ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሎሚ ብንጥፈት ዚዓዪ ዘሎ መራሒና

ሎሚ ብንጥፈት ዚዓዪ ዘሎ መራሒና

ሎሚ ብንጥፈት ዚዓዪ ዘሎ መራሒና

“እናሰዐረስ ኪስዕር ከኣ ወጸ።”—ራእ. 6:2

1, 2. (ሀ) ክርስቶስ ብ1914 ንጉስ ካብ ዚኸውን ኣትሒዙ ዝገበሮ ንጥፈታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጸ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ክርስቶስ ንጉስ ካብ ዚኸውን ንነጀው እንታይ ስጕምትታት ወሲዱ፧

 ብ1914፡ ክርስቶስ ንጉስ እታ መሲሓዊት መንግስቲ የሆዋ ዀነ። ሕጂ ኣብ ኣእምሮና ብኸመይ ኢና እንስእሎ፧ ኣብ ዝፋኑ ዀይኑ ጉባኤኡ ኸመይ ከም ዘላ ጥራይ በብግዜኡ ዚርኢ ንጉስ ድዩ፧ ከምኡ ጌርና ንስእሎ እንተ ዄንና፡ ኣረኣእያና ኸነዐሪ ኣሎና። መዝሙር ዳዊትን ራእይ ዮሃንስን፡ ኣብ ፈረስ ኰይኑ “እናሰዐረስ ኪስዕር” ይጋልብን ናብቲ ዘይተርፍ ‘ዓወት’ (ትርጕም 1990) ይግስግስን ከም ዘሎ ሓያል ንጉስ ገይረን እየን ዚገልጻኦ።—ራእ. 6:2፣ መዝ. 2:6-9፣ 45:1-4

2 ክርስቶስ ንጉስ ምስ ኰነ ዝወሰዶ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ፡ ኣብ ልዕሊ “እቲ ገበልን መላእኽቱን” ዝረኸቦ ዓወት እዩ። ከም ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ መጠን፡ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ሰጒጉ፡ ኣብ ከባቢ ምድሪ ኸም ዚሕጸሩ ገበሮም። (ራእ. 12:7-9) ድሕሪኡ፡ ከም “ልኡኽ” ወይ “መልኣኽ ቃል ኪዳን” የሆዋ መጠን፡ ምስ ኣቦኡ ዀይኑ ነታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ኪምርምር መጸ። (ሚል. 3:1) ነታ ልዕሊ ዅሉ ተወቃሲት ክፋል “ዓባይ ባቢሎን” ዝዀነት ህዝበ-ክርስትያን፡ ደም ብምፍሳሳን ምስ ፖለቲካዊ ስርዓት እዛ ዓለም እዚኣ መንፈሳዊ ዝሙት ብምፍጻማን ገበነኛ ዀይና ስለ ዝረኸባ፡ ፈረዳ።—ራእ. 18:2, 3, 24

ንምድራዊ ባርያኡ ኣጽረዮ

3, 4. (ሀ) ክርስቶስ ከም “ልኡኽ” የሆዋ መጠን እንታይ ዓሚሙ፧ (ለ) ውጽኢት መርመራ እታ ቤተ መቕደስ እንታይ ኰነ፧ የሱስከ ኸም ርእሲ እታ ጉባኤ መጠን እንታይ ሽመት እዩ ዝሃበ፧

3 እቲ የሆዋን ‘ልኡኹን’ ዝገበርዎ መርመራ፡ ኣብ ምድራዊ ኣጸድ እታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ፡ ክፋል ህዝበ-ክርስትያን ዘይኰኑ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ዘለዉ ኣነጸረ። ይኹን እምበር፡ እዞም ቅቡኣት ክርስትያናት ወይ “ደቂ ሌዊ” እውን እንተ ዀኑ፡ ኪጸርዩ ነበሮም። ነብዪ ሚልክያስ ብዛዕባ እዚ ኺንበ ኸሎ፡ “ንሱ [የሆዋ] ኸኣ ነቲ ብሩር ኪዅልዕን ኬጽርን ኪቕመጥ እዩ። ንደቂ ሌዊ ኼጽርዮም፡ ከም ወርቅን ብሩርን ከኣ ኪዅልዖም እዩ፡ ንሳቶምውን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ብጽድቂ ኺስውኡሉ እዮም” በለ። (ሚል. 3:3) የሆዋ በቲ “መልኣኽ ቃል ኪዳን” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ገይሩ፡ ነቶም መንፈሳውያን እስራኤላውያን ኣጽረዮም።

