ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ግብሩ ስዒብዎ’

‘ግብሩ ስዒብዎ’

‘ግብሩ ስዒብዎ’

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረ ቴኦዶር ጃራዝ፡ ረቡዕ ንግሆ፡ 9 ሰነ 2010 ኣብ 84 ዓመት ዕድሚኡ ምድራዊ ህይወቱ ዛዘመ። ምስታ ብህይወት ዘላ ማሊታ ሰበይቱ ኸኣ ኣብ ሓዳር 53 ዓመት ገበሩ። ካልኦት ብህይወት ዘለዉ ኣዝማዱ ኸኣ ሓብቱን ሰለስተ ደቂ ሓብቱን ይርከብዎም።

ሓው ጃራዝ ብ28 መስከረም 1925፡ ኣብ ፓይክ ካንቲ፡ ኬንታኪ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ተወልደ፡ ብ10 ነሓሰ 1941 ከኣ ኣብ 15 ዓመት ዕድሚኡ ህይወቱ ንየሆዋ ወፍዩ ተጠምቀ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ኣብ 17 ዓመት ዕድሚኡ ስሩዕ ፈላሚ ዀነ፡ ብጠቕላላ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣስታት 67 ዓመት ገበረ።

ብ1946፡ ኣብ 20 ዓመት ዕድሚኡ፡ ኣብ ሻብዓይ ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተኻፈለ። ድሕሪ ምረቓ ድማ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ዚርከብ፡ ክሊቭላንድ፡ ኦሃዮ፡ ገያሺ ሓላዊ ዀይኑ ኼገልግል ተመዘዘ። ብ1951፡ ንዕዮ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣውስትራልያ ብሓላፍነት ኬካይድ ተመዘዘ። መጽሓፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር 1983 (እንግሊዝኛ)፡ ብዛዕባ ሓው ጃራዝ፡ “ንቲኦክራስያዊ ስርዓት ብዘለዎ ቕንኣትን ኣብ ኣገልግሎት ጽቡቕ ኣብነት ብምዃንን ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ንዝነበሩ ኣሕዋት ጽቡቕ ገይሩ የተባብዖም ነበረ” በለት።

ሓው ጃራዝ ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምስ ተመልሰ፡ ብ10 ታሕሳስ 1956 ንማሊታ ላስኮ ተመርዓዋ። ሓው ጃራዝን ሓብቲ ማሊታን ንሓዳሮም ብዕዮ መገሻ እዮም ጀሚሮምዎ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኣብ ዚርከባ መብዛሕትአን ወረዳታትን ኣውራጃታትን ከኣ ብትግሃት ኣገልጊሎም እዮም። ኣብ መወዳእታ 1974 ድማ፡ ሓው ጃራዝ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኪኸውን ዕድመ ቐረበሉ።

ሓው ጃራዝ ብምሉእ ልቡ ኣብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ዜተኵር፡ ውፉይን እሙንን ኣገልጋሊ የሆዋ ኸም ዝነበረ እዩ ዚዝከር። ፈቃርን ሓላዪን በዓል ቤት፡ ከምኡውን ጥቕሚ ርእሱ ዘይኰነስ ጥቕሚ ኻልኦት ሰባት ዜቐድም መንፈሳዊ ሰብ እዩ ነይሩ። (1 ቈረ. 13:4, 5) ኵሎም ሰባት ፍትሕን ምሕረትን ኪረኽቡ ይደሊ ምንባሩ፡ ብዛዕባ ኻልኦት ሰባት ልባዊ ተገዳስነት ከም ዝነበሮ እዩ ዜርኢ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዝነበሮ ቕንኣት፡ ንሰባት ዘየቋርጽ ፍቕርን ሓልዮትን ከም ዝነበሮ ዚሕብር እዩ።

እዚ ኣባል ስድራ ቤትኤል ከምኡውን ኣባል ማሕበር ዓለምለኻዊ ሕውነት ዝነበረ ጻዕረኛን ፈቃርን ሓው ስለ እተፈልየና ሓዚንና እኳ እንተ ዀንና፡ ንሓያሎ ዓመታት ንየሆዋ ብተኣማንነት ብምግልጋሉ ግን ንሕጐስ ኢና። ‘ክሳዕ ሞት እሙን ከም ዝዀነን፡ ኣኽሊል ህይወት ከም እተዋህቦን’ ንተኣማመን ኢና። (ራእ. 2:10) ‘ግብሩ ኸም ዝሰዓቦ’ እውን ርግጸኛታት ኢና።—ራእ. 14:13