ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ንየሆዋ መስዋእቲ ነቕርብ’

‘ንየሆዋ መስዋእቲ ነቕርብ’

‘ንየሆዋ መስዋእቲ ነቕርብ’

ሓደ ሰብ ሕያውነት ምስ ዚገብረልካ፡ ሞሳኻ ብኸመይ ትገልጽ፧ ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ሓላቑ ሰራዊት፡ ምስ ሚድያናውያን ምስ ተዋግኡ፡ ምስጋናኦም ብኸመይ ከም ዝገለጹ እስከ ንርአ። እቲ ውግእ እተገብረ፡ እስራኤል ምስ በዓል ጴዖር እተተሓሓዘ ሓጢኣት ድሕሪ ምፍጻሙ እዩ። ኣምላኽ ንህዝቡ ዓወት ሃቦ፣ ነቲ ምርኮ ድማ ኣብ መንጎ እቶም 12,000 ተዋጋእትን ዝተረፉ ህዝቢ እስራኤልን ብማዕረ ተማቐልዎ። ብመሰረት እቲ የሆዋ ዝሃቦም መምርሒ፡ እቶም ተዋጋእቲ እተወሰነ ኽፋል ምርኮኦም ንኻህናት ሃቡ፣ እቶም ካልኦት እስራኤላውያን እውን እተወሰነ ኽፋል እቲ ምርኮ ንሌዋውያን ሃቡ።—ዘሁ. 31:1-5, 25-30

እቶም ሓላቑ ሰራዊት ግን፡ ካብዚ ንላዕሊ ኺገብሩ ደለዩ። ንሙሴ፡ “ገላውኻ ቍጽሪ እቶም ኣብ ትሕቴና ዘለዉ ዓቀይቲ ቘጸርና፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይጐደለናን” በልዎ። ወርቅን ካልእ ስልማታትን ከም መስዋእቲ ገይሮም ንየሆዋ ኬቕርቡ ወሰኑ። ድምር እቲ ዘቕረብዎ ወርቂ፡ 190 ኪሎ ግራም ይምዘን ነበረ።—ዘሁ. 31:49-54

ሎሚ እውን፡ ብዙሓት ሰባት ብተመሳሳሊ ነቲ የሆዋ ዝገበረሎም ነገር፡ ሞሳኦም ኬርእዩ ተለዓዒሎም እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ሞሳ፡ ርእሶም ኣብ ዝወፈዩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ጥራይ እተደረተ ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ብ2009 ኣብ ቦሎኛ፡ ኢጣልያ፡ ኣብ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ፡ ንተኣከብቲ ኻብን ናብን እቲ መአከቢ ስታድዩም ዜመላልስ ዝነበረ መራሕ ኣውቶቡስ ዝገበሮ እስከ ንርአ። ጥንቁቕን ህዱእን መራሕ ማኪና ስለ ዝነበረ፡ እቶም ዜመላልሶም ዝነበረ ሰባት ምስጋናኦም እትገልጽ ካርድን መቝሽሽን ሓንቲ ቕዳሕ እታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍን ኪህብዎ ወሰኑ። እቲ መራሒ ማኪና፡ “እታ ካርድን እታ መጽሓፍን ብሓጐስ እቕበለኩም፡ እቲ ገንዘብ ግን ነቲ እትገብርዎ ዘለኹም ስራሕ ምእንቲ ኽትቅጽሉ ውጽኢት ክገብሮ እየ ዝደሊ። ናይ የሆዋ ምስክር እኳ እንተ ዘይኰንኩ፡ ብፍቕሪ ተበጊስኩም ዕዮኹም ከም እትገብሩ ስለ ዝረኣኹ፡ እዚ ውጽኢት እዚ ኽገብር እደሊ እየ” በለ።

ነቲ የሆዋ ዝገበረልካ ነገር ሞሳ እንተ ኣልዩካ፡ ሓደ ኻብቲ ምስጋናኻ እትገልጸሉ መገዲ፡ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ውጽኢታት ብምግባር እዩ። (ማቴ. 24:14) ገሊኣቶም ወፈያ ዚህቡሉ መገድታት፡ ኣብዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ሳጹን ተዘርዚሩ ኣሎ።

