ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመሪሕነት ኣምላኽ ተስተውዕሎ ዲኻ፧

ንመሪሕነት ኣምላኽ ተስተውዕሎ ዲኻ፧

ንመሪሕነት ኣምላኽ ተስተውዕሎ ዲኻ፧

እስራኤላውያን ኰኑ ግብጻውያን፡ ከምኡ ዝበለ ርእዮም ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኣብ ዝወጹሉ እዋን፡ ዓንዲ ደበና ኻብ ጥቓኦም ኣይተፈልየን። ለይቲ ለይቲ ድማ፡ እቲ ዓንዲ እቲ፡ ዓንዲ ሓዊ ይኸውን ነበረ። ብሓቂ ዜደንጹ እዩ ነይሩ! ካበይ ግን እዩ መጺኡ፧ ዕላማኡ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ሎሚ ድሕሪ 3,500 ዓመት፡ ካብቲ እስራኤላውያን ብዛዕባ እቲ “ዓንዲ ሓውን . . . ደበናን” ዝነበሮም ኣረኣእያ፡ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧—ዘጸ. 14:24

ቃል ኣምላኽ፡ ምንጭን ዕላማን እቲ ዓንዲ ኺገልጽ ከሎ፡ “ለይትን መዓልትን ምእንቲ ኺጐዐዙ፡ እግዚኣብሄር ድማ ብመዓልቲ መገዲ ኺመርሖም ብዓንዲ ደበና፡ ብለይቲ ኸኣ ኼብርሃሎም ብዓንዲ ሓዊ ቐቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ” ይብል። (ዘጸ. 13:21, 22) የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ዓንዲ ሓውን ደበናን፡ ንህዝቡ ኻብ ግብጺ ንምውጻእን ኣብ በረኻ ንምምራሕን ተጠቕመሉ። እቶም ህዝቢ ነቲ ዓንዲ ምእንቲ ኺስዕብዎ፡ ንጕዕዞ ድሉዋት ኪዀኑ ነበሮም። ሓይልታት ግብጺ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣርኪቦም መጥቃዕቲ ኺፍንዉ ምስ በሉ፡ እቲ ዓንዲ ኣብ መንጎኦም ኣትዩ ንእስራኤላውያን ኣዕቈቦም። (ዘጸ. 14:19, 20) ብቐጥታዊ መገዲ ይመርሖም እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ናብ ምድሪ ተስፋ ንኺኣትዉ ግን ንዕኡ ኺስዕቡ ነበሮም።

እቲ ዓንዲ ኻብ ጥቓ ህዝቢ ኣምላኽ ዘይፍለ ምዃኑ፡ የሆዋ ምስኦም ከም ዝዀነ የረጋግጸሎም ነበረ። ንየሆዋ ዚውክል እዩ ነይሩ፣ ሓድሓደ ግዜ እውን፡ የሆዋ ኻብቲ ዓንዲ ይዛረቦም ነይሩ እዩ። (ዘሁ. 14:14፣ መዝ. 99:7) ብዘይካዚ፡ ሙሴ ነቲ ህዝቢ ንምምራሕ ብየሆዋ ኸም እተሸመ፡ እቲ ዓንዲ ይሕብር ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 33:9) እቲ ደበና፡ ኣብቲ ንመወዳእታ ግዜ ተጠቒሱሉ ዘሎ ቦታ፡ የሆዋ ንእያሱ ኣብ ክንዲ ሙሴ ኸም ዝሸሞ ኣረጋገጸ። (ዘዳ. 31:14, 15) እወ፡ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ናብ ምድሪ ተስፋ ዚገብርዎ ዝነበሩ ጕዕዞ ዕዉት ንኪኸውን፡ ንመሪሕነት ኣምላኽ ኣስተውዒሎም ኪስዕብዎ ነበሮም።

