ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቅድም “ጽድቁ” ድለ

ቅድም “ጽድቁ” ድለ

ቅድም “ጽድቁ” ድለ

“ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።” —ማቴ. 6:33

1, 2. ጽድቂ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧ ኣብ ምንታይከ እዩ ዚምስረት፧

 “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ . . . ድለዩ።” (ማቴ. 6:33) ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ከረን ኣብ ዝሃቦ ስብከቱ ዚርከብ ማዕዳ ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ እዮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዳይ ህይወትና፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም እንፈትዋን ንዕኣ እሙናት ክንከውን ከም እንደልን ከነርኢ ንጽዕር ኢና። ይኹን እምበር፡ ነታ ‘ጽድቁ ድለዩ’ እትብል ካልኣይ ክፋል እታ ማዕዳ እውን ክንዝክራ ኣሎና። ጽድቂ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧ ቅድም ጽድቂ ኣምላኽ ምድላይ ኪበሃል ከሎኸ እንታይ ማለት እዩ፧

2 እተን ን“ጽድቂ” ዜመልክታ ኣብ በዅሪ ቛንቋታት ዚርከባ ቓላት፡ “ፍትሒ” ወይ “ቅንዕና” ተባሂለን እውን ኪትርጐማ ይኽእላ እየን። ስለዚ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ኪበሃል ከሎ፡ ብመሰረት ብሕታዊ መለክዒታት ኣምላኽን ንሱ ኣኽቢሩ ዝርእዮ ስርዓታትን ዚልካዕ ቅንዕና ማለት እዩ። የሆዋ ኸም ፈጣሪ መጠን ጽቡቕን ክፉእን ወይ ቅኑዕን ጌጋን እንታይ ምዃኑ ስርዓት ናይ ምውጻእ መሰል ኣለዎ። (ራእ. 4:11) ኰይኑ ግን፡ ጽድቂ ኣምላኽ፡ ድርቕ ዝበለ ሕግታት ወይ ከኣ ማእለያ ዘይብሉ ዝርዝር ስርዓታት ዝሓዘ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ መንነት የሆዋን ኣብታ ሓንቲ ኻብተን ቀንዲ ባህርያቱ ዝዀነት ፍትሑን ኣብተን ፍቕርን ጥበብን ሓይልን ዚበሃላ ዝተረፋ ቐንዲ ባህርያቱን እተመስረተ እዩ። ጽድቂ ኣምላኽ ምስ ፍቓዱን ዕላማኡን ይተኣሳሰር እዩ። ካብቶም ኬገልግልዎ ዚደልዩ ሰባት ንዚጽበዮ ብቕዓታት እውን የጠቓልል።

3. (ሀ) ቅድም ጽድቂ ኣምላኽ ምድላይ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ለ) ንጽድቃዊ መለክዒታት የሆዋ እነኽብሮ ስለምንታይ ኢና፧

3 ቅድም ጽድቂ ኣምላኽ ምድላይ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ብሓጺሩ፡ ንኣምላኽ ከተሐጕስ ኢልካ ፍቓዱ ምግባር ማለት እዩ። እዚ ድማ ምስ ስርዓታትና ዘይኰነስ፡ ምስ ስርዓታትን ፍጹም መለክዒታትን ኣምላኽ ተሰማሚዕና ኽንነብር ምጽዓር እውን የጠቓልል። (ሮሜ 12:2 ኣንብብ።) እዚ መገዲ ህይወት እዚ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ዜጠቓልል እዩ። ንሕጉ እንእዘዞ፡ ምእንቲ ኸይንቕጻዕ ኣይኰነን። የግዳስ፡ እታ ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ፡ ናይ ገዛእ ርእስና መለክዒታት ብምውጻእ ዘይኰነስ፡ ንስርዓታቱ ብምኽባር ንኸነሐጕሶ ትድርኸና እያ። ብመሰረቱ እውን ከምኡ ኽንገብር ስለ እተፈጠርና፡ እዚ ተግባር እዚ ቕኑዕ ምዃኑ ንርዳእ ኢና። ከምቲ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ጽድቂ ዚፈቱ ዝነበረ፡ ንሕና እውን ጽድቂ ኽንፈቱ ኣሎና።—እብ. 1:8, 9

