ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንየሆዋ ብዅሉ ርዝነት ነገልግሎ

ንየሆዋ ብዅሉ ርዝነት ነገልግሎ

ንየሆዋ ብዅሉ ርዝነት ነገልግሎ

“ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ . . . ብእኡ ሕሰቡ።” —ፊል. 4:8

1, 2. ኣብ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ሸለልተኛታት ንኪዀኑ ዚድርኾም ዘሎ እንታይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ሕቶታት የበግስ፧

ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ጸገማትን መከራን ኣብ ዝመልኣ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። እዚ “ኽፉእ ዘመን” እዚ፡ ድልዱል መንፈሳዊ መሰረት ንዘይብሎም ሰባት፡ ልዕሊ ዓቕሞም ኪዀኖም ይኽእል እዩ። (2 ጢሞ. 3:1-5) ንዜጋጥሞም ጸቕጥታት ብናይ ርእሶም ሓይሊ ጥራይ እዮም ዚዋጽኡሉ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ብዙሕ ኣሳልጦ ኣይረኽቡን እዮም። ኣርዚንካ ዚርአ ነገራት እምብዛ ኻብ ምብዛሑ እተላዕለ፡ መቐረት ህይወት ምእንቲ ኸይጠፍኦም ኢሎም፡ በቲ ናይ መዘናግዒ ዓለም ዜውሕዞ ሓደስቲ ነገራት ኪዛነዩ ይፍትኑ።

2 ሰባት፡ ኣብ ህይወቶም ንዜጋጥሞም ውጥረት ንምንካይ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንተድላ ቐዳማይ ቦታ ይህብዎ እዮም። ክርስትያናት እውን እንተ ዘይተጠንቂቖም፡ ከምዚ ዓይነት ህይወት ኪመርሑ ይኽእሉ እዮም። ካብዚ ብኸመይ ክንጥንቀቕ ንኽእል፧ ኵሉ ሳዕ ብርዝነት እንመላለስ ክንከውን ኣሎና ማለት ድዩ፧ ተድላን ሓላፍነትን ከመይ ጌርና ብሚዛናዊ መገዲ ኽንሕዞ ንኽእል፧ ንኣገዳሲ ነገራት ብርዝነት እናሓዝና፡ ንዅሉ ኣርዚንና እንርኢ ምእንቲ ኸይንኸውን፡ ብምንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኢና ኽንምራሕ ዘሎና፧

ተድላ ኣብ እትፈቱ ዓለም ብርዝነት ንመላለስ

3, 4. ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ንርዝነት ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ጌርና ንኽንርእዮ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

3 እዛ ዓለም እዚኣ፡ ኣብ ‘ፍትወት ተድላ’ እያ እምብዛ እተተኵር። (2 ጢሞ. 3:4) ኣብ መዛነዪ ዘለዋ ሕሉፍ ኣትኵሮ፡ ንመንፈሳውነትና ሓደገኛ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ምሳ. 21:17) ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስን ናብ ቲቶስን ኣብ ዝጸሓፈን መልእኽትታት፡ ብዛዕባ ርዝነት ምኽሪ ኺህብ እምበኣር ሓቁ እዩ። ነቲ ምኽሪ እቲ ኣብ ግብሪ ምውዓልና፡ በቲ ዓለም ዘለዋ ናይ ሸለልትነት መንፈስ ንኸይንጽሎ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 2:1, 2፣ ቲቶስ 2:2-8 ኣንብብ።

4 ዘመናት ኣቐዲሙ፡ ሰሎሞን፡ ኣብ ህይወትና ርዝነት ምእንቲ ኺህልወና፡ ሓድሓደ ግዜ ተድላ ዜምጽኣልና ነገራት ክንሓድግ ከም ዚግባእ ጽሒፉ ነይሩ እዩ። (መክ. 3:4፣ 7:2-4) ህይወት ሓጻር ስለ ዝዀነት፡ ንምድሓን ‘ክንጋደል’ የድልየና እዩ። (ሉቃ. 13:24) ከምኡ ንምግባር፡ “ርዝነት ዘለዎ ዘበለ” ኽንሓስብ ኣሎና። (ፊል. 4:8, 9) እዚ ኸኣ፡ ንነፍሲ ወከፍ መዳይ ክርስትያናዊ ህይወትና ኸነተኵረሉ ኣሎና ማለት እዩ።

