ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምኽኒት የሆዋ ብዛዕባ እዚ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧

ምኽኒት የሆዋ ብዛዕባ እዚ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧

ምኽኒት የሆዋ ብዛዕባ እዚ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧

እቲ ሰብኣይ፡ “እዛ ምሳይ ክትከውን ዝሀብካኒ ሰበይቲ ኻብታ ኦም ሀበትኒ እሞ በላዕኩ” በለ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ተመን ኣስሒቱኒ በላዕኩ” በለት። እቶም ቀዳሞት ወለድና ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን በዘን ንኣምላኽ እተዛረብወን ቃላት ገይሮም፡ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ምኽኒት ናይ ምቕራብ ልማድ ጀመርዎ።—ዘፍ. 3:12, 13

እቲ የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን ብሰንኪ እቲ ዀነ ኢሎም ዝፈጸምዎ ዘይተኣዛዝነት ዝፈረዶም ፍርዲ፡ ምኽኒቶም ተቐባልነት ከም ዘይነበሮ እዩ ዜነጽር። (ዘፍ. 3:16-19) እሞ ደኣ ዅሉ ምኽኒት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት የብሉን ማለት ድዩ፡ ወይስ ተቐባልነት ዘለዎ ብቑዕ መመኽነይታ ኣሎ፧ ኣብ መንጎ እቲ የሆዋ ዚቕበሎን ዘይቅበሎን ዘሎ ፍልልይ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ ነዘን ሕቶታት እዚኣተን ንምምላስ፡ ምኽኒት ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ እስከ ንርአ።

ምኽኒት ኪበሃል ከሎ፡ ሓደ ነገር ስለምንታይ ከም እተገብረ፡ ስለምንታይ ከም ዘይተገብረ፡ ወይ ስለምንታይ ከም ዘይግበር ዚቐርብ ምኽንያት ማለት እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ንሓደ ጕድለት ብቑዕ መመኽነይታ ኪቐርብ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ምሕረት ወይ ይቕረታ ንኺግበር ባይታ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ከምቲ ኣዳምን ሄዋንን ዝገበርዎ፡ ምኽኒት ንናይ ሓቂ ምኽንያት ንምሽፋን ዚቐርብ ምስምስ ወይ ናይ ሓሶት ምኽንያት ኪኸውን ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ምኽኒት ከምዚ ዓይነት ባህርይ ስለ ዘለዎ፡ ብዓይኒ ጥርጣረ እዩ ዚርአ።

ብፍላይ ንኣምላኽ ምስ እነቕርቦ ኣገልግሎት ኣብ ዚተሓሓዝ መዳያት ምኽኒት ከነቕርብ ከለና፡ ‘ርእስና ኸይንጥብር’ ክንጥንቀቕ ኣሎና። (ያእ. 1:22) እምበኣር፡ ‘ንጐይታና ዜሐጕሶ ንኽንምርምር’ ኪሕግዘና ዚኽእል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣብነታትን ስርዓታትን እስከ ንርአ።—ኤፌ. 5:10

ኣምላኽ እንታይ ክንገብር ይጽበየና፧

ንሕና ህዝቢ የሆዋ ዘበልና ኽንእዘዝ ከም ዘሎና ዚገልጽ ንጹር መምርሒ ኣብ ቃል ኣምላኽ ይርከብ እዩ። ንኣብነት፡ ክርስቶስ፡ “ኪዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ኢሉ ዝሃበና መዝነት፡ ሕጂ እውን ንዅሎም ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዚምልከት ትእዛዝ እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ነቲ ትእዛዝ እቲ ምፍጻም ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ” ኢሉ እዩ።—1 ቈረ. 9:16

ኰይኑ ግን፡ ገሊኦም ንነዊሕ ግዜ ምሳና መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዑ ሰባት፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ የፍርሆም እዩ። (ማቴ. 24:14) ገሊኦም ኣቐዲሞም ኣብ ዕዮ ስብከት ዚካፈሉ ዝነበሩ ኸኣ፡ ነዚ ዕዮ እዚ ኣቋሪጾምዎ እዮም። እቶም ኣብ ዕዮ ስብከት ዘይካፈሉ ሓድሓደ ግዜ እንታይ መመኽነይታታት እዮም ዜቕርቡ፧ የሆዋ ነቶም ኣብ ሕሉፍ ግዜ ንንጹር ትእዛዛቱ ዘይሓለዉ እንታይ ገይርዎም፧

