ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ፡ ኣውያት ትሑት ይሰምዕ

የሆዋ፡ ኣውያት ትሑት ይሰምዕ

የሆዋ፡ ኣውያት ትሑት ይሰምዕ

እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ጥበበኛ ሰሎሞን፡ “ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም” በለ። (መክ. 9:11) ሕሰም ወይ መከራ ንህይወትና ብሓዘን ኪመልኦ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ናይ ቀረባ ኣባል ስድራ ቤትና እንተ ሞይቱ፡ ስምዒትና ኺጕዳእ ይኽእል እዩ። ንሰሙናት ወይ ንኣዋርሕ፡ ብሓዘን ክንወሓጥን ተስፋ ናይ ምቝራጽ ስምዒት ኪስምዓናን ይኽእል እዩ። ከምኡ ዘጋጠሞ ሰብ፡ ዚሓስቦ ስለ ዘይፈልጥ፡ ንየሆዋ ብጸሎት ኪቐርቦ ዘይበቅዕ ኰይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዘጋጠሞ ሰብ፡ መተባብዕን ሓልዮትን ፍቕርን የድልዮ እዩ። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “እግዚኣብሄር ነቶም ዚወድቁ ዅሎም ይድግፎም፡ ነቶም ለጠቕ ዚብሉ ዅሎም የልዕሎም” ኢሉ ብምዝማር፡ ዜተባብዕ ቃላት ተዛሪቡ ኣሎ። (መዝ. 145:14) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖምሲ፡ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ” ይብል እዩ። (2 ዜና 16:9) የሆዋ እውን፡ “ንመንፈስ ትሑታት ህያው ክገብሮ፡ ንልቢ ድቑሳት ከኣ ህያው ክገብሮስ፡ ምስቲ ድቑስን ትሑትን መንፈስ ዘለዎ ሰብ ድማ እነብር አሎኹ” ኢሉ እዩ። (ኢሳ. 57:15) እሞ ደኣ የሆዋ፡ ድቑስን ትሑትን መንፈስ ንዘለዎ ሰብ ዚድግፎን ዜጸናንዖን ብኸመይ እዩ፧

“ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል”

ሓደ ኻብቲ የሆዋ ብግዜኡ ሓገዝ ዚህበሉ መገድታት፡ ብክርስትያናዊ ሕውነት ኣቢሉ እዩ። ንክርስትያናት፡ “ነቶም ሕሊናኦም ዝዓረቦም ከተተባብዕዎም” ዚብል ማዕዳ ተዋሂብዎም ኣሎ። (1 ተሰ. 5:14ትርጕም 1990) ሓደ ርሕሩሕ ክርስትያን ንሓደ ጸበባን ሓዘንን ዘጋጠሞ ብጻዩ፡ ሓልዮቱን ፍቕሩን ብምግላጽ፡ ኬጸናንዖ ይኽእል እዩ። ሒደት ዜጸናንዕ ቃላት እውን ከይተረፈ፡ ንሓደ መንፈሱ እተደቝሰ ሰብ ብዙሕ ኬተባብዖ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዜጸናንዕ ቃላት፡ ካብ ሓደ ተመሳሳሊ ሓዘን ዘሕለፈ ሰብ ኪመጽእ ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ካብ ሓደ ብዙሕ ተመክሮ ዘለዎ ፈታዊ ኺመጽእ ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ፡ የሆዋ ንሓደ ትሑት መንፈስ ዘለዎ ሰብ ኬተባብዖ ይኽእል እዩ።

