ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መስተንክር ዕቤት ኣብ ዘለዎ እዋን ኣገልገልኩ

መስተንክር ዕቤት ኣብ ዘለዎ እዋን ኣገልገልኩ

መስተንክር ዕቤት ኣብ ዘለዎ እዋን ኣገልገልኩ

ሃርሊ ሃሪስ ዘዘንተዎ

ብ2 መስከረም 1950፡ ኣብ ከተማ ከነት፡ ሚዙሪ፡ ሕ.መ.ኣ.፡ እዩ ኣጋጢሙ። ኣብ ኣኼባ ወረዳ ኸለና፡ ጭፍራ መጺኦም ከበቡና። እቲ ኸንቲባ ኻብቶም መናዓብቲ ንኺከላኸለልና ኢሉ፡ ሰራዊት ከም ዚመጹ ገበረ። ሳንጃ እተገጥመሉ ጠበንጃ ዝዓጠቑ ወተሃደራት፡ ኣብቲ ጐደና ተር በሉ። እቶም መናዓብቲ እናጸረፉና፡ ናብ ማካይንና ኣቲና፡ ናብ ኬፕ ጊራርዶ፡ ሚዙሪ፡ ከድና፣ ኣብኡ ድማ ዝተረፈ ኣኼባና ቐጸልና። ሽዑ ወዲ 14 ዓመት እየ ነይረ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እየ እተጠመቕኩ። መጀመርታ ግን፡ ኣብ መንጎ ኸምዚ ዝኣመሰለ ናዕቢ ንየሆዋ ብኸመይ ከገልግሎ ኸም ዝጀመርኩ እስከ ኸዘንትወልኩም።

ኣብ መጀመርታ 1930ታት፡ ኣቦሓጎይን እኖሓጎይን ሸሞንተ ደቆምን፡ እተቐድሐ መደረታት ሓው ራዘርፎርድ ምስ ሰምዑ፡ ሓቂ ኸም ዝረኸቡ ኣመኑ። በይ ሃሪስን ሚለርድ ሃሪስን ዚበሃሉ ወለደይ፡ ብ1935 ኣብ ዋሽንግተን፡ ዲ.ሲ. ኣብ እተገብረ ኣኼባ ተጠምቁ። ክፍሊ እቶም ኣብቲ ኣኼባ እቲ እተለለዩ “ብዙሓት ሰብ” ብምዃኖም፡ ብዙሕ እዮም ተሓጒሶም።—ራእ. 7:9, 14

ንዓመታኡ ኣነ ተወለድኩ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ከኣ፡ ወለደይ ኣብ ሚሲሲፒ ናብ ዚርከብ ግሉል ክሊ ገዓዙ። ኣብቲ ኽሊ እቲ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ገያሺ ተዓዛቢ ኣይበጽሓናን እዩ ነይሩ። ወለደይ ምስ ቤትኤል ብምጽሕሓፍ፡ ዓበይቲ ኣኼባታት ኣበይ ከም ዚግበር ይፈልጡ ነበሩ፣ ንእተወሰነ እዋን ድማ፡ ምስ ኣሕዋት ዝነበረና ርክብ፡ እዚ ጥራይ እዩ ነይሩ።

መስጐጕቲ እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ጸናዕና

ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምኽንያት እቲ ገለልተኛ መትከሎም ብዙሕ መስጐጕቲ ኣጋጠሞም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ናብ ማውንተይን ሆም፡ ኣርካንሰስ፡ ግዒዝና ኔርና። ሓደ መዓልቲ፡ ኣነን ኣቦይን ኣብ መገዲ ንምስክር ነበርና። ሓደ ሰብኣይ ብሃንደበት ካብ ኣቦይ መጽሔታት መንጢሉ፡ ሽዑ ንሽዑ ብሓዊ ኣቃጸሎ። ናብ ውግእ ክንከይድ ፍቓደኛታት ብዘይምዃንና፡ ‘ፈራሃት’ ኢሉ ጸረፈና። ገና ወዲ ሓሙሽተ ስለ ዝነበርኩ፡ ክበኪ ጀመርኩ። ኣቦይ፡ እቲ ሰብኣይ ክሳዕ ዚኸይድ፡ ዋላ ሓንቲ ኸይበለ ብህድኣት ጠመቶ።

