ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ሓሳብ የሆዋ ዝፈለጠእንታዋይ እዩ፧’

‘ሓሳብ የሆዋ ዝፈለጠእንታዋይ እዩ፧’

‘ሓሳብ የሆዋ ዝፈለጠእንታዋይ እዩ፧’

“[“ንየሆዋ፡” NW] ኪምህሮ ኢሉ፡ ሓሳቡ ዝፈለጠኸ እንታዋይ እዩ፧ ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ አሎና።”—1 ቈረ. 2:16

1, 2. (ሀ) ሰባት እንታይ ዜጸግም ነገራት እዩ ዜጋጥሞም፧ (ለ) ንሓሳብናን ንሓሳብ የሆዋን ብዚምልከት ክንርስዖ ዘይብልና እንታይ እዩ፧

 ኣተሓሳስባ ኻልእ ሰብ ምርዳእ ኣጸጊሙካዶ ይፈልጥ፧ ምናልባት ኣብ ቀረባ እዋን እተመርዓኻ እንተ ዄንካ፡ ንኣተሓሳስባ መጻምድትኻ ምሉእ ብምሉእ ክትርድኦ ዘይትኽእል ኰይኑ ተሰሚዑካ ይኸውን። ሰብኣይን ሰበይትን ዚሓስቡሉ ዀነ ዚዛረቡሉ መገዲ ኸም ዚፈላለ ዚከሓድ ኣይኰነን። ኣብ ገሊኡ ባህሊ እሞ ኸኣ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ዚዛረብዎ ቛንቋ ሕደ እኳ እንተ ዀነ፡ እተፈላለየ ላህጃታት እዮም ዚጥቀሙ። ብዘይካዚ፡ እተፈላለየ ባህልን ቋንቋን፡ እተፈላለየ ኣተሓሳስባን ጠባይን ከም ዚህሉ ይገብር እዩ። ይኹን እምበር፡ ንኻልኦት ሰባት ዝያዳ ብዝፈለጥካዮም መጠን፡ ንኣተሓሳስባኦም ክትርድኦ ዘሎካ ኣጋጣሚ እውን ክንድኡ እናሰፍሐ እዩ ዚኸይድ።

2 ሓሳብና ኻብ ሓሳብ የሆዋ እተፈልየ እንተ ዀነ እምበኣር ኬገርመና የብሉን። የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን፡ “ሓሳባተይ ሓሳባትኩም ኣይኰነን፡ መገድታትኩም ከኣ መገድታተይ ኣይኰነን” በሎም። ነዚ ብምሳሌ ኼብርሆ ኸሎ ድማ፡ “ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል፡ መገድታተይ ካብ መገድታትኩም፡ ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ” በለ።—ኢሳ. 55:8, 9

3. መኻፍልቲ “ምስጢር እግዚኣብሄር” ንምዃን ክንጽዕረሉ እንኽእል ክልተ መገድታት እንታይ እዩ፧

3 ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ ንኣተሓሳስባ የሆዋ ንኽንርድኦ ኽንጽዕር የብልናን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልናን። ንሓሳብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክንርድኦ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግን መኻፍልቲ “ምስጢር እግዚኣብሄር” ክንከውን፡ ወይ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ክንምስርት የተባብዓና እዩ። (መዝሙር 25:14፣ ምሳሌ 3:32 ኣንብብ።) ሓደ ኻብቲ ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርቦ እንኽእለሉ መገዲ፡ ናብቲ ኣብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ንጥፈታቱ ምድሃብ እዩ። (መዝ. 28:5) ካልእ መገዲ ድማ፡ “ሓሳብ ክርስቶስ” ብምፍላጥ እዩ፣ ክርስቶስ ከኣ “መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ” ከም ዝዀነ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። (1 ቈረ. 2:16፣ ቈሎ. 1:15) ግዜ መዲብና ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ጸብጻባት እንተ ኣጽኒዕናዮን ብዛዕባኡ እንተ ኣስተንቲንናን፡ ንባህርያትን ኣተሓሳስባን የሆዋ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና።