5. ሓደ ኻብቲ ብርዝነት ክንሕዞ ዘሎና መዳይ ህይወትና እንታይ እዩ፧

5 ንኣብነት፡ ክርስትያናት ንየሆዋን ንየሱስን ብምምሳል፡ ነቲ ኣበርቲዖም ኪዓዩ እተዋህቦም ሓላፍነት ኣርዚኖም እዮም ዚርእይዎ። (ዮሃ. 5:17) ስለዚ ድማ፡ ብጽቡቕ ስራሖምን ብተኣማንነቶምን ብዙሕ ግዜ ይነኣዱ እዮም። ብፍላይ ርእስታት ስድራ ቤት፡ ንስድራኦም ዜድሊ ምእንቲ ኼማልኡ፡ ኣበርቲዖም ኪዓዩ ይደልዩ እዮም። ከመይሲ፡ ንስድራ ቤቱ ዜድሊ ዘበለ ዘየማልእ ሰብ፡ ከም “ዘይአምን” እዩ ዚቝጸር።—1 ጢሞ. 5:8

ኣርዚንካ ዚርአ፡ ግናኸ ዜሐጕስ ኣምልኾና

6. ነቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ ኣርዚንና ኽንርእዮ ኸም ዘሎና ብኸመይ ንፈልጥ፧

6 የሆዋ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣፍኲሱ ርእይዎ ኣይፈልጥን እዩ። ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ካብቲ ንየሆዋ ዜቕርብዎ ኣምልኾ ኺወጹ ኸለዉ፡ ብመሰረት ሕጊ ሙሴ ሕማቕ ሳዕቤናት ይዓጽዱ ነበሩ። (እያ. 23:12, 13) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበሩ ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብብልሹው ትምህርትታትን ኣረኣእያታትን ምእንቲ ኸይብከል፡ ኪጋደሉ ነበሮም። (2 ዮሃ. 7-11፣ ራእ. 2:14-16) ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን፡ ንኣምልኾኦም ኣርዚኖም እዮም ዚርእይዎ።—1 ጢሞ. 6:20

7. ጳውሎስ ንኣገልግሎቱ ብኸመይ እዩ ተዳልዩ፧

7 ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እንገብሮ ተሳትፎ፡ ሓጐስ የምጽኣልና እዩ። ይኹን እምበር፡ ነዚ ሓጐስ እዚ ንምዕቃብ፡ ንኣገልግሎትና ኣርዚንና ኽንሓስበሉን ኣቐዲምና ኽንዳለወሉን ኣሎና። ጳውሎስ ነቶም ዝመሃሮም ሰባት ብኸመይ ኵነታቶም ኣብ ግምት የእቱ ኸም ዝነበረ ኺገልጽ ከሎ፡ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ብዅሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸድሕን፡ ንዅላቶም ኵሉ ዀንኩ። እዚ ዅሉ ምእንቲ ወንጌል፡ ንርእሰይውን ካብኡ ኽካፈል ኢለ እየ ዝገብሮ ዘሎኹ።” (1 ቈረ. 9:22, 23) ጳውሎስ ንሰባት ብመንፈሳዊ መዳይ ብምሕጋዝ ሓጐስ ረኺቡ እዩ፣ ንሰማዕቱ ዜድልዮም ዘበለ ብኸመይ ከም ዜማልኣሎም እውን ብርዝነት ሓሲቡሉ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ንየሆዋ ንኼምልኽዎ ኼተባብዖምን ኬለዓዕሎምን ከኣለ።

8. (ሀ) ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት ከመይ ዝበለ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዚግባእ፧ (ለ) ምምራሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ኻብ ኣገልግሎትና እንረኽቦ ሓጐስ ኣበርክቶ ኺገብር ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

8 ጳውሎስ ንኣገልግሎቱ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኣርዚኑ ዚርእዮ ነይሩ፧ ንየሆዋ ‘ንኼገልግልን’ ነቶም ንመልእኽቲ ሓቂ ዚሰምዑ ‘ባርያ ንኪኸውንን’ ፍቓደኛ ነይሩ እዩ። (ሮሜ 12:11፣ 1 ቈረ. 9:19) ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ኰነ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ዀነ፡ ወይ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት፡ ንሰባት ቃል ኣምላኽ ናይ ምምሃር ሓላፍነት ክንስከም ከለና፡ ንሓላፍነትና ብርዝነት ንርእዮ ዲና፧ ምናልባት ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ፡ ከቢድ ጾር ከም ዝዀነ ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። እዚ ዕዮ እዚ፡ ካብ ብሕታዊ ዋኒንና ግዜ ወሲድና፡ ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ ክንውፍዮ ዚሓትት ከም ዝዀነ ኣይከሓድን እዩ። ኰይኑ ግን፡ እዝስ ምስቲ የሱስ፡ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ኢሉ እተዛረቦ ሓሳብ ዚሰማማዕዶ ኣይኰነን፧ (ግብ. 20:35) ንሰባት መገዲ ድሕነት ምምሃሮም፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ ሓጐስ የምጽኣልና እዩ።

