ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንርእሰይ ብዕዮ ውድብ የሆዋ ትሕዝቲ ገበርክዋ

ንርእሰይ ብዕዮ ውድብ የሆዋ ትሕዝቲ ገበርክዋ

ንርእሰይ ብዕዮ ውድብ የሆዋ ትሕዝቲ ገበርክዋ

ቨርነን ዙብኮ ዘዘንተዎ

ኣብታ ስቲነን እትበሃል ኣብ ኣውራጃ ሰስካችወን፡ ካናዳ እትርከብ ቍሸት ኣብ ዝነበረ ቦታ ሕርሻ እየ ዓብየ። እቶም ፍረድን ኣደላን ዚበሃሉ ወለደይ፡ ንዓይን ኣሪልያ ንዝስማ ዓባይ ሓብተይን ኣልቪንን ኣለግረን ዳረልን ንዝስሞም ኣሕዋተይን ብመንፈሳውን ብስጋውን ዜድልየና ዘበለ ኼማልኡልና ኣበርቲዖም ይዓዩ ነበሩ። ወለድና ሓቂ ስለ ዝመሃሩና፡ ክሳዕ ሎሚ ኣዚና ኢና እነመስግኖም።

እቲ ቕቡእ ክርስትያን ዝነበረ ኣቦይ፡ ተባዕ ወንጌላዊ እዩ ነይሩ። ስድራኡ ንምእላይ ኣበርቲዑ ይዓዪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵሎም ሰባት ናይ የሆዋ ምስክር ምዃኑ ንኺፈልጡ እውን ጻዕሪ ይገብር ነይሩ እዩ። ወትሩ ብዛዕባ ሓቂ ይዛረብ ነበረ። እቲ ዝነበሮ ቕንኣትን ትብዓትን ዓብዪ ጦብላሕታ ሓዲጉለይ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ “ንርእስኻ ብዕዮ ውድብ የሆዋ ትሕዝቲ ምስ እትገብራ፡ ካብ ብዙሕ ጸገማት ክትስተር ኢኻ” ይብለኒ ነበረ።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ስቲነንን ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝነበረ ቦታታትን ኣብ መገዲ ነገልግል ነበርና። ከምዚ ምግባር ንዓይ ቀሊል ኣይነበረን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ፡ ነቶም ንኣሽቱ ዘበልና ዜላግጹልና ደንደንቲ ቘልዑ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ፡ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ከለኹ፡ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ሒዘ ኣብ ሓደ ዅርናዕ ደው በልኩ፣ እተወሰኑ መንእሰያት ከኣ ከበቡኒ። ንሓዳስ ቆብዐይ ካብ ርእሰይ መንዚዖም ወሰድዋ እሞ፡ ኣብቲ ኣብ ጥቓይ ዝነበረ ዓንዲ ሰቐልዋ። ሓደ ዚከታተለኒ ዝነበረ ሓው ግን፡ ከምኡ ኺገብሩ ኸለዉ ረኣዮም። መጺኡ ድማ፡ “ቨርን፡ ጸገም ኣሎ ድዩ፧” ኢሉ ሓተተ። እቶም ኣወዳት ብኡንብኡ ተበተኑ። እዚ ኣጋጣሚ እዚ ዜሕርቕ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ መገዲ ኽምስክር ከለኹ ኸም ዓንዲ ኣብ ሓደ ቦታ ደው ኣብ ክንዲ ዝብል፡ ክንቀሳቐስ ከም ዘሎኒ ተመሃርኩ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ግዜ ንእስነተይ ዝረኸብክዎ ስልጠና፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ንኸገልግል ዜኽእለኒ ትብዓት ንኽረክብ እውን ሓገዘኒ።

ኣነን ኣልቪንን ኣብ ግንቦት 1951 ተጠመቕና። ሽዑ ወዲ 13 ዓመት ነበርኩ። እቲ መደረ ጥምቀት ዘቕረበ ሓው ጃክ ናታን፡ ብዛዕባ የሆዋ ኸይተዛረብና ሓንቲ ወርሒ እውን ትኹን ከይትሓልፍ ኬተባብዓና ትዝ ይብለኒ። a ኣብ ስድራ ቤትና፡ ኣገልግሎት ፈላምነት ከም ዝበለጸ ዕዮ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ስለዚ፡ ብ1958 ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ፡ ፈላሚ ዀይነ ምእንቲ ኸገልግል ናብ ዊኒፐግ፡ ማኒቶባ ገዓዝኩ። ኣቦይ ኣብቲ ናይ ስድራ ቤትና ንግዲ ምስኡ ጸራቢ ዕንጨይቲ ዀይነ ኽዓዪ ይደሊ እኳ እንተ ነበረ፡ ንሱን ኣደይን ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክንኣቱ የተባብዑና ስለ ዝነበሩ፡ ነቲ ውሳነይ ደገፍዎ።