ካብ ግጉይ ዝንባለ ተጠንቀቕ

4, 5. (ሀ) ካብ ከመይ ዝኣመሰለ ዝንባለ ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧ ግለጽ። (ለ) እስራኤላውያን ከመይ ዝበለ ኣተሓሳስባ እዮም ዘማዕበሉ፧

4 ብዛዕባ ንጥፈታት የሆዋ ኸነስተንትን ከለና፡ ንኣምላኽ ብመለክዒታት ሰብ ከይንፈርዶ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ከምዚ ዝኣመሰለ ዝንባለ፡ ኣብቲ ኣብ መዝሙር 50:21 ዚርከብ፡ “ከማኻ ዝዀንኩ መሲሉካ ኢኻ” ዚብል ቃላት የሆዋ ተኣሚቱ ኣሎ። እዚ ሓሳብ እዚ፡ ምስቲ ልዕሊ 175 ዓመት ይገብር ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ዝበሎ ሓሳብ ዚሰማማዕ እዩ፣ ንሱ፡ “ሰባት ንኣምላኽ ብናይ ገዛእ ርእሶም ስርዓታት ናይ ምፍራድን ኣምላኽ በቲ ሰብ ኪስዕቦ ዘለዎ ሕጊ ኸም ዚቕየድ ጌርካ ናይ ምሕሳብን ዝንባለ ኣለዎም” በለ።

5 ብዛዕባ የሆዋ ዘሎና ግንዛበ፡ ብናይ ገዛእ ርእስና መለክዒታትን ባህግታትን ከይጽሎ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ከነጽንዕ ከለና፡ ገሊኡ ግብርታት የሆዋ ብዓይኒ እቲ ድሩትን ዘይፍጹምን ኣረኣእያና ኽንርእዮ ኸለና፡ ግጉይ ኪመስለና ይኽእል እዩ። ጥንታውያን እስራኤላውያን ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ስለ ዘማዕበሉ፡ ነቲ የሆዋ ምስኦም ዝነበሮ ርክብ ብዚምልከት ኣብ ግጉይ መደምደምታ በጽሑ። የሆዋ እንታይ ከም ዝበሎም እሞ ኣስተብህለሉ፦ “ንስኻትኩም ግና፡ መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኰነን፡ ትብሉ አሎኹም። እምበኣርሲ፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ስምዑ፡ ካንዶ መገደይ እዩ ዘይቅኑዕ፧ ዘይቅኑዕሲ መገድታትኩምዶ ግዳ ኣይኰነን፧”—ህዝ. 18:25

6. እዮብ እንታይ ትምህርቲ እዩ ተማሂሩ፧ ካብ ተመክሮኡ ጥቕሚ ኽንረክብ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

6 ንየሆዋ ብናይ ገዛእ ርእስና መለክዒታት ብምፍራድ ኣብ መፈንጠራ ኸይንኣቱ ኺሕግዘና ኻብ ዚኽእል መገድታት እቲ ሓደ፡ ኣረኣእያና ድሩት ከም ዝዀነን ከቢድ ጕድለት ከም ዘለዎን ምግንዛብ እዩ። እዮብ ነዚ ብዚምልከት ትምህርቲ ኣድልይዎ ነበረ። መከራ ምስ ኣጋጠሞ፡ ሓርቢትዎ ስለ ዝነበረ፡ ብዛዕባ ርእሱ ጥራይ ኪሓስብ ጀመረ። ነቲ ተላዒሉ ዝነበረ ዓበይቲ ጕዳያት ኣየስተብሃለሉን። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ፡ ንእዮብ፡ ኣረኣእያኡ ኼስፍሕ ሓገዞ። ልዕሊ 70 ሕቶታት ሓተቶ፣ ነዚ ግን እዮብ ኪምልሶ ብዘይምኽኣሉ፡ ምርዳኡ ድሩት ከም ዝዀነ ጐልሓሉ። ስለዚ ድማ፡ ብትሕትና ኣረኣእያኡ ኣተዓራረየ።—እዮብ 42:1-6 ኣንብብ።