9, 10. (ሀ) ረዘንቲ ኽንከውን ኪበሃል ከሎ፡ ፈጺምና ምስ ካልኦት ኴንና ኣይንዘናጋዕን ማለት ድዩ፧ ግለጽ። (ለ) ሓደ ሽማግለ ኣተባባዕን ተቐራብን ንኪኸውን ዚሕግዞ እንታይ እዩ፧

9 ረዘንቲ ኽንከውን ኪበሃል ከሎ፡ ፈጺምና ምስ ካልኦት ኴንና ኣይንዘናጋዕን ማለት ኣይኰነን። የሱስ ንኻልኦት ብምምሃር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብመዘናግዕን ምስ ካልኦት ትርጕም ዘለዎ ርክብ ብምምስራትን ዝመጸ እውን ፍጹም ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። (ሉቃ. 5:27-29፣ ዮሃ. 12:1, 2) ርዝነት ኪበሃል ከሎ፡ ኵሉ ሳዕ ተረርቲ ኽንመስል ኣሎና ማለት እውን ኣይኰነን። የሱስ ጸዋግን ተሪርን እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ሰባት ፈጺሞም ኣይምቐረብዎን። ከምኡ ስለ ዘይነበረ ግን፡ ቈልዑ እውን ከይተረፉ ኸይተሰከፉ ይቐርብዎ ነበሩ። (ማር. 10:13-16) ነቲ የሱስ ዝነበሮ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧

10 ሓደ ሓው ብዛዕባ ሓደ ሽማግለ፡ “ንባዕሉ ብዙሕ ነገራት ኪገብር ይጽዕር እኳ እንተ ዀነ፡ ካብ ካልኦት ግን ፍጽምና ኣይጽበን እዩ” በለ። ንስኻኸ ኸምኡ ዲኻ፧ ብዛዕባ ኻልኦት ሚዛናዊ ትጽቢት ኪህልወካ ግቡእ እዩ። ንኣብነት፡ ወለዲ ንደቆም ርትዓዊ ሸቶታት ኬውጽኡሎምን ነቲ ሸቶታት ንኺወቕዑ ኺሕግዝዎምን ከለዉ፡ ደቆም ይነፍዑ እዮም። ብተመሳሳሊ፡ ሽማግለታት ንገሊኦም ኣባላት ጉባኤ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ዕቤት ኪገብሩ ኼተባብዕዎምን ብኸመይ ከምኡ ኺገብሩ ኸም ዚኽእሉ ንጹር ሓሳባት ኬካፍልዎምን ይኽእሉ እዮም። ሓደ ሽማግለ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እንተ ኣልይዎ፡ ፈቃርን ተቐራብን ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ሮሜ 12:3) ሓንቲ ሓብቲ፡ “ሓደ ሽማግለ ንዅሉ ነገር ከም ዋዛ ገይሩ ኺርእዮ ኣይደልን እየ። ብኣንጻሩ ኸኣ፡ ንዅሉ ብርዝነት ዚርእዮ እንተ ዀይኑ፡ ክትቀርቦ ኣጸጋሚ እዩ” በለት። ካልእ ሓብቲ ድማ፡ ገሊኦም ሽማግለታት “ብተፈጥሮኦም ንዅሉ ነገር ኣርዚኖም ዚርእዩ ስለ ዝዀኑ፡ የፍርሁኻ እዮም” በለት። ሽማግለታት ነቲ ዅሎም ክርስትያናት ብዛዕባ እቲ ዜምልኽዎ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዘለዎም ባህ ዜብል ኣረኣእያ ኼህስስዎ ኣይደልዩን እዮም።—1 ጢሞ. 1:11NW።

ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ሓላፍነት ምስካም

11. ክርስትያን ሰብኡት ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ኪስከሙ ‘ይደልዩ’ ኺበሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧

11 ጳውሎስ ነቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበሩ ሰብኡት፡ ተወሳኺ ሓላፍነት ንኺስከሙ ዜኽእል ብቕዓት ኬጥርዩ ዘተባብዖም፡ ስልጣን ብምርካቦም ንኺሕበኑ ኢሉ ኣይኰነን። የግዳስ፡ “ሓደ እኳ መዓርግ ኤጲስቆጶስ እንተ ደለየ፡ ሰናይ ግብሪ ይምነ አሎ” ኢሉ እዩ ጽሒፉ። (1 ጢሞ. 3:1, 4) ክርስትያን ሰብኡት ሓላፍነት ኪስከሙ ‘ይደልዩ’ ኺበሃል ከሎ፡ ንኣሕዋቶም ምእንቲ ኼገልግሉ ኢሎም መንፈሳዊ ባህርያት ንምጥራይ ሓያል ድሌት የማዕብሉ ማለት እዩ። ሓደ ሓው ካብ ዚጥመቕ እንተ ወሓደ ሓደ ዓመት እንተ ገይሩ፡ ነቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 3:8-13 ዘሎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓት ከኣ ብመጠኑ ዜማልእ እንተ እንተ ዀይኑ፡ ንሓላፍነት ኪሕጸ ይኽእል እዩ።ቍጽሪ 8 ብንጹር፡ “ድያቆናትውን ከምኡ፡ . . . ረዘንቲ . . . ኪዀኑ ይግባእ” ከም እትብል ከነስተብህለላ ይግባእ።

12, 13. መንእሰያት ኣሕዋት፡ ሓላፍነት ኪስከሙ ኸም ዚደልዩ ኼርእዩሉ ዚኽእሉ መገድታት ግለጽ።

12 ብርዝነት እትመላለስ ጥሙቕ በጽሒ ዲኻ፧ ብእተፈላለየ መገዲ፡ ሓላፍነት ክትስከም ከም እትደሊ ኸተርኢ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ኽትገብረሉ እትኽእል መገዲ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዘሎካ ተሳትፎ ብምምሕያሽ እዩ። ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ምስ ዚርከቡ ኣሕዋት ምግልጋል የሐጕሰካ ድዩ፧ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሓሉ ሰብ ንምርካብ ትጽዕር ኣለኻ ዲኻ፧ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ከለኻ፡ ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብዛዕባኡ ዚወሃብ ሓሳባት ትጥቀመሉ እንተ ዄንካ፡ ክእለት ኣመሃህራኻ ኸተመሓይሽ ኢኻ። ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ነቲ መገድታት የሆዋ እትምህሮ ሰብ ክትድንግጸሉ ኢኻ። ተመሃራይካ ኣብ ህይወቱ ለውጢ ኺገብር ከም ዘለዎ ኺግንዘብ ምስ ጀመረ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም ዜውዕል ብትዕግስትን ብሜላን ክትሕግዞ ኢኻ።

13 ኣቱም መንእሰያት ኣሕዋት፡ ነቶም ኣብ ጉባኤኹም ዘለዉ ብዕድመ ዚዓብዩኹም ክርስትያናት ብዝዀነ ይኹን መገዲ ንምድጋፍ ገዛእ ርእስኹም ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምጽራይን ብጽፈት ኣብ ምሓዝን እውን እጃምኩም ከተበርክቱ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ዝዀነ ይኹን መዳይ ሓገዝ ንምሃብ ፍቓደኛታት እንተ ዄንኩም፡ እዚ መንፈስ ፍቓደኛነት እዚ፡ ንኣገልግሎትኩም ብርዝነት ከም እትርእይዎ እዩ ዚሕብር። ንስኻትኩም እውን ከም ጢሞቴዎስ፡ ንጉባኤኹም ካብ ልቢ ኽትሓልዩ ትኽእሉ ኢኹም።—ፊልጲ 2:19-22 ኣንብብ።

14. መንእሰያት ኣሕዋት ኣብ ጉባኤ ኼገልግሉ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም ብኸመይ ‘ኪምርመሩ’ ይከኣሉ፧

14 ኣቱም ሽማግለታት፡ ነቶም ካብ “ትምኒት ጕብዝና” ኺሃድሙ፡ ኣስኣሰር “ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን” ካልእ ጽቡቕ ባህርያትን ከኣ ኪስዕቡ ዚደልዩ መንእሰያት ኣሕዋት ዕዮ ሃብዎም። (2 ጢሞ. 2:22) ኣብ ጉባኤ ዚዓይዎ ነገር ብምሃብ፡ ሓላፍነት ኪስከሙ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም ‘ይምርመሩ፣’ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ‘እናወሰኹ ይኸዱ ኸም ዘለዉ ኣብ ኵሉ ይግለጽ።’—1 ጢሞ. 3:10፣ 4:15

