ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በረኸት የሆዋ ኻብ ልቢ ድለ

በረኸት የሆዋ ኻብ ልቢ ድለ

በረኸት የሆዋ ኻብ ልቢ ድለ

‘ኣምላኽ ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ይህቦም።’—እብ. 11:6

1, 2. (ሀ) ብዙሓት ሰባት በረኸት ኣምላኽ ኪረኽቡ ዚደልዩ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) በረኸት የሆዋ ንምርካብ ተገዳስነት ኪህልወና ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

 “ኣምላኽ ይባርኽካ!” ብዙሓት ሰባት ጽቡቕ ንዝገበረሎም ወይ ገለ ነገር ኪገብረሎም ንዝደለይዎ ሰብ ከምዚ ኢሎም ኪባርኹ ኸለዉ ምስማዕ ልሙድ እዩ። መራሕቲ እተፈላለያ ሃይማኖታት፡ ንሰባትን ንእንስሳታትን ንግኡዝ ነገራትን ይባርኹ። ብዙሓት ሰባት በረኸት ምእንቲ ኺረኽቡ ናብ እተፈላለየ ሃይማኖታዊ ቦታታት ይጐዓዙ። ፖለቲከኛታት፡ ኣምላኽ ንህዝቦም ኪባርኽ ይልምኑ። ኰይኑ ግን፡ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ በረኸት ንምርካብ ዚግበር ልመና ግቡእዶ ይመስለካ፧ ውጽኢታዊ ድዩኸ፧ ብሓቂ በረኸት ኣምላኽ ዚረኽቡ መን እዮም፧ ስለምንታይከ፧

2 ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ጽልእን መስጐጕትን እናጋጠሞም ክነሱ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ዚሰብኩ፡ ካብ ኵሎም ህዝብታት ዚመጹ ንጹሃትን ሰላማውያንን ህዝቢ ኸም ዚህልዉ፡ የሆዋ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 2:2-4፣ ማቴ. 24:14፣ ራእ. 7:9, 14) እቶም ኣባላት እዚ ህዝቢ እዚ ናይ ምዃን ሓላፍነት እተቐበልና ዘበልና፡ በረኸት ኣምላኽ የድልየና እዩ፣ ከመይሲ፡ ብዘይ ብእኡ ፈጺምና ኽንዕወት ኣይንኽእልን ኢና። (መዝ. 127:1) በረኸት ኣምላኽ ክንረክብ እንኽእል ግን ብኸመይ ኢና፧

ንእዙዛት ሰባት በረኸት ይረኽቦም

3. እስራኤላውያን እዙዛት እንተ ዚዀኑ ነይሮም፡ እንታይ ምረኸቡ፧

3 ምሳሌ 10:6, 7 ኣንብብ። ህዝቢ እስራኤል ናብ ምድሪ ተስፋ ቐቅድሚ ምእታዎም፡ የሆዋ ቓሉ እንተ ሰሚዖም ፍሉይ ብልጽግናን ዕቑባን ከም ዚረኽቡ ተመባጺዕሎም ነበረ። (ዘዳ. 28:1, 2) ንህዝቢ ኣምላኽ፡ በረኸት የሆዋ ኺመጾም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ‘ኪረኽቦም’ እውን እዩ። ስለዚ፡ እዙዛት ሰባት ብርግጽ ኪባረኹ እዮም።

4. ናይ ሓቂ ተኣዛዝነት እንታይ የጠቓልል፧

4 እስራኤላውያን ብምንታይ ተደሪኾም እዮም ኪእዘዙ ነይርዎም፧ ሕጊ ኣምላኽ፡ እቶም ህዝቢ ‘ባህ ኢልዎም ብጽቡቕ ልቢ’ እንተ ዘይተኣዚዞም፡ የሆዋ ኸም ዘይሕጐስ ይገልጽ ነበረ። (ዘዳግም 28:45-47 ኣንብብ።) ንየሆዋ ኻብቲ እንስሳታት ወይ ኣጋንንቲ ተገዲዶም ዜርእይዎ ተኣዛዝነት ብእተፈልየ መገዲ ኽንእዘዞ ይግባእ። (ማር. 1:27፣ ያእ. 3:3) ከመይሲ፡ ንዕኡ ኻብ ልቢ ምእዛዝ፡ መግለጺ ፍቕሪ እዩ። ትእዛዛት የሆዋ ኸቢድ ከም ዘይኰነን “ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን” ብምእማን ዚርከብ ሓጐስ እውን የጠቓልል።—እብ. 11:6፣ 1 ዮሃ. 5:3