4. ጽድቂ ኣምላኽ ምድላይ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧

4 ጽድቂ የሆዋ ምድላይ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧ ነዚ ዚስዕብ እስከ ሕሰበሉ፦ እቲ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤድን ዘጋጠሞም ፈተና፡ ነቲ የሆዋ ዘለዎ መለክዒታት ናይ ምውጻእ መሰል ይቕበልዎ እንተ ዀይኖም ዚፍትን እዩ ነይሩ። (ዘፍ. 2:17፣ 3:5) ነዚ ብዘይምቕባሎም ከኣ ኣብ ዘርኦም መከራን ሞትን ኣስዓቡ። (ሮሜ 5:12) ብኣንጻሩ ግን፡ ቃል ኣምላኽ፡ “እቲ ንጽድቅን በጕነትን ዚስዕበን፡ ህይወትን ጽድቅን ክብረትን ይረክብ” ይብል። (ምሳ. 21:21) እወ፡ ቅድም ጽድቂ ኣምላኽ ምድላይ፡ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ከም ዚህልወና ይገብር፣ እዚ ኸኣ ናብ ድሕነት ይመርሓና።—ሮሜ 3:23, 24

ምምጽዳቕ ዘለዎ ሓደጋ

5. ካብ ከመይ ዝበለ ሓደጋ ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧

5 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ፡ ቅድም ጽድቂ ኣምላኽ ኣብ ምድላይ ዕዉታት ምእንቲ ኽንከውን፡ ከነርሕቖ ብዛዕባ ዚግባእ ሓደጋ ኣጕልሐ። ብዛዕባ ኣይሁድ ኪዛረብ ከሎ፡ “ብፍልጠት ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎምሲ፡ ኣነ እምስክረሎም አሎኹ፡ . . . ጽድቂ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦምን ጸድቂ ርእሶም ኪተኽሉ ብምድላዮምንሲ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግዝኡን” በለ። (ሮሜ 10:2, 3) ብመሰረት ቃላት ጳውሎስ፡ እዞም ኣምለኽቲ እዚኣቶም ጽድቂ ርእሶም ኣብ ምትካል ወይ ኣብ ምስራት ኣተኲሮም ስለ ዝነበሩ፡ ንጽድቂ ኣምላኽ ኣይተረድእዎን። a

6. እንታይ ኣመለኻኽታ ኢና ኸነርሕቕ ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧

6 ኣብዚ መፈንጠራ እዚ ኸም እንወድቕ ካብ ዚገብረና መገዲ እቲ ሓደ፡ ንኣምላኽ እነቕርቦ ኣገልግሎት ከም ውድድር ጌርና ብምርኣይ ንርእስና ምስ ካልኦት ነወዳድር እንተ ዄንና እዩ። ከምዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣብ ክእለትና ኸም እንተኣማመን ኪገብረና ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ንጽድቂ የሆዋ ኸም እንርስዖ ይገብረና። (ገላ. 6:3, 4) እቲ እንገብሮ ቕኑዕ ነገራት ንየሆዋ ብዘላትና ፍቕሪ ተደሪኽና ኽንገብሮ ኣሎና። ናይ ገዛእ ርእስና ጽድቂ ኸነርኢ እንገብሮ ዝዀነ ይኹን ጻዕሪ፡ ነቲ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ዋጋ ዘይብሉ ኺገብሮ ይኽእል እዩ።—ሉቃስ 16:15 ኣንብብ።