“ሓሳብ ክርስቶስ” ይሃሉኻ

7. ንንጥፈታት የሱስ ምምርማር ንሓሳብ የሆዋ ንኽንርዳእ ዚሕግዘና ስለምንታይ እዩ፧

7 የሱስ ብዘረባኡ ዀነ ብግብሩ፡ ንኣቦኡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ መሲልዎ እዩ። (ዮሃ. 14:9) ስለዚ፡ ንንጥፈታት የሱስ ምምርማር፡ ንኣተሓሳስባ የሆዋ ንኽንርዳእ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ሮሜ 15:5፣ ፊል. 2:5) ቀጺልና ኣብ ወንጌላት ዚርከብ ክልተ ጸብጻብ እስከ ንመርምር።

8, 9. ከምቲ ኣብ ዮሃንስ 6:1-5 ተገሊጹ ዘሎ፡ የሱስ ንፊልጶስ ከም ዝሓቶ ዚገበሮ፡ ከመይ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ፧ የሱስከ ስለምንታይ ከምኡ ገበረ፧

8 ነዚ ስዒቡ ተገሊጹ ዘሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ግዜኡ ቐቅድሚ ፋስጋ 32 ድ.ክ. እዩ ነይሩ። ሃዋርያት የሱስ ኣብ መላእ ገሊላ ሰቢኾም ካብ ዚምለሱ ነዊሕ ኣይገበሩን ነይሮም። ደኺሞም ስለ ዝነበሩ፡ የሱስ ናብቲ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ገሊላ ዚርከብ ቦታ ንበይኖም ወሰዶም። ይኹን እምበር፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ሰዓብዎም። የሱስ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ምስ ኣሕወዮምን ብዙሕ ምስ መሃሮምን፡ ሓደ ጸገም ኣጋጠመ። ከመይ ጌርካ እዩ ኣብዚ ግሉል ቦታ ነዞም ኵሎም ሰባት ዚኸውን ምግቢ ኺርከብ ዚከኣል፧ የሱስ ነዚ ተገንዚቡ፡ ነቲ ኻብቲ ኸባቢ ዝመጸ ፊልጶስ፡ “እዚኣቶም ምእንቲ ኺበልዑስ እንጌራ ኻበይ ክንዕድግ ኢና፧” ኢሉ ሓተቶ።—ዮሃ. 6:1-5

9 የሱስ ንፊልጶስ ዝሓተቶ ስለምንታይ እዩ፧ እንታይ ከም ዚገብር ስለ ዝሓርበቶ ድዩ፧ ኣይኰነን። እንታይ ደኣሉ ሓሲቡ፧ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “እቲ [የሱስ] ኺገብሮ ዝደለዮስ ባዕሉ ፈሊጥዎ ነበረ እሞ፡ እዚ ዝበሎ ምእንቲ ኺዕዘቦ እዩ” በለ። (ዮሃ. 6:6) የሱስ ንመንፈሳዊ ዕቤት ደቀ መዛሙርቱ እዩ ዚዕዘብ ነይሩ። በታ ሕቶ እቲኣ ገይሩ ድማ፡ ኣቓልቦኦም ስሒቡን ብዛዕባ እቲ ኺገብሮ ዚኽእል ነገራት ዘላቶም እምነት ኪገልጹ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎምን እዩ። ኰይኑ ግን፡ እቶም ሃዋርያት ነቲ እተኸፍተሎም ኣጋጣሚ ኣይተጠቕሙሉን፣ የግዳስ፡ ኣረኣእያኦም ድሩት ምንባሩ ተራእየ። (ዮሃንስ 6:7-9 ኣንብብ።) ድሕሪኡ፡ የሱስ ዘይሓሰብዎ ነገራት እውን ኪገብር ከም ዚኽእል ኣርኣዮም። ነቶም ጠምዮም ዝነበሩ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ብተኣምራዊ መገዲ መገቦም።—ዮሃ. 6:10-13

