ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዙሕ ሰናይ ረኺበ እየ

ብዙሕ ሰናይ ረኺበ እየ

ብዙሕ ሰናይ ረኺበ እየ

ኣርተር ቦኖ ዘዘንተዎ

እዋኑ ብ1951 እዩ ነይሩ። ኣነን ሰበይተይ ኢዲትን ኣብ ሓደ ኣኼባ ኣውራጃ ተኣኪብና ኸለና፡ ሚስዮናውያን ኰይኖም ኬገልግሉ ምስ ዚደልዩ ሰባት ኣኼባ ኸም ዚግበር ምልክታ ሰማዕና።

ኣነ ኸኣ ንኢዲት፡ “ንዕናይ ንስማዕ!” በልክዋ።

ንሳ ድማ፡ “ኣርት፡ እዚ ንዓና ዚኸውን ኣይኰነን!” ኢላ መለሰትለይ።

“በጃኺ እንዶ ኢዲ፡ ክንሰምዕ ጥራይ ኢና” በልክዋ።

ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ንምእታው ዚኸውን መመልከቲ ወረቐት ተዋህበና።

ኣነ ኸኣ፡ “ንምልኣዮ” በልክዋ።

ንሳ ድማ፡ “ኣርት፡ ስድራናኸ፧” ኢላ መለሰትለይ።

ከምኡ ኢልና ኻብ እንዘራረብ ድሕሪ ሓደ ዓመትን መንፈቕን፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተማሂርና፡ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ኣብ እትርከብ ሃገረ ኤኳዶር ከነገልግል ተመደብና።

ካብዚ ምስ ብዓልቲ ቤተይ ዝገበርክዎ ዝርርብ ከም እተዓዘብኩምዎ፡ ኣነ ውዑይን ኵሉ ኽገብር ዝደልን እየ ነይረ። ኢዲት ግን ልእምትን ዓቕማ እትፈልጥን እያ ነይራ። ኣብታ ኣብ ፐንስልቨንያ፡ ሕ.መ.ኣ.፡ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ ኤሊዛቤት እያ ዓብያ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ካብታ ዝዓበየትላ ኸተማ ኣርሒቓ ገይሻ ዀነ ምስ ወጻእተኛ ተራኺባ ኣይትፈልጥን እያ ነይራ። ንስድራኣ ሓዲጋ ምኻድ ከቢድዋ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ነቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንኸተገልግል እተዋህባ ምድብ ብምሉእ ልባ እያ ተቐቢላቶ። ብ1954፡ ናብ ኤኳዶር ከድና፡ ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር ከኣ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ሚስዮናውያን ኴንና ነገልግል ኣለና። ኣብዚ ኣብ ዝጸናሕናለን ዓመታት፡ ብዙሕ ሰናይ ረኺብና ኢና። ብዛዕባ ገሊኡ ኽትሰምዑ ትደልዩዶ፧