4 ክርስቶስ ነዞም እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት፡ ነቶም ኣብ እምነት ዘለዉ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ እዋናዊ መንፈሳዊ ምግቢ ኺህቡ ረኸቦም። እተፈላለየ ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ ካብ 1879 ኣትሒዞም፡ ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሓትሙ ጸኒሖም እዮም። የሱስ ኣብ “መወዳእታ ዓለም” ንስድራ ቤቱ ኺምርምር “ኪመጽእ ከሎ፡” ‘ምግቦም በብጊዜኡ ዚህቦም’ ባርያ ኸም ዚርከብ ተነብዩ ነበረ። እዚ ባርያ እዚ፡ “ብጹእ” ወይ ሕጉስ ምዃኑ፡ ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዚርከብ “ኵሉ ገንዘቡ” እውን ከም ዚሸሞ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 24:3, 45-47) ክርስቶስ ርእሲ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸም ምዃኑ መጠን፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዚርከብ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምምሕዳር፡ ነዚ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ይጥቀመሉ ኣሎ። ብኣመሓዳሪ ኣካል ገይሩ ድማ፡ ነቶም ቅቡኣት “ስድራ ቤት”ን ነቶም ብጾቶም ዝዀኑ “ኻልኦት ኣባጊዕ”ን መምርሒ ይህቦም ኣሎ።—ዮሃ. 10:16

ዓጺድ ምድሪ

5. ሃዋርያ ዮሃንስ፡ እቲ መሲሓዊ ንጉስ እንታይ ኪገብር ከሎ እዩ ብራእይ ዝረኣየ፧

5 ሃዋርያ ዮሃንስ፡ እቲ መሲሓዊ ንጉስ ብ1914 ካብ ዚነግስ ኣትሒዙ “ብመዓልቲ ጐይታ” ብዛዕባ ዚገብሮ ኻልእ ነገር ብራእይ ርእዩ ነበረ። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ፦ “ርኤኹ ድማ፤ እንሆ፡ ጻዕዳ ደበናን፡ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ወርቂ፡ ኣብ ኢዱውን በሊሕ ማዕጺድ ዘለዎ ወዲ ሰብ ዚመስል ኣብቲ ደበና ተቐሚጡን ርኤኹ።” (ራእ. 1:10፣ 14:14) ሓደ መልኣኽ የሆዋ ነዚ ዓጻዲ፡ “ፍረ ምድሪ . . . በጺሑ” ስለ ዝዀነ ንማዕጺዱ ኺሰዶ ኺነግሮ ኸሎ ዮሃንስ ሰምዐ።—ራእ. 14:15, 16

6. የሱስ ድሕሪ ግዜ እንታይ ከም ዚዓቢ እዩ እተዛረበ፧

6 እዚ “ፍረ ምድሪ” እዚ፡ ነቲ የሱስ ብዛዕባ ስርናይን ክርዳድን ዝመሰሎ ምሳሌ የዘኻኽረና። የሱስ ንርእሱ ምስ ሓደ ጽቡቕ ምህርቲ ስርናይ ኪረክብ ኢሉ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርአ ሰብኣይ ኣመሳሰለ፣ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ፡ ነቶም “ደቂ መንግስቲ፡” ማለት ነቶም ምስኡ ኣብ መንግስቱ ኺገዝኡ እተቐብኡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት የመልክት። ለይቲ ምስ ኰነ ግን፡ ጸላኢ፡ ማለት “ድያብሎስ” ኣብቲ ግራት ክርዳድ፡ ማለት “ደቂ እቲ ኽፉእ” ዘርአ። እቲ ዘራኢ ንዓየይቱ፡ ነቲ ስርናይን ክርዳድን ክሳዕ ቀውዒ፡ ማለት ክሳዕ “መደምደምታ እቲ ስርዓት” (NW) ብሓደ ይዕበ ኺሓድግዎ ነገሮም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ መላእኽቱ ልኢኹ፡ ነቲ ስርናይ ካብቲ ኽርዳድ ከም ዚፈልዮ ገለጸ።—ማቴ. 13:24-30, 36-41

