ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓድነት—መለለዪ ናይ ሓቂ ኣምልኾ

ሓድነት—መለለዪ ናይ ሓቂ ኣምልኾ

ሓድነት—መለለዪ ናይ ሓቂ ኣምልኾ

“ኣብ መጓሰይኣ ኸም ዘላ መጓሰ ብሓባር ከምጽኦ እየ።”—ሚክ. 2:12

1. ፍጥረት ንጥበብ ኣምላኽ ዜንጸባርቕ ብኸመይ እዩ፧

 ሓደ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ግብርታትካስ ክንደይ ብዙሕ እዩ፡ ንዅሉ ብጥበብ ገበርካዮ፡ ምድሪ ብሃብትኻ መሊኣ አላ” በለ። (መዝ. 104:24) ኣብ መንጎ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ እተፈላለዩ ኣትክልትን ሓሸራታትን እንስሳታትን ባክተርያታትን ዘሎ ሓድሕዳዊ ምድግጋፍ ንጥበብ ኣምላኽ ዜንጸባርቕ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ዝዓበየ ኽፍልታት ኣካላትካ ዀነ እቲ ዝደቐቐ ኽፍልታት ዋህዮታትካ እተፈላለየ መስርሕ ዘለዎ እኳ እንተ ዀነ፡ ምሉእ ሰብነትን ጥዕናን ንኺህልወካ ግን ኵሉ ተደጋጊፉ እዩ ዚዓዪ።

2. ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ ኸም ዚሕብሮ፡ እቲ ኣብ ክርስትያናት ዝነበረ ሓድነት ብተኣምር እተረኽበ ዚመስል ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

2 የሆዋ ንደቂ ሰብ፡ ንሓድሕዶም ከም ዚደጋገፉ ገይሩ እዩ ፈጢርዎም። ደቂ ሰብ ኣዝዩ እተፈላለየ ትርኢትን ባህርይን ክእለትን እዩ ዘለዎም። ብተወሳኺ፡ እቶም ናይ መጀመርታ ሰባት ንሓድሕዶም ኪተሓባበሩን ኪደጋገፉን ዜኽእሎም ኣምላኻዊ ባህርያት ተዋሂብዎም ነበረ። (ዘፍ. 1:27፣ 2:18) ኰይኑ ግን፡ ደቂ ሰብ ብሓፈሻ ኻብ ኣምላኽ ርሒቖም እዮም፣ ብሓድነት ኪዓዩ እውን ኣይከኣሉን። (1 ዮሃ. 5:19) ስለዚ፡ እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ንኸም ባሮት ኤፌሶን፡ ምርኡያት ግሪኻውያን ኣንስቲ፡ ምሁራት ኣይሁዳውያን ሰብኡት፡ ኣምለኽቲ ጣኦት ዝነበሩ ሰባት ዝሓቘፈት ምንባራ፡ እቲ ሓድነቶም ብተኣምር እተረኽበ ይመስል ነበረ።—ግብ. 13:1፣ 17:4፣ 1 ተሰ. 1:9፣ 1 ጢሞ. 6:1

3. መጽሓፍ ቅዱስ ንሓድነት ክርስትያናት ብኸመይ ይገልጾ፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣኸ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

3 ናይ ሓቂ ኣምልኾ፡ ሰባት ከም ሓደ ኣካል ብስኒት ተሓባቢሮም ኪዓዩ የኽእሎም እዩ። (1 ቈረንቶስ 12:12, 13 ኣንብብ።) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸኣ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንምርምር ኢና፦ ናይ ሓቂ ኣምላኾ ንሰባት ሓደ ዚገብሮም ብኸመይ እዩ፧ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ንዝዀኑ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ሓድነት ከም ዚህልዎም ኪገብር ዚኽእል የሆዋ ጥራይ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እንታይ ንሓድነትና ዕንቅፋት ዚኸውን ነገራት ንኸነሰንፍ እዩ የሆዋ ዚሕግዘና፧ ብሓድነት ዝመጸ፡ ናይ ሓቂ ክርስትና ኻብ ህዝበ-ክርስትያን ብኸመይ ይፍለ፧

ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንሰባት ሓደ ዚገብሮም ብኸመይ እዩ፧

4. ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንሰባት ሓደ ዚገብሮም ብኸመይ እዩ፧

4 ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚስዕቡ ሰባት፡ የሆዋ ንዅሉ ነገር ስለ ዝፈጠረ፡ ልዑላዊ ዅሉ ፍጥረት ኪኸውን መሰል ከም ዘለዎ ይግንዘቡ እዮም። (ራእ. 4:11) ስለዚ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ እተፈላለየ ማሕበረሰብ ዚነብሩን እተፈላለየ ዅነታት ዘለዎምን እኳ እንተ ዀኑ፡ ኵሎም ንሕጊ ኣምላኽ ብማዕረ ይእዘዙን ብሓደ ዓይነት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይመላለሱን እዮም። ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ብምሉኦም፡ ንየሆዋ “ኣቦና” ኢሎም እዮም ዚጽውዕዎ። (ኢሳ. 64:8፣ ማቴ. 6:9) በዚ ኸምዚ፡ ኵሎም መንፈሳውያን ኣሕዋት እዮም፣ እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “እንሆ፡ ኣሕዋት ብሓደ ሐቢሮም ኪነብሩስ፡ ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ” ኢሉ ንዝገለጾ ባህ ዜብል ሓድነት ከኣ የስተማቕሩ እዮም።—መዝ. 133:1

5. ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ሓድነት ንኺህልዎም እትሕግዝ ባህርይ እንታይ እያ፧

5 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ፍጹማት እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ ስለ እተማህሩ፡ ብሓድነት ንየሆዋ የምልኽዎ እዮም። የሆዋ ኻልኦት ኪምህርዎም ዘይክእሉ ፍቕሪ ምሂርዎም እዩ። (1 ዮሃንስ 4:7, 8 ኣንብብ።) ቃል ኣምላኽ፡ “ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ ልበሱ። ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ [“የሆዋ፡” NW] ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪ፡ ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ፡ ልበስዋ” ይብል። (ቈሎ. 3:12-14) እዛ ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት ዝዀነት ፍቕሪ፡ ቀንዲ መለለዪት ባህርይ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እያ። ሓድነት፡ መለለዪ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ምዃኑስ ኣየስተውዓልካንዶ፧—ዮሃ. 13:35

6. ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ሓድነት ንኺህልወና ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

6 ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ እንኮ ተስፋ ደቂ ሰብ ገይሮም ስለ ዚርእይዋ እውን ሓድነት ኪህልዎም ክኢሉ እዩ። ድሕሪ ቐረባ እዋን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኣውያን መንግስታት ከም እትትክአን፡ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ከኣ ናይ ሓቅን ነባርን ሰላም ከም እተምጽኣሎም ይፈልጡ እዮም። (ኢሳ. 11:4-9፣ ዳን. 2:44) ስለዚ ድማ፡ ክርስትያናት ነቲ የሱስ፡ “ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” ኢሉ ብዛዕባ ሰዓብቱ እተዛረቦ ቓላት የቕልብሉ እዮም። (ዮሃ. 17:16) ካብ ዓለምለኻዊ ግጭታት ገለልተኛታት ስለ ዝዀኑ፡ ውግእ ኣብ ዘለዎ ኸባቢታት እውን ከይተረፈ ሓድነት ኪህልዎም ክኢሉ እዩ።

እንኮ ምንጪ መንፈሳዊ መምርሒ

7, 8. መጽሓፍ ቅዱሳዊ መምርሒ፡ ሓድነት ከም ዚህልወና ዚገብር ብኸመይ እዩ፧

7 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ካብ ሓደ ምንጪ መምርሒ ይረኽቡ ስለ ዝነበሩ፡ ሓድነት ኪህልዎም ክኢሉ እዩ። የሱስ ነታ ጉባኤ፡ በቲ ብሃዋርያትን ኣብ የሩሳሌም ብዝነበሩ ሽማግለታትን ዝቘመ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣቢሉ ይምህራን ይመርሓን ከም ዝነበረ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። እዞም ውፉያት ሰብኡት እዚኣቶም፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመስሪቶም ውሳነታት ይገብሩ፡ ብገየሽቲ ሓለውቲ ኣቢሎም ከኣ ኣብ እተፈላለያ ዓድታት ንዝነበራ ጉባኤታት መምርሒ ይህቡ ነበሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሓለውቲ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣብ ዘዝአተውዋ ኸተማ ኸኣ እቲ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣብ የሩሳሌም ዝሐገጉሎም ሕጋጋት ኪሕልዉ አዘዝዎም” ይብል።—ግብ. 15:6, 19-22፣ 16:4