10-12. (ሀ) የሱስ ነታ ጽርኣዊት ሰበይቲ ብኡንብኡ ኸምቲ ዝሓተተቶ ዘይገበረላ ስለምንታይ እዩ፧ ግለጽ። (ለ) ሕጂ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

10 እዚ ጸብጻብ እዚ፡ የሱስ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ዝነበሮ ኣተሓሳስባ ንኽንርዳእ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ነቶም ብዙሓት ሰባት ምስ መገቦም ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንሱን ሃዋርያቱን ናብቲ ብሸነኽ ሰሜን ዚርከብ ዶብ እስራኤል፡ ማለት ናብ ከባቢ ጢሮስን ሲዶናን ከዱ። ኣብኡ ከኣ ምስ ሓንቲ ጽርኣዊት ሰበይቲ ተራኸቡ፡ እታ ሰበይቲ ድማ ንየሱስ ጓላ ኼሕውየላ ለመነቶ። የሱስ ኣብ ፈለማ ግዲ ኣይገበረላን። ብተደጋጋሚ ምስ ለመነቶ ግን፡ “እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ጽቡቕ ኣይኰነን እሞ፡ ሕደጊ፡ ቅድም እቶም ውሉድ ይጽገቡ” በላ።—ማር. 7:24-27

11 የሱስ ኣብ ፈለማ ነታ ሰበይቲ ዘይሓገዛ ስለምንታይ እዩ፧ ከምቲ ንፊልጶስ ዝገበሮ፡ እምነታ ንኽትገልጽ ኣጋጣሚ ብምኽፋት ይዕዘባ ድዩ ነይሩ፧ ቃና ድምጹ ኣብቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተ ዘይተገልጸ፡ ተስፋ ኣየቝረጻን። ኣብ በዅሪ ቛንቋ፡ ነታ “ኣኽላባት” እትብል ቃል ብልኡም መገዲ እዩ ተጠቒሙላ። ስለዚ፡ ከምቲ ሓደ ወላዲ ንሕቶ ውሉዱ ኺፍጽም እኳ እንተ ሓሰበ፡ ንቘራጽነት ውሉዱ ምእንቲ ኺርኢ ኢሉ ሓሳቡ ዘይገልጽ፡ የሱስ እውን ከምኡ እዩ ዚገብር ነይሩ። እቲ ጕዳይ ዝዀነ ይኹን ብዘየገድስ፡ እታ ሰበይቲ እምነታ ምስ ገለጸት፡ የሱስ ብፍታው ከምቲ ዝሓተተቶ ገበረላ።—ማርቆስ 7:28-30 ኣንብብ።

12 እዚ ኣብ ወንጌላት ዚርከብ ክልተ ጸብጻብ፡ ብዛዕባ እቲ ኣዝዩ ኽቡር ዝዀነ “ሓሳብ ክርስቶስ” ክንፈልጥ ይሕግዘና እዩ። እዚ ጸብጻባት እዚ ንሓሳብ የሆዋ ብዝያዳ ንኽንርድኦ ዚሕግዘና ብኸመይ ምዃኑ እስከ ቐጺልና ንርአ።

የሆዋ ምስ ሙሴ ዝነበሮ ርክብ

13. ኣተሓሳስባ የሱስ ምፍላጥና ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

13 ኣተሓሳስባ የሱስ ምፍላጥና፡ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ንምርዳኡ ዜጸግም ጥቕስታት ንኺበርሃልና ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ምራኽ ወርቂ ምስ ሰርሑ፡ የሆዋ ንሙሴ እንታይ ከም ዝበሎ እስከ ንርአ፦ “እዚ ህዝቢ እዚ እርእዮ አሎኹ፡ እንሆ፡ ህዝቡ ተሪር ክሳድ እዩ። ሕጂ ዅራይ ኣብኦም ኪነድድ እሞ፡ ክውድኦም ሕደገኒ። ንኣኻ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ።”—ዘጸ. 32:9, 10

