ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ”

“እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ”

“እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ”

“እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ፡ እንሆ፡ እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ።” —2 ቈረ. 6:2

1. ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ተግባር እንታይ ምዃኑ ኸነስተውዕል ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

 “ንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ፡ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ነገር ከኣ ገጊዜኡ አለዎ።” (መክ. 3:1) ሰሎሞን ንማሕረስ፡ ንመገሻ፡ ንስራሕ፡ ንዘረባ፡ ኰታስ ንዅሉ ተግባር ምሹእ ግዜ ኸም ዘለዎ እዩ ዚጽሕፍ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ እንታይ ምዃኑ ኸነስተውዕል ኣሎና። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ቀዳምነት እንህቦ ነገር ብንጹር ክንፈልጥ ኣሎና።

2. የሱስ ኣብ ዚሰብከሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣበየናይ ግዜ ይነብር ከም ዝነበረ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ምንባሩ ብኸመይ ንፈልጥ፧

2 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣበየናይ ግዜ ይነብር ከም ዝነበረን እንታይ ኪገብር ይግብኦ ኸም ዝነበረን ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነበረ። ቀዳምነት ኪህቦ ዚግብኦ ነገራት እንታይ ምዃኑ ብንጹር ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ኪግበረሉ ዝጸንሐ መሲሓዊ ትንቢታት ዚፍጸመሉ ግዜ ኸም ዝቐረበ ይፈልጥ ነበረ። (1 ጴጥ. 1:11፣ ራእ. 19:10) እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ንሱ ምዃኑ ብንጹር ምእንቲ ኺልለ፡ ኪዓዮ ዚግባእ ዕዮ ነበሮ። ብዛዕባ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ብእተማልአ መገዲ ኺምስክርን ነቶም ኣብ መንግስቱ መዋርስቱ ዚዀኑ ኺእክብን ነበሮ። ነታ ኽሳዕ መወዳእታ ምድሪ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ እትፍጽም ክርስትያናዊት ጉባኤ መሰረት ኪስርት ነበሮ።—ማር. 1:15

3. የሱስ ኣብ ምንታይ ግዜ ይነብር ከም ዝነበረ ምፍላጡ፡ ንተግባራቱ ብኸመይ ጸለዎ፧

3 የሱስ ነዚ ምፍላጡ፡ ኣብ ህይወቱ ኣወንታዊ ጽልዋ ገይሩሉ እዩ፣ ማለት ፍቓድ ኣቦኡ ብቕንኣት ንኺፍጽም ደሪኽዎ እዩ። ንደቀ መዛሙርቱ እውን፡ “እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ፡ ለምንዎ” በሎም። (ሉቃ. 10:2፣ ሚል. 4:5, 6) ካብ ደቀ መዛሙርቱ፡ ፈለማ 12፡ ጸኒሑ ኸኣ 70 ሓርዩ፡ ንጹር መምርሒ ሂቡ፡ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ” ኢሎም ኪሰብኩ ለኣኾም። ብዛዕባኡ እውን፡ “የሱስ ንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ምእዛዞም ምስ ወድኤ፡ ኣብ ከተማታቶም ኪምህርን ኪሰብኽን ካብኡ ሐለፈ” ዚብል ኢና እነንብብ።—ማቴ. 10:5-7፣ 11:1፣ ሉቃ. 10:1