ብዛዕባና ጽቡቕ ኣረኣእያ ዝነበሮም ሕያዎት ሰባት እውን ነይሮም እዮም። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ማኪናና ኸለና ብዙሓት ሰባት ምስ ከበቡና፡ ሓደ ዓቃብ ሕጊ መጸ። “እንታይ ኢኹም ኴንኩም፧” ኢሉ ሓተተ። ሓደ ሰብኣይ ከኣ፡ “እዞም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሃገሮም ኣይዋግኡላን እዮም” ኢሉ መለሰሉ። እቲ ዓቃብ ሕጊ ኣብ ጐድኒ እታ ማኪናና ኣብ ዝነበረ መደያይቦ ደይቡ፡ “ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ተዋጊአ እየ፣ ኣብዚ እውን ክዋጋእ እየ! ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሕደግዎም። ንዋላ ሓደ ኣይጐድኡን!” ኢሉ ብዓውታ ተዛረበ። እቶም ሰባት ድምጾም ኣጥፊኦም ተበታተኑ። ነቶም ሕያውነት ዝገበሩልና ሕያዎት ሰባት ብዙሕ ኢና እነማስዎም።—ግብ. 27:3

ዓበይቲ ኣኼባታት ኣበራቲዑና

እቲ ብ1941 ኣብ ሰይንት ሉዊስ፡ ሚዙሪ፡ እተገብረ ኣኼባ ብዙሕ እዩ ጠቒሙና። ብመሰረት ሓደ ግምት፡ ኣብቲ ኣኼባ ልዕሊ 115,000 ሰባት ተኣኪቦም ነይሮም። ሽዑ ድማ፡ 3,903 ሰባት ተጠሚቖም። ነቲ ሓው ራዘርፎርድ ዘቕረቦ፡ “ደቂ እቲ ንጉስ” ዘርእስቱ መደረ ኣጸቢቐ እዝክሮ እየ። ብቐጥታ ነቶም ንኣሽቱ ዝነበርና እዩ ተዛሪቡና፣ ንዅላትና ድማ ሓሓንቲ ቕዳሕ እታ ችልድረን (ቈልዑ) ዘርእስታ ጽብቕቲ ሰማያዊት መጽሓፍ ተዋህበትና። እቲ ኣኼባ፡ ነቲ ንዓመታኡ ኣብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ምስ ኣተኹ ዘጋጠመኒ ነገር ንኽዋጽኣሉ ኣበራትዓኒ። ኣነን ደቂ ሓወቦይን ንባንዴራ ሰላምታ ብዘይምሃብና፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ተሰጐጕና። እቶም ኣሕሉቕ ቤት ትምህርቲ ኣረኣእያኦም ኪቕይሩ ይኽእሉ ይዀኑ ኢልና፡ መዓልታዊ ናብ ቤት ትምህርቲ ንኸይድ ኔርና። ንሓያሎ መዓልትታት፡ ንግሆ ንግሆ ጫካ ኣቋሪጽና ናብቲ ቤት ትምህርቲ እኳ እንተ ኸድና፡ ዋላ ሓንቲ ኸይተመሃርና ናብ ቤትና ንምለስ ነበርና። እዚ ግን፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ተኣማንነትና እነርእየሉ መገዲ ዀይኑ ተሰምዓኒ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ግን፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ንባንዴራ ሰላምታ ምሃብ ግዴታ ኸም ዘይኰነ በየነ። ኣብ መወዳእታ፡ ናብ ትምህርትና ኽንምለስ ከኣልና። እቲ መምህርና ኣዝዩ ሕያዋይ ስለ ዝነበረ፡ ነቶም ካልኦት ተመሃሮ ንኸነርክቦም ሓገዘና። መማህርትና እውን ንዓና ኣኽብሮት ነበሮም።