14. ሙሴ ነቲ የሆዋ እተዛረቦ ቓላት እንታይ ምላሽ ሃበሉ፧

14 እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል፦ “ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸምዚ ኢሉ ተማህለለ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ስለምንታይ ኵራኻ ኣብዚ ብዓብዪ ሓይልን ብጽንዕቲ ኢድን ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ ይነድድ፧ ከመይከ ግብጻውያን፡ ኣብ ኣኽራን ኪቐትሎም፡ ካብ ገጽ ምድሪ ኸኣ ኬጽንቶም ንመከራ ኣውጽኦም፡ ኢሎም ዚዛረቡ፧ ካብቲ ነዳዲ ዅራኻ ደኣ ተመለስ፡ ካብቲ ንህዝብኻ ኽትገብሮ ዝሐሰብካዮ ኽፉእ ድማ ተጠዐስ። ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንእስራኤልን፡ ንኣታቶም፡ ንዘርእኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ። እታ እተዛረብኩላ ምድሪ ድማ ብዘላ ንዘርእኹም ክህቦ እየ፡ ንዘለኣለም ከኣ ኺርስተይዋ እዮም፡ ኢልካ ብርእስኻ ዝመሐልካሎም፡ ንባሮትካ ዘክር። እግዚኣብሄር ድማ ካብቲ ንህዝቡ ኺገብሮ ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ኽፉእ ተጣዕሰ።”—ዘጸ. 32:11-14 a

15, 16. (ሀ) እቲ የሆዋ እተዛረቦ ዘረባ ንሙሴ እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ኸፊቱሉ፧ (ለ) የሆዋ ‘እተጣዕሰ’ ብኸመይ እዩ፧

15 ሙሴ ንሓሳብ የሆዋ ኼዐርዮ የድሊ ነይሩ ድዩ፧ ኣይፋሉን። የሆዋ ብዛዕባ እቲ ኺገብሮ ዝሓሰበ እኳ እንተ ገለጸ፡ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ኣይነበረን። ብሓቂ እምበኣር፡ ከምቲ የሱስ ጸኒሑ ንፊልጶስን ነታ ጽርኣዊት ሰበይትን እተዓዘቦም፡ የሆዋ እውን ንሙሴ ይዕዘቦ እዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ፡ ሙሴ ኣረኣእያኡ ንኺገልጽ ኣጋጣሚ ተኸፍተሉ። b የሆዋ ንሙሴ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ከም ማእከላይ ገይሩ እዩ ሸይምዎ ነይሩ፣ ነዚ ንሙሴ ዝሃቦ ሽመት ከኣ ኣኽቢሩ ይርእዮ ነበረ። እሞኸ ሙሴ ተስፋ ቘሪጹዶ፧ ንእስራኤላውያን ሓዲጉ ኻብ ዘርኡ ብርቱዕ ህዝቢ ምእንቲ ኼውጽእከ ንየሆዋ ደፋፊእዎዶ፧

16 ሙሴ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣብ ፍትሒ የሆዋ ኸም ዚተኣማመን ዜርኢ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ ጥቕሚ ርእሱ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ስም የሆዋ ይግደስ ከም ዝነበረ ዚሕብር እዩ ነይሩ። ስም ኣምላኽ ኪጽረፍ ኣይደልን እዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ እተላዕለ ጕዳይ፡ ‘ሓሳብ የሆዋ’ እንታይ ከም ዝዀነ ተረዲኡ ምንባሩ ኣርኣየ። (1 ቈረ. 2:16NW) ውጽኢቱኸ እንታይ ኰነ፧ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ ከም ዚገልጾ፡ የሆዋ ስጕምቲ ኺወስድ ቈሪጹ ስለ ዘይነበረ፡ “ተጣዕሰ።” እዛ ቓል እዚኣ፡ ብእብራይስጢ፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ኼውርዶ ሓሲብዎ ዝነበረ መዓት ከም ዝሓደጎ እትሕብር እያ።