ንኣብነት፡ ንሓደ ኣሌክስ ዝስሙ ክርስትያን ሽማግለ ዘጋጠሞ እስከ ንርአ። ካብ ዚምርዖ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሰበይቱ ዘይሓዊ ሕማም ስለ ዝነበራ፡ ብድንገት ሞተቶ። ሓደ ደንጋጺ ገያሺ ሓላዊ ንኣሌክስ፡ ዜጸናንዕ ቃላት ኣካፈሎ። ንሱ እውን እንተ ዀነ፡ ሰበይቱ ሞይታቶስ፡ እንደገና እተመርዓወ እዩ። እቲ ገያሺ ሓላዊ፡ ስምዒቱ ኽሳዕ ክንደይ ተነቃፊ ኸም ዝነበረ ገለጸሉ። ኣብ ኣገልግሎትን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ምስ ካልኦት ኪኸውን ከሎ፡ ደሓን ይኸውን ነበረ። ናብ ገዛኡ ተመሊሱ፡ በይኑ ኣብ ዚዀነሉ እዋን ግን፡ ብጽምዋ ይብላዕ ነበረ። ኣሌክስ ነዚ ምስ ሰምዐ፡ “እቲ ዚስምዓኒ ዝነበረ ስምዒት፡ ካልኦት እውን ዘሕለፍዎ ምዃኑ ምፍላጠይ፡ እፎይታ እዩ ተሰሚዑኒ” በለ። ብርግጽ እምበኣር፡ “ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል፡” ኣብ እዋን ጸበባ ዜጸናንዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ምሳ. 15:23

መጻምድቶም ዝሞቶም ብዙሓት ውልቀ-ሰባት ዚፈልጥ ካልእ ክርስትያን ሽማግለ፡ ንኣሌክስ ዜተባብዕ ቃላት ተዛረቦ። ኣብቲ ዘረባኡ፡ የሆዋ ስምዒትና ኸም ዚርድኦን ዜድልየና ነገራት ከም ዚፈልጥን ሓበሮ። “ኣብ ዚመጽእ ወርሓትን ዓመታትን ብጸይቲ እንተ ኣድልያትካ፡ የሆዋ እንደገና ንኽትምርዖ ፍቕራዊ መሰናድዎ ገይሩ ኣሎ” በሎ። ርግጽ እዩ፡ መጻምድቱ ዝሞቶን እንደገና ኺምርዖ ዚደልን ዘበለ ዅሉ፡ እንደገና ኺምርዖ ይኽእል እዩ ማለት ኣይኰነን። ኣሌክስ ነቲ እቲ ሓው እተዛረቦ ቓላት ምስ ሓሰበሉ ግን፡ “እዚ መሰናድዎ የሆዋ ምዃኑ ምዝካርካ፡ ኣብ መጻኢ እንደገና ምምርዓው ንመጻምድትኻን ነቲ የሆዋ ዝገበሮ ስርዓት መውስቦን ዘይእሙን ከም ዝዀንካ ዀይኑ ንኸይስምዓካ ይሕግዝ እዩ” በለ።—1 ቈረ. 7:8, 9, 39

እቲ ብዙሕ ፈተናን ሽግርን ዘሕለፈ ዳዊት እቲ ጽሓፍ መዝሙር፡ “ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን፡ ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም እየን” በለ። (መዝ. 34:15) የሆዋ፡ በቲ እቶም ርሕሩሓትን ብሱላትን ክርስትያናት ብጾት ብምስትውዓል ዚዛረብዎ ቓላት ኣቢሉ፡ ኣውያት እቶም ትሑታት ብግዜኡ ኺምልሶ ከም ዚኽእል እተረጋገጸ እዩ። እዚ መሰናድዎ እዚ፡ ጠቓምን ግብራውን እዩ።

ብክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣቢሉ ዚወሃብ ደገፍ

ሓደ እተደቝሰ ሰብ ንኣሉታዊ ሓሳባት ስለ ዚቃላዕ፡ ብቐሊሉ ርእሱ ኺፈሊ ይኽእል እዩ። ምሳሌ 18:1 ግን፡ “እቲ ንርእሱ ዚፍለ ትምኒቱ ይደሊ፡ ንዅሉ ጥበብውን ይቃወሞ” ኢላ ተጠንቅቕ። ኣሌክስ ነዚ ብዚምልከት፡ “መጻምድትኻ ምስ ሞተትካ፡ ኣእምሮኻ ብኣሉታዊ ሓሳባት እዩ ዚምላእ” በለ። “‘ክቕይሮ ዝኽእል ነገር ነይሩዶ፧ ምናልባትዶ ብዝያዳ ኽሓልየላን ክርድኣላን እኽእል ነይረ፧’” ኢሉ ይሓስብ ምንባሩ ገሊጹ ኣሎ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “በይነይ ክኸውን ኣይደለኹን። ንጽል ክኸውን እውን ኣይደለኹን። በይንኻ ከም ዝዀንካ መዓልታዊ ዜዘኻኽረካ ነገር ስለ ዜጋጥመካ፡ ነዚ ሓሳባት እዚ ኽትዓግቶ ኣጸጋሚ እዩ” በለ።

ብዘይካዚ፡ ንሓደ ድቑስ መንፈስ ዘለዎ ሰብ፡ ጥዑያት ኣዕሩኽ የድልይዎ እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ድማ፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ብብዝሒ ኺርከቡ ይከኣሉ እዮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ሃዋህው፡ ንኣእምሮና፡ ነቲ ኣወንታውን ሃናጽን ሓሳባት ኣምላኽ ክፉት ክንገብሮ ንኽእል ኢና።

ክርስትያናዊ ኣኼባታት፡ ብዛዕባ ዅነታትና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንኺህልወና ይሕግዘና እዩ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኽንሰምዕን ከነስተንትነሉን ከለና፡ ኣብ ናይ ብሕትና መከራ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ብሓቂ ኣገዳሲ ዝዀነ ጕዳያት፡ ማለት ኣብ ምርግጋጽ ልዑላውነት የሆዋን ምቕዳስ ስሙን ነተኵር። ብዘይካዚ እውን፡ ካልኦት፡ ጸበባና እኳ እንተ ዘይፈለጥዎ፡ ስምዒትና እውን እንተ ዘይተረድኡልና፡ የሆዋ ግን ብርግጽ ከም ዚርድኣልና ምፍላጥና የተባብዓና እዩ። ‘ልቢ እንተ ጐሀየ፡ መንፈስ ከም ዚስበር’ ይፈልጥ እዩ። (ምሳ. 15:13) ኪሕግዘና ይደሊ እዩ፣ እዚ ኸኣ የተባብዓናን የበራትዓናን እዩ።—መዝ. 27:14

ንጉስ ዳዊት ካብ ጸላእቱ ብርቱዕ ጸቕጢ ምስ ኣጋጠሞ፡ “መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ይደክም፡ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ይስምብድ አሎ” ኢሉ ናብ ኣምላኽ ኣእወየ። (መዝ. 143:4) መብዛሕትኡ ግዜ፡ ጸበባ ንኣካላውን ንስምዒታውን ሓይሊ ይጽንቅቖ፡ ንልቢ እውን የሰምብዶ እዩ። ገለ ኻብቲ ኼጋጥመና ዚኽእል ጸበባ፡ ሕማም ወይ ስንክልና ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸበባ ኽንጾሮ ኸም ዚሕግዘና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (መዝ. 41:1-3) ኣምላኽ ሎሚ ብተኣምር ዜሕዊ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ነቲ መከራ ዘጋጠሞ ሰብ፡ መከራኡ ንኪኽእል ጥበብን ጽንዓትን ይህቦ እዩ። ዳዊት መከራ ምስ ከበዶ፡ ናብ የሆዋ ኸም እተጸግዐ ኣይንረስዕ። “ናይ ቀደም መዓልትታት እዝክር፡ ኵሉ ተግባርካ ኤስተንትን፡ ግብሪ ኣእዳውካ እሐስብ አሎኹ” ኢሉ እዩ ዘሚሩ።—መዝ. 143:5

እዚ ብድርኺት መንፈስ ኣምላኽ እተዘርበ ቓላት ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመዝጊቡ ምርካብና፡ የሆዋ ስምዒትና ኸም ዚርድኣልና ይሕብር። ከምዚ ዝኣመሰለ ቓላት፡ የሆዋ ንልማኖና ኸም ዚሰምዕ ውሕስነት ይዀነና። ሓገዝ የሆዋ እንተ ተቐቢልና፡ ‘ንሱ ኺድግፈና እዩ።’—መዝ. 55:22