ነቲ ሓው ናታን ኤች. ኖር፡ “ሰላም—ንሓዋሩ ኪቕጽል ይኽእል ድዩ፧” ዘርእስቱ መደረ ዘቕረበሉ፡ ብ1942 ኣብ ክሊቭላንድ፡ ኦሃዮ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ እውን ኣይርስዖን እየ። እቲ ራእይ ምዕራፍ 17 እተተንተነሉ መደረ፡ ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ተዛማዲ ሰላም ኪህሉ ምዃኑ ዚሕብር ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዝያዳ ዕቤት ኪህሉ ትጽቢት ነበረና። ነዚ ዕቤት እዚ ንምድላው፡ ብ1943 ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተኸፍተ። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ንህይወተይ ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ኣይፈለጥኩን ነይረ። ድሕሪ እቲ ውግእ፡ ሰላም ኰነ፣ ኣብ ልዕሌና ዚወርድ መስጐጕቲ ድማ ነከየ። ይኹን እምበር፡ ብ1950 ውግእ ኮሪያ ምስ ጀመረ፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝገለጽክዎ፡ ኣብ ዕዮ ስብከትና ኸም ብሓድሽ ምጽራር ኬጋጥመና ጀመረ።

ኣብቲ ዕቤት ምሉእ ብምሉእ ተሳተፍኩ

ብ1954፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርተይ ወዳእኩ፣ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኸኣ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ኣብታ ብ1950 ብጭፍራ ሰባት እተኸበብናላ ከነት፡ ሚዙሪ፡ ንእተወሰነ እዋን ድሕሪ ምግልጋለይ፡ ኣብ መጋቢት 1955 ኣብ ቤትኤል ክኣቱ ጻውዒት ቀረበለይ። ኣብ ክሊ እታ ኣነ እተመደብኩላ ጉባኤ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ኒው ዮርክ ዚርከብ ታይምስ ስኴር ዚበሃል ቦታ ነይሩ። እቲ ኽሊ እቲ ኻብቲ ኣቐዲመ ዝነበርኩሉ ገጠር ኣመና እተፈልየ እዩ ነይሩ። ነቶም ብስራሕ እተዋጠሩ ደቂ ኒው ዮርክ፡ ኣብ መጽሔትና ሓንቲ እተመራምር ዓንቀጽ ገንጺለ፡ “ከምዚ ኢልካ ንርእስኻ ሓቲትካዶ ትፈልጥ፧” ኢለ ብምሕታት፡ ኣቓልቦኦም ክረክብ ክኢለ ነይረ። ብዙሓት ሰባት፡ መጽሔታት ወሲዶም እዮም።

ሓደ ኻብቲ ኣብ ቤትኤል ዘሕለፍክዎ ባህ ዜብል እዋን፡ ብሓው ኖር ዚምራሕ ዝነበረ ኣምልኾ ንግሆ እዩ ነይሩ። ንጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ህያው ገይሩ የቕርቦ፡ ብግብራዊ መገዲ ድማ ኣወዓዕላኡ ይገልጽ ነይሩ እዩ። ነቶም ንጽል መንእሰያት ኣሕዋት ከም ኣቦ ንወዱ ገይሩ እዩ ዚዛረበና ነይሩ፣ መብዛሕትኡ ግዜ እውን ንኣንጻር ጾታ ብኸመይ ክንሕዝ ከም ዘሎና ጽቡቕ ምኽሪ ይህበና ነይሩ እዩ። ክሳዕ 1960 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ክምርዖ ወሲነ ነይረ።

ካብ ቤትኤል ንኽወጽእ፡ ቅድሚ 30 መዓልቲ ነዚ እትገልጽ ደብዳበ ኣእትየ እኳ እንተ ነበርኩ፡ መልሲ ግን ኣይተዋህበንን። ኣመና ሓፋር እኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣብ መወዳእታ እተን 30 መዓልትታት፡ ብዛዕባ እታ ኻብ ቤትኤል ዝወጸላ ዕለት ደፊረ ንምሕታት ተሌፎን ደወልኩ። ሓው ሮበርት ዎለን ነታ ተሌፎን ተቐበላ፡ ናብቲ ዝሰርሓሉ ቦታ ድማ መጸኒ። ፍሉይ ፈላሚ ወይ ሓላው ወረዳ ብዛዕባ ምዃን እንታይ ሓሳብ ከም ዘሎኒ ሓተተኒ። “ኣነ እኮ ገና ወዲ 24 ዓመት እየ፡ ተመክሮ እውን የብለይን” በልክዎ።

