ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቡልጋርያ እተገብረ ፍሉይ ወፈራ ተዓዊቱ

ኣብ ቡልጋርያ እተገብረ ፍሉይ ወፈራ ተዓዊቱ

ኣብ ቡልጋርያ እተገብረ ፍሉይ ወፈራ ተዓዊቱ

“እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ።”—ማቴ. 9:37, 38

እዘን የሱስ እተዛረበን ቃላት ነቲ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኤውሮጳ፡ ኣብ ባልካን ኣብ እትርከብ ሃገረ ቡልጋርያ ዘሎ ዅነታት ብልክዕ ዚበቅዕ መግለጺ እዩ። ነቶም ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ዚዀኑ ተቐማጦኣ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዜብጽሑሎም ዓየይቲ ብሓቂ የድልዩ እዮም። ኣብ ቡልጋርያ 1,700 ዚኣኽሉ ኣስፋሕቲ እኳ እንተ ኣለዉ፡ ንብምሉኡ እቲ ኽሊ ግን ኪሽፍንዎ ኣይክእሉን እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነቶም ኣብ እተፈላለየ ሃገራት ኤውሮጳ ዚነብሩ ቡልጋርያኛ ዚዛረቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብ2009 ናብ ቡልጋርያ ኸይዶም ፍሉይ ወፈራ ኺገብሩ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ፈቐደ። እቲ ወፈራ፡ ኣብ ክረምቲ፡ ንሸውዓተ ሰሙን ኪግበር እዩ ተመዲቡ፣ ኣብ መወዳእታ እቲ ወፈራ ድማ፡ ካብ 14-16 ነሓሰ 2009፡ “ንቕሑ!” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ ኣብ ሶፍያ ተገብረ።

ዜስደምም ምላሽ

ኣብ ሶፍያ ኣብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚዓዩ ኣሕዋት፡ ካብ ስጳኛ፡ ኢጣልያ፡ ጀርመን፡ ግሪኽ፡ ፈረንሳ፡ ፖላንድ፡ ክንደይ ዚኣኽሉ ሰባት ነቲ ጻውዒት ምላሽ ከም ዚህቡ ኺፈልጡ ተሃንጥዮም ነይሮም እዮም። እቶም ነቲ ጻውዒት ዚቕበሉ ክርስትያናት፡ ብናይ ገዛእ ርእሶም ወጻኢ ናብ ቡልጋርያ ኺጐዓዙን እዋን ዕረፍቶም ኣብ ስብከት ኬሕልፍዎን ነበሮም። ካብ ሰሙን ናብ ሰሙን ቍጽሪ ኣመልከትቲ እናዓበየ ኸይዱ፡ ናብ 292 ምብጻሑ ብሓቂ ዜሐጕስ እዩ ነይሩ። ክንድዚ ዚኣኽሉ ወለንተኛታት ምላሽ ብምሃቦም፡ ናብ ካዛንላክን ሳንዳንስኪን ሲሊስትራን ዚበሃላ ሰለስተ እተፈላለያ ኸተማታት ቡልጋርያ ተመዲቦም እዮም። ኣብ ቡልጋርያ ዜገልግሉ ሓለውቲ ወረዳ እውን፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ፈለምትን ኣስፋሕትን፡ ነቲ ወፈራ ኺድግፉ ጻውዒት ኣቕሪቦምሎም እዮም። ኣብ መወዳእታ፡ 382 ወለንተኛታት ኣብቲ ሳሕቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚበጽሖ ኽልታት ብቕንኣት ሰቢኾም እዮም።