5. ሓደ ሰብ ኣብ መብጽዓ የሆዋ ምእማኑ፡ ነቲ ኣብ ዘዳግም 15:7, 8 ዚርከብ ሕጊ ንኺእዘዞ ብኸመይ ኪሕግዞ ይኽእል ነበረ፧

5 እስራኤላውያን፡ የሆዋ ዓስቢ ኸም ዚህቦም ብምእማን ነቲ ኣብ ዘዳግም 15:7, 8 እተጠቕሰ ሕጊ ብኸመይ ኪእዘዝዎ ይኽእሉ ኸም ዝነበሩ ነስተብህል። (ኣንብብ) ሓደ ሰብ ነዚ ሕጊ እዚ ተገዲዱ ምስ ዚእዘዞ፡ ነቶም ድኻታት ብእተወሰነ ደረጃ ኪጠቕሞም ዚኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ኰነ ባህ ዜብል ሃዋህው ከም ዚህሉ ኺገብር ምኸኣለዶ፧ ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ ዜድልዮም ዘበለ ኼማልኣሎም ከም ዚኽእል ክሳዕ ክንደይ እምነት ከም ዘለዎን ንልግሲ የሆዋ ኼንጸባርቕ ኣጋጣሚ ብምርካቡ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜማስወሉን መርኣየዶ፧ ኣይፋሉን! ኣምላኽ ንልቢ እቲ ናይ ሓቂ ለጋስ ዝዀነ ሰብ ስለ ዚርኢ፡ ብዅሉ ተግባሩን ኢዱ ኣብ ዝዘርግሓሉ ዅሉን ከም ዚባርኾ ተመባጽዐ። (ዘዳ. 15:10) ኣብዚ መብጽዓ እዚ ምእማን፡ ንተግባር የለዓዕል፡ ብዙሕ በረኸት ከኣ የምጽእ ነበረ።—ምሳ. 28:20

6. እብራውያን 11:6 እንታይ እያ እተረጋግጸልና፧

6 በረኸት ኣምላኽ ንምርካብ፡ የሆዋ ዓስቢ ኸም ዚህብ ምእማን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካልእ ክንገብሮ ዚግብኣና ነገር ከም ዘሎ፡ እብራውያን 11:6 ተጕልሕ እያ። የሆዋ “ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦም” ኣስተብህል። እታ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ “ዚደልይዎ” ተባሂላ ዘላ ቓል፡ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ ልባውን ብርቱዕን ጻዕሪ ምግባር እያ እተመልክት። እዝስ በረኸት የሆዋ ብኸመይ ከም ዚዓዪ ዜርኢዶ ኸይኰነ! ምንጩ ኸኣ እቲ “ዘይሕሱ ኣምላኽ” እዩ። (ቲቶ. 1:2) መብጽዓኡ ምሉእ ብምሉእ ትውክልቲ ዚግበሮ ምዃኑ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ኣርእዩ እዩ። ቃሉ ኸቶ ኣይወድቕን፣ ወትሩ እዩ ዚፍጸም። (ኢሳ. 55:11) ስለዚ፡ ናይ ሓቂ እምነት እንተ ኣርኢና፡ ዓስብና ኸም ዚህበና ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።

7. ብ“ዘርኢ” ኣብርሃም ኣቢልና በረኸት ኣምላኽ ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

7 የሱስ ክርስቶስ ቀንዲ ኽፍሊ “ዘርኢ” ኣብርሃም ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ቅቡኣት ክርስትያናት ከኣ ካልኣይ ክፍሊ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ “ዘርኢ” እዮም። ንሳቶም ‘ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዖም ኪነግሩ’ ተመዚዞም እዮም። (ገላ. 3:7-9, 14, 16, 26-29፣ 1 ጴጥ. 2:9) ነቶም የሱስ ኣብ ጥሪቱ ዝሸሞም ሰባት ዘይንእዘዞም እንተ ደኣ ዄንና፡ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ኪህልወና ኽንጽበ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” እንተ ዘይሕግዘና ነይሩ፡ ንቓል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ዀነ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እነውዕሎ ኽንፈልጥ ኣይምኸኣልናን። (ማቴ. 24:45-47) ነቲ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እንመሃሮ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮ፡ በረኸት ኣምላኽ ክንረክብ ንኽእል ኢና።

ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ ኣተኵር

8, 9. እቲ ኣበው ዝነበረ ያእቆብ ምስ ልመናኡ ዚሰማማዕ ጻዕሪ ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧

8 እቲ በረኸት ኣምላኽ ንምርካብ ልባዊ ጻዕሪ ኸም ዜድሊ እተዋህበ ሓሳባት፡ ነቲ ኣበው ዝነበረ ያእቆብ እዩ ዜዘኻኽረና። ያእቆብ፡ እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝሃቦ መብጽዓ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ዘይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣምላኽ ንዘርኢ ኣቦሓጎኡ ዓብዪ ህዝቢ ብምግባር ኣጸቢቑ ኸም ዜብዝሖም ይፈልጥ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ፡ ብ1781 ቅ.ክ. ሰበይቲ ኺደሊ ናብ ካራን ዝኸደ። ንዕኡ ዜገድሶ ዝነበረ፡ ባህ እተብል ብጸይቲ ኽትህልዎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንደቁ እተፍቅርን ንየሆዋ እተምልኽን መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዋ ሰበይቲ ምርካብ እዩ ነይሩ።

9 ያእቆብ ንዘመዱ ራሄል ከም ዝረኸባ ንፈልጥ ኢና። ንራሄል ስለ ዘፍቀራ፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ ንኽትወሃቦ፡ ንኣቦኣ ላባን ሸውዓተ ዓመት ኪግዝኦ ተሰማምዐ። እዚ ባህ ዜብል ዛንታ ፍቕሪ ጥራይ ኣይኰነን። ያእቆብ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንኣቦሓጎኡ ኣብርሃም መብጽዓ ኸም ዝኣተወሉ፡ ንኣቦኡ ይስሃቅ እውን ብዛዕባ እቲ መብጽዓ ኸም ዝገለጸሉ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 18:18፣ 22:17, 18፣ 26:3-5, 24, 25) ይስሃቅ ከኣ ብግዴኡ ንወዱ ያእቆብ፡ “እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድማ ይባርኽካን የፍሪኻን የብዝሕካን፡ ጭፍራ ህዝብታትውን ኩን። እዛ ተሰዲድካላ ዘሎኻ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንኣብርሃም ዚህቦ ምድሪ ምእንቲ ኽትወርሳ፡ ንኣኻን ምሳኻ ድማ ንዘርእኻን በረኸት ኣብርሃም ይሀብካ” በሎ። (ዘፍ. 28:3, 4) ስለዚ እምበኣር፡ እቲ ያእቆብ ብቕዕቲ ሰበይቲ ንምርካብን ስድራ ቤት ንምምስራትን ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ኣብ መብጽዓ የሆዋ ምትእምማን ከም ዝነበሮ ዜርኢ እዩ።

10. የሆዋ ንያእቆብ ባህ ኢልዎ ዝባረኾ ስለምንታይ እዩ፧

10 ያእቆብ ንስድራ ቤቱ ዚኸውን ሃብቲ ኣይኰነን ዚደሊ ነይሩ። የግዳስ፡ ኣብቲ ብዛዕባ ዘርኡ እተዋህበ መብጽዓ፡ ማለት ፍቓድ የሆዋ ብዛዕባ ዚፍጸመሉ መገዲ እዩ ዜተኵር ነይሩ። ዕንቅፋታት እናጋጠሞ ኽነሱ፡ በረኸት ኣምላኽ ንምርካብ ዚከኣሎ ኺገብር ቈሪጹ ነበረ። ምስ ኣረገ እውን ከይተረፈ፡ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ስለ ዝነበሮ፡ የሆዋ ባረኾ።—ዘፍጥረት 32:24-29 ኣንብብ።

11. ምስቲ እተገልጸ ፍቓድ ኣምላኽ ብምስምማዕ እንታይ ጻዕሪ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