ኣብ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘይብሉ ምኽኒት

“ኣመና ኸቢድ እዩ።” እቶም ብተፈጥሮኦም ሓፋራት ዝዀኑ ሰባት፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ምክፋል ኣመና ኸቢድ ይመስሎም እዩ። እንተዀነ ግን፡ ካብ ኣብነት ዮናስ እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል እስከ ንርአ። ዮናስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ነነዌ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ጥፍኣት ኪእውጅ ካብ ኣምላኽ መምርሒ ምስ ተዋህቦ፡ ነቲ ዕዮ እቲ ኣመና ኸቢድ ገይሩ እዩ ርእይዎ። ስለምንታይ ከምኡ ገይሩ ኸም ዝረኣዮ ንምርድኡ ዜጸግም ኣይኰነን። ነነዌ ርእሲ ኸተማ ኣሶር እያ ነይራ፣ ኣሶራውያን ከኣ ብጭካነኦም እዮም ዚፍለጡ ነይሮም። ዮናስ፡ ‘ምስቶም ህዝቢ እቲኣቶም ብኸመይ እየ ኽረዳዳእ ዝኽእል፧ እንታይ ኰን ይገብሩኒ ይዀኑ፧’ ኢሉ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ሓዲጉ ሃደመ። የሆዋ ግን፡ ነቲ ዮናስ ዘቕረቦ ምኽኒት ኣይተቐበሎን። የግዳስ፡ ንሰብ ነነዌ ኺሰብከሎም፡ ንኻልኣይ ግዜ ለኣኾ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ዮናስ ንእተዋህቦ ዕዮ ብትብዓት ፈጸመ፣ የሆዋ እውን ጽቡቕ ፍረ ንኺረክብ ኣኽኣሎ።—ዮና. 1:1-3፣ 3:3, 4, 10

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትሰብኽ እተዋህበካ ዕዮ ኣመና ኸቢድ ከም ዝዀነ ጌርካ እንተ ሓሲብካ፡ ነቲ፡ “ብኣምላኽ ኵሉ ነገር ይከኣል እዩ” ዚብል መተባብዒ ዘክር። (ማር. 10:27ትርጕም 1990) ካብ የሆዋ ብቐጻሊ ሓገዝ እንተ ሓቲትካ፡ ንሱ ኸም ዜበርትዓካ፡ ኣገልግሎትካ ንምፍጻም ምስ ተባዕካ ኸኣ ከም ዚባርኸካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—ሉቃ. 11:9-13

“ኣይደልን እየ።” ክርስትያናዊ ኣገልግሎትካ ንምፍጻም ልባዊ ድሌት እንተ ዘይብልካ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ የሆዋ ንድሌትካ ኺጸልዎ ኸም ዚኽእል ኣይትረስዕ። ጳውሎስ፡ “እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ፡ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዚገብርሲ ኣምላኽ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ፊል. 2:13) ስለዚ፡ ንየሆዋ፡ ፍቓዱ ንኽትገብር ድሌት ከም ዚሓድረካ ንኺገብር ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ። ንጉስ ዳዊት ከምኡ እዩ ገይሩ። ንየሆዋ፡ “ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስ፡ . . . ንልበይ ኣዳልዎ” ኢሉ እዩ ለሚንዎ። (መዝ. 86:11) ንስኻ እውን፡ የሆዋ ዚፈትዎ ንኽትገብር ባዕሉ ንኺድርኸካ ኣጽኒዕካ ኽትልምን ትኽእል ኢኻ።

ሓድሓደ እዋን፡ ክንደክምን ክንድቈስን ከለና፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚግበር ኣኼባታት ኰነ ኣብ ኣገልግሎት ንምክፋል ንርእስና ኸነገድድ የድልየና ይኸውን። ከምዚ ኼጋጥመና ኸሎ ግን፡ ብሓቂ ንየሆዋ ኣይነፍቅሮን ኢና ማለት ድዩ፧ ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን፡ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ኣበርቲዖም ኪጽዕሩ ነበሮም። ንኣብነት፡ ጳውሎስ፡ ንትእዛዛት ኣምላኽ ምእንቲ ኺሕሉ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ ‘ንስጋኡ ኸም ዜሰቅዮ’ ገሊጹ ኣሎ። (1 ቈረ. 9:26, 27) ስለዚ፡ ኣገልግሎትና ንምፍጻም ንርእስና ኸነገድድ ከለና፡ በረኸት የሆዋ ኸም እንረክብ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ስለምንታይ፧ ፍቓድ ኣምላኽ ክንገብር ንርእስና እነገድደሉ ምኽንያት፡ ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮ እዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ነቲ ሰይጣን፡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ፈተና እንተ ኣጋጢምዎም ንኣምላኽ ከም ዚኽሕድዎ ዘቕረቦ ኽሲ፡ መልሲ ንህበሉ።—እዮ. 2:4