7. ክርስቶስ፡ “ፍረ ምድሪ” ዚእክብ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

7 ከም መፈጸምታ እቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ፡ የሱስ ኣብ መላእ ዓለም ዕዮ ዓጺድ የካይድ ኣሎ። “ፍረ ምድሪ” ኺርከብ እተጀመረ፡ ተረፍ እቶም 144,000 “ደቂ መንግስቲ፡” ማለት እቶም ኣብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ ብ“ስርናይ” እተመሰሉ ሰባት ኪእከቡ ምስ ጀመሩ እዩ። ድሕሪ ቐዳማይ ውግእ ዓለም፡ ኣብ መንጎ እቶም ናይ ሓቅን ናይ ሓሶትን ክርስትያናት ዘሎ ፍልልይ ብዝያዳ ንጹር ኰነ፣ እዚ ኸኣ፡ ካልኣይ ክፋል እቲ “ፍረ ምድሪ፡” ማለት ካልኦት ኣባጊዕ ንኺእከቡ ሓገዘ። እዚኣቶም “ደቂ መንግስቲ” ዘይኰኑስ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብፍታው ዚግዝኡ “ብዙሓት ሰብ” እዮም። ካብ ኵሎም “ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን” እዮም ዚእከቡ። ነታ ብክርስቶስ የሱስን በቶም ምስኡ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ዚገዝኡ 144,000 “ቅዱሳን”ን ዝቘመት መሲሓዊት መንግስቲ ኸኣ ይግዝኡ እዮም።—ራእ. 7:9, 10፣ ዳን. 7:13, 14, 18

ነታ ጉባኤ ይመርሓ

8, 9. (ሀ) ክርስቶስ ንኣኻይዳ ሓንቲ ጉባኤ ብሓፈሻኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንናብራ ነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ጉባኤ እውን ከም ዚዕዘብ ዚሕብር እንታይ እዩ፧ (ለ) ከምቲ ኣብ ገጽ 26 ተሳኢሉ ዘሎ፡ ካብ ከመይ ዝኣመሰለ “መዓሙቝ ሰይጣን” ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧

8 ኣብዛ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ፡ ክርስቶስ ብኸመይ ንመንፈሳዊ ዅነታት ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረት ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ብጥብቂ ኸም ዚከታተሎ ርኢና ኔርና። ሎሚ እውን እቲ መራሒና ዝዀነ ክርስቶስ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን” እተዋህቦ ንጉስ ስለ ዝዀነ፡ ነተን ኣብ መላእ ዓለም ዚርከባ ጉባኤታትን ንሓለውተንን ከም ርእሲ መጠን ይከታተለን ኣሎ። (ማቴ. 28:18፣ ቈሎ. 1:18) የሆዋ ድማ፡ “ርእሲ [እታ ብቕቡኣት ክርስትያናት ዝቘመት] ቤተ ክርስቲያን [ወይ ጉባኤ] ገይሩ . . . ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሸሞ።” (ኤፌ. 1:22ትርጕም 1990) ስለዚ፡ ኣብ ውሽጢ እተን ልዕሊ 100,000 ዝዀና ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚግበር ዝዀነ ይኹን ነገራት ካብ ዓይኑ ኣይሕባእን እዩ።

9 የሱስ ነታ ኣብ ጥንታዊት ትያቲራ ዝነበረት ጉባኤ፡ “እቲ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝዀና ኣዒንቲ ዘለዋኦ . . . ከምዚ ይብል አሎ። ግብርኻ . . . እፈልጥ አሎኹ” ኢሉ መልእኽቲ ለኣኸላ። (ራእ. 2:18, 19) ነቶም ከም ቃሕታኦም ዚነብሩን ርኹሳትን ኣባላት እታ ጉባኤ፡ “ኣነ ልብን ኰላሊትን ዝምርምር . . . ንነፍሲ ወከፍኩምውን ከከም ግብርኹም ክህበኩም እየ” ኢሉ ገንሖም። (ራእ. 2:23) እዚ ሓሳብ እዚ፡ ክርስቶስ ንኣኻይዳ ሓንቲ ጉባኤ ብሓፈሻኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንናብራ ነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ጉባኤ እውን ከም ዚዕዘብ ዚሕብር እዩ። የሱስ ነቶም “ነቲ መዓሙቝ ሰይጣን . . . ዘይፈለጥኩምዎ” እተባህለሎም ኣብ ትያቲራ ዝነበሩ ክርስትያናት ነኣዶም። (ራእ. 2:24) ሎሚ እውን ነቶም ብኢንተርነት፡ ብጸወታታት ቪድዮ፡ ወይ ሸለልትነት ብዜንጸባርቕ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ኣቢሎም “ነቲ መዓሙቝ ሰይጣን” ዘይምርምሩ ዓበይቲ ይኹኑ ንኣሽቱ ይንእዶም እዩ። ንጻዕርታትን መስዋእትታትን እቶም ኣብ ኵሉ ናብራኦም ንመሪሕነቱ ንምስዓብ ዚከኣሎም ዚገብሩ ብዙሓት ክርስትያናት ኪዕዘብ ከሎ፡ ብዙሕ ይሕጐስ እዩ።