ዕዮ ወረዳ ጀመርኩ

በታ ምሸት እቲኣ፡ ኣብ ክፍለይ ዓባይ ጶስጣ ጸንሓትኒ። እታ ጶስጣ፡ ሓደ መመልከቲ ንፍሉይ ፈላሚ፡ ሓደ መመልከቲ ኸኣ ንሓላው ወረዳ ሒዛ ነበረት። ተዓኒደ ተረፍኩ! በዚ ኸምዚ ድማ፡ ነቶም ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሚዙሪን ምብራቓዊ ካንዛስን ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ሓላው ወረዳ ዀይነ ናይ ምግልጋል ዘይግብኣኒ ሓላፍነት ረኸብኩ። ካብ ቤትኤል ቅድሚ ምልቃቐይ፡ ንገየሽቲ ሓለውቲ ኣብ እተገብረ ኣኼባ ተሳተፍኩ። ሓው ኖር ኣብ መዕጸዊ ዘረባኡ ኸምዚ በለ፦ “ሓለውቲ ወረዳን ኣውራጃን ምዃንኩም፡ ካብቶም ኣብ ጉባኤታት ዘለዉ ኣሕዋት ንላዕሊ ትፈልጡ ማለት ኣይኰነን። ገሊኦም ካባኻትኩም ኣጸቢቑ ዚበልጽ ተመክሮ ኣለዎም። ነዚ ፍሉይ መሰላት እዚ ንኸይረኽቡ ግን፡ ኵነታቶም ኣይፈቕደሎምን እዩ። ካባታቶም ብዙሕ ክትመሃሩ ትኽእሉ ኢኹም።”

ሓቁ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ኣብ ከተማ ፓርስንዝ፡ ካንዛስ፡ ዚነብሩ ሓው ፍረድ ሞሎሃንን ብዓልቲ ቤቱን ቻርሊ ዚበሃል ሓዉን ዜደንቑ እዮም ነይሮም። ሓቂ ኣብ መጀመርታ 1900ታት እዮም ፈሊጦም። ኣነ ገና ኸይተወለድኩ፡ ንሳቶም ዘሕለፍዎ ተመክሮታት ምስማዕ ብሓቂ ባህ ዜብል እዩ ነይሩ። ኣብ ጆፕሊን፡ ሚዙሪ፡ ንሓያሎ ዓመታት ፈላሚ ዀይኑ ዘገልገለ ብዕድመ ዝደፍአ ኻልእ ሓው፡ ጆን ሪስተን እዩ ነይሩ። እዞም ፍቑራት ኣሕዋት እዚኣቶም፡ ንቲኦክራስያዊ ስርዓት ዓብዪ ኣኽብሮት ነበሮም። ገና ንእሽቶ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ከም ሓላው ወረዳ መጠን ከም ዜኽብሩኒ ይስምዓኒ ነበረ።

ብ1962፡ ንሓንቲ ቐይሕ ዝጸጕራ ክሎሪስ ክኖከ ዝስማ ፈላሚት ተመርዓኹ። ምስ ክሎሪስ ብሓባር ኰይነ፡ ዕዮ ወረዳ ቐጸልኩ። ኣብ እንዳ ኣሕዋት ኣብ እንጸንሓሉ እዋን፡ ንኣሕዋት ጽቡቕ ጌርና ኽንፈልጦም ከኣልና። ንመንእሰያት ከኣ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪጅምሩ ኸነተባብዖም ከኣልና። ጀይ ኮሲንስኪን ጆኣን ክረስማንን ዚበሃሉ ኽልተ መንእሰያት፡ ከምዚ ዓይነት መተባብዒ እዮም ዚጽበዩ ነይሮም። ምሳታቶም ሓቢርና ምግልጋልናን ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእ ዜምጽኦ ሓጐስ ምንጋርናን፡ ሸቶታት ንኼውጽኡ ደረኾም። ጆኣን ፍልይቲ ፈላሚት ኰነት፡ ጀይ ከኣ ኣብ ቤትኤል ኣገልገለ። ጸኒሖም፡ ክልቲኦም ተመራዓዉ፣ ሕጂ ድማ ኣብ ዕዮ ወረዳ ኻብ ዚጽመዱ ኣስታት 30 ዓመት ገይሮም ኣለዉ።