ኣብተን ኣብቲ ኸባቢ ዚርከባ ጉባኤታት ዘለዉ ኣሕዋት፡ መሕደሪ ንምድላው ኣቐዲሞም ተላኢኾም እዮም። ኣፓርታማታት ተኻርዮም፡ ሕስር ዝበለ ሆቴላት እውን ኣሕዚኦም እዮም። እቶም ኣሕዋት ነቶም ካብ ወጻኢ ዚመጹ ወለንተኛታት መዕረፊ ንኺረኽቡሎምን ዜድልዮም ንኼማልኡሎምን ኢሎም ደኺመ ኸይበሉ ዓዪዮም እዮም። ኣብ ሰለስቲአን ከተማታት፡ መአከቢ ቦታታት ተኻርዮም እዮም። እቶም በጻሕቲ ኣሕዋት ነቲ ኣኼባታት ኪመርሕዎ እውን፡ መሰናድዎ ተገይሩ ነይሩ እዩ። ዋላ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ዘይነበረሉ ቦታታት እውን፡ 50 ኣስፋሕቲ ንየሆዋ ንምውዳስ ይእከቡ ምንባሮም ብሓቂ ባህ ዜብል እዩ።

እቶም ካብ ካልኦት ሃገራት ነቲ ወፈራ ኢሎም ዝመጹ ክርስትያናት ዘርኣይዎ ቕንኣት፡ ዜስደምም እዩ ነይሩ። ኣብ ክረምቲ፡ ኣብ ቡልጋርያ ዚህሉ ሙቐት፡ ልዕሊ 40 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ኪበጽሕ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ነዞም ቀናኣት ኣሕዋትን ኣሓትን ዋላ ሓንቲ ኺዓግቶም ኣይከኣለን። ኣብ ጥቓ ፈለግ ዳንዩብ እትርከብ ልዕሊ 50,000 ተቐማጦ ዘለውዋ ኸተማ ሲሊስትራ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ብእተማልአ መገዲ ተመስከረላ። ስለዚ ድማ፡ እቶም ኣሕዋት፡ ጻዕርታቶም ኣብተን ኣብ ከባቢኣ ዚርከባ ኣቝሻት ገበሩ፣ ክሳዕ እታ ብሸነኽ ምዕራብ ሲሊስትራ 55 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ርሒቓ እትርከብ ቱትራካን እውን በጽሑ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰዓት 9:30 ቅ.ቀ. እዮም ኣገልግሎት ዚጅምሩ ነይሮም። ድሕሪ ምሳሕ ከኣ፡ ክሳዕ ሰዓት 7:00 ድ.ቀ. ወይ ክሳዕ ድሕሪኡ እዮም ዚቕጽሉ ነይሮም። ኣብ ካዛንላክን ኣብ ሳንዳንስኪን እተገብረ ወፈራ እውን፡ ሳላ እቲ እቶም ወለንተኛታት ዘርኣይዎ ዜደንቕ ቕንኣት፡ ናብተን ኣብቲ ኸባቢ ዚርከባ ኣቝሻትን ከተማታትን ተዘርጊሑ እዩ።

እንታይ ውጽኢት ተረኺቡ፧

ኣብተን ሸውዓተ ሰሙናት ብዜደንቕ መገዲ ተመስኪሩ እዩ። ከምቲ ብዘመን ሃዋርያት እተባህለ፡ ተቐማጦ እተን ከተማታት፡ ‘ንኸተማና ብትምህርትኹም መሊእኩምዋ’ ኺብሉ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። (ግብ. 5:28) እቶም ኣብቲ ወፈራ እተሳተፉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣስታት 50,000 መጽሔታት ኣበርኪቶም፡ 482 መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣጀሚሮም እዮም። እቲ ዜሐጕስ ድማ፡ ካብ 1 መስከረም 2009 ኣትሒዙ፡ ኣብ ሲሊስትራ ሓንቲ ጉባኤ ቘይማ ኣላ፣ ኣብ ካዛንላክን ኣብ ሳንዳንስኪን እውን ጕጅለታት ኣለዋ። ኣብዚ ወፈራ እዚ ንፈለማ ግዜ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰምዑ ውልቀ-ሰባት፡ ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ይገብሩ ምህላዎም ባህ ዜብል እዩ።