ነቲ መርትዖ ሰሓትዎ

እስራኤላውያን ነቲ ዓንዲ ንፈለማ ግዜ ምስ ረኣይዎ፡ ደንጽይዎም ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ዜሕዝን ግን፡ ነቲ ተኣምር እቲ ብቐጻሊ ምርኣዮም፡ ኣብ የሆዋ ነባሪ እምንቶ ኸም ዜሕድሩ ኣይገበሮምን። ነቲ ኣምላኽ ዚህቦም መምርሒ ብተደጋጋሚ ጥሒሶም እዮም። ሰራዊት ግብጺ ምስ ሰዓቦም፡ ኣብቲ ንየሆዋ ዘለዎ ናይ ምድሓን ሓይሊ እምንቶ ኣየሕደሩን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝነበረ ሙሴ ናብ ሞት ከም ዝመርሖም ገይሮም ከሰስዎ። (ዘጸ. 14:10-12) ንቐይሕ ባሕሪ ምስ ሰገሩ እውን፡ ዚብላዕን ዚስተን ከም ዝሰኣኑ ዀይኑ ምስ ተሰምዖም፡ ኣብ ሙሴን ኣብ ኣሮንን ኣብ የሆዋን ኣጕረምረሙ። (ዘጸ. 15:22-24፣ 16:1-3፣ 17:1-3, 7) ድሕሪኡ ሒደት ሰሙናት ጸኒሖም ከኣ፡ ንኣሮን፡ ምራኽ ወርቂ ኺሰርሓሎም ጸቕጢ ገበሩሉ። ሕስብ እሞ ኣብሎ! ብሓደ ሸነኽ እቲ ሰፈር፡ እስራኤላውያን ነቲ ኻብ ግብጺ ዝመርሖም ዓንዲ ሓውን ደበናን ርእዮም እኳ እንተ ነበሩ፡ ካብኡ ብዙሕ ከይረሓቑ ግን፡ “ዎ እስራኤል፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዮም” እናበሉ ንሓደ ህይወት ዘይብሉ ጣኦት ኬምልኹ ጀመሩ። ከመይ ዝበልዎ “ዓብዪ ንዕቀት” ኰን እዩ!—ዘጸ. 32:4፣ ነህ. 9:18NW።

እቲ እስራኤላውያን ዝፈጸምዎ ዕልወት፡ ንመሪሕነት የሆዋ ዓብዪ ንዕቀት ከም ዝነበሮም ዚሕብር እዩ ነይሩ። ቃል ብቓሉ ኣዒንቶም ሽግር እኳ እንተ ዘይነበረን፡ መንፈሳውያን ኣዒንቶም ግን ሽግር ነይርወን እዩ። ነቲ ዓንዲ እኳ እንተ ረኣይዎ፡ እንታይ ትርጕም ከም ዝነበሮ ግን ረስዕዎ። ብተግባራቶም “ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ . . . ኣቘጥዕዎ፣” ኰይኑ ግን፡ የሆዋ ብምሕረቱ ተደሪኹ፡ ናብታ ምድሪ ተስፋ ኽሳዕ ዚኣትዉ በቲ ዓንዲ ገይሩ መርሖም።—መዝ. 78:40-42, 52-54፣ ነህ. 9:19

ነቲ ሎሚ ዘሎ መሪሕነት ኣምላኽ ኣስተውዕሎ

ኣብዚ ግዜና እውን ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ንህዝቡ ብዘይ ንጹር መሪሕነት ኣይሓደጎምን። ከምቲ ንእስራኤላውያን ብርእሶም ኪጐዓዙ ዘይሓደጎም፡ ንዓና እውን ናብታ ተስፋ እንገብረላ ሓዳስ ዓለም ብርእስና ኽንጐዓዝ ኣይሓደገናን። ንየሱስ ክርስቶስ፡ መራሒ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኪኸውን ሸይምዎ እዩ። (ማቴ. 23:10፣ ኤፌ. 5:23) ንሱ ኸኣ እተወሰነ ስልጣኑ ንሓደ ብመንፈስ ብእተቐብኡ ጕጅለ ክርስትያናት ዝቘመ እሙን ባርያ ሂብዎ እዩ። እቲ እሙን ባርያ እውን ብግዲኡ፡ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓለውቲ ይሸይም እዩ።—ማቴ. 24:45-47፣ ቲቶ. 1:5-9

መንነት እቲ እሙን ባርያ ወይ መጋቢ ብኸመይ ከነረጋግጽ ንኽእል፧ የሱስ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “እቲ እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ፡ ቀለቦም በብጊዜኡ ኺህቦም፡ ጐይታኡ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞስ መን እዩ፧ እቲ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚጸንሖ ባርያ ብጹእ እዩ” በለ።—ሉቃ. 12:42, 43