8 ሎሚ እውን፡ ብመንፈስ ቅዱስ ብእተቐብኡ ክርስትያናት ዝቘመ ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ንሓድነት እታ ዓለምለኻዊት ጉባኤ ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ። እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል፡ መንፈሳዊ ምትብባዕ ዚህብ ጽሑፋት ብእተፈላለየ ቛንቋታት የሕትም ኣሎ። እዚ መንፈሳዊ ምግቢ እዚ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ዜቕርቦ ትምህርቲ ኻብ ሰባት ዘይኰነስ፡ ካብ የሆዋ እዩ።—ኢሳ. 54:13

9. እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ዕዮ፡ ሓድነት ከም ዚህልወና ዚገብር ብኸመይ እዩ፧

9 ክርስትያን ሓለውቲ እውን፡ ኣብ ዕዮ ስብከት መሪሕ ግደ ብምሓዝ ሓድነት ከም ዚህሉ ይገብሩ እዮም። ነቶም ኣብ ዕዮ ኣምላኽ ሓቢሮም ዚዓዩ ሰባት ሓድነት ከም ዚህልዎም ዚገብር መንፈስ፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ንዘለዉ ኻልኦት ሰባት ዜሕብሮም መንፈስ ኣዝዩ ዝሓየለ እዩ። ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝቘመት፡ ከም ማሕበራዊ ኽበብ ኰይና ንኸተገልግል ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ንኸተኽብርን ሓደ ዕዮ ንኽትዓዪን እዩ፣ እዚ ዕዮ እዚ ኸኣ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ንኣባላት ጉባኤ ምህናጽን እዩ። (ሮሜ 1:11, 12፣ 1 ተሰ. 5:11፣ እብ. 10:24, 25) ስለዚ ኸኣ እዩ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ክርስትያናት፡ ‘ብሓንቲ ነፍሲ ምስኡ እናተጋደሉ፡ ብሓደ መንፈስ ቀጥ ኢሎም ከም ዝቘሙ’ እተዛረበ።—ፊል. 1:27, 28

10. ከም ህዝቢ ኣምላኽ መጠን ሓድነት ኪህልወና ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

10 እምበኣር፡ ህዝቢ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን ሓድነት ኪህልወና ዝኸኣለ፡ ንልዑላውነት የሆዋ ስለ እንቕበል፡ ንኣሕዋትና ስለ እነፍቅር፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ተስፋ ስለ እንገብር፡ ነቶም ኣብ መንጎና መሪሕ ግደ ዘለዎም የሆዋ ዚጥቀመሎም ሰባት ከኣ ስለ እነኽብር እዩ። የሆዋ ነቲ ብሰንኪ ዘይፍጽምናና ሓድነትና ኼፍርስ ዚኽእል ባህርያት ንኸነሰንፍ ይሕግዝና እዩ።—ሮሜ 12:2