ኣብታ ቐዳመይቲ ሰሙን እቲ ወፈራ፡ ካብ ስጳኛ ዝኸደት ቡልጋርያኛ እትዛረብ ፍልይቲ ፈላሚት፡ ንሓንቲ ኣብ ጐደናታት ሲሊስትራ ጋዜጣ እትሸይጥ ካሪና ዝስማ ሰበይቲ ሰበኸትላ። ካሪና ተገዳስነት ኣርኣየት፡ ናብ ኣኼባ እውን መጸት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር እውን ፍቓደኛ ዀነት። ሰብኣያ ኣብ ህልውና ኣምላኽ ዘይኣምን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ መናፈሻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓላ ሓተተት። ክልተ ኣዋልዳ እውን ምስኣ ሓቢረን ኬጽንዓ ጀመራ። እታ ዳንኤላ ዝስማ ዓባይ ጓላ፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ፍሉይ ሞሳ ኣርኣየት። ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ሓደ ሰሙን ኣንቢባ ወድኣታ፣ ብኡንብኡ ድማ ነቲ ምስልታት ንኣምልኾ ብዛዕባ ምጥቃም መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ኸተውዕል ጀመረት። ድሕሪኡ፡ ንመሓዙታ ብዛዕባ ሓቂ ኽትነግረን ጀመረት። ካብቲ ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ እተኣከበትሉ ሰለስተ ሰሙን ጸኒሓ፡ ነታ መጽናዕቲ እትመርሓላ ሓብቲ፡ “ከማኻትኩም ከም ዝዀንኩ እዩ ዚስምዓኒ። ስብከት ንኽጅምር እንታይ ክገብር ይግብኣኒ፧” በለታ። ዳንኤላ ምስ ኣዲኣን ንእሽቶ ሓብታን፡ ጽቡቕ ዕቤት ትገብር ኣላ።

ኣብ ካዛንላክ፡ ካብ ኢጣልያ ነቲ ወፈራ ኢሉ ዝመጸ ኦርሊን ዝስሙ ሓደ ቡልጋርያዊ ሓው፡ ድሕሪ ወፍሪ ኣገልግሎት ናብ መሕደሪኡ ኺምለስ ከሎ፡ ኣብ መናፈሻ ኾፍ ኢሎም ንዝነበሩ ኽልተ መንእሰያት መስከረሎም። ቅዳሕ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ኣበርከተሎም፣ ንጽብሒቱ ተመሊሱ ኺበጽሖም እውን ቈጸራ ገበረ። ኣብቲ ምብጻሕ፡ ኦርሊን ምስ ስቨቶሚር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረ፣ ንጽብሒቱ እውን እንደገና መጽናዕቲ ገበሩ። ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ መዓልቲ፡ ሸሞንተ ሳዕ መጽናዕቲ ገበሩ። ስቨቶሚር ከምዚ በለ፦ “ምሳኻ ቕድሚ ምርኻበይ ቅድሚ ኽልተ መዓልቲ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኽፈልጦ፡ ኪሕግዘኒ ጸልየ ነይረ። እንተ ሓጊዙኒ፡ ህይወተይ ንዕኡ ኸም ዝውፊ ተመባጺዐ እየ።” ኦርሊን ናብ ኢጣልያ ምስ ተመልሰ፡ ኣብቲ ዓዲ ዚርከቡ ኣሕዋት ምስ ስቨቶሚር የጽንዑ ኣለዉ፣ ንሱ እውን ንሓቂ ናቱ ይገብራ ኣሎ።