ጽቡቕ ተዘክሮታት

ኣብ ፈለማ፡ ናብታ ኣብ ኣኽራን ኣንደስ፡ ኣብ 2,850 ሜተር ብራኸ እትርከብ ኲቶ እትበሃል ርእሲ ኸተማ ተመደብና። ካብታ ወደባዊት ከተማ ጓያኪል ናብታ ርእሲ ኸተማ ብባቡርን ብማኪና ጽዕነትን ዝገበርናዮ ጕዕዞ ኽልተ መዓልቲ እዩ ወሲዱልና፣ ሕጂ ግን ብነፋሪት ብ30 ደቒቕ እዩ ዚብጻሕ። ንኣርባዕተ ዘይርስዓ ዓመታት ኣብ ኲቶ ኣገልገልና። ድሕሪኡ፡ ብ1958፡ ካልእ ሰናይ ነገር ኣጋጠመና፦ ኣብ ዕዮ ወረዳ ኸነገልግል ተዓደምና።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ክልተ ንኣሽቱ ወረዳ ጥራይ እየን ነይረን። ስለዚ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ንጉባኤታት እንገብሮ ምብጻሕ፡ ኣብተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይነበሩለን ዓድታት ህንዳውያን ንሓያሎ ሰሙናት ንሰብኽ ነበርና። ኣብተን ዓድታት ዚርከብ ዝነበረ መሕደር ኣጋይሽ፡ ሓንቲ ዓራት ጥራይ ዘለዎ መስኮት ዘይብሉ ኽፍሊ እዩ ነይሩ። ብላምባ እትዓዪ ምድጃ፡ ባዴላ፡ ብያትታት፡ መሕጸቢ ጋብላ፡ ኣንሶላታት፡ መከላኸሊ ጣንጡ ዚኸውን ሻሽ፡ ክዳውንቲ፡ ዕለቱ ዝሓለፎ ጋዜጣታት፡ ከምኡውን ካልእ ነገራት ዝመልአ ሳንዱቕ ሒዝና ንኸይድ ነበርና። ኣናጹ ምእንቲ ኸየሸግራና፡ በቲ ጋዜጣታት ጌርና ነቲ ኣብ መናድቕ ዚርከብ ነዃላት ንውትፎ ነበርና።

እቲ መሕደሪ ኽፍልታት ጸልማትን ረሳሕን እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ዓራት ኮፍ ኢልና በታ ምድጃና ዝኸሸንናዮ ምግቢ እናበላዕና እነዕልሎ ዕላል፡ ጽቡቕ ተዘክሮታት እዩ ሓዲጉልና። ብሰንኪ ዋዕየይ ከይሓሰብኩ እዛረብ ብምንባረይ፡ ሓድሓደ ግዜ ብዓልቲ ቤተይ ምሸት ከነዕልል ከለና፡ ነቶም ዝበጽሖም ኣሕዋት ብዝሓሸ መገዲ ሓሳበይ ክገልጸሉ ዝኽእል መገድታት ብሜላ ትጠቕሰለይ ነበረት። ምኽራ ስለ ዝሰማዕኩ፡ ምብጻሐይ ብዝያዳ ዜተባብዕ ኰነ። ከይሓሰብኩ ብዛዕባ ኻልእ ሕማቕ ዘረባ እንተ ተዛሪበ ኸኣ፡ ኣብቲ ዝርርብ ኣይትሳተፍን እያ ነይራ። በዚ ኸምዚ፡ ብዛዕባ ኣሕዋተይ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽሕዝ ከም ዘሎኒ ተመሃርኩ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ኻብ ዓንቀጻት ግምቢ ዘብዐኛ እተመሃርናዮ ነገራትን በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዘጋጠመና ተመክሮታትን ኢና እንዘራረብ ኔርና። ብሓቂ ድማ ዜሐጕስ ተመክሮታት ነይሩና እዩ!

ንካርሎስ ብኸመይ ከም ዝረኸብናዮ

ኣብ ምዕራብ ኤኳዶር ኣብ እትርከብ ከተማ ሂፒሃፓ፡ ካርሎስ ማሂያ ንዚበሃል ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ክንረኽቦ ተነግረና፣ እንተዀነ ግን፡ ስሙ ጥራይ እምበር፡ ኣድራሻኡ ኣይተዋህበናን። ንግሆ ኻብታ እተኻረናያ ኽፍሊ ኽንወጽእ ከለና፡ ኣበይ ከም እንደልዮ ኣይንፈልጥን ኢና ኔርና። ስለዚ፡ ብሃውሪ ናብ ሓደ ኣንፈት ክንጐዓዝ ጀመርና። ድሮኣ ኣብ ዝነበረት ምሸት ብርቱዕ ዝናም ዘኒሙ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ታኼላ ኸይንኣቱ እናተጠንቀቕና ንኸይድ ነበርና። ቀቅድሚ ብዓልቲ ቤተይ ክኸይድ ከለኹ፡ “ኣርት!” ኢላ ብዓቕሊ ጽበት ክትጽውዓኒ ሰማዕኩ። ቍሊሕ እንተ በልኩ፡ ኢዲ ኽሳዕ ብርካ ኣብ ጭቃ ተተኺላ ረኣኽዋ። ኣብቲ ግዜ እቲ እንተ ዘይትነብዕ ነይራ፡ ምሰሓቕኩ ነይረ።