እቲ መጋቢ፡ “እሙን” እዩ፣ ማለት ንየሆዋ፡ ንየሱስ፡ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ወይ ንህዝቢ ኣምላኽ ከቶ ኣይጠልምን እዩ። ብዘይካዚ፡ “ኣስተውዓሊ” ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ስብከት “ወንጌል መንግስቲ” ዀነ ነቲ ኻብ ‘ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር’ ዕዮ ኺመርሕ ከሎ፡ ጽቡቕ የመዛዝን እዩ። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20) “በብጊዜኡ” ጥዑይን ዜዐንግልን መንፈሳዊ ምግቢ ብተኣዛዝነት የዳሉ እዩ። ህዝቢ ኣምላኽ ዚገብርዎ ዘለዉ ዕቤት፡ ኣገደስቲ ውሳነታት ንኺገብሩ ዚረኸብዎ መምርሒ፡ ብዛዕባ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ዜጥርይዎ ዘለዉ ዝሓሸ ግንዛበ፡ ብኢድ ጸላእቶም ንኸይጠፍኡ ዚረኸብዎ ዘለዉ ዕቝባ፡ ከምኡውን ዜስተማቕርዎ ዘለዉ ኣእምሮኣውን ልባውን ሰላም፡ እቲ እሙን መጋቢ ስምረት የሆዋ ኸም ዝረኸበ ዚሕብር እዩ።—ኢሳ. 54:17፣ ፊል. 4:7

ንመሪሕነት ኣምላኽ ስዓብ

ንመሪሕነት ኣምላኽ ኣኽቢርና ኸም እንምልከቶ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንመራሕትኹም ተአዘዝዎምን ተገዝእዎምን” በለ። (እብ. 13:17) ከምኡ ምግባር፡ ወትሩ ቐሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ ብግዜ ሙሴ ዝነበርካ እስራኤላዊ ኸም ዝዀንካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ንእተወሰነ እዋን ምስ ተጓዓዝካ፡ እቲ ዓንዲ ደው በለ። ኣብቲ ደው ዝበለሉ ቦታ፡ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኢኻ ኽትጸንሕ፧ ንሓደ መዓልቲ ዲኻ፡ ንሓደ ሰሙን ዲኻ፡ ወይስ ንኣዋርሕ፧ ‘ሮዖይ ክፈትሕዶ፡ ወይስ ከም ዘለዎ ይጽናሕ፧’ ኢልካ ኽትሓስብ ትጅምር። ኣብ ፈለማ፡ ነቲ ኣመና ዜድልየካ ኣቕሑ ጥራይ ፈቲሕካ ኸተውጽእ ትጅምር። እተወሰነ መዓልትታት ምስ ሓለፈ ግን፡ ሓንቲ ኣቕሓ ብዝደለኻ መጠን ሮዖኻ ምፍታሕ ስለ ዜሰልክየካ፡ ንዅሉ ትፈትሖ። ፈቲሕካ ምስ ወዳእካ ግን፡ እቲ ዓንዲ ኺለዓል ከሎ ትርኢ፣ ሽዑ እንደገና ሮዖኻ ኽትጥቕልል ትጅምር። ከምኡ ምግባር ቀሊል ወይ ምሹእ ከም ዘይኰነ ኣየተሓታትትን እዩ። ኰይኑ ግን፡ እስራኤላውያን፡ እቲ ዓንዲ ምስ ተላዕለ፡ “ድሕርቲ . . . ይጐዓዙ” ነበሩ።—ዘሁ. 9:17-22

ንሕናኸ ኻብ ኣምላኽ መምርሒ ኺወሃበና ኸሎ፡ ከመይ እዩ ዚስምዓና፧ ብኡንብኡ ንትግብሮ ዲና፡ ወይስ በቲ ዝለመድናዮ መገዲ ኢና እንመላለስ፧ ንዚወሃበና እዋናዊ መምርሒታት ኣጸቢቕና ንፈልጦ ዲና፧ ንኣብነት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ብዛዕባ ምምራሕ፡ ንወጻእተኛታት ብዛዕባ ምስባኽ፡ ኣዘውቲርና ኣምልኾ ስድራ ቤት ብዛዕባ ምግባር፡ ምስቲ ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ ብዛዕባ ምትሕብባር፡ ከምኡውን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ኪህልወና ብዛዕባ ዘለዎ ስርዓት መምርሒታት ይወሃበና እዩ። ምኽሪ ኽንቅበል ከለና እውን፡ ንመሪሕነት ኣምላኽ ኣኽብሮት ከም ዘሎና ኢና እነርኢ። ኣገዳሲ ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ጥበብ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ የሆዋን ውድቡን ዚህቡና መምርሒ ኽንውከል ኣሎና። ከምቲ ሓደ ቘልዓ፡ ነጕድን በርቅን ዘለዎ ብርቱዕ ዝናም ኪዘንም ከሎ ናብ ወለዱ ዚጽጋዕ፡ ንሕና እውን ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኣብ ውድብ የሆዋ ኽንምዕቈብ ኣሎና።

እቶም ኣብ ውድብ የሆዋ መሪሕ ግደ ዘለዎም ዘይፍጹማት ምዃኖም ዚከሓድ ኣይኰንን፣ ኰይኑ ግን፡ ሙሴ እውን ዘይፍጹም እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ዓንዲ፡ ሙሴ ብኣምላኽ ከም እተሸመን ስምረት ኣምላኽ ከም ዝረኸበን ብቐጻሊ ዜረጋግጽ መርትዖ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ እውን፡ ነፍሲ ወከፍ እስራኤላዊ መዓስ ጕዕዞ ኸም ዚጅምር ብርእሱ ኺውስን ከም ዘይነበሮ ኣስተብህል። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቶም ህዝቢ፡ “ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝአዘዞ” ገይሮም ይጐዓዙ ነበሩ። (ዘሁ. 9:23) ስለዚ፡ እቲ ኣምላኽ መምርሒ ንምምሕልላፍ ከም መትረብ ገይሩ ዚጥቀመሉ ዝነበረ ሙሴ፡ ንኺጐዓዙ ምልክት ይህቦም ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

ሎሚ፡ እቲ ብየሆዋ እተሸመ መጋቢ፡ መዓስ ክንጐዓዝ ከም ዘሎና ንጹር ምልክት ይህበና እዩ። ብኸመይ እዩ ኸምኡ ዚገብር፧ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛን ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትናን ብዚወጽእ ዓንቀጻት፡ ብሓደስቲ ጽሑፋት፡ ከምኡውን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ብዚቐርብ መደረታት ኣቢሉ እዩ። ብገየሽቲ ሓለውቲ፡ ብደብዳበታት፡ ወይ ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ንዘለዎም ሰባት ብዚወሃብ ስልጠናታት ኣቢሉ እውን መምርሒታት የመሓላልፍ እዩ።

ንመሪሕነት ኣምላኽ ብንጹር ተስተውዕሎ ዲኻ፧ የሆዋ ንህዝቡ፡ ብውድቡ ገይሩ ነቲ ኣብዚ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት እዛ ናይ ሰይጣን እክይቲ ዓለም ዘሎ “በረኻ” ንኺሰግሩ ይመርሖም ኣሎ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ሓድነትን ፍቕርን ድሕንነትን የስተማቕሩ ኣለዉ።

እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ምስ በጽሑ፡ እያሱ፡ “ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም” በሎም። (እያ. 23:14) ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ እውን፡ ናብታ ተስፋ እተገብረላ ሓዳስ ዓለም ብርግጽ ኪኣትዉ እዮም። ኰይኑ ግን፡ ብውልቂ ናብኣ ንምእታው ዘሎና ኣጋጣሚ፡ ብዓብዪኡ ኣብቲ ንመሪሕነት ኣምላኽ ብትሕትና ንምስዓብ ዘሎና ፍቓደኛነት እዩ ዚምርኰስ። እምበኣር፡ ኵላትና ንመሪሕነት የሆዋ ወትሩ ነስተውዕሎ!

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእልታት]

ሎሚ ብውድብ የሆዋ ኢና እንምራሕ ዘለና

ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ዚወጽእ

ቲኦክራስያዊ ትምህርቲ

ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ዚወሃብ ስልጠና