ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾት ብምኽባር ትቀዳደም ዲኻ፧

ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾት ብምኽባር ትቀዳደም ዲኻ፧

ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾት ብምኽባር ትቀዳደም ዲኻ፧

“ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ።”—ሮሜ 12:10

1, 2. (ሀ) ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ እንታይ ኢሉ እዩ ዝመዓደ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንርኢ፧

 ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ ንሕና ክርስትያናት ኣብ ውሽጢ ጉባኤ ፍቕሪ ኸነርኢ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ኣጕሊሑ ነይሩ። ፍቕርና “ብዘይግብዝና” ኽትከውን ከም ዘለዋ ኣዘኻኺሩና እዩ። “ብፍቕሪ ኣሕዋት” ንሓድሕድና “ብለውሃት” ክንፋቐር ከም ዘሎና እውን ጠቒሱ እዩ።—ሮሜ 12:9, 10

2 ሕውነታዊት ፍቕሪ ንኻልኦት ካብ ምፍታው ንላዕሊ እተጠቓልል እያ። ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት ብግብሪ ኺርአ ኣለዎ። ከመይሲ፡ ፍቕርናን ፍትወትናን እንተ ዘየርኢና፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኪፈልጦ ኣይክእልን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ጳውሎስ፡ “ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም” ኢሉ ዝመዓደ። (ሮሜ 12:10) ኣኽብሮት እንታይ የጠቓልል፧ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ኣብ እነርእዮም ኣኽብሮት ክንቀዳደም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ብኸመይከ ኸምኡ ኽንገብር ንኽእል፧

ኣኽብሮት እንታይ የጠቓልል፧

3. እታ “ኽብሪ” ብእትብልን ብረባሕታኡን እትትርጐም ቃል ኣብ በዅሪ ቛንቋታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ትርጕም ኣለዋ፧

3 እታ “ኽብሪ” ብእትብልን ብረባሕታኡን እትትርጐም ቀንዲ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ ቃል ብቓሉ “ኽብደት” ማለት እያ። ሓደ ኽቡር ዚበሃል ሰብ፡ ኣኽቢድካ ዚርአ ወይ ኣገዳስነት ዘለዎ ሰብ ማለት እዩ። እዛ ናይ እብራይስጢ ቓል እዚኣ፡ ብዙሕ ሳዕ “ክብረት” ተባሂላ እውን ተተርጒማ ኣላ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ዚኽበር ሰብ ዚወሃብ ልዑል ግምት የመልክት። (ዘፍ. 45:13) እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ክብረት” ብእትብልን ብረባሕታኡን እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ንዓብዪ ግምትን ንኣገዳስነትን ተመልክት። (ሉቃ. 14:10) እወ፡ እቶም እነኽብሮም ሰባት፡ ንዓና ኣገዳስነት ኣለዎም።

4, 5. ኣብ መንጎ ብኣኽብሮት ምርኣይን ብኣኽብሮት ምሓዝን እንታይ ምትእስሳር ኣሎ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

4 ንሰባት ምኽባር እንታይ የጠቓልል፧ ኣኽብሮት በቲ ንሰባት ዘሎካ ኣረኣእያ እዩ ዚጅምር። ኣረኣእያኻ ነቲ ንሰባት እትገብሮ ኣተሓሕዛ ይጸልዎ እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ፈለማ ንሓውና ብኣኽብሮት ክንርእዮ ኣሎና፣ ድሕሪኡ ኸኣ፡ ብኣኽብሮት ክንሕዞ ንኽእል።