ካብቲ ታኼላ ጐቲተ እኳ እንተ ኣውጻእክዋ፡ ክልቲኡ ጫማኣ ግን ኣብቲ ጭቃ ተተኺሉ ተረፈ። ክልተ ቘልዑ ይርእዩና ነበሩ፣ ኣነ ድማ፡ “ነዘን ጫማ ኻብዚ ጭቃ እንተ ኣውጺእኩምለይ፡ ገንዘብ ክህበኩም እየ” በልክዎም። ብቕጽበት ነተን ጫማ ኣውጽእወን፣ ኢዲ ግን ክትተሓጻጸብ ነበራ። ኣደ እቶም ቈልዑ ነዚ ዅሉ ትርኢ ስለ ዝነበረት፡ ናብ ቤታ ኣእትያ፡ ንሰበይተይ ኣእጋራ ኽትሕጸብ ሓገዘታ፣ እቶም ቈልዑ ኸኣ ነተን ተበላሽየን ዝነበራ ጫማ ኣጽረይወን። ካብታ ቤት ቅድሚ ምውጻእና ግን፡ ሓደ ሰናይ ነገር ኣጋጠመ። ነታ ሰበይቲ፡ ካርሎስ ማሂያ ዚበሃል ሰብኣይ ትፈልጥ እንተ ዀይና ሓተትክዋ። እታ ሰበይቲ ኸኣ በቲ ዝሰምዓቶ እናደንጸዋ፡ “ሰብኣየይ እዩ” በለትኒ። ድሕሪ ግዜ፡ ነታ ስድራ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረላ፣ ኵሎም ኣባላት እታ ስድራ ድማ ተጠምቁ። ድሕሪ ዓመታት፡ ካርሎስን ሰበይቱን ክልተ ኻብ ደቁን ፍሉያት ፈለምቲ ዀኑ።

በዳሂ መገሻታትን ባህ ዜብል እንግዶትን

ኣብ ዕዮ ወረዳ እንገብሮ ዝነበርና መገሻታት፡ በዳሂ እዩ ነይሩ። ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ማኻይን ጽዕነትን ታንኳታትን ንኣሽቱ ነፈርትን ንጥቀም ነበርና። ሓደ ግዜ፡ ምስቲ ሓላው ኣውራጃ ዀይኑ ዜገልግል ዝነበረ ጆን ማክለንካንን ምስ ዶረቲ ሰበይቱን ሓቢርና፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ኮሎምብያ ናብ ዚርከባ ገፈፍቲ ዓሳ ዚነብሩለን ኣቝሻት ክንሰብኽ ከድና። ብሞተር ብእትንቀሳቐስ ታንኳ ኽንጐዓዝ ከለና፡ ክንዲ እታ ታንኳ ዚዀኑ ኸልቢ ዓሳ (ሻርክ) ኣብ ጥቓና ይሕምብሱ ነበሩ። እቲ ምኩር ብዓል ታንኳ እውን እንተ ዀነ፡ በቶም ገዘፍቲ ኸልቢ ዓሳ ስለ ዝሰምበደ፡ ነታ ታንኳ ቐልጢፉ ናብ ገምገም ኣቕረባ።

እቲ ኣብ ዕዮ ወረዳ ዜጋጥመና ዝነበረ ብድሆታት ግን፡ ብዙሕ ጻማ ነይርዎ እዩ። ምስቶም ተቐበልቲ ኣጋይሽ ዝዀኑ ዜደንቑ ኣሕዋት ክንፋለጥ ክኢልና ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቶም ዜአንግዱና ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣብ መዓልቲ ሓንሳእ ጥራይ እናበልዑ ኽነሶም፡ ንዓና ግን ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ክንበልዕ ግዲ ይብሉና ነበሩ። ንዓና ዓራቶም ሓዲጎም፡ ንሳቶም ኣብ ባይታ ይድቅሱ ነበሩ። ብዓልቲ ቤተይ ብዙሕ ግዜ፡ “እዞም ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ንመነባብሮና ሒደት ነገራት ጥራይ ከም ዜድልየና ንኽግንዘብ ይሕግዙኒ እዮም” ትብል ነበረት።

“ድሕር ክንብል ኣይንደልን ኢና”

ብ1960፡ ካልእ ሰናይ ነገር ኣጋጠመና፦ ኣብ ጓያኪል ኣብ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከነገልግል ተዓደምና። ኣነ ምምሕዳራዊ ዕዮ ኽዓዪ ኸለኹ፡ ኢዲት ኣብ ጥቃ እቲ ጨንፈር ኣብ እትርከብ ጉባኤ ተገልግል ነበረት። ንርእሰይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ከም ዝውዕል ሰብ ገይረ ርእየያ ስለ ዘይፈልጥ፡ ብቕዓት ዘይብለይ ኰይኑ ተሰምዓኒ፣ እብራውያን 13:21 ከም እትሕብሮ ግን፡ ኣምላኽ ‘ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍቓዱ ኽንገብር የብቅዓና እዩ።’ ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ፡ ዚርከብ ቤትኤል ኣብ ዚግበር ዓሰርተ ወርሒ ዚወስድ ስልጠና ጊልዓድ ክሳተፍ ተዓደምኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣንስቲ ኣብ ምድበን ኪጸንሓ እዩ ትጽቢት ዚግበረለን ነይሩ። ካብ ብሩክሊን ከኣ ንሰበይተይ ደብዳበ መጸታ። ካብ ሰብኣያ ንዓሰርተ ወርሒ ኽትፍለ ፍቓደኛ እንተ ዀይና ተጠንቂቓ ኽትሓስበሉ ሕቶ ቐረበላ።

ኢዲት ድማ ከምዚ ኢላ ምላሻ ጸሓፈት፦ “እዚ ቐሊል ዘይምዃኑ ርግጸኛ እየ፣ እንተዀነ ግን፡ የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ዚፍጠር ጸገማት ንኽንሰግሮ ኸም ዚሕግዘና ንፈልጥ ኢና። . . . ካብ ዝዀነ ይኹን ዝቐረበልና ፍሉይ መሰል ወይ ሓላፍነታትና ብዝሓሸ ብቕዓት ንምፍጻም ካብ እተኸፍተልና ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ፡ ድሕር ክንብል ኣይንደልን ኢና።” ኣብ ብሩክሊን ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣብ ሰሰሙን ካብ ሰበይተይ ደብዳበ ይመጸኒ ነበረ።

ኣብ ጐድኒ እሙናት ክርስትያን ብጾት ምግልጋል

ብ1966፡ ብምኽንያት ናይ ጥዕና ጸገም፡ ኣነን ኢዲትን ናብ ኲቶ ተመለስና፣ ኣብኡ ኸኣ ምስቶም ኣብኡ ዚነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ብሓባር እናኣገልገልና፡ ሚስዮናዊ ዕዮና ቐጸልና። እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ንጽህናኦም ብምሕላው ዝመጸ፡ ሰናይ ኣብነት እዮም ነይሮም።

ንኣብነት፡ ሓንቲ እምንቲ ሓብቲ፡ ወትሩ ዚወቕዓ ዘይኣማኒ ሰብኣይ ነበራ። ሓደ መዓልቲ፡ ሰብኣያ ኸም ዝወቕዓ፡ ንግሆ ሰዓት ሽዱሽተ ተነግረና። ተጓዪየ ናብ ቤታ ኸድኩ። ምስ ረኣኽዋ፡ ዓይነይ ክኣምን ኣይከኣልኩን። ሓባቢጣን ስንብራት ብስንብራት ኰይናን ኣብ ዓራት ደቂሳ ረኸብክዋ። ሰብኣያ ብስኮባ ገይሩ፡ እቲ ስኮባ ኽሳዕ ዚስበር እዩ ቐጥቂጥዋ። ጸኒሐ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቤቱ ምስ ረኸብክዎ፡ ስራሕ ፈራሃት ከም ዝሰርሐ ነገርክዎ። ይቕረታ ኺግበረሉ ለመነ።

ኣብ መጀመርታ 1970ታት፡ ጥዕናይ ስለ እተመሓየሸ፡ እንደገና ናብ ዕዮ ወረዳ ተመለስና። ከተማ ኢባራ ኣብ ውሽጢ ወረዳና እያ ነይራ። ኣብ መወዳእታ 1950ታት ናብታ ኸተማ ኣብ ዝኸድናሉ እዋን፡ ኣብኣ ሓደ ሚስዮናውን ሓደ ኻልእ ሓውን ጥራይ እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ነቶም ኣብታ ጉባኤ እተወሰኹ ብዙሓት ሓደስቲ ኽንረኽቦም ተሃንጢና ኢና ኼድና።

ኣብታ ኸተማ ኣብ ዝገበርናዮ ናይ መጀመርታ ኣኼባና፡ ሓውና ሮድሪጎ ቫካ ኣብ መድረኽ ደው ኢሉ ሰማዕቲ ዚሳተፉሉ ኽፍሊ መርሐ። ሕቶ ምስ ሓተተ፡ እቶም ተኣከብቲ ኢዶም ሓፍ ኣብ ክንዲ ዜብሉ፡ ዓው ኢሎም “ዮ፡ ዮ!” (ኣነ፡ ኣነ) በሉ። ኣነን ኢዲትን ደንጽዩና ተጠማመትና። ‘እንታይ እዮም ዚገብሩ ዘለዉ፧’ ኢለ ሓሰብኩ። ደሓር ግን፡ ሓው ቫካ ዓይነ-ስዉር ከም ዝዀነ ፈለጥና፣ ንሳቶም ኪደሃዩ ኸለዉ ኸኣ፡ ድምጾም ኣለልዩ እዩ ኺምልሱ ዚፈቕደሎም። ንኣባጊዑ ኣጸቢቑ ዚፈልጠን ጓሳ እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ዮሃንስ 10:3, 4, 14 ዚርከብ የሱስ ብዛዕባ ንኣባጊዑ ዚፈልጠንን ንሳተን እውን ዚፈልጣኦን ሕያዋይ ጓሳ እተዛረቦ ነገር ኣዘኻኺሩና። ሎሚ፡ ኣብ ኢባራ ሽዱሽተ ጉባኤታት ቋንቋ ስጳንኛን ሓንቲ ጉባኤ ቛንቋ ኪችዋን ሓንቲ ጉባኤ ቛንቋ ምልክትን ኣለዋ። ሓው ቫካ ኸኣ፡ ሽማግለን ፍሉይ ፈላምን ኰይኑ ብተኣማንነት የገልግል ኣሎ። *

ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ሰናይ ነገራት ነማስወሉ ኢና

ብ1974 የሆዋ ኻልእ ሰናይ ነገር ገበረልና፦ ናብ ቤትኤል ክንምለስ ተዓደምና፣ ኣብኡ ኸኣ እንደገና ኣብ ምምሕዳራዊ ዕዮ ተመደብኩ፣ ጸኒሐ ኸኣ ኣብ ኮሚተ ጨንፈር ከገልግል ተሸምኩ። ኢዲት ፈለማ ኣብ ክሽነ ትዓዪ ነበረት፣ ጸኒሓ ግን ኣብ ቤት ጽሕፈት ክትዓዪ ጀመረት፣ ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ምስ ደብዳበታት እተሓሓዘ ዕዮ ትዓዪ ኣላ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ናብ ኤኳዶር ብኣማእታት ዚቝጸሩ ኣብ ጊልዓድ ዝሰልጠኑ ሚስዮናውያን ኪመጹ ርኢና ኢና፣ ብስለቶምን ቅንኣቶምን ከኣ ነተን ዜገልግሉለን ጉባኤታት ጠቒምወን እዩ። ካብ ልዕሊ 30 ሃገራት ናብ ኤኳዶር ኬገልግሉ ዝመጹ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ምርኣይና እውን ኣተባቢዑና እዩ። እቲ ጥቕሚ ርእሶም ናይ ምስዋእ መንፈሶም ከኣ መሲጡና እዩ። ገሊኦም ኣብቲ ኣብ ኤኳዶር ዚርከብ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታታት ምእንቲ ኼገልግሉ፡ ቤቶምን ንግዶምን ሸይጦም እዮም መጺኦም። ኣብ ግሉል ቦታታት ንምግልጋል ማኪና ዓዲጎም እዮም፣ ብዘይካዚ፡ ሓደስቲ ጉባኤታት መስሪቶምን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምህናጽ ሓጊዞምን እዮም። ብዙሓት ቀናኣትን ንፉዓትን ንጽል ኣሓት እውን ፈለምቲ ዀይነን ንኼገልግላ መጺአን እየን።

እወ፡ ንኣምላኽ ኣብ ዘገልገልኩሉ ሓያሎ ዓመታት፡ ብዙሕ ሰናይ ረኺበ እየ። ብቐዳምነት፡ ምስ የሆዋ ርክብ ኪህልወኒ ኽኢሉ እዩ። ብተወሳኺ እውን፡ የሆዋ ንዓይ እትዀነኒ “ደጋፊት” ብምሃቡ አመስግኖ እየ። (ዘፍ. 2:18) ነቲ ኸም ሰብኣይን ሰበይትን ብሓባር ኴንና ዘሕለፍናዮ 69 ዓመት ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ እተን ኣብ ምሳሌ 18:22 ዚርከባ፡ “እቲ ሰበይቲ ዚረክብ ሰናይ ይረክብ” ዚብላ ቓላት እየን ትዝ ዚብላኒ። ኢዲት ብጸይተይ ብምዃና፡ ብዙሕ እዩ ኣሐጒሱኒ። ብብዙሕ መገድታት እያ ሓጊዛትኒ። ንኣዲኣ እውን ፍቕርቲ ጓላ እያ ነይራ። ናብ ኤኳዶር ካብ ዝመጻእናላ እዋን ኣትሒዛ ኽሳዕ እታ ኣዲኣ ብ1990 ኣብ 97 ዕድሚኣ ዝሞተትላ እዋን፡ ንኣዲኣ ሰሙናዊ ደብዳበ ትልእከላ ነበረት።

ሕጂ፡ ኣነ ወዲ 90 ዓመት ክኸውን ከለኹ፡ ኢዲት ከኣ ጓል 89 እያ። ኣስታት 70 ንዝዀኑ ሰባት፡ ንየሆዋ ኺፈልጥዎ ምሕጋዝና የሐጕሰና እዩ። ቅድሚ 60 ዓመት ናብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ንኽንኣቱ እተዋህበና መመልከቲ ምምላእና የሐጕሰና እዩ። እቲ ውሳነና፡ ብዙሕ ሰናይ ነገራት ናብ ዘለዎ ህይወት መሪሑና እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 29 ታሪኽ ህይወት ሓው ቫካ ኣብ ናይ 8 መስከረም 1985 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ወጺኡ እዩ።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ብ1958፡ ምስ ደቂ ኽፍልና ዝነበሩ ሚስዮናውያን ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዚርከብ ያንኪ ስታድዩም

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ብ1959፡ ኣብ ዕዮ ወረዳ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ስድራ ቤት ክንበጽሕ ከለና

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

ብ2002፡ ኣብ ኤኳዶር ኣብ ዚርከብ ጨንፈር