ሓድሽ ዓድን ሓዳስ ብጸይትን

ብ1959 ናብቲ ዝያዳ ወንጌላውያን ዜድልዩሉ ዝነበሩ ኲበክ ኪግዕዝ ዚኽእል ሰብ እንተ ኣልዩ፡ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ጻውዒት ኣቕረበ። ስለዚ ድማ፡ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ናብ ሞንትሪያል ከድኩ። እዚ ንዓይ ዓብዪ ለውጢ እዩ ነይሩ። ፈረንሳይኛ ኽመሃርን ምስ እተፈልየ ባህሊ ኽላለን ስለ ዝጀመርኩ፡ ኵሉ ነገር ሓድሽ ኰነኒ። ሓላው ወረዳና፡ “‘ኣብቲ ዝነበርኩሉ ጉባኤ ኸምዚ ኣይንገብርን ኢና’ ኣይትበል” ኢሉ መኸረኒ። ብሓቂ ጽቡቕ ምኽሪ እዩ ነይሩ።—1 ቈረ. 9:22, 23

ናብ ኲበክ ክግዕዝ ከለኹ፡ መገላግልቲ ኣይነበረንን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ለካቲት 1961 ንሓንቲ ሸርሊ ተርካት ዝስማ ኣቐዲመ ኣብ ዊኒፐግ እተላለኽዋ ሓብቲ ምስ ተመርዓኹዋ፡ ንሓዋሩ መገላግልተይ ኰነት። ንሳ እውን ንየሆዋ ኻብ ዜፍቅሩ ስድራ ቤት እያ መጺኣ። ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓመታት፡ ምንጪ ብርታዐን ምትብባዕን ከም እትዀነኒ ብዙሕ ኣይተገንዘብኩን ነይረ።

ኣብ ጋስፐይ ኣገልገልና

ካብ እንምርዖ ኽልተ ዓመት ምስ ገበርና፡ ኣብ ሪሙስኪ፡ ኲበክ ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል ተመደብና። ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ጽድያ፡ ኣብታ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ካናዳ እትርከብ ሓውሲ ደሴት ጋስፐይ ከነገልግል፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ጻውዒት ኣቕረበልና። ዕዮና፡ ብእተኻእለ መጠን ብዙሕ ዘርኢ ሓቂ ኽንዘርእ እዩ ነይሩ። (መክ. 11:6) ንሓደ ወርሒ ምሉእ ንኣገልግሎት ዜድልየና ልዕሊ 1,000 መጽሔትን ዳርጋ 400 መጽሓፍን እተወሰነ ምግብን ክዳውንትን ኣብ ማኪናና ጸዓንና። ኣብ ኵለን እተን ኣብ ጋስፐይ ዚርከባ ንኣሽቱ ቝሸታት ብጥበብ ሰበኽና። ኣብቲ ኸባቢ ዝነበረ መደብር ራድዮ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይመጹ ኸም ዘለዉን ሰባት ንጽሑፋትና ኸይቅበሉን ኣጠንቀቐ። ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኦም ነበርቲ፡ እቲ መደብር ራድዮ ንጽሑፋትና የፋልጥ ከም ዘሎ ገይሮም ብጌጋ ስለ እተረድእዎ፡ ጽሑፋትና ተቐበሉ።

ኣብተን ዓመታት እቲኣተን፡ ኣብ እተወሰነ ኽፋል ኲበክ ንኽንሰብኽ እተዋህበና ናጽነት ብተዛማዲ ሓድሽ ስለ ዝነበረ፡ ፖሊስ ደው ኬብለካ ልሙድ እዩ ነይሩ። ኣብ ሓንቲ ኸተማ፡ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ንጽሑፋትና ኸነበርክት ከለና ኸምኡ ኣጋጠመና። ሓደ ፖሊስ ምስኡ ናብ መደበር ፖሊስ ክንከይድ ምስ ሓተተና፡ ከምቲ ዝበለና ገበርና። ጠበቓ እታ ኸተማ፡ ከይንሰብኽ ዚኽልክል ትእዛዝ ከም ዝሃበ ፈለጥኩ። እቲ ሓላፊ ፖሊስ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ስራሕ ስለ ዘይኣተወ፡ ነቲ ጠበቓ ንኽንሰብኽ ብዛዕባ ዘለና መሰል ዚገልጽ፡ ካብቲ ኣብ ቶሮንቶ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዝመጸ ደብዳበ ሃብክዎ። እቲ ጠበቓ ነታ ደብዳበ ምስ ኣንበባ፡ “ዝዀነ ይኹን ጸገም ኣይደልን እየ። ሓደ ኻህን እዩ ደው ከብለኩም ነጊሩኒ” በለና። እቶም ኣብቲ ኽሊ ዝነበሩ ሰባት፡ ዕዮና ሕጋዊ ምዃኑ ኺፈልጡ ስለ ዝደለና፡ ናብቲ ዝነበርናዮ ቦታ ተመሊስና ስብከትና ቐጸልና።