5 ሓደ ክርስትያን፡ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾቱ ኻብ ልቡ ዘየኽብሮም እንተ ዀይኑ፡ ከመይ ገይሩ እዩ ናይ ሓቂ ኣኽብሮት ኬርእዮም ዚኽእል፧ (3 ዮሃ. 9, 10) ከምቲ ሓንቲ ተኽሊ ንኽትጸድቕ ኣብ ጽቡቕ ሓመድ ሱር ክትሰድድ ዘለዋ፡ ንሰባት ብሓቂ ኣኽቢርና ንኽንሕዞም ከኣ ካብ ውሽጢ ልብና ኸነኽብሮም ኣሎና። ካብ ልብና ዘይነኽብሮም እንተ ዄንና፡ ብኣኽብሮት ክንሕዞም ኣይንኽእልን ኢና፣ የግዳስ፡ ኣኽብሮትና ኸምታ ኣብ ሕማቕ ሓመድ እተተኽለት ተኽሊ እናሓደረ ይቕምስል። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ጳውሎስ ብዛዕባ ምክብባር ቅድሚ ምዝራቡ፡ “ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን” ኢሉ ንጹር መምርሒ ዝሃበ።—ሮሜ 12:9፣ 1 ጴጥሮስ 1:22 ኣንብብ።

ነቶም “ብምስሊ ኣምላኽ” እተፈጥሩ ኣኽብሮም

6, 7. ንሰባት ኣኽብሮት ኪህልወና ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

6 ንሰባት ኣኽብሮት ንኸነርእዮም፡ ካብ ልብና ኸነኽብሮም ዜድሊ ኻብ ኰነ፡ ንዅሎም ኣሕዋትና ንኸነኽብሮም ዚድርኸና ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያታት ወትሩ ኽንዝክር ኣሎና። ክልተ ኻብዚ ምኽንያታት እዚ እስከ ንርአ።

7 ንሕና ሰባት ከምቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኻልኦት ፍጡራት ዘይኰንናስ፡ “ብምስሊ ኣምላኽ” ኢና ተፈጢርና። (ያእ. 3:9) ስለዚ ድማ፡ ከም ፍቕርን ጥበብን ፍትሕን ዝኣመሰለ ኣምላኻዊ ባህርያት ለቢስና ኢና። ብዘይካዚ፡ ፈጣሪና ዘውረሰና ኻልእ ነገር እውን ኣሎ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ዎ እግዚኣብሄር፡ ጐይታና፡ ኣታ ንግርማኻ ኣብ ሰማያት ዝተኸልካዮ፡ . . . [ንሰብ] ካብ መላእኽቲ ቕሩብ ኣንኣስካዮ፡ ብኽብርን ጌጽን ከኣ ኸለልካዮ” ኢሉ እዩ። (መዝ. 8:1, 4, 5፣ 104:1) a ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ብሓፈሻ፡ ብእተወሰነ ኽብርን ግርማን ከሊልዎም ወይ ሰሊምዎም እዩ። ስለዚ፡ ንሰብ ከነኽብር ከለና፡ ብተዘዋዋሪ ነቲ ምንጪ ሰብኣዊ ኽብረት ዝዀነ የሆዋ ኢና እነኽብሮ። እምበኣር፡ ንሰባት ብሓፈሻ ኣኽብሮት ንኸነርኢ እኹል ምኽንያታት ካብ ሃለወና፡ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ኸነኽብሮም ዘይግብኣና!—ዮሃ. 3:16፣ ገላ. 6:10

ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት

8, 9. ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ኣኽብሮት ንኺህልወና ዚድርኸና እንታይ ምኽንያት እዩ ጳውሎስ ዝጠቐሰ፧

8 ጳውሎስ፡ ንሓድሕድና ኽንከባበር ዚግብኣሉ ኻልእ ምኽንያት ገሊጹ ኣሎ። ምስቲ ንኽንከባበር ዝሃቦ ማዕዳ ኣተሓሒዙ፡ “ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ” ኢሉ እዩ። እታ “ለውሃት” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ዚፋቐሩን ዚደጋገፉን ስድራ ቤት ዘለዎም ሓያል ቅርርብ ተመልክት። ጳውሎስ በዛ ቓል እዚኣ ኣቢሉ፡ ኣብ መንጎ ጉባኤ ዘሎ ርክባት፡ ከምቲ ኣብ ውሽጢ ዚቀራረቡ ኣባላት ስድራ ቤት ዘሎ ርክባት ድልዱልን ፍቕራውን ኪኸውን ከም ዘለዎ እዩ ኣጕሊሑ። (ሮሜ 12:5) መልእኽቱ ነቶም የሆዋ ውሉዳት ኪዀንዎ ኸም ኣቦ ዀይኑ እተቐበሎም ቅቡኣት ክርስትያናት ከም ዝጸሓፋ እውን ክንርስዕ የብልናን። ጥብቂ ርክብ ዘለዎም ስድራ ቤት እዮም ነይሮም ኪበሃል ይከኣል እዩ። እምበኣር፡ ብግዜ ጳውሎስ ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት ንሓድሕዶም ንኺከባበሩ ሓያል ምኽንያት ነይርዎም እዩ። ሎሚ ዘለዉ ቕቡኣት ክርስትያናት እውን ከምኡ እዮም።