“ከየባተኽኩም ጸልዩ”

ያእቆብ 4:8፡ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ትብል። ሓደ ኻብቲ ንኣምላኽ ክንቀርቦ እንኽእለሉ መገዲ፡ ጸሎት እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ከየባተኽኩም ጸልዩ” ኢሉ ይምዕደና። (1 ተሰ. 5:17) ስምዒትና ብቓላት ክንገልጽ እኳ እንተ ዘይከኣልና፡ “እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዚልምነልና።” (ሮሜ 8:26, 27) የሆዋ ብርግጽ ስምዒትና ይርድኣልና እዩ።

ሞኒካ እትበሃል ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ዘለዋ ሰበይቲ፡ ከምዚ በለት፦ “ጸሎትን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ብሕታዊ መጽናዕትን፡ የሆዋ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዚቐርበኒ ዓርከይ ኰይኑ ኸም ዚስምዓኒ ገይሩ እዩ። ጋህዲ ስለ ዝዀነለይ፡ ወትሩ ኣብ ህይወተይ ኢዱ እርኢ እየ። ከመይ ከም ዚስምዓኒ ኽገልጽ ኣብ ዘይክእለሉ ዅነታት እውን፡ ንሱ ኸም ዚርድኣኒ ምፍላጠይ የጸናንዓኒ እዩ። ሕያውነቱን በረኸቱን መወዳእታ ኸም ዘይብሉ እፈልጥ እየ።”

ሃየ እምበኣር፡ ነቲ ክርስትያናት ብጾትና ኻብ ፍቕሪ ተላዒሎም ዚዛረብዎ ዜጸናንዕ ቃላት ንቀበሎ፣ ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እንሰምዖ ሕያውነት ዝሓዘለ ምኽርን እምነት ዜደልድል መዘኻኸሪታትን ኣብ ግብሪ ነውዕሎ፣ ብጸሎት ኣቢልና እውን ልብና ኣብ ቅድሚ የሆዋ ነፍስስ። እዚ እዋናዊ መሰናድዎታት እዚ፡ የሆዋ ኸም ዚሓልየልና ዜርእየሉ መገዲ እዩ። ኣሌክስ ካብ ብሕታዊ ተመክሮኡ ተበጊሱ ኸምዚ በለ፦ “ንዅሉ እቲ የሆዋ ኣምላኽ ብመንፈስ ድልዱላት ንኽንከውን ዝገበረልና መሰናድዎ ኣብ ምጥቃም እጃምና ንገብር እንተ ዄንና፡ ዝዀነ ይኹን ዜጋጥመና ፈተና ንምጽዋር ዜኽእል ‘ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ’ ንረክብ ኢና።”—2 ቈረ. 4:7

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ንትሑት ዚኸውን መጸናንዒ

ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ዘሎ ብዛዕባ ስምዒታት ሰብ ዚሕብር መግለጺታት፡ የሆዋ፡ ኣውያት እቲ ስምዒቱ እተደቝሰ ትሑት ከም ዚሰምዕ ብተደጋጋሚ የረጋግጽ እዩ። ነዚ ዚስዕብ ቃላት እስከ ንርአ፦

“ብጸበባይ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለልኩ፡ ናብ ኣምላኸይ ኣእዌኹ፡ ንድምጸይ ካብ መቕደሱ ሰምዖ፡ ኣውያተይ ናብ ቅድሚኡ ኣብ ኣእዛኑ በጽሔ።”—መዝ. 18:6

“እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፡ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም።”—መዝ. 34:18

“[የሆዋ] ንልቦም እተሰብሩ ይፍውስ፡ ነቝሳሎም ይዘንን።”—መዝ. 147:3

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

“ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል፡” ኣብ መዓልቲ ጸበባ ኽንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ!