕሪ ጥምቀቱ ዝነበረ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን እንታይ ገበረ፧

12 የሱስ፡ ኣብቲ ድሕሪ ጥምቀቱ ዝነበረ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን፡ ንሰባት ብዛዕባ ኣቦኡን ብዛዕባ ጽድቃዊ ልዑላውነት ኣምላኽን ኣብ ምምሃር ኣተኲሩ ነበረ። ኣብ ኵሉ ቦታታት እታ ምድሪ ተስፋ ብእግሪ ምጕዓዝ ኣድካሚ እኳ እንተ ነበረ፡ ብዛዕባ ሓቂ እተማልአ ምስክርነት ካብ ምህብ ግን ኣይዓገቶን። (ዮሃ. 4:6, 34፣ 18:37) ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እውን ንኻልኦት መሃረ። ብተኣምራዊ መገዲ ንሕሙማት ብምሕዋይ፡ ንዝጠመዩ ብምምጋብ፡ ንምውታት ከኣ ብምትንሳእ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ እንታይ ከም እትገብረሎም ኣርኣየ።—ማቴ. 11:4, 5

13. የሱስ ንጸሎት ብዚምልከት እንታይ መሃረ፧

13 የሱስ፡ እቲ ትምህርትታቱን እቲ ዚገብሮ ዝነበረ ተኣምራዊ ምሕዋይን ንርእሱ ኽብሪ ንምርካብ ዘይኰነስ፡ የሆዋ ንኺውደስ እዩ ብትሕትና ተጠቒምሉ። (ዮሃ. 5:19፣ 11:41-44) ብዛዕባ እቲ ኣብ ጸሎትና ኽንጠቕሶ ዚግብኣና ኣገዳሲ ጕዳይ እውን ኣፍሊጡ እዩ። ኣብ ጸሎትና፡ እቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ‘ኪቕደስ፡’ ‘ፍቓዱ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ምእንቲ ኪኸውን’ ከኣ ጽድቃዊ ልዑላውነት ኣምላኽ ነዚ እኩይ ግዝኣት ሰይጣን ኪትክኦ ክንልምን ኣሎና። (ማቴ. 6:9, 10) የሱስ፡ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን [ብምድላይ]” ምስ ጸሎትና ተሰማሚዕና ኽንዓዪ እውን ኣተባቢዑና እዩ።—ማቴ. 6:33

14. የሱስ ፍጹም ክነሱ፡ ነቲ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዝነበሮ ግደ ንኺፍጽም ጻዕሪ ኺገብር ዘድለዮ ስለምንታይ እዩ፧

14 እቲ መስዋእታዊ ሞት ዝሞተሉ እዋን እናቐረበ ኺመጽእ ከሎ፡ የሱስ ብዛዕባ እቲ እተሰከሞ ኸቢድ ሓላፍነት ብዝያዳ ኼተሓሳስቦ ጀመረ። ኣቦኡ ኪኸብርን ዕላማኡ ኺፍጸምን እንተ ዀይኑ፡ የሱስ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ተፈሪዱ ብጭካነ ኪቕተል ነበሮ። ቀቅድሚ ሞቱ ሓሙሽተ መዓልቲ ኣቐዲሙ፡ “ነፍሰይ ጕህያ አላ፡ እንታይ እሞ ኽብል እየ፧ ኣቦ፡ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድሕነኒ። ግናኸ ምእንትዚ ናብዛ ሰዓት እዚኣ መጻእኩ” ኢሉ ጸለየ። ነዚ ባህርያዊ ዝዀነ ሰብኣዊ ስምዒቱ ድሕሪ ምግላጹ፡ ናብቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ብምትኳር፡ “ኣቦ፡ ንስምካ ኣኽብሮ” ኢሉ ጸለየ። የሆዋ ኸኣ ብኡንብኡ፡ “ኣነ ኣኽቢረዮ አሎኹ፡ ከም ብሓድሽውን ከኽብሮ እየ” በሎ። (ዮሃ. 12:27, 28) እወ፡ የሱስ በቲ ኻብ ኵሉ እቲ ንደቂ ሰብ ዜጋጥሞም ንጽህናኻ ናይ ምሕላው ዝዓበየ ፈተና ንኺሓልፍ ፍቓደኛ ዀይኑ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ነተን ሰማያዊ ኣቦኡ እተዛረበን ቃላት ምስማዑ፡ ንልዑላውነት የሆዋ ኸም ዜጕልሕን ከም ዚድግፍን ምትእምማን ኣሕደረሉ። ነዚ ኸኣ ፈጺምዎ እዩ።

ሞት የሱስ ዝፈጸሞ ነገር

15. የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ፡ “ተፈጸመ” ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧

15 የሱስ ኣብ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ መሪር ሞት ኪመውት ምስ ቀረበ፡ “ተፈጸመ” በለ። (ዮሃ. 19:30) ኣብተን ካብ ግዜ ጥምቀቱ ኽሳዕ ግዜ ሞቱ ዝነበራ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን፡ ብሓገዝ ኣምላኽ ክንደይ ዓበይቲ ነገራት ኰን እዩ ኺፍጽም ክኢሉ! ኣብቲ ዝሞተሉ እዋን ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ነቲ መቕተልቲ ኺፍጽም ሓላፍነት እተዋህቦ ሮማዊ ሓለቓ ሚእቲ፡ “እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ” በለ። (ማቴ. 27:54) የሱስ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ብምዝራቡ ሰባት ኬላግጹሉ ኸለዉ፡ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ርእዩ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ እዚ ዅሉ ስቓይ እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ንጽህናኡ ሓለወ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኣረጋገጸ። ሰይጣን ነቶም ንልዑላውነት ኣምላኽ ዚድግፉ ብዚምልከት፡ “ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ” በለ። (እዮ. 2:4) የሱስ እሙን ብምዃኑ፡ ኣዳምን ሄዋንን እውን ኣብቲ ዘጋጠሞም ካብ ናቱ ኣዝዩ ዝቐለለ ፈተና እሙናት ኪዀኑ ይኽእሉ ኸም ዝነበሩ ኣመስከረ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንጽድቃዊ ልዑላውነት የሆዋ ደገፈን ኣጕልሐን። (ምሳሌ 27:11 ኣንብብ።) ሞት የሱስ ካብዚ ንላዕሊ ዝፈጸሞ ነገር ኣሎዶ፧ እወ ኣሎ።

16, 17. (ሀ) ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ መሰኻኽር የሆዋ ምስ ኣምላኽ ብጽድቂ ኺመላለሱ ዚኽእሉ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) የሆዋ፡ ወዱ ተኣማንነት ብምርኣዩ እንታይ ዓስቢ ሃቦ፧ ሕጂኸ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እንታይ ይገብር ኣሎ፧

16 የሱስ ቅድሚ ምምጻኡ፡ ብዙሓት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ምድሪ ነይሮም እዮም። ምስ ኣምላኽ ብጽድቂ ተመላሊሶም እዮም፡ ተስፋ ትንሳኤ ኸኣ ተዋሂብዎም እዩ። (ኢሳ. 25:8፣ ዳን. 12:13) እቲ ቕዱስ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ፡ ንሓጥኣን ደቂ ሰብ በዚ ዜደንቕ መገዲ እዚ ንኺባርኾም ዜኽእሎ እንታይ ሕጋዊ መሰረት ኣለዎ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ንእኡ [ንየሱስ] ኸኣ፡ ነቲ ቐደም ብትዕግስቲ ኣምላኽ እተገብረ ሓጢኣት ይሕለፍ ስለ ዝሐደጎ፡ ኣምላኽ ጽድቁ ምእንቲ ኼርኢ፡ ብእምነት ብደሙ መተዓረቒ ገይሩ ኣቘሞ። ንሱ ጻድቕ ኪኸውን፡ ካብ እምነት የሱስ ንዘበለውን ኬጽድቕ፡ ሕጂ ኣብዚ ዘመን እዚ ጽድቁ ኺገልጽ እዩ።”—ሮሜ 3:25, 26 b

17 የሆዋ፡ ንየሱስ ካብ ሞት ኣተንሲኡ፡ ካብቲ ኣብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ዝነበሮ ንላዕሊ ኽብ ዝበለ ቦታ ሃቦ። ሎሚ የሱስ፡ ዘይመውት ግርማዊ መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ኣሎ። (እብ. 1:3) ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ከም ሊቀ ኻህናትን ንጉስን መጠን እውን፡ ንሰዓብቱ ንጽድቂ ኣምላኽ ኬጕልሑ ይሕግዞም ኣሎ። እቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ነቶም ንጽድቁ ዜጕልሑን ንወዱ ብምምሳል ብተኣማንነት ዜገልግልዎን ሰባት ዓስቦም ዚህቦም ምዃኑሲ ኽሳዕ ክንደይ መማሰውቲ ዀን ኢና!—መዝሙር 34:3፣ እብራውያን 11:6 ኣንብብ።

18. ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

18 ካብ ኣቤል ኣትሒዝካ ዝነበሩ ዅሎም እሙናት ደቂ ሰብ፡ ኣብቲ ተስፋ እተገብረሉ ዘርኢ ምሉእ ብምሉእ ይኣምኑ ስለ ዝነበሩ፡ ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ኪምስርቱ ኸኣሉ። የሆዋ፡ ወዱ ንጽህናኡ ኸም ዚሕሉ፡ ብሞቱ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ “ሓጢኣት ዓለም” ከም ዚኸድን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 1:29) ሞት የሱስ ነቶም ሎሚ ብህይወት ዘለዉ እውን ጠቓሚ እዩ። (ሮሜ 3:26) እሞኸ በጃ ክርስቶስ እንታይ በረኸት ኬምጽኣልካ ይኽእል፧ ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እዚ ኽንርኢ ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ሃዋርያ ጳውሎስ ንመዝሙር 40:6-8 ኻብቲ “ስጋ ኣዳሎኻለይ” ዚብል ቃላት እውን ዘለዎ ናይ ግሪኽኛ ትርጕም ሰብዓ ሊቃናት እዩ ጠቒስዋ። እዚ ቓላት እዚ፡ ኣብቲ ሎሚ እውን ዘሎ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፋት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣይርከብን እዩ።

b ነታ ኣብ ገጽ 6ን 7ን እትርከብ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ንጽድቂ ኣምላኽ እንታይ ብድሆ ኣጓነፎ፧

• ጥምቀት የሱስ እንታይ የመልክት፧

• ሞት የሱስ እንታይ ፈጸመ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ጥምቀት የሱስ እንታይ ከም ዜመልክት ትፈልጥዶ፧