እቶም መስዋእትታት ዚኸፍሉ ክርስትያናት ዚረኽብዎ ብዙሕ በረኸት

እቶም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኺሰብኩ ኢሎም ንግዜ ዕረፍቶም ብልግሲ እተጠቕሙሉን ብናይ ገዛእ ርእሶም ወጻኢታት ናብ ካልእ ሃገር ዝኸዱን እንታይ ይስምዖም፧ ኣብ ስጳኛ ዜገልግል ሓደ ሽማግለ፡ “እቲ ወፈራ፡ ነቶም ኣብ ስጳኛ ብቡልጋርያኛ ዜገልግሉ ኣሕዋት ኣቀራሪብዎም እዩ። ነቶም ኣብኡ እተኻፈሉ ኣሕዋት ጽቡቕ ጽልዋ እዩ ኣሕዲሩሎም” ኢሉ ጸሓፈ። ካብ ኢጣልያ ዝኸዱ ሰብኣይን ሰበይትን እውን፡ “ኣብ ህይወትና ኸምዘን ኣዋርሕ እዚኣተን ጌርና ዜደንቕ ግዜ ኣሕሊፍና ኣይንፈልጥን ኢና” ኢሎም ጸሓፉ። ወሲኾም ድማ፡ “እቲ ወፈራ ንህይወትና ለዊጥዎ እዩ። ካልኦት ሰባት ኢና ዄንና ዘለና” በሉ። እዞም ሰብኣይን ሰበይትን፡ ኣብ ቡልጋርያ ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ ንምግልጋል ናብኡ ኺግዕዙ ይሓስቡ ኣለዉ። ኣብ ስጳኛ ስርዕቲ ፈላሚት ኰይና እተገልግል ካሪና ዝስማ ንጽል ሓብቲ፡ ኣብቲ ኣብ ሲሊስትራ እተገብረ ወፈራ ተኻፈለት። ድሕሪኡ ነቲ ኣብ ስጳኛ ዝነበራ ስራሕ ኣቋሪጻ፡ ኣብታ ኣብ ሲሊስትራ ዝቘመት ሓዳስ ጉባኤ ምእንቲ ኸተገልግል፡ ናብ ቡልጋርያ ገዓዘት። ኣብ ቡልጋርያ ንሓደ ዓመት ኬናብራ ዚኽእል እኹል ገንዘብ ኣዋህሊላ ነበረት። ብዛዕባ እቲ ዝገበረቶ ውሳነ ኽትዛረብ ከላ፡ “የሆዋ ኣብ ቡልጋርያ ኸገልግል ስለ ዝፈቐደለይ፡ አመስግኖ እየ፣ ንነዊሕ እዋን ኣብዚ ኽጸንሕ ከኣ ተስፋ እገብር። ሕጂ ሓሙሽተ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እመርሕ ኣለኹ፡ እተን ሰለስተ ድማ ኣብ ኣኼባታት ይእከባ ኣለዋ” በለት።

ሓንቲ ኢጣልያዊት ሓብቲ ኣብቲ ወፈራ ኽትሳተፍ እኳ እንተ ደለየት፡ ሓድሽ ስራሕ ካብ እትጅምር ነዊሕ ስለ ዘይገበረት ግን፡ ዋላ ሓንቲ ዕረፍቲ ኣይነበራን። በዚ ተስፋ ኸይቈረጸት፡ ንሓደ ወርሒ ደሞዝ ዘይክፈሎ ዕረፍቲ ኺወሃባ ሓተተት፣ ሕቶኣ ተቐባልነት እንተ ዘይረኺቡ ድማ፡ ካብ ስራሓ ኽትለቅቕ ቈሪጻ ነበረት። እቲ ዜገርም ግን፡ ኣስራሒኣ፡ “ሓንቲ ነገር እንተ ጌርኪ፡ ሕራይ። ካብ ቡልጋርያ ካርቶሊና ኽትሰድለይ ኣሎኪ” በላ። እታ ሓብቲ፡ የሆዋ ንጸሎታ ምላሽ ከም ዝሃባ ተሰምዓ።