11 ንሕና እውን ልክዕ ከም ያእቆብ፡ ዕላማ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ምሉእ ብምሉእ ኣይንፈልጥን ኢና። ኰይኑ ግን፡ ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕ፡ ን“መዓልቲ የሆዋ” (NW) ብዚምልከት እንታይ ክንጽበ ኸም ዘሎና ሓፈሻዊ ፍልጠት ረኺብና ኢና። (2 ጴጥ. 3:10, 17) ንኣብነት፡ እታ መዓልቲ መዓስ ከም እትመጽእ ብልክዕ ዘይንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፡ ከም ዝቐረበት ግን ንፈልጥ ኢና። ኣብዚ ተሪፉ ዘሎ ሓጺር ግዜ ብእተማልአ መገዲ ምስክርነት እንተ ሂብና፡ ንርእስናን ነቶም ዚሰምዑናን ከነድሕን ከም እንኽእል ቃል ኣምላኽ ይገልጽ እዩ፣ ነዚ ኸኣ ንኣምነሉ ኢና።—1 ጢሞ. 4:16

12. ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

12 መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ኪመጽእ ከም ዚኽእል ንፈልጥ ኢና፣ የሆዋ ኣብ ምድሪ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምስክርነት ክሳዕ ዚወሃቦ ኺጽበ ኣየድልዮን እዩ። (ማቴ. 10:23) ብዘይካዚ፡ ዕዮ ስብከትና ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ብኸመይ ክንፍጽም ከም እንኽእል ዚገልጽ ጽቡቕ መምርሒ ንረክብ ኢና። ዘለና ዘበለ ዅሉ ተጠቒምና ኣብዚ ዕዮ እዚ ብእምነት ንኽንካፈል ዚከኣለና ንገብር ኢና። እቲ እነገልግለሉ ኽሊ ውጽኢታዊ ኪኸውን እንተ ዀይኑ ግን ኣቐዲምና ኣይንፈልጥን ኢና። (መክብብ 11:5, 6 ኣንብብ።) ዕዮና ምስባኽ እዩ፣ የሆዋ ንዕዮና ኸም ዚባርኾ ድማ ንተኣማመን ኢና። (1 ቈረ. 3:6, 7) ነቲ ልባዊ ጻዕርና ኸም ዚርእዮን ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ዜድልየና ዘበለ ንጹር መመርሒታት ከም ዚህበናን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—መዝ. 32:8

መንፈስ ቅዱስ ድለ

13, 14. ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንኣገልገልቱ ብቑዓት ኪገብሮም ከም ዚኽእል እተራእየ ብኸመይ እዩ፧

13 ንእተዋህበና መዝነት ክንፍጽም ወይ ኣብ ዕዮ ስብከት ክንካፈል ዘይንበቅዕ ኰይኑ እንተ ተሰሚዑናኸ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ የሆዋ ነቲ ኣብ ኣገልግሎቱ ኸነበርክቶ እንኽእል ዝዀነ ይኹን እጃም ከነመሓይሽ ንኺሕግዘና ኽንልምኖ ኣሎና። (ሉቃስ 11:13 ኣንብብ።) ሰባት ዘሕለፍዎ ዅነታት ወይ ተመክሮ ብዘየገድስ፡ ንሓደ ዕዮ ወይ መዝነት ንኺበቕዑ መንፈስ ኣምላኽ ኪሕግዞም ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ህዝቢ እስራኤል ካብ ግብጺ ደድሕሪ ምውጻኦም፡ ናይ ውግእ ተመክሮ ዘይብሎም ጓሶትን ባሮትን እኳ እንተ ነበሩ፡ ንጸላእቶም ኣብ ውግእ ንኺስዕርዎም መንፈስ ኣምላኽ ሓጊዝዎም እዩ። (ዘጸ. 17:8-13) ድሕሪዚ ነዊሕ ከይጸንሐ እውን፡ በሳልኤልን ኦሆልያብን ነቲ ማሕደር ብመሰረት እቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ብሉጽ ንድፊ ብዚግባእ ንኺሰርሕዎ፡ እዚ መንፈስ እዚ ሓጊዝዎም እዩ።—ዘጸ. 31:2-6፣ 35:30-35

