ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንደቅኻ፡ ምስ ውድብ የሆዋ ንኺፋለጡ ሓግዞም

ንደቅኻ፡ ምስ ውድብ የሆዋ ንኺፋለጡ ሓግዞም

ንደቅኻ፡ ምስ ውድብ የሆዋ ንኺፋለጡ ሓግዞም

ቈልዑ ኺመሃሩ ይደልዩ እዮም። ኣብታ ቐዳማይ ፋስጋ እተባዕለትላ ምሸት፡ ኣብ ግብጺ ዝነበሩ እስራኤላውያን ቈልዑ ሕቶታት ኪሓቱ ኸለዉ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ፣ ‘እቲ ገንሸል ስለምንታይ ተሓሪዱ፧’ ‘ኣቦይ ስለምንታይ እዩ ንልዳትና ብደም ዚለኽዮ ዘሎ፧’ ‘ናበይ ኢና ኽንከይድ፧’ ኢሎም ሓቲቶም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። የሆዋ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት የተባብዕ ምንባሩ፡ ኣብቲ ንእስራኤላውያን ኣቦታት ዝሃቦም ትእዛዝ ተራእዩ እዩ። ኣብ መጻኢ፡ ፋስጋ ብኸመይ ከም ዜብዕሉ ኺነግሮም ከሎ፡ “ደቅኹም፡ እዚ ኣገልግሎትኩም እንታይ እዩ፧ ምስ ዚብልኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ፡ እዚ ነቲ ንግብጻውያን ኪወቅዕ ከሎ፡ ኣብ ግብጺ ኣባይቲ ደቂ እስራኤል ዝሐለፈ፡ ኣባይትና ድማ ዘድሐነ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ፋስጋ እዩ፡ ትብሉ” በሎም። (ዘጸ. 12:24-27) ጸኒሑ፡ ንእስራኤላውያን ኣቦታት፡ ደቆም ብዛዕባ “ሕጋጋትን ፍርድታትን” ንዜበግስዎ ሕቶታት መልሲ ምሃብ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣዘኻኸሮም።—ዘዳ. 6:20-25

የሆዋ፡ ነቲ ቘልዑ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብዚምልከት ዜቕርብዎ ሕቶታት ዜዕግብ መልሲ ኺረኽቡ ይደልዮም እዩ፣ እቲ ዚረኽብዎ መልሲ ኸኣ ንዕኡ ኸም ኣምላኾምን መድሓኒኦምን መጠን ንኼፍቅርዎ ዚድርኽ ኪኸውን እዩ ዚደልዮ። ሎሚ እውን፡ የሆዋ፡ ደቅና ኸምኡ ኺረኽቡ እዩ ዚደልዮም። ሓደ ኻብቲ ወለዲ ንደቆም፡ ንኣምላኽን ንህዝቡን ፍቕሪ ኸም ዜሕድሩ ኺገብሩሉ ዚኽእሉ መገዲ፡ ምስ ውድብ የሆዋ ንኺላለዩን ካብኡ ዚረኽብዎ ጥቕሚ ንኺርድኡን ብምሕጋዝ እዩ። እምበኣር፡ ቈልዑ ብዛዕባ ውድብ ኣምላኽ ብኸመይ ዝርዝር ነገራት ኪመሃሩ ኸም ዚኽእሉ እስከ ንርአ።

ጉባኤኻ

ንኣሽቱ ዘበሉ ነታ ስድራ ቤትኩም እትእከበሉ ጉባኤ ኺፈልጥዋ ኣለዎም። ነዚ ንምግባር ድማ፡ ወለዲ ዘበልኩም ንደቅኹም፡ ናብ ኵሉ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሒዝኩምዎም ክትከዱ ኣሎኩም። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ነቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ዝሃቦም ትእዛዝ ትስዕቡ ኣለኹም፦ “ምእንቲ ኺሰምዑን ኪመሀሩን እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፈርህዎ፡ ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ ድማ ንምግባሩ ኺጥንቀቑ፡ እቶም ዘይፈልጡ ደቆም ድማ ኪሰምዑን ኪመሀሩን . . . ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፈርህዎ፡ ነቲ ህዝቢ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን . . . አክቦም።”—ዘዳ. 31:12, 13