ኣብ ጉባኤናን ኣብ ስድራ ቤትናን ብርዝነት ንመላለስ

15. ብመሰረት 1 ጢሞቴዎስ 5:1, 2፡ ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ ረዘንቲ ኽንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

15 ርዝነት ኪበሃል ከሎ፡ ክብረት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምሕላው እውን የጠቓልል እዩ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ኣብ ዝሃቦ ምኽሪ፡ ንኻልኦት ብኣኽብሮት ኪርእዮም ከም ዘለዎ ነጊርዎ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:1, 2 ኣንብብ።) ብፍላይ ምስ ኣንጻር ጾታ ኣብ ዚህሉ ርክብ፡ እዚ ነገር እዚ ኣገዳሲ እዩ። እዮብ ንደቂ ኣንስትዮ፡ ብፍላይ ከኣ ንሰበይቱ ዝነበሮ ኣኽብሮት፡ ክንቀድሖ ዚግባእ ኣብነት ይዀነና እዩ። ንኻልእ ሰበይቲ ብዓይኒ ህርፋን ከይጥምት ይጥንቀቕ ነይሩ እዩ። (እዮ. 31:1) ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ኣርዚንና እንርእዮም እንተ ዄንና፡ ኣይንኳሸምን ኢና፣ ንሓውና ወይ ንሓብትና ዜሰክፍ ነገር እውን ኣይንገብርን ኢና። ብሕልፊ፡ ክልተ ኣንጻር ጾታ ኺመራዓዉ ሓሲቦም ፍቕራዊ ርክብ ኣብ ዚምስርቱሉ እዋን፡ ንሓድሕዶም ኪከባበሩ ኣለዎም። ሓደ ረዚን ክርስትያን፡ ብስምዒት ኣንጻር ጾታ ፈጺሙ ኣይጻወትን እዩ።—ምሳ. 12:22

16. ገሊኦም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ ብዓል ሓዳርን ኣቦን ዘለዎም ኣረኣእያ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ግደ ዘለዎ ፍልልይ ግለጽ።

16 ነቲ ኣምላኽ ኣብ ስድራ ቤት ዝሃበና ግደ እውን፡ ኣፍኲስና ንኸይንርእዮ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ናይ ሰይጣን ዓለም ነቲ ብዓል ሓዳርን ኣቦን ዘለዎ ግደ መላገጺ እያ እትገብሮ ዘላ። ናይ መዘናግዒ ኢንዱስትሪ ንርእሲ ስድራ ቤት ኣደዳ ላግጽን ንዕቀትን ይገብሮ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ንሰብኣይ፡ “ርእሲ ሰበይቱ” ብምባል፡ ዓብዪ ሓላፍነት እዩ ዚህቦ።—ኤፌ. 5:23፣ 1 ቈረ. 11:3

17. ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ዘሎና ተሳትፎ፡ ንሓላፍነትና ኣርዚንና ኸም እንርእዮ ዚሕብር ብኸመይ ምዃኑ ግለጽ።

17 ሰብኣይ ንስድራ ቤቱ ብስጋ ዜድልዮም የማልእ ይኸውን። መንፈሳዊ መምርሒ ዘይህቦም እንተ ዀይኑ ግን፡ ኣስተውዕሎን ጥበብን ከም ዚጐድሎ እዩ ዜርኢ። (ዘዳ. 6:6, 7) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ርእሲ ስድራ ቤት እንተ ዄንካን ኣብ ጉባኤ ተወሳኺ ሓላፍነት ክትስከም ትደሊ እንተ ዄንካን፡ “ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን፡ ብዅሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን” ክትከውን ከም ዘሎካ፡ 1 ጢሞቴዎስ 3:4 ትገልጽ እያ። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ንርእስኻ፡ ‘ኣብ ቤተይ፡ ወትሩ ንኣምልኾ ስድራ ቤት ግዜ እህብ ድየ፧’ ኢልካ ሕተት። ገሊአን ክርስትያን ኣንስቲ ንሰብኡተን፡ መንፈሳዊ ሓላፍነቶም ንኺስከሙ ኽሳዕ ምልማን በጺሐን እየን። ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ነዚ ሓላፍነቱ እዚ ኣርዚኑ ኺርእዮ ኣለዎ። ክርስትያን ሰበይቲ እውን፡ ንመሰናድዎ ኣምልኾ ስድራ ቤት ክትድግፍን ዕዉት ንምግባሩ ምስ ሰብኣያ ኽትተሓባበርን ኣለዋ።