“ዋላ ሓንቲ ግዜ የብለይን።” ዋላ ሓንቲ ግዜ ኸም ዘይብልካ ዀይኑ ስለ ዚስምዓካ ኣብ ኣገልግሎት ዘይትካፈል እንተ ዄንካ፡ ቀዳምነት ንእትህቦ ነገራት ዳግም ምምርማርካ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። የሱስ፡ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ” በለ። (ማቴ. 6:33) ነዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ንምስዓብ፡ ቀሊል ናብራ ኽትነብር፡ ወይ ከኣ ካብቲ እትዘናግዓሉ ግዜ ነኪኻ ንኣገልግሎት ክትጥቀመሉ የድልየካ ይኸውን። መዘናግዕን ብሕታዊ ጕዳያትን ግቡእ ቦታ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ኣገልግሎትካ ዕሽሽ ንኽትብል ግን ምኽኒት ኣይከውንን እዩ። ሓደ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ይህብ እዩ።

“ኣይበቅዕን እየ።” ኣገልጋሊ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኴንካ ንኽትዓዪ ኸም ዘይትበቅዕ ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ገሊኦም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን፡ ነቲ የሆዋ ዝሃቦም ዕዮ ንኺፍጽሙ ኸም ዘይበቕዑ ተሰሚዕዎም ነይሩ እዩ። ንሙሴ ኸም ኣብነት ንውሰድ። የሆዋ ፍሉይ ተልእኾ ምስ ሃቦ፡ “ኣየ ጐይታይ ኣነ ኣፈይ ወታእ፡ ልሳነይ ኰርታዕ እየ እሞ፡ ትማሊ ዀነ፡ ቅድሚ ትማሊ ዀነ፡ ሕጂ ንባርያኻ ምስ ተዛረብካኒውን፡ ኣነ ተዛራቢ ሰብ ኣይኰንኩን” በለ። የሆዋ መተባብዒ እኳ እንተ ሃቦ፡ “በጃኻ ጐይታይ፡ በቲ እትልእኮ ደኣ ልአኽ” ኢሉ መለሰ። (ዘጸ. 4:10-13) የሆዋኸ እንታይ ምላሽ ሃቦ፧

የሆዋ ነቲ ሙሴ ዘቕረቦ ምኽኒት ኣይተቐበሎን። ይኹን እምበር፡ ንሙሴ ኣብቲ እተዋህቦ ዕዮ ምእንቲ ኺሕግዞ፡ የሆዋ ንኣሮን መዘዞ። (ዘጸ. 4:14-17) ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓመታት፡ የሆዋ ኣብ ጐድኒ ሙሴ ብምዃንን ነቲ ዝሃቦ መዝነት ንኺፍጽም ዜኽእሎ ነገራት ብምቕራብን፡ ሓጊዝዎ እዩ። ሎሚ እውን፡ ነቲ እተዋህበካ ኣገልግሎት ክትፍጽም ምእንቲ ኺሕግዙኻ፡ ተመክሮ ንዘለዎም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትካ ኸም ዜለዓዕሎም ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ነቲ ኽንገብሮ ዝኣዘዘና ዕዮ ብቑዓት ንኽንከውን ከም ዚሕግዘና፡ ቃል ኣምላኽ የረጋግጸልና እዩ።—2 ቈረ. 3:5፣ ነታ  “ኣብ ህይወተይ ልዕሊ ዅሉ ዘሐጐሳኒ ዓመታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