10. ክርስቶስ ንሽማግለታት ጉባኤ ዚመርሓሉ መገዲ ብኸመይ ተመሲሉ ኣሎ፧ ሽማግለታትከ ነየናይ መሰናድዎ እዮም ኪኣምኑሉ ዘለዎም፧

10 ክርስቶስ ብእተሸሙ ሽማግለታት ኣቢሉ ነታ ኣብ ምድሪ እትርከብ ጉባኤ ብፍቕሪ ይሕልዋ። (ኤፌ. 4:8, 11, 12) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ዅሎም ሓለውቲ፡ ብመንፈስ እተቐብኡ እዮም ነይሮም። ኣብ ራእይ ዮሃንስ፡ ኣብ የማናይ ኢድ ክርስቶስ ከም ዘለዉ ኸዋኽብቲ ጌርካ ተገሊጾም ኣለዉ። (ራእ. 1:16, 20) ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሽማግለታት፡ ካብተን ካልኦት ኣባጊዕ እዮም። ድሕሪ ጸሎትን ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስን ስለ ዚሽየሙ፡ ንሳቶም እውን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ወይ ኣብ ኢድ ክርስቶስ ከም ዘለዉ እዩ ዚቝጸር። (ግብ. 20:28) ይኹን እምበር፡ ክርስቶስ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ደቀ መዛሙርቱ ንምምራሕን ንምእላይን፡ ንእተወሰኑ ጕጅለ ቕቡኣት ክርስትያናት ከም ኣመሓዳሪ ኣካል ገይሩ ኸም ዚጥቀመሎም ይኣምኑ እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 15:6, 28-30 ኣንብብ።

“ጐይታና የሱስ፡ ንዓ”

11. መራሒና ቐልጢፉ ኺመጽእ እንህንጠ ስለምንታይ ኢና፧

11 ኣብቲ ንሃዋርያ ዮሃንስ እተዋህቦ ራእይ፡ የሱስ ቀልጢፉ ኸም ዚመጽእ ብተደጋጋሚ ገሊጹ ኣሎ። (ራእ. 2:16፣ 3:11፣ 22:7, 20) ነቲ ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎንን ኣብ ልዕሊ እኩይ ስርዓት ሰይጣንን ፍርዲ ኺፍጽም ዚመጸሉ እዋን የመልክት ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን እዩ። (2 ተሰ. 1:7, 8) እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ፡ እዚ ፍጻመታት እዚ ኺፍጸም ከሎ ኺርኢ ስለ እተሃንጠየ፡ “ኣሜን፡ ጐይታና የሱስ፡ ንዓ” በለ። እቶም ኣብ ግዜ መወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት እንነብር ዘለና እውን፡ መራሒናን ንጉስናን ብሓይሊ መንግስቱ መጺኡ ንስም ኣቦኡ ኪቕድስን ንልዑላውነት የሆዋ ኼረጋግጽን ከሎ ኽንርኢ ንህንጠ ኢና።

12. ቅድሚ እቲ ንፋሳት ጥፍኣት ዚፍነወሉ ግዜ፡ ክርስቶስ እንታይ ዕዮ እዩ ኺዛዝም፧

12 የሱስ ነቲ ብዓይኒ ዚርአ ውድብ ሰይጣን ቅድሚ ምጥፋኡ፡ እቶም ናይ መወዳእታ ኣባላት እቶም 144,000 መንፈሳውያን እስራኤል ንመወዳእታ ግዜ ኺሕተሙ እዮም። ምሕታም እቶም 144,000 ከይተወድአ፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ሰይጣን ንፋሳት ጥፍኣት ከም ዘይፍኖ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጽ እዩ።—ራእ. 7:1-4