9 እቶም “ካልኦት ኣባጊዕ”ከ፧ (ዮሃ. 10:16) ገና እኳ ኸም ውሉዳት ኣምላኽ ተቐባልነት እንተ ዘይረኸቡ፡ ክፍሊ እታ ሓድነት ዘለዋ ዓለምለኻዊት ክርስትያን ስድራ ቤት ብምዃኖም “ሓውና” ወይ “ሓብትና” እናተበሃሃሉ ኺጸዋውዑ ይኽእሉ እዮም። (1 ጴጥ. 2:17፣ 5:9) እቶም ካልኦት ኣባጊዕ በተን “ሓውና” ወይ “ሓብትና” ዚብላ ቓላት ኣብ ዚጸዋውዑሉ እዋን እንታይ ይብሉ ኸም ዘለዉ ምሉእ ብምሉእ እንተ ተረዲእዎም፡ ንሳቶም እውን ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾቶም ካብ ልቦም ንኬኽብርዎም ሓያል ምኽንያት ይህልዎም እዩ።—1 ጴጥሮስ 3:8 ኣንብብ።

ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

10, 11. ኣኽብሮት ኪህልወናን ኣኽብሮት ከነርእን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

10 ኣኽብሮት ኪህልወናን ኣኽብሮት ከነርእን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ነኽብር እንተ ዄንና፡ ንድሕንነትን ንሓድነትን ምልእቲ ጉባኤ ዓብዪ ኣበርክቶ ንገብር ኢና።

11 ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ምህላውን ካብ መንፈሱ ደገፍ ምርካብን፡ ከም ናይ ሓቂ ክርስትያናት መጠን ልዕሊ ዅሉ ዝሓየለ ምንጪ ብርታዐ ከም ዚዀነና ኣይንስሕቶን ኢና። (መዝ. 36:7፣ ዮሃ. 14:26) ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኸም ዜኽብሩና ኼርእዩና ኸለዉ እውን፡ ንተባባዕ ኢና። (ምሳ. 25:11) በቲ ኻብ ልቢ ዝፈልፈለ መግለጺ ሞሳኦምን ኣኽብሮቶምን ንበራታዕ ኢና። ኣብ መገዲ ህይወት ብሓጐስን ብቘራጽነትን ንኽንመላለስ ተወሳኺ ብርታዐ ይዀነና እዩ። ንዓኻ እውን ከምዚ ዓይነት ስምዒት ተሰሚዑካ ኸም ዚፈልጥ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

12. ነፍሲ ወከፍና ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ፍቕራዊ ሃዋህው ኣበርክቶ ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

12 የሆዋ ነቲ ንኽንክበር ዘሎና ውሽጣዊ ድሌት ስለ ዚፈልጦ፡ ብቓሉ ኣቢሉ “ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም” ኢሉ ኣተባቢዑና ኣሎ። (ሮሜ 12:10፣ ማቴዎስ 7:12 ኣንብብ።) ነቲ ግዜ ዘይሓልፎ ምኽሪ ዚዓዩሉ ዅሎም ክርስትያናት፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊ ሕውነት ዘሎ ፍቕራዊ ሃዋህው ኣበርክቶ ይገብሩ እዮም። ስለዚ፡ ‘ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ሓወይ ወይ ሓብተይ፡ ልባዊ ኣኽብሮተይ ብቓልን ብግብርን ካብ ዝገልጽ ክንደይ ግዜ ሓሊፉ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ኣሎና።—ሮሜ 13:8