“ሰባት ንስምዒተይ ጐዲኦምዎ።” ገሊኦም ኣሕዋት፡ ስምዒቶም ብኻልኦት ስለ እተጐድአ ብመንፈሳዊ መዳይ ንኺድስክሉ ምኽኒት ከም ዚዀኖም ብምሕሳብ፡ ኣገልግሎት ወይ ከኣ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ምክፋል ሓዲጎምዎ እዮም። ሓደ ሰብ ንስምዒትና ኺጐድኦ ኸሎ ኸም እንጕሂ ርዱእ እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ግን ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ካብ ምክፋል ንኸነቋርጽ ዜኽእል ብቑዕ መመኽነይታ ኪኸውን ይኽእልዶ፧ ጳውሎስን መገላግልቱ በርናባስን፡ “ኣብ መንጎኦም ባእሲ” ምስ ኰነ፡ ስምዒቶም ተጐዲኡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ግብ. 15:39) ብሰንኪ እዚ ግን ኣገልግሎቶም ኣቋሪጾምዶ፧ ኣይፋሎምን።

ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይካ ምስ ዚጐድኣካ፡ ጸላኢኻ እቲ ኺውሕጠካ ዚደሊ ሰይጣን ደኣ እምበር፡ እቲ ዘይፍጹም ክርስትያን ሓውካ ኸም ዘይኰነ ኣይትረስዕ። ኰይኑ ግን፡ ንድያብሎስ፡ ‘ብእምነት ጸኒዕካ እንተ ተቓዊምካዮ፡’ ኣይኪዕወትን እዩ። (1 ጴጥ. 5:8, 9፣ ገላ. 5:15) ከምዚኣ ዝኣመሰለት እምነት እንተ ኣልያትካ ድማ፡ ‘ኣይክትሓፍርን’ ኢኻ።—ሮሜ 9:33

ዓቕምና ድሩት ምስ ዚኸውን

ነቲ የሆዋ ዝኣዘዘና ንጹር ሕግታት፡ እንተላይ ነቲ ብስራት ንኽንሰብኽ እተዋህበና መምርሒ ንኸይንእዘዝ ብቑዕ ዝዀነ ቕዱስ ጽሑፋዊ መመኽነይታ ኸም ዘየለ፡ ካብቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ሒደት ምኽኒታት ንግንዘብ ኢና። ኰይኑ ግን፡ ብሰንኪ ብቑዕ ዝዀነ ምኽንያት፡ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘለና እጃም ውሱን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካልእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነታት፡ ነቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ከነውዕሎ እንኽእል ግዜ ይድርቶ ይኸውን። ብዘይካዚ፡ ኣዚና ስለ ዝደኸምና ወይ ስለ ዝሓመምና፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸምቲ እንደልዮ ኽንገብር ኣይንኽእልን ንኸውን። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ልባዊ ድሌትና ኸም ዚፈልጥን ነቲ ድሩት ዝዀነ ዓቕምና ኣብ ግምት ከም ዜእቱን፡ ቃል ኣምላኽ የረጋግጸልና እዩ።—መዝ. 103:14፣ 2 ቈረ. 8:12

ስለዚ፡ ንርእስና ዀነ ንኻልኦት ብሕማቕ ከይንፈርድ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንስኻ ኣብ ጊልያ ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧ ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይስ ዚወድቕ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 14:4) ንዅነታትና ምስ ናይ ካልኦት ኣብ ክንዲ እነወዳድር፡ ‘ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእስና ንኣምላኽ ጸብጻብ ከም እንህብ’ ክንዝክር ኣሎና። (ሮሜ 14:12፣ ገላ. 6:4, 5) ብጸሎት ናብ የሆዋ ኽንቀርብን ምኽንያትና ኽንነግሮን ከለና፡ ነፍሲ ወከፍና፡ “ሰናይ ሕሊና” ኺህልወና ንደሊ ኢና።—እብ. 13:18

ንየሆዋ ምግልጋል ሓጐስ ዜምጽኣልና ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ዅነታት ብዘየገድስ፡ ኵላትና ንየሆዋ ተሓጒስና ኸነገልግሎ ንኽእል ኢና፣ ከመይሲ፡ ንሱ ኸነማልኦ ዚሓትተና ብቕዓታት ወትሩ ሚዛናውን ምኽንያታውን ኪብጻሕ ዚከኣልን እዩ። ከምኡ ኽንብል እንኽእል ግን ስለምንታይ ኢና፧