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ሳጹን]

ገሊኣቶም ወፈያ ዚህቡሉ መገድታት

ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዚኸውን ውጽኢት

ብዙሓት ኣብቲ “ዓለምለኻዊ ዕዮ” ዚብል እተጻሕፎ ሳጹናት ውጽኢት ዜእትውዎ እተወሰነ ገንዘብ ይፈልዩ ወይ ይምድቡ እዮም።

ጉባኤታት ነዚ ገንዘብ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ናብቲ ነታ ሃገር ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይልእካኦ እየን። ብወለንታ ዚግበር ናይ ገንዘብ ወፈያታት፡ ብቐጥታ Watchtower Bible and Tract Society of New York, Inc., Attention Treasurer’s Office, 25 Columbia Heights, Brooklyn, New York 11201-2483 ኢልካ ኺልኣኽ፡ ወይ ከኣ ናብቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪስደድ ይከኣል እዩ። (እዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ብወለንታ ዚግበር ወፈያታት እውን ናብቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪለኣኽ ይኽእል እዩ።) እቲ ናብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣድራሻ ዚለኣኽ ወፈያ ብቸክ እንተ ዀይኑ ን“Watchtower” ዚኽፈል ምዃኑ ኺጥቀስ ኣለዎ። ስልማት ወይ ካልእ ክቡር ነገራት እውን ኪውፈ ይከኣል እዩ። ከምዚ ዝበለ ህያብ ኪወሃብ ከሎ፡ ብዘይ ገለ ገደብ እተዋህበ ምዃኑ ዚነግር ሓጺር ደብዳበ ምስቲ ውጽኢት ኪለኣኽ ኣለዎ።

ኪምለስ ዚኽእል ገንዘብ ናይ ምሃብ መደብ

ገንዘብ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ንኼገልግል ተባሂሉ፡ ብሕድሪ ምስ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ኪቕመጥ ይከኣል እዩ። እንተዀነ ግን፡ እቲ ዝሃበ ሰብ ነቲ ገንዘብ ምስ ዚደልዮ ይምለሰሉ እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ በጃኻ በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣድራሻ ተጠቒምካ ናብ ቤት ጽሕፈት ተሓዝ ገንዘብ ጽሓፍ ወይ ብቝጽሪ ተሌፎን (718) 560-7500 ደውል።

ብመደብ ዚግበር ልግሲ

ብጀካ እቲ ብዘይ ገለ ገደብ ዚግበር ናይ ገንዘብ ህያብ፡ ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚካየድ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ንምሕጋዝ ካልእ ናይ ምሃብ መገድታት እውን ኣሎ። እዚ ድማ ነዚ ዚስዕብ የጠቓልል፦

መድሕን፦ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ፡ ናይ ህይወት መድሕን ፖሊሲ ወይ ናይ ጡረታ/እስትሕጋግ ክፍሊት ተጠቃሚት ከም ዝዀነት ጌርካ ስም ኪመሓላለፈላ ይከኣል እዩ።

ናይ ባንክ ሕሳብ፦ ናይ ባንክ ሕሳብ፡ ናይ ቅሙጥ ሕሳብ ምስክር ወረቐት፡ ወይ ናይ ውልቀ-ሰብ ናይ ጡረታ ሕሳብ ብመሰረት እቲ ናይ ከባቢ ባንክ ዚፈቕዶ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ብሓደራ ኺወሃብ ወይ ድሕሪ ሞት ተጠቃሚት ምዃና ኺግለጽ ይከኣል እዩ።

ኣክሲዮንን ቦንድን፦ ኣክሲዮንን ቦንድን ብዘይ ገለ ገደብ ኪወሃብ ዚከኣል ህያብ ኰይኑ፡ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ኺውፈ ይከኣል እዩ። ብዘይካዚ፡ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ድሕሪ ሞት ተጠቃሚት ምዃና ኺግለጽ ይከኣል እዩ።