ንትዕቢትን ቅንእን ምስናፍ

11. ትዕቢት ዚፈላሊ ስለምንታይ እዩ፧ የሆዋ ነዚ ንኸነሰንፎ ዚሕግዘናኸ ብኸመይ እዩ፧

11 ትዕቢት ንሰባት ይፈላሊ እዩ። ዕቡይ ሰብ ንርእሱ ኽብ ኣቢሉ ስለ ዚርኢ፡ መብዛሕትኡ እዋን ብምጅሃር ሓጐስ ኪረክብ ይፍትን እዩ። ኰይኑ ግን፡ እቶም ኪጀሃር ከሎ ዚሰምዕዎ ሰባት ኪቐንኡ ስለ ዚኽእሉ፡ እዚ ንሓድነት ዕንቅፋት እዩ ዚፈጥር። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ “ከምዚ ዝበለ ዅሉ ትምክሕቲ ኽፉእ እዩ” ኢሉ ብጋህዲ ነጊሩና ኣሎ። (ያእ. 4:16) ንኻልኦት ኣትሒትካ ምርኣይ ፍቕራዊ ኣይኰነን። ብትሕትና ዝመጸ፡ የሆዋ ምስ ከማና ዝኣመሰሉ ዘይፍጹማት ሰባት ኣብ ዚገብሮ ርክብ ኣብነት ይዀነና እዩ። ዳዊት ብዛዕባ ኣምላኽ፡ “ምውራድካውን ኣዕበየኒ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ሳሙ. 22:36) ቃል ኣምላኽ፡ ሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ንኸነጥሪ ብምምሃር ንትዕቢት ከነሰንፍ ይሕግዘና እዩ። ጳውሎስ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹ፡ “ካብ ካልኦት ዘብለጸካ መን እዩ፧ ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ አሎካ፧ ተቐቢልካ ኻብ እትኸውን ግና፡ ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልካ ዄንካ እትኽበር፧” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ቈረ. 4:7

12, 13. (ሀ) ብቐሊሉ ኽንቀንእ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ንኻልኦት ከምቲ የሆዋ ዚርእዮም ጌርና ምርኣይና እንታይ ውጽኢት ኣለዎ፧

12 ካልእ ንሓድነት ዕንቅፋት ዝዀነ ልሙድ ባህርይ፡ ቅንኢ እዩ። ኵላትና ዘይፍጽምና ስለ ዝወረስና፡ ናይ “ቅንኢ” ዝንባለ ኣሎና፣ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሑ ክርስትያናት እውን ከይተረፉ፡ ሓድሓደ ግዜ በቲ ኻልኦት ዘለዎም ኵነታትን ጥሪትን ፍሉይ መሰልን ክእለትን ኪቐንኡ ይኽእሉ እዮም። (ያእ. 4:5) ንኣብነት፡ ሓደ ኣቦ ስድራ፡ ሓደ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ብዚረኽቦ ፍሉይ መሰላት ኪቐንእ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ እውን በቲ ኣቦ ስድራ ቕሩብ ከም ዚቐንእ ኣየስተውዕልን ይኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ቕንኢ ንሓድነትና ኸየፍርስ ክንከላኸሎ እንኽእል ከመይ ጌርና ኢና፧

13 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቅቡኣት ዝዀኑ ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ኣካላት ሰብነት ከም ዜነጻጽሮም ምዝካርና ቕንኢ ንኸነወግድ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (1 ቈረንቶስ 12:14-18 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ካብ ልብኻ ንላዕሊ ዓይንኻ ጐሊሓ እትርአ እኳ እንተ ዀነት፡ ክልቲአን ግን ኣዝየን ዜድልያኻዶ ኣይኰናን፧ ብተመሳሳሊ፡ ሓድሓደ እዋን ገሊኦም ኣባላት ጉባኤ ኻብ ካልኦት ጐሊሖም ዚርኣዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ የሆዋ ግን ንዅሎም ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮም። ንሕና እውን፡ ንኣሕዋትና ኸምቲ የሆዋ ዚርእዮም ጌርና ንርኣዮም። ብኻልኦት ኣብ ክንዲ እንቐንእ፡ ክንሓልየሎምን ክንግደሰሎምን ንኽእል ኢና። በዚ መገዲ እዚ፡ ኣብ መንጎ ናይ ሓቂ ክርስትያናትን ኣባላት ህዝበ-ክርስትያንን ንዘሎ ኣፈላላይ ዝያዳ ኸም ዚጐልሕ ንገብር።

ምክፍፋል—መለለዪ ህዝበ-ክርስትያን

14, 15. ናይ ክሕደት ክርስትና እተኸፋፈለ ብኸመይ እዩ፧

14 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዘለዎም ሓድነት፡ ምስቲ ኣብ ሃይማኖታት ህዝበ-ክርስትያን ዘሎ ግጭት ኪነጻጸር ከሎ ጐሊሑ እዩ ዚርአ። ኣብ ራብዓይ ዘመን፡ ናይ ክሕደት ክርስትና ኣዝዩ ስለ ዘስፋሕፍሐ፡ ሓደ ኣረማዊ ሃጸይ ሮማ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ገበሮ፣ እዚ ኸኣ ህዝበ-ክርስትያን ዝያዳ ኸም እትዓቢ ገበረ። ድሕሪኡ፡ እተፈላለያ መንግስትታት ካብ ሮማ ተፈልየን ናይ ርእሰን ሃገራዊ ሃይማኖት ኣቘማ።

15 መብዛሕትአን ንዘመናት ዚኣክል ንሓድሕደን ኪዋግኣ ጸኒሐን እየን። ኣብ መበል 17ን 18ን ዘመን፡ ኣብ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብሩ ሰባት ሃገራዊ ተወፋይነት ኬተባብዑ ጀመሩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ሃገራውነት ከም ሃይማኖት ኪኸውን ከኣለ። ኣብ መበል 19ን 20ን ዘመን ድማ፡ ሃገራውነት ንኣተሓሳስባ መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ ኪቈጻጸሮ ጀመረ። ኣብያተ-ክርስትያን ህዝበ-ክርስትያን፡ ቀስ ብቐስ ሃገራውነት ናብ ዚጻወራ እተፈላለያ ጕጅለታት ተኸፋፈላ። ሕሉፍ ሓሊፎም፡ ምእመናን ኣብ ካልእ ሃገር ምስ ዚርከቡ ኣመንቲ ብጾቶም ተዋግኡ። ሎሚ ህዝበ-ክርስትያን ብእተፈላለየ ጕጅለታትን ብሃገራውነትን ተኸፋፊላ እያ ዘላ።

16. ንምእመናን ህዝበ-ክርስትያን ፈላልይዎም ዘሎ ጕዳያት እንታይ እዩ፧

16 ኣብ መበል 20 ዘመን፡ ብኣማኢት ዚቝጸሩ ጕጅለታት ህዝበ-ክርስትያን ብሓድነት ንኺጥርነፉ ጻዕሪ ኺገብሩ ጀመሩ። ኰይኑ ግን፡ ድሕሪ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት እተገብረ ጻዕሪ፡ ሒደት ኣብያተ-ክርስትያን ጥራይ እየን ብሓንሳእ ኪጥመራ ኽኢለን፣ ምእመናን ድማ ኣብ ከም ስነ-ፍልቀት፡ ምንጻል ጥንሲ፡ ግብረ-ሰዶም፡ ከምኡውን ምሻም ጓል ኣንስተይቲ ዝኣመሰለ ጕዳያት እተፈላለየ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። መራሕቲ ገሊአን ሃይማኖታት ህዝበ-ክርስትያን፡ ፈላላዪ ንዝነበረ ሰረተ-እምነታት ኣትሒትካ ኸም ዚርአ ብምግባር ኣብ እተፈላለያ ጕጅለታት ዘለዉ ሰባት ሓድነት ከም ዚህልዎም ኪገብሩ ይጽዕሩ እዮም። ይኹን እምበር፡ ሰረተ-እምነታት ኣትሒትካ ኸም ዚርአ ምግባር፡ ሰባት ድልዱል እምነት ከም ዘይህልዎም ካብ ምግባር ሓሊፉ፡ ንህዝበ-ክርስትያን ሓድነት ኬምጽኣላ ኣይክእልን።

ካብ ሃገራውነት ጸብለል ዝበለ

17. “በተን ዳሕሮት መዓልትታት፡” ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንሰባት ሓድነት ከም ዚህልዎም ኪገብር ምዃኑ እንታይ ትንቢት እዩ ተነጊሩ፧