ኣገልግሎት ሚስዮናውነት

ብ1966፡ ሓው ኖር ናብ ወጻኢ ሃገር ኬድና ኸነገልግል ፍቓደኛታት እንተ ዄንና ሓተተና። “ኣብዚ ዘለናዮ ሕጉሳት ኢና። ናብ ካልእ ቦታ ኽንከይድ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ግን፡ ፍቓደኛታት ኢና” ኢልና መለስናሉ። ድሕሪ ሓደ ሰሙን ናብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንኣቱ ጻውዒት ቀረበልና። ናብ ቤትኤል ተመሊሰ ትምህርቲ ኣብ ዝመሃረሉ ዝነበርኩ እዋን፡ ምስቶም ዘፍቅሮምን ዘኽብሮምን ዝነበርኩ እንደገና ምርኻበይ ኣዝዩ ኣሐጐሰኒ። ምስቶም ክሳዕ ሕጂ ብተኣማንነት ዜገልግሉ ዘለዉ መማህርትና እውን ምሕዝነት መስሪትና ኢና።

ኣነን ክሎሪስን ምስ ደኒስ ክሪስትን ኤድዊና ክሪስትን፡ ምስ ኣና ሮድሪገዝ፡ ከምኡውን ምስ ደልያ ሳንቸስ ናብታ ኣብ ደቡባዊ ኣመሪካ እትርከብ ኤኳዶር ተለኣኽና። ደኒስ ክሪስትን ኤድዊና ክሪስትን ናብታ ርእሲ ኸተማ ዝዀነት ኲቶ ኸዱ። ኣናን ደልያን ድማ ከማና ኣብታ ኣብ ኤኳዶር ብዕቤታ ሳልሰይቲ ዝዀነት ከተማ ኴንካ ተመደባ። እቲ ኽሊ፡ ክልተ ኣውራጃ ዝሓቘፈ እዩ ነይሩ። ኣብ ኴንካ ዝነበረት ናይ መጀመርታ ጉባኤ ኣብ ገዛና እያ ጀሚራ። ኣርባዕቴናን ክልተ ካልኦት ሰባትን ኢና እንእከብ ኔርና። ነቲ ዕዮ ስብከት ብኸመይ ከም እንፍጽሞ ኣተሓሳሲቡና ነይሩ።

ኴንካ ብኣብያተ-ክርስትያን ዝመልአት እያ ነይራ፣ በዓል ኪኸውን ከሎ ድማ፡ እታ ኸተማ ብሃይማኖታዊ ዓጀባ ትመልእ ነበረት። እንተዀነ ግን፡ ተቐማጦ ኸተማ ኴንካ ብዙሕ ሕቶታት ነይርዎም። ንኣብነት፡ ምስ ሓደ ማርዮ ፖሎ ዚበሃል ናይ ኴንካ ጐብለል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ንፈለማ ግዜ ኣብ እተራኸብኩሉ እዋን፡ “ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ እተጠቕሰት ኣመንዝራ መን እያ፧” ኢሉ ኣደነቐኒ።

ሓደ ምሸት፡ ማርዮ ኣመና ተጨኒቑ ናብ ቤትና መጸ። ሓደ ቐሺ ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን፡ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ክስታት ዝሓዘ ጽሑፍ ስለ ዝሃቦ እዩ ተጨኒቑ። ክሱስ ብዛዕባ ጕዳዩ ንኺጣበቕ ዕድል ኪወሃቦ ኸም ዚግባእ ኣእመንክዎ። በዚ ምኽንያት እዚ ንጽብሒቱ፡ ብዛዕባ እቲ እተኸሰስናሉ ነገር ንምዝርራብ፡ ማርዮ ነቲ ቐሽን ንዓይን ናብ ቤቱ ዓደመና። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ስላሴ እንተ ኣተኰርና ኸም ዚሓይሽ ሓሳብ ኣቕረብኩ። እቲ ቐሺ፡ ዮሃንስ 1:1 ምስ ኣንበበ፡ ማርዮ ባዕሉ ቕኑዕ ትርጕም እታ ጥቕሲ ገለጸሉ። ድሕሪኡ ንዘምጽኦ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን፡ ማርዮ ባዕሉ ገለጸሉ። እቲ ቐሺ፡ ስላሴ ሓቂ ምዃኑ መርትዖ ኸየቕረበ ኸደ። እዚ ኸኣ ንማርዮን ንብዓልቲ ቤቱን፡ ሓቂ ምሳና ኸም ዘላ ኣእመኖም፣ ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብግቡእ ዚጣበቑ ሰባት እውን ኰኑ። ኣብ ከተማ ኴንካ ዝነበራ ጉባኤታት ናብ 33፡ ኣብ ብምሉኡ እቲ ኣብ መጀመርታ እተመደበልና ኽሊ ዚርከባ ጉባኤታት ከኣ ናብ 63 ኪበጽሓ ምርኣይ ዜሐጕስ እዩ ነይሩ። ብሓቂ መስተንክር ዕቤት እዩ ነይሩ!