18. ቈልዑ ረዘንቲ ኪዀኑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

18 ውሉዳት እውን ረዘንቲ ኪዀኑ እዮም ዚተባብዑ። (መክ. 12:1) ቈልዑ ኸከም ዕድሚኦምን ክእለቶምን ኣብ ቤት ምዕያዮም፡ ዋላ ሓንቲ ጕድኣት የብሉን። (ድጕ. 3:27) ንጉስ ዳዊት ንእሽቶ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንፉዕ ጓሳ ንኪኸውን ዜድልዮ ኽእለት ኣጥርዩ ነይሩ እዩ። ናይ ሙዚቃ ኽእለት ስለ ዘማዕበለ እውን፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ እስራኤል ኬገልግል ክኢሉ እዩ። (1 ሳሙ. 16:11, 12, 18-21) ንእሽቶ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ይጻወት ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ጸኒሑ ንየሆዋ ንምውዳስ ዜኽእሎ ጠቓሚ ኽእለታት እውን ኣማዕቢሉ እዩ። ከም ጓሳ ዀይኑ ዘማዕበሎ ኽእለቱ፡ ንህዝቢ እስራኤል ብዓቕሊ ንኺመርሖ ሓጊዝዎ እዩ። ኣቱም ቈልዑ፡ ንፈጣሪኹም ንኸተገልግልዎ ዚሕግዘኩምን ኣብ መጻኢ ንእትስከምዎ ሓላፍነታት ዜዳልወኩምን ክንደይ ክእለታት ተጥርዩ ኣለኹም፧

ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንሓዝ

19, 20. ኣብ ህይወትካን ኣብ ኣምልኾኻን እንታይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልወካ ኢኻ ቘራጽነት ጌርካ ዘለኻ፧

19 እምብዛ ረዘንቲ ምእንቲ ኸይንኸውን፡ ኵላትና ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንኽንሕዝ ጻዕሪ ኽንገብር ንኽእል ኢና። “እምብዛ ጻድቕ” ክንከውን ኣይንደልን ኢና። (መክ. 7:16) ኣብ ቤት ኰነ፡ ኣብ ስራሕ ኰነ፡ ወይ ምስ ክርስትያን ኣሕዋትናን ኣሕትናን ኣብ ዘሎና ርክብ፡ ንሰባት ዘይንኸብዶም እንተ ዄንና፡ ጽቡቕ ሃዋህው ንኺፍጠር ይሕግዝ እዩ። ኣባላት ስድራ ቤት፡ ኣብ ቤቶም ዘሎ ሰላም ምእንቲ ኸይዝረግ፡ እምብዛ ነቐፍቲ ኪዀኑ የብሎምን። ኣብ ጉባኤ እውን፡ ዝርርብናን ኣመሃህራናን ሃናጽን ኣወንታውን ክሳዕ ዝዀነ፡ ክንስሕቕን ክንተሓጓጐስን ንኽእል ኢና።—2 ቈረ. 13:10፣ ኤፌ. 4:29

20 ንየሆዋ ዀነ ንሕግታቱ ኣርዚና ኣብ ዘይትርኢ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። ህዝቢ የሆዋ ግን፡ ንኣምላኽ እዙዛትን እሙናትን ኪዀኑ ይደልዩ እዮም። ክፍሊ እዞም ንየሆዋ “ብዅሉ ምርዛን” ዜምልኽዎ ህዝቢ ምዃንሲ፡ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ! እምበኣር፡ ንህይወትናን ንኣምልኾናን ወትሩ ብርዝነት ንኽርእዮ ቘራጽነት ንግበር!

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• በቲ ዓለም ዘለዋ ናይ ሸለልትነት መንፈስ ክንጽሎ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

• ኣገልግሎትና ዜሐጕስ እኳ እንተ ዀነ፡ ብርዝነት ክንርእዮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ሓላፍነት ብዛዕባ ምስካም ዘሎና ኣረኣእያ፡ ረዘንቲ ምዃንና ወይ ዘይምዃንና ዚሕብር ብኸመይ እዩ፧

• ክብረት ኣሕዋትናን ክብረት ኣባላት ስድራ ቤትናን ምሕላው፡ ኣርዚንካ ዚርአ ጕዳይ ዝዀነሉ ምኽንያት ግለጽ።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእልታት]

ሰብኣይ ንስድራ ቤቱ፡ ብስጋውን ብመንፈሳውን መዳይ ዜድሊ ዘበለ ኼማልእ ኣለዎ