4. ጳውሎስ ንየሱስ ክርስቶስ ዝመሰሎ ብኸመይ እዩ፧

4 የሱስ ንዅሎም ሰዓብቱ ፍጹም ኣብነት ቅንኣትን ተወፋይነትን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ፡ “ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ” ኢሉ ኺምሕጸኖም ከሎ፡ ነዚ እዩ ዜመልክት ነይሩ። (1 ቈረ. 11:1) ንክርስቶስ ዚመስሎ ዝነበረ ግን ብኸመይ እዩ፧ ብቐዳምነት፡ ደኺመ ኸይበለ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ እዩ። ኣብተን ናብ ጉባኤታት ዝጸሓፈን መልእኽትታት፡ “ንምትጋህ ኣይትተሀከዩ፡” “ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ፡” “ብዕዮ ጐይታ . . . ኵሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ፡” “እትገብርዎ ዘበለ . . . ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ” ዚብል መግለጺታት ንረክብ ኢና። (ሮሜ 12:11፣ 1 ቈረ. 15:58፣ ቈሎ. 3:23) ጳውሎስ ነቲ ናብ ደማስቆ ኣብ ዚወስድ መገዲ ምስ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እተራኸበሉ ኣጋጣሚ ዀነ ነቲ የሱስ ብሃናንያ ዚበሃል ወደ መዝሙሩ ኣቢሉ፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን ስመይ ኪጸውር፡ ንኣይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ፈጺሙ ኣይረስዖን።—ግብ. 9:15፣ ሮሜ 1:1, 5፣ ገላ. 1:16

“እታ ቕብልቲ ጊዜ”

5. ንጳውሎስ፡ ኣገልግሎቱ ብቕንኣት ንኺፍጽም ዝደረኾ እንታይ እዩ፧

5 ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎቱ ዘርኣዮ ትብዓትን ቅንኣትን፡ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ብንጹር ክንርኢ ንኽእል ኢና። (ግብ. 13:9, 10፣ 17:16, 17፣ 18:5) ኣገዳስነት እቲ ዚነብረሉ ዝነበረ እዋን ይፈልጦ ነይሩ እዩ። “እንሆ፡ እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ፡ እንሆ፡ እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ” እውን ኢሉ እዩ። (2 ቈረ. 6:2) ቅድሚኡ፡ 537 ቅ.ክ.፡ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ምሩኻት ናብ ዓዶም ዚምለሱላ ምሽእቲ ወይ ቅብልቲ ግዜ ዀይና ነይራ እያ። (ኢሳ. 49:8, 9) ጳውሎስ ግን ብዛዕባ እንታይ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ እቲ ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት፡ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ኺሕብረና ይኽእል እዩ።

6, 7. ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ቕቡኣት ክርስትያናት፡ እንታይ ዓብዪ ኽብሪ እዩ ተዋሂብዎም፧ ምሳታቶም ብሓባር ኰይኖም ዚዓዩ ዘለዉኸ መን እዮም፧

6 ጳውሎስ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ መልእኽቱ፡ ብዛዕባ እቲ ንዕኡን ንብጾቱ ቕቡኣት ክርስትያናትን እተዋህቦም ዓብዪ ኽብሪ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (2 ቈረንቶስ 5:18-20 ኣንብብ።) ኣምላኽ ንፍሉይ ዕላማ ኸም ዝጸውዖም ገሊጹ ነይሩ እዩ። እዚ ኸኣ “ኣገልግሎት ዕርቂ” ንኺፍጽሙ፡ ማለት ንሰባት፡ “ምስ ኣምላኽ ተዐረቑ” እናበሉ ንኺልምኑ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ንሰባት ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ወይ ስኒት ንኺምስርቱ ይሕግዝዎም።

7 ኵሎም ደቂ ሰብ ካብቲ ኣብ ኤድን እተገብረ ዕልወት ኣትሒዙ፡ ካብ የሆዋ ተፈልዮምን ተነጺሎምን እዮም ዘለዉ። (ሮሜ 3:10, 23) እዚ ኸኣ ኣብቲ ናብ መከራን ሞትን ዚመርሕ መንፈሳዊ ጸልማት እዩ ሸሚምዎም ዘሎ። ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ፡ “ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዜስቈርቍርን ቅልውላው ከም ዝሐዞን፡ ንፈልጥ አሎና” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (ሮሜ 8:22) ኣምላኽ ግን ንሰባት ናብኡ ንኺምለሱ ወይ ምስኡ ንኺዕረቑ ይምሕጸኖም ወይ ‘ይልምኖም’ እዩ ዘሎ። ንጳውሎስን ንብጾቱ ቕቡኣት ክርስትያናትን ብሕድሪ እተዋህቦም ኣገልግሎት ከኣ እዚ እዩ። እታ “ቕብልቲ ጊዜ” ነቶም ብየሱስ ዚኣምኑ፡ “መዓልቲ ምድሓን” ክትኰነሎም ትኽእል እያ ነይራ። ኵሎም ቅቡኣት ክርስትያናትን ብጾቶም ዝዀኑ “ኻልኦት ኣባጊዕ”ን፡ ሰባት ካብታ “ቕብልቲ ጊዜ” ንኺጥቀሙ ጻውዒት የቕርቡ ኣለዉ።—ዮሃ. 10:16