የሆዋ ምስ ኣብርሃም ዝነበሮ ርክብ

17. የሆዋ ምስ ኣብርሃም ኣብ ዝነበሮ ርክብ ዓብዪ ትዕግስቲ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

17 ኣብርሃም ንሶዶም ብዚምልከት ዘቕረቦ ሕቶ፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ እምነቶምን ትውክልቶምን ንኺገልጹ ብኸመይ ኣጋጣሚ ኸም ዚኸፍተሎም ዜርኢ ኻልእ ኣብነት እዩ። ኣብቲ ጸብጻብ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ የሆዋ፡ ካብ ኣብርሃም ሸሞንተ ተኸታታሊ ሕቶታት ኪቐርበሉ ብምፍቃድ፡ ዓብዪ ትዕግስቲ ኣርኣየ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብርሃም ንየሆዋ፡ “ንጻድቕ ምስቲ ረሲእ ምቕታል ከምዚ ዝበለ ነገር ምግባርሲ ኻባኻ ይርሐቕ። እቲ ጻድቕ ከምቲ ረሲእ ኪኸውንሲ፡ ካባኻ ይርሐቕ። እቲ ፈራድ ኵላ ምድርስ ፍትሒዶ ኣየውጽእን እዩ፧” በሎ።—ዘፍ. 18:22-33

18. ካብቲ የሆዋ ምስ ኣብርሃም ዝነበሮ ርክብ እንታይ ንመሃር፧

18 ካብዚ ጸብጻብ እዚ፡ ብዛዕባ ሓሳብ የሆዋ እንታይ ንመሃር፧ የሆዋ ቕኑዕ ውሳነ ምእንቲ ኺገብር ምስ ኣብርሃም ኪዛተ የድልዮ ነይሩ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ሓቂ እዩ፡ የሆዋ ኻብ ፈለማ ኣትሒዙ፡ ከምኡ ዝወሰነሉ ምኽንያት ኪገልጸሉ ይኽእል ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ንኣብርሃም ሰለስተ ሕቶታት ሓተቶ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ኣብርሃም ነቲ ውሳነታት ንኺሰማምዓሉን ንሓሳብ ኣምላኽ ንኺፈልጥን ዜኽእሎ ግዜ ረኸበ። ብዘይካዚ፡ ርሕራሐን ፍትሕን የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ዓሚቝ ምዃኑ ተረድአ። እወ፡ የሆዋ ንኣብርሃም ከም ፈታዊኡ ገይሩ ይርእዮ ነበረ።—ኢሳ. 41:8፣ ያእ. 2:23

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ

19. ንእዮብ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

19 ብዛዕባ ‘ሓሳብ የሆዋ’ እንታይ ኢና ተማሂርና፧ ቃል ኣምላኽ፡ ነቲ ብዛዕባ ሓሳብ የሆዋ ዘሎና ምርዳእ ንኪቐርጾ ኸነፍቅደሉ ኣሎና። ንየሆዋ ኸማና ድሩት ዓቕሚ ኸም ዘለዎ ጌርና ኸይንሓስብ፡ ብናይ ገዛእ ርእስና መለክዒታትን ኣተሓሳስባን ከኣ ከይንፈርዶ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። እዮብ፡ “ከይመልሰሉ፡ ሐቢርናውን ከይንበያየንሲ፡ [ኣምላኽ] ከማይ ሰብ ኣይኰነን” በለ። (እዮ. 9:32) ልክዕ ከም እዮብ ንሓሳብ የሆዋ ኽንርድኦ ምስ ጀመርና፡ “[ካ]ብቲ መገዱስ እንሆ፡ እዚ ሓደ ጫፍ ጥራይ እዩ፡ እቲ ብዛዕባኡ እንሰምዖ ሕሽዅሽዅስ ክንደይ ቅሩብ እዩ፡ ነቲ ነጕዲ ስልጣኑኸ መን እዩ ኼስተውዕሎ ዚኽእል፧” ንኽንብል ክንድረኽ ኢና።—እዮ. 26:14

20. ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንምርዳኡ ዜጸግም ጥቕሲ እንተ ኣጋጢሙና፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

20 ቅዱሳት ጽሑፋት ከነንብብ ከለና፡ ብሕልፊ ምስ ሓሳብ የሆዋ እተተሓሓዘ ንምርዳኡ ዜጸግም ጥቕሲ እንተ ኣጋጢሙና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምርምር ድሕሪ ምግባርና እውን እንተ ዀነ፡ ንጹር መልሲ እንተ ዘይረኺብና፡ ከም መዐዘቢ እቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ ጌርና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። ገሊኡ መግለጺታት፡ ኣብ ባህርያት የሆዋ ዘሎና እምነት ንኽንገልጽ ኣጋጣሚ ኸም ዚኸፍተልና ኽንርስዕ የብልናን። ንዅሉ እቲ ንሱ ዚገብሮ ኸም ዘይንርድኦ ብትሕትና ንተኣመን። (መክ. 11:5) በዚ ኸምዚ ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ ኸምዚ ዚብል ቃላት ክንሰማማዕ ኢና፦ “ወዳጄ፡ መዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን፡ ክንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ ፍርዱ፡ ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብከ እዩ መገዱ። ሓሳብ እግዚኣብሄር ዚፈልጥ መን እዩ፧ ወይስ መን እዩ ዘማኸሮ፧ መንከ እዩ ቐደም ገለ ዝሀቦ እሞ ዚፍደዮ፧ ኵሉ ኻብኡ እዩ ብእኡን ንእኡን ድማ እዩ እሞ፡ ንእኡ ንዘለኣለም ክብሪ ይዅኖ። ኣሜን።”—ሮሜ 11:33-36

[እግረ-ጽሑፋት]

a ምስዚ ዚመሳሰል ጸብጻብ፡ ኣብ ዘሁልቍ 14:11-20 ተጠቒሱ ኣሎ።

b ገሊኦም ምሁራት ከም ዚገልጽዎ፡ እታ ኣብ ዘጸኣት 32:10፡ “ሕደገኒ” ተባሂላ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቝንቍኛ፡ ሙሴ ኣብ መንጎ የሆዋን እቲ ህዝብን ኰይኑ ኼማልድ፡ ‘ኣብ ማእከል ኪቐውም፡’ ወይ ‘ኣብ ነቓዕ ኪቐውም’ ዕድመ ይቐርበሉ ኸም ዝነበረ ኸተመልክት ትኽእል እያ። (መዝ. 106:23፣ ህዝ. 22:30) ዝዀነ ዀይኑ፡ ሙሴ ርእይቶኡ ንየሆዋ ምግላጽ ከም ዘይከበዶ ኣየጠራጥርን እዩ።

ትዝክሮዶ፧

• ንየሆዋ ብናይ ገዛእ ርእስና መለክዒታት ንኸይንፈርዶ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

• ግብርታት የሱስ ምርዳእና፡ መኻፍልቲ “ምስጢር እግዚኣብሄር” ንኽንከውን፡ ወይ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ንኽንምስርት ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

• ካብቲ የሆዋ ምስ ሙሴን ኣብርሃምን ዝገበሮ ዝርርብ እንታይ ተማሂርካ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

እቲ የሆዋ ምስ ሙሴን ኣብርሃምን ዝነበሮ ርክብ ብዛዕባ ሓሳቡ እንታይ ይምህረና፧