17 ደቂ ሰብ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ተኸፋፊሎም እኳ እንተ ኣለዉ፡ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ግን ብዘለዎም ሓድነት ተፈልዮም እዮም ዚርኣዩ። እቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ሚክያስ፡ “ኣብ መጓሰይኣ ኸም ዘላ መጓሰ ብሓባር ከምጽኦ እየ” ኢሉ ተነብዩ ነበረ። (ሚክ. 2:12) ሚክያስ፡ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኻብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ወይ ካብ ኣምልኾ ሃገራውነት፡ ኰታስ ካብ ዝዀነ ይኹን ኣምልኾ ንላዕሊ ጸብለል ዝበለ ምዃኑ እውን ተነብዩ እዩ። “በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ እቲ ደብሪ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪጸንዕ፡ ኣብ ልዕሊ ዅድዅዶታት ከኣ ልዕል ኪብል እዩ። ህዝብታት ድማ ናብኡ ኺውሕዙ እዮም። ኵሎም እቶም ህዝብታት ነፍሲ ወከፎም በብስም ኣምላኾም ኪመላለሱ እዮም፡ ንሕናውን ንዘለኣለም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንመላለስ ኢና” ኢሉ ድማ ጸሓፈ።—ሚክ. 4:1, 5

18. ናይ ሓቂ ኣምልኾ እንታይ ለውጥታት ክንገብር እዩ ዚሕግዘና፧

18 ብዘይካዚ፡ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ይጻልኡ ንዝነበሩ ሰባት ብኸመይ ሓድነት ኪህልዎም ከም ዚገብር ሚክያስ ኪገልጽ ከሎ፡ “ብዙሓት ህዝብታት ኪኸዱ፡ ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄርን ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብን ንደይብ፡ ንሱ ኸኣ ጐደናታቱ ኺምህረና እዩ፡ ንሕናውን ብመገድታቱ ኽንመላለስ ኢና፡ ከኣ ኪብሉ እዮም። . . . ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት፡ ኲናውቶም ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፡ ደጊምሲ ውግእ ኣይኪምሀሩን እዮም” በለ። (ሚክ. 4:2, 3) እወ፡ እቶም ሰብ ዚሰርሖ ኣማልኽቲ ወይ ኣምልኾ ሃገራውነት ሓዲጎም ንየሆዋ ዜምልኹ ሰባት፡ ኣምላኽ ብመገዲ ፍቕሪ ኣቢሉ ስለ ዚምህሮም፡ ዓለምለኻዊ ሓድነት ይረኽቡ እዮም።

19. ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ሓደ ኪዀኑ ምኽኣሎም፡ ናይ ምንታይ ንጹር መርትዖ እዩ፧

19 እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዘለዎም ዓለምለኻዊ ሓድነት ኣዝዩ ፍሉይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ የሆዋ ንህዝቡ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ይመርሖም ከም ዘሎ ዜርኢ ንጹር መርትዖ እውን እዩ። ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ፡ ካብ ኵሎም ብሄራት ዝመጹ ሰባት ሓድነት ኪህልዎም ክኢሉ እዩ። እዚ ኸኣ ዜደንቕ ፍጻመ ናይቲ ኣብ ራእይ 7:9, 14 እተነግረ ትንቢት ኪኸውን ከሎ፡ መላእኽቲ ኣምላኽ ነቶም ነዚ እኩይ ስርዓት እዚ ዜጥፍኡ “ንፋሳት” ድሕሪ ቐረባ እዋን ከም ዚፍንውዎም እውን የመልክት። (ራእይ 7:1-4, 9, 10, 14 ኣንብብ።) እሞኸ ኽፍሊ እቲ ሓድነት ዘለዎ ዓለምለኻዊ ሕውነት ምዃንሲ ፍሉይ መሰል ደይኰነን፧ ነፍሲ ወከፍና ኣብዚ ዓለምለኻዊ ሓድነት እጃምና ኸነበርክት እንኽእል ግን ብኸመይ ኢና፧ ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ብዛዕባ እዚ ኽንርኢ ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

ናይ ሓቂ ኣምልኾ፡ ሰባት ሓድነት ከም ዚህልዎም ዚገብር ብኸመይ እዩ፧

ቅንኢ ንሓድነትና ኸየፍርስ ብኸመይ ክንከላኸሎ ንኽእል፧

ሃገራውነት ንናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኪኸፋፍሎም ዘይከኣለ ስለምንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ካብ እተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ዝመጹ እዮም

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚህሉ ዕዮታት ምሕጋዝካ፡ ንሓድነት ኣበርክቶ ዚገብር ብኸመይ እዩ፧