7. የሱስ ነቲ ንምምጽዳቕ ብዚምልከት ዝነበረ ጸገም ብኸመይ ገለጾ፧

7 የሱስ ብዛዕባ እቶም “ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዚእመኑ ንኻልኦትውን ዚንዕቁ ዝነበሩ” ሰባት ኣተሓሳሲብዎ ነበረ። ነቲ ንምምጽዳቕ ብዚምልከት ዝነበረ ጸገም ንምግላጽ ድማ፡ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ምሳሌ ሃበ፦ “ክልተ ሰብኣይ፡ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፡ እቲ ኻልኣይ ኸኣ ተጋዊ፡ ኪጽልዩ ናብ ቤተ መቕደስ ደየቡ። እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፤ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ አሎኹ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፤ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤመስግነካ አሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ። እቲ ተጋዊ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፤ ኣምላኸይ፡ ንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒ፡ እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ኬብል እኳ ኣይደፈረን።” የሱስ ዘረባኡ ኺዛዝም ከሎ፡ “ርእሱ ልዕል ዜብል ኵሉ ይዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ እሞ፡ እዚ ሓለፋ እቲ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝወረደ፡ እብለኩም አሎኹ” በለ።—ሉቃ. 18:9-14

“እምብዛ ጻድቕ” ምዃን ዘለዎ ሓደጋ

8, 9. “እምብዛ ጻድቕ” ምዃን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ እዚኸ ናበይ እዩ ኺመርሓና ዚኽእል፧

8 ካልእ ከነርሕቖ ዚግባእ ሓደጋ፡ ኣብ መክብብ 7:16 ተገሊጹ ኣሎ፣ ከምዚ ድማ ይብል፦ “እምብዛ ጻድቕ ኣይትኹን፡ ንርእስኻውን እምብዛ ጥበበኛ ኣይትግበር፡ ስለምንታይ ንርእስኻ እተጥፍእ፧” እቲ ነዘን ቃላት እዚኣተን ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ዝጸሓፈ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ቍጽሪ 20 ኻብ ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ እንርሕቀሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ፡ “ብርግጽ፡ ሰናይ ዚገብር እሞ ዘይሐጥእ ጻድቕ ኣብ ምድሪ የልቦን” በለ። እቲ “እምብዛ ጻድቕ” ዝዀነ ሰብ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ መለክዒታት ጽድቂ የውጽእን ብእኡ ገይሩ ንኻልኦት ይፈርድን እዩ። ይኹን እምበር፡ ከምኡ ኺገብር ከሎ፡ ንመለክዒታቱ ኻብ መለክዒታት ኣምላኽ ክብ ኣቢሉ ኸም ዚርኢ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቕ ከም ዘይኰነ ኣይግንዘብን እዩ።

9 “እምብዛ ጻድቕ” ምዃን፡ ነቲ ኣምላኽ ዚወስዶ ስጕምትታት ኣብ ሕቶ ኸም እነእትዎ ኺገብረና ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ንልክዕነት ውሳነታት የሆዋ ኣብ ሕቶ ነእትዎ እንተ ዄንና፡ ነቲ ንሕና ዘውጻእናዮ መለክዒታት ጽድቂ፡ ልዕሊ መለክዒታት የሆዋ ንገብሮ ኸም ዘለና ኽንዝክር ኣሎና። ንየሆዋ ኣብ ፍርዲ ደው ኣቢልና፡ ባዕልና ብዘውጻእናዮ ንቕኑዕን ንጌጋን ዚምልከት መለክዒታት ንፈርዶ ኸም ዘሎና ጌርካ እዩ ዚቝጸር። ይኹን እምበር፡ መለክዒታት ጽድቂ ናይ ምውጻእ መሰል ዘለዎ የሆዋ ደኣ እምበር፡ ንሕና ኣይኰንናን።—ሮሜ 14:10

10. ከምቲ እዮብ ዝገበሮ፡ ንሕና እውን ንኣምላኽ ከም እንፈርዶ ኺገብረና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