8. ነቲ ጻውዒት ዕርቂ ፍሉይ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

8 ነቲ ጻውዒት ዕርቂ ኣዝዩ ፍሉይ ዚገብሮ፡ እቲ ርክብ ኪብተኽ ዝኸኣለ፡ ሓደ ወገን ብዝፈጸሞ በደል፡ ማለት ሰብ ኣብ ኤድን ብዝገበሮ ዕልወት እኳ እንተ ዀነ፡ ኣምላኽ ባዕሉ ነቲ ርክብ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ተበግሶ ምውሳዱ እዩ። (1 ዮሃ. 4:10, 19) እንታይ እዩ ገይሩ፧ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዐርቃ ኸሎ፡ [“ብክርስቶስ ገይሩ እዩ፡” ትርጕም 1990] በደሎም ኣይሐዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ።”—2 ቈረ. 5:19፣ ኢሳ. 55:6

9. ጳውሎስ ንምሕረት ኣምላኽ ዘለዎ ሞሳ ንምግላጽ እንታይ እዩ ገይሩ፧

9 የሆዋ መስዋእታዊ በጃ ስለ ዘዳለወ፡ እቶም እምነት ዜርእዩ ዘበሉ ሓጢኣቶም ኪሕደገሎምን ምስኡ ዕርክነት ወይ ስኒት ኪህልዎምን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ እውን፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ሰባት ብኣጋኡ ምስኡ ምእንቲ ኺዕረቑ፡ ንዓታቶም ዚምሕጸኑ ወኪላቱ ለኣኸ። (1 ጢሞቴዎስ 2:3-6 ኣንብብ።) ጳውሎስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑን ኣበየናይ እዋን ይነብር ከም ዝነበረን ስለ እተረድኦ፡ ደኺመ ኸይበለ ኣብ “ኣገልግሎት ዕርቂ” ብትግሃት ዓየየ። ሕጂ እውን ፍቓድ የሆዋ ኣይተቐየረን። ኣብዚ ግዜና ኢዱ ተዘርጊሓ እያ ዘላ። እተን ጳውሎስ እተዛረበን፡ “እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ፡” ከምኡውን “እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ” ዚብላ ቓላት፡ ሕጂ እውን ይዓያ እየን። የሆዋ ኣምላኽሲ ኸመይ ዝበለ መሓርን ርሕሩሕን ኣምላኽ ኰን እዩ!—ዘጸ. 34:6, 7

“ከንቱ” ኣይትግበሮ

10. ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኰነ ሕጂ ንዘለዉ ቕቡኣት ክርስትያናት፡ “መዓልቲ ምድሓን” እንታይ ትርጕም ኣለዋ፧

10 ካብቲ ጸጋ ዚጥቀሙ ቐዳሞት ሰባት፡ እቶም ‘ብክርስቶስ ዘለዉ’ እተባህሉ እዮም። (2 ቈረ. 5:17, 18) ናቶም “መዓልቲ ምድሓን” ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. እያ ጀሚራ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ “ቃል ዕርቂ” ናይ ምእዋጅ ሓላፍነት ተዋሂብዎም እዩ። ክሳዕ ሕጂ ተረፍ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት “ኣገልግሎት ዕርቂ” ይፍጽሙ ኣለዉ። እቶም ሃዋርያ ዮሃንስ ብትንቢታዊ ራእይ ዝረኣዮም ኣርባዕተ መላእኽቲ፡ “ኣብ ምድሪ . . . ንፋስ ከይነፍስ፡ ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ሒዞምዎም” ከም ዘለዉ ይፈልጡ እዮም። እምበኣር፡ ሕጂ እውን “መዓልቲ ምድሓን”ን “እታ ቕብልቲ ጊዜ”ን እያ። (ራእ. 7:1-3) በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቶም ተረፍ ቅቡኣት ካብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ኣትሒዞም፡ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ነቲ “ኣገልግሎት ዕርቂ” ብቕንኣት ይፍጽምዎ ኣለዉ።

11, 12. ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት፡ ኣበየናይ ግዜ ይነብሩ ምንባሮም ኸም ዝፈለጡ ብኸመይ ኣርኣዩ፧ (ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ ርአ።)

11 ንኣብነት፡ ኣብታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም ዘርእስታ መጽሓፍ ተሓቢሩ ኸም ዘሎ፡ ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን፡ “ሲ. ቲ. ራስልን ተሓባበርቱን፡ ኣብ እዋን ቀውዒ ኸም ዘለዉን ሰባት ከኣ ነቲ ሓራ ዜውጽእ ሓቂ ኺሰምዑ ኸም ዜድልዮምን ብጽኑዕ ይኣምኑ ነበሩ።” እሞኸ እንታይ ገበሩ፧ ኣብ እዋን ቀውዒ፡ ማለት ኣብታ “ቕብልቲ ጊዜ” ኸም ዘለዉ ስለ ዝፈለጡ፡ ንሰባት ናብ ሃይማኖታዊ ኣኼባ ኺመጹ ብምዕዳም ጥራይ ኣይዓገቡን። ቅድሚኡ እውን ኣቕሽሽቲ ህዝበ-ክርስትያን ከምኡ ይገብሩ ነይሮም እዮም። እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ግን፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ ዜኽእሎም ግብራዊ መገድታት ኬናድዩ ጀመሩ። ንኣብነት፡ ኣብ ዕዮኦም ዚሕግዞም ሓድሽ ተክኖሎጂ ተጠቕሙ።

12 እቶም ሒደት ዝነበሩ ቐናኣት ኣገልገልቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ኺዝርግሑ ኢሎም፡ ትራክትታትን ፓምፍለታትን መጽሔታትን መጻሕፍትን ተጠቕሙ። ስብከታትን ዓንቀጻትን ጽሒፎም፡ ኣብ ኣሽሓት ጋዜጣታት ንኺሕተም ዘርግሕዎ። ብሃገራውን ብኣህጉራውን መደበራት ረድዮ ገይሮም እውን፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ መደባት ፈነዉ። ኢንዱስትሪ ፊልም፡ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ምስ ድምጺ ኣወሃሂዱ ኸየቕረበ ኸሎ፡ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ምስ እተቐድሐ ድምጺ ኣወሃሂዶም ኣዳለዉ። እዚ ሓያል ቅንኣቶም እንታይ ኣፍረየ፧ ሎሚ፡ ሸውዓተ ሚልዮን ዚኣኽሉ ሰባት ነቲ፡ “ምስ ኣምላኽ ተዐረቑ” ዚብል መልእኽቲ ተቐቢሎም፡ ይእውጅዎ ኣለዉ። እዞም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ቀያዲ ዅነታት እኳ እንተ ነበሮም፡ ጽቡቕ ኣብነት ቅንኣት እዮም።

13. ነየናይ ዕላማ ኣምላኽ ኢና ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ዘሎና፧

13 እተን፡ “እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ” ዚብላ ቓላት ጳውሎስ ሎሚ እውን ይዓያ እየን። እቶም ጸጋ የሆዋ ዝጠዓምና ዘበልና፡ መልእኽቲ ዕርቂ ኽንሰምዕን ክንቅበልን ኣጋጣሚ ብምርካብና ነመስግን ኢና። ኣብዚ መዳይ እዚ ሸለልተኛታት ክንከውን ኣይንደልን ኢና፣ የግዳስ፡ ነተን፡ “ጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኸይትቕበሉ . . . ንምዕደኩም አሎና” ዚብላ ቓላት ጳውሎስ ኣብ ልብና ነሕድረን ኢና። (2 ቈረ. 6:1) ዕላማ ጸጋ ኣምላኽ፡ ብክርስቶስ ገይሩ ‘ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ’ እዩ።—2 ቈረ. 5:19