ቈልዑ ኻብ ሕጻንነቶም ጀሚሮም፡ ቃል የሆዋ ኺመሃሩ ይኽእሉ እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ “ካብ ሕጻንነትካ ጀሚርካ ነተን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ትፈልጠን ኢኻ” በሎ። (2 ጢሞ. 3:15ትርጕም 1990) ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚግበር ኣኼባታት፡ ንኣሽቱ ቘልዑ እውን ከይተረፉ፡ ነቲ ዚቐርብ ትምህርቲ ኺርድእዎን መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪዝምሩን ይኽእሉ እዮም። ኣብኡ እውን እዮም ንመጽሓፍ ቅዱስን ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋትን ብኸመይ ከም ዚጥቀሙሉን ብኸመይ ኣኽቢሮም ከም ዚሕዝዎን ዚመሃሩ። ብዘይካዚ እውን፡ ኣብ ኣኼባታትና እታ መለለዪት ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝዀነት ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸም ዘላ ይርእዩ እዮም። የሱስ፡ “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃ. 13:34, 35) ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ፍቕሪ ዝዓሰሎን ካብ ስግኣት ናጻ ዝዀነን ሃዋህው ስለ ዘሎ፡ እዚ ንቘልዑ ኺማርኾምን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብ ቀጻሊ ኽፍሊ ህይወቶም ንኺገብርዎ ኺሕግዞምን እዩ።

ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣቐዲምካ እትመጽእን ድሕሪ ኣኼባታት ቍሩብ እትጸንሕን እንተ ዄንካ፡ ደቅኻ ኣዕሩኽ ንኺገብሩ ኣጋጣሚ ኺረኽቡ እዮም። ምስ ካልኦት ቈልዑ ጥራይ ኪቀራረቡ ኣብ ክንዲ እትሓድጎም፡ ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ምስ ዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ስለምንታይ ዘይተላልዮም፧ ምስ ዓበይቲ እንተ ተፋሊጦም፡ ባህ ዜብል ውህሉል ተመክሮን ጥበብን ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ከምቲ ብግዜ ጥንቲ ዝነበረ ዘካርያስ ንዑዝያ ንጉስ ይሁዳ ‘ፍርሃት እግዚኣብሄር ስለ ዝመሃሮ’ ጽቡቕ ጽልዋ ዝገበረሉ፡ ሎሚ እውን እቶም ንየሆዋ ንሓያሎ ዓመታት ብተኣማንነት ዘገልገሉ ክርስትያናት ንደቅና ጽቡቕ ጽልዋ ኺገብሩሎም ይኽእሉ እዮም። (2 ዜና 26:1, 4, 5ትርጕም 1990) ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንደቅኻ ብዛዕባ እቲ ቤተ-መጻሕፍትን ሰሌዳ ሓበሬታን ካልእ ነገራትን ዚህቦ ኣገልግሎት ክትገልጸሎም ትኽእል ኢኻ።

