ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

የሱስ ንሰማዕቱ፡ “ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ፍጹማት ኩኑ” ኢልዎም ነይሩ እዩ። ሎሚ ሰባት “ፍጹማት” ኪዀኑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧—ማቴ. 5:48

መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ፡ ነተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ “ፍጹም”ን “ፍጽምና”ን ዚብላ ቓላት ክንርድአን ኣሎና። ቅዱሳት ጽሑፋት “ፍጹም” ኢሉ ዚገልጾ ዘበለ ዅሉ፡ ምሉእ ብምሉእ ፍጹም እዩ ማለት ኣይኰነን። ርግጽ እዩ፡ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ፍጹም እዩ። ሰባት ወይ ነገራት ግን፡ ብተዛማዲ ጥራይ እዮም ፍጹማት ኪዀኑ ዚኽእሉ። እተን “ፍጹም” ተባሂለን እተተርጐማ ናይ እብራይስጥን ናይ ግሪኽኛን ቃላት፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብመሰረት እቲ ስልጣን ዘለዎ ዘውጽኦ መለክዒታት “ምሉእ፡” “ብሱል፡” ወይ “መንቅብ ኣልቦ” ማለት እየን። ኣብ ካልእ ቋንቋታት፡ ኣብ መዓልታዊ ኣዘራርባ፡ እታ “ፍጹም” እትብል ቓል ብሓፈሻኡ ብተዛማዲ መገዲ እዩ ዚዕየየላ።

ኣዳምን ሄዋንን ብስነ-ምግባራውን ብመንፈሳውን ብኣካላውን መገዲ ፍጹማት ኰይኖም እዮም ተፈጢሮም። ብመሰረት እቲ ፈጣሪኦም ዘውጽኦ መለክዒታት፡ ፍጹማት እዮም ነይሮም። ብሰሪ ዘይምእዛዞም ነቲ መለክዒ ስለ ዘየማልኡ ግን፡ ፍጽምናኦምን ፍጽምና ዘርኦምን ኣጥፍኡ። በዚ ኸምዚ እውን፡ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ሞትን ብኣዳም ኣቢሉ ናብ ደቂ ሰብ ሓለፈ።—ሮሜ 5:12

ይኹን እምበር፡ ከምቲ የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ ብንጹር ዝገለጾ፡ ዘይፍጹማት ሰባት እውን ከይተረፉ ብተዛማዲ መገዲ ፍጹማት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ስብከቱ፡ መለክዒታት እታ ፍጽምቲ ወይ ምልእቲ ፍቕሪ እንታይ ምዃኑ ገለጸ። ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ከምዚኣ ዓይነት ፍቕሪ እዩ ዜርእዮም። የሱስ፡ “ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፡ ንዚጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፍኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ” በለ። (ማቴ. 5:44, 45) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ብምርኣይ፡ ነቲ ፍጹም ኣብነት ኣምላኽ ይቐድሕዎ።

ሎሚ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኻልኦት፡ ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ኼርእዩ ይጽዕሩ እዮም። እተፈላለየ ድሕረ-ባይታን ዓሌትን ሃይማኖትን ንዘለዎም ሰባት፡ ቅኑዕ ፍልጠት ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህርዎም ይደልዩ እዮም። ኣብ 236 ሃገራት፡ ንተገደስቲ ውልቀ-ሰባት ልዕሊ 7,000,000 መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ ኣለዉ።

የሱስ፡ “ነቶም ዚፈትዉኹም እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ዓስቢ አሎኩም፧ ተገውትስ ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኰኑን፧ ነሕዋትኩም ጥራይ ብጽቡቕ እንተ ተቐበልኩምከ፡ እንታይ ሓለፋ ገበርኩም፧ ኣህዛብሲ ኸምኡዶ ይገብሩ ኣየለዉን፧” ኢሉ ሓቲቱ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 5:46, 47) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ሰባት ዘለዎም ደረጃ ትምህርቲ ወይ ካበየናይ ዓሌት ምዃኖም ርእዮም ኣድልዎ ኣይገብሩን እዮም፣ ነቶም ውሬታ ዚመልሱ ጥራይ እውን ኣይኰኑን ፍቕሮም ዜርእዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንድኻታት ኰኑ ንሕሙማት፡ ንንኣሽቱ ዀኑ ንዓበይቲ ይሕግዙ እዮም። በዚ ኸምዚ፡ ክርስትያናት ንፍቕሪ የሆዋ ይቐድሕዋ፡ ብተዛማዲ መገዲ ድማ ፍጹማት ይዀኑ።

ነቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ፍጽምና፡ ክንረኽቦ ንኽእል ደዀን ንኸውን፧ እወ፡ ኣብቲ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ፡ ‘ወዲ ኣምላኽ ንግብሪ ድያብሎስ ምስ ኣፍረሶ፡’ እዙዛት ደቂ ሰብ በቲ ኣብ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ዘለዎም እምነት ኣቢሎም፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ፍጽምና ኺበጽሑ እዮም።—1 ዮሃ. 3:8