13. ክርስቶስ ኣብ መጀመርታ ኽፋል እቲ ዓብዪ “መከራ” ህላወኡ ዜግህድ ብኸመይ እዩ፧

13 መብዛሕትኦም ተቐማጦ ምድሪ ነቲ ኻብ 1914 ኣትሒዙ ፍጻሜኡ ዝረኸበ “ምጽኣት” ወይ “ህላወ” (NW) ክርስቶስ ኣየስተውዕልዎን እዮም። (2 ጴጥ. 3:3, 4) ድሕሪ ሓጺር እዋን ግን፡ የሱስ ኣብ ልዕሊ እተፈላለየ ባእታታት ስርዓት ሰይጣን ፍርዲ የሆዋ ብምፍጻም፡ ህላወኡ ኼግህድ እዩ። ጥፍኣት “ሰብኣይ ዓመጻ፡” ማለት ኣቕሽሽቲ ህዝበ-ክርስትያን ንጹር “ምግላጽ ምጽኣቱ” ወይ “ህላወኡ” (NW) ኪኸውን እዩ። (2 ተሰሎንቄ 2:3, 8 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ ብየሆዋ እተሸመ ፈራዲ ኸም ምዃኑ መጠን፡ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ዚሕብር ድልዱል መርትዖ ኪኸውን እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 4:1 ኣንብብ።) ኣብታ ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዚወርድ ጥፍኣት፡ ብጥፍኣት እታ ኻብ ኵሉ ብዝያዳ እትውቀስ ክፋል ዓባይ ባቢሎን ዝዀነት ህዝበ-ክርስትያን ኪጅምር እዩ። እቶም ፖለቲካውያን መራሕቲ ነታ ኣመንዝራ ምእንቲ ኼጥፍእዋ፡ የሆዋ ነቲ ሓሳብ ኣብ ልቦም ኬእትዎ እዩ። (ራእ. 17:15-18) እዚ ኸኣ ናይ መጀመርታ ኽፋል እቲ ዓብዪ “መከራ” ኪኸውን እዩ።—ማቴ. 24:21

14. (ሀ) ናይ መጀመርታ ኽፋል እቲ ዓብዪ መከራ ዚሓጽር ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) “ትእምርቲ ወዲ ሰብ” ንህዝቢ የሆዋ እንታይ ትርጕም ኪህልዎ እዩ፧

14 እተን ዓብዪ መከራ ዜጋጥመለን መዓልትታት፡ ምእንቲ እቶም “ሕሩያት፡” ማለት ምእንቲ እቶም ኣብ ምድሪ ዚህልዉ ተረፍ ቅቡኣት ክርስትያናት ኪሓጽራ እየን። (ማቴ. 24:22) እዚ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዚወርድ ጥፍኣት፡ ንቕቡኣት ክርስትያናትን ነቶም ብጾቶም ዝዀኑ ኻልኦት ኣባጊዕን ንኼጥፍኦም፡ የሆዋ ኣይኪፈቅድን እዩ። የሱስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ” ኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ትእምርቲ ኸም ዚርአ፡ “ትእምርቲ ወዲ ሰብ [ከኣ] ኣብ ሰማይ ኪርኤ” ምዃኑ ገለጸ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣህዛብ ምድሪ “ኺበኽዩ” እዮም። እቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ቅቡኣትን እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ብጾቶምን ግን ኣይኪበኽዩን እዮም። የግዳስ፡ ‘ምድሓኖም ስለ ዝቐረበ፡ ቅንዕ ኪብሉ፡ ርእሶም እውን ኬልዕሉ እዮም።’—ማቴ. 24:29, 30፣ ሉቃ. 21:25-28