14. ኣብ ብዙሓት ሃገራት እንታይ ኣጋጣሚታት ይኽፈት ኣሎ፧

14 መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ ብሰይጣን ስለ ዝዓወሩ፡ ካብ ኣምላኽ ርሒቖም ኣለዉ፡ ዕላማ ጸጋኡ እውን ኣይፈልጡን እዮም። (2 ቈረ. 4:3, 4፣ 1 ዮሃ. 5:19) ይኹን እምበር፡ ኵነታት ዓለም እናበኣሰ ኣብ ዚኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ጠንቂ እቲ ዜጋጥም ዘሎ እከይን መከራን፡ ወዲ ሰብ ካብ ኣምላኽ ስለ ዝረሓቐ ምዃኑ ምስ ፈለጡ፡ ነቲ መልእኽቲ ኪቕበሉ ተደሪኾም እዮም። ኣብተን ብዛዕባ ዕዮ ስብከትና ዘይግደሱ ህዝቢ ዚነብሩለን ሃገራት እውን እንተ ዀነ፡ ብዙሓት ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይቕበሉ፡ ምስ ኣምላኽ ንኺዕረቑ ኸኣ ስጕምቲ ይወስዱ ኣለዉ። እሞኸ እዚ ግዜ እዚ፡ “ምስ ኣምላኽ ተዐረቑ” ዚብል ምሕጽንታ ብዝያዳ ቕንኣት እንእውጀሉ ግዜ ምዃኑ ተገንዚብናዮዶ ኣለና፧

15. ምስ ትምኒት ሰባት ዚሰማማዕ መልእኽቲ ኣብ ክንዲ እንሰብኽ፡ ኣብ ኵሉ ቦታታት ዘለዉ ሰባት እንታይ ኪፈልጡ ኢና እንደልዮም፧

15 ዕዮና፡ ሰባት ናብ ኣምላኽ እንተ ተጸጊዖም፡ ኣብ ኵሉ ጸገማቶም ከም ዚሕግዞምን ጽቡቕ ከም ዚስምዖምን ምንጋር ጥራይ ኣይኰነን። ብዙሓት ናብ ቤተ-ክርስትያን ዚኸዱሉ ምኽንያት እውን እዚ እዩ፣ ኣብያተ-ክርስትያን እውን ነዚ ትምኒቶም ንምምላእ ድሉዋት እየን። (2 ጢሞ. 4:3, 4) ሸቶ ኣገልግሎትና እዚ ኣይኰነን። እቲ እንሰብኮ ብስራት፡ የሆዋ ብፍቕሩ ተደሪኹ፡ ብክርስቶስ ኣቢሉ ሓጢኣትና ንኺሓድግ ፍቓደኛ ምዃኑ ዚገልጽ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ውልቀ-ሰባት ካብ ኣምላኽ ርሒቖም ኣብ ክንዲ ዚነብሩ፡ ምስኡ ኺዕረቑ ይኽእሉ። (ሮሜ 5:10፣ 8:32) ኰይኑ ግን፡ “እታ ቕብልቲ ጊዜ” ትጽንቀቕ እያ ዘላ።

“ብመንፈስ ተቓጸሉ”

16. ጳውሎስ፡ ትብዓትን ቕንኣትን ንኺህልዎ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

16 እሞ ደኣ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘሎና ቕንኣት ብኸመይ ከነማዕብልን ክንዕቅብን ንኽእል፧ ገሊኦም ብተፈጥሮኦም ሓፋራት ወይ ቍጡባት ስለ ዝዀኑ፡ ሓሳቦም ኪገልጹ ወይ ሕዉሳት ኪዀኑ የጸግሞም ይኸውን። እንተዀነ ግን፡ ቅንኣት ደጋዊ መግለጺ ስምዒት ጥራይ ዘይምዃኑ ኽንዝክሮ ኣሎና፣ ኣብ ባህርይ ውልቀ-ሰብ እውን ኣይምርኰስን እዩ። ጳውሎስ ንክርስትያን ብጾቱ፡ “ብመንፈስ ተቓጸሉ” ኢሉ ኺምሕጸኖም ከሎ፡ ቅንኣት ብኸመይ ከነማዕብልን ክንዕቅብን ከም እንኽእል ገሊጹ እዩ። (ሮሜ 12:11) መንፈስ የሆዋ ኣብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ዕዮ ስብከት ዝነበሮ ትብዓትን ሓቦን ዓብዪ ግደ ተጻዊቱ እዩ። ካብቲ ኻብ የሱስ ጻውዒት ዝቐረበሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ክሳዕ እቲ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ሮሜ እተኣስረሉን ሰማእት ዝዀነሉን እዋን፡ ማለት ንልዕሊ 30 ዓመት፡ ቅንኣቱ ኣይዘሓለን። ወትሩ ናብቲ ብመንፈሱ ገይሩ ዜድልዮ ሓይሊ ዚህቦ ኣምላኽ ይጽጋዕ እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ፡ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” በለ። (ፊል. 4:13) ካብ ኣብነቱ እንተ ተማሂርና፡ ክንደይ ኰን ኢና ኽንጥቀም እንኽእል!