10 ደይ መደይ ኢልና ንኣምላኽ ክንፈርዶ ዘይንደሊ እኳ እንተ ዀንና፡ ዘይፍጽምናና ግን ከምኡ ኽንገብር ኪድርኸና ይኽእል እዩ። ሓደ ነገር ዘይፍትሓዊ ዀይኑ ምስ ዚስምዓና ወይ ከኣ ብውልቅና ጸገም ምስ ዜጋጥመና፡ ብቐሊሉ ንኣምላኽ ንኽንፈርዶ ኽንፍተን ንኽእል ኢና። እቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ እዮብ እውን እንተ ዀነ፡ ከምኡ ዓይነት ጌጋ ፈጺሙ እዩ። እዮብ ኣብ ፈለማ፡ “ፍጹምን ቅኑዕን ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፉእ ዝረሐቐን ሰብኣይ” ከም ዝነበረ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። (እዮ. 1:1) ኰይኑ ግን፡ ተኸታታሊ መዓት ምስ ወረዶ፡ ዘይፍትሓዊ ነገር ዘጋጠሞ ዀይኑ ተሰምዖ። እዚ ኸኣ ‘ንነፍሱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንኼጽድቓ’ ደረኾ። (እዮ. 32:1, 2) ይኹን እምበር፡ ኣረኣእያኡ ኺእረም ነበሮ። ስለዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ምስ ናይ እዮብ ዚመሳሰል ስምዒት እንተ ተሰምዓና ኽንግረም የብልናን። ከምኡ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ኣረኣእያና ኸነዐሪ ኺሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

ንዅሉ ሓቅታት ዘይንፈልጠሉ እዋን ኣሎ

11, 12. (ሀ) ሓደ ነገር ዘይፍትሓዊ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና፡ እንታይ ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧ (ለ) ገሊኦም ሰባት ነቲ የሱስ ብዛዕባ ዓየይቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝመሰሎ ምሳሌ ከም ዘይፍትሓዊ ገይሮም ዚርእይዎ ስለምንታይ እዮም፧

11 ብመጀመርታ ኽንዝክሮ ዘሎና ነገር፡ ንዅሉ ሓቅታት ዘይንፈልጠሉ እዋን ከም ዘሎ እዩ። እዚ ሓቂ እዚ፡ ኣብ ኵነታት እዮብ ተራእዩ እዩ። ኣብቲ እቶም ደቂ ኣምላኽ ዝዀኑ መላእኽቲ ኣብ ሰማይ ዝገበርዎ ኣኼባ፡ ሰይጣን ንዕኡ ብሓሶት ከም ዝኸሰሶ ኣይፈለጠን። (እዮ. 1:7-12፣ 2:1-6) ብዘይካዚ፡ ጠንቂ እቲ ዘጋጠሞ ጸገማት፡ ሰይጣን ከም ዝዀነ ኣይፈለጠን። ናይ ሓቂ መንነት ሰይጣን ይፈልጥ እንተ ነይሩ እውን የጠራጥር እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ፡ ጠንቂ ዅሉ መከራኡ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ብምሕሳብ ጌጋ ግምት ዘሕደረ። ብሓቂ እምበኣር፡ ንዅሉ ሓቅታት ኣብ ዘይንፈልጠሉ እዋን፡ ብቐሊሉ ኣብ ግጉይ መደምደምታ ኽንበጽሕ ንኽእል ኢና።