15. ክርስቶስ ምስ መጸ፡ እንታይ እዩ ኺገብር፧

15 ወዲ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ቅድሚ ምስዓሩ፡ ብኻልእ መገዲ እውን ኪመጽእ እዩ። ንሱ ባዕሉ ኸምዚ ኢሉ ተነብዩ ነይሩ እዩ፦ “ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ። ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ፡ ንሱ ኸኣ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማኑ፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን።” (ማቴ. 25:31-33) እዚ ትንቢት እዚ፡ ነቲ የሱስ ከም ፈራዲ መጠን ን“ዅሎም ኣህዛብ” ኣብ ክልተ ጕጅለ ኺፈልዮም ኢሉ ዚመጸሉ እዋን እዩ ዜመልክት። እቲ ሓደ ጕጅለ፡ ነቶም ንመንፈሳውያን ኣሕዋቱ (ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕቡኣት ክርስትያናት) ዚድግፉ “ኣባጊዕ” ዜጠቓልል ኰይኑ፡ እቲ ሓደ ጕጅለ ኸኣ ነቶም “ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎ” “ኣጣል” ዜጠቓልል እዩ። (2 ተሰ. 1:7, 8) እቶም “ጻድቃን” ተባሂሎም ዘለዉ ኣባጊዕ፡ ኣብ ምድሪ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ኪረኽቡ እዮም፣ እቶም ኣጣል ግን “ናብ ናይ ዘለዓለም ቅጽዓት” (ትርጕም 1990) ወይ ጥፍኣት ኪኸዱ እዮም።—ማቴ. 25:34, 40, 41, 45, 46

የሱስ ምሉእ ብምሉእ ኪስዕር እዩ

16. መራሒና ክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ ዚስዕር ብኸመይ እዩ፧

16 ክርስቶስ፡ ኵሎም እቶም ነገስታትን ካህናትን ዝዀኑ መጋዝእቱ ምስ ተሓትሙ፡ እቶም ኣባጊዕ ድማ ተፈልዮም ንድሕነት ኣብ የማኑ ምስ ኰኑ፡ ምሉእ ብምሉእ “ኪስዕር” እዩ። (ራእ. 5:9, 10፣ 6:2) ርእሲ እቶም ሓያላት ሰራዊት መላእኽትን ርእሲ እቶም ካብ ምዉታት ዝተንስኡ ኣሕዋቱን ከም ምዃኑ መጠን፡ ንብምሉኡ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ንግዳውን ስርዓት እዛ ምድሪ እዚኣ ኼጥፍኦ እዩ። (ራእ. 2:26, 27፣ 19:11-21) ነቲ እኩይ ስርዓት ሰይጣን ምስ ኣጥፍኦ፡ ክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ ኪስዕር እዩ። ድሕሪኡ፡ ንሰይጣንን ንኣጋንንቱን፡ ንሓደ ሽሕ ዓመት ኣብ መዓሙቝ ኺኣስሮም እዩ።—ራእ. 20:1-3

17. ክርስቶስ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ ንኻልኦት ኣባጊዑ ናብ ምንታይ ኪመርሖም እዩ፧ ንሕናኸ እንታይ ቈራጽነት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

17 ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚድሕኑ ኻብተን ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ “ብዙሓት ሰብ” ኪዛረብ ከሎ፡ “እቲ ኣብ ማእከል ዝፋን ዘሎ ገንሸል ስለ ዚጓስዮም፡ ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ከኣ ስለ ዚመርሖም” በለ። (ራእ. 7:9, 17) እወ፡ ክርስቶስ ኣብ ብምሉኡ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ፡ ነቶም ቃሉ ብሓቂ ዚሰምዑ ኻልኦት ኣባጊዕ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪመርሖም እዩ። (ዮሃንስ 10:16, 26-28 ኣንብብ።) ሃየ እምበኣር፡ ነዚ ንጉስናን መራሒናን፡ ሕጂ ዀነ ኣብታ የሆዋ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ብተኣማንነት ንስዓቦ!

ድግማ

ክርስቶስ ምስ ነገሰ እንታይ ስጕምቲ እዩ ወሲዱ፧

ክርስቶስ ንጉባኤታቱ ንምምራሕ ንመን እዩ ኸም መሳርሒ ገይሩ ዚጥቀም ዘሎ፧

መራሒና ክርስቶስ ዚመጽእ ብኸመይ እዩ፧

ክርስቶስ ኣብታ ሓዳስ ዓለም እውን ዚመርሓና ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ጥፍኣት እቲ እኩይ ስርዓት ሰይጣን ንህላወ ክርስቶስ ኬግህዶ እዩ