14 ዘመናውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ንውድብ የሆዋ ንምድንፋዕ ናይ ብሕቶም ቤት ማሕተም ኪኸፍቱ ምስ ኣድለዮም፡ እቲ ብርቱዕ መንፈስ እቲ ሓጊዝዎም እዩ። ነቲ ቤት ማሕተም ብሓላፍነት ዚከታተል ዝነበረ ሓው ሮበርት ጀይ. ማርቲን፡ ብዛዕባ እቲ ብ1927 ዘጋጠመ ነገር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ጐይታ ኣብ ግዜኡ ነቲ ማዕጾ ኣርሓዎ፣ እታ ዓባይ ማሕተም ኣብ ኢድ እቶም ብዛዕባ ኣሰራርሓኣ ምንም ፍልጠት ዘይነበረና ሰባት ኣተወት። ጐይታ ግን ነቶም ዘለዎም ዘበለ ዅሉ ንዕኡ ዝወፈዩ ሰባት ብኸመይ ኪሕግዞም ከም ዚኽእል ይፈልጥ እዩ። . . . ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ነታ ማሕተም ከነንቀሳቕሳ ኸኣልና፣ ክሳዕ ሕጂ እውን እቶም ሰራሕታ ኺግምትዎ ብዘይክእሉ መገዲ እናዓየየት ትቕጽል ኣላ።” የሆዋ ኽሳዕ እዚ ግዜና ንኸምዚ ዝኣመሰለ ትግሃት ዝመልኦ ጻዕሪ ይባርኾ ኣሎ።

15. እቶም ምስ ፈተና ዚቃለሱ ሰባት፡ ካብ ሮሜ 8:11 እንታይ መተባብዒ እዮም ኪረኽቡ ዚኽእሉ፧

15 መንፈስ ኣምላኽ ብእተፈላለየ መገድታት እዩ ዚዓዪ። ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነዚ መንፈስ እዚ ኺረኽብዎ፡ ሳላኡ ኸኣ ዘይስገር ንዚመስል ዕንቅፋታት ኪሰግሩ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ፈተና ምስ ዜሸግረናኸ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ካብቲ ኣብ ሮሜ 7:21, 25 ከምኡውን 8:11 እተጠቐሰ ቓላት ጳውሎስ ብርታዐ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። እወ፡ “እቲ ንየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኤ መንፈስ” ኣብ ክንዳና ዀይኑ ብምዕያይ፡ ንስጋዊ ባህግታትና ንኸነሰንፍ ሓይሊ ኺህበና ይኽእል እዩ። እቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ሓሳባት፡ ነቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት እተጻሕፈ እኳ እንተ ዀነ፡ መሰረታዊ ስርዓቱ ግን ንዅሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዚውዕል እዩ። ኵላትና ኣብ ክርስቶስ ዘሎና እምነት ብምድልዳል፡ ነቲ ሕማቕ ባህግታትና ንምቕታል ብምቅላስ፡ ከምኡውን ምስ መሪሕነት እቲ መንፈስ ተሰማሚዕና ብምምልላስ ህይወት ክንረክብ ንኽእል ኢና።

16. ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኽንቅበል እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

16 ዋላ ሓንቲ ጻዕሪ ኸይገበርና፡ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኪወሃበና ኽንጽበ ንኽእልዶ፧ ኣይንኽእልን ኢና። መንፈስ ኣምላኽ ኪወሃበና ኽንጽሊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት እውን ክንምገብ ኣሎና። (ምሳ. 2:1-6) ብዘይካዚ፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ መንፈስ ኣምላኽ ስለ ዘለዋ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣዘውቲርና ምእካብና፡ ‘እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ንኽንሰምዕ’ ባህጊ ኸም ዘሎና ዜርኢ እዩ። (ራእ. 3:6) ብተወሳኺ፡ ነቲ እተመሃርናዮ ብትሕትና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኣሎና። ምሳሌ 1:23፡ “ናብ ተግሳጸይ ተመለሱ፡ እንሆ፡ መንፈሰይ ከፈልፍለልኩም . . . እየ” ዚብል ምኽሪ ትህብ። ብርግጽ እምበኣር፡ ኣምላኽ “ነቶም ዚእዘዝዎ” መንፈስ ቅዱሱ ይህቦም እዩ።—ግብ. 5:32