ኣብ ጨንፈር እናኣገልገኩ ዝረኣኽዎ ዕቤት

ብ1970፡ ምስ ኣል ሹሎ ናብቲ ኣብ ጓያኪል ዚርከብ ጨንፈር ክንከይድ ተሓተትና። ክልቴና ኣብ ጨንፈር ክንዓዪ ጀመርና። ጆ ሰከራክ ብኸፊል ግዜኡ ነተን ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ዝነበራ 46 ጉባኤታት ዜድሊ ጽሑፋት ዓሺጉ ይልእኽ ነበረ። ንእተወሰነ እዋን፡ ኣነ ኣብ ቤትኤል እናኣገልገልኩ፡ ክሎሪስ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ተጸሚዳ ነበረት። ን55 ሰባት ናብ ጥምቀት ንኺበጽሑ ሓገዝ ገይራ እያ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓደ ዓብዪ ኣኼባ ኻብ ሰለስተ ኽሳዕ ሓሙሽተ ተመሃሮኣ ይጥመቓ ነበራ።

ንኣብነት፡ ክሎሪስ ምስ ሓንቲ ሉክረስያ እትበሃል ሰበይቲ መጽናዕቲ ትገብር ነበረት። ሰብኣይ ሉክረስያ ተጻራሪ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሳ ግን ውዒላ ሓዲራ ተጠምቀት፣ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና ድማ ከተገልግል ጀመረት። ንደቃ እውን መገድታት የሆዋ መሃረቶም። ሕጂ፡ እቶም ክልተ ኣወዳታ ሽማግለታት ኪዀኑ ኸለዉ፡ ሓዲኦም ፍሉይ ፈላሚ እዩ፣ ጓላ እውን ፈላሚት ኰይና ተገልግል ኣላ። ጓል ጓላ ድማ ንሓደ ንፉዕ ሓው ተመርዓወት፣ ክልቲኦም ከኣ ፍሉያት ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ። እዛ ስድራ ቤት እዚኣ፡ ንብዙሓት ሰባት ሓቂ ንኺፈልጡ ሓጊዛ እያ።

ብ1980፡ ኣብ ኤኳዶር፡ 5,000 ዚኣኽሉ ኣስፋሕቲ ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እታ ንእሽቶ ጨንፈርና ኣይኣኸለትናን። ሓደ ሓው፡ ካብ ጓያኪል ወጻኢ ኣብ ዚርከብ ቦታ 32 ሄክታር ዚኣክል መሬት ሃበና። ብ1984፡ ኣብቲ መሬት እቲ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባን ክንሃንጽ ጀመርና፣ እዚ ኸኣ ብ1987 ተወፈየ።