ኣብ ቡልጋርያ ኣብ እትርከብ ከተማ ቫርና እትነብር ስታኒስላቫ እትበሃል መንእሰይ ሓብቲ፡ ኣብ ሓደ ጽቡቕ ዚኽፈሎ ስራሕ ምሉእ መዓልቲ ትሰርሕ እኳ እንተ ነበረት፡ ኣብቲ ኣብ ሲሊስትራ ዚግበር ወፈራ ንኽትሳተፍ ኢላ ግን ዕረፍቲ ወሰደት። ነቲ እቶም ኣብታ ሃገር ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኺሰብኩ ኢሎም ካብ ርሑቕ ተጓዒዞም ዝመጹ ብዙሓት ፈለምቲ ዘለዎም ሓጐስ ምስ ረኣየት፡ ንንብዓታ ኽትዓግት ኣይከኣለትን። ኣብ ህይወታ ደድሕሪ ዓለማዊ ስራሕ ብምስዓብ፡ እንታይ ትገብር ከም ዘላ ኽትሓስብ ጀመረት። ድሕሪ ኽልተ ሰሙን ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት፡ ስራሓ ኣቋሪጻ፡ ስርዕቲ ፈላሚት ኰነት። ሕጂ ብንእስነታ ንፈጣሪኣ ትዝክሮ ስለ ዘላ፡ ብሓቂ ሕጉስቲ እያ።—መክ. 12:1

ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብንጥፈት ምስታፍ፡ ብሓቂ ዓብዪ በረኸት እዩ። ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምምሃርን ናይ ምስባኽን ኣገዳሲ ዕዮ፡ ግዜኻን ጕልበትካን ካብ ምውፋይ ዚበልጽ ዕዮ ኽትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንስኻ ብውልቅኻ ኣብዚ ህይወት ዜድሕን ኣገልግሎት ዘሎካ እጃም ከተስፍሓሉ እትኽእል መገድታት ኣሎዶ፧ ኣብ ሃገርካ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታታት ኪህሉ ይኽእል እዩ። ናብቲ ቦታ እቲ ኽትግዕዝ ትኽእልዶ፧ ወይ ከኣ ነቶም ኣብ ዓድኻ ዘለዉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ዚጸምኡ ሰባት ንምሕጋዝ፡ ካልእ ቋንቋ ኽትመሃር ትኽእል ትኸውን። ኣብ ኣገልግሎት ዘሎካ እጃም ንምስፋሕ እትገብሮ ምትዕርራይ ብዘየገድስ፡ የሆዋ ኣብዚሑ ኸም ዚባርኸካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—ምሳ. 10:22

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ዘይትርሳዕ መዓልቲ

ብዙሓት ካብቶም ነቲ ኣብ ቡልጋርያ እተገብረ ፍሉይ ወፈራ ኺድግፉ ኻብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዝኸዱ ክርስትያናት፡ ኣብቲ ኣብ ሶፍያ እተገብረ፡ “ንቕሑ!” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ ተኣኪቦም እዮም። እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ምስቶም ካብ እተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ በጻሕቲ ምርኻቦም፡ ብዙሕ ኣተባቢዕዎም እዩ። ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ሓው ጀፍሪ ጃክሰን፡ ምሉእ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብቡልጋርያኛ ኸም ዝወጸ ምስ ሓበረ፡ ሓጐስ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ 2,039 ተኣከብቲ ደረት ኣይነበሮን። ኵሎም እቶም በታ ዓርቢ እቲኣ ዝነበሩ ተኣከብቲ፡ ንነዊሕ እዋን ድሙቕ ጨብጨባ ብምግባር ልባዊ ሞሳኦም ገለጹ። ብዙሓት እውን ብሓጐስ ነቢዖም እዮም። እዚ ንምርዳኡ ቐሊል ዝዀነ ቕኑዕ ትርጕም እዚ፡ ንቕኑዓት ቡልጋርያውያን፡ ንየሆዋ ንኺፈልጥዎ ኺሕግዞም እዩ።

[ኣብ ገጽ 30, 31 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ቡልጋርያ

ሶፍያ

ሳንዳንስኪ

ሲሊስትራ

ካዛንላክ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ኣብተን ሸውዓተ ሰሙናት ዜደንቕ ምስክርነት ተዋሂቡ