ንጽብሒቱ ናብቲ ሓላፊ ፖሊስ ከድና፣ ካብ ስብከትና ኸም ዘቋረጹና ሰሚዑ ስለ ዝነበረ፡ ሓሪቑ እዩ ነይሩ። ምስቲ ጠበቓ ብተሌፎን ኪዘራረብ ከሎ እንተ ትሰምዕዎ፡ ክሳዕ ክንደይ ሓሪቑ ምንባሩ ምተረድኣኩም። እቲ ሓላፊ ፖሊስ፡ ዝዀነ ይኹን ጸገም እንተ ኣጋጢሙና፡ ንዕኡ ብቐጥታ ኽንድውለሉ ኸም እንኽእልን ነቲ ጕዳይ ባዕሉ ኸም ዚከታተሎን ነገረና። ኣጋይሽን ፈረንሳይኛ ብዙሕ ዘይንኽእልን እኳ እንተ ነበርና፡ እቶም ተቐማጦ ሕያዎትን ተቐበልቲ ጋሻን እዮም ነይሮም። ኰይኑ ግን፡ ‘ሓቂ ይቕበሉዶ ይዀኑ፧’ ኢልና ንሓስብ ነበርና። ድሕሪ እተወሰነ ዓመታት፡ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሃንጽ ናብ ጋስፐይ ምስ ተመለስና፡ ናይቲ ሕቶና ምላሽ ረኸብና። ሓያሎ ኻብቶም ዝመስከርናሎም ሰባት፡ ኣሕዋትና ኸም ዝዀኑ ፈለጥና። እወ፡ የሆዋ ነቲ ዝተኸልናዮ ኣብቊልዎ እዩ።—1 ቈረ. 3:6, 7

የሆዋ ዝሃበና ውህበት

ብ1970 ሊሳ ጓልና ተወልደት። እዛ ኻብ የሆዋ እተዋህበትና ውህበት፡ ንህይወትና ሓጐስ ወሰኸትሉ። ሸርሊን ሊሳን ምሳይ ኰይነን ኣብ ፕሮጀክትታት ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይካፈላ ነበራ። ሊሳ ትምህርታ ምስ ወድአት፡ “ነተን ኣነ ምስ ተወለድኩ ኻብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘቋረጽኩምወን ዓመታት፡ ፈላሚት ኰይነ ኽትክአን እየ” በለትና። ሕጂ ድሕሪ 20 ዓመት፡ ምስ ሲልቫን ሰብኣያ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ኣላ። ክልቲኦም ኣብ ሓያሎ ኣህጉራዊ ፕሮጀክትታት ህንጸት ናይ ምክፋል ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኺቦም እዮም። ከም ስድራ ቤት መጠን፡ ቀሊል ናብራ ኽንነብርን ገዛእ ርእስና ንኣገልግሎት የሆዋ ቕርብቲ ኽንገብራን ሸቶ ኣሎና። ነተን ሊሳ ፈላሚት ክትከውን ከላ እተዛረበተን ቃላት ኣይስርዐንን እየ። ሊሳ ብ2001 ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽምለስ ኣተባብዓትኒ፣ ካብ ሽዑ ንነጀው ድማ ፈላሚ ዀይነ አገልግል ኣለኹ። ፈላምነት፡ ብዅሉ ኣብ የሆዋ ንኽውከልን ቀሊል ግን ከኣ ዜዕግብን ዜሐጕስን ህይወት ንኽነብርን ምሂሩኒ እዩ።

ፕሮጀክትታት ህንጸት፡ ፍቕርን ተኣማንነትን ይሓትት

የሆዋ፡ ነቲ ዚወሃበና ዝዀነ ይኹን ዕዮ ኽንቅበል ቅሩባት እንተ ዄንና፡ ብዙሕ በረኸት ከም እንዓጽድ ምሂሩኒ እዩ። ኣብ ኲበክ ኰነ ኣብ ካልእ ቦታታት፡ ኣብ ከባብያዊ ኮሚተ ህንጸትን ኣብ ፕሮጀክትታት ህንጸትን ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ኪዓዪ ምኽኣለይ፡ ባህ እዩ ኢሉኒ።