ነቲ ዕቤት ኣበርክቶ ዝገበሩ ወለንተኛታት

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ናብ ኤኳዶር ዝመጹ ብዙሓት ኣስፋሕትን ፈለምትን፡ ኣብቲ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታ ሓገዝ ኪህቡ ምርኣይ፡ ንልቢ ዜሐጕስ እዩ ነይሩ። ኣነ ብፍላይ ዝዝክሮ ሓደ ኣብነት፡ ኣብ ካናዳ መምህር ኰይኑ ይዓዪ ዝነበረ እሞ፡ ካብ ስራሑ ጡረታ ምስ ወጸ፡ ናብ ኤኳዶር ዝመጸ፡ ኣንዲ ኪድ ዚበሃል ሓው እዩ። ብ1985 ኣብ 70 ዓመት ዕድሚኡ ናብ ኤኳዶር ገዓዘ፣ ብ2008 ኣብ 93 ዓመት ዕድሚኡ ኽሳዕ ዚመውት ድማ ብተኣማንነት ኣገልገለ። ንፈለማ ግዜ ኣብቲ እተመደበሉ ቦታ ምስኡ ኣብ እተራኸብኩሉ እዋን፡ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ጉባኤ በይኑ ሓላዊ ዀይኑ የገልግል ነበረ። ምስ ቋንቋ ስጳንኛ እናተቓለሰ፡ ህዝባዊ መደረ ድሕሪ ምሃብ፡ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ መርሐ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ይመርሕ፡ መብዛሕትኡ እቲ ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ዚቐርብ ክፍልታት እውን የቕርብ ነበረ። ሕጂ ኣብቲ ኸባቢ እቲ፡ ዳርጋ 200 ኣስፋሕትን ብዙሓት ሽማግለታትን ዚርከብወን ክልተ ዚዓብያ ዘለዋ ጉባኤታት ኣለዋ።

ኤርነስቶ ዲያዝ ዚበሃል ካልእ ሓው እውን፡ ምስ ስድራ ቤቱ ኻብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ናብ ኤኳዶር ገዓዘ። ድሕሪ ሸሞንተ ወርሒ ድማ ከምዚ በለ፦ “ሰለስተ ደቅና ነቲ ቛንቋ ኽኢሎምዎ፡ ንፉዓት መምህራን ከኣ ኰይኖም ኣለዉ። ከም ኣቦ መጠን፡ ኣብዚ ስርዓት እዚ ፈጺምካ ዘይብጻሕ ዝመስለኒ ዝነበረ ሸቶ በጺሐዮ፣ ስሩዕ ፈላሚ ዀይነ ምስ ስድራ ቤተይ ብሓባር ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸሚደ ኣለኹ። ብድምር፡ 25 መጽናዕታት መጽሓፍ ቅዱስ ንመርሕ ኣለና። እዚ ዅሉ፡ ንስድራ ቤትና ዝያዳ ሓድነት ከም ዚህልዋ ገይርዋ፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ምስ የሆዋ ብዝያዳ ተቐራሪብና ኣለና።” ነዞም ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ብሓቂ ኢና እነማስዎም።

ብ1994 ጨንፈርና እንደገና ብዕጽፊ ሰፍሐ። ብ2005 ከኣ ልዕሊ 50,000 ኣስፋሕቲ ስለ ዝበጻሕና፡ ጨንፈርና ኸም ብሓድሽ ኪሰፍሕ ነበሮ። እዚ ድማ፡ ዝሰፍሐ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባን ሓድሽ መንበሪ ህንጻን ኣብያተ-ጽሕፈት ትርጕምን ዜጠቓልል ነበረ። እዚ ሓድሽ ህንጻታት፡ ብ31 ጥቅምቲ 2009 ተወፈየ።

ብ1942 ካብ ቤት ትምህርቲ ኣብ እተሰጐጕኩሉ እዋን፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ 60,000 ዚኣኽሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ። ሕጂ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኣለዉ። ብ1966 ናብ ኤኳዶር ኣብ ዝመጻእናሉ እዋን፡ 1,400 ዚኣኽሉ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነበሩ። ሕጂ ልዕሊ 68,000 ኣለዉ። ካብቶም ብ2009 ዝነበሩ 120,000 መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስን ልዕሊ 232,000 ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ እተኣከቡ ሰባትን እውን፡ ገና ብዙሓት ተወሰኽቲ ናብ ሓቂ ኸም ዚመጹ ኣየጠራጥርን እዩ። የሆዋ ንህዝቡ፡ ክንግምቶ ብዘይንኽእል መገዲ ባሪኽዎ እዩ። ኣብቲ መስተንክር ዕቤት ዚግበረሉ እዋንን ቦታን ምንባርሲ፡ ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! a

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዛ ዓንቀጽ እዚኣ እናተዳለወት ከላ፡ ሃርሊ ሃሪስ ንየሆዋ እሙን ኰይኑ ዓሪፉ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቃልዕ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ (1981)፣ ኣብቲ መሬት እቲ እተሰርሐ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ጓያኪል (2009)