ንዅላትና እተዋህበ ሓላፍነት

13. (ሀ) ንኻልኦት ብምኽባር ቀዳሞት ኪዀኑ ዘለዎም መን እዮም፧ (ለ) እተን ኣብ ሮሜ 1:7 ዚርከባ ቓላት ንምንታይ የመልክታ፧

13 ንኻልኦት ብምኽባር ቀዳሞት ኪዀኑ ዘለዎም መን እዮም፧ ጳውሎስ ናብ እብራውያን ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቱ፡ ንክርስትያን ሽማግለታት “ዚመርሑኹም” ኢሉ ገሊጽዎም ኣሎ። (እብ. 13:17NW) እወ፡ ሽማግለታት ኣብ እተፈላለየ ንጥፈታት ይመርሑና እዮም። ኰይኑ ግን፡ ጓሶት እተን መጓሰ ስለ ዝዀኑ፡ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾቶም፡ እንተላይ ንኻልኦት ሽማግለታት፡ ብምኽባር ይቀዳደሙ እዮም። ንኣብነት፡ ሽማግለታት ንጉባኤኦም ብመንፈስ ብዛዕባ ዜድልያ ነገራት ንምዝርራብ ኪእከቡ ኸለዉ፡ ነቲ ኻልኦት ሽማግለታት ዚህብዎ ሓሳባት ተጠንቂቖም ብምስማዕ፡ ንሓድሕዶም ይከባበሩ እዮም። ብዘይካዚ፡ ውሳነ ኺገብሩ ኸለዉ፡ ርእይቶን ሓሳባትን ካልኦት ሽማግለታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣኽብሮት የርእዩ እዮም። (ግብ. 15:6-15) እንተዀነ ግን፡ እታ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ዝጸሓፋ መልእኽቲ፡ ንሽማግለታት ጥራይ ዘይኰነትስ፡ ንምልእቲ እታ ጉባኤ እትምልከት ምዃና ኽንርስዕ የብልናን። (ሮሜ 1:7) ስለዚ፡ እቲ ብምክብባር ኪቀዳደሙ እተዋህበ ማዕዳ፡ ሎሚ እውን ብተዘዋዋሪ ንዓና ይምልከተና እዩ።

14. (ሀ) ኣብ መንጎ ምክብባርን ብምክብባር ምቅድዳምን ዘሎ ፍልልይ ብምሳሌ ኣረድእ። (ለ) እንታይ ሕቶ ኢና ንርእስና ኽንሓትት እንኽእል፧

14 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ኺከባበሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብምክብባር ኪቀዳደሙ ኸም እተማሕጸኖም እውን ከነስተብህለሉ ኣሎና። እዚ ምኽሪ እዚ ሓለፋ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ኣብነት እሞ ሕሰብ፦ ሓደ መምህር፡ ምንባብን ምጽሓፍን ንዚኽእሉ ተመሃሮ፡ ንባብ ኪመሃሩ ምተማሕጸኖምዶ፧ ኣይፋልን። ድሮ ንባብ ስለ ዚኽእሉ፡ ብዝሓሸ መገዲ ንኼንብቡ ምተማሕጸኖም። ብተመሳሳሊ፡ እታ ንኽንከባበር እትድርኸና ኣብ ንሓድሕድና ዘላ ፍቕሪ፡ ድሮ መለለዪ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እያ። (ዮሃ. 13:35) ይኹን እምበር፡ ከምቲ ምንባብን ምጽሓፍን ዚኽእሉ ተመሃሮ ናይ ምንባብ ክእለቶም ኬመሓይሹ ዚኽእሉ፡ ንሕና እውን ብምክብባር ክንቀዳደም ከለና ኽንመሓየሽ ንኽእል ኢና። (1 ተሰ. 4:9, 10) እዚ ሓላፍነት እዚ ንዅላትና እዩ ተዋሂቡና። ስለዚ፡ ንርእስና፡ ‘ኣብ ጉባኤይ ንዘለዉ ኣኽብሮት ንምርኣይ ተበግሶ እወስድዶ ኣለኹ፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና።