ገሊኦም ወለንተኛታት ኣብ መድረኽ ኣዝዩ ብሉጽ መደረ ዘይህቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪግበር ከሎ ግን ከም ከዋኽብቲ የንጸባርቑ እዮም። እዞም ፍቑራት ኣሕዋት እዚኣቶም፡ ብምሉእ ልቦምን ብኽእለትን እዮም ዚዓዩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ንኣምልኾ የሆዋ ዚኸውን ውቁብ ህንጻታት ይስራሕ።

“ኣብ ፕሮጀክት ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚዓዪ ክርስትያን ኪህልዎ ዚግባእ ባህርያት እንታይ እዩ፧” ተባሂለ ተሓቲተ እፈልጥ እየ። ካብቲ ዘሕለፍክዎ ተመክሮ፡ ሓደ ሰብ ንየሆዋን ንወዱን ንብጾቱን ፍቕሪ ኺህልዎ ኸም ዚግባእ እየ ተማሂረ። (1 ቈረ. 16:14) ብዘይካዚ፡ ተኣማንነት ኣገዳሲ እዩ። ሓደ እሙን ሰብ፡ ገሊኡ ዅነታት ከምቲ ዝሓሰቦ ኸይኰነ ኺተርፍ ከሎ እውን ከይተረፈ፡ ንቲኦክራስያዊ መሰናድዎታት ብቐጻሊ ይድግፍ እዩ። ኣብ እተፈላለየ ፕሮጀክትታት ከኣ ብወለንታን ብተኣማንነትን ይዓዪ እዩ።

ንየሆዋ አመስግኖ እየ

ኣቦይ ብ1985 እኳ እንተ ሞተ፡ እቲ ንርእሰይ ብዕዮ ውድብ የሆዋ ትሕዝቲ ኽገብራ ዝሃበኒ ምኽሪ ግን ኣብ ኣእምሮይ ተቐሪጹ እዩ። ከምቶም ኣብ ሰማያዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ መዝነት እተቐበሉ ኣሕዋት፡ ብዕዮ ትሑዝ ምዃኑ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ራእ. 14:13) ኣደይ ሕጂ ጓል 97 ዓመት እያ። ብሰንኪ ወቕዒ ብዙሕ ክትዛረብ ዘይትኽእል እኳ እንተ ዀነት፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣጸቢቓ ትፈልጦ እያ። ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጠቒሳ ደብዳበ ብምጽሓፍ፡ ንየሆዋ ብተኣማንነት ከነገልግሎ ተተባብዓና እያ። ኣነን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ፈቃራት ወለዲ ምርካብና ነማስወሉ ኢና።

ነታ እምንቲ መጻምድተይ ዝዀነት ሸርሊ ስለ ዝረኸብኩ እውን ንየሆዋ አመስግኖ እየ። ሸርሊ ነቲ ኣዲኣ፡ “ቨርን ኣብ ሓቂ ኣዝዩ ትሑዝ ስለ ዚኸውን፡ ንዓኺ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት እውን ንምሕጋዝ ብዙሕ ግዜ ኸም ዜሕልፍ ክትፈልጢ ኼድልየኪ እዩ” ብምባል ዝሃበታ ምኽሪ ኣብ ልባ ኣሕዲራቶ እያ። ቅድሚ 49 ዓመት ክንምርዖ ኸለና፡ ክሳዕ እርጋንና ብሓባር ንየሆዋ ኸም እነገልግሎ፡ ክልቴና ኻብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ እንተ ሓሊፍና ድማ፡ ናብ ንእስነት ተመሊስና ንየሆዋ ንዘለኣለም ከም እነገልግሎ ቓል ተኣታቲና ነበርና። እወ፡ ‘ብዕዮ ጐይታ ዕዙዛት’ ኢና ኔርና። (1 ቈረ. 15:58) የሆዋ ኸኣ ብሓቂ ተኸናኺኑናን ዜድልየና ዘበለ ኣማሊኡልናን እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ ጃክ ሃሊደይ ናታን ታሪኽ ህይወት እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 1 መስከረም 1990 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 10-14 ርአ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

“ከም ስድራ ቤት መጠን፡ ቀሊል ህይወት ክንነብርን ንርእስና ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ቕርብቲ ኽንገብራን ሸቶ ኣሎና”