12 ነቲ የሱስ ብዛዕባ ዓየይቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝመሰሎ ምሳሌ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። (ማቴዎስ 20:8-16 ኣንብብ።) የሱስ ኣብዛ ምሳሌ እዚኣ፡ ብዛዕባ ሓደ ነቶም ምሉእ መዓልቲ ዝሰርሑ ዀነ ነቶም ሓንቲ ሰዓት ዝሰርሑ ዓየይቱ ማዕረ መጠን ገንዘብ ዝሃቦም ብዓል ቤት ገለጸ። ብዛዕባ እዚ እንታይ ይስምዓካ፧ እዝስ ፍትሓዊ ድዩ፧ ምናልባት ኣብ ፈለማ ነቶም ምሉእ መዓልቲ ኣብ ጸሓይ ኪሰርሑ ዝወዓሉ ዓየይቲ ትሓዝነሎም ትኸውን። ዝያዳ ኪኽፈሎም ዘለዎ ዀይኑ እውን ይስምዓካ ይኸውን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነቲ ብዓል ቤት ከም ሕሱምን ዘይፍትሓውን ጌርካ ትርእዮ ትኸውን። ነቶም ዘዕዘምዘሙ ሰባት ዝሃቦም ምላሽ እውን እንተ ዀነ፡ ንስልጣኑ ብዘይግቡእ ከም ዚጥቀም ኬምስሎ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ንዅሉ ሓቅታት ንፈልጦ ዲና፧

13. ነቲ የሱስ ብዛዕባ ዓየይቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝመሰሎ ምሳሌ ብኻልእ ሸነኽ ክንምርምሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

13 ነቲ ምሳሌ ብኻልእ ሸነኽ እስከ ንመርምሮ። እቲ ኣብቲ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ብዓል ቤት፡ ኵሎም እቶም ዓየይቲ ንስድራ ቤቶም ኪቕልቡ ኸም ዘለዎም ብርግጽ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ሰብ ውዕለት፡ በብመዓልቲ እዩ ዚኽፈሎም ነይሩ። ከመይሲ፡ ስድራ ቤቶም በቲ ውዕለት እዮም ዚናበሩ ነይሮም። ነዚ ነጥቢ እዚ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ፡ ብዛዕባ እቶም እቲ ብዓል ቤት ምስ መሰየ ዝረኸቦም እሞ ንሓንቲ ሰዓት ጥራይ ዝዓየዩ ዓየይቲ ሕሰብ። ምናልባት ናይ ሓንቲ ሰዓት መሃያ ንስድራ ቤቶም ንምቕላብ ኣይትኣኽሎምን ትኸውን፣ ኰይኑ ግን፡ ንኺሰርሑ ፍቓደኛታት ስለ ዝነበሩ፡ ዚቘጽሮም ሰብ ክሳዕ ዚረኽቡ ተጸብዮም እዮም። (ማቴ. 20:1-7) ምሉእ መዓልቲ ኺሰርሑ ዘይከኣሉ፡ ብናታቶም ጕድለት ኣይነበረን። ከመይሲ፡ ደይ መደይ ኢሎም ካብ ስራሕ ኪሃድሙ ኸም ዝፈተኑ ዚገልጽ ነገር የልቦን። በቲ ንስኻ መዓልታዊ እትረኽቦ ኣታዊ ዚናበሩ ኸም ዘለዉ እናፈለጥካ፡ ምሉእ መዓልቲ ስራሕ ንምርካብ ክትጽበ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ስራሕ እንተ ትረክብ፡ ኣብ ርእሲኡ ኸኣ ንስድራ ቤትካ ኽትቅልብ ዜኽእለካ እኹል መሃያ እንተ ትቕበል ክሳዕ ክንደይ ኰን መመስገንካ!

14. ካብቲ ብዛዕባ ኣታኽልቲ ወይኒ ዚገልጽ ምሳሌ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