ቃል ኣምላኽ፡ “ኢድካ ኽትገብረሉ ዚከአላ እንተ ዀይኑስ፡ ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ” ይብል። (ምሳ. 3:27) ካብዚ ሓሳብ እዚ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ከነማልኦ ዚደልየና ብቕዓታት እንታይ ኣስተብሂልካ፧ የሆዋ፡ “ኢድካ ኽትገብረሉ ዚከአላ” ኽትገብር ደኣ እምበር፡ ማዕረ እቲ ኢድ ሓውካ ኽትገብሮ እትኽእል ንኽትገብር ፋሕተርተር ክትብል ኣይኣዘዘካን። እወ፡ ኢድና ኽሳዕ ክንደይ ድኽምቲ ወይ ሓያል ትኹን ብዘየገድስ፡ ኵላትና ንየሆዋ ብምሉእ ልብና ኸነገልግሎ ንኽእል ኢና።—ሉቃ. 10:27፣ ቈሎ. 3:23

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

 “ኣብ ህይወተይ ልዕሊ ዅሉ ዘሐጐሳኒ ዓመታት”

ዓቕምና ኺድርት ዚኽእል ኣካላዊ ወይ ስምዒታዊ ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠመና፡ ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ንኸይንካፈል ዕንቅፋት ከም ዚዀነና ተሃዊኽና ኽንድምድም የብልናን። ንኣብነት፡ ንሓደ ኤርነስት ዝስሙ ኣብ ካናዳ ዚነብር ክርስትያን ሓው ዘጋጠሞ ዅነታት እስከ ንርአ።

ኤርነስት ናይ ምዝራብ ጸገም ነበሮ፡ ኣዝዩ ሓናኽ ከኣ እዩ ነይሩ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ሕቘኡ ዘጋጠሞ ኸቢድ ማህሰይቲ፡ ካብቲ ኸም ሰራሕተኛ ህንጸት ኰይኑ ዚዓዮ ዝነበረ ስራሕ ኪወጽእ ተገደደ። ስንኩል እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ሓድሽ ኵነታቱ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ንኼሕልፍ ኣኽኣሎ። ኣብ ጉባኤኡ፡ ሓጋዚ ፈላሚ ብዛዕባ ምዃን እተዋህበ መተባብዒ ንልቡ ተንከፎ። ይኹን እምበር፡ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ዘይበቅዕ ኰይኑ ተሰምዖ።

ሓጋዚ ፈላሚ ምዃን ልዕሊ ዓቕሙ ምዃኑ ንምርግጋጽ፡ ንሓደ ወርሒ ሓጋዚ ፈላሚ ኪኸውን ኣመልከተ። ንዕዮኡ ብዓወት ኪፍጽሞ ብምኽኣሉ፡ ኣዝዩ ተገረመ። ድሕሪኡ፡ ‘ክደግሞ እኳ ኣይክእልን እየ’ ኢሉ ሓሰበ። ነዚ ንምርግጋጽ ድማ፡ ኣብ ካልአይቲ ወርሒ ሓጋዚ ፈላሚ ኪኸውን ኣመልከተ፣ እንደገና ኸኣ ንዕዮኡ ኺፍጽም ከኣለ።

ንሓደ ዓመት ዚኸውን ሓጋዚ ፈላሚ ዀይኑ ምስ ኣገልገለ፡ “ስሩዕ ፈላሚ እኳ ክኸውን ኣይክእልን እየ” በለ። ነዚ ንምርግጋጽ ድማ፡ ስሩዕ ፈላሚ ንኪኸውን ኣመልከተ። ነታ ስሩዕ ፈላሚ ዀይኑ ዘገልገለላ ቐዳመይቲ ዓመት፡ ብዓወት ክዛዝም ምኽኣሉ ድማ ገረሞ። ስለዚ፡ ስሩዕ ፈላሚ ዀይኑ ንኪቕጽል ወሰነ፣ ብሰንኪ እቲ ኣጋጢምዎ ዝነበረ ማህሰይቲ ኽሳዕ ዚመውት ንኽልተ ዓመት ኬገልግል ብምኽኣሉ ድማ ተባሪኹ እዩ። ቀቅድሚ ሙማቱ፡ ነቶም ኪበጽሕዎ ዚመጹ ሰባት፡ ዓይኑ ቕጽርጽር እናበሎ፡ “እተን ፈላሚ ዀይነ ንየሆዋ ዘገልገልኩለን ዓመታት፡ ኣብ ህይወተይ ልዕሊ ዅሉ ዘሐጐሳኒ ዓመታት እየን ነይረን” ይብሎም ነበረ።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ንኸይነገልግል ዚዓግተና መሰናኽላት ክንሰግሮ ንኽእል ኢና

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ፡ ኵነታትና ብዚፈቕደልና መጠን፡ ብምሉእ ልብና ኸነገልግሎ ኸለና ባህ ይብሎ