“ንድኻ” ኣኽብር

15, 16. (ሀ) ኣኽብሮት ከነርኢ ኸለና፡ ንመን ኢና ዕሽሽ ክንብል ዘይብልና፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ንዅሎም ኣሕዋትን ኣሓትን ልባዊ ኣኽብሮት ከም ዘሎና ዜርኢ እንታይ እዩ፧

15 ኣብ ጉባኤና ኣኽብሮት ከነርኢ ኸለና፡ ንመን ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧ ቃል ኣምላኽ፡ “እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ፡ ንሱውን ንሰናይ ግብሩ ኺፈድዮ እዩ” ይብል። (ምሳ. 19:17) እዚ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት፡ ብምክብባር ንኽንቀዳደም ክንጽዕር ከለና ዚጸልወና ብኸመይ እዩ፧

16 መብዛሕትኦም ሰባት ነቶም ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎም ከም ዜኽብርዎም፡ ነቶም ዝተሓተ ደረጃ ዘለዎም ግን ከም ዘየኽብርዎም ተዓዚብካ ትኸውን ኢኻ። የሆዋ ግን ከምኡ ኣይገብርን እዩ። የግዳስ፡ “ነቶም ዜኽበሩኒ ኤኽብሮም” በለ። (1 ሳሙ. 2:30፣ መዝ. 113:5-7) ነቶም ዜገልግልዎን ዜኽብርዎን የኽብሮም እዩ። ን“ትሑታት” ዕሽሽ ኣይብሎምን እዩ። (ኢሳይያስ 57:15 ኣንብብ፣ 2 ዜና 16:9) ንሕና እውን ንየሆዋ ኽንመስሎ ኢና እንደሊ። እምበኣር፡ ናይ ሓቂ ኣኽብሮት ብምርኣይ ዝመጸ ኸመይ ከም ዝዀንና ንምልካዕ፡ ‘ነቶም ኣብ ጉባኤ ጕሉሕ ቦታን ሓላፍነትን ዘይብሎም ብኸመይ እየ ዝሕዞም፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ኣሎና። (ዮሃ. 13:14, 15) መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ ንኻልኦት ዘሎና ልባዊ ኣኽብሮት ብዙሕ ይገልጽ እዩ።—ፊልጲ 2:3, 4 ኣንብብ።

ግዜና ብምሃብ ኣኽብሮት ነርኢ

17. ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ክርስትያናት ብምኽባር ክንቀዳደም እንኽእለሉ ዝዓበየ መገዲ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

17 ንዅሎም እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት ብምኽባር ክንቀዳደም እንኽእለሉ ዝዓበየ መገዲ እንታይ እዩ፧ ግዜና ብምሃብ እዩ። ከምኡ እንብል ስለምንታይ ኢና፧ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ኣብ ርእሲ እቲ ብስራሕ ትሑዝ ዝዀነ ህይወትና፡ ንሓያሎ ኣገዳሲ ንጥፈታት ጉባኤ እውን ብዙሕ ግዜ ንውፊ ኢና። ስለዚ፡ ግዜ ኣኽቢርና ኢና እንርኢ። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካብ መጠን ዝሓለፈ ግዜ ኺህቡና ኽንጽበ ኸም ዘይብልና ነስተውዕል ኢና። በቲ ኻልእ ሸነኽ እውን፡ ካልኦት ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ክርስትያናት ካብ መጠን ንላዕሊ ግዜ ኽንህቦም ከም ዘይጽበዩና ንርዳእ ኢና።

18. ኣብ ገጽ 18 ኣብ ዚርከብ ስእሊ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና እተወሰነ ግዜ ንኽንህብ ፍቓደኛታት ምዃንና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