14 ንተግባር እቲ ብዓል ቤት እስከ ኸም ብሓድሽ ንገምግሞ። ንዝዀነ ይኹን ሰብ ካብ ውዕለቱ ንታሕቲ ኣይከፈለን። የግዳስ፡ ንዅሎም እቶም ዓየይቲ ንገዛእ ርእሶምን ንስድራ ቤቶምን ዚኸውን ውዕለት ናይ ምርካብ መሰል ከም ዘለዎም ገይሩ እዩ ርእይዎም። ብዙሓት ደለይቲ ስራሕ ብምንባሮም፡ እቲ ብዓል ቤት ነቲ ዅነታት ኪምዝምዞ ይኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ ካብቲ ግቡእ ንታሕቲ ኪኸፍሎም ግን ኣይሓሰበን። ኵሎም እቶም ሰብ ውዕለት ንስድራ ቤቶም ኪቕልቡ ዜኽእሎም መሃያ ሒዞም እዮም ከይዶም። ነዚ ተወሳኺ ነጥብታት ኣብ ግምት ምእታው፡ ብዛዕባ ተግባር እቲ ብዓል ቤት ንዝነበረና ኣረኣእያ ኪቕይሮ ይኽእል እዩ። እቲ ዝገበሮ ውሳነ፡ ንስልጣኑ ብዘይግቡእ ዚጥቀም ሰብ ዘይኰነስ፡ ፈቃር ምዃኑ እዩ ዜርኢ። ካብዚ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ዘሎና እተወሰነ ፍልጠት፡ ኣብ ግጉይ መደምደምታ ኸም እንበጽሕ ኪገብረና ይኽእል እዩ። ብርግጽ እምበኣር፡ እዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ኣብ ሕጋዊ መምርሒታት እተመርኰሰን ንዚግብኦም ሰባት ጥራይ ዚጠቅምን ብዘይምዃኑ፡ ብሉጽ ከም ዝዀነ እዩ ዜጕልሕ።

ኣረኣእያና ኺዛባዕ ወይ ኪድረት ይኽእል

15. ዘይፍትሓዊ ብዛዕባ ዚመስል ጕዳያት ዘሎና ኣረኣእያ ኺዛባዕ ወይ ኪድረት ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

15 ዘይፍትሓዊ ዚመስል ጕዳይ ኬጋጥመና ኸሎ ኽንዝክሮ ዚግባእ ካልኣይ ረቛሒ፡ ኣረኣእያና ኺዛባዕ ወይ ኪድረት ከም ዚኽእል እዩ። ኣረኣእያና ብሰንኪ ዘይፍጽምና፡ ጽልኢ፡ ወይ ባህሊ ኺዛባዕ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ውሽጣዊ ድራኸን ልብን ሰባት ክንፈልጥ ስለ ዘይንኽእል፡ ኣረኣእያና እተደረተ እዩ። ብኣንጻሩ ግን፡ የሆዋን የሱስን በዚ ኸምዚ ኣይድረቱን እዮም።—ምሳ. 24:12፣ ማቴ. 9:4፣ ሉቃ. 5:22

16, 17. የሆዋ ነቲ ንዝሙት ዚምልከት ሕጉ ኣብ ልዕሊ ዳዊትን ባትሴባን ዘየተግበሮ ስለምንታይ እዩ፧

16 ነቲ ዳዊት ምስ ባትሴባ ብዛዕባ ዝፈጸሞ ዝሙት ዚገልጽ ጸብጻብ እስከ ንመርምር። (2 ሳሙ. 11:2-5) ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ክልቲኦም ብሞት ኪቕጽዑ ነበሮም። (ዘሌ. 20:10፣ ዘዳ. 22:22) የሆዋ ብኻልእ መገዲ ቐጺዕዎም እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ባዕሉ ዘውጸኦ ሕጊ ግን ኣየተግበሮን። የሆዋ ፍትሒ ድዩ ኣጕዲሉ፧ ንጽድቃዊ መለክዒታቱ ጥሒሱ ንዳዊት ሓለፋ ገይሩሉ ድዩ፧ ከምኡ ዚስምዖም ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዉ።