ዘይንቀሳቐስ ንብረት፦ ኪሽየጥ ዚኽእል ዘይንቀሳቐስ ንብረት፡ ብዘይ ገለ ገደብ ዚወሃብ ህያብ ወይ እቲ ንብረት መንበሪ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ለጋሲ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ በቲ ንብረት ተጠቃሚ ኪዀነሉ ዚኽእል መደብ ብምግባር ኪውፈ ይከኣል እዩ። ዘይንቀሳቐስ ንብረት ከም ዝወፈኻዮ ዚገልጽ ሰነድ ቅድሚ ምፍራምካ፡ ምስቲ ንዓድኻ ዜካይድ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተላዘብ።

ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ፦ ህያብ ዓመታዊ መልዕሎ ኺበሃል ከሎ፡ ሓደ ሰብ ገንዘብ ወይ ሰነድ ዋንነት ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ ትካል ዚህበሉ ምድላው እዩ። እቲ ወሃቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሰብ ድማ ኣብ ምሉእ ህይወቱ እተወሰነ ዓመታዊ ኽፍሊት ይወሃቦ እዩ። እቲ ወሃቢ፡ ኣብቲ እቲ ወፈያ ዝገበረሉ ዓመት መጠን እቲ ዚስልዓሉ ግብሪ ይንከየሉ እዩ።

ለበዋን ሕድርን፦ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተቐባልነት ዘለዎ ለበዋ ብምግባር ጥሪት ወይ ገንዘብ ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ኸተውርሳ ይከኣል እዩ፣ ወይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ናይ ንብረት ሕድሪ ውዕል ተጠቃሚት ክትከውን ስም ኪመሓላለፈላ ይከኣል እዩ። ንሃይማኖታዊ ውድብ ዚወሃብ ሕድሪ፡ እተወሰነ ናይ ቀረጽ ምጕዳላት ኪህልዎ ይኽእል እዩ።

እቲ “ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ዚብል ስያመ ኸም ዚገልጾ፡ እዚ ዓይነት ወፈያታት እዚ፡ ብወገን እቲ ዚውፊ ሰብ ገለ መደብ ምግባር ዚሓትት እዩ። ነቶም በዚ መገዲ እዚ ገይሮም ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪውፍዩ ዚደልዩ ውልቀ-ሰባት ንምሕጋዝ፡ ቻሪታብል ፕላኒን ቱ በነፊት ኪንግደም ሰርቪስ ወርልድዋይድ እትበሃል ብሮሹር ብእንግሊዝኛን ብስጳንኛን ተዳልያ ኣላ። እታ ብሮሹር ውልቀ-ሰባት ሕጂ ወይ ምስ ሞቱ ብመልክዕ ውርሲ ኺውፍዩሉ ዚኽእሉ እተፈላለየ መገዲ ትሕብር እያ። ብዙሓት ነዛ ብሮሹር እዚኣ ብምንባብን ምስቶም ብዛዕባ ሕግን ግብርን ዜማኽርዎም ክኢላታት ብምምይያጥን፡ ኣብ መላእ ዓለም ንእንፍጽሞ ሃይማኖታውን ግብረ-ሰናያውን ንጥፈታት ኪሕግዙ፡ ነቲ ኸምኡ ብምግባሮም ዚርከብ ናይ ምጕዳል ቀረጽ ረብሓታት ከኣ ኬዕብይዎ ኽኢሎም እዮም። ቅዳሕ እዛ ብሮሹር እዚኣ ብቐጥታ ኻብ “ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ብምሕታት ኪርከብ ይከኣል እዩ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ በዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ኣድራሻ ጌርካ ወይ ድማ ናብቲ ንሃገርካ ዜገልግል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ብምጽሓፍ ወይ ብምድዋል፡ ምስቶም ኣብ “ቤት ጽሕፈት ብመደብ ዚግበር ልግሲ” ዚሰርሑ ኣሕዋት ክትራኸብ ኣሎካ።

Charitable Planning Office

Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania

100 Watchtower Drive

Patterson, New York 12563-9204

Telephone: (845) 306-0707