18 ይኹን እምበር፡ ኵላትና ክርስትያናት፡ ምናዳ ኸኣ እቶም ኣብ ጉባኤ ጓሶት ኴንና እነገልግል ዘበልና፡ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ግዜ ንኽንህብ ኢልና ኻልእ ንጥፈታትና ምዅላፍና፡ ኣኽብሮትና ኸም ዚገልጽ ንፈልጥ ኢና። ብኸመይ፧ ንሓውና እተወሰነ ግዜ ንኽንህብ ኢልና ኻልእ ንጥፈታትና እንተ ሓዲግና፡ ‘ኣኽቢረ ስለ ዝርእየካ፡ ነዚ ዝዓዮ ዘለኹ ዕዮ ኻብ ምቕጻል፡ ምሳኻ ግዜ እንተ ኣሕለፍኩ ይሕሸኒ’ ንብሎ ኸም ዘለና እዩ ዚቝጸር። (ማር. 6:30-34) በቲ ሓደ ሸነኽ ግን፡ ንሓውና እተወሰነ ግዜ ንኽንህቦ ኢልና ንጥፈታትና ዘይንሓድግ እንተ ዄንና፡ ብዙሕ ዋጋ ኸም ዘይብሉ ዀይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ከነቋርጾ ዘይንኽእል ህጹጽ ጕዳይ ከም ዜጋጥመና ርዱእ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን እተወሰነ ግዜ ንኽንህብ ፍቓደኛታት ምዃንና ወይ ዘይምዃንና፡ ብዛዕባ እቲ ንዓታቶም ዘሎና መጠን ኣኽብሮት ብዙሕ ይገልጽ እዩ።—1 ቈረ. 10:24

ተቐዳደም

19. ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና፡ ግዜና ኻብ ምሃብ ወጻኢ፡ ብኸመይ ኢና ኣኽብሮት ከነርእዮም እንኽእል፧

19 ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ኣኽብሮት ከነርኢ እንኽእለሉ ኻልእ ኣገዳሲ መገድታት እውን ኣሎ። ንኣብነት፡ ግዜና ኽንህቦም ከለና፡ ትዅረትና እውን ክንህቦም ኣሎና። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ የሆዋ ኣብነት ይዀነና እዩ። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን፡ ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም እየን” በለ። (መዝ. 34:15) ኣዒንትናን ኣእዛንናን፡ ማለት ምሉእ ኣቓልቦና ናብ ኣሕዋትና፡ ብፍላይ ከኣ ናብቶም ሓገዝና ዚደልዩ ብምግባር፡ ንየሆዋ ኽንመስሎ ንጽዕር ኢና። በዚ ኸምዚ ድማ ኣኽብሮት ነርእዮም።

20. ኣኽብሮት ብዛዕባ ምርኣይ እተዋህበና እንታይ መዘኻኸሪታት ኢና ኣብ ኣእምሮና ኽንሕዞ እንደሊ፧

20 ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ኻብ ልቢ ዝፈልፈለ ኣኽብሮት ኪህልወና ዚግባእ ስለምንታይ ምዃኑ ብንጹር ኣብ ኣእምሮና ኽንሕዞ ንደሊ ኢና። ብዘይካዚ፡ ንሰባት፡ እንተላይ ንትሑታት፡ ኣኽብሮትና ንምግላጽ ቀዳሞት እንዀነሉ ኣጋጣሚታት ነናዲ ኢና። ነዚ ስጕምትታት እዚ ምስ እንወስድ፡ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ሕውነታዊ ፍቕርን ሓድነትን ይድልድል። ሃየ እምበኣር፡ ኵላትና ኻብ ምክብባር ሓሊፍና፡ ብምክብባር ንቀዳደም። እሞኸ ኸምኡ ንምግባር ቈሪጽካ ዲኻ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a እተን ኣብ መዝሙር 8 ዚርከባ ዳዊት እተዛረበን ቃላት፡ ነቲ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ እውን ብትንቢት የመልክታ እየን።—እብ. 2:6-9

ትዝክሮዶ፧

• ኣብ መንጎ ብኣኽብሮት ምርኣይን ብኣኽብሮት ምሓዝን እንታይ ምትእስሳር ኣሎ፧

• ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ኣኽብሮት ንኺህልወና ዚድርኽ እንታይ ምኽንያታት ኣሎና፧

• ንሓድሕድና ኽንከባበር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ብኸመይ ኣኽብሮት ከነርእዮም ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ብኸመይ ኣኽብሮት ከነርእዮም ንኽእል፧