17 ይኹን እምበር፡ እዚ ንዝሙት ዚምልከት ሕጊ፡ ነቶም ልቢ ኼንብቡ ዘይክእሉ ፈራዶ እዩ ተዋሂቡ። ዓቕሞም ድሩት እኳ እንተ ዀነ፡ ሳላ እቲ ሕጊ ግን ዘይቀያየር ፍርዲ ኺህቡ ይኽእሉ ነበሩ። ብኣንጻሩ ግን፡ የሆዋ ልቢ ኼንብብ ይኽእል እዩ። (ዘፍ. 18:25፣ 1 ዜና 29:17) ስለዚ፡ የሆዋ በቲ ንዘይፍጹማት ፈራዶ ዝሃቦም ሕጊ ኪቕየድ ክንጽበ የብልናን። ብእኡ እንተ ዚቕየድ ነይሩ፡ ንሓደ ኣነጺሩ ኺርኢ ዚኽእል ሰብ፡ ኣነጺሮም ኪርእዩ ንዘይክእሉ ሰባት ተባሂሉ እተዳለወ መነጸር ኪገብር ምስ ምግዳድ ደይኰነን ዚመሳሰል፧ የሆዋ ንልቢ ዳዊትን ባትሴባን ኬንብብን ነቲ ናይ ሓቂ ንስሓኦም ኪርእን ይኽእል ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ፡ ምሕረትን ፍቕርን ብዝመልኦ መገዲ ዝፈረዶም።

ወትሩ ጽድቂ የሆዋ ድለ

18, 19. ንኣምላኽ ብናይ ገዛእ ርእስና መለክዒታት ጽድቂ ኸይንፈርዶ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

18 ኣብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ኣብ ህይወትና ዘይፍትሓዊ ዚመስል ጕዳይ ኬጋጥመና ኸሎ፡ ንኣምላኽ ብናይ ገዛእ ርእስና መለክዒታት ጽድቂ ኣይንፍረዶ። ንዅሉ ሓቅታት ዘይንፈልጠሉ እዋን ከም ዘሎ፡ ከምኡውን ኣረኣእያና ኺዛባዕ ወይ ኪድረት ከም ዚኽእል ክንዝክር ኣሎና። ነቲ፡ “ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ” ዚብል ምኽሪ ኣይንረስዓዮ። (ያእ. 1:19, 20) ከምኡ እንተ ጌርና፡ ‘ልብና ኣብ የሆዋ ኣይኬንጸርጽርን እዩ።’—ምሳ. 19:3

19 ልክዕ ከም የሱስ፡ ጻድቕን ቅኑዕን እንታይ ምዃኑ መለክዒ ናይ ምውጻእ መሰል ዘለዎ፡ የሆዋ ጥራይ ምዃኑ ንተኣመን። (ማር. 10:17, 18) ብዛዕባ እዚ መለክዒታት እዚ ቕኑዕ “ፍልጠት” ከነጥሪ ድማ ንጽዓር። (ሮሜ 10:2፣ 2 ጢሞ. 3:7) ነዚ ነጥብታት እዚ ተቐቢልና ንህይወትና ምስ ፍቓድ የሆዋ እንተ ኣሰማሚዕናያ፡ ቅድም “ጽድቁ” ንደሊ ኸም ዘለና ነርኢ።—ማቴ. 6:33

[እግረ-ጽሑፍ]

a ሓደ ምሁር ከም ዝገለጾ፡ እታ “ኺተኽሉ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ በዅሪ ቓል፡ ‘ሓወልቲ ኺተኽሉ’ ዚብል ትርጕም እውን ኣለዋ። ስለዚ፡ እቶም ኣብዚ ተጠቒሶም ዘለዉ ኣይሁድ፡ ንኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ንገዛእ ርእሶም ዜኽብር ምሳልያዊ ሓወልቲ እዮም ተኺሎም።

ትዝክሮዶ፧

• ጽድቂ የሆዋ ምድላይ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧

• ካብ ከመይ ዝበለ ኽልተ ሓደጋታት ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧

• ቅድም ጽድቂ ኣምላኽ ክንደሊ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ካብቲ የሱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዚጽልዩ ዝነበሩ ኽልተ ሰብኡት ዝመሰሎ ምሳሌ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ነቶም ኣብ መበል 11 ሰዓት ዝመጹ ዓየይትን ነቶም ምሉእ መዓልቲ ዝሰርሑ ዓየይትን ብማዕረ ምኽፋል ዘይፍትሓዊ ድዩ ነይሩ፧