17. ‘ብመንፈስ ክንቃጸል’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

17 እታ “ተቓጸሉ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል፡ ቃል ብቓሉ “ፍልሑ” ማለት እያ። (ኪንግደም ኢንተርሊንያር) ኣብ በራድ ዘሎ ማይ ንኺፈልሕ፡ ተሰኽቲቱ ኺጸንሕ ኣለዎ። ብተመሳሳሊ፡ ‘ብመንፈስ ንኽንቃጸል፡’ ቀጻሊ ዋሕዚ መንፈስ ኣምላኽ የድልየና። ነዚ ንምርካብ፡ ንዅሉ እቲ የሆዋ ብመንፈሳዊ መዳይ ንኼጽንዓና ኢሉ ዝገበሮ መሰናድዎታት ክንጥቀመሉ ኣሎና። እዚ ኸኣ ንኣምልኾ ስድራ ቤት ኰነ ንኣምልኾ ጉባኤ ኣርዚንና ኽንርእዮ፡ ብኻልእ ኣበሃህላ ኣዘውቲርና ብሕታዊ መጽናዕትን መጽናዕቲ ስድራ ቤትን ጸሎትን ክንገብር፡ ምስ ብጾትና ክርስትያናት ከኣ ክንእከብ ኣሎና ማለት እዩ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ‘ብመንፈስ ንኽንቃጸል’ ወይ ‘ንኽንፈልሕ’ ዚሕግዘና “ሓዊ” ረኺብና ኣሎና ማለት እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 4:20፣ 18:25 ኣንብብ።

18. ርእስና ዝወፈና ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ኣብ ምንታይ ዕላማ ኢና ኸነተኵር ዘሎና፧

18 ሓደ ውፉይ ዚበሃል ሰብ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሓደ ዕላማ እዩ ዜተኵር፣ ነቲ ዕላማኡ ኻብ ምስዓብ ከኣ ብቐሊሉ ኣየላግስን ወይ ተስፋ ኣይቈርጽን እዩ። ንሕና እውን ርእስና ዝወፈና ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ዕላማና ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ የሆዋ ዚደልዮ ዘበለ ምግባር እዩ። (እብ. 10:7) ሎሚ፡ ፍቓድ የሆዋ፡ ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ምስኡ ኺዕረቑ እዩ። ሃየ እምበኣር፡ ኣብነት የሱስን ጳውሎስን ብምስዓብ፡ ነዚ ሎሚ ኺዕየ ዘለዎ ኣገዳስን ህጹጽን ዕዮ፡ ብቕንኣት ንዕየ።

ትዝክሮዶ፧

• እቲ ንጳውሎስን ንኻልኦት ቅቡኣት ክርስትያናትን እተዋህቦም “ኣገልግሎት ዕርቂ” እንታይ እዩ ነይሩ፧

• እቶም ተረፍ ቅቡኣት ነታ “ቕብልቲ ጊዜ” ብኸመይ ተጠቒሞምላ፧

• ክርስትያን ኣገልገልቲ ነቲ “ብመንፈስ ተቓጸሉ” ዚብል ምሕጽንታ ብኸመይ ኪዓዪዩሉ ይኽእሉ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ነቲ ምስ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እተራኸበሉ ኣጋጣሚ ፈጺሙ ኣይረስዖን