ዓለምለኻዊ ውድብ

ጉባኤኻ ኽፍሊ እቲ ልዕሊ 100,000 ጉባኤታት ዚሓቍፍ ዓለምለኻዊ ውድብ ምዃና፡ ደቅኻ ኺርድኡ ኣለዎም። ብዛዕባ እቲ ውድብን ብዛዕባ ኣሰራርሓኡን ቈልዑ ነቲ ዕዮ ኣብ ምድጋፍ ብዛዕባ ዘለዎም ግደን ግለጸሎም። ንኣኼባታት ወረዳን ንኣኼባታት ኣውራጃን ንምብጻሕ ሓላው ወረዳን ብሃንቀውታ እትጽበየሉ ምኽንያት ንገሮም።—ኣብ ገጽ 28 እትርከብ፡  “ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ክትመያየጡሉ እትኽእሉ ርእሰ ነገራት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ኣጋጣሚ ኽትረክብ ከለኻ፡ ንገየሽቲ ሓለውትን ንሚስዮናውያንን ንኣባላት ስድራ ቤትኤልን ንኻልኦት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልትን ናብ ቤትካ ዓድሞም። ንቘልዑ ዚኸውን ግዜ ኸም ዘይብሎም ጌርካ ኣይትሕሰብ። እዞም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ እዚኣቶም፡ ነቲ ንቘልዑ ወትሩ ሓንጐፋይ ኢሉ ዚቕበሎምን ዜዘራርቦምን ዝነበረ የሱስ ኪመስልዎ እዮም ዚጽዕሩ። (ማር. 10:13-16) ደቅኻ ኻብዞም ኣገልገልቲ የሆዋ ተመክሮታት ኪሰምዑን ኣብ ቅዱስ ኣገልግሎት ዚረኽብዎ ሓጐስ ኪርእዩን ከለዉ፡ ንሳቶም እውን ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሸቶኦም ኪገብርዎ ይኽእሉ እዮም።

ንደቅኻ ምስ ውድብ የሆዋ ብዝያዳ ንኺፋለጡ ንምሕጋዝ፡ እንታይ ተወሳኺ ነገራት ክትገብር ትኽእል፧ እተወሰነ ርእይቶታት እንሆ፦ ነታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም ዘርእስታ መጽሓፍ ብስድራ ቤት ንኽትምርምርዋ መደብ ግበር። ኣገልገልቲ የሆዋ ዘርኣይዎ ተወፋይነትን ትሕትናን ተኣማንነትን ኣጕልሕ። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ፡ የሆዋ ነዞም ኣገልገልቱ ብኸመይ ከም እተጠቕመሎም ግለጸሎም። ብውድብ የሆዋ ብእተዳለወ ቪድዮታት ጌርካ፡ ብዛዕባ ሕሉፍን ህልውን ዚገልጽ ኣገዳሲ ትምህርትታት ኣካፍሎም። እንተ ኽኢልካ፡ ኣብ ዓድኻ ወይ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ኣባይቲ ቤትኤልን ብጻሕ። ከምዚ ዝበለ ምብጻሕ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዚዓዪ ምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ ውድብ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዚርከቡ ኣሕዋት መንፈሳዊ ምግቢ ንምድላውን መምርሒ ንምሃብን ብኸመይ ከም እተወደበ ንኼስተውዕሉ የኽእሎም።—ማቴ. 24:45-47፣ ግብ. 15:22-31

ንነፍሲ ወከፍ ውሉድ፡ ከከም ዓቕሙ ምሃሮ

ንደቅኻ ኽትምህሮም ከለኻ፡ ነቲ የሱስ ንሃዋርያቱ ዝመሃረሉ መገዲ ዘክር። ኣብ ሓደ እዋን፡ “ዝነግረኩም ብዙሕ ካልእ ዘረባ ገና አሎኒ፡ ግናኸ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢልዎም እዩ። (ዮሃ. 16:12) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኻብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኣይመሃሮምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ኣገዳሲ ሓቅታት ብግቡእ ምእንቲ ኺርድእዎ፡ በብቝሩብ መሃሮም። ንስኻ እውን ንደቅኻ ኻብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኣይትምሃሮም። ብዛዕባ ውድብ ኣምላኽ በብቝሩብ፡ ግን ከኣ ብስሩዕ ብምምሃር፡ ተገዳስነቶም ቀጻሊ ኸም ዚኸውንን ብዛዕባ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚመሃርዎ ትምህርቲ ዜሐጕስ ከም ዚኸውንን ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እናዓበዩ ምስ ከዱ፡ ገለ ኻብቲ ትምህርትታት ክትደግመሎምን ከተስፍሖን ትኽእል ኢኻ።

ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ዕርዲ መንፈሳዊ ብርታዐ እያ፣ ኣብ ንጥፈታታ ብቕንኣት ዚካፈሉ ንኣሽቱ እውን፡ ንጽልዋ ናይ ሰይጣን ዓለም ንምቅዋም ብዝሓሸ ይዕጠቑ እዮም። (ሮሜ 12:2) ንደቅኻ ምስ ውድብ የሆዋ ኸተፋልጦም ከለኻ፡ ብዙሕ ሓጐስ ከም እትረክብ ርግጸኛታት ኢና። ምስቲ ፈቃር ኣምላኽናን ምስ ውድቡን ብተኣማንነት ንኺመላለሱ፡ ንሱ ባዕሉ ይባርኮም።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

 ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ክትመያየጡሉ እትኽእሉ ርእሰ ነገራት

ኣብታ ኣምልኾ ስድራ ቤት እትገብሩላ ምሸት ክትመያየጡሉ እትኽእሉ ምስ ውድባዊ ጕዳያት እተተሓሓዘ ርእሰ ነገራት እንሆ፦

ብዛዕባ ታሪኽ ጉባኤኹም ተመያየጡ። መዓስን ብኸመይን ተመስሪታ፧ እታ ጉባኤ ኣበየኖት ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ትእከብ ነይራ፧ ኣብዚ ምይይጥ እዚ፡ ደቅኻ ንዜቕርብዎ ሕቶታት ንምምላስ፡ ሓደ ንነዊሕ እዋን ኣባል ጉባኤኹም ዝነበረ ክርስትያን ስለምንታይ ዘይትዕድም፧

ዕላማ እተፈላለየ ኣኼባታት ጉባኤን ዕላማ ዓበይቲ ኣኼባታትን ግለጽ፣ ንደቅኻ እውን ብኸመይ ካብኡ ኺጥቀሙ ኸም ዚኽእሉ ሓብሮም።

ብዛዕባ እቲ ብውድብ የሆዋ እተመስረተ እተፈላለየ ኣብያተ-ትምህርቲ ዘለዎ ዕላማ ተመያየጡ። ካብቲ ኣብያተ-ትምህርቲ እተመረቑ ክርስትያናት፡ እንታይ ጽቡቕ ፍረ ኸም ዘፍረዩ ዚገልጽ ተመክሮታት ኣካፍል።

ደቅኻ፡ ስሩዓት ኣስፋሕቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምዃን ዘለዎ ኣገዳስነት ንኺግንዘቡ ሓግዞም። ኣብቲ ኣብ ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚወጽእ ዓለምለኻዊ ጸብጻብ ብኸመይ ኣበርክቶ ኺገብሩ ኸም ዚኽእሉ ሓብሮም።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ውድብ የሆዋ ዚርከቡ ንኣሽቱ ዘበሉ ኺካፈሉሉ ዚኽእሉ እተፈላለየ ዓይነት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተመያየጡ። ነዚ ብዚምልከት፡ ኣብታ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 10 ጽቡቕ ሓበሬታ ኣሎ።

ንደቅኻ፡ ኣብ ጉባኤ እተወሰነ ኣሰራርሓ ኺሰዓብ ዜድልየሉ ምኽንያት ኣረድኣዮም። ኣብ ንኣሽቱ ጕዳያት እውን ከይተረፈ፡ ካብ ውድብ የሆዋ ተፈልዮም ብርእሶም ስጕምቲ ኺወስዱ ዘይብሎም ስለምንታይ ምዃኑ ግለጸሎም። መምርሒ ሽማግለታት ብምስዓብ፡ ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ጽቡቕ ስርዓት ብኸመይ ኣበርክቶ ኺገብሩ ኸም ዚኽእሉ ምሃሮም።

[ስእሊ]

ደቅኻ ንነዊሕ ግዜ ምስ ዘገልገሉ ኣገልገልቲ እንተ ተዓራሪኾም፡ ኪጥቀሙ እዮም

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ከምቶም ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ወለዲ ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ሕጂ ዘለዉ ወለዲ እውን ብዛዕባ ውድብ የሆዋ ንዚቐርበሎም ሕቶታት ዜዕግብ መልሲ ኺህቡ ይጽዕሩ እዮም