17. በረኸት ኣምላኽ ንምርካብ ብወገንና እንገብሮ ጻዕሪ ምስ ምንታይ ከነመሳስሎ ንኽእል፧

17 በረኸት ኣምላኽ ንምርካብ ልባዊ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና፣ ኰይኑ ግን፡ ህዝቢ ኣምላኽ ካብ የሆዋ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት ኪረኽቡ ዝኸኣሉ፡ ሓያል ጻዕሪ ስለ ዝገበሩ ጥራይ ከም ዘይኰነ ኣይትረስዕ። በረኸት የሆዋ ንምርካብ ብወገንና እንገብሮ ጻዕሪ፡ ምግቢ ምስ ምብላዕ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ንኣካላትና፡ ምግቢ ኸም ዜስተማቕርን ካብኡ ኸም ዚጥቀምን ገይሩ እዩ ፈጢርዎ። በብዓይነቱ ምግብታት እውን ኣዳልዩ እዩ። ኣብ ምግቢ ዘሎ ንጥረ ነገራት ብኸመይ ከም ዚዳሎ ዀነ፡ ኣካላትና ነቲ ዝበላዕናዮ ምግቢ ብኸመይ ናብ ሓይሊ ኸም ዚቕይሮ ምሉእ ብምሉእ ኣይንፈልጥን ኢና። እቲ መስርሕ ጠቓሚ ኸም ዝዀነ ጥራይ ኢና እንፈልጥ፣ ምግቢ ብምብላዕ ከኣ ምስቲ መስርሕ ተሓባቢርና ንዓዪ። ዜዐንግል ምግቢ እንተ በሊዕና ድማ ዝሓሸ ውጽኢት ንረክብ። ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ከነማልኦ ዚግብኣና ረቛሒታት ኣዳልዩ ኣሎ፣ ነዚ ኸነማልእ ዜኽእለና ሓገዝ ድማ ይህበና እዩ። ስለዚ፡ ብብዙሕ መገዲ ስለ ዝሓገዘና፡ ክንውድሶ ኸም ዚግብኣና ንጹር እዩ። እምበኣርከስ፡ በረኸቱ ንምርካብ ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዕና ብምንባር ምስኡ ንተሓባበር።—ሃጌ 2:18, 19

18. እንታይ ንምግባር ኢኻ ቘሪጽካ፧ ስለምንታይከ፧

18 ስለዚ፡ ንእተዋህበካ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ብዚግባእ ንምፍጻም፡ ልባዊ ጻዕሪ ግበር። ንኽትዕወት እውን ወትሩ ሓገዝ የሆዋ ድለ። (ማር. 11:23, 24) ‘ዝደለየ ኸም ዚረክብ’ ከኣ ተኣማመን። (ማቴ. 7:8) ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት፡ ኣብ ሰማይ “ኣኽሊል ህይወት” ብምቕባል ኪባረኹ እዮም። (ያእ. 1:12) እቶም ብዘርኢ ኣብርሃም ኣቢሎም በረኸት ንኺረኽቡ ዚቃለሱ ዘለዉ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ድማ፡ ክርስቶስ፡ “ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ” ኺብሎም ከሎ ኺሰምዑ እዮም። (ዮሃ. 10:16፣ ማቴ. 25:34) እወ፡ “እቶም እግዚኣብሄር ዚባርኾም ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም። . . . ኣብኣውን ንዘለዓለም ኪነብሩ እዮም።”—መዝ. 37:22, 29ትርጕም 1990።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• በረኸት ኣምላኽ ንምርካብ እንታይ የድሊ፧

• ናይ ሓቂ ተኣዛዝነት እንታይ የጠቓልል፧

• ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ብኸመይ ክንረክብ ንኽእል፧ ኣብ ክንዳና ዀይኑ ኺዓዪ ዚኽእልከ ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእልታት]

ያእቆብ በረኸት የሆዋ ንኺረክብ ምስ መልኣኽ ተቓለሰ።

ንስኻኸ ልባዊ ጻዕሪ ትገብር ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ፡ ንበሳልኤልን ንኦሆልያብን ብኽእለት ኪዓዩ ሓገዞም